ርፍረፋ ማሕበረ ዴጎ፦ ኰዅሒ ዘጠልቀየ ደም ወገን
ቍጽሪ እቶም ከካብ ከባቢኦም ዝተወሰዱ ሰባት፡ ልዕሊ 76 ይግመት። እዞም ወገናት ድሕሪ ከካብ ከባቢኦም ምልቃሞም፡ ንመወዳእታ ጊዜ ብሂወት ዝተርአዩሉ ንጕሆ ጥሪ 16፡ 2021 ዓ/ም እዩ። ድሕሪኡ: ምሟቶም እኳ ንዳርጋ ክልተ ወርሒ ኣይተፈለጠን ነይሩ። ድምጾም ይዅን ሃለዋቶም ዝሰምዐ ወይ ዝርአየ ስድራ ግዳያት ኰነ ዘመድ የለን። ንመወዳእታ ጊዜ ብሂወት ዝተርአዩሉ ቦታ ክዓ መልዓጣ ከም ዝዀነ መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ።
Copy and paste this URL into your WordPress site to embed
Copy and paste this code into your site to embed