ርፍረፋ ማሕበረ ዴጎ፦ ኰዅሒ ዘጠልቀየ ደም ወገን

ቍጽሪ እቶም ከካብ ከባቢኦም ዝተወሰዱ ሰባት፡ ልዕሊ 76 ይግመት። እዞም ወገናት ድሕሪ ከካብ ከባቢኦም ምልቃሞም፡ ንመወዳእታ ጊዜ ብሂወት ዝተርአዩሉ ንጕሆ ጥሪ 16፡ 2021 ዓ/ም እዩ። ድሕሪኡ: ምሟቶም እኳ ንዳርጋ ክልተ ወርሒ ኣይተፈለጠን ነይሩ። ድምጾም ይዅን ሃለዋቶም ዝሰምዐ ወይ ዝርአየ ስድራ ግዳያት ኰነ ዘመድ የለን። ንመወዳእታ ጊዜ ብሂወት ዝተርአዩሉ ቦታ ክዓ መልዓጣ ከም ዝዀነ መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ።