Connect with us

መርገፂ

መልእኽቲ ውናት ናብ ላዕለዋይ እዝዚ ሰራዊት ትግራይ

ውናት ኣብ ብሄራዊ ድሕነት ትግራይ ዘንጸላለወ ሓደጋ ንምእላይ ለበዋ ዘቕረበሉ መልኽእትን ኣተሓሒዙ ዝልኣኾ ሓባሪን።

Published

on

ዋኒኑ፦ ኣብ ብሄራዊ ድሕነት ትግራይ ዘንጸላለወ ሓደጋ ንምእላይ ለበዋ ምቕራብ

ኣብ ሞንጎ ውድብናን ኮማንድኹምን ደብዳቤ ክንጽሓሓፍ ዝፈቅድ ሕገ-መንግስትን ሕገ-መንግስታዊ ኣሰራርሓን ከምዘየለ እናዘኻኸርና፤ ግን ድማ ውድብና ውድብ ናጽነት ትግራይ ኣካል ናይቲ ዝሳለጥ መኸተን ህዝባዊ ተጋድሎን ብምዃን፤ ክንዮ ሕግን ኣሰራርሓን ኣብ ሞንጎና ብሄራዊ ኣገዳዲ ኩነታት ዝፈጠሮ ርክብን ዝምድናን ከምዘሎ ንርዳእ። ካብዚ ብምብጋስ፦

  • ኣልዒልናዮ ዘለና ዛዕባ ሓደጋ ብሄራዊ ድሕነት ግዘ ዘይህብ ብምዃኑ
  • ምስ ሲቪል ምሕደራ ገዛኢ ውድብ ኣብ ዘለና ርክባት ነቲ ሓደጋ ዝፈትሕ ተሰፋ ሰለይረኸብና
  • ሰራዊት ትግራይ ዘይሻራውን ህዝባውን ትካልን ሓይሊን ትግራይ እዩ ዝብል እምነት ሰለዘለና
  • ሓደጋታት ብሄራዊ ድሕነት ኢልና ዘልዐልናዮም ዛዕባታት ብቐጥታ ምስ ህዝባዊ ኩናትን ሰራዊትን ሰለዝዛመዱ

ከም ውድብ ዓድናን ህዝብናን ንሓደጋ እናተጋለጸ ንፓለቲካዊ መኸሰብ ክንብል ከምዘይረኣና ክንሓልፍ ናይ ታሪኸን ናይ ሞራልን ተሓተቲ ከምንኸውን ብምርዳእ፤ ከም ህዝብን ብሄርን ኣብ እነሳልጦ ዘለና ተጋድሎ፤ ኣንጻር ዕውት መገዲ ህዝባዊ ቃልስናን መጻኢ ሃለዋት ትግራይን ኣንጸላልዮም ዘለው ሓደጋታት ብሄራዊ ድሕነት ዝምልከት ዘለና ገምጋምን ኣንፈት ፍታሕን፤ ምሰዚ ደብዳበ ተላጊቡ ኣብዘሎ ሓባሪ ጽሑፍ ንለበዋ ክንስደልኩም ከለና፤ ብኣጋ እዚ ሓደጋ ንምእላይ ኣድላይ ዘበለ ከምትገብሩ ተስፋ እናገበርና እዩ።

ትግራይ ትስዕር!!

ምስ ሰላምታ


ሓባሪ ገምጋም ብሄራዊ ድሕነትን ጸጥታን ትግራይ ውድብ ናጽነት ትግራይ

ውድብ ናጽነት ትግራይ – ውናት – እዋናውን መድረኽ ዝፈጠሮን ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ተሓንጊጡ ኣብ መወዳታ 2012 ብዕሊ ዝተጣየሸ ብሄራዊ ትግራዋይ ውድብ እዩ። ካብ መፈለምታ ምስረትኡ ካብ ሃልሃልታ ብሄራዊ ስምዒት ዝትወለደ ውናት ፤ መረጻ 2012 ትግራይ ክሳለጥ ግቡእምጽዋቱ ፤ ተጋሩ ክም ህዝቢ ኣብ ግዝኣተ-ሃጸይ ኢትዮጵያ ገሙና ዘሎ ጸገም ፤ ካብ ዘይፍታሕ ጎነጽ ናይታ ግዝኣተ-ሃጸይ ክምዝብገስን ሕቶ ትግራይ ብምስረታ ዴሞክራስያዊትን ሉእላዊት ሃገረ ትግራይ ጥራሕ ክምዝፍታሕን ኣብ ምእማት መሪሕ ተራ ተጻዊቱ። ውናት እቲ ካብ 24 ጥትምቲ 2013 ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ንትግራይ ዝበልዕ ዘሎ ኩናት ከምዝመጽእን ኣድላይ ምድላው ክግበርን ውን ቀዲሙ ዓኣካት መንግስቲ ትግራይ እናሓበረ ጸኒሑ እዩ።

ድሕሪ ምጅማር እቲ ወራር ኣብ 12 ሕዳር 2013 ህጹጽ ኣኼባ ፈጻሚ ስራሕ ዝገበረ ውናት ወረርቲ ንምምካት ደባይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም ፍታሕ ኣንፊቱ ግን ድማ ከም ትግራይ ሓደ ስሙር ሰራዊት ክህልወና ሰለዝግባእ ፤ ምስ ኣካላት ክልል መንግስትን ገዛኢ ውድብን ሓቢርካን ተዛቲኻን ክኸውን ከምዝነበሮ ብምእማን ፤ ናብ መኸተ ተጸምቢሩ ወላ እቲ ውሳነ ዘሕለፈ ናይ ኣኼባ ፈጻሚ ህጸጽን ወጥርን ዝነበሮ እንተኾነ ውድብና ብስለሰተ መልክዕ ኣብ መኸተ ክሳተፍ እዩ ወሲኑ ሓደ ክፋል ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ እንትጽምበር ፤ ካልኣይን ሳልሳይን ክፋላትና ድማ ብቕደም ሰዓብ ኣብ ናይ ዲፕሎማስን ናይ ከተማ ቃልስን እዮም ኣትዮም። በዚ መሰረት ኩሉ ኣባልን ኣመራርሓን ናብ ቃልሲ ወፊሩ ኣብ ግዘ ጎበጣ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ደገ/ዲያስፓራ ዝርከቡ መሓውርና ውን ምስ ኩሎም ተጋሩ ሓይልታት ተዋዲዱ ሰፊሕ ናይ ዲፕሎማሲ ቃልሲ ኣካይዱ እዩ።ኣብ መዳይ ዕጥታዊ ቃልሲ ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ክንመጽእ ከለና ፤ ኣሸሓት ኣባላትናን ደገፍትናን ናብ ሰራዊት ትግራይ ካብ ምጽምባሮም ብተወሳኺ ካብ ማእስርትን ሃለዋት ምጥፋእን ዝተረፉ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ውድብና ፤ ዳርጋ ፍርቂ ፤ እቶም 14 ሰልጢኖም ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ኮይኖም ግብኦም እናተዋጽኡ ይርክቡ። ኣብ ሰራዊት ትግራይ ካብ

ዘለው ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴናን ፈጻሚ ስራሕን ፤ ፓለቲካዊ መሪሕነት ኢና ከይበሉ ብትግሃት ብሄራዊ ግብኦም ንምፍጻም ክሳብ ተራ ተዋጋእቲ ኮይኖም እናገልገሉ ይርክቡ። ኣባላት ማእክላይ ኮሚቴን ፈጻሚትን ዝኾነ ብጾትና ከይተረፉ ክሳብ ሕዚ ተራ ተወጋእቲ ኮይኖም ብሄራዊ ግቡኦም ይዋጽኡ ኣለው። ብሓፈሻ መሪሕነት ጥራሕ ዘይኮነ ኣእላፍ ኣባላትን ደገፍትን ውድብና ከም ኩሉ ትግራዋይ በይዛ ዓዶም ክዋደቑ ምስ ሰራዊቶም ተሰሌፎም ታሪኽ ይሰርሑ ኣለዉ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ፤ ካብ ሰነ 21 ማለት ውን ድሕሪ ዳግመ ተኸላ ሲቪላዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘሎ ኩነታት መኸተን ህዝባዊ ኩናትን ግና ከም ውድብ እናሸቓለና ይርከብ ብፍላይ ድሕሪ ታሕሳስ ማለት ድሕሪ ምምላስ ካብ ወፍርታት ዓፋርን ኣምሓራን ዘሎ ሃዋህው ከዓ ኣዝዩ ዝኸፍአ ይመስል። ንሕና ብወገና ከም ውድብ  ህዝባዊ ተጋድሎ ትግራይ ኣንጻር ወረርቲ ተዓዊቱ ሃለዋትን ድሕነትን ትግራይ ክረጋገጽ ኩሉግI ኣድላይ ዘበለ ክገብር ቁሩባት ኢና። ንቐጻሊውን ዋላ ኣጸጋሚ ውሽጣዊ ኩነታት ፓለቲካ ምህላው እንተፈለጥና ፤ብቐጥታ ኣብ ስራዊትና ኣቲናን ብኩለመዳይ ደገፍቲ ኮይናን ቃልሲ ህዝብና ካብ ምዕዋት ወጻእ ካልእ መመረጺ ከምዘይለ ደምዲምና ዝሓደርና ኢና።

ኮይነ ግን መኸተን ህዝባዊ ተጋድሎናን ከይዕወት ወይ ውን ገፍ ዋጋ ክንክፍል ዘገድድ ውሽጣውን ግዳማውን ማሕለኻታት እናሓየለ ይመጽእ ምህላው እናሻዕ የሻቕለና። ብተደጋጋሚ ንዕዞቦም ዘለና መሓንቖታት ንምፍታሕ ናብ ኣካላት ሲቪላዊ ምሕደራን ገዛኢ ውድብን ምኽረ-ሓሳብ_እንተቐረብና ውን ሰማዓ, ኣይተረኸበን።

ሰለዚ እቶም ክፍትሑ እንጠልቦም ዘለና ጸገማት ብቐጥታ ምስ ህዝባዊ ኩናትን ሰራዊትን ዝዛመዱ ስለዝኾነ፤ ከም ውድብ እዋናዊ ሓደጋታት ብሄራዊ ድሕነት ትግራይ ኢልና ኣብ ዝነጸርናዮም ዛዕባታት ፤ ንምልክታን ንፍታሕን ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ብመልክዕ ምኽረ-ሓሳብ፤ ክምዝስዕብ ኣቕሪብና ኣለና።

1. ፍትሒ ምጉዳልን ፍርዲ ዘይብሉ ማእሰርትን

ገዛኢ ውድብ ብህዝቢ ተመሪጹ ህዝቢ ከመሓድር ንቡር እኳ እንተኾነ፤ ካብ ወረዳ ንታሕቲ ኣብዘሎ መሓውር ብዘይተመረጹ ኣካላት እዩ ዝመሓደር ዘሎ። ካብ ተበጊሱ በቲ ዝጸንሐ ናይ ገዛኢ ውድብ ባህሊምሕደራ፤ ምጉዳል ፍትሕን ርትዕን ከጋጥም ሓዱሽ እንተዘይኮነ ውን፤ ሕዚ ኣብቲ ሓራ ዝወጸ ትግራይና እንሪኦ ዘለና ሰፊሕ ናይ ፍትሕን ርትዕን ጉድለት ግና ብቐጥታ መኸተና ዝትንክፍ እዩ። ብሽም መኸተ ብኔትዎርክ ተጣላሊሮም ብገዛኢ ውድብ ዝተሓረዩ ከባብያዊ ኣመሓደርተ ህዝብና ደም የንብዕዎ ኣለዎ። ሓረስታይና ብዘይ ፍርዲ ፈቐዶ ኣብያተ ትምህርትን መሰልጠኒ ሓረስቶትን ይእሰር ኣሎ። ህይወት ሰብ ብጠገለ ዘይብሉ ኣሰራርሓ ይጠፍእኣሎ። ገዛኢ ውድብ ዘቐመጦም ካድረታትን ምልሻታትን ንብረት ሓረስታይ በዘይገደብ እናመንዝዑ ክሳብ ምውሳድ በጺሖም ኣለው። ኣብ ከተማ ውን ካብ ሰብ ሃፍቲ እናፈራሑን ብሕሶት እናጠቀኑን ንውልቆም ሃፍቲ ዝእክቡ ብዙሓት እዮም። ሎሚ ከም ህዝቢ ኣንጻር ደጋዊ ጸላእቲ ኣብ እንቃለሰሉ ዘለና እዋን ፤ ኣብ ዓዲ ዘሎ ምሕደራ ገባርን ሓዳግን ኮይነ ህዝቢ ብዘይፍርዲ ይእሰር ኣሎ ማሕበራዊ ቤት ፍርዲ ዘይስልጣነ ገበን ፊራዲ ኮይነ ህዝቢ ንግቦን ንብላዕን ተሳጢሑ። መሰለይ ኢሉ ዝተማጎተ ባንዳ እናተብሃለ ይሽቑረር ወይ ይእስር ዘጥፍአ ብሕጊ ክሕተት ንቡር እኳ እንተኾነ ፤ ተኣሲሩ ንኣዋርሕ ብይፍርዲ ዝተደርበየ ማእለያ የበሉን።

ከምዚ ዝበለ ምሕደራ እናሃለወ ህዝቢ ኣብ ሰራዊት ብሓፈሻ ድማ ኣብ ብሄራዊ መኸተና ተስፋ ክስእን ናብ ጽልምትምት ክኣቱን ግድን እዩ። ድሮ ውን ንትግራይ ገዲፉ ክሰደድ ዝደልየሉ ወይ ውን ጸላኢ እንተመጸ ንመኸተ ዘይምድላው ዝዓይነቶም መንፈሳት ንዕዘብ ኣለና። እዚ ብህጹጽ ደው ዝበለሉ መፍትሒ እንተዘይተፈጢሩ ሓደገኛ እዩ። ምእንተዚ ድማ ኣካላት ፍትሒ ካብ ላዕለ ክሳብ ታሕቲ መሊኦም ናብ ቦትኦም ክምለሱን ኣድላይ ኣብ ዝኾነ ጉዳያት ድማ ከከም ኩነታቱ ተራእዩ ፤ ፍሉይ መጋባእያ ክጣየስ ይግባእ ንብል። ኩሉ ዓይነት ስራሕቲ ምጽራይ ገበንን ቅጽዓትን ድማ በዚ ፍሉጥ ዝኾነ ስርዓት ፍርዲ ክካየድ ንጽውዕ።

2. ብሽም መኸተ ዝግበር ጉሕለትን ምጥፍፋእን ሃፍቲ ህዝቢ

ከም እምነት ውድብና ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ ተጋድሎኡ ንምዕዋት ደቁ መሪቑ ካብ ምስዳድ ጀሚሩ ሃፍቱን ንብረቱን ንምውፋይ ቀልዓለም የብሉን። ኣብ በረኻ እናሃለና ውን ዝተመስከረ ሓቂ እዩ። ድሕሪ ሰነ 21 ዝተፈጠረ ኩነታት ግን ናይዚ ተጻራሪ እዩ። ህዝቢ “ንተጋደልቲ ደቅኻ” ካብ ከረንሾ ጀሚሩ ኩሉ ዓይነት ሓገዝ ኣዋጽእ ዝብል ኣገዳዲ ኩነታት ኣሎ። ከም ውድብ ናጽነት ትግራይ ህዝብና ንሰራዊቱ ከዋጽእ ቅቡል እዩ። ውድብና መሪሚሩ ዝረኸቦ ሓቂ ግና ካብቲ ደጋዊ ምስሊ ዝተፈለየ እዩ። ህዝቢ ካብ ዘዋጽኦ ቀለብን ተወሳኺ ሓገዝን ብዙሕ ኣብ ታሕቲ ይጠፍእን ይሰረቕን ኣሎ። ከረንሾ ኮነ ሕሩጭ ጣፍ ኮታስ ብህዝቢ ዝውፈ ቀለብ ናብ ሰራዊት ዝበጽሕ ውሑድ እዩ ወይ ድማ የለን። ከረንሾን ጣፍን ብካድራትን ልምዓት ጉጀለን ገዛኢ ውድብ ይብላዕ።። ከምኡ ውን ካብ ወረዳ ክሳብ ጣብያ ዘሎ ኣባልን ካድረን ገዛኢ ውድብ በቢቦትኡ ምግብና ኣጣይሱ ብሽም መኸተ ናይ ህዝቢ ሃፍቲ ይበልዕ። ንሰራዊት ተባሂሉ ዝውፈ ወፈያ እንስሳት ኣብ ጣበያን ወረዳን ብታሕተዋይ መሓውር ዝብላዕ ዳርጋ ካብቲ ናብ ሰራዊት ዝበጽሕ ዕጽፍታት እዩ። እዚ ንምንታይ ይኸውን? ኣባልን ኣመራርሓን ገዛኢ ውድብ እንተኾነ ሓለፋ መስዋእቲ ብምኽፋል ኣብነታዊ ክኸውን ይግብኦ እምበር፤ ተጠዋሪ ኮይነ ቀለብ ሰራዊት ዝቀራመትን ዝዋረረሉን ኵነታት ክህሉ ፍጹም ተቀባልነት የብሉን።

በዚ መሰረት ከም ውድብ ንሰራዊትና ምኽረ ሓሳብ እንብሎ ፤ ህዝብና ኣብ ሰራዊቱ እምነት ኣሕዲሩ ፤ ዘዋጽኦን ዝውፍዮን ሓገዛት ውን ናብ ደቁ ከምዝበጽሕ ተኣማሚነ ክሕግዝ እንተኾይኑ ፤ ግልጽነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ኣስራርሓ ክፍጠር ንምዕድ። ነዚ ድማ ስራዊት ትግራይ መሓዉሩ ብቐጥታ ምስ ህዝቢ ክሳብ ጣብያ ዘርጊሑ፤ ብህዝቢ ምስ ዝተወከሉ ወይ ዝተመረጹ ኣካላት ሓፋሽ ኮይነ ክሰርሖ ይኽእል። ብሓጺሩ ዝባኽን ዘሎ ሃፍቲ ዓድን ህዝብን ኣብ መዓልኡ ንምውዓል ካብ ኣባላትን ካደረታትን ገዛኢ ውድብ ነጻ ዝኾነ ፤ ሰራዊትን ህዝብን ብቐጥታ ዘራኽብ ተሓታትን ግልጽነት ዘስፍን ኣሰራርሓ ምፍጣር ግድን እዩ ንብል።

3. ግፋን ኣገዲድካ ምስላፍን

ህዝቢ ትግራይ በይዛ ትግራይ ዋጋ ክኸፍል ኣገዳዲ ኣካል ኣየድልዮን፡፡ መኪቱ ጸላእቱ ስዒሩ መጻኢኡ ባዕሉ ክውስን ዝተረዳድአ ህገቢ እዩ። ናይ ሸሞንተ ኣዋርሕ ናይ በረኻ ተመክሮና ከምዝመሃረና ድማ ትግራዋይ ኬላታት ጸላኢ ብጸላምን ብብርሃንን እናጠሓስ ናብ መዐለሚ ጣብያታትና ዝወሓዘ ተገዲዱ ዘይኮነስ ኣሚነ እዩ። ሕዚ ግና ኩነታት ይገላበጥ ኣሎ። ህዝቢ ብሕመቕ ምሕደራን ስእነት ፍትሕን ቅርሕንቲ ይፈጥር ኣሎ። ካብዚ ዝተልዓለ ድማ ኣብ ገድሉ እምነት ምጉዳል ዝመስል ነገር ይርአ ኣሎ። ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ምስላፍ ገለ እብያታት ይርአይ ኣሎ። ኮይነ ግና መፍትሒኡ ምግዳድን ግፋን ኣይኮነን። ዝጎድል ዘሎ ሕመቕ ምሕደራ እንተተኣልዩ ከምኡ ውን መጻኢ ተስፋ ዝህብ ዕላማ እንተተነጺሩ፤ ህዝብና ብፍትውቱ ክስለፍ እዩ። ከም ውድብ ናጽነት ውን ሕድሕድ ትግራዋይ ኣብ መኸተ ክስለፍ ከምዘለዎ ንኣምን ግን ድማ ብሕጊ ዝመሓደር ብፓለቲካዊ ምትእምማን ዝሳለጥ እምበር ብግፋን ግዳድን ዝሳለጥ ምስላፍ/ምግዳል ካብ ረብሕኡ ሓደግኡ ይዓቢ ንብል። እዚ ኣካይዳ እዚ ሰራዊትና ክሳብ ምፍራስ ዝኸይድ ሕመቕ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ጥሕሰት መሰል ደቂ ሰባት መሰልን ዓለምለኸ ሕግን ውን እዩ። ብሰሩ ውን ብግፋን ግዳድን ዝተሃንጸ ሰራዊት ሞራል ዘይብሉ ተሰዓራይ እዩ። 

ኣብዚ መፍትሒ ንብሎ፤ ሰራዊት ትግራይ ናብ ህዝቢ ብቐጥታ ወከልቱ ሰዲዱ ዝመርሖ ምልመላን ምስላፍን ምስላጥ እዩ። ካድረታትን ኣባላትን ገዛኢ ውድብ ንናይ ሕሶት ጸብጻቦም ክብሉ ወይ ውን መወጻጽኢ ቂሞም እናሓሰበ ብወገናውነትን ብብላዕን ወይ ድማ ብዘይፍላጥ ዝፍጽምዎ ዘለዉ ግዳድን ግፋን ጠጠዉ ኢሉ፤ ምስላፍን ምልመላን ብወክልቲ መሓዉር ሰራዊት ትግራይ ይተካእ። ከምተወሳኺ ኩሎም ፓለቲካ ሓይልታት መኸተ ትግራይ ህዝቢ ኣብ ምእማን ክሕግዙ ምግባር ይከኣል። ውድብና ድማ ብልዐል ተወፋይነት ተርኡ ከምዝጻወት ነፍልጥ።

4. ኣብ ሰራዊት ትግራይ ዘሎ ኢድኣእታውነት ገዛኢ ውድብ

ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ነባር ተጋዳላይ ህወሓት እዩ። ከም መጠን ሰባት ካብ እዋን ንእስነቶም ጀሚሩ ንዝተሰለፍሉ ውድብ ስምዒታዊ ምትእስሳር እንተሃለዎም ዝገርም ኣይኮነን። ክፋእ ውን የብሉን። እንተኾነ ሰራዊት ትግራይ በዓል ዋንኡ ህዝቢ እዩ። እቲ ሕዚ ተሰሊፉ ዘሎ መንእሰይ ውን ንትግራይ ኢሉ እምበር ንዝኾነ ውድብ ወጊነ ኣይኮነን። ኣብ ቀረባ እንዕዘቦ ዘለና ምዕባለታት ግና ኣንጻር እዚ መትከልን ሓቅን እዩ። ንውድብ ህወሓት ወጊኑ መደረታት ዘስምዕ ኣመራርሓ ሰራዊት ቁጽሩ ብዙሕ እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ገዛኢ ውድብ ብሽም ሰራዊት ካድረታቱ ናብ ስራዊት ኣእትዩ ውድባዊ ፓለቲካ የሰጉም ኣሎ። ምስዚ ተዛሚዱ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ዝኾነ ኣባላትናን ደገፍትናን ንዘይተደለየ ጸቕጢ ተቓሊዖም ፤ ግዳይ ተደጋጋሚ ኣድልዎን ምጉናይን ይኾኑ ኣለዉ።

ከም ውድብ ናጽነት ትግራይ፤ ብውግንናን ፓለቲካዊ ኣተሓሳስባን ሓደ ውድብ ዝህነጽ ሰራዊት ዓዲ የጥፍእ እምበር ህዝቢ ኣየድሕንን ኢልና ንኣምን። ሕዚ ዘሎ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ግዝያዊ መድረኽ ጸላኢ ስዒሩ ንሓዋሩ ድማ ትግራይ ንዝህልዋ ሰራዊት መሰረት ኮይኑ፤ ንዓድን ንህዝብን ዝወገነ ቀዋምን ህዝባውን ትካል ክኸውን ሰለዝግባእ ፤ ኣብ ሰራዊት ዝህሉ ናይ ገዛኢ ውድብ ወይ ናይ ካልኦት ውድባት ኢድ ኣእታውነት ደው ክብል ንጽውዕ። ብሰሩ ውን ሎሚ ብሰሪ ገዛኢ ውድብ ዝግበር ዘሎ ምትእትታው ጽባሕ ናብ ኔትወርክን ጉጅላውነትን ዓብዩ ፤ ሰራዊትና ከይብትን ዓብይ ስግኣት ሰለዝኾነ ፤ ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ብዘይወዓል ሕደር መአረምታ ክገብረሉ ንጽውዕ። ኮሚሳር ዝበሃል ስራዊት ክኽበስን ኣብ ክንድኡ ዕላማን መኸተ ዝትንትን ሰነድ ተደልዩ ፤ ኣብዚ ተደሪኹ ንሰራዊት ዘንቅሕ መሓውር ክህሉን ንጽውዕ። እዚ መሓውር ድማ ክፍሊ ንቕሓት ወይ ኣስተምህሮ ሰራዊት ክበሃል ይኽእል። ኮሚሳር ዝበሃል ኮሚንሰታዊ መሓውር ግና ኣብ ሰራዊትና ፈጺሙ ክህሉ የብሉን።

5. ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባትን ኣጽዋርን

ሕዚ ሒዝናዮ ኣብ ዘለና መድረኽ ፤ ጸላእትና ከጥፍኡና ዝነደፍዎ ስትራቴጂ ፤ ዕጽዋን ክባን ኣሕይሎም ቃልስና ካብ ውሽጢ ምድኻም ዝብል እዩ። በዚ ድማ ህዝበናን ሰራዊትናን ኣብ መኸተ ተስፋ እናቖረጸን ኣብ ህዝባዊ ስራዊቱ እምነት እናሰኣነ ክኸይድን ናብ ስደት ክወጽእን ምግባርን እዩ። ድሮ ውን ነዚ መፈጸሚ ናይ ስለያ መሓውሮም ዘርጊሖም ህዝብን ሰራዊትን ብኩሉ ኣንፈት ካብ መላእ ትግራይ ብሰደት ክወጽእ ይሰርሑ ኣለዉ። ኣብ ኣምሓራን ኤርትራን መዓስከር ከፊቶም ህዝብናን ሰራዊትናን ብስደት ክጽንቱ ይንቀሳቑሱ ኣለው። ገና እነጽንዖም ዘለና ዘይተጻረዩ መረዳእታት ከምዝብሕብርዎ ፤ ኣብ መዓልቲ ብኣማኢት ወይ ኣሸሓት ዝቑጸሩ ተጋሩ ብሽነኽ ቆቦ፣ ሰቖጣ፣ ኦምሓጀርን ዕዳጋ ሮብዕ/ሳዕሲዕን ገንዘብ እናኸፈሉ ብዘይሕጋውያን ኣዛወርቲ ይወጹ ኣለው። ጎናጎኒ እዚ ዕጥቂ ሰራዊትና ንምምንዛዕ ዝዓለመ ዘይሕጋዊ መሸጣ ኣጽዋር ውን ተዘርጊሑ ኣሎ። ናይ ሰብን ናይ ኣጽዋርን ዝውውር ተጠቒሞም ኣብ ኣምሓራን ኤርትራን ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ከፊቶም ፤ ተጋሩ ነንባዕልና ክንዋጋእ ዝብል ዝገብርዎ ዘለዉ ናይ ጥፍኣት ተልእኾ ውን ኣካል እዚ ዝተዋደደ ስትራቴጂኦም እዩ።

ከም እምነት ውድብና ከምዚ ዝበለ ክፋእ ብዘይ ናይ ባዕልና ናይ ውሽጢ ተሓባበርቲ ይሳለጥ እዩ ኢልና ኣይንኣመንን። ሕዚ ኣብ ትግራይ እንሪኦ ዘለና ኣብ ገለ ባእታታት ሲቪልን ዕጡቑን ሰበ ስልጣናትን ዝርአ ብልሽውናን ክራይ ኣካብነትን እንትሓንሰብ ፤  ምስ ጸላኢ ኮይኑ ከጽንተና ዝተበገሰ ውሽጣዊ በለጸኛ ሓይሊ ክህሉ ከምዝኽእል ኣይንጠራጠርን። ህዝበና ብሓደ ገጽ ብዕጽዋ ጸላእቲ ብካልእ ገጽ ብሕመቕ ምሕደራ እናተማረረ እንከሎ ፤ ሕዚ ድማ ጸላእቲ ዝኣለምዎ ናይ ውሽጥና ኣካላት ዝሳተፍሉ ከምዚ ዝበለ ናይ ጥፍኣት መገዲ ምምጽኡ ፤ ኣብ ብሄራዊ ህልውናና ገዚፍ ሓደጋ ዝፈጥር እዩ። ሰለዚ ወተሃደራዊ ኮማንድ ትግራይ ናይ ደገ ተጻብኦ እናመከተ ናይ ውሽጢ ሓደጋታት ውን ንምእራም ብህጹጽ ናብ ስራሕ ክኣቱ ነተሓሳስብ ኣብዚ ንዝሰላጥ ስራሕቲ ብወገና ከም ውድብ ብሉዑል ተወፋይነት ከም ንሕግዝ ውን ነፍልጥ።

6. ብዘይተማእኸሉ ዕጡቓትን ገለ መሓውር ምልሻን ዝፍጸም ዘሎ ገበናት

ብሸም መኸተን ምግዳልን ካብ ምእኹል ጥርናፈ ሰራዊትና ወጻኢ ፤ በቢከባቢኡ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ይበዝሕ ኣሎ። ገለ ካብኦም ዞባ ምምሕዳር አሰልጢኑ ነናይ ባዕሉ መለለይ መንነት ዓዲሉ ብሽም ኦፕሬሽን ዘንቀሳቕሶም ካብ እዚ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ወጻእ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት እዮም።  ኣብ ገለ ከባብታት ድማ ምልሻ ተባሂሎም ዝንቀሳቐሱ ግን ድማ ኣብ ግፋን ዓፈናን ዝተዋፈሩ ኣለው ከምዚ ዝበለ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ንኔትዎርክን ጉጅለኣውነትን ዝተጋለጸ ኣሰራርሓ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ፤ ዘይሞያውን ዘይጥርኑፍ ውን ሰለዝኾነ ፤ ብገለ ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ተበለጽቲ ሓይልታት ተመዝሚዙ ኣብ ሓደገኛ ወፍርታት ክኣቱ ዝኽእለሉ ዕድል ሰፊሕ እዩ። ዛጊድ ውን በዞም ከምዚኦም ዝበሉን መሳለቶምን ዕጡቓት ህይወት ቁጽሩ ዘይነዓቕ ትግራዋይ ጠፊኡ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ ብሄራዊ ድሕነትና ሓደጋ ይወልድ ኣሎ።

ሰለዚ፤ እዚ ተርእዮ ብሽም መኸተን ምግዳልን ዝሳለጥ መካፍኢ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እዩ ጥራሕ ዘይኮነ ፤ ሰራዊትና ብህዝቡ ዝፍቶን ዝኽበርን ከይኸውን ሽሙን ምስሉን ዝድውን እዩ። ብሰሩ ውን መሳርሒ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ጸረ ህዝቢ ሓይልታት ኮይኑ ከገልግል ዝኽእል ሓደገኛ ኣካይዳ እዩ። ወተሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ነዚ ከምዚ ዝበለ ሓደገኛን ተኣፋፍን መሓውር ኣጻርዩ መፍትሒ ክገብረሉ ንላቦ።

ትግራይ ትስዕር!


እቱ ፅሑፍ፡ ካብ ካብ ፎቶ ናብ ‘ቴክስት’ ል ዝቐየረልና ኣግኣዚ መብራህቶም ነመግኖ።

Continue Reading
6 Comments

6 Comments

  1. Alem Tesfay

    May 2, 2022 at 11:30 am

    Greate report of concerns in Tigray & possible solutions! Thankyou ውናት🙏🏽 I am upset & saddened thought to hear How bud the situation is and that can get worse! Our people deserve the best, our people of Tigray has suffered enough, still suffering!
    There must be a better way forward!

  2. ካሕሳይ

    May 1, 2022 at 2:37 pm

    ኣብ ባይታ ዘሎ ወድዓዊ ስግኣታት ዝትንትን ሪፖርት እዩ። ዝምልከቶም ኣካላት ንዝተልዓሉ ስግኣታት ተወሳኺ ፅንዓት ገይሮም ዘየላጢ ስጉምቲ ክወስዱ ይግባእ።

  3. Girmay

    May 1, 2022 at 10:53 am

    የሕዝን😭 !ህዝቢ ትግራይሲ በቃ እዚ ኮይኑ ፍዳካ ?

  4. Daniel

    May 1, 2022 at 10:37 am

    Service to the people, be it by the governing party or not, by TDF or not. People of Tigray is our power no one else. Deserves every service in appropriate Manner.

  5. Keshi Gebrekrstos Brhane

    May 1, 2022 at 3:05 am

    This is a great idea on a great time
    So thank you.

  6. Keshi Gebrekrstos Brhane

    May 1, 2022 at 3:04 am

    This is a great idea on right time.

Leave a Reply

Cancel reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT