ሕዳር 2፡ 2013 ኣብ ሸራሮ እንታይ ተፈፀመ? (ካልኣይ ክፋል)
ከተማ ሸራሮ

ሕዳር 2፡ 2013 ኣብ ሸራሮ እንታይ ተፈፀመ? (ካልኣይ ክፋል)

ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ'ቲ ሃዲሙሉ ዝነበረ ኤርትራ ብ ሕዳር 02፡ 2013 ብ ሰራዊት ኤሪትራ ተዓጂቡን ተሓጊዙን ስዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ ሸራሮ በጽሐ። ሰራዊት ትግራይ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ካብ’ቲ ከባቢ ለቒቑ ከይዱ ነበረ።

Continue Reading ሕዳር 2፡ 2013 ኣብ ሸራሮ እንታይ ተፈፀመ? (ካልኣይ ክፋል)

መግለፂ ቅዋም ጕባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ

ክሳብ ሕዚ ኣብ ምንም ዘይተሳተፉ ብኣማኢት ዝቝፀሩ ካህናት ብጥዪት ረጊፎም፣ ሸኻት፣ ኢማማት ተቐቲሎም፣ ብኣሽሓት ዝቝፀሩ ምእመናን ሃሊቖም፣ ዝተረፉ ድማ ገዝኦም ንብረቶም ሓዲጎ ተሰዲዶም፣ ኣብያተ ክርስቲያናት፣ መስጊዳት ዓኒዎም፣ ገዳማት ብከቢድ ኣፅዋር ተደብዲቦም። ቅርሲታት ተዘሪፎም፣ ንዋየ ቅዱሳት ተቓፂሎም፣ ንብረት ምእመናን ተዘሚቶም፣ መሳርሒ ትካላት መሰረተ ልምዓት ተጓሕጒሖም ተወሲዶም፣ ትካላት ጥዕና፣ ቤት ትምህርቲ፣ ፋብሪካታት በሪሶም፣ ውልቃዊን ዘይውልቃዊን ህዝባዊ ትካላት ከም ዘይነበሩ ኰይኖም፣ ኣንስቲ ካህናትን ደናግልን ተራኺሰንን ተደፈረንን፣ እኖን ጓልን ብእንስሳዊ ባህሪ ብሓባር ተደፊረን።

Continue Reading መግለፂ ቅዋም ጕባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ
መልእኽቲ ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡ ፕረዝደንት ትግራይ
Debretsion speaking in one of the biggest gatherings.

መልእኽቲ ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡ ፕረዝደንት ትግራይ

ህዝቢ ትግራይ: ሃለዋቱን ድሕንነቱን ንምሕላው ባዕሉ ንባዕሉ ናይ ምምሕዳር መሰሉ ንምትግባር ፀኒዑ ስለ ዝተቓለሰን ብኣሃዳዊ ስርዓት ፋሽሽታዊ ጕጅለ ኣብይ ኣሕመድ ኣይእርገፅን ኢሉ ዴሞክራስያዊ መረፃ ስለ ዘካየደን ኣብ ልዕሊኡ ወራር ምጥፋእ ዘርኢ ይካየድ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

Continue Reading መልእኽቲ ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡ ፕረዝደንት ትግራይ

መቐለ ምስ ተመለስና

ህዝቢ፡ ኣብ ዙርያ  መቐለ ናብ ዘለዋ ኸባብታት ከይዱ ካብ ዘዕቘበለን ቦታታት  ናብ መቐለ ዝተመለሰ፡ ኵነታት ናብ ንቡር ስለ  ዝተመለሰ ኣይነበረን።  ኵሉ ከባቢ ትግራይ ካብ ተዅስን መድፍዕን ናፃ ስለ ዘይነበረን ምንም…

Continue Reading መቐለ ምስ ተመለስና

መልእኽቲ ሃለቃ ሃይለ ካብ ሓምዳዪት፥ ሱዳን

ብዕለት 19/04/2013 ዓ/ም ካብ ከተማ ሽረ ናብ ሑመራ ዝመፃእኹም፡ ሑመራ ሰላም ስለ ዝኾነት ንዓድኹም ተመለሱ ኢሎም ብ 6ተ ተስሓብቲ መኻይን ፅዒኖም ናብ ከትማ ሑመራ አምፂኦምዎም ‘ዮም። ካብኡ ፋኖ ዝበሃል ዕጡቕ ኣብቲ ከተማ ፀኒሑ እንታይ ክትገብሩ መፂእኹም ኢሉ ናብ ዓብይ ግቢ ኣእቲው ዳጒንዎም እዩ።

Continue Reading መልእኽቲ ሃለቃ ሃይለ ካብ ሓምዳዪት፥ ሱዳን

ርፍረፋ ኣብ ደንገላት ጥቓ ዕዳጋ ሓሙስ

ብ ዕለት 21 ሕዳር 2013 ዓ.ም ኣብ ጥቓ ዕዳጋ ሓሙስ ደንገላት ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ዓመታዊ ክብረ በዓል ል ምኽባር ኣብ ጥንታዊ ገዳም ማርያም ደንገላት ተኣኪቡ ካብ ዝነበረ ህዝቢ፡ ልዕሊ 82…

Continue Reading ርፍረፋ ኣብ ደንገላት ጥቓ ዕዳጋ ሓሙስ

ኣብ እዛ ክፍእቲ ጊዜ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈጠረ ሓድነት ወ ንቕሓት ተጋሩን ኤርትራውያንን

ብ ገብረክርስቶስ ገብረስላሴ ካብ ኣስታት 2000 ዓ/ም ጀሚረ ስለ ሓደነት ዕጫ ተጋሩን ኤርትራውያንን፥ ስለ ተኸፋፊልካ ኣደዳ ፀላእቲ ምዃን፥ እናተለዋወጥና እቱ ሓደ ተጠቒሞም ል እቱ ካልእ ብ ምውቃዕ ክልቲአና ከም ዝየዳኽሙና፥…

Continue Reading ኣብ እዛ ክፍእቲ ጊዜ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተፈጠረ ሓድነት ወ ንቕሓት ተጋሩን ኤርትራውያንን