Connect with us

ትግርኛ

ትግራይ ኣብ’ታ እዋን

Published

on

ሓበሬታ ክንደይ ዝኣክል ኣድላይ ከምዝኾነ ኣዐርዩ ዝተረድአኒ ዝነብረሉ ከተማ መቐለ፤ ስልኪ፣ መብራህትን ኢንተርኔትን ኣብ ዘይነረሉ እዋን እዩ።

ኣብ መገዛ ዓዱ እንታይ ይፍጠር ምህላው ዝፈልጥ ሰብ የለን፡፡ ሰብ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰሉ ስለ ዝተመንጠለ ‘ብይኸውንን’ ‘ ይበሃል ያ ኣሎ’ ን እዩ ዝርዕድ ነይሩ።

ቴሌቪዥንን ራድዬን ኣብ ዘይብሉ ብፍላይ ድሕሪ ሰዓት 12 ሽምዓ ኣብሪህኻ ዝን ምባል ጥራይ። ኩሉ ነቲ ኣብ ርእሱ ዝመላለስ ጭንቅን ሓሳብን ክቕንስ በቢ ገዝኡ ካርታ ዘይፃወት ሰብ ዳርጋ ኣይነበረን።


ምስ ሰባት ተቛፂርካ ምርኻብ ከቢድ እዩ። በየንኡ ስልክን ኢንተርኔትን? ኾነ ኢልካ ህዝቢ ብዙሕ ዓመታት ንድሕሪት ክምለስ እዩ ተገይሩ።


ብዘይ ስልኪ ኣብ ሓደጋ እዋን ሰብ ክበፅሐልኻ ኣይኽእልን።
ኣብ መቐለ ዓዲሽምዱሑን ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ከባቢ ሓንቲ ኣብ ሰላሳታት ትርከብ መንእሰይ ኣብ ገዝኣ ካብ እትመውት ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ እዩ ሬስኣ ተረኺቡ። ንሱ እውን እቲ ሬሳ ክሸትት ምስ ጀመረ እዬም ጎረባብቲ ክጠራጠሩ ጀሚሮም።


እዛ መንእሰይ ኣብተን ናይ መወዳእታ ፀዓርዓር ዝበለትለን ደቓይቕ ክትድውል ኽኢላ እንተትኸውን ህይወታ ዶ ምተረፈ ኢለ እሓስብ።

ጎረባብታ ኣርባዕተ መዓልትታት ገዝኣ እንትዕፆ “ናበይ ኸይዳ?” ኢሎም ንባዕሎም ካብ ምሕታት ሓሊፎም ክድውሉላ ኣይኸኣሉን። ተደጋጋሚ ደዊሎም ተዘይተልዕልስ ኣይብጥዕናኣን ኢሎም ምጠርጠሩ፡፡
ካብኡ ሓሊፉ ድማ ካብ መቐለ ወፃኢ ዝነብሩ ቤተሰባ ሞት ጓሎም ክሰምዑ ኣይኸኣሉን። ጎረባብቲ እዬም ቐቢሮምዋ።


ክሓስቦ ንባዕሉ ይኸብደኒ። ድሕሪ ግዜ ቤተሰባን ኣሕዋታን ንዓኣ ክሪኡ እንትመፁ “ጓልኹም (ሓፍትኹም) እኮ ካብ እትመውት ፀኒሓ እያ። ስልኪ ስለ ዘይነበረ ኢና ዘይነገርናኩም።” እንትባሃሉ እንታይ ኮን ይስምዖም?


ክንደይ ሰብ ለይቲ ሓሚሙ ሰኣን ስልኪ ምስርሑ ኣብ ገዝኡ ክሳቐይ ሓዲሩ፣ ክንደይ ነብሰ ፆራት ለይቲ ሕርሲ ጀሚርወን ሕክምና ክኸዳ ብዘይምኽኣለን ህፃውንቲ ተዓፊኖም? ክንደይኸ ብዙሕ ደም ፈሲስወን ህይወተን ሓሊፉ?

ለይቲ ዝሓመመ ሰብ ሒዝኻ ከይትወፅእ ብረት ኣቕኒዑ ተዳልዩ ዝፅበ ወታሃደር ኣሎ። ንሱ ከይረኸበካ እንተምለጥኻ እኳ ነቲ ዝሓመመ ሰብ ብምንታይ ትወስዶ?

ባጃጅ፣ ታክሲ፣ መኪና፣ ኣምቡላንስ ዝበሃል ነገር የለን። ደዊልኻ ሓገዝ ከይትሓትት ስልኪ የለን።
ትግራይ ዘይኾነቶሞ እንታይ ኣሎ?!

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT