Connect with us

ትግርኛ

መቐለ ዝተደብደበትሉ መዓልቲ

Published

on

19 ሕዳር 2013 መቐለ 

ህዝቢ ኣብ ኸቢድ ውጥረትን ጭንቀትን ዝወዓለሉ ፀልማት መዓልቲ እዩ። ህዝቢ መቐለ ሐዚ ደምሰሱና ሐዚ ጠፋእና እናበለ ከብዱ ሓቚፉ ዝወዓለሉ። ኣደታት፡ ህፃውንቲ ደቀን መሊሰን ናብ ኸብደን ከእትወኦም ኣይፀልኣን። ናበይ ከም ዝገብርኦም ሓርቢትወን ዝዀንኦ እንትስእና ምርኣይ ኣዝዩ የሕምም ነይሩ። 

ምስ ወላዲተይን ሓደ ሓወይን ከባቢ ዓዲ ሽምዱሕን ኣብ ጥቓ ገዛና ነይርና። ኣደይ ነቲ ምንኣስ ሓወይ እናርአየት “ናበይ እየ ዝሓብአካ? ዀይንዎ ድዩ ትግራዋይ ምዃን፤ መንእሰይ ምዃን ሓጥያት ዀይኑ?” እናበለት በይና ትዛረብ። ኣብ መንጎ እዚ ኣብ ዝባንና ዝዓለበ ክሳብ ዝመስለና ኣዕርዩ ከቢድ ናይ መድፍዕ ድምፂ ተሰሚዑ። ብድንጋፀ ፈዚዝና። ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ገዛውቲ ተንቀጥቀጡ፥ መስትዋታቶም ተሰባበሩ።  እቲ መድፍዕ ካብ መንበሪ ገዛና ኣስታት 10 ሜትሮ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቤት ትምህርቲ እዩ ዓሊቡ። 

ብድሕሪ እዚ ቅያር ክዳን እኳ እንተይሓዝና ደብሪ ናብ ዝበሃል ከባቢ ኸይድና። ሰባት ጋቢ ኣንጠልጢሎም፥ ንእሽተይ ፍርናሻት ሒዞም፤ ኣዴታት ክልተ ሰለስት ህፃውንቲ ሒዘን፤ ነብሰ ፁራት ኣብ ሓያል ድንጋፀ ዀይነን፤ ህዝቢ ንደብሪ ገፁ ይውሕዝ ነይሩ። ኩሉ ሰብ ኣብ ደብሪ ዝዓርፈሉ ገዛን ስድራን ሃሊዉዎ ኣይዀነን ንደብሪ ይተምም ዝነበረ፤  ብብሎኬት ዝተነደቑ ቆርቆሮ እኳ ኣብ ዘየብሎም ገዛውቲ እዩ እናዀስተረ ዓሪፉ።

 ንጕሆ ገፅና ዝንሕፀበሉ ሳሙና ክእገዝእ ናብ ድኳን እንትወፅእ ህዝቢ መቐለ ኣብ ኣናእሽተይ ድኳናት ደብሪ ተሰሊፉ ነይሩ። ዝበዝሕ ሰብ ምንም ነገር እንተይሓዘ ስለ ዝወፅአ ቆሎ፣ ኩኪስ ብስኩት እዩ ይገዝእ ነይሩ። ብድሕሪት ” በይዛኻቱም ሓራስ እኒኣትና።” እናበላ ታራ ክሓልፋ ዝልምና ኣንስቲ፣ ዝበኽዩ ህፃውንቲ ኣለው። ህዝቢ ደብሪ ክንዲ ዝኸኣሎ ሰብ ናብ ገዝኡ ኣእትዩ ዘላቶ ኣቕሪቡ እዩ። ብፁሓት ወርሒ ፎቐዶ ትሕቲ መሬት ክጐያ እየን ውዒለን። ኣብታ ሽዓ ዕለት ኣነ ከም ሓንቲ ውልቀ ሰብ ዝፈለጥኹዎ ጥራሕ፤ ኣብ ከባቢ ዓይደር ብዝዓለበ መድፍዕ ሓደ ምሉእ ስድራ  (ኣቦ ምስ ሰለስተ ደቁ)፥ ኣብ ከባቢ እንዳ ገብሪኤል ሓንቲ ዓባይ ኣዶ (ጓለን ክሳብ ሐዚ ኣብ ዓይደር ትሕከም ኣላ)፥ ኣብ ከባቢ ቀበሌ 14 ጥቓ ዘየርዳኖስ ሆቴል ሓደ መንእሰይ ከም ዝሞቱ እፈልጥ። እዚ ኣነ ብውልቀይ ብቐረባ ዝፈለጥኹዎ እዩ። በቢ ገዝኡን በቢ መንደሩን ኣብታ ሽዓ መዓልቲ ጥራይ ክንደይ ሰብ ከም ዝሞተ ምሕሳቡ ከቢድ ኣይዀንን።

ካብ ደብሪ ድሕሪ ምምላስና መቐለ እንታይ ትመስል ነይራ? ቕትለት መናእሰይ፣ ጉዳይ ኣስቤዛ፣ ዝስተ ማይ፣ መድሓኒት ዝብል ክምለሶ እየ።

#ትግራይ ትዕወት

Continue Reading
1 Comment

1 Comment

  1. Beserat

    February 2, 2021 at 8:09 am

    Heart touching story.

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT