Connect with us

Letters

ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቱ ካብ ብሄራውያን ውድባት ፖለቲካ ትግራይ (ውናት፣ ሳወት፣ ባይቶና) ዝተውሃበ ናይ ሓባር መግለፂ

Published

on

ከም ዝፍለጥ ሕዱር ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ትንፋስ ረኺቦም ምስ ኣንሳእረሩ ትግራይ ምድዓኽን ምድኻምን ፈላማይ ተግባሮም ጌሮም እዮም ተበጊሶም። እንሆ ድማ እዞም ሓይልታት እዚኦም ኩሉ ዘለዎምን ዘይብሎምን ዓቕምታት ኣዋዲዶም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቅሉዕ ወራር ካብ ዝእውጁ ኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቑፂሮም ኣለው። እዚ ወራር ወታደራዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ስነ ልቦናዊን ጥቕዓታት እውን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተኣወጀ ኩለ መዳያዊ ኲናት (Total War) እዩ። ሙሉእ ወታደራዊ ዓቕሚ ኢትዮጵያ፣ ሙሉእ ወታደራዊ ዓቕሚ ኢሳያስ፣ ሙሉእ ዓቕሚ ፍሉይ ሓይሊ፣ ሚሊሻ፣ ፋኖን ካልኦት ሸፋቱን ክልል ኣምሓራ፤ ከምኡ ድማ ካብ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያን ካብ ሃገረ ሶማልያ/ሞቓዲሾን ዝተጠራቐመ ሰራዊት ብመዝረ ተዋዲዶምን ብቴክኖሎጂያዊ ዓቕሚ ዘይኣፍሪካዊያን ሓይልታት እናተሓገዙን፤ ስቕታ ማ/ሰብ ዓለም እውን ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሰፍ ዘይብል፤ ታሪኽ ዘይርስዖን ይቕረ ዘይበሃልን ገበን ዘርኢ ምፅናት ጌሮም፤ ኣበርቲዖም እውን ይቕፅልሉ ኣለው።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፡- እዞም ሓይልታት እዚኦም ካብ ብሄራዊ ህልውና ትግራይን ተጋሩን ንላዕሊ ካልእ ፀላኢ ከም ዘይብሎም፤ ብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ኩሉ ድማ ብሄራዊ መንነት ተጋሩን ህልውና ትግራይን ካብ ገፀ መሬት ከይሓኸኹ ከም ዘይድቅሱ፤ ታሪኽ ዘምሃረናን እንፈልጦን ሓቂ እኳ እንተኾነ፤ ሐዚ እውን ግን ሕዱር ፀላእትኻ ኩሎም ካብዝን ካብትን ተኣኻኺቦም “ሎሚ ረኸብናዮ ሎሚ ሰኣንናዮ” ብዝብል ፈሊጥ ፈራሓት ኣንፃር መንነትካ፣ ኣንፃር ግዝኣታዊ ሓድነትካ፣ ኣንፃር ስርዓተ መንግስትኻ፣ ኣንፃር ባህላዊ፣ ሃይማኖታውን ታሪኻውን ትውፊታትካን ሓድግታትካን፣ ኮታስ ከም ህዝቢ ከይትህሉ ኣንፃር ኩሎም ስርዓተ ክብርታትካን ብሄራዊ ህላዌኻን ዘቕነዐ ናይ ዘርኢ ምፅናት ኲናት ብዘይሕንከት ኣዊጆም፤ ብቓልዕ ድማ ይፍፅምዎ ኣለው። ህፃናት፣ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ጥራሕ ዘይኮነስ ዓበይቲ ዓዲን ኣቦታት ሃይማኖትን እውን ብዘይ ስኽፍታ ምቕታል፤ ታሪኻዊ ስፍራታት ብመዳፍዕ ምዕናውን ቁሸታት ምቅፃልን መዓልታዊ ተግባሮም ኮይኑ ኣሎ። ትካላትና ኣፈራሪሶም ህዝብና ብጅምላ ጨፍጪፎምዎ። መሬት ትግራይና እቲ ዝለመድዎ ሕገ መንግስታዊ ምትላል ክሳብ ዝገብሩ እኳ ከይተፀበዩ ብምብራቕ ይኹን ብምዕራብ፤ ብሰሜን ይኹን ብደቡብ ብኹሉ ኣንፈት ቆራሪሶም ተሻሚዮሙዎ፤ ብሚልዮናት ዝቑፀር ህዝብና ኣፈናቒሎም ድማ ናትና ዝብልዎ ህዝቢ ኣስፊሮሙሉ ኣለው። ምህርቲ ሓረስታይና ክንዲ ዝኸኣልዎ ወሪሮም ዝተረፎም ድማ ኣቃፂሎሙዎ እዮም። ታሪኻዊ ሓድግታትና፣ ኣብያተ ክርስትያናትናን መሳጊዳትናን ኣዕንዮሙወንን ኣራኺሶሙወንን። ፋብሪካታትና ጉሒሎሙወን። ዓቢ ምስ ንእሽቶ፣ ቆልዓ ምስ ሰበይቲ፣ ሸኽ ምስ ቀሺ ከይፈለዩ ብኣልማማ ቀቲሎም፤ ብዙሓት ስድራ ቤታት ኣፅኒቶም፤ ደቂ ኣነስትዮና እውን ብዕስለ ደፊሮምወን እዮም። ኮታስ እዞም ቀደሙ እውን ስለ ጥፍኣትካ ክሓልሙን ክሕነዩን ፀሓይ እትዓርቦም ሕዱር ፀላእትኻ ሎሚ ካብ ጓጓኻ ብዝወፁ ከዳዓት ተሓጊዞም ትንፋስ ምስ ረኸቡ ነውሪ ዘበለ ኩሉ ብዘይ ሕንከት ኣብ ልዕሌኻ ፈፂሞምን፤ ይፍፅሙ እውን ኣለውን። ቅስሚ ህዝቢ ትግራይ ንምስባር ይሕግዘና እዩ ዝበሉዎ ኩሉ ጌሮም፤ ኣጠናኺሮም እውን ቀፂሎሙሉ ኣለው።

ከም መጠን ግዱሳት ውድባት ፖለቲካ ትግራይ ካብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ትግራይ ዛጊድ ብዝረኸብናዮ ሓበሬታን ብዝወደናዮ ገምጋም ቅድመ መፅናዕቲን መሰረት ክሳብ ዘኽቲ ህፃናት፣ መናእሰይ፣ ደቂ ኣነስትዮ፣ ካህናት፣ ሼኻትን ዓበይቲ ዓድን ሓዊሱ ልዕሊ 52,000 ንፁሃን ተጋሩ ብሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ከምኡ ድማ ብፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ፣ ሚሊሻ ክልል ኣምሓራ፣ ፋኖን ካልኦት ሸፋቱን ክልል ኣምሓራ ብግፍዒ ተቐቲሎም እዮም። ልዕሊ 3 ሚልዮን ህዝብና ኣደዳ ስደትን ውሽጣዊ ምምዝባልን እንትኸውን፤ ልዕሊ 6.5 ሚልዮን ድማ ኣደዳ ጥሜትን ተፀባይ ህፁፅ ሓገዝን ኮይኑ ኣሎ። ልዕሊ 4.8 ሚልዮን ጤለ በጊዕን ኣብዑርን ሓዊሱ ካልኦት እንስሳት ሓረስታይና እውን በዞም ግፍዐኛታት ወረርቲ ተሓሪዶምን ግዒዞምን ኣለው። ጉሕለትን ዕንወትን ዓበይትን ኣናእሽቱን ፋብሪካታት ውልቀ ሰብ ሃፍቲን ንብረት ትእምትን ብሰብ ሞያ ክፅናዕ ዝግበኦ ኮይኑ መጠን እቲ ዝተወረረን ኮነ ተባሂሉ ዝተቓፀለን ፍርያት ሕርሻ ሓረስታይናን ካብ ማንካ ክሳዕ መኪና ዝሓውስ ንብረት ንፁሃን ተጋሩን እውን ግን መቑፀሪ ኣይብሉን።

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፡- እዚ ከም ህዝቢ ንኽትጠፍእ ኣብ ልዕሌኻ ዝተኣወጀ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኩለ መዳያዊ ኲናትን ኣብ ልዕሌኻ ይወርድ ዘሎ ኣረሜናዊ ግፍዕታትን ኣዝዩ ዘቐንዙ እኳ እንተኾነ፤ በዚ ግን ከምዘይትስኮን፤ የግዳስ ነዚ ኹሉ ስዒርካ ናብ ሙሉእ ሓርነትን ዘልኣለማዊ ብሄራዊ ዕረፍትን ከም እትሰጋገር ፈታውን ፀላእን ኩሉ ኣንዳዕዲዑ ይፈልጥ እዩ። ቃልስኻ ምእንተ ምዕቃብን ምቕፃልን ትግራዋይ መንነትካ ዝግበር ቃልሲ እዩ። ቃልስኻ ኣንፃር እቶም ብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ኩሉ ዘድምዩኻን ዝቐትሉኻን፤ ኣብ መቓብርካን ውርደትካን ድማ ዓቢ/ሓያል ክኾኑ ዝሓልሙ ሕልመኛታት ፀላእትኻ ዝግበር ቃልሲ እዩ። ቃልስኻ ምእንተ ውሕስና ብሄራዊ ህላዌኻን መሰል ዓርሰ ውሳነኻን ዝግበር ቃልሲ እዩ። ስለዝኾነ ድማ ቃልስኻ ፍትሓዊ ቃልሲ እዩ። እንትርፊ ብዓወት መሰስ ምባል ካልእ ምንም ኣማራፂ ከም ዘየለ ተረዲእኻ ተካይዶ ኣብ ዘለኻ ቃልሲ ድማ ንሕና ብሄራዊያን ውድባት ትግራይ (ውናት፣ ሳወትን ባይቶናን)፡-

  • ኣብ መሬትካ ዝኣተው ኩሎም ፀላእትኻ ካብ መሬትካ ተፀራሪጎም ክሳዕ ዝወፁ፤ ስርዓተ መንግስትኻ ናብ ንቡር ክሳዕ ዝምለስን ግዝኣታውን ፖለቲካውን ሉእላውነትካ ክሳዕ ዝረጋገፅን ቃልስኻ ኣበርቲዕኻ ንከተቐፅል ፃውዒትና ነቕርብ።
  • ህዝብና በዚ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ብሄራዊ ደራዕ ተሰኲኑ ፀግዕን ንድያን በለፀኛታት ክኸውን ዘይኮነስ ብመሰል ዓርሰ ውሳነኡ ዝረጋገፅ ዓርሰ ምሕደራ ከም ዝደሊ ብተደጋጋሚ ገሊፁ እዩ። እዚ ንትግራይ ከመሓድር ተሰይሙ ዘሎ ዘይሕገመንግስታዊ ምምሕዳርን ጎቶቱን እንተኾኑ እውን ህዝብና ናይ ምስሌነ መንግስቲ ከም ዘይደሊ ኣንዳዕዲዖም ይፈልጡ እዮም። መከራ ህዝብና ንምንዋሕ ግን ነቲ ህዝባዊ ቅቡልነት ዘይብሉ ምምሕዳሮም ከም ቅቡል መንግስቲ ጠጠው ክብለሎም ናይ ይበተኹ ስራሕ ይሰርሑ ኣለው። ህዝብና ግና ኩሉ ፀገምን ፀበባን ተፃዊርካ ንናይ ምስሌነ ምምሕዳር ብምንፃግ ነቲ ዘልኣለማዊ ብሄራዊ ዕረፍቲ ዘጎናፅፈካ መንገዲ ብምምራፅካ ንሕና ደቅኻ ሓበን ይስማዓና። ኣበርቲዕኻ ክትቅፅለሉ ድማ ፃውዒትና ነቕርብ።
  • ኣብዚ ሕሱም እዋን እዚ ይገጥሙኻ ብዘለው ዓፀባታት ከይተሰኮንካ፤ ሎሚ እውን ከም ትማሊ እታ ዝርካባ እንዳተኻፈልካ፤ ብሓልዮትን ሰነያን ሕድሕድካ እናተሓላለኻ፤ ከባቢኻ እውን እናሓለኻ ነቲ ሕሰም ብፅንዓትን ፀዋርነትን ክትሰግር ክሳዕ ዘኽቲ እትገብሮ ዘለኻ ፃዕሪ እናነኣድና፤ ኣበርቲዕኻ ንኽትቅፅለሉ ድማ ፃውዒትና ነቕርብ። ኣንቱም ካብዚ ብተፃራሪ ዘለኹም ጎሓሉ፣ ከተርትን ኣቃጠርትን ድማ ካብ ተግባራትኩም ክትቁጠቡ ፃውዒትና ነቕርብ።
  • ንሕና ኣብ ላዕሊ ዝተፀራሕና ብሄራውያን ውድባት ትግራይ ድማ ኣብ ቅድሚት ኮይንና ኣድላይ ዘበለ ፖለቲካዊ ቃልሲ ከም እንገብር፤ ንገብር እውን ከም ዘለና፤ እዚ ቃልሲ ዝጠልቦ መስዋእቲ ኩሉ ንምኽፋል እውን ድሉዋት ከም ዝኾንና ክነረጋግፀልካ ንፎቱ።

ዝኸበርኩም ኣብ ወፃኢ እትነብሩ (ዳያስፖራ) ተጋሩ፡-

  • ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ንከይጠፍእ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ቃልሲ ግፍዐኛታት ዝገብርዎ ዘለው ኣረሜናዊ ጨፍጫፍን ዘውርድሉ ዘለው ማእለያ ዘይብሉ ሓሳረ-መከራን ዓለም ከይትፈልጥ፤ ብኽያት ህዝብና እውን ከይትሰምዕ፤ ኩሎም ምስ ዓለም ዘራኽቡ በርታት ተዓፅዮምዎ ኣማራፂ ስኢኑ ኣብ ዘለሉ ኣብዚ ሕሱም እዋን እዚ ድምፂ ህዝብኹም ብምኻን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይበፅሕ ዘሎ ኢኮኖሚያዊ፣ ወታደራዊ፣ ፖለቲካዊ፣ ስነ ልቦናዊ፤ ኮታስ ኩሎም ዓይነታት ጥቕዓት ብዝግባእ ብምግዋሕን ብምቅላዕን ዓለም ንክትግንዘብ እትገብርዎ ዘለኹም ዘይተሓለለ ቃልሲ ኣዝዩ ዝነኣድን መተካእታ ዘይብሉን እዩ። ብሳላ ቃልስኹም ድማ ዓለም ንፀገም ህዝብና ዓይና ክትከፍት ጀሚራ ኣላ እሞ እዚ መተካእታ ዘይብሉ ስራሕኹም ኣበርቲዕኹም ንኽትቅፅሉሉ ንላቦ።

ፅንዓት ንዘይተርፍ ዓወት!!

ውድብ ናፅነት ትግራይ (ውናት)፣ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት)፣ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና)

ጥሪ 2013፤ መቐለ

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT