Connect with us

ትግርኛ

መቐለ ምስ ተመለስና

Published

on

ህዝቢ፡ ኣብ ዙርያ  መቐለ ናብ ዘለዋ ኸባብታት ከይዱ ካብ ዘዕቘበለን ቦታታት  ናብ መቐለ ዝተመለሰ፡ ኵነታት ናብ ንቡር ስለ  ዝተመለሰ ኣይነበረን።  ኵሉ ከባቢ ትግራይ ካብ ተዅስን መድፍዕን ናፃ ስለ ዘይነበረን ምንም ነገር እንተይሓዘ ስለ ዝወፅአ ልዕሊ ክልተ መዓልቲ ኣብ መንገዲ ክፀንሕ ስለ ዘይኸኣለን እዩ። 

መቐለ ምስ ተመለስና ኣነ፥ ኣደይን ምንኣስ ሓወይን ናብ መንበሪ ገዛና ኣይተመለስናን። ኣብ ከባቢ ሓወልቲ፡ ኣብ መንበሪ ገዝኣ፡ ገፊሕ ውሻጠ ትሕቲ መሬት ናብ ዘለዋ ሓፍትነይ ኢና ኸይድና። ዝበዝሕ ነባሪ ከተማ መቐለ ኣብ ጥቕኡ ናብ ዘለው ውሻጠታት ትሕቲ መሬት እዩ እናኣተወ ነይሩ። እቲ መዓልታዊ ስራሕ ብምስራሕ ዝነብር ዝነበረ  ብዙሕ ሰብ ድማ “ንሎሚ ካብ መድፍዕን ደብዳብን እንተምለጥኹ ፅባሕ ብጥምየት እንዶ ክሞትን” ብዝመስል ተስፋ ምቑራፅ ካብ ዝነበሮ ኣይተንቀሳቐሰን።

መቐለ መቐለይ ክትመስለኒ ኣይኸኣለትን። እታ ተወሊደ ዝዓበኹላ፡ እታ ክሳብ እዚ ዕድመይ እዚ ጐደናታታ ብናፅነት ዝረገፅኩላ ከተማ፤ ፅርግያታታ ጭው ኢሉ ፣ ብረቶም ብዘፍርሕ መልክዑ ኣቕኒዖም ኣብ ልዕሊ መኪና ብሬን ኣጨማሚቶም ዝዀሉ ወታደራት ወሪሮማ ርእየ 

“ስምዒት መግዛእቲ ነዚ ዶ ይመስል ይዀን?” በልኩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ዝተኸፈቱ ድኳናት ውሑዳት እዮም። ሰብ ድኳን ዘለዎም ይሸጡ እምበር ዘዝተሸጠ ይትክኡ ስለ ዘይነበሩ ዳርጋ መብዛሕቲኦም ድኳናት ብኣፃብዕቲ ዝቝፀራ ሸቐጣት እየን ነይረንኦም። ዝዀነ ይዅን ናይ መኪና ምንቅስቓስ ስለ ዘይነበረ ኣስቤዛ ምርካብ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ኮሚደረ 110 ቅርሺ ንኪሎ ዝበፅሐሉ እዋን ነይሩ። ህፃውንቲ ቘልዑ ዘለውወን ኣደታት ካሊእስ ይትረፍ ጨርቂ ሽንቲ ደቀን ንምሕፃብ ዝዀን ማይ ክረኽባ ኣይክኣላን።

መብራህቲ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን፡ ሰብ፡ ዕንፀይቲ ናብ ምእራይን ናብ ምግዛእን እዩ ተመሊሱ። ብዙሕ ሰብ እቲ ባህላዊ ሞጎጎ ስለ ዘይነበሮ ቢሑቑን ጊባቡኡን ሒዙ ፎቐድኡ ዝንከራተት ሰብ መዓት እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ዘድልየካ ነገር ገይርኻ ቅድሚ ሰዓት 12:00 ገዛ ንምእታው ዝነበረ ጕያ (ሰዓት ሕላፍ ስለ ዘሎ) ኣብ መገዛ ዓድኻ ምህላዉኻ የጠራጥር።

ድሕሪ ሰዓት 12፡00 ኣብ ከተማ ዝንቀሳቐስ ሰብ የለን። ምሸት ምሸት ድምፂ ተዅሲ ኣሎ።

ሓደ ምሸት፡ ሰዓት 1:30 ይዀን፡ ካብ ዝነበርናሉ ገዛ ብቐረባ ናይ ተዅሲ ድምፂ ይስማዕ። ተደጋጊሙ ተተኲሱ። ኣብዚ እዋን ናይ ኣደታት ጭንቂ መግለፂ የብሉን። ብፍላይ ደቀን ኣብ ገዛ እንተዘይሃሊዎም ኣብራኸን እናጠፍጠፋ ዝዀንኦ ይስእና ነበራ። “ኣብየት ወዲ መን ዘይተዓደለት ዀን ቐቲሎም? ኣብየት ወላድ ዝረኸብክዮ” እናበላ ነቲ ዘይወግሕ ለይቲ ይፅበየኦ። ወፂእኻ እንታይ ከም ዝተፈጠረ ምርኣይ ዘይሕሰብ ስለ ዝዀነ ወጊሑ እቲ ዝዀነ ክሳብ ዝትርኢ ምፅባይ እዩ።

ንጕሆ ኣስታት ንሰዓት ሓደ ርብዒ ጐደል  ነቱ ከባቢ ዘናውፅ ኣውያት ተሰሚዑ።

ኵሉ ሰብ እናጐየየ ካብ ገዝኡ ወፂኡ። ካብ ደስታ ሆቴል ናብ ዓዲ ሓውሲ ኣብ ዝወስድ ፅርግያ ክልተ ደቂ 20 ዓመት ቘልዑ ተቐቲሎም ተረኺቦም። ክሳብ ሐዚ ዓይነይ እንትዕምት እሪኦም።

እሓዝንን እሕርንን።

#ትግራይ ትዕወት

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT