Connect with us

Letters

መግለፂ ቅዋም ጕባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ

ክሳብ ሕዚ ኣብ ምንም ዘይተሳተፉ ብኣማኢት ዝቝፀሩ ካህናት ብጥዪት ረጊፎም፣ ሸኻት፣ ኢማማት ተቐቲሎም፣ ብኣሽሓት ዝቝፀሩ ምእመናን ሃሊቖም፣ ዝተረፉ ድማ ገዝኦም ንብረቶም ሓዲጎ ተሰዲዶም፣ ኣብያተ ክርስቲያናት፣ መስጊዳት ዓኒዎም፣ ገዳማት ብከቢድ ኣፅዋር ተደብዲቦም። ቅርሲታት ተዘሪፎም፣ ንዋየ ቅዱሳት ተቓፂሎም፣ ንብረት ምእመናን ተዘሚቶም፣ መሳርሒ ትካላት መሰረተ ልምዓት ተጓሕጒሖም ተወሲዶም፣ ትካላት ጥዕና፣ ቤት ትምህርቲ፣ ፋብሪካታት በሪሶም፣ ውልቃዊን ዘይውልቃዊን ህዝባዊ ትካላት ከም ዘይነበሩ ኰይኖም፣ ኣንስቲ ካህናትን ደናግልን ተራኺሰንን ተደፈረንን፣ እኖን ጓልን ብእንስሳዊ ባህሪ ብሓባር ተደፊረን።

Published

on

ቤት ፅሕፈት ጕባኤ ትካላት ሃይማኖት ክልል ትግራይ 

Inter-religious Council Office Of Tigray Region

ስቁ፡. 0342406148

ዕለት 8/6/2003 ዓ/ም

ኣብ ህልዊ ኵነታት ህዝቢ ትግራይ ኣድሂቡ ዝወፅአ መግለፂ ቅዋም ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ

ብመጀመርታ ብሰንኪ ኵናት ንዝሞቱ ገነት፣ ንዝሓዘኑ ምፅንዕናዕ፣ ንዝተጐድኡ ፈጣሪ ምሕረት ክልእዀሎም፣ ንዝተረፈ ህዝብና ድማ ሰላም ጥዕና ፍትሒ ንምነ።

ጕባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ ዝተጣየሸሉ ዕላማ ኣብ መንጎ ተኸተልቲ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ዝፀንሐ ባህሊ ምክብባርን ሓቢርካ ምንባርን ተጠናኺሩ ክቕፅል ብምግባር ንሰላም፣ ፍቕሪ፣ ሓድነትን ድሕንነትን ህዝብና፣ ንልምዓትን ዕብየትን ሃገርና ሓቢርካ ምስራሕ እዩ፡፡

በዚ መሰረት ሰላምና ንምሕላው ጕባኤና ገና ናብ ትግራይ ዘሕልፍ መንገዲ ምዕፃውን ዓሌት እናቘፀርካ ዝግበር ወፅዓን ቅትለት ደቂ ሰባትን ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ክሳብ እቲ ሕዚ ማእለያ ዘየብሉ ህይወት ንፁሃን ዜጋታትን ንብረትን እናበልዐ ዘሎ  ኲናት ዝጀመረሉ ግዜ “ነዛ ናይ ሓባር ሃገርና ሓቢርና ንሓልዋ፡ ፖለቲከኛታት ንዘለዎም ኣፈላላይ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ኰይኖም ብሕጊን ሕጊን ጥራሕ ንክፈትሑ” ዝብሉን ካልኦትን ንህዝብናን መንግስትናን ዝጠቅም ዝተፈላለዩ ናይ ሰላም ፃዊዒታት እናመሓላለፍናን ኣስተምህሮ እናሃብናን ፀኒሕና ኢና። ይኵን ድእ እምበር ፀማም እዝኒ ተውሂቡና ዝፈራሕናዮ ኣይቀረየን ፣ እንኳንዶ ክትፍፅሞ  ንክትሓስቦ ዘፀግም  ኣብ ልዕሊ ቤተ እምነታትና፣ መራሕቲ ሃይማኖትና፣ ምእመናንና፣ ቅርስታትና ብጠዓሚ ዘሕዝንን ዘስካሕኽሕን ግፍዒታት ተፈፂሞም እዮም። በዚ ድማ ብጣዕሚ ሓዚንና ስለ ዘለና እይና ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ብምዝራብ ዓው ኢልና ክነእዊ ተገዲድና ዘለና።  ክሳብ ሕዚ ኣብ ምንም ዘይተሳተፉ ብኣማኢት ዝቝፀሩ ካህናት ብጥዪት ረጊፎም፣   ሸኻት፣  ኢማማት ተቐቲሎም፣ ብኣሽሓት ዝቝፀሩ ምእመናን ሃሊቖም፣ ዝተረፉ ድማ ገዝኦም ንብረቶም ሓዲጎ ተሰዲዶም፣  ኣብያተ ክርስቲያናት፣ መስጊዳት ዓኒዎም፣ ገዳማት ብከቢድ ኣፅዋር ተደብዲቦም።  ቅርሲታት ተዘሪፎም፣ ንዋየ ቅዱሳት ተቓፂሎም፣  ንብረት ምእመናን ተዘሚቶም፣ መሳርሒ ትካላት መሰረተ ልምዓት ተጓሕጒሖም ተወሲዶም፣ ትካላት ጥዕና፣ ቤት ትምህርቲ፣ ፋብሪካታት በሪሶም፣ ውልቃዊን ዘይውልቃዊን ህዝባዊ ትካላት ከም ዘይነበሩ ኰይኖም፣  ኣንስቲ ካህናትን ደናግልን ተራኺሰንን ተደፈረንን፣  እኖን ጓልን ብእንስሳዊ ባህሪ ብሓባር ተደፊረን።  ብሓፈሻ እዚ ኣብ ርእሲ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐን እናበፀሐ ዘሎን ከቢድ ህልቂትን መሪር ስቓይን ንፍጡር ኣይሃቦ ዘብልን ምፍጣርካ ዘፅልእን ኰይኑ ኣሎ፡፡

ሕዚ እውን እንተዀነ ህዝብና በዙይ ከይኣኸለ እቲ ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝኣክል ብዘይ ምቍራፅ ። ዘሎ ኲናት ጠጠው ብዘይ ምባሉ እቲ ኣብ ገጠር ዝነብር 80% ህዝብና ኣብ ርእሲ እቲ ዝበፅሖ ዘሎ  ሓዘንን ስነልቦናዊ መጕዳእቲን መጓዓዝያ፣ ሓገዝ ምግቢ፣ ረድኤት እኸሊ፣  ማይ፣ መብራህቲ፣ ባንኪ፣ሕክምና ሓሪምዎ ኣደዳ ጥምየት፣ሕማምን ሞትን ኰይኑ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ። 

ብዛዕባ እቲ ንምግላፁ ዘፀግም ዝበፅሐ  በደልን ግፍዕ፥ ሞትን ዕንወትን ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ዝተሰምዖ ሓዘን እናገለፀ ንመላእ ህዝብና ፈጣሪ ምጽንዕናዕ ይውሃቦ እናበልና እዞም ዝስዕቡ ብዓል ክልተ ገፅ 7 ነጥብትታ መግለጺ ቅዋም ነመሓላልፍ፡

  1. እዚ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፌደራል መንግስትን ዝተወልዐ ኲናት ኣብ መንጎ ልኣላዊት ሃገር ናይ ዘለዉ ክልተ ሓይልታት ውሽጣዊ ጉዳይ ብምዃኑ ናይ ማንም ናይ ደገ ሓይሊ ኢድ ኣታዊነት ክህልዎ ግቡእ  እኳ እንተዘይነበረ ሕዚ ግና ብተፃራሪ ሰራዊት ኤርትራ መላእ ትግራይ ኣትዩ ህዝብና የበሳብስ፣ይርሽን፣ቤተ እምነታት የራኸስን፣ ሓድግታት የዕንውን ብምህላዉ፣ ፌደራል መንግስቲ ቅድሚ ኵሉን ልዕሊ ኵሉን ብዘይ ቅድመ ኵነት ንሰራዊት ኤርትራ ካብ ክልልና ክወፅእ ክገብር፣ ከምኡ እውን ማሕበረሰብ ዓለም ስጕምቲ ክወስድን እናፀዋዕና ከም ኡውን  ዞባ ደቡብን ምዕራብን ዘሎ ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ክልል አምሓራ ብሁፁፅ ክወፅእ ንፅውዕ።
  2. ጕባኤ ትካላት ሃይማኖት ትግራይ  ካብ ፈለማ ከምቲ ቅድም ኢሉ ዝገልፆ ዝነበረ ቅዋም እዚ ኲናት እዚ  ክውላዕ ዘይነበሮ ኵናት እዩ፣ ሰዓራይን ተሰዓራይን ዘየብሉ፣ ብዙሕ ህይወት ዝቐዘፈ ብዙሕ ሃብትን ንብረትን ዘዕነወ፣ ክብሪ ሃገርና ዘዋረደ፣ ብዓለም ዝተመዝገቡ መስሕብ ቱሪስት ዝዀኑ ከም እኒ ደብረ ዳሞ ዝበሉ ገዳማትን መስጊድ ነጋሽን ካልኦት ኣብያተ ፀሎትን ሓድግታትን ዘፍረሰ፣ ናይ ብዙሓት መራሕቲ  ሃይማኖት ህይወት ዝቐዘፈ፣ ኮታስ ማእለያ ዘየብሉ ጥፍኣትን ዕንወትን ዘብፀሐ የብፅሕ እውን ዘሎን ኲናት ስለ ዝዀነ፣ ክልቲኦም ተፋለምቲ ሓይልታት ብዘይ ቅድመ ኵነት ኲናት ደው ኣቢሎም ናብ ጠሬጴዛ ክመፅኡ እናፀዋዕና፣ ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ኣብዞም ተፋለምቲ ሓይልታት ኣብ ሞንጎ ኣትቲዉ ፀቕጢ ብምግባር ናብ ዘተ ሰላም ክመይዑ ክገብር ንፅዉዕ።
  3. ብሰንኪ እዚ ኲናት እዚ፡ ንብረትን ሃብትን መንግስትን ውልቀ ሰባትን ገባርን ምሉእ ብምሉእ ከም ዝፈረሰ ግሁድን ማሕበረሰብ ዓለም ዝምስክሮ ዘሎ ሓቂን እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ኵሉ ማሕበረሰብ ናብ ተመፅዋትን ተረዳእን ወሪዱ፣ ንኣዝዩ ከቢድ ስእነት ምግብን ሕክምናን ተቃሊዑ ስለ ዝርከብ፣ ኩሉ ማሕበረሰብ ክልልና ረዲኤት ምግብን ሕክምናን ንክረክብ ንገበርቲ ሰናይ ትካላት ብዘይ ገደብ ክኣትዉ ክፍቀደሎምን ኵሉ መንገድታት ክፉት ክዀን እናተሓሳሰብና፡ ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ህዝቢ ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ሞራላዊ ግብኦም ክዋፅኡ ፃዊዒትና ነቕርብ።
  4. እዚ ኲናት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ብዙሓት ኢሰብኣዊ ተግባራት ተፈፂሞም እዮም፣ ሰላማውያን ሰባት ብጃምላ ተጨፍጪፎም፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ሰላማውያን ሰባትን ኣብ ኣብያተ እምነት ተረሺኖም፣ ኣብያተ እምነት ብከቢድ ኣፅዋር ተደብዲቦምን ፈሪሶምን፣ ብዙሓት ሓድግታት ዓኒዎምን ተዘሚቶምን ካብ ዝዓበዩ ፋብሪካታት ክሳብ ኣናእሽቱ ትካላት ከምኡ እውን ናይ ውልቀ ሰባት ንብረታት ተዘሚቶምን ዓንዮምን በሪሶም፣ደቂ ኣንስትዮ ብዘነውር መልክዑ ንሓንቲ ክሳብ 15 ወታደራት ከይተረፈ ተዓሚጻን ደናግልን መነኮሳትን ተደፊረን፣ ኮታስ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ክፍፀም ይኽእል እዩ ተባሂሉ ክግመት ብዘይ ይኽእል መልክዑ ምፅናት ዓሌት ተፈፂሙ እዩ። ስለ ዝዀነ እዞም ከም እዚኣቶም ዝበሎ ፍፃመታት ካብ ሃይማኖታዊን ስነ ምግባራዊን ወጻኢ ብምዃኖም ኣትሪርና እናዀነንና ደው ክብሉ እውን እናፀዋዕና፣ ከም ኡውን እቶም ፍፃመታት ብዘይሻራዊ ኣካል ንክምርመሩን ፈፀምቲ ኣካላት ድማ ናብ ሕጊ ክቐርቡን ማሕበረሰብ ዓለም ፀቕጢ ክገብር ፃዊዒትና ነቕርብ።
  5. ዝተጎድኡ ኣብያተ እምነት፣ ዝወደሙ መሰረተ ልምዓትን ህዝባዊ ትካላትን መሊስካ ብምቍቛም ኣብ ኣገልግሎት ንምውዓል ማሕበረሰብ ዓለም በቢ ዝኸኣልኩምዎ ሓገዝ ንክትገብሩልና ንፅውዕ።
  6. ሕይወት ውፁዓት ንምትራፍን ዝዓነዉ ትካላት መሊስካ ንምህናፅን ኣብ ውሽጢን ወፃእን ሃገራት ካብ ዝነብሩ ግዱሳት ኣካላት ሓገዝ ንምትእኽኻብ ኣብ ዝግበር ኵሉ ስሉጥ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ መላእ ትግራይ ኢንተርኔት ብቕልጡፍ ክኸፈተልና ንሓትት።
  7. ኣብ መወዳእታ ትካላት ሃይማኖትን ሽማግለታት ዓድን ሲቪክ ማሕበራትን፣ ናይ ፍትሒ ትካላት፣ ከም ኡውን ናይ ደቂ ሰባት ክቡርነትን ማዕርነትን ዝኣምኑ ዝምልከቶም ትካላት ሃገርናን ዓለምናን ነዚ አብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን በደል ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣትሪሩ ክኹንን፣ብሕፁፅ ግብራዊ ሰጉምቲ ክወስድን ብስም ፈጣሪ እናተማሕፀና ፃዊዒትና ነቕርብ።

ፈጣሪ ሃገርና ይባርኽ 

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT