Connect with us

ትግርኛ

ዳግማይ ዝፈልፈለ ዒላ ንብዓት

ድሕሪ ዒስራ ዓመታት ኣዕይንታ ብሕክምና ንእሽተይ ክርእያ ተገይሩ። ግን ገና ዓመታት እንተየቍፀራ ንዓመታት ዝዛረየ ዒላ ንብዓት ዳግማይ ፈልፊሉ። ኣነ እውን ህፃን ኰይነ ብዛንታ ዝፈልጦ ንብዓት ኣደይ….ኣደ ኰይነ ርእየዮ።

Published

on

“ሓውክን መልእኽቲ ልኢኹ ኣሎ።” 

“ሓውክን” ካብ ዝትብል ቃል ወፃኢ ካሊእ ዝሰምዐት ኣይትመስልን። ካብ ዕድምኣ ቀዲሙ ዝደኸመ ዓይና ከም ፍልፍል ማይ ምውራድ ጀመረ።  

“ኣነ ድሓን አለኹ። አይትጨነቒ…….ዘለክዮ  ኵነታት ምግማት አይይኸብደንን እንተዀነ ግና በርትዒ…..መድሓኒትኪ እውን ብአግባቡ ውሓጢ……ኢሉወን ኣሎ እማማ…. ”  ሕዝውን ምንም ዝሰምዐቶ አይትመስልን። እቲ ድሕሪ ዓመታት ዝፈልፈለ ዒላ ንብዓታ ዝዓግቶ አይረኸበን።  

ብዛንታ ዝሰማዕኹዎ ንብዓት ኣደይ፡ ዳግማይ ብናተይ ዕድመ ርእየዮ። ምንኣስ ሓዋ ሓደ ካብ እቶም ንደርጊ ኣይንግዛእን ይዀኖ ኢሎም ትግራይ ሓራ ከውፅኡ ገና ብንጕህኡ ዝወፅኡ ተጋሩ እዩ።  ድሕሪ ዝተወሰኑ ዓመታት እቶም ስድራ ተጋደልቲ ‘ድሓን አለና‘ ካሊእ ግዜ ድማ ‘ተሰዊኡ‘ ዝብል መልእኽትታት እንትበፅሖም ኣደይ ግን ሓዱሽ ነገር እንተኢሰምዐት ዓመታት ተቆፀሩ። ድምፂ ሓደ በይኑ ወዲ እነኣ ዝጠፍኣ ኣደይ ደቃ ገዲፋ ድሃይ ምንኣስ ሓዋ ክትሓትት እግራ ናብ ዝመርሓ ጕዕዞ ጀመረት። ተጋደልቲ ኣለውሉ ዝተብሃለ ቦታ እናኸደት ዝረኸበቶ እናስዓመት ንዝሞቱ ድማ ንብዓታ እናፍሰሰት እንተኢሰለጣ ተመሊሳ። አሎን የለን ዝብል መልሲ ዝሰአነት ኣደይ ብበዝሒ ንብዓት ካብ ኣብራኻ ቀዲመን አዕይንታ ደኸማ። 

ድሕሪ  ዒስራ ዓመታት ኣዕይንታ ብሕክምና ንእሽተይ ክርእያ ተገይሩ። ግን ገና ዓመታት እንተየቍፀራ ንዓመታት ዝዛረየ ዒላ ንብዓት ዳግማይ ፈልፊሉ።  ኣነ እውን ህፃን ኰይነ ብዛንታ ዝፈልጦ ንብዓት ኣደይ….ኣደ ኰይነ ርእየዮ።

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT