Connect with us

ትዕዝብቲ

ሕዳር 2፡ 2013 ኣብ ሸራሮ እንታይ ተፈፀመ? (ካልኣይ ክፋል)

ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ’ቲ ሃዲሙሉ ዝነበረ ኤርትራ ብ ሕዳር 02፡ 2013 ብ ሰራዊት ኤሪትራ ተዓጂቡን ተሓጊዙን ስዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ ሸራሮ በጽሐ። ሰራዊት ትግራይ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ካብ’ቲ ከባቢ ለቒቑ ከይዱ ነበረ።

Published

on


መብርሂ ኣርታዒ፡ እዚ ፅሑፍ፡ ስሙ ክይፅራሕ ብ ዘኢይደልይ፡ ግን እቱ ኵነታት ብ ዓይኑ ብ ዝርአየ ሰብ ዝተፅሓፈ እዩ። ቀዳማይ ክፋል እዚ ፅሑፍ፦ ሸራሮ ካብ ጥቅምቲ 25 ክሻብ ሕዳር 3፡ 2013 ዓ.ም


ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ’ቲ ሃዲሙሉ ዝነበረ ኤርትራ ብ ሕዳር 02፡ 2013 ብ ሰራዊት ኤርትራ ተዓጂቡን ተሓጊዙን ስዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ ሸራሮ በጽሐ። ሰራዊት ትግራይ፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ካብ’ቲ ከባቢ ለቒቑ ከይዱ ነበረ።

ዝዋግኦን ዝታዀሶን ሓይሊ ኣብ ዘየብሉ ኵነታት ሕዳር 1ን 2ን ንሸራሮ ብመድፍዕ ብዘይ ምቍራጽ ይድብድባ ነይሩ።

ሸራሮ ምስ ኣተወ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ንዝጸነሖ ሰብ ብዘይ ምንም ሕቶ ብኣልማሚት ምርሻን እዩ ጀሚሩ። ኣብ ሓንቲ ምሸት ጥራሕ ልዕሊ 20 ዝዀኑ ንጹሃት ሰባት ኣብ ውሽጢ እታ ከተማ ተረሺኖም እዮም። ዝተዓጠቐ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ሸራሮ ኣይጸንሐን ግን ዓንጸዓንጾ ንማዕጾ ከም ዝብሃል ንእቲ ንጹህ ሰብ እዮም ረሺኖሙዎ።

ካብ ሑመራ ናብ ሽረ ገጹ ዝሃድም ሰብ ብዙሕ እዩ ነይሩ፡ ኣብ’ታ ዕለት። ግን ጽቡቕ ዕድል ኣይገጠሞን። ካብ ሑመራ፡ ጨፍጫፊ ሓይሊ ኣምሓራ ፈሪሑ እዩ ናብ ሸረ ገጹ ተሰዲዱ። ግን ድማ ኣብ ሸራሮ ዝጸንሐ ሓይሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተቐቢሉ ጨፍጪፉዎ። ርሕቕ ኢሎም ብስናይፐርን ብብሬንን እዮም ብ “ተመልከተለይ” ወዲኦሙዎ። መብዛሕትኡ ብ ሞተር ሳይክልን ብ ባጃጅን እዩ ይጕዓዝ ነይሩ። ካብ ኣደመይቲ ክሳብ ሸራሮ ኣብ ዘሎ ኣስፋልቲ ጥራሕ ካብ 50 ሰብ ንላዕሊ ኣብ ሓንቲ ምሸት ረሺኖም እዮም። ግን መንነቶም ስለ ዘኢንፈልጦምን ከይድና ድማ ሕድሕዶም ክንቈጽሮም ስለ ዘኢንኽእልን ትኽክለኛ በዝሖም ክነቐምጥ ኣይንኽእልን።

ህዝቢ ከተማ ሸራሮ ካብ ለይቲ ጥቅምቲ 30 ጀሚሩ ሰለ ዝወጽአ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝኣተዉሉ ዕለት 2 ሕዳር ዳርጋ ብሙሉኡ ኣብ ገዝኡ ኣይጸንሐን። ካብ ሑመራ ናብ ሽረ ዝሓልፍ ዝነበረ ህዝቢ እዩ መብዛሕትኡ ኣብታ ዕለት ብሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተረሸነ። ኣብታ ዕለት ዝተረሸኑ ነበርቲ ከተማ ሸራሮ ብቑጽሪ ካብ 8 ኣይበዝሑን እዮም። ኣነ ባዕለይ ዝፈልጦም እኳ 7 ደቂ ሸራሮ እዮም። ናይ ሸውዓቲኦም ሬሳ ብዓይነይ ሪእየዮ እየ።

ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም ሰባት ንምታይ ይሃድንዎም ነበሩ?

ብዕለት 02 ሕዳር ኣብ ሸራሮ ክልተ ናይ ኣእምሮ ሕሙማት ዝዀኑ ሰባት ኣብ ጽርግያ ረሺኖሞም እዮም። ን እቲ ሓደ ኣብ ኣፍደገ እታ ንሕና ዝነብርናላ ገዛ እዮም ረሺኖሙዎ። ባህኣበሎም ይብሃል ሽሙ። ንእቲ ሓደ ድማ ኣብ ከባቢ ቴሌ እዮም ረሺኖሙዎ። መምህር ፍጽም ድማ ይብሃል።

ሓደ ዓብዪ ሰብኣይ ንምንታይ ን እዞም ናይ ኣእምሮ ሕሙማት ከም ዝሃድንዎም ክነግሩኒ እንተለዉ ፡ ወያነ ዕቡዳት ኰይኖም እዮም ጕድ ዝገብሩኻ ኢሎም ስለ ዝፈርሑ እዮም ብዘይ ርህራሄ ዝቐትሉዎም ኢሎምኒ። ዲሒረ ከም ዝተዓዘብኩዎ ድማ ኣብ መላእ ትግራይ ዝርከቡ ጸገም ኣእምሮ ዝነበሮም ተጋሩ ብፉሉይ ዕላማ ተገይሮም ተረሺኖምን ይርሸኑን ኣለዉ።

ሂወት’ቲ ሸያጢ ዕንጨይቲ ሰብኣይ ተሪፋ ዶ ትዀን?

ሓደ ሰብኣይ ድማ ኣብ በረኻ ዊዒሉ ናብ ገዝኡ እናኣተወ ኣብ ታንኪ ኰይኖም ብ ኣምሓርኛ “ማይ ኣስትየና” ኢሎም ይጥይቕዎ እሞ ንሱ ድማ ማይ ዘይሓዘ ስለ ዝነበረ በቲ ኣዕርዩ ዘይመልኮ ቋንቋ ኣምሓርኛ “ማይ ኣይሓዝኩን” ኢሉ ይምልሰሎም። ቀጺሎም “ኣበይ ኣለዉ እቶም ፍሉይ ሓይሊ?” ይብሉዎ። ንሱ ድማ፦ “ኣይርአኹዎምን” ኢሉ ይምልስ። እቶም ጨካናት ኢዱ ብጥይት ይወቕዕዎ እሞ እናደመየ በቲ ኣነ ዓሪፈሉ ዝነበርኩ ቦታ ክሓልፍ ምስ ርአኹዎ ኣዛሪበዮ። ደሙ ብጣዕሚ እዩ ዝፈስስ ነይሩ፣ ኣዕርዩ ምዝራብ እውን ኣይይኽእልን። ናብ ገዛ ኣእቲውና ብጨርቂ ኣሲርና ኣደቂስናዮ፥ ምግቢ እውን ሂብናዮ። ካብ እዙይ ንላዕሊ ግን ምንም ነገር ክንገብረሉ ኣይክኣልናን። ምኽንያቱ መድሓኒት ይዅን ሓኪም ኣይነበረን። ሸራሮ ካብ ሰዓት 8:30 ጀሚራ ኣይናትናን፡ ናይ ሰራዊት ኤርትራ ኰይና እያ። ሰለዚ ኣይኰነን ዶ ሕክምናስ ናብ ኣስፋልት ምውጻእ እውን ኣይይክኣልን ነይሩ።

ሰራዊት ኤርትራ እትው ምስ በለ ናብ ምስባር ገዛውትን ምዝራፍ ንብረትን እዩ ኣቲዉ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ናብ ምቕታል ንጹሃን ሰባት እዩ ኣትዩ። ን እቲ ግፍዒ ተማቒሎም እዮም ዝፍጽሙዎ ዝነበሩን ዘለዉን።

እቲ ኢዱ ዝተወቕዐ ሰብኣይ ክቕንዞ ሓዲሩ። ሓቂ ይሓይሽ ኣነ ብሂወት ክሓድር እዩ ኢለ ኣይገመትኩን ነይረ። ግን ብሓይሊ ፈጣሪ ሂወቱ ከይሓለፈት ሓዲራ፤ ተመስገን ፈጣሪ! ብጽባሒቱ ንጕሆ ቍርሲ ምስ ሃብናዮ፡ “ከመይ ይስመዓካ’ሎ?” ኢለ ሓቲተዮ። “ድሓን እየ ዝመስል” ኢሉ ምስ መለሰለይ ድማ ኣዝዩ ደስ በለኒ። “እንታይ ድኣ ክንገብረልካ?” ኢለዮ። ንሱ ድማ፡ “በቃ እቲ ትገብሩለይ ዘለኹም እኹል እዩ” ኢሉኒ። ኣነ ምዝራቡ ንባዕሉ ኣግሪሙለይ እዩ። ስለ’ዚ በቃ ብሂወት ናይ ምትራፍ ዕድል ኣለዎ ማለት እዩ ምባል ጀሚረ።

ሕጂ እውን ብሓይሊ ኣምላኽ እምበር ሕክምና ዝብሃል ነገር የለን። ካብ’ቲ ሰራዊት ኤርትራ ዘሪፎሙዎ ዝኸዱ እንዳ ፋርማሲ ዝወደቐ መድሓኒት ከምጽእ ምኽኣልኩ ዶ ኢለ ምሕሳብ ጀሚረ ነይረ፤ ግን ድማ ኣነ ናይ ሕክምና ሰብ ኣይኰንኩን እንታይ ዓይነት መድሓኒት ከም ዘድልዮ ኣይእፈልጥን። ብተወሳኺ ድማ እቶም ሰራዊት ኤርትራ ቈልዓ እምበር ዓብዩ ሰብ ናብ ጥቐኦም ኣይየቕርቡን እዮም። ምሳይ ክልተ ኣዝማደይ ነይሮም ግን ካባይ ዝሓሸ ኣፍልጦ ኣይነበሮምን።

ምስ ረፈደ ምሳሕ በሊዑ ድግፍ ኢሉ ድማ ኮፍ ምባል ጀሚሩ። ሓንቲ ሕቶ ክሓቶ ደልየ ግን ተሰኪፈ ሱቕ ኢለ። ማለት ንሱ ከይስከፍ ኢለ እየ። እታ ሕቶይ፡ “ቤተሰብካ ኣበይ እዮም?” ትብል እያ ኔራ። ኣነ ምናልባሽ ካባና ዝሐሸ ነገር ክገብሩሉ ይኽእሉ ይዀኑ ኢለ እየ። ግን ድማ ንሱ “ክኸደሎም ስለ ዝደለዩኒ እዮም” ኢሉ ከኢይስከፍ ድማ ፈራሕኹ። ድሕሪ ስዓት ግን ደፊረ ሓተትኩዎ። ማለት ከረድኦ እየ ኢለ ወሲነ።

መልሱ: “ኣነ ዕንጨይቲ እናሸየጥኩ ምስ ሓወይ እየ ዝነብር እንዳ ሓወይ ድማ ካብ ገዝኦም ወጺኦም እዮም” ኢሉኒ። እዋይ ህዝበይ ፋሕፋሕ ኢሉ በቃ ኢለ ምሕሳብ ጀሚረ። “በቃ ኣጆኻ ምሳና ክትጸንሕ እይኻ፡ ኣነስ ካባና ንላዕሊ ጌሮም ዶ ምተንካባኸቡኻ ኢለ እየ ሓቲተካ እምበር ድሓን ፈጣሪ ይሓግዘና ጥራሕ” ኢለዮ።

ኣነን ክልተ መናእሰይን እይና ኣብታ ገዛ ጸኒሕና ነይርና። እዙይ እዩ ዝብሃል ዝብላዕን ዝስተን ኣይነበረናን። ዝገበርና ጌርና ግን ን እቲ ወዲ ክልተ መዓልቲ ምሳና ኣጽኒሕና ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ ምሸት ናብ እንዳሓዉ ኣብጺሕናዮ። ከም ዕድል ኰይኑ ሰበይቲ ሓዉ ኣብ ገዛ ረኺብናያስ ኣረኪብናያ ተመሊስና። ናይ’ዚ ወዲ ኵነታት ኣብ መወዳእታ ጹሑፈይ ክነግረኩም እየ።

እቶም ጀነራላትን ሸራሮን

ዕለት 2 ሕዳር ኣብ መስመር ሸራሮ ብ ግፍዒ ዝተቐተለ ንጹህ ሰብ መቝጸሪ የብሉን። ግን ከተማ ሸራሮ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ከመይ ድያ ነይራ? ብፍጹም ዘይተጸብየቶ ነገር እዩ ኣጋጢሙዋ።

ንምታይ እየ ከምኡ ዝብል ዘለኹ?

ካብተን ኣብ ትግራይ ዝርከባ ከተማታት ብጣዕሚ ብዙሓት ካምፕታት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበራ ከተማ እያ። ብዕምቈት ንምግላጽ ዝኣክል እዞም ዝስዕቡ ክፍለ ሰራዊታት ኣብ ሸራሮን ጥቓ ሸራሮን ነይሮም።

መበል 23 ክፈለ ሰራዊት ኣብ ውሽጢ ከተማ
መበል 7ይ ክፍለ ሰራዊት ኣብ ውሽጢ ከተማ
መበል 8ይ መካናይዝድ ክፍለሰራዊ ኣብ ኣደመይቲ
መበል 31 ክፍለ ሰራዊት ኣብ ዋዕላ ንህቢ
መበል 33 ኣባይ ክፍለ ሰራዊት ኣብ ዝባን ገደና
ሓደ ( ሽሙ ዝረሳዕኽዎ) መካናይዝድ ክፍለ ሰራዊት ኣብ ጓል ባድመ
ሓደ (ሽሙ ዝረሳዕኹዎ) ክፍለ ሰራዊት ኣብ ምውቃዕ ነጋሪት
ሓደ ካልእ (ሽሙ ዝረሳዕኹዎ) መካናይዝድ ክፍለ ሰራዊት ኣብ ዓዲ ቡዅራይ

እዞም 8 መዋፈርታት እዚ ሰሜን ኩሎም ኣብ ሸራሮን ከባቢኣን ንልዕሊ 20 ዓመት ዝጸንሑ እዮም። እቲ ዋና ዝገርም ጕዳይ ግን እቶም ኣዘዝቲ ክፍለ ሰራዊታት ዳርጋ ኵሎም ኣብ ሸራሮ ሂወት መስሪቶም፣ ወሊዶም፣ ከቢዶም እዮም ዝነብሩ ነይሮም። ካብ ዓቃቢ ሰላም (peace keeping mission) ዘምጽእዎ ገንዘብ ጌሮም ድማ እንታይ ዝመስል ህንጻታት ሰሪሖም ሃፍታማት ደቂ ዓዲ ኰይኖም እዮም ዝነብሩ ነይሮም።

ካብኣቶም እቶም ክልተ ጀነራላት ንኣብነት ክጠቅስ

ብርጋዴር ጀነራል ናስር ናይ 8ይ መካናይዝድ ክፍለ ሰራዊት ኣዛዚ ኰይኑ ህዝቢ ከተማ ሸራሮ ከም ወላዲኡን ውሉዱን እዩ ዝርእዮ ነይሩ። ካብ ቈልዓ ክሳብ ዓብዩ ንናስር ዘኢይፈልጥ ሰብ የለን ኣብ ሸራሮ። ሰበይቱ ትግራወቲ ብኣካል ኣነ ዝፈልጣ እያ። ቈልዑ ወሊዶም በዓል 3 ደብሪ ህንጻ ኣስሪሖም እዮም ኣብ ሸራሮ ዝነብሩ ነይሮም።

ብርጋዴር ጀነራል ግርማ ክበበው እውን ብተማሳሳሊ ናይ ሓንቲ ክፍለ ሰራዊት ኣዛዚ ኰይኑ ጓል ዓዲ ተመርዕዩ ወሊዱ ሃፍቲ ኣፍርዩ ኣብ ሸራሮ ንልዕሊ 15 ዓመታት ዝነበረ መራሒ እዩ።

እዞም ክልተ ጀነራላት ዝጠቐስኩሉ ምኽንያት ኣዝዮም ተፈለጥትን ደቂ ዓድን ሰለ ዝዀኑ እዩ።

ብተወሳኺ ድማ እቲ ቀዳማይ ሚኒስቴር እውን ባዕሉ ጠቒሱዎ እዩ ኣብ ፓርላማ። ካብ ኤርትራ ዝተመለሰ ሰራዊት መሪሖም ናብ ሸራሮ ዝኣተዉ ጀነራላት ናስርን ግርማ ክበበውን እዮም ኢሉ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ጀነራል ኣበባው ታደሰ እውን ምስኦም ነይሩ እዩ።

ሰለዚ እዞም ደቂ ዓዲ ዝዀኑ ጀነራላት ዝመርሑዎን ዝእዝዝዎን ሰራዊት እዩ እምበኣር ደም ህዝቢ ከተማ ሸራሮ ዘፍሰሰ።

እዞም ጀነራላት ሰድራቤቶም እኳ ኣየውጽኡን ነይሮም ኣብቲ ሰዓት ንሱ። ግን ከመይ ኣብ ህዝቦም ጨኪኖም? ኣብ መኻፍልቲ ማሕበሮምን መላፍንቲ እድሮምን ዝዀነ ህብዚ ከመይ ጌሮም ይጭክኑ? ህዝቢ ከተማ ሸራሮን ኣድያቦን ብሓፈሻ ነዞም ጀነራላት እዚኦም ደቆም ኣዕብዩሎም እዩ፣ መውስቦ እውን ጌሩሎም እዩ፡ ግን ሕማቕ ፈድዮሙዎ።

እቶም ብዕለት 2 ሕዳር ዝመጽኡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሕድሕድ ገዛ ሸራሮ ይፈልጥዎ እዮም። መብዛሕትኦም ኣብ ሸራሮ ስድራ ነይሩዎም እዩ። ናብ ሓውካን ዘዕበየካን ህዝቢ ይትኰስ? ንብረት ህዝብኻ ብናይ ካልእ ሃገር ሰራዊት ተውርር? ከም እዙይ ዝበለ ዓገብ ተርእዩ ኣይይፈልጥን። “ናብ ህዝቡ ምትኳስ ዝጀመረ ሰራዊት ውድቀቱ ዝኣኸለ እዩ” ኢሉ ነይሩ ተጋደላይ ሓየሎም ኣርኣያ ። ሓቁ እዩ።

ህዝቢ ሸራሮ ኢዶም ንዝሃቡን ዝተማረኹን ሰራዊት ኢትዮጵያ ከመይ ተቐቢሉዎም?

እቲ ውግእ ለይቲ ጥቅምቲ 24 ምስ ጀመረ ኣብ ሸራሮ እውን ሽዑ ንሽዑ ውግእ ጀሚሩ። ካብ ዕለት 25 ጥቅምቲ ጀሚሩ ድማ ህዝቢ ከተማ ሸራሮ ነቶም ብሰላም ናብ ሓይልታት ትግራይ ዝኣተዉ ይዅኑ ዝተማረኹ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኵሉ ንወዲ ሰብ ዘድልዮ መሰረታዊ ነገር ኣማሊኡ ክሕብሕቦም እዩ ቐንዩ። ካብተን ኣብ ውሽጢ ከተማ ሸራሮ ዝነብራ ክልተ ካምፕታት ዝወጽኡ ( ብዘይ ውግእ ብድሌቶም ዝኣተዉ) ሓዊሱ ኣብ ኣደመይቲ፣ ዓዲ ቡዅራይ፣ ጓል ባድማን ምውቃዕ ነጋሪትን ድማ ኣብ ውግእ ዝተማረኹ ብድምር ካብ 5000 ንላዕሊ ዝዀኑ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ን6 መዓልትታት ቀሊቡዎም እዩ።

እቶም ኣብ ውግእ ዝተማረኹ ይዅኑ ብሰላም ኢዶም ዝውሃቡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከመይ ብኽብሪ ይታሓዙ ከም ዝነበሩ ኣነ ምስክር እየ። ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ትግራይ ኣኪቦም ገለጻ እንትገብሩሎም ባዕለይ ብኣካል ተረኺበ ነይረ። “ንስኻትኩም ካብ’ዛ ሕጂ እዋን ጀሚሩ መንግስቲ ትግራይን ሰራዊት ትግራይን ተረኪቡኩም ኣሎ፣ ኩሉ ኣድላዩ ዘበለ ነገር ድማ ከማልኣልኩም እዩ ኣይትሕሰቡ፣ ንግዚኡ ኣብዚ ከተማ ክትጸንሑ እይኹም ኣጀኹም” ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ነጋዶ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ቅርሺ ኣዋጺኦም፣ ህዝቢ ድማ እኹል ዝስተን ዝብላዕን ኣቕሪቡ፣ ኣዴታት ሸራሮ ድማ ግዝያዊ እንዳ ምግብና ኣጣይሸን እንጀራን ጸብሕን እናሰርሓ ክምግብኦም ቀንየን እየን።

እዙይ ዝገበረ ህዝቢ እዩ እምበኣር ካብ ዕለት 2 ሕዳር ጀሚሮም ክሓርድዎን ንብረቱ ክዘርፍዎም ዝጀመሩ።

ካብ ዕለት 2 ሕዳር ካብ ሸራሮ ጀሚሮም ክሳብ መቐለ ንጹሃት ሰባት እናጨፍጨፉ ን ዝኣተዉ ጀነራላት እዩ እምበኣር እቲ መራሒ ሃገር እየ ዝብል ሰብኣይ ሽሞም እናጸውዐ “ሓደ ንጹህ ሰብ ከይተጐድአ፡ እቲ ምኽባር ሕጊ ብዓወት ዛዚምናዮ ኣለና” ኢሉ ከመጕሶም ዝተሰምዐ። ኣነ ግን ብኢትዮጵያውነተይ ተስፋ ዝቘረጽኩ ካብ ሕዳር 2 ጀሚሩ እዩ።

ካልእ ሓሶት ናይቲ ጨፍጫፊ መራሒ ሃገር እየ ዝብል ሰብኣይ ድማ: ኣብ ፓርላማ ቀሪቡ ( ብዕለት 21 ሕዳር 2013) ሰራዊት ኤርትራ ኣብ እቲ ውግእ ይሳተፍ ኣሎ ንዝብል ክሲ ዝሃቦ መልሲ እዩ።
“ሰራዊትና ጥራሕ ዝባኑ እዩ ናብ ኤርትራ ስጊሩ፡ ሰራዊት ኤርትራ እዩ ዩኒፎርም ኣልቢሱ ሰዲዱዎም። ስለ ዝዀነ ድማ ህዝቢ ትግራይ ናይ ኤርትራ ወታሃደራት ዩኒፎርም ስለ ዝርአየ እዩ ከምኡ ዝብል ዘሎ“ ኢሉ መሊሱ።

መጀመርታ ሰራዊት ኢትዮጵያ ጥራሕ ዝባኑ ድዩ ዝዋጋእ? ናይ ትግራይ ሰራዊት እኮ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሰራዊት እምበር ምስ ጨርቂ ኣይኰነን ተዋጊኡ። ሓደ ሰብ ሒዝካ ዶ ኣይኰነን እዩ ክዳውንቱ ክተሕድጎ ትኽእል? ስለዚ እዞም ሃዲሞም ናብ ኤርትራ ዝኸዱ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኢድ ሰራዊት ትግራይ ኣትዮም እንድሕር ነይሮም ይማረኹ እምበር ዩኒፎርሞም ኣውጺእኻ ኣይይስደዱን። ህዝቢ ኢትዮጵያ መሰረታዊ ሕቶታት ክሓትት ስለ ዘይክኣለ እምበር ክዳውንትኹም ገዲፍኩም ኪዱ ዝብል ጸላኢ የለን ዝብል መልሲ ክረክብ ምኽኣለ ነይሩ።

ኣነን መሓዙተይን ድማ እቶም ካብ ኤርትራ ዝተመለሱ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኵሎም ( ካብ 300 ኣይበዝሑን) ብዓይንና ስለ ዝርአይናዮም ኵሎም ምስ ሙሉእ ዩኒፎርሞም እዮም ነይሮም። እቲ ሰብኣይ ክሕስው እንተሎ ኣነ ዳርጋ ርእሰይ ከሕምመኒ ጀሚሩ ነይሩ። ድሉጥ ሓሳዊ ስለ ዝዀነ ግን ኣይይገርመንን።

ናብ’ቲ ብጥይት ዝቘሰለ ሰብኣይ ክምለስ

ናብ እንዳ ሓዉ ኣብጺሕናዮ ምስ ተመለስና ድሕሪ 2 ወርሒ ኣቢለ እየ ድሃዩ ከረክብ ዝኽኣልኩ። ድሕሪ 2 ወርሒ ግን ነቶም ምሳይ ዝነበሩ ኣሕዋት ሓቲተዮም። ደስ ዝብል ዜና ድማ ኣበሰሩኒ። ሓውዩስ ስራሕ እኳ ጀሚሩ ኢሎምኒ። ግን ንሕና እምበር ንሱ ክፈልጠና ኣይከኣለን ኢሎሙኒ። ንሕና ኢና ናብ ገዛና ዘእተውናካ ምስ በልናዮ እዩ ፈሊጡና ምስ በሉኒ “እወ ሽዑ እኮ ብጣዕሚ ተጐዲኡ ስለ ዝነበረ ሰብ ክርስዕ ናይ ግድን እዩ። እቲ ዋና ነገር ግን ዲሒኑ ናብ ስራሕ ምምላሱ እዩ።” ኢለዮም።

ዜናሁ ለግፉዕ፡ ስም ብርዒ ብ ዓይኑ ብዙሕ ግፍዒ ተጋሩ ዝርአየ ሰብ እዩ። ፈለማ ኣብ ሸራሮ፥ ካብኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፥ ሀዚ ድማ ኣብ ጅቡቲ።

Continue Reading
3 Comments

3 Comments

  1. ዓለም

    April 6, 2021 at 4:36 am

    ብቐዳምነት ነዚ መደብ ኣዳለውቲ ብጣዕሚ እዬ ከመስግነኩም ልደሊ። ብሱሩ’ባ ከመይ ገይሩ እዩ እቱ ጊዘ ልኣኽለኩም ለሎ? ኣነ ብጣዕሚ ይገርመኒ’ሎ። ክንደየናይ ጽሑፋት ኣብዚ ዉሽጢ እዙ ቁሩብ ጊዘ ከምዝጻሓፍኩም ይርዳኣኩም ዶ ሎ? ዝኾነ ኾይኑ ብሥራሕኩም ኮሪ ዔልኩም፣ እግዚኣብሄር ድማ ልዑል ብራኸ ፍልጠት፣ ጥዕናን ዕድመን ይሃብኩም እዬ ክብል ዝኽእል።
    ቅድም ክብል እዚ ሀዚ ኣቕሪብኩምልና ለለኹም ታሪኽ ህልቂትን መከራን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብቋንቋ እንግሊዘኛኹም ኣንቢበዮ ነይረ፣ ይኹንዳኣምበር ከምዚ ናይ ሀዚ ኩልዕ ኢሉ፣ መቂሩ ኣይተበረሀለይን ናይ ብሓቂ። እቱ ታሪኽ ንነብስኻ ኣብቱ ቦታ ጌርካ እትሪኦ እዩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። እቱ ታሪኽ ሰኒዱ ናባኹም ዘብጸሐልኩም ሰብ ናይ ብሓቂ ጽቡቕ ናይ ጽሑፍን ኣዋሃህዳን ልምዲ ዘለዎ መሲሉ ይስምዓኒ። ዋላ’ኳ ነቲ ታሪኽ ከጉልሁ ዝኽእሉ ብዙሕ ነገራት ዝጎደሉዎ ምዃኖም ርዱእ እንተኾነ፣ ምስቱ ዝነበረሉ ኣጸጋሚ ኩነታት እዚ ምስናዱ ባዕሉ ዓብዪ ነገር እዩ። ከም ኣብነት ድሒሩ’ዉን ዋላ እንተኾነ ካብ ሰባት ሓቲቱ ክረኽቦ ዝኽእል እንተዝህልው፣ ኣብቱ ታሪኽ ክዉሰኹ ዝነበሮም ዛዕባታት ከምዘለዉ ይስምዓኒ። በዝሒ ክንደይ ሰባት ከምዝተቐተሉ፣ ኣብምንታይ ቦታ ወዘተ… ተባሂሎም ክንሰዱ እንተዝኽእሉ ጽቡቕ ክገብሮ ምኽኣለ ነይሩ ማለተይ’ዬ።
    ይኹንምበር በቲ ዝነበረ ኣጸጋሚ ኩነታት ብህይወት ተሪፍካ ነዚ ታሪኽ ከካፍለና ምኽኣሉ ንዓርሱ ብጣዕሚ ዓብዪ ነገር እዩ። ዕድለኛታት ኢኹም ካብዚ ተሪፍኩም ነዚ ክተካፍሉና ዝኻኣልኩም እሞ የቐንየልና ክብል ይደሊ።
    ካልእ ብጣዕሚ ዘልዓላ ነጥቢ እንተሃለየት፤ እስካብ ሀዚ ከምቱ ቀተልትና ዝነግሩና ዘለዉን ኣነ ባዕለይ’ዉን ዘግርመለይ ዘሎ ዘረባ፣ ንናይ ወተሃደራት ሰሜን ዕዚ ጥራይ ነብሶም ሰዲዶምዎም ዝብል እዩ። ግና እስኪ ናብ ዓይነ ሕልናኹም ኣእቲኹም ረኣዩዎ እሞ፤ መጀመርታ እኳ ደቂሶም ኣብ ዝነበሩሉ ብሳንጃ ወጊኦምዎም፣ ጥራይ ዝባኖም ሰዲዶምዎም እዩ ልበሉና። እሞ ከምቱ እዚ ሓዉና ዝበሎ ስቕ ኢልና ተቐቢልናዮ ዋላ ክነድህበሉ ኣይካኣልናን ይመስለኒ እምበር፤ ከመይ ጌሩ እዩ ጥራይ ዝባኖም ዝሰዶም? ከምኡ ምግባሮም እንታይ እዩ ካብኡ ክርቡሑሉ ባዓል ህወሓት? ብሱሩኸ ወተሃደር ጥራይ ዝባኑ ድዩ ኣብ ምሽግ ልሓድር ኣቱም ሰባት? ኣልቤርጎ ኣይኮነን ክዳዉንቱ ኣውጺኡ እናሃለወ መጺኦምዎስ ጥራይ ዝባኑ ሃዲሙ ክባሃል ልኽእል። ዳሓር ደማይ “እግዚሄር ይሃባ ኤርትራ ክዳን ናይ ባዕላ ኣኽዲና ሒዛቶም መጺኣ” ይብሉና ኣለዉ ባዓል ጽዋ ዘይውደኦም። ቀደም ቀዳድም ል ኡኽቶ እንተለይህልዎም ነይሩ’ሲ ብሓይልታት ትግራይ ስጉምቲ ምስ ከበዶም ተኾነ ኢድካ ትህብ፣ ተኾነ ደማይ ናብ ዶብ ኣምሓራ ትሃድም እምበር ላብ ብጸላእነት ተፈራሪጅካ ን ዕስራ ዓመታት ተፋጢጥካ ምስ ትራኣአይ ደመኛኻ ሮዖኻ ጠቕሊልካ እሞይማ ብኽንደይ ምልየናት ልተሸመተ ኣጥዋራት ተሸኪምካ ላብ ኤርትራ ይኽየድ? ተዓዘቡለይ ኣሕዋተይ/ሓተይ።

    ደጊመ ከመስግነኩም ይደሊ። ኩልና ዉን ነናዓቕምና ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ንሰንድ።

  2. Save the innocent and bring criminals to justice donot kill anyone

    April 5, 2021 at 3:41 pm

    በጣም አንጀት ይበላል ንፁሓን እንደበግ ሲታረዱ ማየት፥ከስደትእና በግፍ ከመታረድ ማዳን ባለመቻላችን እናዝናለን የበደል ስሜት ይሰማናል(ሴንስ ኦፍ ጊልቲነስ)፥ለዚህ ሁሉ ግፍ ተጠያቂዎች በለዉ ካጠገብህ ያለዉን ቁረጠዉ የምትሉ የአማራ ልሂቃንም ሆነ ሌሎቹም ናቹህ በተለይም የአማራ ልሂቃን ተብዮቹ ነዉ ይህን ቃል የሰማሁት በስማ በለዉ ሳይሆን ራሴ ነዉ ፥በጓደኞቻቹሁን ወይም በብሔራቹ የሚፈፀመዉን በደል ለማለባበስ አትዳዱ፥ከናንተ ጎሳ ዉጪ የሆነ ሰዉ ያደረገዉና የተናገረዉ እንደማይጥማቹ የምታሳዩት ድርጊትና አፀግብሮት ምሥክሮች ናቸው፥፥
    ንፁሓን ወገኖቻችን ወገኖቻችቹህ ናቸዉ የኋላኋላ ገፈት ቀማሾች የሚሆኑት፥ከቤት መዉጣት የማችሉ፥አረጋዉይን፥ማየት መስማት የተሳናዉ ደካሞች፥ራሳቸዉን ማዳን የማይችሉ የመጣባቸዉን መመለስ መመከት የማይችሉ ህፃናትና አረጋዉያን ከመንደር ሳሉ ሕዝብን ለጠብ ታነሣሣላቹ፥የናንተ ብልሀት ሰማንላቹ በርበሬ ገለመለ ትላላቹ አምላክን ፍሩ በአቅመደካሞች ህፃናትና አረጋዉያን ሕይወት አታላግጡ፥ዕልቂቱን ለማብረድ ሞክሩ ሰላም ለማምጣት ታገሉ እንጂ በኀይል ለማሸነፍ አትሞክሩ፥፥የኋላኋላ መቋጫ የሌለዉ ጠብና ፍጅት ዉስጥ እንዳትገቡ፥ዛቻ አይደለም ስለ አቅመደካሞች ህፃናትና አረጋዉያን እናቶች አባቶች ብላቹ እንድታስቡበት ነዉ በግሌ የአማራ ይሁን የኦሮሞ የትግራዋይ ይሁን የየትኟዉም ብሔር ብሔረሰብ ደግነትና እንግዳ ተቀባይነት ነዉ ስመሰክርና ስናገር የኖርኩት፥እናንተ ልታጠፉት ያሰባቹሁት ትግራዋይ ለአማራ ብሔር መልካም አመለካከት የነበረዉ ስለመሆኑ ከጦርነቱ አስቀድሜ ተናግሬ ነበር አናንተዉም አስረግጣቹ ተዉቁታላቹ፥አዘዉትራቹ የምትናገሩት ነገር ላስታዉሳቹ፥ወያኔ ነዉ እንጂ ትግሬዎች በኢትዮጵያዊነታቸዉ የሚኮሩ ናቸዉ እንዲያዉም ደቡቡ ትግራይ ተወላጅ ከትግሬነቱ በፊት አማራነቱና ኢትዮጵያዊነቱን ያስቀድማል ወዘተ ምናልባትም ለፖለቲካ ፍጆታ ና ትግራዋይንን ለመከፋፈል ስትጠቀሙበት የነበረ ርካሽ የቃላት ጋጋታ እንደነበረ ብዙዎች አይስቱትም ፥፥ሁላችንም ቢሆን የተሰማማንበት ሀቅ ነው፥፥
    ከወያኔ ልትማሩት የሚገባ ብዙ ታላላቅ ነገሮች አሉ፥ከነርሱ አንዱ ወንጀለኟን ለህግ ማቅረብና በአግባቡ መዳኘት ነዉ፥፥ለ፲፯ አመታት ኢትዮጵያዉያንን (አማራን በተለይ በጎንደርበቀይ ሽብር ዘመቻና ሲረሽኑ፥ትግራዋይን ካለበት ሁሉ የወያኔ ስንቅ አቀባይ የናት ጡት ነካሽ ወዘተ ብሎ በመሰየም ሲረሽኑ ሲያስረሽኑ የነበሩን ፥ኤርትራዉያንን ጨምሮ(ሾርት ሜሞሪ አለባቸዉ በከፍተኛ ደረጃ))በቀይ ሽብር ዘመቻና በተለያዩ አጋጣሚዎች ሲያርዱ የነበሩ የደርግ ባለሥልጣናትን ህዉሃት እንደዘመኑ የአማራ ልሂቃን ከባዕዳን ወራሪዎች ጋር ሆኖ በየመንገዱ አልገደላቸዉም በህግ ፊት ቀርበዉ ነዉ የተዳኙት ፥፥ከዚህ በላይ በተለያዩ ጊዜያት ለወገናቸዉ ሲሉ አካላቸዉን ያጡ ጥቂት የማይባሉ (እጅግ ብዙ) የትግራይ ተወላጆች ምንም አይነት በቂ ካሳ ሳያገኙ የአማራ ተወላጆችን ጨምሮ ህብረ ብሄራትን ለማካተትና ለመደገፍ ታስቦ ነባር የትግራይ ታጋዮችን ወደ ጎን በመተዉ ለብዙዎች የአማራ ተወላጆች የሥራ ዕድል እና የገቢ ምንጭ የሚያስገኝ እድል ህዉሀት ፈጥሮላቸዉ ሲጠቀሙ ኖረዋል(ቆይተዋል)፥፥የህዉሃት ችሮታ በዚህም አላበቃም ከዚህ በፊት(ቅድመ ወያኔ)ያልነበረ አሁን የአማራ ክልል ተብሎ የሚጠራውን ክልል መሥርቶላቸዋል፥፥ባጎረስኩ እጄን ተከስኩ ማለት ከዚህበላይ ከወዴት ይምጣላቹህ፥፥
    እናንተ ግን በየመንደሩ ና በየጤና ጣቢያ ወገናችሁን ስትገሉ ስታስገድሉ ትዉላላቹህ፥እኔ በበኩሌ በመሬት እና በትናንሽ ጠብ አማራ አማራን እንደገደለ አዉቃለሁ ሌላዉም ህብረተሰብ እንደዚሁ፥ሲራብ ሲቸገር የማይተባበር መሬቴን ገፋህብኝ እየተባባለ የግድያ የሚፈላለግ ሕዝብ ዛሬ ላይ ብሔሬ ተነካብኝ ብሎ ወደ እልቂት መገባበዝ የጤና ይደለም፥፥
    የኋላኋላ መሰልቸቱ፥ደብቁኝ ሰፈሬን ልልቀቅ ልጄንን እናቴን መባባል ሳይመጣ ከአሁኑ እናቁመዉ፥ልጅን በጡት እህልን በጥቅምት፥ሳደርቅ በርጥቡ ሳይርቅ በቅርቡ እንደተባለ፥፥ከአሁኑ ሰዓትና ደቂቃ ጀምረን የተቀሩትን(ከቤታቸዉ ያሉትን-ያልተሰደዱትን) የመዳን ቀንን እናዉጅላቸዉ፥ስደትን ከኔ ወግድ ሰላም ወደኔ ና ግባ ብለን እንጥራዉ፥፥ሰብአዊ ተፈጥሮአችንና የራሳችንን የህይወት ተሞክሮ ወደ ኋላ ተመልሰን ለጥቂት ደቂቃዎች ስንመለከት ስንኳንስ እኛዉ የፈጠርነዉ የጎሳና የብሔር ስሜት የደማችን ና የአካላችን ክፋይ የሆኑትን የዉዶቻችን ሀዘን ናማጣት(ዕጦት)ለመርሳት ብዙ ወራት አይወስድብንም፥፥ስለሆነም በዚህ ፖለቲካዊ ይዘት ባለዉ ትርጉም ያጣ ዕልቂት ዉሥጥ ተዘፍቀን ቀናት ባሥቆጠረ ቁጥር የብዙሀን ወገኖቻችንን ማጣት ለከፋ ና ለከንቱ ቁጭት ቂም በቀልና መቋጫ በሌለዉ ዕልቂት ውሥጥ ሳንገባ እናቁመዉ፥፥የሺ ፍልጥ ማሰሪያው ልጥ እንደተባለ የዚህ ሁሉ ቃላት ጋጋታ የቃላት ስንቅ ቋጠሮ ምክንያት የማን ዕንባ ፈሶ የማን ሊቀር ለሚሉ በቂም ምናብ ለሚጓዙ በቁጭት ዉቂያኖስ ለሚታክቱ ሀሳባቸዉ ብዙሀንን ለአደጋ የሚዳርግ ዉዶቻቸዉን ከሞት ከሕማም እንደማይታደግ ለማስገዘብ ነዉ፥፥አምላክ ማስተዋሉን ያድለን፥ደጋግሜ ልናገር የምፈልገዉ እኔ የህዉሃት ደጋፊ አይደለሁም አልነበርኩም፥የየትኛዉም የፖለቲካ ደጋፊ አልነበርኩም፥አልሆንምም፥፥በጎጠኝነት ስሜት ተነሳስታቹ ህዉሃት ያልሰራዉን ሠራ እያላቹ ለፖለቲካ ትርፍ ስትሉ በመላዉ የትግራይ ተወላጅ ላይ እጃችሁን ስትቀስሩ ይህ አልበቃ ብሏቹህ ንፁሃንን በጅምላ ስትረሽኑ ስታስረሽኑ እያየን ስንኳንስ ከናንተ ጋር የናንተን የእከይ ተግባር መርቀዉና ባርከዉ ከሸኙቹ የናንተዉ አባቶች ጋር ህብረት የለንም፥፥ኢትዮጵያን ለናንተ የአንገታቹ ሀብል በደም ንፁሓን ሕፃናት የቀሉ የእጆቻቹ አምባር ትሁናቹህ ዘንድ ትተንላቹሀል፥፥ቤተክርስቲያናቹህን የብልፅግና ወንጌልን ለመስማት ልባቸዉን ላዘጋጁና ለከፈቱ ትሁንላቸዉ፥፥ነገር ግን በሕያዉ አምላክ ፊት ቃል የምገባዉ የንፁሃን የአማራ፥የኦሮሞ፥የቅማንት፥የጉምዝ፥የአገዉ፥የሺናሻ፥የወይጦ፥የቅማንት ሕዝብ ሕይወትና ደህንነት እንደማንኛዉም ወገኔ ትግራዋይ እንደሚያሳስበኝ እና እንደሚገደኝ ብሎም በተገኘዉ አጋጣሚ ድምፄን እንደማሰማላቸዉ አረጋግጥላቸዋለሁ፥፥ሆኖም(ይህ በዚህ እንዳለ)የንፁሃን የአማራ፥የኦሮሞ፥የቅማንት፥የጉምዝ፥የአገዉ፥የሺናሻ፥የወይጦ፥የቅማንት ሕዝብ ሕይወትና ደህንነት በከንቱ የሚገድሉ ሁሉ በነፃ እንዲለቀቁ ሳይሆን ለፍርድ እንዲቀርቡ ምኞቴ ነዉ ለዚሁም በአቅሜ እሰራለሁ፥፥ለለቲካ ትርፍ ሲባል መለቀቃቸዉን አልደግፍም፥፥በየመንደሩና በየመንገዱ እንዲጨፈጨፉም አልሻም፥፥ ጆሮ ያለዉ ይስማ ላልሰማም ያሰማ ንፁሃንንወገኖችን ዘር ጎሳ ሳንለይ ከጅምላ ጭፍጨፋ እንታደግ !!!!

  3. daniel mezgebe

    April 5, 2021 at 2:51 pm

    stop genocide in Tigray

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT