Connect with us

story

ሳልሳይ ስብራት

ኣነ እውን ትግራወይቲ ብ ምዃነይ፡ ናይ ባንኪ ኣካውንተይ ተዓፅዩ ኣብ ችግር ወደቕኩ። ብፍላይ ካባይ ብዙሕ ነገር ዝትፅበይ ቈልዓ ሒዘ ከቢድ ኰነኒ። እቲ ፀገመይ ግን ተጀሚሩ እንበር አይተወደኣን።

Published

on

ሓደ ሰብ ኣብ ሂወቱ ክንደይ ጊዜ ይስበር? ሓደ ጊዜ? ክልተ? ሰለስተ? መልሱ ንኣኻትኩም ክገድፎ። 

ኣደይ ኣንፃር ደርጊ፡ ሓዳራ ገዲፋ ንሜዳ እትትወፅእ ኣነ ኣብ ከብዳ ምንባረይ ኣይትፈልጥን ነይራ። ኣብ እዋን ልምምድ ዘጋጥማ ንዝነበረ ስምዒታት ሕማም ኣብ ጥቓኣ ዝነበራ መሓዙታ መድሓኒት እዩ ኢለን ዝኣመናሉ ኵሉ ይውህብኣ ነይረን። ድሕሪ ዝተወሰነ ጊዜ ግን እቱ ተሓቢኡ ዘይሕባእ ከብዲ ኣደይ ክዓብይ ጀሚሩ። ኣብዚ ግዜ እዩ ነይሩ ኣደይን መሓዙታን ጥንሲ ምኳኑ ዝተገንዘባ። ኣብቲ ስዓት እሱ ንተገዳላይ/ሊት ካብ ናብ መቐለ ምምላስ ናብ ሱዳን ምጕዓዝ ይቐልል ስለ ዝነበረ፡ ጥንስቲ ኣደይ ኣሸንኳይ ዶ ንጥንስቲስ ንዘኢጥንስቲ እኳ ኣፀጋሚ ኣብ ዝዀነ ኣብ ድሕሪ ወንበር ሹፌር ዓባይ መኪና ተቐሚጣ ናብ ሱዳን ትኣትው። ብከምዚ ዝበለ ኣፀጋሚ ኵነታት ድማ ኣነ እውለድ።

ደብዳብ ቤት ትምህርቲ ዓይደር ዝርሰዖ መቸስ ኣይይህልውን። ኣነ እሞ ኣይርስዖን። ገና ትርጕም ሂወት ከኢተረደኣኒ ምስ ሞት ዝብሀል ነገር ዝተፋለጥኩሉ ጊዜ እዩ። ገና ጓል 10 ዓመት እናሀለውኩ መሓዙተይ ብዘስካኽሕ ኵነተት ሰብነተን ተቆራሪፁ ዝረኣኹሉን ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሂወተይ ፅልዋ ዝፈጠረለይን ፍፃመ እዩ። 

ድሕሪ ኣስታት ዒስራ ዓመታት፡ ኣብ 30 ዓመተይ፡ ህዝቢ ትግራይ ን ሳልሳይ ጊዜ ምፅናት ዓሌት ተኣወጀሉ። ኣነ እውን ትግራወይቲ ብ ምዃነይ፡ ናይ ባንኪ ኣካውንተይ ተዓፅዩ ኣብ ችግር ወደቕኩ። ብፍላይ ካባይ ብዙሕ ነገር ዝትፅበይ ቈልዓ ሒዘ ከቢድ ኰነኒ። እቲ ፀገመይ ግን ተጀሚሩ እንበር አይተወደኣን። ድሕሪ ዝተወሰኑ መዓልትታ ደም ክፈሰኒ ጀሚሩ። ወርሓዊ ፅግያ ዝመፀአሉ እዋን ገና ዋላ እንተነበረ ብዙሕ ኣይተገደስኩሉን። ኵነታት ኣብ ትግራይ ዘለዉ ቤተሰበይን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለና ተጋሩ ዝበፅሑና ዝነበሩ ፀገማትን ኣጨኒቖምኒ ስለ ዝነበሩ “ስትረስ” እዩ ዝዀን ኢለ ሓሊፈዮ ነይረ። ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልትታት ግና ከቢድ ሕማም ተሰመዓኒ። ኣብ ኢደይ ብዙሕ ቅርሺ እኳ እንተዘኢሀለወኒ ብተን ዝነበራኒ ክምርመር ናብ ሆስፒታል ከድኩ። ጥንስቲ ምኳነይ፥ ኰይኑ ግና እቲ ድቂ ስለ ዝተጐድአ ንጥዕናይ ክበሀል ኣብ ውሽጢ 30 ደቕይቅ ብ መጥባሕቲ ክወፅእ ከም ዘለዎ ይነግሩኒ። ብከምዚ ዝበለ ኵነታት ውላደይ ሰኣንኩ። ኣብ እዚ ኵነታት ኰይነ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ‘ኣነ ኣብ እዚ ኰይነ ክንድ እዙይ ዝተሃሰይኩ እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝበይ ከመይ ይዀን ይህልው?’ ዝብል እዩ ነይሩ

Continue Reading
2 Comments

2 Comments

  1. ሓጎስ ገብረዋህድ

    April 13, 2021 at 9:26 am

    ኣሕ ህዝበይ ክሓልፍ እዩ ግና ባርያ ዘኮናስ በዓል ዋና ኮይና ክነብር ኢና።

  2. Abrsh

    April 10, 2021 at 5:38 pm

    😥ኣብ ሂወት ብዙሕ የጋጥም እሞ ኩሉ ኽኣ ይሓልፍ! ስለዚ ከምዚ ዓይነት ተፃብኦ ስለምንታይ ኣጋጠመ ምባል ዝክኣልን ትርጉም ዝህልዎን ነገር ክሳዕ ዘይኮነ ጥራሕ ነዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ወፍሪ ምጥፋእ ዓሌት ተጋሩ በዲህካ ንምሕላፍ ጥበብ ሰኒቕካ ብዛዕባ ነገራት ኣስፊሕካን ኣርሒቕካን ብዕምቆት ብምሕሳብን ብምስትውዓልን ካብ ሕሊናውነት ከይርሓቕካ እናተቓለስካ ንቕድሚት ምምራሽን እዩ ዘድልየና! ኣጆና ኣይንሕመቕ ጥራሕ ብ ኣትሓሳስባናን ብርድኢትናን ልዕሊ ፀላእትና ድኣ እምበር ትሕቲ ፀላእትና ኮይና ከይንርከብ ነስተውዕል ንቃለስ ንጻወር እውን! ኩሉ ሓላፊ እዩ እዚ ናይ ሎሚ እውን ታሪኽ ክኸውን’ዩ ከምቲ ናይ ትማሊ ሕጅውን እንተኾነ ኽኣ ትግራይ ክትዕወት ፣ ዘሕብን ታሪኽ ክትፅሕፍን ነብሳ ዝኽኣለት ሃገር ክትከውንን እያ!❤✌

  3. ማሻራዳ

    April 10, 2021 at 4:51 am

    ክንጭነቕ ከም ዘይብልና ብፍላይ ኣዋልድ ክንጥንቀቕ ኣለና።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT