Connect with us

ትዕዝብቲ

ዛንታ ኣቦይ ብርሃነ ቀንጠብ፦ መስነቒ ሓቦን ሕራነን

ኣቦና እዘን ይሕተትወን ዝነበሩ ሕቶታት እንተ ዘኢመሊሶም ከም ዝቐትልዎም ይፈልጡ እዮም፡ ግን ድማ ናይ መትከልን ቃልስን ጕዳይ ስለ ዝዀነ ንዘኢምብርካኽን፣ ቃልሲ ህዝቦም ንዘኢምጥላምን ኣብ መትከሎም ምጽናዕ መሪጾም። ን ሰሙናት ከሳቕይዎም ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ኣብ ዘኢተፈለጠ መዓልቲ ረሺኖም ኣብ ጥቓ እታ ከተማ ዝርከብ መንገዲ ሬሰኦም ተደርብዩ ተርየ።

Published

on

መብርሂ ኣርታዒ፡ እዚ ፅሑፍ፡ ስሙ ክይፅራሕ ብ ዘኢይደልይ፡ ግን እቱ ኵነታት ብ ዓይኑ ብ ዝርአየ ሰብ ዝተፅሓፈ እዩ። ቀዳማይ ክፋል እዚ ፅሑፍ፦ ሸራሮ ካብ ጥቅምቲ 25 ክሻብ ሕዳር 3፡ 2013 ዓ.ም፥ ካልኣይ ክፋል ክዓ ሕዳር 2፡ 2013 ኣብ ሸራሮ እንታይ ተፈፀመ?


ዛንታታት ጭቍን ህዝቢ ታሕታይ ኣድያቦን ሸራሮን ይቕጽል። ነባራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ዝባን ገደና እዮም። ዕድመኦም ኣብ ውሽጢ 70ታት እዩ። ናይ ቀደም ወያናይ ኰይኖም ኣብ ቀረባ ዓመታት ንመንእሰይ ወዶም ብረቶም ኣረኪቦም ጥሮታ ወጺኦም እዮም ነይሮም። እቲ ወዶም ድማ ኣባል ሰራዊት ምልሻ እቲ ከባቢ ኰይኑ ተሰሊፉ ይርከብ። ጣብያ ዝባን ገደና ካብ ከተማ ሸራሮ ን ኣንፈት ምብራቕ 20 ኪሎሜትር ርሒቓ ትርከብ።

ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ብዕለት 02 ታሕሳስ 2013 ን’ታ ጣብያ ምስ ተቘጻጸራ ልዕሊ 20 ዝዀኑ ንጹሃን ሰባት ብግፍዒ ረሺኑ እዩ። ብፍላይ ድማ ስድራ ዕጡቓት እናኣለሸ ከሳቕዮም ጀመረ። ካብ እቶም ዝተሳቐዩን ዝተጐኡን ሓደ ድማ እዞም ብዓል ዛንታ ኣቦይ ብርሃነ ቀንጠብ እዮም።

ሰራዊት ኤርትራ ክየኣትው እንተሎ ኣቦና ኣብ ገዛ ኣይነበሩን። ከም ሰቦም እዮም ወጺኦም ጸኒሖም። ግን ጓሎም ኣብ ገዛ ስለ ዝጸንሐት ንኣ ኣሲሮም ከሳቕይዋ ጀሚሮም። ኣቦና ናይ ጓሎም ምእሳር ምስ ሰምዑ መጺኦም “ኣነ ኣለኹልኩም ን’ዛ ጓለይ ስደዱዋ” ኢሎም ምስ ተማሕጸንዎም ንኣ ሰዲዶም ንኦም ኣሰሩዎም።

ሰራዊት ኤርትራ: ንጓል ኣቦይ ብርሃነ ንምንታይ ኣሲርዋ?

ምእሳር ንጹሃን ሰባት ኣካል እቲ ምጽናት ትግራይን ተጋሩን እዩ። ኣቦይ ብርሃነ ካብ ጣብያ ዝባን ገደና ተፈላጢ ወያናይ ነበርን ወረጃ ሽማግለን እዮም ነይሮም። ወያናይነቶም ድማ ንወዶም ኣውሪሶም ጥሮታ ካብ ዝወጽኡ ሒደት ዓመታት ሓሊፎም እዮም። እንተ ዀነ ግን መንፈስ ወያናይነት ንፋሽሽቲ ሰራዊት ኤርትራ ድቃስ ስለ ዝኸልኦም ክጠፍእ ኣለዎ ኢሎም ተላዒሎም ኣለዉ። ከጥፍእዎ ዝኽእሉ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ብምሽባርን ብምብርካኽን እዩ ኢሎም ይሓስቡ። ብ’ዚ ምኽንያት እዩ ንጓል ኣቦይ ብርሃነ ኣሲሮም ከሳቕይዋ ዝጀመሩ። ን ወያናይ ኣቡኣን ሓዋን ኣሕሊፋ ክትህብ እሞ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ክዳኸም ብዝብል ስንኩል ሓሳብ እዩ፤ ግን ኣይይዕወትን።

ኣቦና 15 ታሓሳስ 2013 እዮም ተኣሲሮም። እቲ ምኽንያት መእሰሪኦም ዝዀነ “ንምታይ ብረትካ ንወድኻ ሂብካዮ?” ዝብል ሕቶ ድማ ቀረበሎም። ንሶም ድማ “ኣብ ኢትዮጵያ ኰነ ኣብ ትግራይ ልሙድ ነገር እዩ። ሓደ ወያናይ ብዕድመ ክደፍእ እንተሎ ዝባጽሐ ውላድ እንተሃልዩዎ ብረቱ ሕጋዊ ብዝዀነ መንገዲ የምሓላልፍ፤ ኣነ ድማ ከምኡ እየ ገይረ” ኢሎም ይምልሱሎም።

ካልእ ሕቶ: “ወድኻ ኣበይ ኣሎ ሕጂ፣ ክተምጽኦ ትኽእል ዲኻ?”

ኣቦይ ብርሃነ : “ኣበይ እየ ክብለኩም? እንድዒ፣ ኣብ በረኻታት ትግራይ እዩ ዝህልው። ተሰዊኡ እውን ክዀን ይኽእል። ኣበይ ኢለ ከመይ ገይረ ከምጽኦ?” ኢሎም መለሱሎም።

“ወድኻ ኣምጽኣዮ ወይ ድማ ናብ ዘለዎ ቦታ ብምሽጥር ምርሐና እንተ ዘኢኰይኑ ግን ክንቀትለካ ኢና” ክብሉ ኣማራጺ ሃብዎም።

ኣቦይ ብርሃነ ግን፡ “ወደይ ኣብ ዘለዎ ኣይፈልጥን ፣ ከምጽኦ ኣይክእልን፣ ናብ ዘለዎ ቦታ እውን ክወስደኩም ኣይክእልን” ኢሎም ኣቕቢጾም።

ኣቦና እዘን ይሕተትወን ዝነበሩ ሕቶታት እንተ ዘኢመሊሶም ከም ዝቐትልዎም ይፈልጡ እዮም፡ ግን ድማ ናይ መትከልን ቃልስን ጕዳይ ስለ ዝዀነ ንዘኢምብርካኽን፣ቃልሲ ህዝቦም ንዘኢምጥላምን ኣብ መትከሎም ምጽናዕ መሪጾም። ን ሰሙናት ከሳቕይዎም ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ኣብ ዘኢተፈለጠ ምዓልቲ ረሺኖምዎም፤ ኣብ ጥቓ እታ ከተማ ኣብ ዝርከብ መንገዲ ሬሰኦም ተደርብዩ ተረኸበ።

እከይ ተግባር ፋሽሽቲ ሰራዊት ኤርትራ ብምቕታል ጥራሕ ኣይኰነን ዘብቅዕ። ቀቲሎም ዝደርበይዎ ሬሳ ንሰሙናት ኣብ ከተማ ወይ ድማ ኣብ መንገዲ ክጸንሕ እሞ እቲ ህዝቢ ክድንግጽን ክርዕድን እዮም ዝገብሩ። ናይ ኣቦና ሬሳ እውን ንልዕሊ ክልተ ሰሙናት ኣብ ማእኸል መንገዲ ኣደዳ ኣሞራን ከልብን ኰይኑ እዩ ጸኒሑ። ቈልዓ ይዅን ዓብዪ እናርዮ ክሓልፍን ክድንግጽን ሰሙናት ሓለፉ። ክቐብር ወይ ድማ ጨርቂ ነገር ከልብስ ዝሓሰበ ሰብ ከም ዝቕተል ተነጊርዎ እዩ። ሰለ’ዚ ኣይመኰሩን።

ክሳብ 5 ጥሪ 2013 እቲ ሬሳ ሓመድ ኣዳም ከኢለበሰ ኣደዳ ኣራዊት ኰይኑ፥ ኣዕጽምቲ ተበታቲኑ ምስ ቀነየ ብዕለት 04 ጥሪ ፋሽሽቲ ሰራዊት ኤርትራ ነታ ከተማ ለቒቑ ስለ ዝኸደ ብዕለት 05 ኣዕጽምቲ ኣቦና ተኣርዩ ተቐበረ።

ህዝቢ እቲ ከባቢ ከብዱ እምኒ ኣቲዎ እዩ። ሞት ጀጋኑ ወየንቲ ትግራይ መሐረኒና እምበር መሰኰኒና ኣይዀንን ኢሉ ጸንዐ። ብ’ዚ ከም’ዚ ዝበለ ግፍዒ ኣይንብርከኽን ኢሉ እዩ። ብ መስዋእትን ጅግንነት ኣቦና ድማ ሓሪኑን ሓቦ ሰኒቑን ኣብ መትከሉን ቃልሱን ጠጠው ንምባል ወሲኑ።

ጥሪ 5 ኣብ ዝባን ገደናንን ከባቢኡን መስርሕ ምእራይ ብግፍዒ ናይ ዝተረሸኑ ሬሳታት እዩ ክካየድ ውዒሉ። ኣዝዩ ድማ ልቢ ዝሰብር እዩ ነይሩ። ገሊኦም ንልዕሊ ወርሒ ዝጸንሑ እዮም። ካብ ዝነበርዎ ተኣራርዮም ሓመድ ኣዳም ለቢሶም። ኣነ ኣብ’ታ ዕለት ንሳ ኣብ ከተማ ዝባን ገደና እየ ነይረ። ኣብ ቀብሪ ዝውዓሉ ሰባት ረኺበ እውን ኣዘራሪበ እየ። ዝተሓዋወሰ ስዒት እዩ ዝስምዓካ። ኣዚኻ ድማ ትርበሽ። ተስፋ ምቝራጽ፣ ኒሕ፣ ሓቦ፣ሓዘን ኵሎም ብሓደ ግዜ ይመጽኡኻ። ግን እቲ ሖቦን ኒሕን እዩ ዝስዕር።

 እንዳ ኣቶ ተኽለ ታፈረ እውን ሽዑ እዮም ተረዲኦም። ወዶም ዓንዶም ተኽለ ኣብ ኣዅሱም ብፋሽሽቲ ሰራዊት ኤርትራ ብግፍዒ ተረሺኑ። መማህርተይን ዓርከይን እዩ ድማ ነይሩ።ግፍዒ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ’ዚ ኣይየብቅዕን። 07 ጥሪ 2013 ተመሊሶም ናብ እታ ጣብያ ኣትዮም። ህዝቢ እታ ጣብያ ንኽልተ መዓልትታት ጥራሕ እዩ ናጽነት ረኺቡ ተንፊሱ ነይሩ።

እቲ ወራሪ ሰራዊት ህዝቢ ከጋፍዕ፥ ዝተረፈ ንብረት ክወስድን ከዕኑን እዩ ተመሊሱ መጺኡ። ብመሰረት እዚ ድማ ጥሪ 09 ንብረት ምውሳድን ምዕናውን ብንጕሆ ጀሚርዎ።4 መኻይን ናጽዕነት ካብ ኣንፈት ሸራሮ መጺአን። ናብ ቀርኒ ወለቢት ድማ ሓሊፈን ከይደን። ኣእኻልን ካልእ ንብረት ናይቲ ማሕበረሰብ ንምጽዓን እየን ከይደን።

ብዕለት 04 ጥሪ ን’ታ ጣብያ ለቒቖማ ክኽየዱ እንተለዉ ልዕሊ 15 መኻይን ዝዀን ንብረት እቲ ዓዲ ጽዒኖም እዮም ከይዶም ነይሮም። ግን ሕጂ እውን ኣይጸገቡን፤ ተመሊሶም መጺኦም ዘለዉ እተን ዝተረፋ ንብረት ናይቲ ህዝቢ ንምውሳድን ንምዕናውን እዩ። ብተን 4 መኻይን ድማ ዝኽኣሉዎ ንብረት ጽዒኖም ወሰዱ።

ናይ እንዳ ኣቦይ ብርሃነ ወጽዓ ይቕጽል


ህዝቢ ትግራይ ዝኽኣልናዮ ብምቕታል ዝተረፈ ድማ ክደክይ ብምግባር ነብርሶ ዝብል መስርሕ እዮም ሒዞም ተልዒሎም ዘለዉ ጸላእትና። ኣብ እንዳ ኣቦይ ብርሃነ ቀንጠብ ዝወረደ ግፍዒ ድማ ናይ’ዚ መርኣያ እዩ።

09 ጥሪ 2013 ናይ እዞም ኣቦና ግፍዒ ቀጺሉ። ኣቦና ወደይን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ኣሕሊፈ ኣይእውህብን ስለ ዝበሉ ብግፍዒ ተረሺኖም እዮም። ጓሎም እውን ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ተገሪፋን ተሳቅያን እያ ወጺኣ። ወዶም ድማ ኣባል እቲ ጅግና ሰራዊት ትግራይ ኰይኑ ኣብ በረኻታት ትግራይ እዩ ይቃለስ ዘሎ።

ግን ሓንቲ ሃፍቲ ነይራቶም ኣብ’ቲ ከተማ ዝተረፈት። ንሳ ድማ ጥሓኒት እያ ነይራ። እከይ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ድማ ኣካል እቲ ንህዝቢ ትግራይ ብዅሉ መዳይ ምብርካኽን ምድኻምን ዝብል እኩይ ተግባሩ ን እታ ጠሓኒት ናይ እዞም ኣቦና ኣቃጺሉ ናብ ሓሙዅሽቲ ቀይሩዋ።

ዕላማ ምቅጻል ጥሓንቲ?

ሓደ፡ ብቐጥታ ንብዓል ዋና ምጕዳእን ከም መፈራርሒ ምጥቃም እዩ። እዚ ድማ ንብለኩም ኵሉ እንተ ዘኢይገይርኩም ንብረትኩም ብምሉኡ ክንወስዶ እይና ዝተረፈ ድማ ከነዕንዎ እይና ስለዚ ተኣዘዙና እዩ መልእኽቱ።

ካልኣይ ድማ፡ እቲ ማሕበረሰብ ወይ ድማ ህዝቢ እቲ ከባቢ መጥሓኒ ስኢኑ ክጠምይ እሞ ክምብርከኽ ምእንቲ እዮም ዘቃጽሉወን።

ካልእ ተጓንፎ ብዛዕባ ጥሓኒት

30 ታሕሳስ ሰራዊት ኤርትራ ንራብዓይ ጊዜ ኣብ እታ ጣብያ ንዝትርከብ ካልእ ቁሸት ወሪሩ። ከም ኣጋጣሚ ኰይኑ ሓለፍቲ እቲ ወራሪ ሰራዊት ዝዀኑ 3 ሰባት ይረኽቡኒ እሞ ከም እዚ ክብሉ ይሓቱኒ፦ “እዞም ሰብ ጥሓኒት እኽሊ ኣይንጥሕንን ኢሎም ኣብዮምኹም ምሽ? ” ይብሉኒ። ኣነ ድማ እንታይ ኰይኖም ክኣብዩና ድኣ? ኣይኣበዩናን ጌጋ ሓበሬታ እይኹም ሒዝኩም ዘለኹም ኢለ መሊሰሎም። ግን ካብ ሓሙሽተ ጥሓንቲ ናይታ ቁሸት ን’ተን ክልተ ኣቃጺሎመን ከይዶም። ስለዚ ጥሓንቲ ምቃጽል ማለት እቲ ህዝቢ ክጠምይ ምግባር ስለ ዝዀነ ብዝኸየድዎ ኵሉ የቃጽሉወን እዮም ዘለዉ።


                                          ትግራይ ዓደይ ኣጆና፤ ክወግሕ እዩ!


ዜናሁ ለግፉዕ፡ ስም ብርዒ ብ ዓይኑ ብዙሕ ግፍዒ ተጋሩ ዝርአየ ሰብ እዩ። ፈለማ ኣብ ሸራሮ፥ ካብኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፥ ሀዚ ድማ ኣብ ጅቡቲ።

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT