story

ዜና ዕረፍቲ እነይ ኣብርሀት ግደይ

ል ሕድሕድ ዝርአየን ሰብ “ቀበርትና ይግበርኩም” ዝትብል ነገር መውፅኢት ኣፈን ነበረት። ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ስቓይ፣ ብ ዕለት 29 ሚያዝያ 2013 ካብ እዛ ዓለም ብ ሞት ተፈልየን። ግን ቀባሪ ሲ ኣይነበረን። ውሑዳት ሰባት ብ ተብትተብ ቀቢሮሙወን። ደቀን፥ ደቂ ደቀን፥ ኣዝማደን፥ ፈተውተን መፂኦም ክቐብሩወን ኣይክኣሉን። ሓደ ስልኪ ስለ ዘየለ ኣብ እዋኑ ብ ምንታይ ይስምዑ? ካልኣይ ክዓ መንገድታት ስለ ዝተዓፀወ፡ ምጕዓዝ ኣይይኽእሉን። ሳልሳይ እቶም ወረርቲ ቀብሪ ኣይይፈቕዱን።

Published

on

እነይ ኣብርሀት፡ እነ እምበይተይ፥ ኣድኣ ል ኣደይ እየን። ቈልዑ እናሃለውና፡ ናብ እንዳ እነይ ኣብርሀት ምኽያድ ኣዚና ካብ ዝንፈትዎም ነገራት ነበሩ። ል ምንታይ ሲ፡ፍቕረንን ሓልዮተንን ይስሕበና ስለ ዝነበረ። ክንርእየን ንህንጠው ስለ ዝነበርና። ብዓል ምዕሩግ ደብሪ ዝነበረ ገዝአን እውን እንተ ዀነ ስሓባይን ብዓል ግርማ ሞጐስን ነበረ። እንዳ እነይ ኣብርሀት ክየድካ ጥዑም በሊዕኻ፥ ፍቕሪ ተመጊብካ ትመፅእ። ሂወተን ል ካልኦት ምሕላይ፥ ምክንኻን፥ ምዕንጋል፥ ምድጋፍ እዩ ነይሩ። ስለ ጥዕናን ድሃይን ሰባት ሓቲተን ኣይይደኽማን ነይረን። ከምኡ ድማ መሪቐን፥ ሰናይ ተመንየን፥ ፀልየን ኣይይደኽማን ነይረን። ፈታዊት ስራሕ ነይረን። ንሕና ደቂ ደቀን እውን ስራሕ ክንፈትው፥ ክንተግህ፥ ወለድና ክንሕግዝን ክነሕጕስን ኵሉ ጊዜ ይምዕዳና ነይረን።

ዕድመአን ኣፀቢቕና እኳ እንተ ዘኢፈለጥናዮ፡ ካብ 95 ክሻብ 100 ከም ዝበፅሕ ይግመት። ስለዚ ኣዕርየን ኣሪገን እየን ነይረን። ብ ምኽንያት ዕድመአን፡ ንሕና ጥራሕ እንተ ኢዀንና ሲ ኵሉ ሰብ “እነይ ኣብርሀት” እናበለ ይፅውዐን ነይሩ። 

እነይ ኣብረሀት ግደይ ኣብ ዕድመአን ብዙሕ ዝርአያ፥ ብዙሕ ዘሕለፋ እየን። ዘመነ ንጉስ ሃይለስላሴ፥ ዘመነ ደርጊ፥ ኲናትን ስደትን 1977 ዓ/ም፥ ብ 1980 ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓውዜን ዝተፈፀመ ኣረሜናዊ ደብዳብ ብ ዓይነን ዝርአያ እየን። እነይ ኣብርሀት ደርጊ ል ምድምሳስ ኣብ ዝተገበረ ቃልሲ ሓደ ወደን ግሩምን ባዕለን ዘዕበየኦ ወዲ ጓለን ሓድጋይን ዝተሰዉኡወን ብዓልቲ ፀጋ ዕድመ እየን ነይረን።

 ብ ዕለት 16 ሕዳር 2013፡ ወረርቲ ሰራዊት ኤርትራን አብዪ ኣሕመድን ኣብ ዝዓለበ ይዕለብ ኢሎም ይድርበዩዎ ካብ ዝነበረ ከቢድ ብረት ል ምምላጥ፡ እነይ ኣብረሀት እውን ከም ህዝበን ናብ በረኻ ሃዲመን ነይረን። ሰባት ተሸኪሞምወን ሃዲሞም። ክሽዑ ከም ድንጋፅ መሲሉ ዝጀመረን ሕማም፡ እናገደደ እናገደደ ከይዱ። ናብ ሕክምና ከኢይወስዱወን፡ ኣብ ሓውዜን ዝነበራ ኣብያተ ሕክምናታት ዓኒወንን ተዘሪፈንን እየን። ናብ ካልእ ቦታ ከኢይወስዱወን ክዓ፡ መንገድታት ዕፁዋት እዮም። ሕክምናን መድሓኒትን ሲ ይትረፍ ዋ፣ እታ ምግብን ማይን እኳ ዘቕርበለን ኣይረኸባን። ምክንያቱ፡ እቶም ወረርቲ ናብ እቲ ከባቢ ዳርጋ በቢ ሰሙኑ ስለ ዝኣትዉ፡ ሰብ ድማ ሂወቱ ል ምድሓን ስለ ዝሃድም። 

ል ሕድሕድ ክርእየን ዝኽየደ ሰብ “ቀበርትና ይግበርኩም” ዝትብል ነገር መውፅኢት ኣፈን ነበረት። ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ስቓይ፣ ብ ዕለት 29 ሚያዝያ 2013 ካብ እዛ ዓለም ብ ሞት ተፈልየን። ግን ቀባሪ ሲ ኣይነበረን። ውሑዳት ሰባት ብ ተብተብ ቀቢሮምወን። ደቀን፥ ደቂ ደቀን፥ ኣዝማደን፥ ፈተውተን መፂኦም ክቐብሩወን ኣይክኣሉን። ሓደ ስልኪ ስለ ዘየለ ኣብ እዋኑ ብ ምንታይ ይስምዑ? ካልኣይ ክዓ መንገድታት ስለ ዝተዓፀዉ፡ ምጕዓዝ ኣይይኽእሉን። ሳልሳይ እቶም ወረርቲ ቀብሪ ኣይይፈቕዱን።  

ሞት እነኣ ዝተነገራ ኣብ መንገዲ ፍርቂ ምዓልቲ ዝርሕቐቱ ቦታ ዝትነብር ጓለን ለታይ፡ ኣብ ሓዘን እናሀለወት፡ ሓደ ወዳ ብ ፍንጣር ከቢድ ብረት ከም ዝተወቕዐ፥ ኣብ ኢዱን እግሩን ከቢድ ጕድኣት ከም ዝበፅሖ ትሰምዕ። ብ እዚ አብ ዘላቶ ስሒታ ወደቐት። ክሳብ ኸዚ ኣብ ከቢድ ሕማም ትርከብ። 

ድርብርብ ሓዘንን ጓሂን እዩ።

ኣነ ል መወዳእታ ጊዜ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት እየ ል እነይ ኣብርሀት ርእየየን። ሓደ ትምኒተይ፡ ቅድሚ ምሟተን ክየደ ክእርእየን፥ ታሪኸን ክእሰምዕ፥ ምረቐአን ክእቕበል እዩ ነይሩ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ናብ ዓዲ ል ምኽያድ እናተዳለውኩ እናሃለውኩ ኮሮና መፂኡ። ብ ምኽንያት እዚ፥ ካብኡ ክዓ እቱ ኲናት፡ እታ ናይ መወዳእታ ዕድል ኣምሊጣትኒ። ብ እዚ ኣዝየ እሓዝን። ድሕሪ ምጅማር እቱ ኲናት፡ ሓንቲ ጊዜ ጥራሕ እየ ል ገዛና ብ ስልኪ ረኺበዮም ነይረ። ክሽዑ ብ ስልኪ ክናገራሉ ኣብ ዘኢይኽእላ ኵነታት ስለ ዝነበራ ድምፀን ክእሰምዕ ኣይክኣልኩን።

ኣነ ብ ኣካል ክእቐብረን ኣይክኣልኩን። ዋላ ኣብ ቀረባ ዘለዉ ደቀን፥ ደቂ ደቀንን ኣዝማደን እውን ኣይክኣሉን። እዚ፡ ል ሓዘንና ድርብርብ ይገብሮ። ወጊሑ፡ ተራኺብና ሓዘንና ክንገልፅ፥ ሂወተን ክንዝክር እምነይ።

ዋላ ኣይይርአዩዎ እምበር፡ ል ደቀን፥ ደቂ ደቀንን ኣዝማደን ፅንዓት እምነየሎም። ብ ሞት ዝትፈትወን ኣድኣ ኣዝያ ል ዝትሓዘንን ዝትጕዳእን ኣደዋይ ምዓረይ፥ ኣደይ ፃድቃን፥ ኣዝየ እጭነቕ። ደዊለ ከፅናዕንዓ ብ ዘኢምኽኣለይ እሓዝን።

ፅንዓት ይውሃብኪ ኣደይ ፃድቃን!

ፅንዓት ይውሃብኩም ኵሎኹም ደቀን፥ ደቂ ደቀንን ኣዝማደንን!

2 Comments

  1. Mayliham

    May 20, 2021 at 4:05 pm

    ነፍስ ይምሐር፥ ናኣኻን ንመላእ ቤተሰበን ፈተውተን ኹሉ ፅንአት የኸብኩም፥
    ነፍስ ይምሐር፥ ናኣኻን ንመላእ ቤተሰበን ፈተውተን ኹሉ ፅንአት የኸብኩም፥ንሰን በአኻ ይህበና እየን ምክያንቱ ታይ እዩ እንተይልካኒ ፥ብውልቀን ንቤተሰበን ጥራይ ከይኾነስ እት እስኻ ትገብሮ ዘለኻ ቃልስን ፥ፃዕርን ንመላዕ ደቅ ትግራይ ሀብቲ ዝኸውን ታሪክ ኢኻ ትስንድን ተምህርን ዘለኻ እሞ አዴኻ አዴና በአፀደ ነፍስ ኾይነን ይህበናልኻ ፥ይምህለናልና እየን፥አጆኻ ዘሀውና፥ ነፍስ ይምሀር በየማነ ሣራ የንብረን አሜን፦፦
    PS: if you had contact form to just send it exclusively to you , I could have made it.However, no worries. May our Lord bless and comfort you and your family during this time of grief. Please accept my sincere condolences.Those who are asleep will awaken on the day the Lord comes for us all. Thank you!

  2. Berhe Aregawi

    May 20, 2021 at 12:54 pm

    ልብኻ ዝነክእ ተዘክሮ እዩ ፤ ክምዚ ብ ዋዛ ካብ እትፈትዋ ምፍልላይ ሓዘኑ መሪር እዩ ፦ እነይ ኣብርሀት ሓንቲ ካብቶም በቲ ኲናት ተረብሾም ዝስኣናዮም ስብ ጸጋ ዕድመ ን ተምክሮን ወለዲ እየን ።
    ን መሉእ ቤተሰብ ጽንዓት እምነየልኩም፦

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Exit mobile version