Connect with us

In-depth

ውግእ ከተማ፣ ሓፂር ሓተታ ሕጊ

ኣብ ቀረባ እዋን አብ ከተማ ወልድያ ዝተርአየ ሕጋውን ወተሃደራውን ጉዳያት ዘልዕል፤ ነገራት ዘተሓላልኽ ዝመስል ተጓንፎ ከም መልዐሊ ብ ምግባር፤ አብ ከተማታት ዝግበር ውግእ ብ ዝምልከት ዘለዉ ሕጋዊ ማዕቐፋት እንታይ ከም ዝይመስሉ ሓፂር መብርሂ ከም ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

Published

on

ኣብ ቀረባ እዋን አብ ከተማ ወልድያ ዝተርአየ ሕጋውን ወተሃደራውን ጉዳያት ዘልዕል፤ ነገራት ዘተሓላልኽ ዝመስል ተጓንፎ ከም መልዐሊ ብ ምግባር፤ አብ ከተማታት ዝግበር ውግእ ብ ዝምልከት ዘለዉ ሕጋዊ ማዕቐፋት እንታይ ከም ዝይመስሉ ሓፂር መብርሂ ከም ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።  

ከተማታት ካብ ዘለወን ኢኮኖምያውን ወተሃደራውን ረብሓ ብ ተወሳኺ መንነት ሓደ ህዝቢ ዝግለፀሎም ብዙሓት ሓድግታት ዝሓዛ እየን፡፡ ብምዃኑ’ውን ንነዊሕ ዘመናት ግዳያት ኲናት ኮይነን ፀኒሐን እየን። ዕድመ ዝፀገባ ከተማታት አውሮፓ ከም ኣብነት ምስ እንርኢ ዙርያ ምላሸን ብዕርድታት ዝተሓፅራ ምንባረን ናይዙይ መርኣያ እዩ። መሳርሒ ኲናት እናዘመነ፣ ብ ርሑቕ ምድብዳብ ምስተኽኣለ ግን እዞም ዕርድታት ብዙሕ ጥቕሚ ዘይብሎም ኰይኖም። ብኻሊእ ገፅ ክዓ ሕጊ ኲናት እናማዕበለ፣ ቅቡልነት እናረኸበ መፂኡ፣ ከተማታት እውን መድሕነን ብቐንዱ ሕጊ አብ ዝህበን ከለላ ዝተደረኸ ኰይኑ። ኣብ ከተማታት ዝግበር ኲናት ልዑል ሓደጋን መስዋእትን ዘኽፍል እዩ። እዚ ሓደጋ ንነባሪ ህዝቢ ጥራሕ ዘይኰነስ እኹል ሓበሬታ ንዘይብሉ መጥቃዓይ ሓይሊ እውን ብዙሕ ዋጋ የኽፍል። ብካሊእ ገፅ ኣብ ከተማ ዓሪዱ ዝይከላኸል ሓይሊ ዝሐሸ ሽፋን ሓበሬታን ሃፍትን ስለዝህልዎ ንመጥቃዓይ ናብ ሓደጋ ብ ምቅላዕ ፀብለልትነት ክይረክብ ይሕግዞ። ስለ ዝዀነ ንውግእ ከተማ ዝገዝኡ ሕግታት ብዋናነት ንእዞም ዝተዘርዘሩ ወድዓዊ ሓቅታት ኣብ ግምት ዘእተዉ እዮም።  

ብመሰረት መግለፂ ዘመናዊ ሕጊ ኲናት ዝኾኑ ውዕላት ሄግን ጀኔቫን ንእዞም ውዕላት መሰረት ገይሮም ዝወፅኡ መምርሕታት (Geneva Protocols) ከታማታት ይኹና እኩብ ሰብ ዝነብረሎም ካልኦት ቦታታት ብግልፂ ተረቚሖም ኣብ እዋን ውግእ ካብ መጥቃዕቲ ከለላ ከም ዝይረኽቡ የቐምጡ። በዚ መንገዲ ሓደ ከተማ ካብ ጥቕዓት ሕጋዊ ከለላ ክይረክብ ዝይኽእል (ኣብ ልዕሊ እቲ ከተማ ወተሃደራዊ ስርሒት ንከኢይውሰድ ብሕጊ ክልኩል ዝይኸውን) እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ብሓበራ እንትማልኡ ምዃኑ ሕግታት ኲናት የቐምጡ።

  1. ነቲ ቦታ ሒዝዎ ዝፀንሐ ኣካል ከምዘኢይከላኸሎ ብግብሪ ወይ እውን ብመግለፂ ነቲ ንክየጥቅዕ ዝይዳሎ ዘሎ ሓይሊ እንትገልፅ፤
  2. ኵሎም ተዋጋእትን ክይንቀሳቐሱ ዝይኽእሉ ተተኮስትን ካልኦት ወተሃደራዊ መሳርሕታትን ካብቲ ቦታ እንትወፁ፤
  3. ህንፃታት ወይ እውን ካልኦት ቀወምቲ ወተሃደራዊ ቦታታት ትንኮሳ ወይ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ኣብ ጥቕሚ እንተ ዘኢውዒሎምን
  4. ኣብቲ ከተማ ወይ ክዓ ህዝቢ ዝነብረሉ ቦታ ነቲ ካብቲ ከባቢ ለቒቑ ንዝኸደ ሓይሊ ዝይሕግዝ ርኡይ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት እንተ ዘኢተገይሮምን እዮም፡፡

ካብ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተሓበሩ ነጥብታት ከም እንዕዘቦ ከተማታት ጥቕዓት ንኸይወርደን ክማልኡ ዘለዎም ሕጋዊ መስርሓት ርዱኣት እኳ እንተ ዀኑ ብዙሕ ግዘ ዘኢይማልኡ እዮም። ስለዝዀነ እውን ኣብ መንበሪ ገዛታትን ካልኦት ህንፃታትን ኮይኑ ዝትኩስ ሓይሊ ዝሐዘ ከተማ ብሽፍኑ ኸለላ ክይወሃቦ ኣይይኽእልን። ብኻሊእ ኣዘራርባ ሓይሊ ፀላኢ ቀዲሙ ካብ ከተማ መሊኡ እንተ ዘኢወፂኡ ወይ ክዓ ኣብ ማእኸል ህዝቢ ብምዃን ተዂሲ እንድሕር ዝኸፍት ኰይኑ እታ ዝዓረደላ ከተማ/ቦታ ዝህልዋ ሕጋዊ ከለላ ትስእን ማለት እዩ። ሓይሊ ፀላኢ እንትንብል ብስሩዕን ብዘይስሩዕን ነታ ከተማ ምስ ዝከላኸል ሓይሊ ዝሰርሕ ወይ ዝሕግዝ ዕጡቕ ከም ዝየካትት ኣብ ግምት ክይኣትው ኣለዎ። ብሓፂሩ ከተማታት ጥቕዓት ንከኢበፅሐን እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሱ ነጥብታት ከማልኣ ይግባእ።

እዞም ሕግታት እቲ ኲናት ውሽጣዊ ይኹን ዓለም ለኻዊ ብዘኢየግድስ ተፋፃምነት ዘለዎም እንትዀኑ፣ ብ ቐንዱ አብ እዋን ኲናት ዒላማ ክይግበሩ ብዛዕባ ዝይኽእሉ ነገራት (military objcetives) ብ ዝምልከት ካብ ዝይድንግጉ ካልኦት ሕግታት ዝቕድሑ እዮም። ብምዃኑ እውን ንዝሐሸ ርድኢትን ትግባረን ብሓደ ክይንበቡ ኣግባብ ይህልዎ። እዙይ ዛዕባ ኣብ እዋን ኲናት ወሳኒነት ዘለዎ ምዃኑ ኣብ ግምት ብ ምእታው መብርሂ ምሃብ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዑ መትከላትን ሕግታትን ኲናት ሓደ ወተሃደራዊ ዒላማ ወተሃደራዊ ዒላማ ካብ ዘኢኰነ ነገር ምፍላይ ዝይብል እዩ። እዙይ ማለት ተራፀምቲ ወገናት ናብቲ ኲናት ዝየእተዎም ምኽንያት ብ ዘኢየገድስ ኣብ እዋን ውግእ ክየጥቅዕዎ ዝይኽእሉ ወታደራዊ ዒላማ ጥራሕ እዩ። ብመሰረት ሕጊ ኲናት ወተሃደራዊ ዒላማ ከም እዙይ ዝይስዕብ ተተርጒሙ ንረኽቦ።

  • ወተሃደራዊ ዒላማ ዝይብሃል ብ ተፈጥርኡ፣ ኣቀማምጥኡ፣ ዝይህቦ ጭቡጥ ኣገልግሎት ወይ ክዓ ንሓዋሩ ክይህቦ ካብ ዝተሓሰበ ግሁድ ጥቕሚ ዝተለዓለ ንወተሃደራዊ ግጥም ርኡይ ኣበርክቶ ዝይህብ እንተ ኰይኑ ብምሉእ ወይ ክዓ ብክፋል ምዕናው፣ ምምራኹ ወይ እውን ጥቕሚ ከኢይህብ ምግባሩ ኣብቲ ገዛኢ ግዘ ጭቡጥ ወተሃደራዊ ረብሓ ዝይህብ እንትይኸውን እዩ።

ብ ተፈጥርኡ ወተሃደራዊ ዝዀነ እንትብሃል ንወተሃደራዊ ተብሂሉ ዝይስለፍ ወይ ዝይስራሕ ማለት እንትዀን ኣባላት ሓይሊ ፀላኢ፣ ኵሎም ተተኮስቲ፣ ወተሃደራዊ መሳርሕታት፣ መጋዝናት፣ ቦታታት ስልጠና፣ ማእኸላት እዚ፣ መፍረዪ ወተሃደራዊ ኣቑሑትን ተተኮስትን፣ ወተሃደራዊ መሳርሕታት መራኸቢ ፣ ወተሃደራዊ መጓዓዝያን ዝኣመሳሰሉን ይሓውስ። እዙይ ማለት እቲ ረፅሚ ክሳብ ዝቐፀለ ኣብ ዝዀነ እዋን ዒላማ ክይግበሩ ይኽእሉ እዮም ማለት እዩ።

ብ ተወሳኺ ሓደ ነገር ብ ተፈጥርኡ/ኣሰራርሕኡ ዋላ ወተሃደራዊ ኣይይኹን፣ ብ ምኽንያት ኣቀማምጥኡ ግን ወተሃደራዊ ዒላማ ንክዀን ይኽእል እዩ። ንኣብነት ፀላኢ ድሕሪ ሓደ ወተሃደራዊ ዘኢኰነ ህንፃ ወይ ቅርፂ ኰይኑ ዝይዋጋእ እንተ ደኣ ኰይኑ፤ እቲ ቅርፂ/ህንፃ ኣብ መንጎ ክልተ ተፃባእቲ ሓይልታት ብ ምርካቡ ኣብ ልዕሊኡ ስጉምቲ ብ ምውሳድ ወተሃደራዊ ረብሓ ዝየርክብ እንተ ዀይኑ ዒላማ ክይግበር ይኽእል እዩ። ብ ተመሳሳሊ መንገዲ ፀላኢ ህዝባዊ ትካላት ናብ መጋዘን ወይ ክዓ መዕቆቢ ወተሃደር እንድሕር ደኣ ቀይርዎም እቶም ህዝባዊ ትካላት ንፀላኢ ብ ዝይህብዎ ኣገልግሎት ምኽንያት ናብ ወተሃደራዊ ዒላማ ይቕየሩ ኣለው ማለት እዩ። ብ ኻሊእ ወገን ኣብ ከይዲ ምስራሕ ዘሎን ገና ኣብ ጥቕሚ ዘኢወዓለን ግን ድማ ክይህቦ ዝተሓሰበ ጥቕሚ ብግልፂ ኣብ ላዕሊ ዝተቐመጠ ትርጉም ወተሃደራዊ ዒላማ ዘማልእ እንተ ዀይኑ ጥቕዓት ክይግበረሉ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ፀላኢ ንመተኮሲ ከበድቲ መሳርሕታት ዝዀን ቦታታት እንትየደላድል፤ መፍረይ ተተኮስቲ እንትይሃንፅ ወይ ክዓ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ቦታታት እንትይሃንፅ ብገንኡ ዒላማ ምግባር ይከኣል እዩ፡፡

ምስ እዙይ ተተሓሒዙ ካብ ዝይልዓሉ ምስ ኵናት ከተማ ቅርበት ዘለዎ ዛዕባ ሓደ ህዝቢ ዝይጥቀመሎም ግን ክዓ ሓይሊ ፀላኢ እውን ዝይግልገለሎም ነገራት ዒላማ ምግባር ይከኣል ዶ ዝብል እዩ። ንኣብነት ከም መዕርፎ ነፈርትን ድልድላትን ይጥቀሱ። ከም መትከል እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተቐመጠ ትርጉም ወተሃደራዊ ዒላማ እንተ ተማሊኡ ኣብ ልዕሊ ከም እዚኦም ዝኣመሰሉ ክልተኣዊ ኣገልግሎት ዝይህቡ ነገራት እውን ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክይውሰድ ይከኣል እዩ ዝይብል ርድኢት ኣሎ። እንተ ዀነ ግን ብምኽንያት ዘለዎም ሲቪላዊ መልክዕ እዙይ ኣብ ምፍፃም ብንእሱ እዞም ዝይስዕቡ ኣብ ግምት ክይኣትዉ ይግባእ።

  1. መጥቃዕቲ ክይፍፀመሉ ዝተሓሰበ መሰረተ ልምዓት ንሓይሊ ፀላኢ ብጭቡጥ ጥቕሚ ዝይህብ ዘሎ ምዃኑ ምርግጋፅ ወይ ክዓ ንወተሃደራዊ ጥቅሚ ንምውዓል ዝየርእዩ ጅማሮታት ብ ግልፂ ክይህልዉ ይግባእ። ንሓዋሩ ፀላኢ ክይጥቀመሉ ይኽእል እዩ ብዝብል ስልሒት ጥራሕ ዒላማ ምግባር ግን ኣይይከኣልን።
  2. ህዝቢ ዝይጥቀምሉ መሰረተ ልምዓት ዒላማ ምግባር ዝይከኣል እቲ ዒላማ ንምግባር ዝይሕሰብ ነገር ንህዝቢ ዝህቦ ጥቕምን መጥቃዕቲ እንተ ተወሲድዎ ዝይርከብ ወተሃደራዊ ጥቕምን ብ ምንፅፃር ዝይርከብ ወተሃደራዊ ረብሓ ዝዛይድ እንተ ዀይኑ ጥራሕ እዩ።

ኣብ እዙይ ክይለዓል ዘለዎ ካሊእ ነጥቢ ኣብ ከይዲ መጥቃዕቲ ሓደ ወተሃደራዊ ዒላማ ንፁሃን ሰባት እውን ግዳይ ናይ ምዃን ዕድል ልዑል ኣብ ዝዀነሉ እዋን ተግባራዊ ዝዀኑ ሕግታት ምፍላይ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ንፁሃን ሰባት ዝይርከብሉ ህንፃ ወተሃደራት ፀላኢ ኣትዮም እንትትኩሱ ምውሳድ ይከኣል። ካብ እቶም ብ ዕሊ ዝይፍፀሙ ገበናት ወፃኢ ብዙሕ ግዘ ክስታት ገበን ኲናት ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ዝይፍፀም መጥቃዕቲ ከም ዝይቐርቡ ይፍለጥ። ብ መሰረት ሕግታት ኲናት ፈለማ እቲ ስርሒት ዝይመርሕ ኣዛዚ ሰራዊት ክንዲ ዝተኽኣለ ሓበሬታ ብ ምእካብ ዝይህሉ ወተሃደራዊ ዒላማን ብ ምኽንያት እቲ ስርሒት ኣብ ንፁሃን ክይበፅሕ ዝይኽእል ጎናዊ ጉድኣትን ክየስልሕ ይግባእ። እዚ ኸይዲ ብ ዝይምልከት መዝጊቡ ምሓዝ እውን ንሕጋዊ መስርሓት ልዑል ግደ ኣለዎ። ንኣብነት ኣብቲ ህንፃ ዝዓረደ ላዕለዋይ መራሒ ሓይሊ ፀላኢ እንት ዀን ኣብቲ ስርሒት ርኡይ ለውጢ ይፈጥር። ብ ኣንፃር ግዘ እንትርአ ጥቕዓት ከኢፈፀምካ ብ ምፅናሕ ዝይሰኣን ወተሃደራዊ ረብሓ፤ ስርሒት ብ ምድንጓዩ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ወገን ዝየብፀሖ ሓደጋ በቲ ሓደ ገፅ፤ ብፍላይ ንፁሃን ካብቲ ኸባቢ ንኽርሕቑ ዕድል ምሃብ ድማ በቲ ካሊእ ገፅ ኣብቲ ግምት ክይኣትዉ ካብ ዝይግብኡ ገሊኦም እዮም።

ብ እዙይ መሰረት ጥቕዓት ምፍፃም ዝይህቦ ወተሃደራዊ ረብሓ ክይስዕብ ካብ ዝይኽእል ጎናዊ ጉድኣት ዝዛይድ እንድሕር ኰይኑ እቲ ዝይውሰድ መጥቃዕቲ ተቀባልነት ይህልዎ። ይኹን እምበር እዙይ ናይ መወዳእታ መማረፂ ኣይኰነን፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ከም እዙይ ኩነታት ሓደ ወተሃደራዊ ሓላፊ መጥቃዕቲ ንክይውሰድ ትእዛዝ ቅድሚ ምሃቡ ንፁሃን ካብቲ ኸባቢ ንክይወፁ ዕድል ክይህልዎምን፤ ክንዲ ዝተኽኣለ ቅድመ መጠንቐቕታ ክይህብን ሓላፊነት ኣለዎ። እቲ ከይዲ ክይምዝገብ፤ ክንዲ ዝተኻእለ ካልኦት ክይፈልጥዎ ምግባር ሓጋዛይ እዩ፡፡ ብዙሕ ግዜ እዙይ ዝይፍፀም እቲ ጉድኣት ክይበፅሖ ዝይኽእል ሕብረተሰብ ክይሰምዖ ብዝኽእል ብ መጉልሂ ድምፂ፣ ሬድዮ ወይ ተሌቪዥን ቅድመ መጠንቕቕታ ብ ምሃብ እቲ ስርሒት ክይፍፀም ኣለዎ። ተሓታትነት ሕጊ እንትመፅእ ወተሃደራዊ መራሕቲ እዞም ከይድታት ከም ዝፈፀሙ ክየረድኡ ግድን ይኸውን፡፡

ብ ካሊእ ገፅ ዕጡቕ ኣብ ልዕሊ ዘኢኰነ ህዝቢ ክይበፅሕ ዝይኽእል ጉድኣት ንምቕናስ ዝይወሃብ ቅድመ መጠንቀቕታ ኣብቲ ስርሒት ዘምፅኦ ርኡይ ጉድኣት እንተ ሃሊዉ ክሕለፍ ይኽእል እዩ ዝብሉ ገለ ውሳነታት እውን ኣለው። ንኣብነት መከላኸሊ ሓይሊ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ መራሕቲ ሓማስ መጥንቀቕታ ከኢሃበ ኣብ ዝይገብሮ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ናብ ኣብያተ ፍርዲ ኣብ ዘምርሑ ጉዳያት ምርኣይ ይከኣል፡፡ እቲ ጥቕዓት ብ ሃንደበት ብ ምውሳዱ ዘምፅኦ ልዑል ወተሃደራዊ ረብሓ ከምዘለዎ ብ ዝይግባእ ብ ምርኣይ (ንኣብነት ልዑል ወተሃደራዊ ሓላፊ ዒላማ ንምግባር ወይ ክዓ ፀላኢ ብዘይገመቶ ቦታን ሰዓትን ናብ ልዑል ረብሓ ዝህብ ዒላማ ንምፅጋዕ) ቅድመ መጠንቀቕታ እንድሕር ክይወሃብ ኰይኑ እቲ ስርሒት ዝይፈሽል እንተኰይኑ እቲ ዝውሰድ ስርሒት ዋላ ኣብ ንፁሃን ጉድኣት የብፅሕ ሕጋዊ ዝዀነሉ ዕድል ኣሎ።

እዚ ሓተታ ናብ ከተማታትት እንትንምልሶ፤ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ፀላኢ ዝዓረደላ ከተማ ውግእ ንከኢይውላዕ ዝይኽልክል ሕጊ የለን ማለት እዩ። እዚ ማለት ግን ሙሉእ ከተማ ከም ዒላማ ተወሲዱ ክይድብደብ ኣለዎ ማለት እውን ኣይኰነን፡፡ ፀላኢ ዝዓረደሎም ቦታታት ጥራሕ እዮም ከም ዒላማ ክይውሰዱ ዝይኽእሉ፡፡ ብተወሳኺ ንፁሃን ዒላማ ክይዀኑ ኣይይግባእን ክይበሃል ከሎ ሓደ ሰብ ንፁህ ኰይኑ ክሳብ ዝቐፀለ ጥራሕ ዝይህሉ ከለላ እዩ። ምትኳስ ሓዊሱ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ክይገብር የብሉን ማለት እዩ። ኣብ እዙይ ከይዲ ንዝይሳተፍ ዝዀነ ይኹን ኣካል ግን ልክዕ ከምቲ ካሊእ ስሩዕ ኣባል ሓይሊ ፀላኢ ዒላማ ይግበር። ይኹን እምበር ኣብ ኲናት ከተማታት ልሙድ ዝዀነ፤ ሓደ ንፁህ ሰብ ናብ ሓይሊ ወገን ቶኲሱ እንተ ሃዲሙ ድሕሪ ግዘ እንድሕር ተታሒዙ ከም ወተሃደራዊ ዒላማ ተራእዩ ስጉምቲ ክይውሰደሉ ኣይይኽእልን። መሰል ዘይብሉ እናሃለወ ኣብ ኲናት ብምስታፉን ንዝፈፀሞም ካልኦት ገበናትን ግን ብሕጊ ይሕተት፤ ልክዕ ከም ካሊእ ብገበን ዝጥርጠር። ኣብ እዙይ ንፁህ መን እዩ ዝይብል ሕቶ ንምምላስ ብዙሕ ሕጋዊ ትንታነ ዝየድልዮ እኳ እንተ ዀነ ብ ሓፂሩ ንሓይሊ ወገን ኣብ ዝረኣየሉ ህሞት ወተሃደራዊ ክዳን ዘኢገበረ ግን ዝተዓጥቀን ኣብቲ ረፅሚ ዝሳተፍን ወይ እውን ዕጥቁ ብግልፂ ንዘይምርኣይ ዝሞከረን (ከም ኩነታቱ መንነቱ ንምቕያር ዝሞኰረ) ዝብል ሓፈሻዊ መለክዒ ክንወስድ ንኽእል፡፡ ብ ካሊእ ገፅ እቲ ሰብ ስሩዕ ኣባል ሓይሊ ፀላኢ እንተ ዀይኑ እሞ ንፁህ ንምምሳል ሙከራ እንተ ዘኢኣርእዩ ምሩኽ ኲናት ኰይኑ ክሳብ እቲ ተፃብኦ ዕልባት ዝይረክብ ብእሱር ክይተሓዝ ይኽእል። ሓደ ሰብ ዝሕተት ኣብ ጎንፂ ብ ምስታፉ ዘኢኰነስ (እዚ መሰል ሓደ ወተሃደር ስለዝዀነ) ኣብ ከይዲ ዝፈፀሞም ገበናት ኲናት እንተሃልዮም ግን ብ ሕጊ ተሓታቲ ክይኸውን ይግበር።

ንምጥቕላል ዝኣክል ከተማታትን ካልኦት ህዝቢ ዘለዎን ከባቢታትን ጥቕዓት ክይኽፈተለን ኣይኽእልን ዝይብል ፍፁማዊ ሕጋዊ ክልከላ የለን። ሓይሊ ፀላኢ መሊኡ እንተ ዘኢወፂኡን ካልኦት ካብቲ ከተማ ዝለዓሉ ወተሃደራዊ ትንኮሳን ጥቕዓትን ክሳብ ዘሎ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ምውሳድ ይከኣል እዩ። ኣብ እዙይ ከይዲ እዙይ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ክይበፅሕ ዝይኽእል ጎናዊ ሓደጋ ንምክልኻል ወይ ክዓ ንምቕናስ ኣብ ህልዊ ኹነታት ዝተደረኸ ሓበሬታ ክንዲ ዝተኽኣለ ብ ምእካብ ዝይርከብ ወተሃደራዊ ረብሓን እቲ መጥቃዕቲ ስዒቡ ክይመፅእ ዝይኽእል ሓደጋን ብ ምንፅፃር፤ ከም እውን ንፁሃን ካብ እቲ ቦታ ንኽይርሕቑ ዕድልን ቅድመ መጠንቀቕታ ብምሃብን ክይፍፀም ይግባእ። እዙይ ኸይዲ መዝጊብካ ምሓዝን እንተ ተኽኢሉ እውን ማሕበረሰብ ዓለም ክይፈልጦ ምግባርን ልዑል ጥቕሚ ኣለዎ።

ኣብ መወዳእታ ሓደ ተጋጣሚ እዞም ሕግታትትን ክልከላታትን ብምምሕልላፉ፤ እቲ ካልኣዋይ መጋጥምቲ እውን ከም እዙይ ዓይነት ስጉምቲ ንኽይወስድ ከምዘኢይኽእል ምዝኽኻር ኣድላዪ እዩ።

Continue Reading
1 Comment

1 Comment

  1. የአፋር ተወላጅ ከሞስኮ

    August 29, 2021 at 11:09 am

    ዱቄት አርገናቸዋል ብለውን አልነበር እንዴ ፥ከመቸው ደብረዘይት ደረሱ አሁን የት ናቸው? ብልጥግና የውሸት ቋት አገር ሻጭ ፥ እንጭጭ ስብስብ ነው Turkey, UAE,and Russia should be subjected to war crime investigation against Oromo, Tigray and including Amhara innocent civilians. Amhara elites supported by modern day colonialists, Russia, UAE and Turkey which are exporting genocidal machines to prosperity party leaders, Amhara elites and their steerin wheel, እቡይ አመድ (በተለምዶ ዓቢይ አህመድ). The military machines imported from these countries(Turkey, UAE,and Russia) caused human causalities among all ethnicities in Ethiopia. recently reports are emerging that Amhara people are killed by ENDF who were intending to kill TDF. As usual, ENDF and its genocidal government of Abiy is putting all the blame on TDF and accusing Tegarus for all the killings of amhara and non amhara in Ethiopia. Stop killing your own people and accusing TDF at atime. Abiy and his Prosperity party members should be brought to ICC , including warmongers in overseas, Amhara elites! vIctory to TDF and OLA and all other tribes who are struggling to topple down the genocidal regime of Amhara elites, beggars in overseas and shamlessly acting as if they are master of all nations and nationalities in Ethiopia.

    Победа народу Афара, Тыграя и Оромо

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT