Connect with us

ኢትዮዽያ፡ ን ቕትለት ኣብ ትግራይ ዝተቐተሉ ሰራሕተኛታት ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ዝዀኑ ማሪያ: ቴድሮስ ከምኡ ውን ዮሃንስ ክሳብ ሕዚ ሓላፍነት ዝወሰደ የለን

Published

on

ሽዱሽተ ወርሒ ድሕሪ ቕትለት ሰለስተ መሳርሕትና ማሪያ: ቴድሮስን ዮሃንስን፡  ሙሉእ ምኽንያት መቕተሊኦምን ተሓታታይነትን ክሳብ ሕዚ ንፁር ኣይኰነን።

ብ 24 ሰነ 2021 ኣቈፃፅራ ኣውሮዻ ኣብ ትግራይ ይጕዓዙ ምስ ዝነበሩ ኣተሓባባሪት ህጹጽ ኵነታት ዝዀነት ጓል 35 ዓመት ዝዕድመኣ ማሪያ ሄርናንደዝ፣ ወዲ 32 ዓመት ሓጋዚ ኣተሓባባሪ ህጹጽ ኵነታት ዝዀነ ዮሃንስ ሓለፎም ረዳን ወዲ 31 ዓመት ዝነበረ ገናሒ መኪና ቴድሮስ ገብረማሪያምን ዝነበረና ርክብ ተቛሪፁ። ብ 25 ሰነ 2021 ኣቈፃፅራ ኣውሮፓ ድማ እታ ይጕዓዙላ ዝነበሩ መኪና ጥርሓ እንትትርከብ ሒደት ሜትራት ርሒቑ ድማ ሬሳታቶም ተረኺቡ።

ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ንዅነታት ቅትለቶም ብ ዝምልከትን ክሳዕ ሕዚ ዝንፈልጦን እቲ ዘጋጠመ ኵነታት ብዝበለፀ ንምርዳእ  እንታይ ከም ዝገበረን ፕረዚደንት ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓዃይም – ስፐይን (ኤም.ኤስ.ኤፍ.) ዝዀነት ፓውላ ጊል ትገልፅ።

ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም (ኤም.ኤስ.ኤፍ.) ብዛዕባ እቲ ማሪያ: ቴድሮስ ከምኡ ውን ዮሃንስ ዝተቐተሉሉ ኵነታት ክሳዕ ሕዚ ዝፈለጦ እንታይ እዩ?

ኣብ እዘን ዝሓለፋ 6 ኣዋርሕ ብቐፃሊ ምስ እቶም ኣብቲ ውግእ ተኻፈልቲ ዝዀኑ ኣካላት ብምትሕብባር እንታይ ከም ዘጋጠሞም ንኽንርዳእ ዝክኣለና ኵሉ ክንገብር ፀኒሕና እይና። ዝተቐተሉሉ ኵነታት ንኽፃረን ውፅኢቱ ውን ክንገረናን ብ ተደጋጋሚ ጊዜ ምስ ዝተፈላለያ ሚኒስትራት ፌደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ (ፌዴሪኢ) ተራኺብና እይና። ናብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ውን ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪብና እይና።

ብ ተወሳኺ እውን ወሳኒ ኣጋጣሚታት ሽግር ፀጥታ ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ብ መሰረት ዝንኽተሎ ውሽጣዊ መዐቀኒታትና፡ እታ ናይ ኤም.ኤስ.ኤፍ. መኪና ዝተጕዓዘትሉ መንገዲ፣ እቲ ፍፃመ ዝበፅሐሉ ቦታን ግዜን ከምኡ እውን ገለ ካብቲ እቲ ቕትለት ዝተፈፀመሎም መሳርሒታት ብ ዝርዝር ብ ምስሊ ንኽንሃንጽ ዘኽእለና ሓበሬታ ኣኪብናን መርሚርናን እይና።

ኣብቲ ናይ ውሽጣዊ ግምጋመና ኣፈናዊ ውፅኢት መሰረት ብምግባር ክሳዕ ሕዚ ዝንፈልጦ ነገር እንተሃልዩ ብ 24 ሰነ ኣቈፃፅራ ኣውሮፓ ማሪያ፣ ቴድሮስን ዮሃንስን ኣብቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፌደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ደገፍቱን፣  ህወሓትን ብዝነበረ ፅዕፁዕ ውግእ ጕድኣት ዝበፅሖ ከባቢታት ዝቘሰሉ ሰባት ንምድላይን ንምእካብን ካብ ዓብዪ ዓዲ ንደቡብ ገፅ ይጕዓዙ ከም ዝነበሩ እዩ። ኣብ ዓብዪ ዓዲ ዝነበረት ጕጅለ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ሸውዓተ ሕጉም ኣብ ዝትባሃል ጥቓ እቲ ቅትለት ዝተፈፀመሉ ዝትርከብ ቍሸት ብዝሒ ዘለዎም ዝቘሰሉ ሰባት ከም ዘለዉ ዝገልፅ ቅድመ ሓበሬታ በፂሕዎም።

ጕዕዞ ጀሚሮም ልዕሊ ሓደ ሰዓት ጥራሕ ምስ ሓለፈ  እታ መኪና ደው ከም ዝበለትን ፀኒሑ ክዓ ካብታ መኪና  ካብ 100 ክሳዕ 400 ሜትሮ ርሒቕ ኢሉ ሬሳታቶም ከም ዝተረኸበን ካብቲ ቈስሎም ውን ነፍሲ ወከፎም ካብ ቀረባ ብዝተተኰሰ ጥዪት ጕድኣት ከም ዝበፅሖምን የመላኽት።

እዚ ሓበሬታ እዚ እቲ መጥቃዕቲ ብተባራሪ ጥዪት ዝተፈፀመ ጕድኣት ከም ዘይኰነ ዘረጋግፅ ኰይኑ: እኳ ደኣስ እቲ ጥቕዓት ኣብ ዝተፈፀመሉ ስዓት ነፍሲ ወከፎም ሲቪላውያንን ገበርቲ ሰናይ ምዃኖምን ብ ግልፂ እንዳተለለዩ ኰነ ኢልካ ዝተፈፀመ ቕትለት ሰለስተ  ሰራሕተኛታት ገባሪ ሰናይ ድርጅት እዩ።  ብ ተወሳኺ እታ መኪና ውን ኣፀቢቑ ዝፍለጥ መለለዪ ምልክት ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ዝዀነ ኣርማን ክልተ ባንዴራን እናሃለዋ እያ ብ ተደጋጋሚ ተተኲስዋን ብ ኸቢድ ተቓፂላን።

ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም እቲ ዘጋጠመ ብዝበለፀ ንምርዳእን ከምዚ ዓይነት ፍፃመ ተመሊሱ ንኸይድገምን   ተኻፈልቲ እቲ  ውግእ ንዝኾኑ ኣካላት እንታይ ኢዩ ዝሓተቶም ዘሎ?

እቲ ዝንገብሮ ምይይጥ ክሳዕ ሕዚ ይቕፅል እኳ እንተሃለወ፡ ብ መስረት ኣብቲ ብኣቈፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ ኣዋርሕ ነሓሰ፥ ሕዳርን ታሕሳስን 2021 ምስ ተወከልቲ ፌደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዝገበርናዮ ኣኸባታት  ግን ነቲ ጥቕዓት ብ ዝምልከት ምርመራ እናተኻየደ ምዃኑ ኣረጋጊፆምልና። ብ ተወሳኺ ዉን ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ህወሓት ምርመራ ከካይድን ውፂኢቱ ዉን ከካፍሉናን ሓቲትናዮም ኣለና። ክሻዕ ሕዚ ውን ናይዚ ምርመራታት ውፅኢት ኣይተቐበልናን።

ኣብቲ ናይ ውሽጣዊ ግምጋመና መሰረት ብምግባር ዝረኸብናዮ ኣፈናዊ ውፅኢት ብ ሚንስተር ደረጃ ምስ ዘለዉ ሰበ ስልጣን ፌደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዘካፈልናዮም እንትንዀን: ብ ወገንና ውን እቲ ጥቕዓት ኣብ ዝተፈፀመሉ ሰዓትን ትኽክለኛ ቦታን ብ ዝምልከት ህላወን ተሳትፎን ሰራዊቶም ንኸብራህርሁልና ሓቲትናዮም እይና። እዚ መብርሂታት እዚ ንስድራ ቤት እቶም ዝተቐትሉን ንሰራሕተኛታትናን ኣብ እቶም ዝፈትውዎም ቤተሰቦም ዝተፈጥረ ነገር መልሲ ናይ ምሃብ ካብ ዘለና ግዴታ ምዃኑ ዝገለፅናሎም እንትንዀን ንህወሓት ውን ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪብና እይና።

ኣብ መንጎ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኽይምን ሰራዊት ኢትዮጵያን ደገፍቶምን ኣብ ፌደራላዊን ክልላውን ደረጃ ቀጥታዊ ናይ ርኽክብ መስመር ንኽህሉ ከም ዝሓተትናን፡ እዚ ድማ ሕክምናዊ ሰብኣዊ ድጋፍ ናይ ዝንህበሎም ጣብያታትን ምንቅስቓሳትን ዝርዝር ሓበሬታ ንኸነካፍልን እቲ ሰራዊት ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም ዝገብሮም ሂወት ናይ ምድሓን ስራሕትታት መረዳእታ ክህልዎን ከኽብርን ንምርግጋፅ እዩ።  

ምስ ሰበ ስልጣን ፌደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ክሻዕ ሕዚ ዝነበረና ሃናፂ ምይይጥ እናሞጐስና ኣብ ልዕሊ እቲ ኣንፃር ትካላት ገበርቲ ሰናይ ዘተኰረን ኣብ ድሕንነትን ፀጥታን እተን ትካላት ቀጥተኛ ፅልዋ ከሕድሩ ዝኽእሉ ዝተዉሃቡ ወግዓዊ መግለፂታት ዘለና ስክፍታና እውን ኣመሓላሊፍና እይና። ኣብ ኢትዮጵያ ጕጅለታትና ብተደጋጋሚ ግዘ ንምንኽልባት፡ ንሓያል ምፍርራሕን ማእሰርትን ተቓሊዖም እዮም። ነቲ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣጋጢምዎ ዘሎ ዓቢ ሕክምናዊ ድሌት ንምምላእ፡ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ዝሰርሑዎም ስራሕትታት ናይቲ ማሕበረሰብ ተቐባልነት ኣብ ምህናጽ ዘለዎ ዕዙዝ ግደ ብጋህዲ ክድግፍን ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ህይወት ናይ ምድሓን ሕክምናዊ ስራሕትታትና ንምቕፃልን ንኸፍቅደልናን ደጊምና ፃውዒትናንመንግስቲ ፌደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ኣቕሪብና እይና።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ንጥፈታት ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓካይም እንታይ  ይመስል?

ብ ኣቆፃፅራ ኣውሮዻፓ፡ ሰነ 2021  ዝተፈፀመ ቕትለት መሳርሕትና ስዒቡ፡ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ኣብ ክልል ትግራይ ከተማታት ዓብዪ ዓዲ፡ ዓዲ ግራትን ኣኽሱምን ዝገብሮም ዝነበረ ዝተወሰኑ ንጥፈታት ደው ናይ ምባል መሪር ውሳነ ንኽውስን ተገዲዱ እዩ። ኣብ ወርሒ ሓምለ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ኣብ ክልላት ኣምሓራ: ጋምቤላ: ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ (ሽረን ሸራሮን) ከምኡ እውን ኣብ ክልል ሶማሌ ዝገብሮም ዝነበረ ንጥፈታት ንኽእገድ ወሲኑ። ወላ እኳ እቲ እገዳ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እንተተላዕለ ብሰንኪ ስግኣት ድሕንነትን ምምሕዳራዊ ዕንቅፋታትን ሕክምናዊ ንጥፈታትና እንደገና ክንጅምር ኣይክኣልናን። 

ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ኢትዮጵያ እዋን ህፁፅ ኵነታት ምስ ተኣወጀ ፀጥታናን ድሕንነትናን ብዘውሕስ መንገዲ ክንሰርሕ ከም ዘይንኽእል ዘእምን ኵነታት ስለ ዝተፈጠረ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ኣብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር የካይዶም ዝነበረ ሕክምናዊ ንጥፈታት ደው ንኸብል ተገዲዱ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ኣብ ክልል ዓፋርን ክልል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ንዝርከቡ ተገልገልቲ (ሕሙማት) ሕክምናዊ ኽንክን ምግባር ዝቐፀለ እንትዀን ንክልላት ኣምሓራ: ጋምቤላን ሶማሌን እውን ከከም ኣድላይነቱ ሕክምናዊ ኣቕርቦት ብምልጋስ ኣብ ምድጋፍ ይርከብ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ብዙሓት ክልላት እታ ሃገር ዝነብሩ ሰባት ብዙሕ ድጋፍ ሰብኣዊ ሓገዛት ዘድልዮም እኳ እንተዀኑ ዶብ ኣልቦ ማሕበር ሓኻይም ነዚ ድሌታት እዚ ንምምላእ ክሻዕ ሕዚ ንጥፈታትና ከም ብ ሓዱሽ ክንጅምርን ከነስፋሕፍሕን ኣይክኣልናን። ስለ ዝዀነ ድማ ናይ ቶም ዘካየድናዮም ምይይጣት ውፅኢት እንዳተፀበናን ኣብ ኵለን ክልላት  እታ ሃገር ብ ሰንኪ ጐንዪ ወይ ድማ ካልእ ቅልውላው ዝተጠቕዑ ሰባት ብዘይ ኣድልዎ ሕክምናዊ ሓገዝ ንምሃብ ኣብ ሓባራዊ መሰረታዊ ስምምዕ ንምብፃሕ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ፌደራላዊት ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያን ኣብቲ ገንፂ ተኻፈልቲ ምስ ዝዀኑ ኵሎም ኣካላትን ንምስታፍ ቅሩባት እይና።

እዚ መልእኽቲ ብ እንግሊዘኛ ኣብ እዚ ይርከብ ETHIOPIA – Still no responsibility established for the killing of MSF colleagues María, Tedros and Yohannes in Tigray

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT