Connect with us

ጠለብን ፃውዒትን ሳወት-ውናት፦ መሰጋገሪ መንግሰቲ ትግራይ ይጣየሽ!

Published

on

መርገፂ ሃገራውያን ውድባት ትግራይ

ብኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ፣ ኣምሓራን መንግስቲ ኤርትራን ብሓባር ዝመርሑዎ፣ ዘራያት ካብዝን ካብትን ዝተኣኻኸብሉ ኲናት ምፅናት ዘርኢ ትግራይ ብዕሊ ጥቅምቲ 24/2013 ኣ.ግ ይጀምር እምበር ውጥን እቲ ኲናት መቐፀልታ ነቲ ንዘበናት ዝነበረ ትግራይ ናይ ምጥፋእ ተበግሶን ግብርን ኰይኑ፣ እንተነኣሰ ንሰላሳ /30/ ዓመት ገዚፍ ምድላዋት ዝተገበረሉ ከም ዝዀነ ንዅሉ ዘረዳድእ ሓቂ እዩ። እዚ ኣብ መንጎ ካብ ገፀ መሬት ክነጥፍኣኩም ኢና ዝብሉ ኵሎም ግፍዓውያን ወረረቲን ክህልው እየ ዝብል ህዝቢ ትግራይን ዝግበር ዘሎ መሪር ናይ ህልውና ኵለመዳያዊ ቃልሲ፤ ሕሉፍ ነገራት ብዘይምፅብፃብ ኣብ ምርግጋፅ ህላወ ትግራይ ተሸኺሉ ኵሉ ትግራዋይ ዝወፈረሉን ዝስወአሉን ዘሎ ድሙቕ ህዝባዊን ታሪኻዊን ቃልሲ እዩ። እቲ ትሉም ኲናት ናብ ተግባር ቅድሚ ምስጋሩ ኣብ ዝነበሩ ሒደት ኣዋርሕ፤ ንሕና ሃገራውያን ውድባት ትግራይ ብሓፈሻ ድማ መላእ ህዝብና ነቲ ኣንፀላሊዩ ዝነበረ ደበና ኲናት ንምፍሻል የኽእለና እዩ ዝበልናዮ መረፃ ትግራይ 2012 ብምስላጥ መንግስቲ ትግራይ ብዕሊ ኣቚምና ዋላ እንተነበርና፣ ካብ ትፅቢት ኲላትና ተጋሩ ተፃራሪ ኰይኑ ነቲ ኲለመዳያዊ ቃልሲ ዝምጥን ምድላው ከይተገበረ ብምፅንሑ ትግራይ ኣደዳ ብሄራዊ ውርደትን ምፅናት ዘርእን ኰይና።    

ብሰንኪ እቲ ዘርኢ ናይ ምፅናት ኲናት መንግስቲ ትግራይ ምስ ፈረሰ፣ መልክዕ እቲ ኲናት ህዝባዊ ኰይኑ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝነብር ትግራዋይ ኲሉ ብዘይ ናይ ውድባዊን ፓለቲካዊን ኣፈላላይ ከም ሓደ ሰብ ኰይኑ ሰለ ዝዓሰለ፤ ዕድመ ወረርቲ ኣብ ዝበዝሕ ትግራይ ካብ ሸሞንተ ኣዋርሕ ክሓልፍ ኣይክኣለን። እዘን ክልተ ሃገራውያን ውድባት ትግራይ እውን ረብሓን ክብርን ህዝቢ ኣቐዲመን፤ ንስለ ምርግጋፅ ህላወን ሉእላውነትን ህዝቢ ትግራይ፣ ኣብቲ ህዝባዊ ቃልሲ ተሰሊፈን ንትግራይን ህዝብናን ዘለወን ተኣማንነትን ውፉይነትን ኣረጋጊፀን እየን። ብሳላ ርሱን ብሄራዊ ወነ ህዝብና፣ ብሳላ እቲ ናፃ ሃገር ትግራይ ከውሕስ ብሂጉን ሓሪኑን ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዝወፈረ መንእሰይ ትግራይ፤ ኮታስ ሳላ ኵላትና ብሄራውያን ተጋሩ በቢ ውዳበናን ኣቃውማናን ኣብቲ ህዝባዊ ቃልሲ ዝዓሰልና፤ ኣብ ወርሒ ሰነ/2013 ኣ.ግ ዝበዝሕ ክፋል ትግራይ ካብ ፀላኢ ነፃ ብምውፃእ ንህዝብና ባና ምውሓስ ህላወ፣ ንፈታውን ፀላእን ድማ ከም ዘይንጠፍእ ኣረጋጊፅና ኢና። 

እዚ ምእንተ ምውሓስ ህላወና እንገብሮ ዘለናን ከቢድ መስዋእቲ እውን የኽፍለና ዘሎን መሪር ህዝባዊ ቃልሲ ክሳዕ ሐዚ ዘቘምናዮም ፖለቲካዊ ሓሳባት፣ ኣሰራርሓታት፣ ሕግታትን ትካላትን ህላወ ህዝብና ከውሑሱስ ይትረፍ ክንጠፍእ  ኣንፃር ህላወና ብሙሉእ ዓቕሞም ስለ ዝወፈሩ እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ስርዓት ፌደራሊዝም ይዅን ንእኡ ዘቘመ ሕገ መንግስቲ ከምኡ እውን ነቲ ስርዓት ዝሕልዉ ትካላት ኵሎም ብተግባር ፈሪሶም እዮም።  ከም ውፅኢቱ ድማ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እውን ፈሪሱ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ክዓ ኣብ ልዕሊኡ ክሳዕ ሐዚ ዝቐፀለ ገበን ዘርኢ ምፅናት /ጄኖሳይድ/ ብፅዑቕ ይካየዶ ኣሎ። ህዝባዊ ቃልስና ክሳዕ ሐዚ ብዝነበሩ ኣሰራርሓታት ዘይፍትሑ ፖለቲካዊን ሕጋዊን ሕቶታት ኣብ ትግራይ ክፍጠሩ ኣኽኢሉ እዩ። ህልውና ህዝቢ ትግራይ ውሑስ ንምግባር ዝሓረነ፣ ሓዱሽ፣ ብወለንትኡ ዝውፈ፣ ንሃገርነት ዝቃለስ፣ ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ /TDF/  ተሃኒፁ። ዲያስፖራ ተጋሩ እውን ብወለንትኦም ብዘይ ዕረፍቲ ምእንተ ትግራይ ኢሎም ቀትርን ለይቲን ኣድማዕቲ ስራሕቲ “ፓብሊክ ዲፕሎማሲ”  ከሳልጡ ዓለም ተዓዚባ። ከም ውፅኢቱ ድማ ከም ህዝቢ ካብ ቀልቀል ጥፍኣት ወፂእና ነቲ ሐዚ ዘለናሉ ኵነታትን ብዘላቕነት ህላወና እነውሕሰሉ ዋግዋጎ ተስፋን ንምርኣይ በቒዕና። 

እምበኣር ንህዝብና ክንብሎ እንደልዮ ከም ህዝቢ ኣብ መሪር ህዝባዊ ቃልሲ ተፀሚድና እናሃለና፣ ኣብ ልዕሌና ዘየቋርፅ ዘርኢ ምፅናት /ጄኖሳይድ/ እናተፈፀመ ከሎ፣ ምእንተ ህላወና ዝተሃንፁ ስርዓት ፖለቲካ ንጥፍኣት ህላውና መሳለጥቲ ኰይኖም እናሃለው፣ ምእንቲ ህላወና ኢልና ብወለንታ ተጋሩ ጠንካራ ሓይሊ ምክልካልን “ፓብሊክ ዲፕሎማሲ”ን ሃኒፅና ኣብ ዘለናሉ፣ ወድዓዊ ድልየትን ባህጊን ተጋሩ <<ምግሃድ ናፃ፣ ዴሞክራሲያዊትን ልእላዊነትን ሃገረ ትግራይ>> ኰይኑ ሓፈሻዊ ስምምዕ ኣብ ዝተፈጠረሉ እዋን፣ ኮታስ ካብቲ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ከም ህዝቢ ዝነበርናሉ ኵነታት ኣብ ፍፁም ዝተፈለየ ሃዋህው እናሃለና፤ ብኣንፃሩ ህወሓት ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ኵነታት ክመልሰና፣ ነቲ ህዝባዊ ኣጀንዳ ሃገርነት ኣንፃሩ ተሰሊፉ፣ ዝበፃሕናዮም ብርኪታት ዓወትን ዓቕሚን <<ሕገ መንግስቲ ዶ ፌዴራሊዝም ዶ>> ብዝብሉ ዒባራ ምኽንያታት ቃልስና ንድሕሪት ዝምልስ፣ ዓወታትና ዝሕንሽሽ፣ ናብ ድኹም ቍመና ዝምልስ፣ ብሓፂሩ እንደገና ናብ ሓደጋ ህላወ ዝዳርግ ከይዲ ብምሕራዩ፤ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕፅዋን ክባን ዘይኸፈትን ዓፀቦ ህዝብና ዘጋድድን ብርኪ ንርከብ። 

ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ደውታ ክፍታሕ ምእንቲ ክልቲኤና ሃገራውያን ውድባት መበገሲታትና ብምቕዳም ቅዋምና ከም ዝስዕብ ኣቐሚጥና ኣለና። 

  1. 1. ሓቀኛ ዕላማ ህዝባዊ ቃልስና ምእንተ ምርግጋፅ ህላወና፣ ምግሃድ ዴሞክራስያዊትን ሉኡላዊትን ሃገረ ትግራይ ደኣ እምበር ከምቲ ውድብ ህወሓት ዝብሎን ዝገብሮን ዘሎ ናይ ፖለቲካን ስልጣንን ወይ ከዓ ስነ ሓሳብ /ኣይዶሎጂ/ ንሕንሕን ስርዓት ኢትዮጵያ ንምልዋጥን ዝካየድ ዘይሓላፍነታዊ ኩናት ስለ ዘይኰነ፤ 
  2. ህዝባዊ ቃልስና፡ ኣብ መንጎ ስነ ሓሳብ ማዕርነታዊ ሓድነት ብሄር-ብሄረሰባት ኣብ ውሽጢ ፌደራላዊት ኢትዮጵያ ከረጋግፅ ዝቃለስ ህወሓትን፤ ሃገርነት ከም ውሑስ መፍትሒ ምርግጋፅ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ኣሚኑ ዝውፈ ዘሎ መላእ ተቓላሳይ ህዝቢን ተቐርቂሩ ብቐፃልነት እቲ ቃልሲ ረኺብዎ ዝነበረ ውሽጣዊን ደጋዊን ድጋፍ ፍትሓዊነት ክስእንን ክብርዕንን ዘኽእል መንገዲ ይኽየድ ስለ ዘሎ፤
  3. ከም ሃገራውያን ውድባት ህወሓት ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ውድቀት ከም ዘጋጥሞ ብተደጋጋሚ እናገለፅናዮ ዝፀናሕና ጕዳይ ምዃኑ፤ ባዕሉ እውን ብመራሕቱን ብመስኮት ሚድያታቱን ብተደጋጋሚ ዝገለፆ ሓቂ ስለ ዝዀነ፤
  4. ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይፍፀም ዘሎ ዕፅዋን ክባን እናተጋደደ ንቐፃሊ እውን ህወሓት በቲ ዘለዎ ኣከያይዳ ክሳብ ዝቐፀለ እቲ ሕሰም እናኸፍአ ከም ዝቕፅል ብምርዳእ፤ ህዝብና ዝፍፀሞ ዘሎ ምፅናት ዘርኢን ኵለመዳያዊ ሕሰምን ብህፁፅ መፍትሒ ክረክብ ስለ ዝግባእ፤ 
  5. ህወሓት ሒዙዎ ዘሎ ስርዓት ኢትዮጵያ ብሓይሊ ካብ ስልጣን ናይ ምእላይ ዕላማ፤ ንቲ  ህዝብና ዝብህጎ  ትኽክለኛ ሕቶ ሃገርነት ዘይውክልን ሓቀኛ ዕላማ እቲ ህዝባዊ  ቃልስና  ዘየንፀባርቕን ስለ ዝዀነ፤ 
  6. ህዝባዊ ቃልስና ኣብ መደረኽ ዲፕሎማሲ ዓለም ብፓብሊክ ዲፕሎማሲ ተረኺቡ ዝነበረ ደገፍን ሓልዮትን ኣሐይሉ ኣብ ክንዲ ዝኽየድን ሓደሽቲ መሓዙት ዘፍሪን ብሰንኪ ፖለቲካዊ ዕላማ ህወሓት ብመጠኑ ተረኺቡ ዝነበረ ደገፋት እውን ክቕህም ሰለ ዝገበረ፤
  7. እቲ ምእንቲ ህላወ ዝግበር ዘሎ መሪር ህዝባዊ ቃልሲ ብተግባር ምልኣተ ህዝቢ ዘሳተፈን ዝሓቘፈን እናሃለወ፤ ድልየታትን ሓሳባትን እቲ ዝቃለስ ዘሎ ምልኣተ ህዝቢ ዝውከለሉ ስርዓትን ኣሰራርሓን ክህልው ናይ ግድን ስለ ዝዀነ፤ 
  8. ስርዓተ መንግስትና ምፍራሱ ስዒቡ ህላወና ንምውሓስ ናብ ህዝባዊ ቃልሲ ስለ ዝኣተና፣ ከም ህዝቢ ክንዓሞም ዝግበአና ሓደሽቲ ኣጀንዳታትን ጠለባትን ዝተኸሰትሉ ብርኪ ስለ ዘለና፣ ነዚ ብርኪ ዝመርሕ   ፖለቲካዊ፣  ዲፕሎማሲያዊን ሞራላዊን ብቕዓትን ቅቡልነትን ዘለዎ ኣካል ክህልው ስለ ዝግባእ፤
  9. ኣብ ውሽጢ ትግራይ ጠለብ ለውጢ፣ ሕቶታት ውሑስ ናብራ፣ ሰላም፣ ዴሞክራስን ፍትሕን እናሓየለ ይኽየድ ኣብ ዘለሉ፤ ብኣንፃሩ ህወሓት ድማ ብሸም “መኸተ” ፍፁም ዓፈናን መርገፅትን ዝሰፈኖ ምልካዊ ስርዓት ክተክል ተግባራዊ ምንቅስቓስ ጀሚሩ ሰለ ዘሎ፤ ኣብ ቀፃሊ ትግራይ ጥሐስት ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዝፍፀሙ ኵሎም ዓይነት ገበናት ዝፍፀሙላ ዕፅውትን ንፅልትን ዓዲ ከትኮነሉ ትኽእል ሓደጋ ኣንፀላልዩ ስለ ዘሎ፤
  10. ብሓፈሻ ሐዚ ትግራይ እትርከበሉ ብዕንክሊል ዝግለፅ ኵነታት ቀንዲ ፍልፍሉ ስእነት ብቑዕን ውፉይን ብሄራዊ መሪሕነት ብምዃኑን ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ ቃልሱ በፂሕዎ ዘሎ ወድዓዊ መድረኽ ዝጠልቦን ንዕኡ መሪሑ ዘዐውትን ለውጢ መሪሕነት ዘናዲ ውድዓዊ ጠለብ ጀሚሩ ስለ ዘሎ፤  

ንሕና ሃገራውያን ውድባት ትግራይ ህዝባዊ ቃልስና ብምግሃድ ዴሞክራስያዊትን ሉእላዊትን ሃገረ ትግራይ ክኽምበት፣ ከም ህዝቢ ኣቲናዮ ካብ ዘሎ መፃብብ ክንወፅእ እንኽእል ኣብ ባይታ ዘሎ ወድዓዊ ሓቂ ዝጠልቦ ናይዚ ምዕራፍ ብሕታዊ መማረፂ ስለ ዝዀነ፤ ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ብዅለመዳዩ መሪሑ ዘዕውት ጥራሕ ዘይኰነ ናብ ውልደት: ሕውየትን ህንፀትን ሃገር ትግራይ ዘሳግር፣ ካብ ውድባዊን ጉጅለኣዊን ረብሓ ንብሄራዊ ረብሓን ህላወን ቀዳምነት ዝህብን ንኵሎም ዝምልከቶም ኣካላት ትግራይ ዝሓቍፍን መሰጋገሪ መንግሰቲ ትግራይ ብህፁፅ ክጣየሽ ፃውዒትና ነቕርብ። ህዝብና እውን ካብዚ ኣቲናዮ ዘለና ዕንክሊል ክንወፅእ እንተዀይንና ሐዚ ዘለና መንገዲ እዚ ኣቕሪብናዮ ዘለና መማረፂ ጥራሕ ምዃኑ ተገንዚብካ፤ <<ግዚኡ-ኣይግዚኡን>> ካብ ዝብል ናይ ስኽፍታ ሰነ ሞጎት ወፂእኻ ንዕውትነት እዚ ጠለብን ንብሩህ መፃኢኻን ንጡፍ ተሳትፎን ምርብራብን ክትገብርን ኣብ ጎንና ክትሰለፍን ንፅውዕ።

ጥሪ 7/2014 ዓ.ም

መቐለ፣ ትግራይ

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ /ሳወት/

ውድብ ናፅነት ትግራይ /ውናት/

Continue Reading
1 Comment

1 Comment

  1. Hanna Kassa

    January 15, 2022 at 6:35 pm

    እቲ ዝተልዓለ ሀሳባት ግቡእ እንተኾነ ኣብዩ ህቶይ እዚ እዩ – በዓለም ታሪኽ ኣብ ሞንጐ ናይዘርኢ ምፅናት ወፍሪን ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ኵሉ መዳያዊ ቃልሲ ኾይኑ ስለ ናይ ስግግር መንግስቲ ምጥያሽ ዝሃተተ ህዝቢ ኣሎዶ? እንተሃሊዩ ድማ ተመክሮኦም ታይ ነይሩ ውፅኢቱ?

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT