Uncategorized

ሓፂር ዛንታ ማእሰርቲ ኣብ ኣባ ሳሙኤል ቃሊቲ፥ ኣዲስ ኣበባ

ካብኣቶም ሓደ ኣብ መቐለ ወዲ ሰፈረይን ዓርከይን ዝነበረ ወዲ ብየመና ጥሜት መልክዑ ተቐዪሩ ከለልዮ ስለ ዘኢኸአልኹ እሱ ባዕሉ ፀዊዑ እዩ ሰላም ኢሉኒ። ልኣቶም ምስ ርእኹ ክልተ ስምዒት እዩ ተሰሚዑኒ። ሓደ ለከ ዝገደደ እውን እኒሆ እዩ ኢለ። ዘለኹዎ ዅነታታት ኣቕሊለ ክርእዮ ዝገበረኒ እንትይዀን እቲ ካልኣይ ኸዓ ልኣና እውን ልብዙሕ ኣዋርሕ ብጥሜትን መግረፍትን ከኢይኣስሩና ፈሪሐ።

Published

on

ብ ሳሙኤል ሓጐስ (ስም ብርዒ እዩ)

ነባራይ ኣዲስ ኣበባ ኰይነ፡ ል 5 ዓመታት ኣብ ሓደ ናይ ወፃኢ ትካል እሰርሕ ነይረ።  ኣነ እውን ከም እቶም ካልኦት ብ ኣሽሓት ዝይቝፀሩ ተጋሩ፡ ግዳይ ማእሰርቲ ኰይነ እየ። 

ብዕለተ 16 ወርሒ ሕዳር 2014 ዓ/ም ስርሐይ ወዲአ ካብ ቢሮ አናወፃእኹ እናሃለውኹ፡ ካብ እቶም መሳርሕተይ ሓዲኡ ስለ ዝጠቈመኒ፡ 3 ክዳን ሲቪል ዝተኸደኑ ሰባት “ብሕጊ ትድለይ እይኻ” ኢሎም ናብ ኣብ ቀረባ ዝርከብ “6ኛ ፖሊስ ጣብያ” ተብሂሉ ዝይፅዋዕ ጣብያ ፖሊስ ወሲዶምኒ።: ኣብ እቲ ጣብያ ፖሊስ፡ ልዕሊ 200 ዝይዀኑ ካልኦት ተጋሩ ዝነበሩ እንትይዀኑ፡ ኣብ 5 ፀበብቲ ክፍልታት ተዳጒንና ነይርና። መብዛሕቲኦም ል ብዙሕ ሰሙናት ተኣሲሮም ዝነበሩ እዮም። ኣነ ግን ኣብ 2ይ መዓልተይ ማለት እውን ብዕለተ 17፥ ወርሒ ሕዳር 2014 ዓ.ም ናብ ቀዳም ዝየውግሕ፡ ለይቲ ከባቢ ሰዓት 10፡00 3 ዕጡቓት ዓጂቦም ን በይነይ ካብ ዝነበርኩዎ ክፍሊ ፀዊዖም ናብ “ኣንበሳ ባስ” ኣእቲዎም ናብ ቀፅሪ ጐተራ ወሲዶምኒ። ኣብ ኣፍደገ ቀፅሪ ጐተራ ንኣስታት 2 ስዓታት ዝይዀን ኣብ ውሽጢ እታ ኣውቶብስ ዝፀናሕኹ እንትእዀን ኣብ እቲ ሰዓት ንሱ ብዙሓት ኣዝማድ እሱራት ምግብን ክዳዉንትን ሒዞም ብቝሪ እናተወቕዑ ተሰሊፎም ብዓይነይ ርእየ እየ።: ኣብ ቀፅሪ ጐተራ ል ኣስታት 2 ስዓታት ድሕሪ ምፅናሕ በዝሖም 80 ዝዀኑ ኣብ ጐተራ ተኣሲሮም ዝነበሩ ምሳይ ዝተሓወሱ እንትይዀን ምሳና ብጠቕላላ 3 ኣምበሳ ባስ ሙሉእ ዝንዀን እሱራት ናብ ጥቓ “ገላን ኮንዶሚንየም” ዝይርከብ ፍሉይ ስሙ “ኣባ ሳሙኤል” ዝተብሃለ መዳጐኒ ወሲዶምና። ብ  ቀዳም ንጕሆ ዕለት 18  ሕዳር ድማ ኣብ እቲ ቦታ ኣቲውና። 

ቀፅሪ ኣባ ሳሙኤል 5 ህንፃታት (blocks) ዘለውዎ እንትይዀን ኣብ 2 ህንፃታት (block) እይና ተዳጒንና ነይርና። ኣብ እቲ ኣነ ዝነበርኩሉ ህንፃ 1,500፣ ኣብ እቲ 2ይ ህንፃ  ድማ 1,675፣ ብጠቅላላ 3,175 እሱራት ነይርና። እዚ ቦታ ክሕዞ ዝይኽእል በዝሒ ሰብ፡ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ብ 10 ሰብ ሓሲበ፡  ኣስታት 600 ሰብ ዋላ እኳ እንተዀነ ንሕና ግን ልዐሊ 5 ወይ 6 ዕፅፊ ናይ እቲ ንቡር ዓቕሚ፡ ኣብ ሓደ ስፍሓቱ 60 ትርብዒት ሜትሮ ዝዀነ ክፍሊ ልዕሊ 48 ሰባት ዀይንና ንነብር ነይርና። 

ኣባ ሳሙኤል ካብ እተን ካልኦት መዳጐኒ ጣብያታት ፍሉይ ዝገብሮ ማንም ቤተሰብ ክርእየካ ወይ እውን ምንም ዓይነት ቅያር ኽዳን ዀነ ምግቢ ክይኣትው ዘኢይፍቀደሉ ዕፁው ቦታ ምዃኑ እዩ። ኣብ እተን  ኣብኡ ዝፀናሕኹለን 62 መዓልትታት ምንም ዓይነት  ግልጋሎት ሕክምና  ስለ ዘኢነበረ ብዙሕ ሰብ ብ ተመሓላለፍትን ዘኢተመሓላለፍትን ሕማማት ተጠቒዑ ነይሩ። ናይ ሽኮርያ፣ በዝሒ ደም፣ ጨጎራን ኤድስን ሕሙማት እዉን ምንም ዓይነት ክትትል ሕክምና  ይኹን መድሓኒት ኣይረኽቡን ነይሮም። ብፍላይ ኽዓ  ከም ቲቢን ኰሮናን ዝበሉ ተላበድቲ ሕማማት ብምእታዎም ንባዕለይ ሓዊሱ ብዙሕ ሰብ ሓሚሙ ነይሩ። ልዕሊ 10 ዝዀኑ ዝተፈለጡ ናይ ቲቢ ሕሙማት ዝነበሩ እንትይዀኑ ቍፅርና ብዕሊ ዘኢተፈለጥና ብዙሓት ሰባት ድማ ል ልዐሊ 3 ሰሙን ብዝፀንሐ ኸቢድ ሰዓል ተታሒዝና ነይርና። ኣነ ባዕለይ እዉን ል ሓደ  ወርሒ ዝይዀን ብኸቢድ ሰዓል  ተትሒዘ አፍንጫይ ስለ ዝትዓፈነ ምትንፋስ ዀነ ጨና ምፍላይ ኣይእኽልን ነይረ። እቲ ዝንጥቀመሉ ዝነበርና ሸቃቅ እውን ኣፍንጫኻ ሰርሲሩ ዝኣትው ሓያል ጨና ነይሩዎ። 

እቶም ናብ እቲ ቀፅሪ ይመፅኡ ዝነበሩ ፖላዊስ   ማስክ ገይሮም ይኣትዉ ነይሮም። ንሕና ግን ምንም ዓይነት ማስክ ኣይነበረናን። ኣብ ልዕሊ እዙይ፡ ስእነት መሳርሕታት ፅሬት ነይሩና። ማይ ኣብ ሰሙን  ሓደ ጊዜ ጥራሕ ትመፅእ ስለ ዝነበረትን ምንም ዓይነት ናይ ነብሲ ይዅን ናይ ክዳን ሳሙና ስለ ዘኢተውሃበናን ውልቃዊ ይዅን ከባቢያዊ ፅሬት ክንሕልው ስለ ዘኢክኣልና ኣደዳ ርስሓትን ቍማልን ዀይንና እይና። ልዕሊ ፍርቂ ዝንዀን እሱራት ኽዓ ምንም ዓይነት ቅያር ኽዳን ይዅን መደቀሲ ፍርናሽን ኣንሶላን ዘኢሓዝና ስለ ዝነበርና መብዛሕትኡ ሰብ ኣብ ልዕሊ ናይ ስሚንቶ መሬት ብዘይ ምንም ተነፃፊ ይህርስ ነይሩ። ኣነ ብ ኣጋጣሚ ዝፈልጦ ሰብ ስለ ዝረኸብኹ ኣብ ሓንቲ ረቃቕ ፍርናሽን ሓንቲ ኣንሶላን ል 3 ዀይንና ንድቅስ ነይርና። ብሰንኪ ቍሪን ኣብ ስሚንቶ ምህራስን ብዙሕ ሰብ ዝሓመመ እንትይዀን ልዕሊ 8 ዝዀኑ ሰባት ድማ ሰውነቶም ሙሉእ ብሙሉእ ብምልማሱ  ብደገፍ ካልኦት ተሓዚሎም ይወፅኡን ይኣትዉን ነይሮም። ካብ እዚኣቶም እቶም 3 ኣብ ሜክሲኮ  ናብ ዝርከብ “ባልቻ ሆስፒታል” ዝተወሰዱ እንትዀኑ  እቲ ሕማሞም ልዕሊ ዓቕሚ ሓካይም ስለ ዝዀነ እቶም ሓካይም እውን “ማይ ፀሎት ይሞክሩ” ስለ ዝበሉ ኣብ ጁባና ልነበራ ቅርሺ ኣዋፂእና ኣፋኒናዮም እይና። 

ኣብ መዓልቲ 3 ባኒ ጥራሕ ይውሃበና ስለ ዝነበረ ዅሉ ሰብ ተዳኺሙን ሓይሊ ስኢኑን እይኻ ትርእዮ።  ብሰንኪ ሕፅረት ምግብን ብሰንኪ ሕማምን ገፅና ጠዉሊጉ፣ ከብድናን ሒቖናን ተጣቢቑ ዓፅሚ ከብድና ይርአ ነይሩ። ካብ ምስኣን ሓይሊ ዝተልዓለ ድማ ብዙሕ ሰብ ደዉ ብዝበሎ ውንኡ ስሒቱ እንትይወድቕ ምርኣይ ልሙድ እዩ ነይሩ። ኣነ እውን ብዙሕ ግዜ  ኮፍ ኢለ ክእልዓል እንተለኹ ይፅልምተንን ይዘውረንን ዝነበረ እንትይዀን ሓደ ክልተ ሻዕ ዝይዀን ድማ ውነይ ስሒተ ወዲቐ  እየ። ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 10 ሰብ ክይወድቕ ምርኣይ ልሙድ እዩ ነይሩ። 

ኣብ እንዳ ኣባ ሳሙኤል ካብ ዝፀናሕና ዝብኣሰ ድማ ኣብ ኣዋሽ 40ን ኣዋሽ 7ን ዝነበሩ፡ ካብ ሰነ ጀሚሩ ንልዕሊ 5 ወረሒ ድሐሪ ምእሳሮም ኣብ መጀመርታ ታሕሳስ ናባና ዝተፀንበሩ ብቝፅሪ 140 ዝዀኑ ኣሕዋትና ብጣዕሚ ኸቢድዎም ነይሩ። ኣብ ሓያል ሙቐት ነይሮም ናብ ሓያል ቍሪ ዘለዎ ቦታ ብምምፅኦም ዓብዪ  ፀገም እዩ ዀይንዎም።: ኣብ ኣዋሽ ብዙሕ ስቓይ ዝወረዶም  እንትይዀን ካብኦም ገሊኦም ኽትፀውሮ ዘኢይክኣል  መግረፍትን ከምኡ አውን  ኣብ ሃሩር ፅሓይን ፍርቂ መዓልትን  ጫምኦም ኣውፂኦም ኣብ ውዑይ ኣስፋልቲ  ጉዕዞ ንኽገብሩ ብምግዳድ   የሳቕዩዎም ከም ዝነበሩ እዮም ነጊሮምና ። ንሕና እውን ል እቶም ካብ ኣዋሽ ዝመፅኡ ምስ ርአይናዮም ብጣዕሚ እይና ደንጊፅና። ኣዕይቶም ፈጢጡ ብየመና ጥሜትን ስቓይን “ሽንጣር” መሲሎም እዮም መፂኦም።  ካብኣቶም ሓደ ኣብ መቐለ ወዲ ሰፈረይን ዓርከይን ዝነበረ ወዲ ብየመና ጥሜት መልክዑ ተቐዪሩ ከለልዮ ስለ ዘኢኽኣልኩ ንሱ ባዕሉ ፀዊዑ እዩ ሰላም ኢሉኒ። ልኣቶም ምስ ርእኹ ክልተ ስምዒት እዩ ተሰሚዑኒ። ሓደ ለከ ዝገደደ እውን እኒሆ እዩ ኢለ። ዘለኹዎ ዅነታታት ኣቕሊለ ክእርእዮ ዝገበረኒ እንትይዀን እቲ ካልኣይ ኸዓ ልኣና እውን ልብዙሕ ኣዋርሕ ብጥሜትን መግረፍትን ከኢይኣስሩና ፈሪሐ። 

ካብ እቶም ካብ ኣዋሽ ዝመፅኡ ብዙሓት ሰባት ብምቅይያር  ኵነታት ኣየርን ብተወሳኺ ጥምየትን ዝሓመሙ እንትዀኑ ካብ ህሊናይ ዘኢይወፅእ ግን ካብኣቶም ሓደ ብምሒር ምስኣን ሓይሊ ሙሉእ ነብሱ ስለ  ዝለመሰ   ኢዱ ምልዓል ኸቢድዎ ሰብ ክየልዕሎ ዝርአኹዎ ሰብ እዩ። ፈፂመ ኣይእርስዖን። ካብ ጥምየትን ሕማምን ል ላዕሊ ኸቢዱና ዝነበረ ግን ዳርጋ መዓልታዊ ብ ዝይብሃል መልክዑ ቀትሪን ለይትን ይግበር ዝነበረ ጅምላዊ መግረፍቲ እዩ። ል ሓደ ሰብ ልዕሊ 20 ዝዀኑ ፖሊሳት ፌዴራል ዀይኖም ብ ሸለፍ ጠበንጃ እንተኢቀረየ ይገርፉ ነይሮም። ብፍላይ ብዕለት 15፡ ወርሒ ታሕሳስ “ንምንታይ ቀልጢፍኩም ናብ ክፍልኹም ዘኢኣተውኹም” ኢሎም ኣብ ነፀላ መንደቕና ንዝነበሩ ሓደ ክፍሊ ሙሉእ እሱራት ንኣስታት 3 ስዓታት ምስ ገረፉዎም  እቶም 4  ሽዑ ንሽዑ ውነኦም ስሒቶም እንትይወድቁ እቶም 2 ድማ ኣብ ኣእዳዎምን  ኣዕይንቶምን  ኸቢድ ጕድኣት ገጢምዎም። ድምፂ ናይ እቲ መግረፍትን ብኽያትን ይስማዕ ስለ ዝነበረ ንሕና እዉን ኣይቐርየናይ ብምባል ብፍርሕን ራዕድን ታራና ንፅበይ ነይርና። ኵሉ ኣብ ክፍልና ዝነበረ ሰብ ድማ ቅሩብ እንተ ተኸላኸለልና ኢሉ ዘለዎ ኽዳን ይድርብ ነይሩ።  

ብዕለት 20 ታሕሳስ ድማ “ድምፂ ሰሚዕና” ብ ዝብል ዒባራ ምኽንያት ኣብ እቲ ደብሪ ል ዝነበሩ  ካብ ክፍለ ከተማ ቦሌ  ዝመፅኡ ልዕሊ 200 ዝዀኑ ሰባት አውፂኦም ብመግረፍትን መቕፃዕትን  ዘሳቐይዎም እንትዀኑ ብ እዚ ምኽንያት ድማ ልዕሊ 20 ዝዀኑ መንእሰያትን ሽማግለታትን ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ዝዀን ካብ መደቅሲ ክፍሎም ክይወፅኡ ኣይክኣሉን።ኣብ ልዕሊ እቲ መግረፍቲ ድማ ካብ አፍ እቶም ፓላዊስ ይወፅኡ ዝነበሩ ናይ ፀርፍታት መዓት ዘርኣውን መርዛማትን ነይሮም። “አናንተ ክፉ ዘሮች (ኣንቱም ክፉኣት ዘርኢ)”፣ እናንተ እርጉማን(ኣንቱም ርጉማን)”÷” እናንተ ጅቦች (ኣንቱም ኣዛብእ)” ወዘተ እናበሉ  ብምፅራፍ ዘለዎም ኸቢድ ፅልኣት ብግልፂ  ይድርጕሑዎ ነይሮም።

 ኣብ እዚ ዝነበርናሉ ቦታ ልዕሊ 400 ዝይዀኑ ካብ ሱዑዲ ዝተመለሱ ተጋሩ ዝነበሩ እንትይዀን መብዛሕትኦም ኣብ ስዑዲ እውን ተኣሲሮም ዝነበሩን ል ብዙሕ ጊዜ ዝተሳቐዩን እዮም። ካብኣቶም እቲ ሓደ “ኣብ ስዑዲ 7 ዓመት ካብ ዝተኣሰርኩዎ ኣብ ኣባ ሳሙኤል ዝተኣሰርኩወን 2 ኣዋርሕ ይኸፍኣ” ብምባል ናይ ኣባ ሳሙኤል ኸቢድነት ነጊሩኒ።

ካብ መዳጐኒ እንዳ ኣባ ሳሙኤል በዝሕና ኣስታት 2,000 ንዀን ኣብ ዝተፈላለዩ መዓልታት ዝወፃእና እንተንዀን፡ ከባቢ 1,175 ዝዀኑ ኣሐዋትና ግን ክሳብ ሕዚ ኣብ እቲ  ኣንቃዕሪርካ ሰማይ ጥራሕ እምበር ካልእ ዘኢይርአየሉ ገሃነም ዝዀነ ቦታ እናተሰቓዩ ይርከቡ። ኣብ ልዕሊኦም ድማ ብሰኑይ ማለት እውን ብዕለት 24፡ ወርሒ ጥሪ 2014 ዓ.ም ካብ ሚዛን ቴፒ ዝመፅኡ 1,165 ካልኦት ተጋሩ ዝተሓወሱዎም እንትይዀን ብጠቕላላ 2,340 ንፁሃን ወገናት ኣብ እቲ ቦታ ተዳጒኖም ኣብ ኸቢድ ኵነታት ይርከቡ። ብፍላይ እቶም ካብ ሚዛን ቴፒ ዝተመለሱ ኣብ መዓልቲ 2 ባኒ ጥራሕ ይበልዑን ዝስተ ማይ ድማ  ካብ ሩባ ይጥቀሙን ስለ ዝነበሩ መብዛሕቲኦም ብጣዕሚ ሓሚሞም እዮም መፂኦም። ካብ ዝሓለፈ ሰሙን  ጀሚሩ ድማ ኣብ እቲ ቀፅሪ ማይ ጠቕሊላ ስለ ዝጠፍአትን ሽቃቅ ሰለ ዝፈንደአን ብጣዕሚ ተፀጊሞም ትሕቲ ሰብነት ኣብ ዝዀነ ናብራ ይርከቡ። ኣነ ኣብ እዚ ሕዚ ስዓት ናይ ጨጎራን ኣስምን ሕሙም ዀይነ ኣብ ምክትታል ሕክምና  እንትእርከብ  ናይ 2 ወርሒ ደሞዝ ስለ ዘኢኣተወለይ ድማ ምስ  ክፍሊ ሓይሊ ሰብ እናተማጐትኩ እየ። ምስ መንግስቲ ርክብ ኣብ ዘየብሉ ኣብ ናይ ወፃኢ ድርጅት እናሰራሕኹ እኳ መሃያ ዝተኸልኸለኩ ኻልእ ኣብ ናይ መንግስቲ ይኹን ናይ ውሽጢ ዓዲ ውልቀ ትካል ተቘፂሩ ዝሰርሕ ሰብ ክሳብ ክንደይ ክይፅገም ከም ዝይኽእል ምግማቱ ኣይይኸብድን።

1 Comment

  1. eritreans out of Tigray and Ethiopia

    February 10, 2022 at 2:33 pm

    We are seeing objects for sale online which may be stolen Tigrayan/Ethiopian artefacts, including manuscripts, crosses, etc. If you find such objects, I recommend you upload the information to the INTERPOL Stolen Works of Art Database #culturalheritage @cathyDAndrea99

    Amhara and eritrean soldiers are looting and selling our pricelss relics . Eritreans are sponsoring this war for the past 30 years intentionally or unknowingly. Many know about this war before it broke out .
    Fanos are terrorists and eritreans troops are endangering Afar people and fighting in Afar to fuel hostility between the people of Tigray and Afar. All Eritreans including those who smuggled themselves under the blanket of refugee and protection should go out of Afar and rest of ethiopia. Fanos are terrorists !

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Exit mobile version