Connect with us

ትንተና

ውግእ ከተማ፣ ሓፂር ናይ ሕጊ ሓተታ

Published

on

 ብፍላይ አብዚ ቀረባታት አብ ከተማ ወልድያ ዝተስተውዓለ ሕጋውን ወተሃደራውን ጉዳያት ዘልዕል፣ ነገራት ዘተሓላልኽ ዝመስል ተጓንፎ ከም መልዐሊ ብምግባር፣ አብ ከተማታት ዝግበር ውግእ ብዝምልከት ዘለዉ ሕጋዊ ማዕቐፋት ቁርብ ምብራህ አድላይ ይመስል።  

ከተማታት ካብ ዘለወን ኢኮኖምያውን ወተሃደራውን ዓቕምን ረብሓን ብተወሳኺ ናይ ሓደ ህዝቢ መንነት ዝግለፀሎም ብዙሓት ሓድግታት ዝሓዛ እየን፡፡ ብምዃኑ’ውን ንነዊሕ ዘመናት ግዳያት ኲናት ኮይነን ፀኒሐን እየን። ዕድመ ዝፀገባ ከተማታት አውሮፓ ከም ኣብነት ምስ እንርኢ ዙርያ ምላሸን ብዕርድታት ዝተሓፅራ ምንባረን ናይዙይ መርኣያ እዩ። መሳርሒ ኲናት እናዘመነ፣ ካብ ርሑቕ ምትኳስ እናተኻእለ ምስ መፅኣ ግን እዞም ዕርድታት ብዙሕ ጥቕሚ ስኢኖም። 

ምስዚ ማዕረ ማዕረ ግን ሕጊ ዂናት እናማዕበለ፣ ቅቡልነት እናረኸበ መፂኡ፣ ከተማታት እውን መድሕነን ብቐንዱ ሕጊ አብ ዝህበን ከለላ ከምዝድረኽ ኮይኑ። ኣብ ከተማታት ዝግበር ዂናት ልዑል ሓደጋን መስዋእትን ዘኽፍል እዩ፡፡ እዚ ሓደጋ ንነባሪ ህዝቢ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓበሬታን ሽፋንን ንዘይብሉ መጥቅዒ ሓይሊ እውን ማዕሪኡ ብዙሕ የኽፍል፡፡ ኣብ ከተማ ዓሪዱ ዝከላኸል ሓይሊ ብተቓራኒ ንኻልኦት ናብ ሓደጋ ብምግላዕ፣ ዝሐሸ ሓበሬታ፣ ሽፋንን ሃፍትን ስለዝህልዎ ፀብለልትነት ይህቦ፡፡ ነዚ ኩነታት ዝገዝኡ ሕግታት ብቐንዱ ነዚኦም ወድዓውያን ሓቅታት ኣብ ግምት ዘእተዉ እዮም፡፡    

ብመሰረት ቐንዲ መግለፂ ዘመናዊ ሕጊ ኲናት ዝኾኑ ውዕላት ሄግ፣ ጀኔቫን ናሃቶም ተቐፅላታትን (Geneva Protocols) ከታማታት ይኹኑ እኩብ ሰብ ዝነብረሎም ካልኦት ቦታታት ብግልፂ ተረቚሖም ዝተቐመጡ ቅድመ ኹነታት ብምምላእ ካብ መጥቃዕቲ ከለላ ከም ዝረኽቡ የቕምጡ፡፡ በዚ መንገዲ ሓደ ኸተማ ካብ ጥቕዓት ሕጋዊ ከለላ ክረክብ ዝኽእል፣ ማለት እው ኣብ ልዕሊ እቲ ኸተማ ወተሃደራዊ ስርሒት ንኸይውሰድ ብሕጊ ክልኩል ዝኸውን እዞም ዝስዕቡ ቅድመ ኹነታት ብሓበራ እንትማልኡ ምኳኑ ሕግታት ዂናት የቐምጡ።

  1. ነቲ ቦታ ሒዝዎ ዝፀንሐ ኣካል ከምዘይከላኸሎ ብግብሪ ወይ እውን ብመግለፂ ነቲ ንኸጥቅዕ ዝዳሎ ዘሎ ሓይሊ እንትገልፅ፣ 
  2. ኩሎም ተዋጋእትን ክንቀሳቐሱ ዝኽእሉ ተተኮስትን ካልኦት ወተሃደራዊ መሳርሕታትን ካብቲ ቦታ እንትወፁ፣
  3. ህንፃታት ወይ እውን ካልኦት ቀወምቲ ወተሃደራዊ ቦታታት ትንኮሳ ወይ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ኣብ ጥቕሚ እንተዘይውዒሎምን፣
  4. ኣብቲ ከተማ ወይ እውን ቦታ ነቲ ካብቲ ኻባቢ ለቚቑ ንዝኸደ ሓይሊ ዝሕግዝ ርኡይ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት እንተዘይተገይሮምን፡፡

ካብዚ ከም እንዕዘቦ ከተማታት ብሕጊ ጥቕዓት ንኸይወርደን ክማልኡ ዘለዎም ቅድመ ኹነታት ርዱኣት ግን ድማ ብዙሕ ግዜ ዘይማልኡ እዮም፡፡ ስለዝኸነ እውን ኣብ መንበሪ ገዛታትን ካልኦት ህንፃታትን ኮይኑ ዝትኩስ ሓይሊ ዝሐዘ ከተማ ብሽፍኑ ኸለላ ክወሃብ ኣይኽእልን፡፡ ብኻሊእ ኣዘራርባ ሓይሊ ፀላኢ ቀዲሙ ካብ ከተማ መሊኡ እንተዘይወፂኡ፣ ወይ እውን ኣብ ማእኸል ዘይተዋጋኢ ህዝቢ ብምዃን ተዂሲ እንድሕር ዝኸፍት ኮይኑ እታ ዝዓረደላ ከተማ/ቦታ ዝህልዋ ሕጋዊ ከለላ ኣይክህሉን ማለት እዩ፡፡ ኣብዚ ሓይሊ ፀላኢ እንትንብል ብስሩዕን ብዘይስሩዕን ነታ ከተማ ምስ ዝከላኸል ሓልሊ ዝሰርሕ ወይ ዝሕግዝ ዕጡቕ ከም ዘካትት ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ፡፡ ብሓፂሩ ከተማታት ጥቕዓት ንኸይበፅሐን ብሰላም መሊአን ኢድ ክህባ ይግባእ፡፡    

እዞም ሕግታት እቲ ዂናት ውሽጣዊ ይኹን ዓለም ለኻዊ ብዘየግድስ ተፋፃምነት ዘለዎም እንትኾኑ፣ ብቐንዱ አብ ግዜ ዂናት ዒላማ ክግበሩ ብዛዕባ ዝኽእሉ ነገራት (military objcetives) ብዝምልከት ካብ ዝድንግጉ ካልኦት ሕግታት ዝቕድሑ እዮም፡፡ ብምዃኑ እውን ንዝሐሸ ርድኢትን ትግባረን ብሓደ ክንበቡ ኣግባብ ይህልዎ፡፡ እዚ ዛዕባ ኣብ እዋን ዂናት ብሓፈሻ ልዑል ትግባረ ዘለዎ ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው ቁሩብ ምብራህ የድልዮ እዩ።

ኣብ ቅድሚት ካብ ዝስርዑ መትከላትን ሕግታትን ዂናት ሓደ ወተሃደራዊ ዒላማ፣ ወተሃደራዊ ዒላማ ካብ ዘይኮነ ነገር ምፍላይ ዝብል እዩ፡፡ እዙይ ማለት ተራፀምቲ ወገናት ናብቲ ዂናት ዘእተዎም ምኽንያታት ብዘየገድስ ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ግጥም ከጥቅዕዎ ዝኽእሉ ወተደራዊ ዒላማ እንተኾይኑ ጥራሕ እዩ፡፡ ብመሰረት ሕጊ ዂናት፣ ወተሃደራዊ ዒላማ ከምዚ ዝስዕብ ተተርጒሙ ንረኽቦ፡። 

ወተሃደራዊ ዒላማ ዝበሃል ብተፈጥርኡ፣ ኣቀማምጥኡ፣ ዝህቦ ጭቡጥ ኣገልግሎት ወይ እውን ንሓዋሩ ክህቦ ካብ ዝተሓሰበ ግሁድ ጥቕሚ ዝተለዓለ ንወተሃደራዊ ግጥም ርኡይ ኣበርክቶ ዝህብ፣ ብምዃኑ እውን ብምሉእ ወይ ብኸፊል ምዕናው፣ ምምራኹ ወይ እውን ጥቕሚ ከይህብ ምግባሩ ኣብቲ ገዛኢ ግዜ ጭቡጥ ወተሃደራዊ ረብሓ ዝህብ እንትኸውን እዩ፡፡ 

ብተፈጥርኡ ወተሃደራዊ ዝኾነ እንትበሃል ነዚ ተባሂሉ ዝስለፍ ወይ ዝስራሕ ማለት እንትኾን ኣባላት ናይ ፀላኢ ሓይሊ፣ ኩሎም ተተኮስቲ፣ ወተሃደራዊ መሳርሕታት፣ መጋዝናት፣ ናይ ስልጠና ቦታታት፣ ናይ እዚ ማእኸላት፣ መፍረዪ ወተሃደራዊ ኣቑሑን ተተኮስትን፣ ወተሃደራዊ ናይ መራኸቢ መሳርሕታት፣ ወተሃደራዊ መጓዓዝያን ዝኣመሳሰሉን ይሓውስ፡፡ እዙይ ማለት እቲ ረፅሚ ክሳብ ዝቐፀለ ኣብ ዝኾነ እዋን ዒላማ ክግበሩ ይኽእሉ እዮም ማለት እዩ፡፡

ብተወሳኺ ሓደ ነገር ብተፈጥርኡ/ብኣሰራርሕኡ ዋላ ወተሃደራዊ ኣይኹን፣ ብምኽንያት ኣቀማምጥኡ ግን ወተሃደራዊ ዒላማ ንኽኸውን ከግድዶ ይኽእል እዩ፡፡ ንኣብነት ፀላኢ ድሕሪ ሓደ ወተሃደራዊ ዘይኮነ ህንፃ ወይ ቅርፂ ኮይኑ ዝዋጋእ እንተደኣ ሃልዩ፣ እቲ ቅርፂ/ህንፃ ኣብ መንጎ ክልተ ተፃባእቲ ሓይልታት ብምርካቡ’ሞ ኣብ ልዕሊኡ ስጉምቲ ብምዋሳድ ወተሃደራዊ ረብሓ ዘርክብ እንተኾይኑ ዒላማ ክግበር ይኽእል እዩ ማለት እዩ፡፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ፀላኢ ንኣብነት ንሓደ ቤት ትምህርቲ ናብ መጋዘን፣ ወይ መደቀሲ ወተሃደር እንድሕር ደኣ ቀይርዎ፣ እቲ ቤት ትምህርቲ ንፀላኢ ብዝህቦ ዘሎ ጭቡጥ ኣገልግሎት ምኽንያት ናብ ወተሃደራዊ ዒላማ ይቕየር ኣሎ ማለት እዩ፡፡ ማዕረ ማዕሪኡ ኣብ ከይዲ ምስራሕ ዘሎን ገና ኣብ ጥቕሚ ዘይወዓለን ግን ድማ ክህቦ ዝተሓስበ ጥቕሚ ብግልፂ ኣብ ላዕሊ ዝተቐመጠ ትርጉም ወተሃደራዊ ዒላማ ዘማልእ እንተኾይኑ ጥቕዓት ክግበረሉ ይኽእል እዩ፡፡ ንኣብነት ፀላኢ ንመተኮሲ ከበድቲ መሳርሕታት ዝኾን ቦታታት እንተደላድል፣ ናይ ተተኮስቲ መፍረይ እንትሃንፅ፣ ወይ እውን ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ቦታታት እንትሃንፅ ብገንኡ ዒላማ ምግባር ይከኣል እዩ፡፡  

ምስዚ ተተሓሒዙ ካብ ዝልዓሉ ዛዕባታትን ምስ ናይ ከተማ ዂናት ቅርበት ዘለዎን ሓደ ሲቪላውያን ዝጥቀምሉ፣ ግን ከአ ሓይሊ ፀላኢ እውን ዝግልገለሎም ነገራት ዒላማ ምግባር ይከኣልዶ ዝብል እዩ፡፡ ንኣብነት ከም መዕርፎ ነፈርትን ድልድላትን ይጥቀሱ፡፡ ከም መትከል እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተቐመጠ ትርጉም ወተሃደራዊ ዒላማ እንተተማሊኡ ኣብ ልዕሊ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ክልተኣዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ነገራት እውን ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ይከኣል እዩ ዝብል ርድኢት ኣሎ፡፡ እንተኾነ ግን ብምኽንያት ዘለዎም ሲቪላዊ መልክዕ እዚ ኣብ ምፍፃም ብንእሱ እዞም ዝስዕቡ ኣብ ግምት ክኣትዉ ይግባእ፣

  1. እቲ ንጥቕዓት ክዳረግ ዝኽእል ትሕተ ቅርፂ ንናይ ፀላኢ ሓይሊ ብጭቡጥ ጥቕሚ ዝህብ ዘሎ ክኸውን፣ ወይ እውን እዚ ከምዝስዕብ ዘርእዩ ጅማሮታት ብግልፂ ክህልዉ ይግባእ፡፡ ስለዝኾነ እውን ንሓዋሩ ፀላኢ ክጥቀመሉ ስለዝኽእል ብዝብል ስልሒት ጥራሕ ዒላማ ምግባር ኣይከኣልን፣   
  2. ሲቪላውያን ዝጥቀምሉ ትሕተ ቅርፂ ዒላማ ምግባር ዝከኣል እቲ ዒላማ ንምግባር ዝሕሰብ ነገር ንሲቪላውያን ዝህቦ ጥቕምን፣ ዒላማ ብምግባር ስጉምቲ እንተተወሲድዎ ዝርከብ ወተሃደራዊ ጥቕሚን ብምንፅፃር ዝርከብ ወተሃደራዊ ረብሓ ዝዛይድ እንተኾይኑ እዩ፡፡  

ኣብዚ ክለዓል ዘለዎ ካልእ ነጥቢ ኣብ ከይዲ ምጥቃዕ ሓደ ወተሃደራዊ ዒላማ ሲቪላውያን ሰባት እውን ናይ ምልካም ዕድል ልዑል ኣብ ዝኾነሉ እዋን ተግባራዊ ዝኾኑ ሕግታት ምፍላይ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ ሓደ ሲቪላውያን ሰባት ዝርከብሉ ህንፃ ወተሃደራት ፀላኢ ኣትዮም እንትትኩሱ ምሕሳብ ይከኣል፡፡ ካብቶም ብዕሊ ዝፍፀሙ ገበናት ወፃኢ ብዙሕ ግዜ ክስታት ገበን ዂናት ኣብ ዙርያ ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝፍፀሙ ስጉምትታት ከም ዝፍጠሩ ይፍለጥ፡፡ 

ብመሰረት ሕግታት ዂናት ፈለማ እቲ ስርሒት ዝመርሕ ኣዛዚ ሰራዊት ክንዲዝተኻእለ ሓበሬታ ብምእካብ ዝህሉ ወተሃደራዊ ዒላማን ብምኽንያት እቲ ስርሒት ኣብ ሲቪላውያን ክበፅሕ ዝኽእል ጎናዊ ጉድኣትን ከስልሕ ይግደድ፡፡ እዚ ኸይዲ ብዝምልከት መዝጊቡ ምሓዝ እውን ንሕጋዊ መስርሓት ልዑል ግደ ኣለዎ፡፡ ንኣብነት ኣብቲ ህንፃ ዝዓረደ  ልዑል መራሒ ሓይሊ ፀላኢ ምስዝኸውን ኣብቲ ስልሒት ርኡይ ለውጢ ይፈጥር፡፡ ግዜ እውን ከምኡ፡፡ ጥቕዓት ከይፈፀምካ ብምፅናሕ ዝሰኣን ወተሃደራዊ ረብሓ፣ ስርሒት ብምድንጓይ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ወገን ዘብፀሖ ሓደጋ በቲ ሓደ ገፅ፣ ብፍላይ ሲቪላውያን ካብቲ ኸባቢ ንኽርሕቑ ዕድል ምሃብ ድማ በቲ ኻልእ ኣብቲ ስልሒት ኣብ ሚዛን ክኣትዉ ካብ ዝግብኡ ገሊኦም እዮም፡፡ በዚ ስልሒት ጥቕዓት ምፍፃም ዝህቦ ወተሃደራዊ ረብሓ ክስዕብ ካብ ዝኽእል ጎናዊ ጉድኣት ዝዛይድ እንድሕር ኮይኑ እዩ እቲ ዝውሰድ መጥቃዕቲ ሕጋዊ ዝኸውን፡፡ 

ከምኡ ኾይኑ እውን ግን እዚ ናይ መወዳእታ ተሓሳቢ ኣይኮነን፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝርከብ ሓደ ወተሃደራዊ ሓላፊ መጥቃዕቲ ንኽውሰድ ትእዛዝ ቅድሚ ምሃቡ ሲቪላውያን ካብቲ ኸባቢ ንኽወፁ ዕድል ክህልዎምን፣ ክንዲ ዝተኻእለ ቅድመ መጠንቐቕታ ናይ ምሃብን ግዴታ ኣለዎ፡፡ እዚ እውን ክምዝገብ፣ ክንዲ ዝተኻእለ ካልኦት ክፈልጥዎ ምግባር እውን ሓጋዚ እዩ፡፡ ብዙሕ ግዜ እዙይ ዝፍፀም መጉልሒ ድምፂ ብምጥቃም፣ እቲ ጉድኣት ክበፅሖ ዝኽእል ሕብረተሰብ ክሰምዖ ብዝኽእል ሬድዮ ወይ ተሌቪዥን እቲ ቅድመ መጠንቕቕታ ብምሃብ እዩ ስጉምቲ ክውሰድ ዝግበር፡፡ ወተሃደራዊ መራሕቲ ናይ ሕጊ ከይዲ እንተስዒቡ እዞም ከይድታት ከምዝፈፀሙ ከርእዩ ግድን ይብል ማለት እዩ፡፡      

ኣብ መዋዳእታ ዕጡቕ ኣብ ልዕሊ ዘይኮነ ህዝቢ ክበፅሕ ዝኽእል ጉድኣት ንምቕናስ ዝወሃብ ቅድመ መጠንቀቕታ ኣብቲ ስርሒት ዘምፅኦ ርኡይ ጉድኣት እንተሃልዩ እዙይ ክሕለፍ ይኽእል እዩ ዝብሉ ገለ ውሳነታት እውን ኣለው፣ ብፍላይ መከላኸሊ ሓይሊ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ዓበይቲ መራሕቲ ሓማስ፣ መጥንቀቕታ ከይሃበ ኣብ ዝግብሮ  ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ናብ ኣብያተ ፍርዲ ኣብ ዘምርሑ ጉዳያት፡፡ ከም ሳዕቤኑ እቲ ጥቕዓት ብሃንደበት ብምውሳዱ ዘምፅኦ ልዑል ወተሃደራዊ ረብሓ ከምዘለዎ ብዝግባእ ብምርኣይ (ንኣብነት ልዑል ወተሃደራዊ ሓላፊ ዒላማ ንምግባር፣ ወይ እውን ፀላኢ ብዘይገመቶ ቦታን ሰዓትን ናብ ልዑል ረብሓ ዝህብ ዒላማ ብምፅጋዕ፣ እሞ ቅድመ መጠንቀቕታ እንድሕር ክወሃብ ኮይኑ እቲ ስርሒት ዝፈሽል እንተኾይኑ፣ ብዘይምጥንቃቕ ዝውሰድ ስርሒት ዋላ ኣብ ሲቪላውያን ጉድኣት የብፅሕ ሕጋዊ ዝኾነሉ ዕድል ኣሎ፡፡    

እዚ ሓተታ ናብ ከተማታትት እንትንምልሶ፣ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ፀላኢ ዝዓረደላ ከተማ ውግእ ንኸይውላዕ ዝኽልክል ሕጊ የለን ማለት እዩ፡፡ እዚ ማለት ግን ሙሉእ ኸተማ ከም ዒላማ ተወሲዱ ብሓፈሻ ክድብደብ ማለት ኣይኮነን፡፡ ፀላኢ ዘለዎም ቦታታት ጥራሕ እዮም ከም ዒላማ ክውሰዱ ዝኽእሉ፡፡

ብተወሳኺ ሲቪላውያን ዒላማ ክኾኑ ኣይግባእን ክበሃል ከሎ፣ ሓደ ሰብ ሲቪል ኮይኑ ክሳብ ዝቐፀለ ጥራሕ ዝህሉ ከለላ እዩ፡፡ ማለት እውን ምትኳስ ሓዊሱ ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ክገብር የብሉን ማለት እዩ፡፡ ኣብዚ ኸይዲ ንዝሳተፍ ኣካል ግን ልክዕ ከምቲ ካሊእ ስሩዕ ኣባል ሓይሊ ፀላኢ ዒላማ ይኸውን፡፡ እዙይ ግልፂ እዩ፡፡ 

እንተኾነ ግን ብፍላይ ኣብ ናይ ከተማታት ዂናት ልሙድ ዝኾነ፣ ሓደ ሲቪል ሰብ ናብ ሓይሊ ወገን ቶኲሱ እንተሃዲሙን ድሕሪ ግዜ እንድሕር ደኣ ተታሓዙን ከም ወተሃደራዊ ዒላማ ተራእዩ ስጉምቲ ክውሰደሉ ኣይኽእልን፡፡ መሰል ዘይብሉ እናሃለወ ኣብ ዂናት ብምስታፉን፣ ካልኦት ንዝፈፀሞም ገበናትን ግን ይሕተት፣ ልክዕ ከም ካሊእ ጥርጡር ገበን፡፡ ኣብዚ ሲቪል መን እዩ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ብዙሕ ሕጋዊ ትንታነ ዘድልዮ እኳ እንተኾነ ብሓፂሩ ንሓይሊ ወገን ኣብ ዝረኣየሉ ህሞት ወተሃደራዊ ክዳን ዘይገበረ ግን ዝተዓጥቀን ኣብቲ ረፅሚ ዝሳተፍን ወይ እውን ዕጥቁ ብግልፂ ንዘይምርኣይ ዝሞከረን (ከከም ኩነታቱ መንነቱ ንምቕያር ዝሞከረ) ዝብል ሓፈሻዊ መለክዒ ክንወስድ ንኽእል፡፡ እዙይ ከምዚ ኢሉ እንተሎ፣ እቲ ሰብ ስሩዕ ኣባል ናይ ፀላኢ ሓይሊ እንተኾይኑ እሞ ሲቪል ንምምሳል ሙከራ እንተዘይኣርእዩ ምሩኽ ዂናት ኮይኑ ክሳብ እቲ ግርጭት ደው ዝብል ብእሱር ክተሓዝ ይኽእል፡፡ ኣብ ግጭት ብምስታፍ ዘይኮነስ (እዚ መሰል ናይ ሓደ ወተሃደር ስለዝኾነ) ኣብ ከይዲ ዝፈፀሞም ገበናት ኲናት እንተሃልዮም ግን ብልክዑ ተሓታቲ ይግበር፡፡   

ንምጥቕላል ዝኣክል ከተማታትን ካልኦት ህዝቢ ዘለዎን ከባቢታትን ጥቕዓት ክኽፈተለን ኣይኽእልን ዝብል ፍፁማዊ ሕጋዊ ክልከላ የለን፡፡ ሓይሊ ፀላኢ መሊኡ እንተዘይወፂኡን ካልኦት ካብቲ ከተማ ዝለዓሉ ወተሃደራዊ ትንኮሳን ጥቕዓትን ክሳብ ዘሎ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ምውሳድ ይከኣል እዩ፡፡ ኣብዚ ኸይዲ እዚ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውያን ክበፅሕ ዝኽእል ጎናዊ ሓደጋ ንምክልኻልን ወይ ምቕናስ ኣብ ህልዊ ኹነታት ዝተደረኸ ሓበሬታ ክንዲዝተኻእለ ብምስብሳብን ዝርከብ ወተሃደራዊ ረብሓን እዚ ስዒቡ ክመፅእ ዝኽእል ሓደጋን ብምንፅፃር፣ ከም መስርሕ እውን ሲቪላውያን ካብቲ ቦታ ንኽርሕቑ ዕድልን ቅድመ መጠንቀቕታ ብምሃብን ክፍፀም ኣለዎ፡፡ እዚ ኸይዲ መዝጊብካ ምሓዝን እንተተኻኢሉ እውን ብፍላይ ማሕበረሰብ ዓለም ክፈልጦ ምግባርን ልዑል ጥቕሚ ኣለዎ፡፡ 

ኣብ መወዳእታ ሓደ ተጋጣሚ እዞም ሕግታትትን ክልከላታትን ብምምሕልላፉ፣ እቲ ካልኣዋይ መጋጥምቲ እውን ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ንኽወስድ ከምዘየኽእል ምዝኽኻር ኣድላዪ እዩ።

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT