Connect with us

መግለፂ

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

Published

on

ንስርዓት ኢሰይያስ ዝኣሊ ሓዱሽ ህዝባዊ ሓይሊ ተላዒሉ

ኤርትራ ሃገርና: ብሰንኪ እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ቃራና መንገዲ ትርከብ። ህዝብና ኸኣ ኣብ ከቢድ ማሕበረ-ቁጠባዊ: ፖለቲካዊን: ወተሃደራዊን ቅልውላዉ ይርከብ፡፡ ህዝብና ካብ’ቲ ኣትይዎ ዘሎ ኣዚዩ ከቢድ ኩነታትን ናይ ምጽናት ሓደጋን ንኽወጽእ ኣብ ቀጻሊ ቃልሲ ይርከብ። ከም መቐጸልታ ብሙሉእ ሓይሉ ነቲ ስርዓት ቦርቑቑ ንምልጋስ ዘተኮረ ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ዝተባህለ ምንቅስቓስ ከም ዝተተኸለ ንህዝብና ነበስር።

ናይ’ዚ ህዝባዊ ሓይሊ ቀንዲ ዕላማን ራኢን ህዝብን ሃገርን ምድሓን። ህዝብና ንሓዋሩ ብሓርነት ኣብ ጎደና ሰላም: ደሞክራስን ምዕባለን ንኽምርሽ ተኽእሎ ምፍጣር እዩ። ነዚ ክዉን ንምግባር: ንስርዓት ኢሰይያስ ብቕልጡፍ ብምእላይ ኣብ ኤርትራ ንኩሉ ዝሓቖፈ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣቑምካ: ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ እዩ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ካብ ንጥፋት ውልቀሰባት: ሚድያ ጉጅለታት: ቤርጌሳውያን ማሕበራትን ፖለቲካውያን ሓይሊታትን ዝቕመ ኣብ ውሸጢን ኣብ ወጻእን ኤርትራ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ሃገራዊ ሓይሊ ዝፈጠረ: ገና’ውን ብተሳትፎን ዋንነትን ኩሉ ህዝቢናን ፖለቲካዊ ሓይሊታትን እንዳ ሰፍሐን እንዳ ዓበየን ዝኸይድ ዘሎ ናይ ለውጢ ሓይሊ እዩ።

ናይ ኤርትራ ህላዉነት ከም ሃገር ብዘኽብርን ብዘርብሕን መንገዲ: ምስ ኩሎም ህዝቢታት ጎረባብትን ዓለምን: ብፍላይ ከኣ ምስ ህዝቢ ትግራይ ብምሽራኽ: ነቲ ጸረ ህዝቢ ኤርትራ ዞባናን ዓለምን ኮይኑ ዘሎ ስርዓቲ ኢሰይያስ ብቕልጡፍ ክእለ ይጽውዕ።

በዚ ኣጋጣሚ: ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ: ነቲ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን መንፈቕን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጸሞን ዝፍጽሞን ዘሎ ገበን ዘርኢ ምጽናት: ናይ ኩናት ገን: ከምኡ’ውን ናይ ንብረት ምዕናውን ምዝማትን ብትሪ ይኹንን።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ: ህዝቢ ትግራይ ካብ’ቲ ዘለዎ ከበባን ዕጽዋን ንኽወጽእ ከምኡ’ውን መሰል ርእሰ ውሳኔኡ ንኽረጋገጸሉ ሓቢሩ ይቃለስ። እዚ ምንቅስቓስ ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ኤርትራ: ትግራይ: ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ኩሎም ጎረባብትናን ዘላቒ ዕርቅን ሰላምን ክሰፍን እጃሙ ከበርክት እዩ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ: ኣብ’ዚ ወሳኒ እዋንን መድረኽን: ህዝብና ነዚ ቃልሲ ክትሳተፎን ብኹሉ ክትድግፎን ንጽዉዕ። ተቓወምቲ ሓይሊታት’ውን እቲ ንህዝብኹምን ሃገርኩን ዘለኩም ሰናይ ባህጊን ድሌትን ኣብ ሃገርና ተመሊስኩም ከተተግብሩ ክትክእሉ: ሓቢርና ጸላኢና ንኣልየሉ እዋን ሕጂ ምኻኑ ከነተሓሳስብ ንደሊ። ኩሎም ናይ ግዳም መሻርኽትና ከኣ ዝከኣሎም ክሕግዙና በዚ ኣጋጣሚ ጻውዒትና ነቕርብ።

ፈልሲ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ

21 ምያዝያ 2022

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT