ትንተና

ኲናትን ብርሰት ሃፍቲ ተፈጥሮን ከባብን:- ትምህርቲ ካብ ሕሉፍ መጠንቀቕታ ንመፃኢት ትግራይ 

Published

on

ብ ሙሉጌታ ገብረማርያም

መሬት ትግራይ ቅድሚ ክልተን ሰለስተን ክፍለ ዘበናት ኣቢሉ ብ ሕርሻዊ እቶቱ ዝደንፍዐ ንነበርቱ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ዝተመጣጠነ ስርዓት ኣመጋግባ ከቕርብ ዘኽእል ምህርቲ ዝሕፈሶ ሰፊሕ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝወነነ ልሙዕ መሬት ምንባሩ መዛግብቲ ታሪኽ የረድኡ። ከም ወዮ ወረርትና ዝብሉዎ ኣኽራናትን ሜዳታትን ትግራይ ተፈጥሮ ዝበደለቶም፣ እንትርፊ እምንን በለስን ብዕሩቖም ዝተፈጠሩ ድርቅን ሓርሪን ዝመፍለይኦም ገይሩ ዝሓስብ ምናልባት ዝተገረሀ ሰብ እንተሃሊዉ ምልስ ኢሉ ታሪኽ ክምርምር ይምከር። 

ኣብ መወዳእታ 18 ክፍለ ዘበን ናብ ትግራይ ዝተጕዓዘ ስኮትላንዳዊ ዳህሳሲ ጀምስ ብሩስ ኣብ እቲ እዋን ይነብሩ ዝነበሩ ተጋሩ ሓረስቶት ምንም ዓይነት መሰሰኒ ምህርቲ (ድዅዒ) እንተኢተጠቐሙ ኣብ ዓመት 3 ግዜ የምርቱ ምንባሮምን ኣብ እዋን መገሽኡ እቶም ሓረስቶት ናይ ሃፋትም ቍመና ሒዞም ከም ዝቐረብዎን ፅሒፉ እዩ። ካልእ ናትናኤል ፒርስ ዝተብሃለ ፅሓፊ ድማ ብ 1820ታት ዓምፈ ናብ ትግራይ ተጓዒዙ ጥቓ  ዓድዋ ብደኒ ዝተሸፈነ ምንባሩን ኣብኡ ብጣዕሚ ብርክት ዝበሉ ሓራምዝ ከም ዝርኣየን ይምስክር። ይኹን ድኣ እምበር ብ ድሕሪ እዚ 40 ኣብ ዘኢይመልኡ ዓመታት ናብ ዓድዋ ዝተንቀሳቐሰ ብ ጀነራል ናፒር  ዝተመረሐ ሰራዊት ኢንግሊዝ ኣብ እቲ ከባቢ ን መዘርግሒ መስመር ቴለፎን ዝዀን ዕንፀይቲ እኳ ከም ዘኢረኸበን ገባራት ካብ ቤቶም ቈሪፆም ዘቕረብሉ ኣእዋም ንምግዛእ ከም ዝተገደደን ሓቢሩ እዩ። 

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ድሕረ ባይታ  ዘድለየሉ ቀንዲ ምኽንያት ተፈጥሮ ን ትግራይ ዘልበሰታ ፀጋታታ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናተመናመነ ንክመፅእ  ምድረ ሰማይ ትግራይ እላሽዑ ዓውደ ኲናት ብ ምዃኖም ዘኸተሎ መዘዝ ከም ሓደን ዋናን ምኽንያት ስለ ዝጥቀስ እዩ። “ኲናት ዘስዓቦ ስፍሓትን ዕምቈትን ብርሰት ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ካበይን ናበይን እዩ?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ ኣብ እዚ ርእሲ ኣድሂቡ ዝተገበረ መፅናዕትታት ምምርማርን ከምኡ እውን ተወሳኺ መፅናዕቲ ምክያድን ዘድልይ እኳ እንተዀነ፡ መሬት ትግራይ ብቐደሙ ልሙዕን ሃፍታምን ነይሩ እንተብቅዕ ከመይ ኢሉ ናብ እዚ ደረጃ በፂሑ ኢልኻ ምትንታን ግን ንቐፃሊ ኣንፈትና ወሳኒ እዩ። ድሕሪ ኲናት ትግራይ ኣብ ዝህልው   ዕማማት ዳግመ ህንፀት ሓደ ርእሱ ዝኽኣለ ዓውዲ ስራሕን ምርምርን ክዀን እውን ትፅቢት ይግበር። 

ቀንዲ ዕላማ እዚ ፅሑፍ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተኣወጀ ኲናት፡ ሂወት ሰብ ጥራይ እንተኢዀነስ ተፈጥሮ ንመሬት ትግራይ ዝዓደለታ እፅዋት ፣ ኣግራብ ፣ እንስሳት ዘገዳምን ሓረስታይ ትግራይ ፆሙ ውዒሉ ዘሕወዮን ዝዓቀቦን ሃፍቲ ተፈጥሮን እውን የፅንት ምህላው ንምዝኽኻር እዩ። ብእኡ ኣቢሉ እውን ኣብ እዚ ዓውዲ ቕርበት ንዘየብሉ ትግራዋይ ፅዕንቶ ኲናት ኣብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ክሻብ ክንደየናይ ምዃኑ ንምምልኻትን ከም ህዝቢ ንቕድሚት ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከም ዝፅበየና ንምእማትን እዩ።

 ትግራዋይ ትንፋሱ ዘሕድረላ ዝትልሓስ ዝትቝርጠም ስኢኑ በቢ ምዓልቲ ከም ቈፅሊ ይረግፍ ኣብ ዝሃለወሉ እዋን፣ እዚ ዛዕባ ከም ሓደ ርእሲ ወሲድኻ ምፅሓፍን ምዝታይን “ን ኣፈንያ ዘየብለን ቐጠምጠምስ ን ርእሰን ሻሽ መጠምጠም” ክመስል ይኽእል ይዀን። ይዅን ድኣ እምበር ትግራይ ከም እቲ ሐዚ ዘላቶ ኰና ኣይክትነብርን እያ። ምውግሑ ዘኢይተርፍ እዩ። ብሳላ ደቃ! ስለ ዝዀነ ን እዚ ሽግር ተረዲእኻ ንመፃኢ ብኣጋ መፍትሒ ንምንዳይን እንተንኣሰ ሓደ ካብ ዛዕባታትና ክንገብሮ ግቡእ ይመስለኒ። 

ፀጋታት ተፈጥሮ ትግራይ ንምንታይ ዕላማ ፀላእቲ ይዀኑ?

ኣብ ትግራይ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ካብ ዝተሰርሑ ከም ህዝቢን መንግስትን ካብ ዝንሕበነሎም ዕውታት ስራሕቲ ሓደ ክንክን ኣግራብ ፣ ዕቀባ ሐመድን ማይን ብእኡ ኣቢሉ ድማ ኣብ ሓለዋ ኵለ መዳይ ሃፍቲ ተፈጥሮ እዩ። ኣብ እዚ ዓውዲ ዝተዓመሙ ኣድማዕቲ ዕማማት ብዋናነት ዝጥቀሱ ብምዃኖም ብዙሓት ኣካላት ኮላይ ዓለም ለኻዊ ትካላት ዝሰማምዕሉሉ ሓቂ እዩ። እዚ ዕውት ስራሕ እዚ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መነባብሮ ህዝብና ካብ ምምሕያሽ ሓሊፉ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ኣፍልጦ ክሻብ ምርካብ ዝበፅሐ “የዕብየለይ” ዘብል ዕማም እዩ። 

ኣብ ክሊ ዕማም ሕውየት ሃፍቲ ተፈጥሮ፡ ገባር ትግራይ ጕልበቱን ግዜኡን ኣፍሲሱ ሓለዋ ከባቢን ሃፍቲ ተፈጥሮን ከም ሓደ ሰናይ ባህሊ ሓረስታይና ኰኑ ክቝፀርን ክጕልብትን ኣኽኢሉ እዩ። ከባቢኡ ፅቡቝ ገይሩ ዝዕዘብ ኣብ ተፈጥሮ ከባቢ ኣሉታዊ ተፅዕኖ ዘሕድሩ ሰብ ሰራሕ ይዅኑ ተፈጥሮኣዊ ምንቅስቓሳት መሚዩ ዝፈልጥን ብንቕሓት ዝከታተልን ሓረስታይ እዩ፡ ሓረስታይ ትግራይ። እምብኣይ ኸሳይ እዚ ሓደ ካብ ክብርታት ትግራይ ናብ ምዃን ዝዓበየ ብእወታነት ከባቢና ክትፀልው ዝጀመረትን ፃዕርን ዘኢተሓላልነትን ህዝብና ዝመሰረቱ ርቑሕ ተግባር “100 ዓመት ንድሕሪት ንምምላስ” ኣብ ምሕዋይ ዝነበረ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ዕላማ ፀላእትና ምዃኑ ዝገርም ኣይኰነን። ሕሉፍ ታሪኽና ዝነግረና እውን ንሱ እዩ። 

ደራስን ጋዜጠኛን ነጋ ዘርኡ ብ 1992 ክሳብ 1993 ዓም ወራሪ ሰራዊት ሻዕብያ ከባቢታት ትግራይ ተቘፃፂሩ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ነዊሕ ዝዕድመኦም ከም ፀጋ ዝቝፀሩ ኣእዋም ዘልዒፉ ናብ ኤርትራ ኣግዒዙ ፣ ድፋዕ ሃኒፁሎምን ዝተረፉ ድማ መሳወሪ ሓዊ ከም ዝገበሮምን “ቅድመ-ግንባር” ኣብ ዝተሰመየ መፅሓፉ ብመርዳእታ ፎቶ ደጊፉ ሰኒዱ እዩ። ሎሚ ኣብ ስደት ዝነብር እብ እቲ እዋን ወራር ኣባል ሰራዊት ኤርትራ ዀይኑ ዝተሰለፈ ኤርትራዊ፡ መሬት ትግራይ ወሪሮም ኣብ ዝሓዙሉ እዋናት ማእለያ ዘየብሎም ብፃዕርን ድኻምን ገባር ትግራይ ተዓቂቦም ንዓመታት ዝዘለቑ ኣግራባት ዀነ ተባሂሉ ብሰራዊት ኤርትራ ክበርሱ ይግበር ከም ዝነበረ ምስክርነቱ ቅድም ኢሉ ብ ዩቱብ ኣብ ዝተዘርግሐ መልእኽቱ  ገሊጹ ነይሩ እዩ። ኣብ እዚ ናይ ሎሚ ወራር እውን እንተዀነ ወታደራት ኤርትራ ዝለመዱዎ ካብ ምግባር ዓዲ ኣይውዓሉን። ኣብ ከባቢ ዓዲ ዳዕሮ ዝነበረ ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ወታደራት ኤርትራ ምስ ላዕለዋይ ኣዛዚኡ  ካብ ዝገበሮ ርክብ ኣብ ዝተሰመዐ ድምፂ ”እዚ ዓየ ዝብሃል ገረብ ምሽ ኣሎ … ነዋሕቲ ከም እዚ ባላ ዝዀን … ናይ ዓራትን ናይ ሳሎንን ነዋሕቲ መምበር … 20 ዝዀን ከምኡ ቝረፅ” ኢሉ ከም መደብ እንተውርደሉ ሰሚዕና እይና።

እዙይ ከም ኣብነት ድኣ ተጠቒሱ እምበር ኲናት ዘንቀሎ ብርሰት ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ መጠኑ ሰፊሕ መልክዑ ብዙሕ እዩ። እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ብግብረ ኽፍኣት ኰነ ተባሂሉ ሞራል ሓረስታይ ትግራይ ብምትንካፍ ክብርታቱ ግሂስካ ንድሕሪት ምምላስ ከም ሓደ ተወሳኺ ፍሉይ ምኽንያት ዝውሰድ ድኣ እምበር ሓደ ኸባቢ ዓውደ ኲናት ብምዃኑ ጥራይ ብቐጥታ ዝበፅሖ ዕንወት ሃፍቲ ተፈጥሮ፡ ኣብ ትግራይ እውን ብተመሳሳሊ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ከም ዝነበረን ከም ትሑዝ ምውሳዱን ክዝንጋዕ የብሉን። 

ዘመናዊት ኢትዮጵያ ካብ ዝትምስረት ናብ እዚ ጥራሕ ዘካየደቶም ተደጋገምቲ ውግኣት ፡ ብፍላይ ካብ እቶም ኣንጻር ባዕዳውያን ወረርቲ ሓይልታት ዝተገብሩ፡ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝተገበረ ውግእ እንተሊዉ እቲ ምስ ስያድ ባሬ ናይ ሃገረ ሶማል ዝተገበረ ውግእ ጥራይ ይመስለኒ። ትግራይ ኣብ ታሪኽ ብተደጋጋሚ ዓውደ ኲናት ብምዃና ዘስዓቦ ዕንወትን ጥፍኣትን ሃፍቲ ተፈጥሮ ተጋሩ ብ ሓደጋ ድርቅን ጥሜትን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብ ኣማኢት ኣሽሓት መረበቶም ገዲፎም ክስደዱን ክሃልቁን ኣገዲዱ እዩ። ፕሮፌሰር ጆን ያንግ “Peasant Revolution in Ethiopia” ኣብ ዝብል መፅሓፎም ካብ ዘበነ ንግስና ሃፀይ ዮሃንስ ንድሓር ኣብ ዘሎ እዋና ጥራይ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ወቕታት ንልዕሊ 17 ግዜ ሓደጋ ጥሜት ከም ዘጥቅዓ ይገልፁ።  ኣብ 1880ታት ዓምፈ ብ ወደብ ምፅዋዕ ኣቢሉ ምስ ምእታው ጣልያን ዝተዛመተ ብ ቫይረስ ዝመፅእ ለበዳ ሕማም ጕልሓይ (rinderpest) ከም ኣብነት ምጥቃስ ይክኣል።እዚ ለበዳ ሓማም ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ካብ ዝተርኣዩ ክስተታት ድርቅን ዓፀቦን ሓደ ካብ እቶም ግዱዳት ተባሂሉ ዝእመነሉ ካብ 1889 ክሳብ 1892 ዝጸንሐ ድርቂ ንክኽሰት ምኽንያት ከም ዝዀነን ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣብ ትሕቲ ስሃራ ንዘለዋ ሃገራት ብምጥቃዕ 95% ጥሪት ናይ እቲ ዝተጠቐሰ ከባቢ ከም ዘህለቐን ይንገር። 

ኣሉታዊ ፅዕንቶ ኲናት ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮን መግለፂታቱን

እዞም ካብ እዚ ንታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለው መግለፅታት ምስ እቲ ተርእዮታት ትግራይ ብ ምትሕሓዝ መጠንን ስፍሓት እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሽግር ንምግማት ክጠቅም ብምሕሳብ እዩ ቀሪቡ። ብኣውርኡ ኲናት ኣብ ከይዲ ንዝነበሩ ስራሕቲ ዕቀባን ክንክንን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብ ምትእጕጓል ን ድሕሪት ስለ ዝመልስ  ንተግበርቲ ኣካላት ተስፋ ዘቝርፅን ሞራል ዝትንክፍን ፍፀመ ብ ምዃኑ ዘሕድሮ ስነ ልቦናዊ ፅልዋ ኣዝዩ ልዑል እዩ። እቲ ካልእ መግለፂ ኣብ መንጎ ተጋጠምቲ ኣካላት ዝህልው ልውውጥ ተዅሲ ንዝለዓለ ሞትን ስደትን እንስሳ ዘገዳምን ዘቤትን ምኽንያት ከም ዝዀነ ዝተረጋገፀ ጉዳይ እዩ። 

ካብ ተሞክሮ ካልኦት ሃገራት ንምርኣይ ዝኣክል ከም ፎስፎረስ ዝበሉ ኬሚካላዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ኣፅዋርን ተዛመድቲ ናውቲ ኲናትን ብ ጊዝያውን ብዘላቕነትን ኣብ ልዕሊ መነባብሮ ህያውያን ሃፍቲ ተፈጥሮ ፅልዋ ስለ ዘሕድሩ ዝመፅእ ዓይነት ብርሰት ሰፊሕ እዩ። ንኣብነት ነፈርቲ ኣሜሪካ ኣብ ኲናት ቬትናም ልዕሊ 100 ሽሕ ቶን ዝምዘን ኣቝፅልቲ ኣግራብን እፅዋትን ዘሕርር ኬሚካል ብምንፃገን ን ብዙሕ  ዓመታት ዝፀንሐ ብርሰት ሃፍቲ ተፈጥሮ ከም ዘጋጠመ ዎርልድዎች ዝተብሃለ ትካል ኣብ መፅናዕቱ ሓቢሩ ነይሩ። ከም ውፅኢቱ ድማ ቍፅሪ ናይ እቶም ከም እኒ ሓርሽን ሓራምዝን ዝኣመሰሉ እንስሳት ዘገዳም ብ ምኽንያት ሞትን ስደትን ከም ዝተመናመነ ይሕብር። ኣብ እቲ ኲናት ሓራምዝ ብፍሉይ ድራር ጥይትን ዕላማ ነፈርቲ ኲናት ኣሜሪካን ዝዀንሉ ምኽንያት እቶም ሓራምዝ ብ ሓይልታት ቬትናም ንግልጋሎት መጐዓዓዚ ናውቲ ኲናት ክውዕሉ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ ስለ ዝተኣመነሉ እዩ። እታ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዝርከቡ ጠቕላላ በዝሒ ሓራምዝ እቶም 20% ዝዀ ይከቡላ እዮም ተባሂሉ ዝእመነላ ዝነበረት ሃገር ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንኮ ኣብ እታ ዓዲ ብ ሰንኪ ዝተርኣየ ኲናት ሕድሕድን ምፍንቓልን፡ ቍፅሪ እቶም ሓራምዝ ኣዝዩ ከም ዝተመናመነ ይግለፅ። ብኻልእ መዳይ ኲናት ሕድ ሕድ ኣብ ሩዋንዳ ዘኢሕጋዊ ሃደንን ጕሕለት ዓሌታት እንስሳ ዘገዳም ንክውስኽ ምኽንያት ከም ዝዀነ ከም መርኣይያ ተጠቒሱ እዩ። 

ኲናት ውፅኢት እንስሳት ዘገዳም ዝዀኑ ከም ስኒ ሓርማዝ ዝኣመሰሉ ክባራት ጥረ ኣቑሑ ብወረርቲ ሓይልታት ኣብ ዕዳጋ ቐሪቦም ብናውቲ ኣፅዋርን ሸቐጣት ምግቢን ክልወጡን ብሃደን  ቐጥታ ንምግብነት ፣ ንባህላዊ መድሓኒትን ንገይፅን ክውዕሉ ዝኽእልሉ ጥጡሕ ባይታ እውን ይፈጥር እዩ። ኣረጊት ሰፍእን ውዳእ መዀስተርን እንተኢኣተረፈ ኣራርዩ ዝወሰደ ወታደር ኤርትራ ኰነ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብ ጫካ ቃፍታ ሑመራ ሓርማዝ ምስ ረኸቡ እንታይ ከም ዝገብሩ ምግማቱ ቐሊል እዩ። 

ኣብ ዝምባቡዌ ብ ኲናት ሩዱሽያ ማእኸላት ሕክምና እንስሳ ምዕናወን ስዒቡ ኣብ እንስሳተ ዱር ኰነ ዘቤት ከም ኣንትራክስን ዕቡድ ከልብን ዝበሉ ተላበድቲ ሕማማት ተራእዩን ካብኡ ሓሊፉ እውን ድሕሪ ኲናት ኣብ ዝነበሩ 7 ዓመታት ኣብ ቍፅፅር ክሻብ ዝውዕል ካብ እንስሳት ሓሊፉ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት በቲ ረኽሲ ክልከፉ ምኽንያት ዀይኑን እዩ።  

ብሰሪ ኲናት ዝመዛበሉ ነበርቲ ሓንቲ ሃገር ሂወቶም ንምድሓን ዝዕቈብሎም ቦታታት ፀላኢ ኣየርክቦን ኢሎም ዝግምትዎም ርሑቝ ገጠራትን ተሓዚኦም ዝነበሩ ድሩን ጫካን እዮም። ብርክት ዝበለ ህዝቢ ንነዊሕ መዓልታት ኣብኡ እንትፀንሕ ብዙሕ መልክዕ ዘለዎ ዕንወት ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ የብፅሕ። ንዋቱን ጥሪቱን ዝተዘመተ እሞ ዝበልዖ ዝሰኣነ ተመዛባላይ ትንፋሱ ከሕድር ኣብ ዝተዓቘበሉ ስፍራ ብቐጥታ ንምግብነት ወይ እውን ንመሸጣ ዝውዕሉ ኣካላት እንስሳ ንምርካብ  ሃደን ካብ ምፍፃም ዓዲ ኣይውዕልን። ንመስርሒ ምግቢ ነዳዲ ዕንፀይቲ ምቝራፅ ፣ ንመስርሒ መፅለሊ ኢልካ ደኒ ምብራስ እውን ከምኡ። 

እቲ ኻልእ ብመፅናዕቲ ዝተረጋገፀ ተርእዮ ወረርቲ ሓይልታት ንምንቅስቓስ ክጥዕሞም ምእንቲ ዕጥቅን ስንቅን ንዘጐዓዕዛ ወታደራዊ ተሽከርከርቲ ዘንቀሳቕስ ብጊዝያውነት ዝስርሑ ፅርግያታት ተፈጥሮ ከባቢ ካብ ምርባሹን ምድንጋፁን ብተወሳኺ ቅድሚኡ ዘኢነበረ ዋሕዚ  ሰብን እንስሳን ናብ ሕዙኣት ቦታታት ኣጋዲዱ ተገላፅነቶም ክውስኽ ምግባሩ እዩ። ከም ሳዕቤኑ ምዝመዛ ሃፍቲ ተፈጥሮ የምፅእ። እዞም ዝተጠቐሱ መግለፅታት ከም ኣብነት ዝቐረቡ ድኣ እምበር ልዕል ኢሉ ከም ዝተጠቐሰ ሳዕቤን ኲናት ኣብ ልዕሊ ሃፍቲ ተፈጥሮ መግለፂታቱ ብዙሓት እዮም። 

 እንታይ ይገበር?

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ ሃሰያታት ኲናት ገለ ውሑዳት ክንመልሶም ዘኢንኽእል በሰላ ገዲፎሙልና ዝኸየዱ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ዝንኽእሎን ካብ ቍፅፅርና ወፃኢ ኣብ ዘኢነን እይና ክንስርሕ ዝግብኣና።  ብ እዚ መሰረት ኣብ ትልምታት ሓፂርን ነዊሕን ግዜ እንታይ ክግበር ኣለዎ ኣብ ዝብል ዝመስለኒ ብሓፂሩ ኣቐሚጠ ፅሑፈይ ክዛዝም። 

  • ብወገን መንግስቲ ትግራይ ክበረታታዕ ዘለዎ ጐናጐኒ መኸተ ብውሱን መልክዑ ዝስርሑ ዘለው ህዝቢ ዘሳተፉ ጅማሮታት ስራሕቲ ዕቀባ ኣግራብ ፣ ሓመድን ማይን ተጠናኺሩ ክቕፅልን ኣብ ዘኢተጀመረሉ ከባቢታት እውን ክጅምሩ ምግባርን
  • ሐዚ ኣብ ዘኢመለአ ንህዝብን ንሰብ ሞያ ሃፍቲ ተፈጥሮን እናንቃሕኻን ሰብ ሞያ ሓለዋ ከባብን ተፈጥሮን እናበራበርካን ምፅናሕ ወሳኒ እዩ። እቲ ናይ ምዕቃብን ክንክንን ስራሕ ድሕሪ ኲናት ብዕቱብ ከም ዝስርሐሉ ንተዋሳእቲ ኣካላት ተስፋ እናውሃብካን እናወደብካን ምፅናሕ ፣ ጐናጐኒ ዓቕሚ መዕበዪ ስልጠናን ካልእ ኣድላዪ ሓገዝ ክርከበሉ ዝኽእል መገዲ ምንዳይን
  • መፅናዕትታት ከም ዝሕብርዎ ድሕረ ኲናት ኣብ ዘለው ውሱናት ዓመታት እውን እንተዀነ መሓውራት መንግስቲ ናብ ቦትኦም ተመሊሶም ክሻብ ዝድልድሉን ኢሉ እውን መንግስቲ ናብ ካልኦት ዋኒናት ስለ ዘትኵር እሞ ጉዳይ ሓለዋ ተፈጥሮ ኣቓልቦ ስለ ዝስእን ጠልቆምቆም ገለ ገለ ሓለፍቲ ተወሲኽዎ ዕንወትን ጉሕለትን ሃፍቲ ተፈጥሮ ካብ እቲ ኣብ እዋን ኲናት ዝነበሮ መጠን ብሓያል ናህሪ ክውስኽ እዩ ተራእዩ። ስለ ዝዀነ እዚ ኵነታት ኣብ ትግራይ እውን ከጋጥም ምዃኑ ተኣሚኑ ድሓር ንዝፍጠር ደንገርገርን ምዝንጋዓትን ብጋንኡ ምድላው የድልይ። 
  • ህዝቢ ፣ መንግስታውን ዘኢመንግስታውን ትካላትን ኣብ እዚ ዓውዲ ዝወፈሩ ዓለም ለኸዊ ትካላትን ምናዳ ኣብ ምዕባይ ዓቕሚን  ምቕራብ ቴክኒካዊ ሓገዛትን ተዋዲዶም ዝሰርሕሉ መንገዲ እናመቻቸውካ ምፅናሕ ኻልእ ወሳኒ ጉዳይ እዩ። 
  • ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝቈፃፀሮም ኣብዝሓ ክፋላት ትግራይ ዘለው ተመዛበልቲ ከምኡ እውን ኣባላት ሰራዊት ትግራይ፣ ኣብ ሃገር በቈል ዝዀኑን ናብ ምፅናት ዝቐረቡን ዓሌታት ኣግራብ ጥቡቝ ጥንቃቐ ክገብር ምኽርን ማዕዳን ምግባር ፣ ብኣንፃሩ ከም ናይ መወዳእታ መማረፂ ቀልጢፎም ኣብ ዝባፅሑን ብፍላይ “እንደጂኒየስ” ዘኢኰኑ ተስፋሕፋሕቲ (invasive) ዓሌታት ኣግራብ ክጥቀሙ ከም ጊዝያዊ መፍትሒ ክውሰድ ምግባርን ንፅባሕ ዘኢይብሃል ዋኒን ኵሉ ትግራዋይ ክዀን ኣለዎ። 

ሙሉጌታ ገብረማርያም

ባዓል ሞያ ስነ ከባቢ እዩ። ቅድም ኢሉ ኣብ ባዓል ስልጣን መንግድታት ኢትዮጵያ ይሰርሕ ነይሩ። ሀዚ ኣባል ሰራዊት ትግራይ እዩ። ኣብ ትዊተር፦@weddigerea

 

1 Comment

  1. Ashenafi Andebirhan

    May 27, 2022 at 9:37 pm

    እዚ ፅሑፍ፣ ኣብ ፀልማት ኮይኑ ብርሃን ዝኹልዕ፤ተስፋ ዘስንቅ፤ ንነዊሕ ዝአመተ፤ ኣብ ዳግመ ህንፀት ሃገረ ትግራይ ዕዙዝ እጃም ዘወፍይ ኮይኑ ረኺበዮ አለኹ።
    ንፀሓፊ ሓዉና ሙሉጌታ ገብረማርያም ብርዒ የሰስን እንዳበልኩ፣ ኣብ ቀፃሊ ተመሳሳሊ ረብሓ ዘለዎም ፅሑፋት ከበርክተልና እላቦ።
    ትግሃት ‘ወን ስለእቲ ዘይተሓለለ ፃዕርኹም አመስግን!!❤🙏

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Exit mobile version