Connect with us

መርገፂ

ውናት፦ኲናት ናጽነት ትግራይ፡ መን ብኸመይ የዐውቶ?

Published

on

እዚ ዝይስዕብ ሰነድ፡ ብ ውድብ ናፅነት ትግራይ (ውናት) ብ ሚዝያ 2014 ተዳሊዉ፡ ኣብ ፎልደር ጕጕል እቱ ውድብ ዝተፈነወ እዩ። እቱ ሰነድ፡ እቱ ውድብ፡ ህሉው ኵነታት ቃልሲ ትግራይ ዝዳህሰሰሉ፥ መፍትሕታት ዝበሎም ዘቐመጠሉ እዩ።

1. ኲናት ናጽነት ትግራይ ዝርከበሉ ሃዋህው 

እነካይዶ ዘለና ኲናት ብኹሎም መለክዕታት ናጻን ሉእላዊትን ሃገር ንምግሃድ ዝሳለጥ ዘሎ ቃልሲ ናጽነት እዩ። ኣጋጢሙና ዘሎ ሓደጋ ከም ህዝቢ ኣብ ነዊሕ ታሪኽና ካብ ዝተፈጠሩ ዕድልና ናይ ምውሳን ተኽእሎ ካብ ዝነበሮም ኣጋጣምታት፤ እቲ ዝለዓለ ነጥቢ መቐይሮ ዝሓዘለ ታሪኻዊ ምዕራፍ ክበሃል ዝኽእል እዩ። ዋላ እውን ትግራይ ከም ብሄር እትውንኖ ታሪኽን ባህግን ከምኡ እውን ታሪኻዊ ኣመጻጽእኣን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዝምድናን ንገዛእ ርእሱ ሃገር ክትከውን እኹል ምኽንያት እንተኾነ፤ ድሕሪ ወራር ጥቅምቲ 24/2013 ዝተፈጠሩ ምዕባለታትን ሕቶ ሃገርነት ትግራይ ምሉእ ዘይጉዱል ሞራላውን ሕጋውን ምኽንያታት ፈጢሮም እዮም። ይትረፍ ግልጺ በደል ዘርኢ ምጽናት ተፈጺሙና፤ “ሃገርና” እትበሃል ትካል ናይ ደገ ሓይልታት ኣኪባ ክትወረናን ክተጽንተናን ምኽኣላ ንገዛእ ርእሱ፤ እነሳልጦ ዘለና ኲናት ብምግሃድ ሃገረ ትግራይ ክንዛዝሞ ፍትሓዊ ይገበሮ። 

እዚ ከምዚ እናሃለወ፤ ሕዚ እነሳልጦ ዘለና ኲናት ምእንተ ናጽነት ምዃኑ ብግልጺ ኣየፍለጥናን ዘለና። ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ብፍላይ ድማ ኣብ ደገን ውሽጥን ዝነብር ሊቅ ትግራዋይን ኣውራ ዝበሃሉ ተቓወምቲ ብሄራውያን ውድባትን ዕላማ ኲናት ትግራይ ንናጽነት ምዃኑ እንተተሰማምዑ እኳ፤ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ግና ክሳብ ሕዚ ዕላማ እቲ ኲናት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ምእላይን ስልጣን ፌደራል መንግስቲ ምምቓልን ከምዝኾነ እዩ መርገጺ ሒዙ ዘሎ። ከምዚ ዝበለ መርገጺ ድማ ህዝባዊ ተጋድሎና፤ ፓለቲካዊ፣ ዲሎማሳውን ወትሃደራውን ደውታ ከጋጥሞ ምኽንያት ኮይኑ እዩ።  

ህወሓት ብስም ዘይነጸረ “መሰል ርእሰ ውሳነን ሪፈረንደምን” ዝብል ዘረባታት ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ናብ ምምቓል ስልጣን ኣዲስ ኣበባ ክወስዶ ሰለዝወሰነ ከዓ፤ ካብ 21 ሰነ/2013 ክሳብ መፈለምታ ታሕሳስ 2014 ኣብ ዝነበረ እዋናት፤ ንህዝባዊ ተጋድሎ ትግራይ ብዓብላላይነት ብዘይ ትርጉም ዘለዎ ህዝባዊ ተቓውሞ በይኑ ክዝውሮ ፈቲኑ እዩ። ካብ ጥርን ለካቲትን ንደሓር ግና ህዝብን ሰራዊትን ኣብ ኣካያይዳ እቲ ኲናት ሕቶ ከልዕሉ ተገዲዶም እዮም። ቀንዲ በዓል ዋና እዚ ህዝባዊ ኲናት ዝኾነ ሓፋሽ ህዝብን ሰራዊትን ኣብ መስርሕን ኣመራርሓን እቲ ኲናት ዘልዕሎም ዘሎ ኣውራ ኣውራ ሕቶታት ቀጺሎም ዘለው እዮም፦ 

  • ዕላማ እቲ ኲናት ንምስረታ ሃገርነት ክኸውን እናተገብኦን ብንጹር ቅዋም ክተሓዘሉን እናተገበአ፤ ህወሓት ሰለምንታይ ክሳብ ደብረብርሃን ብዘይ ንጹር መርገጺ ኣኽሳሪ ውግኣት ክነካይድ መሪጹ? o ናይ ባዕልና ሃገር ክንውንን ናይ ግድን ምዕራብ ትግራይ ነጻ ኣውጺእናን ዝተፈናቐለ ህዝብና ናብ ቦትኡ መሊስናን ምስ ዓለም ክንራኸብን ንመኸተና ዝኸውን ዕጥቅን ስንቅን ክረክብን እናተገብአ፤ ክሳብ መዓስ እዩ ንዕጽዋን ክባን ካብ ኣዲስ ኣበባ ፍታሕ እናለመና ንነብር? 
  • ዕጽዋን ክባን መዓስ እዩ ክውዳእ፤ ስርዓት ኢትዮጵያ ብሽም ሰብኣዊ ሓገዝ ዘይረብሕ ረድኤት እናለኣኸ ኣብ ደውታ ከንብረናን ኣረብሪቡ ከፍርሰናን እናሓሰበ፤ ሰለምንታይ ባዕልና ዕጽዋን ክባን ዝሰብሩ ናይ ውሽጢ ቁጠባ ዘነቓቕሑ መፍትሕታት ዘይነምጽእ?  
  • ህዝቢ ተጸጊሙ እናሃለወ ኣብ ክንዲ ፍታሕ ምቕራብ፤ ኣካላት መንግስትን ገለ መሻርኽቶም ነጋዶን ነቲ ዕጽዋን ክባን ከም ሽፋን ተጠቒሞም በዝባዚ ንግድን ምሕደራን እናሳለጡ፤ መንግስቲ ንምንታይ ስቕ ይብል?  
  • ዕላማ ቃልስና ይነጸር እንተዘይኮይኑ ንምንታይ ከምንጋደል ኣይተረድአናን?
  • ፍትሒ ይጠፍእ ኣሎ፣ ቅድሚ ኲናት ህዝቢ ዘበሳብሱ ዝነበሩ ኣሰራርሓታትን ኣመራርሓን ንምንታይ ተመለሶም ሕዚ ተመሳሳሊ ጸገም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክድገሙ ተደልዩ?  
  • ብፍቓድና እናተጋደልና እናሃለና፤ ሰለምንታይ ግዱድ ምስላፍን ማእሰርትን ይመጽእ? ወለዲ ደቅኹም ኣይተጋደሉን ተባሂሎም ክእሰሩ ኸ መን እዩ ዝእዝዝ ዘሎ?  
  • ብሽም መኸተ ዝሳለጡ ዘለው ማእሰርቲ፣ ኣድልዎን በደልን፣ ስርቅን ምዝመዛ ጥሪትን ቀለብን ህዝቢ መን እዩ ሓላፍነት ዝወሰደሎም? ሰለምንታይ ከ ከምዚ ዝበለ ናይ ጸላኢ ተግባር ብናህና ንብሎም ኣካላት ኣብ ልዕሌና ይፍጸም ኣሎ? 
  • ምእንተ ትግራይን ህዝብናን ኢልና በረኻ ወጺና ክነብቅዕ፤ ኣብ ሰራዊት ዘለዉ ገለ ኣመራርሓን ናይ ገዛኢ ውድብ ካድረታትን ግና ወግሐ ጸብሐ ናይ ህወሓት ሰራዊት ከምዝኾና ከእምኑና ከምኡ እውን ብዘይድሌትና ወያናይ ዴሞክራሲ ዝበሃል ስነ-ሓሳብ እቲ ውድብ ከምህሩና ይፍትኑ፤ ንምንታይን ከመይን? ሰራዊት ትግራይ ከመይ ኣቢሉ መፈጸሚ ዕላማ ሓደ ውድብ ይኸውን?  
  • ኲናት መዓዝ እዩ ክውዳእ፤ ኩሉ ነገር ተዓጻጽዩ ኲናት መወዳእታ ዘይብሉ ዝቕጽል እንተኾይኑ፤ ከመይ ኢልና ኢና ክነብርን ክንምክትን እንኽእል? ንመኸተና ዓንቃፍን ንቐጻሊ ድማ ውሽጣዊ ሓደጋ ክፍጠር ዶ ኣይኽእልን?  
  • ምስ ገንዘብና ንጠሚ ዘለና፤ ትግራይ ካብ ተጸባይነት ወጽያ ባዕላ እትውንኖ ኣገልግሎት ባንክን ቴሌኮምዩኒኬሽን ዝዝርገሐሉ መፍትሒ ክርከብ ንምንታይ ዘይተሰርሐ? 
  • መንግስቲ ትግራይ ኣብ ልዕሌና ብጸላእቲ ተነቢሩ ዘሎ ክባን ዕጽዋን ንፓለቲካዊ መኽሰብ ዝጥቀመሉ ዘሎ ይመስል፤ ምኽንያቱ ሓደ ሰፊሕ ብዝበዛ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እናተፈፀመ ትርጉም ዘለዎ መፍትሒ ንምምጻእ ተግባራዊ ምንቅስቓስ የለን፣ ካልኣይ ኩሉ ጸገማትና ናይ ደገ ጥራሕ ከም ዝኾነ ብምስባኽ ውሽጣዊ ዕጽዋና ከይንርእን መፍትሒ ከይግበረሉን ዝገብሩ ኣካይዳታት ብቐጻልነት ኣለዉ፣ ሳልሳይ ክሳብ ሐዚ ዝተወሰዱ ግብራዊ ሕጋውን ምምሕዳራውን ውሳነታት ኣይተመሓላለፉን ጥራሕ ዘይኮነስ እቶም ዝርካቦም ዝተፈተኑ እውን እንተኾኑ ካብ ኣፋዊ ፕሮፓጋንዳን ኣብ ወረቐት ተጻሒፎም ዝመኸኑን እዮም። ስለዚ መንግስቲ ትግራይ እንድሕር ደኣ ውሽጣዊ ዕጽዋ ንምኽፋት ቁርጸኛ እንድሕር ደኣ ኮይኑ ሰለምንታይ ከም መጠን ሓደ መንግስቲ ነዞም ጸገማት ብጭቡጥ ፍታሕ ዘየናዱ?  
  • ብሽም መኸተ ዝሳለጥ ዘሎ መርገጽትን ስእነት ፍትሕን ከምኡ እውን ተስፋ ፍታሕ ዘይብሉ ዕጽዋን ክባን ህዝብና እንኮላይ ሰራዊትና ናብ ስደት ከቋምት እናደፍኦ እንከሎ፤ መንግስቲ ትግራይ እንታይ ክሳብ ንኸውን እዩ ዝርኢ ዘሎ?  
  • መንግስቲ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ምዕራብ ትግራይ ዘይከፈተ ብስእነት ዓቕምን ሓይሊ ጸላእትን እዩ ክትኣምን ዘኽእል ምኽንያት የለን ምኽንያቱ ኣዲስ ኣበባ ናይ ስርዓት ለውጢ ንምግባር ዝጠልቦ ሓይሊ ንላዕሊ ምዕራብ ትግራይ ንምኽፋት ካብኡ ዝዛይድ ሓይሊ ስለዘድሊ። ብተወሳኺ ምዕራብ ትግራይ ንምኽፋት ዝግበር ኩለ መዳያዊ ምንቅስቓስ ብዙሕ ጸላኢ ዝቕንስን ዲፕሎማስያዊ ከስብን ርትዓውነት ብሄራዊ ቃልስና ዘበርኽን ከምዝኾነ ብጭቡጥ ዘእምን ምዃኑ ብግብሪ ዝተረኣየ ሓቂ እዩ። ወዘተ ዝብሉ ህዝብና ብሰፊሑ ዘልዕሎም ዘሎ ሕቶታት እዮም።

እዚኦምን ከምዚኦም ዝበሉ ሕቶታት ሕዚ ኣብ ትግራይ ብሰፊሑ ይለዓሉ። ነዚኦም ፍታሕ ኮነ ተስፋ ፍታሕ ዝህብ መሪሕነት ድማ የለን። ነዚ ስዒቡ ህዝቢ ኣብ ከይድን ዓወትን እቲ እነሳልጦ ዘለና ኲናት እምነቱ ይጎድል ከምዘሎ ዘመላኽት ወድዓዊ ሃዋህው ይፍጠር ኣሎ። እምነት ምጉዳል እንትመጽእ ከዓ ተሳተፎን ተዋፋይነትን ህዝብና፤ ኣብ ከምቲ ብምሉእ እምነት ዘዐወቶ ካብ ታሕሳስ ክሳብ ሰነ 2013 ዝነበረ ደባይ ውግእ ዝነበሮ ኩነታት፤ የለን ማለት እዩ። 

ሓደ ኣብ ህዝባዊ እምነቱ ዘሎ ትግራዋይ ብዝግባእ ደው ኢሉ እንተሓሲቡ፤ ድሕሪ 21 ሰነ 2013 ዘሎ ኩነታትን ቅድሚኡ ኣብ ናይ 8ተ ኣዋርሕ ደባይ ውግኣት ዝነበረ ኩነታትን፤ ሰፊሕ ኣፈላላይ ከምዘለዎም ብቐሊሉ ምርዳእ ይኽእል። ኣብቲ ናይ 8ተ ኣዋርሕ ደባይ ኲናት፤ ህዝብና ኣብ ንቡር ቁጠባዊ ህይወት ኮይኑ ግን ድማ ኣንጻር ጸላእቲ ዓሚጹ፤ ብምሉእ እምነትን ተሳትፎን ባዕሉ ንቓልስና ዝድግፈሉ ኩነታት እዩ ነይሩ። ኣሽዑ ህወሓት ዘመሓድሮ ህዝብን ቁጠባን ሰለዘይነበረ፤ ህዝቢ ትግራይ ምስ ህወሓት ናይ ምሕደራን ፍትሕን ሕቶ ኣይነበሮን። ብተወሳኺ ኣብቲ አዋን ደባይ ኲናት፤ ህዝብና ቃልሱ ብሓፈሻ ክዕወት ብዝበለጸ ድማ ትግራይ ሃገር ኮይና ካብ ሕሰም ኢትዮጵያ ተናጊፋ ክርኢ ብልዑል ባህጊ ዝቃለሱን ዝውፈየሉን ኩነታት ዝነበረ ኮይኑ፤ መንግስቲ ትግራይ ካብ በረኻ ብዓወት እንትምለስ ቅድሚ ሕዚ ዝነበርዎ ጸገማት ኣሪሙ ክመጽእ እዩ ዝብልተስፋ እውን ነይርዎ እዩ። 

ካብዚ ብምብጋስ፤ ድሕሪ 21 ሰነ ዘሎ ሃዋህው እንትግምገም፤ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ዘለዎም ርክብ ብተጻራሪ ክኸውን ግድን እዩ። ሓደ፦ ህዝቢ ዝኾነ ቁጠባዊ ህይወት ዘይብሉ ተዓጽዩ ልዕሊ ዓሰርተ ኣዋርሕ እናነበረ፤ መሊሱ ድማ ሸኽሚ እቲ ኲናት ብምልኡ ብፍትወቱን ብግድን ክስከሞ ዘገድድ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ካልኣይ፦ መብዛሕቲኡ ትግራይ ኣብቲ ኲናት ዋጋ ከፊሉ ክሪኦ ዝተሃንጠወሉ ዓወት ብፍሉይ ድማ ኣንፈት ምግሃድ ሃገረ ትግራይ ዝምልከት ክሳብ ሕዚ ዝተነጸረ ኣብ ባይታ ዝርአ ተግባር የለን። ኣብ ክንድኡ ንዘይሰምር ዕላማ ክሳብ ደብረብርሃን ዝተሳለጠ ኩናት ብኽሳራ እንትዛዘም እዩ ተራእዩ። ሳልሳይ፦ ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ዘመሓድሮ ዘሎ መንግስቲ ትግራይ እዩ። ህዝቢ ምምሕዳር ክሳብ ዝተጀመረ ከዓ፤ ከክንዲድሌቱ ደጋዊ ጸላኢ ይሃሉ፤ ናይ ፍትሕን ማዕርነት ሕቶ ክህልን ክለዓልን ግድን እዩ።ኣውራ ኣውራ ድማ እቲ ዘመሓድር ዘሎ መንግሰቲ ዝፈጥሮም ዘሎ ጸገማት ቅድሚ ምጅማር ኲናት እውን ዝነበሩ ንህዝቢ ዘማረሩን ሕመቓትን ብልሽዋት ኣካይዳታትን እዮም። ሰለዝኾነ፤ ህዝቢ ብሓደ ገጽ ዋጋ እናኻፈለ ብኻልእ ገጽ ድማ ተመሓይሹ ክመጽእ እዩ ኢሉ ዝተጸበዮ መንግስቲ ዝኸፍአ ሕማቕ ኮይኑ እንትመጽእ፤ እምነቱ ክጓደል ግድን እዩ። ራብዓይ፦ ህዝቢ ኩሉ ነገር ተዓጻጽዩዎ እንከሎ፤ መንግስቲ ነዚ ዕጽዋን ክባን ክፈትሕ ዝኾዶ ክያዶ ኣብ ርእሲ ምብርዓኑ፤ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል ንዕጽዋን ክባን ዳርጋ ከም መለዓዓሊ ዝጥቀመሉን ንደገ ዝድርብዮ ጸገምን እምበር፤ ከም መጠን ክመርሕ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ትግራይ ነብሳ ኪኢላ ፍታሕ ክተናዲ ሓላፍነቱ ክዋጻእ ኣይረኣይን ዘሎ። ብምዃኑ መንግስቲ ብኣልማሚት “ዕጽዋን ክባን ክንፈትሕ ንዋጋእ” እናበለ ቁጠባዊ ህይወት ዘይብሉ መኸተ ሒዙ እንትቕጽል፤ እሞ ድማ ኣብ ባይታ ዘሎ ፓለቲካዊ፣ ዲፕሎማሳያውን ወተሃደራውን ኩነታት ዘይቃደው መሲሉ እንትርአ፤ ህዝቢ ኣብ ዕጽዋን ክባን ኮይኑ ተስፋ እናሰኣነ ብዛዕባ መጻኢኡ ሓዱሽ ኣንፈት ክጠልብ ባህርያዊ እዩ።

እዚ ሓቂ እዚ ዝዓብለሎ ኩነታት እዩ ሕዚ ኣብ ትግራይ ሰፊኑ ዘሎ። ድሌትን ጠለብን ህዝቢ ብግልጺ ፈጢጡ ወጽዩ፤ ህዝቢ ሕቶታቱ ክምለስሉ እናሓተተ፤ ክመርሕ ሓላፍነት ወሲደ ዝብል ኣመራርሓ ግና ብግልባጡ ኣንጻር ኣብ ባይታ ዘሎ ህዝባዊ ሕቶ ዝኸደሉ ኩነታት እዩ ተፈጢሩ ዘሎ። እዚ መሪሕነት እዚ ከዓ ብሉይ ዕላማ፣ ኣካይዳን ፍታሕን ሒዙ፤ ብናቱ ውድባዊ ድሌት ጥራሕ ነቲ ኲናት ክመርሕ ሰለዝደሊ፤ ሓደሽቲ ጠለባትን ጸገማትን ንክፈትሕ ዓቕምን ድሌትን ከምዝሰኣነ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅታት እኹል መረዳእታ እዩ። ብግልጺ ኣዘራርባ ህዝቢ እቲ ኲናት ከዐውት ኣብ ልኡም ተበግሶን ተወፋይነትን እንከሎ፤ ነዚ ዝመርሕ ስትራቴጂካዊ መሪሕነት ግና የለን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እቲ እነሳልጦ ዘለና ኲናት ክዕወት ዝኽእለሉ ኩነታት ድማ እናጸበበ ከምዝኸይድ ዘጠራጥር ኣይኸውን። ግን ድማ ከዓ ከም ህዝቢ ክንህሉን ክንብርኽን መጻኢና ውን ብሩህ ክኸውን ግድን ሰለዘኾነ፤ እዚ ኲናት እዚ ናይ ግድን ዘልኣለማዊ መዋጽእ ብዝፈጥር ኣገባብ ክዕወት ኣለዎ። ሰለዚ ነቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ደውታ ከም ህዝቢ ፍታሕ ክነቐምጠሉ ግድን ይኸውን። ከም ውድብና ዝበለ ኣማራጺ ፓለቲካዊ ሓይሊ ትግራይ ከዓ ንጽሪ ኣንፈትን ስትራቴጂን እናቕረበ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሓደጋ ናይ ምድሓን ምዕዋትን ተደራቢ ሓላፍነት ኣለዎ። ብምዃኑ ድማ ኲናት ናጽነት ትግራይ ካብ ሓደጋታት ንምድሓንን ናብ ግቡእ ዓወትን ንምብጻሕን፤ ህዝብና ክዕጠቖ ይግባእ ዝበልናዮ ኣንፈትን ስትራቴጂን ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ። ኣቕሪብናዮ ዘሎና ፍታሕ፤ ህዝብና ብፍላይ ድማ ብሄራዊያን ፓለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ እንተረዳዲኦምን ኣብ ስምምዕነት እንተበጺሖምን፤ ብቐሊሉ ክትግበርን ርኡይ መፍትሒ ዝኸውንን እዩ።

2. ኣንፈት ፍታሕን ቃልስና ክህልዎ ዝግባእ ስትራቴጂን 

ኲናት ናጽነት ትግራይ ካብ ደውታ ናብ ዓወት ንምስግጋር እነቕርቦ ፍታሕ፤ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ መሰረታዊ ጸገምና ዝፈትሕ ክኸውን ግድን እዩ። መሰረታዊ ፍታሕ ጸገምና ድማ ካብ ምልውዋጥ ኩነታት ጸላኢ ወይ ድማ ወግሐ ጸብሐ ንዓቶም ብምርጋምን ምልማንን ዝርከብ ኣይኮነን። ንሳቶም ዝኣወጅሉና ኲናትን ንጥፍኣትና ኣብ ልዕሌና ዘንበርዎ ዕጽዋን ክባን፤ ናይ ግድን ክንሓልፎ ዝግባእ ናይ ባዕልና መፍትሒ ዝጠልብ ወድዓዊ ብድሆ እዩ። ኣብኣቶም ምምኽናይ መፍትሒ ኣይኮነን። ወይ ድማ ካብቶም ክሳብ ሕዚ ትርጉም ዘለዎ ፍታሕ ከምጽኡ ዘይከኣሉ ሓይልታት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ናይ ሓዘኔታ ትካቦ ርዳእታ ብምጽባይ፤ ህልውናና ከነረጋገጽ ሓቀኛ ዕላማ ቃልስና ክነዐውት ዝከኣለና ኣይኮነን። ከም ህዝቢ ክንህሉን ዘይክንህሉን ኣብናይ ባዕልና ጥንካረን ብልሕን እዩ ዝውሰን። ነዚ ዝተዳለወ ህዝቢ እውን ኣለና እዩ። ዘይብልና ስትራቴጂክ መሪሕነት እዩ። ማለት እውን ድሌትን ባህግን ህዝቢ ትግራይ ኣንቢቡ ዕላምኡ ዝነጸረ፤ ንኩሎም ኣብ ምርግጋጽ ህላወ ትግራይ ዝሳተፉ ዘለው ተጋሩ ኣዋዲዱናብ ስራሕ ዝኣቱ፤ ጸላእትና ዝሓንጽጾዎ ክፋእ ብናይ ትግራይ ባዕላዊ ዓቕምን ዲፕሎማስን ናብ ጸጋ ዝቕይር፤ በሊሕ፣ ሓቛፍን ዴሞክራስያውን መሪሕነት ክህልወና እናተገብአ፤ ብግልባጡ ሕዚ ቃልሰና ብስእነት ስትራቴጂክ መሪሕነት ኣብ ደውታ ክኣቱ ተገዲዱ ኣሎ።  

ህወሓት ኒዚ ክፍተት ስትራቴጂክ መሪሕነት ክመልእ ብህዝቢ ዕድል ተዋሂብዎ ኣይገበሮን። ዋላ እውን ገለ ውሑድ ሊህቅን ተነሓናሕቲ ብሄራውያን ውድባትን፤ ህወሓት ስትራቴጂክ መሪሕነት ክህብ ተስፋ የብሉን እናበሉ እንተጸንሑ፤ ኣብዝሓ ሓፋሽ ህዝብና ክሳብ ቀረባ እዋናት ኣብ ህወሓት ተስፋ ነይርዎ እዩ። ህወሓት ግና ካብ ትጽቢት ህዝቢ ርሒቑ፤ ነቲ ኲናት ስትራቴጂክ መሪሕነት ክህብ ይትረፍ፤ ብመሓውራቱን መሻርኽቱን ስቓይ ህዝብና ዘጋድዱ ብዝበዛታትን ናይ ዓፈናን ተግባራትን ብምሕያል ውሽጣዊ ሓዳጋ ክሳብ ምዃን በጺሑ ኣሎ። ሰለዚ ህልውናይን ህልውና ህዝበይን ከረጋግጽ ዓቕሚ ኣለኒ፤ እዚ ኲናት ክዕወት ታሪኻዊ ሓላፍነተይ ክዋጻእ ኣለኒ ዝበለ ትግራዋይ መራሒ፤ ሕዚ ነቲ እነሳልጦ ዘለና ኲናት ዘዐወት ኣንፈት ስትራቴጂ ከምጽእ ወይ ድማ ነቲ ውድብና ኣንፊትዎ ዘሎ ኣራጊዱ ናብ ተግባራዊ ፍታሕ ክኣቱ፤ ግዘ ዘይህብ ናይ ህዝቢ ናይ ህልውና ሕቶ ይጽበዮ ከምዘሎ ምርዳእ የድሊ። 

2.1. ምትዕርራይን ምድልዳልን መንግስቲ ትግራይ 

ህወሓት ተደጋጋሚ ዕድል ተዋሂብዎ ባህግን ድሌትን ህዝቢ ኣንቢቡ፤ ኣጋጢሙና ዘሎ ፈተና ዝጠልቦ ሓድነትን ስምረትን ህዝቢ ትግራይ ዝፈጥር፤ ስትራቴጂክ መሪሕነት ክህብ ኣይከኣለን። እኳደኣስ ብቡሉይ መንገዲ ነቲ ኲናት ብብሕትነት ክጨውዮን ናብ ጸቢብ ውድባዊ ዕላምኡ ክዝውሮን እዩ ዝጽዕር ዘሎ። በዚ ዝተልዓለ፤ ይትረፍ ተወሳኺ ዓቕሚ ክኾኑ ዝኽእሉን ዝነበሩን ብሄራውያን ሓይልታት ትግራይን ካልኦት ዓቕምታትን ከም ጸጋ ወሲዱ ክጥቀመሎም፤ ነቲ ብድሌቱ ብቕንዕና በዓል ዋና እቲ ኲናት ዝኾነ ህዝብን ሰራዊትን እውን የርሕቖን ይብትነኖን ኣሎ ዝብል ገምጋም ኣለና። ሰለዚ ህወሓት በይኑ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ነቲ ኲናት ክመርሖ ምግዳፍ ማለት መወዳእትኡ ስዕረትን ውርደትን እዩ ዝኸውን ዘሎ። ትግራይ ሕዚ ናይ ግድን ውሽጣዊ ምትዕርራይ ክትገብር ኣብ ዘገድድ ኩነታት እያ ዘላ። መልክዕ እቲ ምትዕራራይ ድማ ህወሓት ሓዊሱ ኩሎም ዝምልከቶም ብሄራውያን ሓይልታት ናይ ምውሳን ስልጣን ዝህብ ክኸውን፤ ውድብና ካብ ረብሓ ህዝብን ወድዓዊ ኩነታትን ተበጊሱ ዝሓዞ ቁዋም እዩ። ብሓጺሩ ቃልስና ካብ ደውታ ናብ መንገዲ ዓወት ንምስግጋር ክህሉ ዝግባእ ምትዕርራይ፤ ህወሓት ንጎኒ ዝገደፈ ዘይኮነስ ህወሓት ማእኸሉ ዝገበረ ንኩሎም ዝምልከቶም ብሄራውያን ሓይልታት ብወሳናይነት ዝሓወሰ መሰጋገርን ምትዕርራይን እዩ። ትሕዝቶ እቲ ምትዕርራይ ዝምልከት ሓበርቲ ነጥብታት ከምዝስዕም ምቕማጥ ይከኣል፦ 

  1. I. ንኹሎም ተሳተፍትን ብጽሒትን ህዝባዊ ኲናት ማለት ውን ውድባት ፓለቲካ፣ ምሁራን፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ሲቪል ማሕበራትን ኣካላት ሰራዊትናን ኢሉ ውን ክንዲ ዝከኣል እውን ህዝቢ ዝመኽረሉ ብሄራዊ ዋዕላ ብምስላጥ፤ ኣብ ብሄራዊ ዕላማናን ሽቶታት እቲ እነሳልጦ ዘለና ኲናትን ኣገባብ ምሕደርኡን ናይ ሓባር መርገጺ ዝፈጥር፣ መንግስትና ከም ሓዱሽ ወዲብና ናብ ጉዕዞ ዓወት ክንኣቱ ዘንቅል፤ ሓዱሽ ሕጋውን ቅቡልን ሰነድ ቃል ኪዳን ቃልሲ/Transitional Charter ብምጽዳቕ፤ ኣፍደገ ምትዕርራይ ይኽፈት። ኣብዚ ብናይ ኩሎም ሓይልታት ኲናት ናጽነትን ህዝብናን ስምምዕነት ዝፍጠር ብሄራዊ ናይ ቃልሲ ቃልኪዳን/ሕጊ ዝሰፍሩ ሕጋገታት ከዓ፤ ንምሉእ ምትዕርራይ መንግስትና ኢሉ እውን ቀጻሊ ምሕደራኡን ምምሕያሹን ዝገንሑን ዘስተናብሩን ይኾኑ።  
  2. ብዛዕባ ኣጋጢሙና ዘሎ ዝተሓላለኸ ፈታኒ ጂኦፓለቲካዊ፣ ጂኦኢኮኖማዊ፣ ዓለምለኻዊ ኣሰላልፋ ሓይልታት ከምኡ ውን መሰረታዊ መንቀልን ፍታሕን እቲ እነሳልጦ ዘለና ኲናት ዝምልከት ውሳነ ዘዕርፍ፤ከም ሓዱሽ ዝተወደበ ኩነታት ዝጠልቦ ላዕለዋይ ስልጣን መንግስትነት ትግራይ ዝውንን ናይ ህዝቢ ተወካሊ ወይ መውጽኢ ሕጊ ዝኾነ ኣካል መንግስቲ ክህልወና ግድን እዩ። ኣባላት ናይቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፓርላማ ትግራይ፤ ብዓቕሚ ኮነ ብፓለቲካዊ ልምዲን ባህልን ነዚ ዝርድኡ ሰለዘይኮኑ፤ ፓርላማ ትግራይ ተኸቢሱ፤ ኣብ ኲናት ናጽነት ካብ ዝተሰለፉ ኩሎም ብሄራውያን ውድባት፣ ማሕበራት፣ ምሁራን፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ኣባላት ሰራዊት ትግራይን ዝሳተፍሉ፤ ብውክልና ህዝቢ ላዕለዋይ ስልጣን መንግሰትን ህዝብን ትግራይ ዝሓዘ መሰጋገሪ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ምጥያሽ፤ ሕዚ እዋኑ እዩ። ኣብዚ መዳይ ዝስራሕ ስራሕ፤ ኣብ ግዝያውን መጻእን ፓለቲካዊ ኣቋውማ ትግራይ ወሳናይ ነጥቢ መቐይሮ ዝፈጥርን ንኹሎም ምትዕርራያት ዕውት መንገዲ ዝኸፈትን ፈላማይ መተዓራረዪ ነጥቢ እዩ። 
  3. መዓልታዊ ምሕደራን ልምዓትን ህዝብን ዓድን ዝስከም ፈጻሚ ስራሕ መንግስቲ ትግራይ ዝምልከት፤ ካብ ብሄራውያን ውድባት ወይ እውን ናጻ ሰብሞያ ብዝተውጻጽኡ ስትራቴጂክ መሪሕነት ክህቡ ዝኽእሉ ሓርበኛታት ብሄራውያን ተጋሩ ምትካእ ውን ንቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እዋናዊ ጠለብ እዩ።  
  4. ኣስኳል እነሳልጦ ኲናት ናጽነት ዝኾነ ሰራዊትና ብዝበለጸ ህዝባውን ሳይንሳውን መንገዲ ንምምሕዳርን ንምምራሕን ዘኽእል ኩነታት ምፍጣር ስለዘድልን ሰለዝግባእን፤ ነዚ ዝኸውን ሓቛፍን ህዝባዊ ውክልናን ዘለዎ ብዓቕምን ክእለትን እውን ዝምራሕ፤ ሲቪላዊ ኣካል መንግስቲ ክፍጠር እውን ኣጋዳዲ ኩነታት ኣሎ። ስለዝኾነ ንቐጻሊ ህንጸት ሃገርና እናሓሰብና፤ ተጸዋዕነቱ ነቲ ሓዱሽ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ዝኾነ ብሲቪል ዝምራሕ ሚንስትሪ ምክልኻል ክምስረት ይግባእ። 
  5. ነቲ እነሳልጦ ዘለና ኲናት ዝመርሕ ወተሃደራዊ ኮማንድን ከምዘሎ ርዱእ ኮይኑ፤ ሰራዊትና ካብቲ ሕዚ ዘለዎ ኩነታት ብዝበለጸ ሳይንሳዊ መዐቀኒ ተሃኒጹ ናይ ውግእ ዓቕሙን ከዕቢ ከምኡ ውን ንቐጻሊ ህንጸት ሰራዊት ሃገር መንጸፍ ዝኸውን ሰረት ንምንባር፤ ልሙድ ሰራዊታት ዓለም ዝስዕብዎ ኣወዳድባን ኣቋውማን ክህልዎ ግድን እዩ። በዚ መሰረት ሰራዊትና ወተሃደራዊ ሳይንስ መሰረት ዝገበረ ኣወዳድባ፣ ኣዋፍራ፣ ምሕንጻጽ ስትራቴጂን ስልትን፣ ስልጠናን ኣስተምህሮን ምእንታን ክህልዎ፤ ነዚ ሓላፍነት ዝስከም ተጸዋዕነቱ ን መራሒ መንግስቲ ትግራይ ዝኸነ ሓለቓ ስታፍ ዝመርሖ ሓፈሻዊ ስታፍ/Genral Staff ብኣፍልጦን ክትትልን እቲ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ክጣየሽ ኣለዎ። 
  6. ትካላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጽታን ዝምልከት፦ ካብ ኢድ ኣእታውነት ዝኾነ ፓለቲካዊ ውድብ ነጻ ኮይኖም፤ ብሓይሊ ሰብን ዝርካቡ ቴክኖሎጅን ተማሊኦም፤ ብሄራውን ህዝባውን ረብሓ ተጋሩ ጥራሕ ዝስከሙ ኮይኖም ክትከሉን ብህጹጽ ናብ ስራሕ ክኣትውን፤ ብሄራዊ ኩነታትና ዝጠልቦ እዋናዊ ውራይ እዩ። ነዞም ትካላት ዝመርሑ ሰባት ተጸዋዕነቶም ንመራሒ መንግስቲ ትግራይ ኮይኑ፤ ብሄራዊ ሓላፍነቶምን ህዝባዊ ሓደራን ዝስከሙ ምዃኖም ንምርግጋጽ፤ እቲ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ዝከታተለሉን ዝቆጻጸረሉን መስርሕ ክህሉ ግድን ይኸውን። 
  7. ምጥያሽ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ጸጽታ/National Secuirty Council – ሃለዋትን ድሕነትን ትግራይ ኮታስ ድሕነትን ጸጽታን ህዝብና ናብ ሓደጋ ዘውድቑ ደጋውን ውሽጣውን ሓደጋታት ብኣጋ ንምትራፍ፤ እንተጋጥሙ ድማ ብዝተጸንዐን ዕውትን መንገዲ መፍትሒ ክነቕምጥ ምእንታን፤ ዝተፈላለዩ ትካላት ጸጽታን ድሕነትን ናይ ሓባር ርድኢትን ስትራቴጂን ክሕንጽጹን ዝተናበበ ስራሕቲ ከሰልጡን ዘኽእል፤ ብላዕለዋይነት ብፓለቲካዊ ሹመት ዝተሰየሙ ተጸዋዕነቶም ንመራሒ መንግስቲ ትግራይ ዝኾኑ ኣካላት ዝመርሕዎ፤ ኣብዚ ዘመን ፍልፍል ሓደጋን ድሕነትን ብዛዕባ ዝበሃሉ ዝተሓላለኹ ምዕባለታት ኣፍልጦ ዘለዎምን መጽናዕትን ምኽረሓሳብ ፓሊስን ዘፍልፍሉ ሰብ ሞያ ብብቕዓቶም መዚኑ ዝሓቖፎ፤ ዘይሻራዊ ብሄራዊ ቤትምኽሪ ጸጽታ ምጥያ ሽሕዚ ግዚኡ እዩ። ስራሕን ሓላፍነቱን ናይዚ ትካል ብላዕለዋይ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ትግራይ ጸዲቑ ናብ ስራሕ ዝኣቱ ኮይኑ፤ ኣብ ትሕቲ ቤት ጽሕፈት መራሒ መንግስቲ ትግራይ እናተመሓደረ፤ ስሩዕ ስራሕቱን ሓፈሻዊ ንጥፈቱን ዝምልከት ብመሰጋገሪ ፓርላማ ትግራይ ክትትልን ምዘናን ይህልዎ።  
  8. ካብ ዞባ ንታሕቲ ዘለው ምምሕዳራት ህዝቢ ዝምልከት፥ እቶም ላዕለዎት ናይ ሹመት ቦታት ብሓደሽቲ ወይ ድማ ዝነበሩ ብሉጻት መራሕቲ ክትክኡ ይኽእሉ። ነዚ ዝኸውን መሪሕነት ከዓ ፓለቲካዊ ውድቦም ወይ ውግንነኦም ብዘየገድስ፤ ነዚ ህዝባዊ ኲናት ንምዕዋት ድሌትን ዓቕምን ዘለዎም ተጋሩ ምስዝሽየሙ፤ ህዝቢ ካብ ስእነት ፍትሕን ሕመቕ ምሕደራን ወጽዩ ተስፋ ብሩህ መጻኢ እናመዓደወ ኣብ ቃልሱ ዘለዎ እምነት ዝያዳ ይብርኽ። ታሕተወት ብርክታት ምምሕዳርካብ ሕመቕ ነጻ ብዝኾኑ ህዝቢ ብቀጥታ ብዘይዝኾነ ፓለቲካዊ ጸቕጢ ነጻ ኮይኑ ብዝመርጾም ሰባት ምትካእ ይከኣል።  
  9. ኣካላት ፍትሕን ጸጽታን ማለት ውን ፓሊስን ኣብያተ ፍርድን፤ ኣብቲ ዘሎ ጸቢብ ኩነታት እውን እንተኾነ፤ ክንድዝከኣል ለይትን ቀትርን ሰሪሕኻ ብሓይሊ ሰብ ኣማሊእኻ፤ ካብ ዝኾነ ዓይነት ፓለቲካዊ ውዳበ ናጻ ኮይኖም ክሰርሑ ብዝኽእሉ ሰብ ሞያ ተማሊኦም፤ ናብ ስራሕ ይእተው። ማሕበራዊ ቤት ፍርዲ እንተኾነ እውን ኣብቶም ቅድሚ ሕዚ ዝነበርዎ ማሕበራዊ ጉዳያት ጥራሕ ይወሰን። 

2.2. ንዓወት ኲናት ናጽነት ብሓሳብን ብተግባርን ምብጋስ 

እነካይዶ ዘለና ኲናት ብባህርን ትሕዝቶን ናይ ናጽነት ቃልሲ እዩ። እዚ ኲናት ብናጽነት ክንዛዝሞ ዝኽልክል ዋላ ሓደ ዓለምለኻዊ ሕጊ የለን። እኳ ደኣስ ናይ ዓለም ተመክሮ እንትርአ፤ ቃልስና ዋንነት ትግራወይቲ ሃገር ብምርግጋጽ ክዛዘም ዝፈቐዱ ኩሎም ዓይነታት ሞራላውን ሕጋውን ቅድመ ኩነታት ነማልእ ኢና። ኣብዚ ኣብ ስልጣን ካብ ዘለው ኣካላት ተደጋጊሙ ዝቐርብ “ኣሜሪካ ኣይኸውንን ኢላትና” ዝብል ዘረባታት፤ መምለጥን ሽፋን ባዕላዊ ድሌት ደኣ እምበር፤ ሓቅነት ኮነ ተቐባልነት የብሉን። ኣሜሪካ ሃገር ዝደለየ ህዝቢ ሃገር ከይኸውን ክትክልክል መሰል ኮነ ዘይልወጥ ድሌት የብላን። መሰል ርእሰ ውሳነ ሓደ ኣካል ህዝቢ ዓለም ናይ ዝኾነ ብሄር፤ ክትረግጽ ዝፈቅድ ግልጺ ፓሊሲ ውን ኣይብላን። የግዳስ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት ኣካል ትካላዊ መስርሕ ኣሜሪካ ብዓብላላይነት እትመርሖ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንዕኡ ስዒቦም ዝወጹ ዓለ ለኸ ስምምዕነታት ንምዃኑን ነዚ ድማ ኣሜሪካ ፍሉይ ተጸብኦ ከምዘልዋ ኣምሲልካ ምቕራብ ቅሉዕ ሸፈጥ ከምዝኾነ ክንግንዘብ ይግበአና። ኣብዙይ ዘይከሓድ ነገር ግን ምግሃድ ሃገርነት ገዚፍ ውሽጣውን ዓለም ለኻዊ ዲፕሎማስያዊ ቃልስን ዝጠልብ ስለዝኾነ ሕመቕ ዲፕሎምስን ጂኦ ፖለቲካዊ ተደላይነትን ዘለዎ ሓይሊ ዝመርሖ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝብታት ብዙሕ ዓንቀፍቀፍ ከም ዝገጥሞ ካብ ተመኩሮ ዓለም እንርደኦ ነገር ኣሎ። ስለዚ ህወሓት ዘለዎ ዲፕሎማስያውን ጂኦ ፖለቲካውን ቅቡልነት ንቓልሲ መሰል ዓርሰ ውሳነን ምግሃድ ሃገርን ህዝቢ ትግራይ ብኣሉታ ከም ዝጸልዎን ነቲ በጺሕናዮ ዘለና ብሄራዊ ሓደጋ እውን ከም ዝዳረገናን ዘጠራጥር ኣይኮነን። ዲፕሎማስያዊ ርክብን ጂኦ ፖለቲካዊ ጠለብን ኣሜሪካ ዝቃረን ፖለቲካ ዘሰጉሙ ሓይልታት ካብ ጸቕጢ ኣሜሪካ ከምዘየምልጡ ዝፍለጥ እዩ። 

ኣሜሪካ ንኹሉ ዓለምለኻዊ ምዕባለ ብረብሓኣ እያ ትሪኦ። እንተኾነ ናይ ኣሜሪካ ሓገዝ ንጠለብና ወሳናይ ሰለዝኾነ፤ ኣሜሪካ ንጎኒ ገዲፍና ክንከይድ ኣይግባእን። ሰለዚ ሃገርነት ትግራይ ባህግን መሰልን ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ንኣሜሪካን መሓዙታን ከምኡ እውን ንመላእ ማሕበረሰብ ዓለም ብዘየላጢ ቋንቋ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ድሕሪ ምልላይ ዕላማና፤ ካብ ናይ ቁማር ኣከያይዳ ወጺና ብተግባር ናብ ሃገርነት ዝወስድ መንገዲ ክንጅምር ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ ሓደ ክርሳዕ ዘይብሉ ነጥቢ፤ ኣሜሪካን መሓዙታን ካብ ረብሐአን ተበጊሰን ርግኣትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኢትዮጵያ ይደልያ እየን ማለት፤ ናይ ትግራይ መሰል ሃገርነት ኣይቕበላን ማለት ኣይኮነን። እምበኣር ናብ ሃገርነት ዝወስድ መንገዲ ብዓይኒ እዞም ሓይልታት ፍትሓውን ቅቡልን ምግባር እዩ ከገድሰና ዝግባእ። ብሓጺሩ ናይ ባዕልና ናብ ሃገርነት ዝወስድ ካልኦት ክቕበሉና ዘኽእል ባዕልና እንዓሞ ዕዮ ገዛ እዩ ተሪፉና ዘሎ ማለት እዩ። ሃገርነት ባህግናን ድሌትናን ምዃኑ ቃልስና ዘይዕጸፍ ዴሞክራስያዊ መሰልምዃኑ ኣሚኖም ክድግፉና፤ ዕላማ ቃልስና ብግልጺ ነጺርና ናብ ስራሕ ንእቶ። ነዚ መፈጸሚ ዝኸውን ሓባሪ ኣንፈት ድማ፦ 

  1. I. ሃገር ክንከውን ክንብል ከለና፤ ክንዮ ብዴሞክራስያውን ሰላማውን መንገዲ መሰልና ምርግጋጽ፤ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ንካልኦት ሃገራት ዓለምን እዚ ዞባን ጠንቂ ዕግርግርን ነውጽን ከምዘይንኸውን፤ እኳደኣስ ንናይ ሓባር ዴሞክራሲ፣ ሰላምን ልምዓትን ከምንሰርሕ፤ ብቃልን ብተግባርን ምርኣይ። 
  2. ኣብ ምጥያስ ሃገር/ ወይ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ተፈሊኻ ሃገረ ትግራይ ንምትካል ዘለና ባህጊ፤ ኣብ ምሉእ ውሽጣዊ ውልቃዊ ሓርነት፣ ምርግጋጽ ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰላት፤ ምርግጋጽ መሰል ኣብ ውሽጥና ዘለው እኩባት መንነታት ከምዝቕበል ብተግባርን ብመትከልን ምርግጋጽ። 
  3. እነካይዶ ዘለና ኲናት ብመሰል ርእሰ-ውሳነ ኣቢልካ ዝጭበጥ ዋንነት ሃገር ንምርካብ ምዃኑ ኣብሪህና፤ ግን ድማ ሕቶ ሃገርነት ህዝብና ካብ ጨፍጫፍ ድሒኑ ሓቀኛ ተሳትፎ ዘረጋግጸሉ ሃዋህውን ዴሞክራስያዊ መስርሕን ምስፈጠርና እንገበሮ ህዝበ ውሳነ ምዃኑ ነረጋግጽ። 
  4. ሕዚ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ብሄራዊ ስምዒትን ምርድዳእን ብሊበራል/ሓራዊ ዴሞክራሲ ከምዝግራሕ ብምርኣይ፤ ትግራይ ኣብ መሰርሕ ናጽነት ኮነ ድሕሪ ናጽነት ንክብርታት ሊበራል/ሓራ ዴሞክራሲ ዋጋ እትህብ ብመትከላት ሊበራል ዴሞክራሲ እትምራሕ፤ ኣብ ውሽጣ ሰላምን ህድኣትን ዝዓሰላ፤ ኣብዚ ዞባ ኮነ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ንሰላምን ህድኣትን ተወሳኺት ሓይሊ ከምትኸውን፤ ካብ ብሕዚኡ ጀሚሩ ብመትከልን ብተግባርን ምርኣይ። 
  5. ብመዳይ ቁጠባ፣ ሓይሊ ምክልኻልን ድሕነትን ዴሞክራስያዊ ምሕደራን፤ ብቕዓት ዘለዎ ጠለብ ህዝቡ ዝምልስ ንዝበለጸ ህይወትን ምዕባለን ተጋሩ ጥራሕ ዘይኮነ ንካልኦት ዜጋታት ውን ዘቕሰን ዓዲን መንግስትን ክንሃንጽ ዓቕምን ክእለትን ከምዘለና መተኣማመኒ ንምፍጣር፤ ካብ ሕዚ ጀሚሩ ብኹለመዳይ ዴሞክራስያውን ዕውትን መንግስታዊ ህንጸት ናብ ስራሕ ምእታው። 
  6. ሃገር ብምውናን ወይ ኣብ ከይዲ ንምውናን እነካይዶ ቃልሲ ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ካልኦት ሳልሰዎት ኣካላት ጉድኣት ከምዘይነብጽሕ፤ ምናልባት ብኩነታት ጸላኢ ተገዲድና እንወስዶ ስጉምታት ዝፈጥሮ ጉድኣት ምስዝህሉ ድማ ብዓለምለኸ ሕግን ተመክሮን ክንክሕስ ዓቕምን ድልውነትን ከምዘለና ምርግጋጽ። 
  7. ህድኣትን ጸጽታን ዓለም ንምርግጋጽ ኣብ ስራሕ ዝወዓሉ ዓለምለኸ ሕግታትን ኣሰራርሓታትን ምእንተ ሓበራዊ ረብሓ ህዝቢ ዓለምና ከምእንቕበል ብምግላጽ፤ ኣብ መስርሕ ናጽነትን ድሕሪኡ ንንተግባራውነቶም ዘለና ቅሩብነት ብተግባርን ብመትከልን ብምርግጋጽ፤ ኣካል ስልጡን ዴሞክራስያዊ ስርዓት ዝወነኑ ህዝብታት ዓለም ምዃና መተኣማመኒ ምፍጣር።

ልዕል ኢሎም ዝተቐመጡ ኣንፈታት ስዒብና፤ ካብ ግዘ ኣዋጅ ጠለብና ጀሚሩክሳብ ምግሃድ ሃገረ ትግራይ ኣብ ዘሎ ግዘ ኣጻፊፍና ብምፍጻም ክውንነት ባህግና ንምጭባጥ እንተተበጊስና፤ ኣሜሪካን መሓዙታን ንሃገረ ትግራይ ከም ተመራጺት መሓዛ ክወሰድኣ ይግደዳ እምበር መሰል ሃገርነታ ኣይኽልክለኣን። ብዝበለጸ ድማ ናትና ናይ ሃገርነት ሕቶ ብፍትሓውነቱ ብመትከል ዝድግፋ ሃገራት ምዕራብ ከምዘለዋ ፍሉጥ ሰለዝኾነ፤ ናይዘን ሃገራት ደገፍ ከም መተኣታተዊ እዩ ዝኸውን። ልዕሊ ኹሉን ቅድሚ ኹሉን ከዓ፤ ኣብ ዓለም ክሳብ ሕዚ ዘሎ ተመክሮ ከምዝሕብርና፤ ሕቶ ሃገርነት ንምዕዋት ፈለማይ ስትራቴጂ ነዚ ሕቶ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ብግልጺ ካብ ምእዋጅ እዩ ዝጅምር። ቀጺሉ ኣብዝሓ ህዝብና ከምዝሰማምዐሉ ብዴሞክራስያዊ መንገዲ ምርግጋጽን ምግላጽን ክንክእል ኣለና። ብካልኦት ሃገራት ዝህሉ ተቐባልነት እቲ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ ቃልስና ኮይኑ፤ ኩለን ሃገራት ብሓደ ግዘ ክቕበላኻ ዘይንቡር ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፤ ብውሕዱ ካብ ናትካ ሃገርነት ትርባሕ ሓንቲ ሃገር ወይ ጉጅለ ሃገራት ተቐባልነት እንተሂበናና፤ እኹል መንጠሪ እዩ። ካብ ሓንቲ ወይ ውሕዳት ሃገራት ዝርከብ ተቐባልነት ከዓ ፈለማ ብውሽጣውን ሕቡእን መንገዲ ዝግለጽ ተዓቅቦታት ዝተመልኦ ክኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ናብ ቅሉዕ ተቐባልነት ንምልዋጥ ከምኡ እውን ካልኦት ሃገራት ንረብሐአን ኢለን ተመሳሳሊ ግብራዊ ተቐባልነት ክህባና ንምኽኣል፤ ናይ ውሽጥና ብቕዓትን ቀጻሊ ዲፕሎማሳዊ ጻዕርን ይሓትት። ኮታስ ሃገር ብባህጊ ይግለጽ ብተግባር ይጭበጥ እምበር፤ ብወለንታ ካልኦት ብምውጽዋት ኣይርከብን። ዳርጋ ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ባህገን ኣውጀን ንዕኡ ተቓሊሰን እየን ናይ ካልኦት ተቐባልነት ዝረኸባን ሕጋዊ ህልውንአን ዘረጋገጻን። ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ሃገራት እተን ዝበዝሓ ብከምዚ ዝበለ መንገዲ እየን ተፈጢረን። 

ትግራይ እውን ሃገርነታ ንምጭባጥ ቀንዲ ትኹረታ ኣብዚ ኣንፈት እዩ ክኸውን ዘለዎ። ናይ ግድን እውን ክኸውን ኣለዎ። ሰለዝኾነ፤ እቲ ብምትዕርራይ ክንፈጥሮ እንብሎ ዘለና መሰጋገሪ መንግስቲ ወይ ድማ መንግሰቲ ሓድነት ተጋሩ፤ ዝያዳ ካልኦት ጠለባት ብዓይኒ ጠለብ ምርግጋጽ ሕጋዊ ዋንነት ሃገረ ትግራይ እንትርአ፤ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።  

2.3. ክባን ዕጽዋን ብ ሕውየትን ህንጸትን ቁጠባ ትግራይ ምፍንጻሕ 

21 ሰነ 2013 መቐለ ካብ እንቆጸጸር ንደሓር ዘሎ ኣሰላልፋ ጸላእቲ ብወድዓውነት ክግምገም ከሎ፤ ጸላእቲ ንዓና ንምምብርካኽ ዝሓንጸጽዎ ኣውራ ስትራቴጂ፤ ትግራይ ኣብ ቀጻሊ ክባን ዕጽዋን ኣትያ ክትሓቅቕ ምግባር ዝብል እዩ። ጸላእቲ በዚ ስትራቴጂ እዚ ኣቢሎም ቅድም ቀዳምም ዕጥቅና ከፍትሑና ቀጺሉ ድማ ባህጊ ሃገርነትና ክምንዙዑ እዩ ድሌቶም። 

ክሳብ ሕዚ ንሕና ዝሃብናዮ ምላሽ ድማ ብቐንዱ ኣብ ወተሃደራዊ ግጥም ጥራሕ መሰረት ዝገበረ እዩ። እዚ ናትና ግበረ መልሲ ክልተ መበገስታት ኣለውዎ። ሓደ፦ ህወሓት ብሽም ዕጽዋን ክባን ንህዝቢ ትግራይ ኣለዓዒሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስልጣን ንምምቓልን “ፌዴራላዊ ስርዓት ንምድሓንን” ዝብል ዕላማ ሰለዝመረጸ እዩ። ካልኣይ፦ ህወሓት ቀንዲ ዕላምኡ ኣብ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ሰለዝኾነ፤ ንዕኡ ንምዕዋት ክባን ዕጽዋን ከም ዲፕሎማሳዊ መጻወቲ ካርድን ከም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝምለሰሉ ዕድል መአለሽን ግዘ መግዝእን ሰለዝጥቀመሉ እዩ። ሰለዝኾነ ህወሓት ንትግራይ ጅሆ ሒዙ “ዕጽዋን ክባን ይከፈተለይ”እናበለ ዲፕሎማሳዊ ጸወታ ካብ ምጽዋት ወጻእ፤ ባዕሉ ነቲ ክባን ዕጽዋን ክፈትሕ ኣይተንቀሳቐሰን። እቶም ዝተሳለጡ ውግኣት እውን ገለ ንጠልቆምቆምን ክራይ ምእካብን ዝኸውን ሃፍተ-ገነት ካብ ምእካብ ሓሊፉ፤ ክባን ዕጽዋን ክፈትሑ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ካብዚ ዝተልዓለ ክባን ዕጽዋን ብውሽጢ ህዝቢ ንምልዕዓል ብደገ ድማ ንዘይረብሕ ዲፕሎማሳዊ መጻወቲ ካርዲ ዝተደልየን ባዕሉ ገዛኢ ውድብ ዘጠናኽሮን ኮይኑ ዝተርኣየሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ። 

ብዝበለጸ ድማ ህወሓት ክባን ዕጽዋን ንምፍታሕ ባዕላዊ መፍትሕን ኣንፈትን ኣብ ክንዲ ምንጻር፤ “ኣብ ኢትዮጵያ ሓይልታት ብልጽግና ባዕሎም ንባዕሎም ክበኣሱ ይኾኑ እዮም እሞ ኣዲስ ኣበባ ክንኣቱ ንኽእል ኢና” ዝብል ኣጉልን ሓደገኛን ተስፋ ሒዙ ይቕጽል ኣሎ፤ ምባል ዘኽእል ኩነታት እዩ ዘሎ። ኣብዚ መዳይ ዋላኳ ድሌት ህዝቢ ናጻ ሃገረ ትግራይ ምግሃድ እንተኾነ፤ ብተደጋጋሚ “ሪፈረንደም ክንገብር ኢና” ዝብል ሓደገኛ መዕለቢ ዘይብሉ መጽበዓታት ይዝረብ ሰለዝነበረ፤ ከምኡ እውን ገለ ሰብ ረብሓ “ኣዲስ ኣበባ ምስሓዝናያ ገለ መናዚዕና ናብ ትግራይ ክሳብ ንመለስ ኢትዮጵያ መጻኒሕትና” ዝዓይነቱ ገበጣታት የቃልሑ ሰለዝነበሩ፤ ህዝቢ ክሳብ ጉዕዘን መልስን ደበረብርሃን ኣብዚ ተስፋታት ገለ እምነት ከምዝነበሮ ዝሕባእ ኣይኮነን። ሕዚ ግና እዚ ፈለማ ውን ጌጋ ዝነበረ ስትራቴጂን ፍታሕን ኣኽሲሩና በርዒኑ ከምዘሎ ምሕባእ ኣይከኣልን። 

ሰለዚ ክሳብ ሕዚ ክባን ዕጽዋን ንምፍታሕ ዝኸድናዮ ኣንፈት ጌጋ እዩ ነይሩ። ብስሩ ውን ሃገረይ ክምስርት ዝብል ቃልሲ፤ ካብ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣይኮነን ፍታሕ ክባን ዕጽዋን ክጽበን ከምጽእን ዘለዎ። ኣይኮነልናን ንሓዋሩ ውን ኣይኸውን እምበር፤ ከም ድሌት ህወሓት ኮይኑ ኣዲስ ኣበባ እንተንኣቱ እውን፤ ንነባሪ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ መፍትሒ ዝህብ ኣይነበረን ንሓዋሩ ውን ኣይኸውንን። ሕዚ ቃልስና ደውታ ኣጋጢምዎ፤ እቲ ኲናት ካብ ቁጽጽርና ወጻእ ዝኾነ ምዕሪትን እናሓዘ፤ ኲናት ኮነ ክባን ዕጽዋን መዓዝ ከምዝፍታሕ ርግጸኛ ናብ ዘይንኾነሉ ምዕባለ በጺሕና ኣለና። እዚ ማለት ድማ ናትና ስትራቴጂ ዘይኮነስ ጸላእትና ንዓና ንምፍራሰ ዝሓንጸጽዎ ስትርቴጂ ክዕወት ዕድል ኣለዎ ማለት እዩ። ዛጊድ ቁጠባና ንልዕሊ 10 ኣዋርሕ ኣብ ዕጽዋን ክባን ኣትዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ መሊኡ ጠጠው ኢሉ፤ህዝብና ተጸባይ ተስፋ ዘይብሉ ረድኤት ኮይኑ፤ ብጥሜት ይረግፍ ኣሎ። ኣብ ዘይብሉ ነቲ ኲናት ክስከም ዘገድድ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ። ፍጹም ደው ዝበለ ህይወት ዘይብሉ ቁጠባ ሒዝካ መኸተ ከዓ ፈጺሙ ክዕወት ኣይኽእልን። በዚ መሰረት ክባን ዕጽዋን ንምፍንጻሕ፤ እነካይዶ ዘለና ምናልባት እውን ንቡዙሕ ዓመታት ክቕጽል ዝኽእል ኲናት ንምዕዋት ዘኽእል ቁልፊ ፍታሕ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣይኮነን ዘሎ። ነባሪ ፍታሕ ክባን ዕጽዋን ምስጢር ዓወት ተጋደሎናን ኣብ ትግራይ እዩ ዘሎ። ነዚ ዝምልከት ኣንፈት ንምሕባር ዝኣከል፦ 

  1. ምዕራብ ትግራይ ንውሽጣዊ ቁጠባናን ንናይ ደገ ርክባትናን ወሳኒ ሰለዝኾነ ካብ ጸላእቲ ሓራ ክወጽእ ቀዳማይ ዕማም ኲናት ናጽነትና እዩ። 
  2. ውሽጣውን ደጋውን ዓቕምታት ብምጥቃም ኣገልግሎት ተሌኮምዩኒኮሽን ኢንተርኔት ክዝርጋሕ ብምግባር ናብ ስራሕ ምእታው። 
  3. ዘለናዮ ኩነታት ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ገንዘብን በጀት መሰጋገሪ ፓሊሲ ተሓንጺጹ፤ ብዝተጸንዐ ኣገባብ ሓዱሽ ባጤራ ካብ ምሕታም ክሳብ ናይ ጎሮባብትን ዓለምለኸ መዋገይን ባጤራታት ምጥቃም ዘኽእል ናይ ባንኪ ኣጠቓቕማ ትግባረ ምጅማር። 
  4. ብሓዱሸ ባጤራ ወይ ካልኦት ባጤራታት ውሽጣውን ግዳማውን ንግዲ ኮታስ ስሩዕ ቁጠባዊ ማእቶት ይጀመር ብጽፉፍ ፓሊሲ ውን ይምራሕ።
  5. መሰጋገሪ መንግስቲ ናይ ግብርን ካልኦት ህዝባዊ ኣገልግሎታት ክፍሊታት እክብ ኣለዎ።
  6. መንግስቲ ሰራሕተኛ ምስ ኲናት መኸተ ኣመዛዚንካ እናተገምገመ ናብ ስሩዕ ስሩሑ ይመለስ፤ ትካላት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ካልኦት ሲቪል ኣገልግሎታት ናብ ዕዮ ይእተው። 
  7. ካብ ለመናን ተጸባይነትን ክሳብ እንወጽእ፤ ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሓገዛት ብቐጥታ ባዕልና ክንርከብ ዘኽእል መሰርሕ እናፈጠርና፤ ኣብ ሕርሻ ወያነ ብምውላዕ ህዝብና ንርእሱ ክኽእልን መኸትኡ ክድግፍን ኣብ ምህርቲ ሕርሻ ፍሉይ ስራሕቲ ይጀመር። ማይ፣ ጸሓይን ሓመድን ዘለዋ ትግራይ ለሚና ዝቶኽቦላ ስኢና ህዝባ እናሞተ፤ ብቶኽሲ ጥራሕ ዝረገጋጽ ጅግንነት የለን። ትግራይ ንርእሳ ብርእሳ ክትቅልብ ይከኣል እዩ። 
  8. ክንዮ ሰብኣዊ ሓገዝ ደገፍ ዓለምለኸ ማሕበረ-ሰብ ናብ ሕውየትን ህንጸትን ቁጠባ ትግራይ ክውዕል፤ መንግስታውን ህዝባውን ዲፕሎማሲ ንዘርግሕ። መንግስታውን ዘይመግስታውን ዓለምለኸ ደገፍቲ ወይ መሓዙት ኣብ ትምህርትን ቴክኖሎጅን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ህንጸት ቁጠባ ክሕግዙና ንውፈር። ዓቕሚ ዲያስፓራ ትግራይ ውን በዚ ይማእዘን። ኣብ ኲናት ክባ ኮይና ኢንቨስትመንት/ወፍሪ ወጻኢ ከቢድ እንተኾነ ውን ዕጽው ኣይንገበሮ፤ ሰማይን ምድርን ትግራይ ካብ ጸላኢ ሓራ እንተውጺእናዮ ይከኣል እዩ። 
  9. ኣብ መዳይ ኢንዳስትሪ፦ ምቹው ፓለቲካውን ሕጋውን ኩነታት ብምፍጣር፤ ጸላእትና ዘንበርዎ ሓደጋ ናብ ዕድል ዝቕይርን ንእነካይዶ ዘለና ኲናት ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጠርን ምህዞን ፈጠራ ስራሕን መሰረት ዝገበረ ማእቶት ኣፍራይነት ይጀመር። እዚ ሕዚ ዘጋጥሙና ዘለው ሕጽረት ቀረብ ውድኣት ኣቑሑ ካብ ምፍታሕ ክሳብ ነቲ ኲናት ዝጠቅም ቀረብን ሎጂስቲክስን ምስኡ ተዛሚዱ ዘሎ ሕጽረት ጉልበትን ዝንኪ ክኸውን እዩ። 
  10. ህዝብና ኣብ ትግራይ ካብን ናብን ተንቀሳቒሱ ከይሰርሕ ዝዓግት ናይ ትራንስፓርንት ጸገምን ምስኡ ተዛሚዱ ዝመጽእ ጸገም ነዳድን ዝምልከት ውን ናይ ውሽጢ ዓቕምን ዲፕሎማሳዊ ጻዕርን ወሲኽና ንፍተሓዮ። 
  11. ልምዓት መኣድን ንሓዋሩ ንዝህልወና ነባሪን ተወዳዳርን ቁጠባ ዘይምረጽ እንተኾነ እኳ፤ ሕዚ ምስ ዘላቒ ልምዓት ተዋዲዱ ንግዝያዊ ጸገማትና ፍታሕ ክህብ ንጠቐመሉ። 

ኮታስ መዓስ ከዝውዳእ ኣብ ዘይነጸረ ኲናትን ዕጽዋን ክባን ተገቲርና ቁጠባና ደው ኢሉ መኸተና ክዕወት ሰለዘይክእል፤ ኢሉ ውን ሃገርና ንምምስራት ብኣጋ ዕዮ ክንጅምር ግድን ሰለዝኾነ፤ ኣብ ግዳማዊ ኩነታት ዝተንጠልጠለ ስትራቴጂ ደሪቢና፤ ቁጠባና እናሃነጽና ናብ እንምክተሉ ብርኪ ንሰጋገር። እቲ ኲናትን ክባን ካብ ድሌትና ወጻእ ንቀጻሊ ብዙሕ ዓመታት ወይ ወለዶታት ክቕጽል ከምዝኽእል ብምእማት፤ ነዚ መርገም ናብ ዕደል ክንቅይር እናተዋጋእና ክንለምዕ ከምዘለና ኣሚና፤ ሕዚ ናብ ስራሕ ንእቶ።  

2.4. ኣዋጅ ሕጋዊ ብሄራዊ ኣገልግሎትን ህንጸት ሰራዊትን ትግራይ 

ሕዚ ዘሎ ሰራዊትና ፓለቲካዊ ኣረኣእያን እምነትን፣ ጾታን ሃይማኖትን፣ ደርብን ኩነታትን ትምህርትን ከይፈላለዮ ናይ ዝኸተተ ውፉይ ተጋዳላይ ትግራይ እኩብ እዩ። ምስቲ ዘጋጠመና ወራርን ዝበጽሐና በደልን ህዝብና ዳርጋ ብኣልማሚት ክወፍር ባህርያዊ እዩ። ሕዚ ኩሉ መፍረያይ ሓይሊ ዝበሃል ክፋል ሕ/ሰብና ኣብ ሰራዊት ኣትዩ ኣሎ እንተበልና ምግናን ኣይኮነን። ይኹን ደኣ እምበር ከምዚ ዝበለ መፍረያይ ሓይልኻ ኣብ ድፋዕ ኣእቲኸ ዝሳለጥ መኸተ ዘይሩዘይሩ መረብረብን ዘየዛልቕን እዩ። ብፍላይ ድማ ከምቲ ሕዚ ዘለናዮ ኣብ ክባን ዕጽዋን ኣቲና ምስንቕጽል፤ እሞ ድማ ዳርጋ ኩሉ ኣለና ንብሎ መፍረያይ ሓይሊ ሰብና ኣባል ሰራዊት ኮይኑ ብረት ተሓንጊጡ ካብ ማእቶት ምስዝቦኩር፤ ንዕኡ ዝስከም ቁጠባ ኣይክህልወናን። በዚ ድማ ብሓፈሻ እቲ ህዝቢ ይጉዳእ እቲ ሰራዊትውን ይጉዳእ። እዚ ከምዚ ዝበለ መጻብብ ዝፈጠሮ ስምዒታት ዛጊድ ኣብ መንፈስ ሰራዊትና ይንጸባረቕ እዩ ዘሎ። ሕዚ ብዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ሰራዊትና፤ ህዝቡ ኣብ ክባን ዕጽዋን ኣትዩ መንግስቲ ትግራይ ድማ ነዚ ዝፈትሕ ጭቡጥን ወድዓውን ፓሊሲ ዘይብሉ ደው ኢሉ፤ ኣብ ዝሞተን ዝተዓጸወን መዓዝ ከምዝኽፈት ውን ዘይተፈለጠን ቁጠባ ኮይኑ፤ ሕሰም ጥሜትን ዕርቃንን ዝገርፎ ሰራዊት እዩ ኮይኑ ዘሎ። ከምዚ ዝበለ ኩነታት ምስቲ ጸላእትና ብዕጽዋን ክባን ሰራዊትና ንምብታን ዝሓዝዎ ስትራቴጂ ተደሚሩ፤ ኣባል ሰራዊት ትግራይ ዝኾነ መንአሰይ ግዳይ ስደትን ምፍራስን ዝኾነሉ ኣጋጣምታት ፈጢጡ ይመጽእ እዩ ዘሎ። ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ሰራዊትና ዝርአ ኣድልዎን ግዕዝይናን ዝዓሰሎ ኣሰራርሓ፤ ተጋዳላይና ኣብ ሰራዊቱን ቃልሱን እምነቱ ክንኪ ይገብሮ እዩ ዘሎ። ውሽጣዊ ምሕደራን ህንጸትን በቲ ኣብ ስትራቴጂ ሓደ ዝተቐመጠ ኣንፈት ዝፍታሕ ኮይኑ፤ ሰራዊትና ምስ ክባን ዕጽዋን ብሓፈሻ ከዓ ምስ ህንጸትን ሕውየትን ቁጠባ ትግራይ ኣዛሚድካ ዘሎ ብልሒ ዝጎደሎ ኣከያይዳ ግና ፈንጠሓይ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ዝጠልብ እዩ። 

ኣብ ቀዳሞት ኣርእስቲ ቀዲሙ ከምዝተገለጸ፤ ሕዚ ምዕሪት ናይቲ እነካይዶ ዘለና ኲናት ካብ ቁጽጽርና ወጻእ ይኸውን ኣሎ። እዚ ኲናትን ቀንዲ መፈጸሚኡ ተባሂሉ ብጸላእትና ዝተነብረ ዕጽዋን ክባን መዓስ ከምዝውዳእ ንምግማቱ ኣጸጋሚ እዩ። ሰለዝኾነ፤ ከምቲ ኣብ ካልኦት ዓውድታት ናይ ስትራቴጂ ለውጢ ዘድልየና፤ ኣብ ምኽታትን ምውዳብን ሰራዊትና ውን ሓዱሽ ኣንፈት እዩ ክህልወና ዝግባእ። እዚ ድማ ፍሉጥን ሕጋውን ብሄራዊ ኣግልግሎት ካብ ምትካል ጀሚሩ ክሳብ ሰራዊትና ንባዕሉን ንዓዱን ቁጠባዊ ርእሰ-ምርኮሳ ምዃኑ ከረጋግጽ ዘኽእሎ ኣቋውማ ክውንን ዘኽእል እዩ። ኣንፈት ንምሕባር ዝኣክል፦ 

  1. ምዕራብ ትግራይ ሓራ ንምውጻእ ሕዚ ዘሎ ሰራዊት ብቕጽርን ብዓይነትን ከይቀነሰ ብስልጠናን  ምህሮን ደልዲሉ ናብ ወፍሪ ይእቶ። 
  2. ምስ ወፍሪ ሓርነት ምዕራብ ትግራይ ተዛሚዱ በቲ ሕዚ ዘሎ ሰራዊትና ጸላእትና እነዳኽመሉ ወይ መሊእና እንድምስሰሉ ኩነታት እንተሃልዩ ውን ዕድላት ንጠቐመሎም። 
  3. ምዕራብ ትግራይ ሓራ ኣውጽኢና ግን ድማ ጸላእትና ከይደኸሙ ናብ ውግእ ናይ ምእታው ድሌቶም ልዑል ኮይኑ ምፍጣጥ ምስዝቕጽል፤ መኸተን ኲናት ነዊሕ ግዘ ዝወሰድ ዋኒን ሰለዝኸውን፤ መኸተና ብዝተጸንዐ ሕጋዊ ኣዋጅ ብሄራዊ ኣገልግሎት ክምራሕ ናይ ግድን እዩ። 
  4. ዝህልወና ኣዋጅ ብሄራዊ ኣገልግሎት ከዓ ገዛኢ ውድብ ብዝደለዮ ኣንፈት ጥራሕ ክኸይድ ኣይብሉን። ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት እዚ ህዝባዊ ኲናት ብዘጣይስዎ መሰጋገሪ ቤት ምኽሪ ሕጋውን ቅቡልን ኮይኑ ዝወጽእን ህዝባውን ነባርን ትካል ምኽልኻል ክህልወና ዘኽእል ብሄራዊ ኣገልግሎት ይጀመር። 
  5. እዚ ዝመጽእ አዋጅ ብሄራዊ ኣገልግሎት ዓቕሚ ምክልኻል ትግራይ ምስ ቁጠባዊ ህንጸትን ምልማዕ ቴክኖሎጅን ከምኡ ውን ርእሰ-ምርኮሳ ቴክኖሎጂ ሰራዊትና ኣብ ግምት ዘእቱ ኮይኑ፤ ትግራይ ካብ ጸላኢ ነብሳ ንምክልኻልን ጸላእቲ ንምድምሳስን ዘኽአላ ፓሊሲ መኸተ ንክህልዋ ኣፍደገ ዝኸፍት እዩ።  
  6. ህዝብና ዕጽዋን ክባን ጸላእቲ ናብ ዕድል እናለወጠ፤ ህልውንኡ ብመኸትኡ እናረጋገጸ፤ ኣብኡ እንተሎ ድማ ዘበናዊ ቁጠባ እናሃነጸ ዝቕጽለሉ ኩነት እንትፍጠር፤ ሰራዊትና ተጠዋሪ ዘይኮነስ ዋና ሞተር ምዝማን ቁጠባ ትግራይ ኮይኑ ዝሕግዘሉን ባዕላዊ ዓቕምታት ቴክኖሎጂ ምክልኻል ክውንን ሰለዘኽእል፤ ብሄራዊ ኣገልግሎት ትግራይ ክንዮ ወተሃደራዊ ስልጠና ቤት ትምህርት ማእኸል ምርምርን እውን ክኸውን ዓሊሙ ዝሕገግ ይኸውን። 
  7. ይትረፍ ከምቲ ሕዚ ደው ዝበለን ኣብ መጻወድያ ክባን ዕጽዋን ወዲቑ ሞይቱ ዘሎን ናትና ቁጠባ፤ ካልእ ደሓን ህይወት ዘለዎ ቁጠባ ውን እንተዝኸውን፤ ክንድቲ ሕዚ ዘለና ተጠዋሪን ሸኽምን ህዝቢ ዝኾነ ሰራዊት ሒዙ ክቕጽል ምፍቃድ ባዕልኻ ውድቀትካ ምቅልጣፍ እዩ ዝኸውን። ሰለዚ ድሕሪ ሓርነት ምዕራብ ትግራይ፤ ኩነታት ጸላኢ እናገምገምካ፤ ኣብ ቅድመ ግምባር ዝህሉ በዝሒ ሰራዊት ጽፈት ዘለዎ ውሑድ ቁጽሪ ክኸውን ግድን እዩ። ዝተረፈ ካብቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ዘይፈቐደሉ ወይ ድማ ንኣፍራይነት ቁጠባ ወሳናይ ዝኾነ ኢሉ ውን ቀጻሊ ብብሄወራዊ ኣገልግሎት ካብ ዝሰልጠነ ሓይልና፤ ካብ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ክሳብ ክልተ ዓመት ኣገልግሎት ድሕሪ ምፍጻሙ፤ ዕቑር ሓይሊ ኮይኑግን ድማ ኩሉሻዕ ኣብ ወትሮ ድልውነት ኮይኑ ኣብ ኣገልግሎት ክቕጽል ይግባእ። 
  8. ዕቑር ሓይልና ዝምልከት፤ ብመሰረት እቲ ዝሕገግ ኣዋጅ ብሄራዊ ኣገልግሎት ዓይነታቱን ኣቋውምኡን ዝውሰን ኮይኑ፤ ዘለና ፈተና ኣብ ግምት ብምእታው፤ ወትሩ ድልው ኮይኑ ኩሉሻብ ኣሃዱታቱ ዝፈልጥን ስሩዕ ኣመራርሓ ዘለዎን ብዓመት ንዝተገደበ እዋን ስሩዕ ሰልጠና ዝወስድን ኮይኑ ክውደብ ግድን እዩ። 

2.5. ዲፕሎማሳዊ ቃልስና ብዕላማ ናጽነት ይመራሕ 

ዕላማና እነካይዶ ዘለና ኲናት ንናጽነት ሃገረ ትግራይ ምዃኑ ምንጻር፤ ተጋድሎና ኣብ ዲፕሎማሲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሓጓፋት እውን ዝመልእ እዩ። “ንናጽነት ኢና ንቃለስ ዘለና እንተይልና ዓለምለኻዊ ደገፍ ኣይንረክብን” ዝብል ዘረባታት መርትዖ ኾነ ምኽኑይነት ኣይብሉን። ናጽነት ዝደሊ እሞ ድማ ከምዚ ናትና ዝበለ መዕነዊ ኲናት ዘሳልጥ ሓይሊ፤ “ንናጽነት ኣይኮንኩን ዝቃለስ እታ ተጥፈአኒ ዘላ ሃገር ንምድሓን እየ ዝቃለስ ዘለኹ” እንተበለ ውን፤ ኣብ መድረኽ ዓለም ዝኣምኖ የብሉን። ሃገርካ እየ ብእትብሎ ሃገር ዘርኢ ምጽናት ዝተፈርዶ ብሄርን ህዝብን፤ ንሰልቲ ወይ ካልኦት ንምትላል – “ናጽነት ኣይደልን ምስታ መጽነቲተይ ሃገር እየ ክነብር” ምስዝብል፤ ኣብ ርእሲኡ ዝተፈጸመ ገበን ኣብ ልዕሊ ምኽሓዱ፤ ብመሰልን ክብርን ደቂ ሰባት ዓለም ቁማር ዝጻወት ተባሂሉ ነብሱ ካብ ውርደት ወጻእ ዘትርፎ የብሉን። ስለዝኾነ ኣባላት ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሌና ብዝተፈጸመ ልፍንታዊ ወራርን ገበን ዘርኢ ምጽናትን ከክንዳናን ልዕሌናን እዝጊኦ ኢሎም እናመስከሩ፤ ሃለዋትና ንምርግጋጽ ሕቶ ሃገርነት ምልዓልና ፍትሓውነትን ተቐባልነትን ረኺቡ እናሃለወ፤ ንሕና ባዕልና ነዚ ክንሓብኦ ወይ ብግዝያዊ ምስምስ ክነምክኖ ምፍታን፤ መሰሓቒ ዓለም ይገበረና እምበር ንረኽቦ ጥር ትብል ዲፕሎማሳዊ ረብሓ የለን።

ነገረ ሓቁ ግና ካልእ እዩ። ዲፕሎማሳዊ ቃልስና ፈለማ ረኺብዎ ዝነበረ ሓገዝን ተሓዛዝንነት ማሕበረሰብ ዓለም እናሰኣነ ናብ ባይታ ዘቢጡ ዘሎ፤ ብውሽጣዊ ናይ ባዕልና ጸገም እዩ። ድሕሪ 21 ሰነ 2013፤ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻርና፤ ዕላማ ቃልስና ናጽነት ምዃኑ ክንእውጅ እናተገብአ፤ ብሰሪ ዕላማ ዝመርሐና ዘሎ መሪሕነት ናብ ጉጉይ ኣንፈት ኢና ኣምሪሕና። ድሕሪ ሰነ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ብሓይሊ ንምልዋጥ ዝኸድናዮ ርሕቐት፤ ቃልስና ኣብ መድረኽ ዓለም ረኺብዎ ዝነበረ ሞራላውን ፍትሓውን ምኽኑይነት ብዜሮ ክባዛሕ ዝገበረ እዩ ነይሩ። 

ኣሜሪካን መሓዙታን ብሓይሊ መንግስትነት ኣዲስ ኣበባ ክንግልብጥ ወይ ክንቆጻጸር ከምዘይፈቐዳ ደኣ እየን ብግልጺ ዝነገራና እምበር፤ “ሃገር ኣይትኾኑን” ትብል ብግልጺ ዘሕለፍኣ ሓንቲ ቃል ክሳብ ሓዚ ኣየውጸኣን። ብሰሩ ውን እዘን ዴሞክራስያውያን ዓድታት ከምኡ ክብላ ኣይኽእላን። ካብ ዘለወን ትዕዝብቲ ተበጊሰን፤ ዝኾነ ውሽጣዊ ሕመቕ ምሕደራ ዘለዎ ኢ-ሊበራል ሓይሊ ዝመርሖ ቃልሲ ናጽነት ነቲ ህዝቢ ኮነ ንናታተን ረብሓ ከምዘይጠቅም ምስዝግምግማ ግና፤ እንተነኣሰ ኣፍልጦ ብዘይምሃብ ግብራዊ ተቛውሞ ክገልጻ ይኽእላ እምበር፤ ብግልጺ መሰል ርእሰ-ውሳነ ሐደ ህዝቢ ዝረግጽ ግልጺ ፓሊሲ የብለንን። ሰለዚ ተቓውሞ ኣሜሪካን መሓዙታን ኣንጻር ህወሓት እምበር ኣንጻር መሰል-ርእሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን። ሕዚ ኣብ ባይታ ዝርአ ዘሎ ሓቅታት ከም ዝሕብሮ ድማ፤ ክሳብ ታሕሳስ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ንምግልባጥ ዝተቓለሰ ህወሓት፤ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ “ሃገር እየ ዝደሊ” እንተዝብል፤ ብምኽንያት ዘይመትከላውን ኢ-ሊበራላውን ኣካይዳ ህወሓት፤ ጠለብ ናጽነት በዞም ሓይልታት ዝድገፍ ከምዘይኸውን ተረጋጊጹ ኣሎ። 

ሕዚ ኣብዚ እዩ እምበኣር ዓድን ህዝቡን ከድሕን ዝደሊ ሓርበኛ ብሄራዊ ትግራዋይ፤ ገጢሙና ንዘሎ ዲፕሎማሳዊ ጸገም ንምፍታሕ ምስ ሓቂ ክጋጥም ዘለዎ። ተመክሮ ዓለም ከምዝሕብሮ፤ ናጽነት እናደለየ ከምዘይደሊ ኣምሲሉ ዝሸቀጠን ዕላምኡ ዝሓብአን ህዝቢ፤ ንቃልሱ ዲፕሎማሳዊ ዓወት ረኺቡ ክዕወት ኣይተርኣየን። ውድቀት ድፕሎማሲ ቃልስና ንምፍታሕ፤ ኣብ ስትራቴጂ 3 ዝተቐመጠ ኣንፈት ብዝበለጸ ነጺርና ናብ ስራሕ ንእቶ። ብርግጽ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ምትዕርራይን እቲ ናይ ቁጠባ ህንጸትን ሕውየትን እውን ተወሳኺ መንገዲ ዲፕሎማስያዊ ዓወት እዩ። ኣሜሪካን መሓዙታን ወይ ድማ ኣብዚ ዞባ ካብ ናትና ሃገርነት ዝርብሑ ሃገራት ዋላ ውን ካልኦት ሓይልታት ዓለም ንቓልስና ዲፕሎማስያዊ ደገፍ ንሃገርነትና ቅቡልነት ክህቡ ዝኽእሉ፤ ብቐንዱ ኣብ ውሽጥና ብንሃንጾ ዴሞክራሲ፣ ሰላምን ልምዓትን ዘረጋገጽ መንግስቲ ከምዘለና እንትሪኡን እንትኣምኑን እዩ። ሰለዚ ኣንፈት ዲፕሎማሳዊ ቃልስና ካብ ውሽጢ ንደገ ዝርኢ ክኸውን አለዎ። ዝተረፈ ዝህልወና ብተግባር ኣብ መድረኽ ዓለምለኸ እንታይ ዓይነት ዕማማት ንዕመም ዝብል ግብራዊ ኣወፋፍራ ዝምልከት፤ ከም ዝስዕብ ኣንፈት ምቕማጥ ይከኣል፦ 

  1. መንግስቲ ሓድነት ንምፍጣር ብዘኽእለና መሰጋገሪ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ኣቢልና፤ ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ከም ሓደ መሓውር መንግስቲ ንትከል። እዚ ብሓይሊ ሰብን ዘበናዊ ኣሰራርሓን ተወዲቡ፤ ልምድን ሞያን ዘለዎም ተጋሩ ብዘይዝኾነ ናይ ፓለቲካ ኣድልዎ ክሓቁፍ ይግበር። ካብ ቃልሲ ናጽነት ክሳብ ምግሃድ ሃገር ዘሎ ቃልሲ ዲፕሎማሲ ከዓ በዚ መንግስታዊ መሓውር ይምራሕ። ኣብ ቅድመ ሃገርነት ንዘሎ ቃልሲ፤ እዚ ሚንስትሪ ብኸመይ ኣብ ዓለም ተዘርጊሑ ይሰርሕ ንዝብል፤ ተመክሮ ቃልሲ ናጽነት ካልኦት ሃገራት እናቐሰምና ሕቡእን ቅሉዕን ኣካይዳ ምሓዝ ይከኣል እዩ።
  2. ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ካልእ ናይ ኲናት ናጽነት ትግራይ ናይ ትኹረት ኣንፈት እዩ። እዚ ከዓ ብቐንዱ ብዲያስፓራ ትግራይ ዝዕመም እዩ። ዲያስፓራ ትግራይ ዕላማ ተጋድሎ ህዝቢ ትግራይ ንናጽነት ምዃኑ ኣሚኑ ይቀበል። በዚ መሰረት ድማ ዝኸኣለ ውደባታት ፈጢሩ ናብ ስራሕ ክኣቱ ኣለዎ። ብውልቀ ውን እንተኾነ ግና ካብ እንረኸቦም ውልቀ ዜጋታት ጀሚሩ ክሳብ ወከልቲ መንግስትን ጽልዋ ፈጠርቲ ኣካላትን ንዘለው፤ ቃልስና ንናጽነት ምዃኑ ብምብራህ፤ ሞራላውን ሕጋውን ትሕዝቶ ጠለብ ሃገርነት ትግራይ እናብረሀ ኣምባሳደር ክኸውን ይኽእል። ዲያስፓራ ትግራይ ኣብ ቃልሲ ናጽነት እንተሓቢሩ፤ ከመይ ለውጢ ክፈጥር ከምዝኽእል ቃልስና ኣብ በረኻ ኣብ ዝነበረለን ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣረጋጊጹ እዩ። ኣብዚ ብተወሳኺ ውድብን ዘይውድቡን ዲያስፓራ ትግራይ ኣብ ክሊ ምጽናት ዘርኢ ፍሉይ ቆላሕታ ዘለዎም ሃገራውያን ኣህጉራውያን ዘይመንግስታውያን ትካላት ዝሰርሖ ስራሕ ትኹረት ይጠልብ።  
  3. ሚድያን ኣጠቓቕማ ሚድያን ንመንግስታውን ህዝባውን ዲፕሎማስና ወሳኒ እዩ። ፈላማይ ኣብ ዓለምለኸ ስሩዕ ሚድያታትን ማሕበራዊ ሚድያን ክስራሕ ዘለዎ ስራሕ፤ ንቃልስና ሽም/Brand ምፍጣር እዩ። እነካይዶ ዘለና ቃልሲ፤ ኲናት ናጽነት ትግራይ/Tigray`s War of Independence  ተባሂሉ ክፍለጥ ኣለዎ። ቀጺሉ ሞራውን ሕጋውን ፍትሓውነት ቃልስና ብትሕዝቶ ሃፍቲሙን ብጭብጢ ተደጊፉን፤ ብዝተፈላለዩ ልሳናት ዓለም ብዓበይቲ ሚድያታት ክቐርብ ኣገዳሲ እዩ። ሚድያታት ተጠቒምና ህዝቢ ዓለም ብፍላይ ህዝብታት ዴሞክራሲ ምዕራብ ዓለም ብዛዕባ ቃልስና እኹል መረዳእታ ክሕዙን ደገፍቲ ክኾኑን ምስንጽዕር፤ ናይ መንግስታቶም ተጻራሪ ቁዋም ክሳብ ምቕያር ክበጽሑ ይኽእሉ እዮም። ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ ዓዲ ዝኣመነሉ ንዘይኣመነ መንግስቶም ብሰልፍታት ከይተረፈ ክኣምን ብምግባር፤ ናይ መንግስቶም ናይ ወጻኢ ፓሊስን መርገጽን ከምዝቕይሩ ኣብ ዓለም ዝተግሃደ ሓቂ እዩ። ሰለዚ ከም ተጋሩ ዕላማ እነካይዶ ዘለና ኲናት ኲናት ናጽነት ምዃኑ ተኣማሚና ብሕብረትን ብስምረትን ምውፋር ደኣ እዩ ዝግባእ እምበር፤ ዓለም መሰል ሃገርነትና ክትቅበል ዝዓግት ሓይሊ የለን። ነዚ ውን ትሕዝስድድ ዘይኮነ ነፍሲ ወከፍ ትግራዋይ ከም ናይ ሂወት ተልእኾ ወሲዱ፤ ኣብ ሕድሕድ ምንቅስቐሱ ብተዋፋይነት ክዓሞ ይግባእ። ክምራሕ ውን ኣለዎ። 
  4. ቅዱምነት ደገፍትና ፈሊጥና ግዜናን ጉልበትናን ቆጢብና ኣድማዒ ስራሕ ምስራሕ፥ ከምቲ ቀዲሙ ዝተገለጸ ንናጽነት እነሳልጦ ቃልሲ ብኹሎም ሓይልታት ዓለም ተቐባልነት ክረክብ ክጽገም እዩ። ተቓወምቲ ውን ክህልውዎ ግድን እዩ። ከምዚ ዝበለ ኩነተ ዓለም ዘገርም የብሉን። ዲፕሎማሲና ንምሕያል ቀዳማይ ትኹረትና ኣብቶም ዛጊድ ብሃገርነትና ከምዝርብሑ ኣሚኖም ዝድግፉናን ኣብቶም ካብ መትከል ተበጊሶም ሞራላውን ሕጋውን ፍትሓውነት ሕቶና ዝተረድኡ ሃገራትን ሓይልታት ይኹን። ዛጊድ ኣብ ኣውሮፓን፣ ኣፍሪካን ቀረባ ዞባታትን ቃልስና ዝድግፉ ሃገራትን ሓይልታትን ተራእዮም እዮም። ኣብኣቶም ትኹረት ጌርና ብምስራሕ ናብ ናታቶም ደገፍቲ ምብጻሕ ይከኣል እዩ። እዞም ደገፍትና ቅድሚ ናጽነት ኣብ ዘሎ ቃልሲ ንኲናትን ህንጸት ባዕላዊ ቁጠባዊ ዓቕምን ዝኸውን ደገፍ ክህቡ ይኽእሉ። ካብ ምእዋጅ ጠለብ ናብ ግምብራዊ ሕጋውነት ሃገር እንትሰጋገር ድማ እንደልዮ ኣፍልጦ ካብ ምሃብ ክሳብ ዘድልየና ቁጠባውን ፓለቲካውን ዝምድናታት ምምስራት ዝግሕዝ ኣበርክቶ ዝህልዎም እዮም። ድሕሪ እዚ ንዝቃውሙና ሓይልታት ውን ብቐጻሊ ኣብ ጎኒ ጠለብና ክነሰልፎም ከምእንኽእል ብምእማን፤ ድሌታቶምን ስክፍታታቶምን ዘጽንዐ ቀጻሊ ቃልሲ ከምዝሓተና ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ንረብሓና ንካልኦት ክንሸጦም ዝግብኡ ብልጭታትና ኩሎም ማለት ውን ባህላዊ፣ ፓለቲካዊ፣ ድሕንነታዊ፣ ቁጠባውን ሃይማኖታውን ጸጋታት ናብ ቃልሲ ካብ ምእታውን ንድሕሪት ክንብል ኣይብልናን። 
  5. ኢትዮጵያ ዝምልከት፦ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ሓደ ክንጽሮ ዝግባእ ነጥቢ፤ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረና ርክብ ከምዝተበተኸ እዩ። ህዝባዊ ተጋድሎና ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ ምስረታ ሃገረ ትግራይ ንምርግጋጽ ደኣ እምበር፤ መንግስትነት ኢትዮጵያ ንምቕያር ወይ ስልጣን ንምምቓል ወይ ድማ ኢትዮጵያ ንምፍራስ ከምዘይኮነ፤ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኮኑ ሓይልታት ፓለቲካ ብግልጺ ቋንቋ ክፈልጡ ምግባር መንገዲ ዓወት እዩ። ምስ ኣምሓራ እውን እንተኾነ ወሪሮሞ ዘለዉ ሉእላዊ ግዝኣትና ገዲፎም እንተወጽዮም ከምኡ ውን መሰል ሃገርነትና ብዴሞክራስያዊ ህዝበ ውሳነ ክነረጋግጽ ዘይዕንቅፉ እንተኾይኖም፤ ድሌትና ሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ምዃኑ ኩሉሻዕ ክነዘኻኽሮም ኣገዳሲ እዩ። ኢትዮጵያ ኮነት ኣምሓራ ከም ሓይሊ ኣብ ቅድሚ መሰልናደው ክሳብ ዝበሉ ግና ኲናት ከምዘይነቋርጾን ኣብ ስዕረቶምን ክሳርኦምን ሓሳብ ልብና ከምነረጋግጽን ክነርእዮም ኣለና። ሕቶ ብሄራዊ መሰል ወይ ሃገርነት ዘለዎም ብሄራት ኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ድማ፤ኣብ ናጽነት ትግራይ ዘለና ቁዋም ብግልጺ ክፈልጡ እዩ ዝግባእ። ምስ ከምዚኦም ዝበሉ ሓይልታት ስትራቴጂካውን ስልታውን ዝምድና ክህልወና ደኣ ይግባእ እምበር፤ “ንዑ ብሓባር ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣሊና ስልጣን ንማቐል” ዝብል ክኸውን የብሉን። ኣብ ኢትዮጵያ ንሕዞ ከምዚ ዝበለ ንጹር ቅዋም ብብርኪ ኢትዮጵያን ዓለምለኸ ማሕበረሰብን ዝህልወና ተቐባልነት ሰለዘዕቢ፤ ብቁለጡፍ ክንጸርን ክግለጽን ዘለዎ እዩ። 

ናጽነት ንብሄራዊ ክብረት

ማዝያ 2014

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT