Connect with us

ትዕዝብቲ

ፃንሒት ዕሱባት ተጋሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ

Published

on

ሰራዊት ትግራይ ሰነ 21 2013 ዓም ኣብ መብዛሕቲኡ ትግራይ ንዝነበረ ጸላኢ ደማሲሱ መቐለ ተመሊሱ ምስ ኣተወ እቶም ግዝያዊ ምምሕዳር እይና ብሃልቲ ዕሱባት ምስ እቲ ሃዳሚ ሰራዊት ናይ ኣብይ ኣሕመድ እዮም ሓቢሮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝሃደሙ። ካብ ትግራይ ዝዘረፉዎ ገንዘብን ብልጽግና ዝኸፈሎም ዓሰርተታት ኣሽሓት ደሞዝን ተጠቒሞም ንክልተ ሰባት ንምዓልቲ 1000 ቅርሺ  እናኸፈሉ ኣብ “ገስት ሃውስ” ይቕመጡ ነይሮም። እዚ ቍጽሪ ባዓልቶም ዝነገሩኒ እምበር ኣነ ፈጢረ ዘቐመጥኩዎ ኣይኰነን። ምግቦም እውን ኣብ ክባራት ሆቴላት እዮም ይምገቡ ነይሮም። ሓደ ሰብ ክሳብ 35,000 ቅርሺ ኣብ ወርሒ ንምግብን ንገስት ሃውስን የወጽእ ድማ ይብሉ እቶም ባንዳታት። ካብ  ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ድማ ፍሉይ ግዝያዊ  ካርዲ መንነት  ተዋሂብዎም እዩ።

እዞም ኣባላት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ  እይና ብሃልቲ ቍጽሮም ኣዝዩ ብዙሕ እዩ። እቶም  ኣብ ገስት ሃውስ፣ ሆቴላትን ፍሉይ አፓርትመንትታትን ይነብሩ ዝነበሩ ካብ ላዕለዋይ ደረጃ ክሳብ ማእኸላይ ደረጃ ስልጣን ዝነበሮም  እዮም።  እቶም ታሕተዎት ደረጃ ድማ ኣብ ሕስር ዝበለ ሰፈር ገዛ ተኻዮም እዮም ይነብሩ ነይሮም። እምበኣር ከም ኣጋጣሚ ኰይኑ ክልተ ካብ እቶም ማእኸላይ ደረጃ ናይ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እየ ብሃላይ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ 2013 ዓ.ም ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ከተማ ቢሾፍቱ (ደብረዘይት) መጺኦም። መምጽኢኦም ድማ “ኣለሻ ዝሓሰረ ከተማን መንበሪ ገዛን እዩ” እዮም ዝብሉ። ቅድሚኦም ብዙሓት ኣባላት እቲ ሃዳሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብ ኣዲስ ኣበባ እናወጽኡ ናብ ኣዳማ፣ ሞጆ፣ ቢሾፍቱን ካልኦት ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከባ ከተማታትን ተበቲኖም እዮም። እተን ዝውሃባና ቅርሺ ክባር ምግቢ እናበላዕናን ንኽባር ሆቴል እናኸፈልናን ካብ ንውድአንስ ናብ ዝሓሰረ ከተማ ክየድና ገንዘብ ምቝጣብ ይሕይሸና ብሃልቲ እይና ይብሉ።

እቶም ክልተ ኣባላት ግዝያዊ ምምዳር ትግራይ ንምንታይ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣተዉ?

ካብ ወርሒ ሓምለ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ኦሮምያ ኵሎም ሆቴላት ዝቕበልዎ ጋሻ ትግራዋይ ስም  እንተሃሊውዎ ናብ ኣብ ጥቕኦም ዝርከብ ጣብያ ፖሊስ ደዊሎም ክሕብሩ ከም ዘለዎም ብጥብቂ ተነጊሩዎም እዩ። ብ እዚ መሰረት ድማ ትግራዋይ ስም ዘለዎ ሰብ ኵሉ እናተታሓዘ ይእሰር ነይሩ። ኤርትራውያን እውን ስሞም ትግርኛ እንተዀይኑ ይትሓዙ እሞ ኤርትራውያን ከም ዝዀኑ መራጋገጺ ምስ ኣቕረቡ ይልቀቑ ነይሮም። እዞም ክልተ ተጋሩ ግን ድማ ዕሱባት ኣብይ ኣሕመድ ዝዀኑ እምባኣር ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ደብረዘይት መጺኦም ኣብ ሓደ ገስት ሃውስ ምስ ዓረፉ፣ ዋና እቲ ገስት ሃውስ ኣስማቶም ተመልኪቱ ንፖሊስ ኣፍለጠ። ፖሊስ ድማ ሒዙ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም። ይዝከረኒ ድሕሪ ሰዓት እዮም ናብ እቲ ንሕና ዝተኣሰርናሉ መዳጐኒ ዝኣተዉ። ተጋሩ ከም ዝዀኑ ብ ምርኣይ እዮም ዝፍለዩ ነይሮም፣እቲ ሓደ ኣብ ገጹ ግርናብ ኣለዎ እዩ።ኣነ ኵሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ገዛ እየ ኮፍ ዝብል ወይ ድማ ኣብ ፍርናሸይ ግድም ኢለ እየ ዘንብብ፣ ስለ እዚ ሓዱሽ ሰብ ክኣትው እንተሎ ቀዲመ ኣይእረኽቦን ወይ ድማ ኣይርእዮን እየ። ስለ እዚ እቶም ካልኦት መትኣስርተይ እዮም ቀዲሞም ረኺበምዎምን ኣዛሪቦምውምን። ሓዱሽ እሱር ዘንባዕባዕ እንድዩ ዝብል፡ ንሳቶም እውን ዘንባዕባዕ ኢሎም ነይሮም እዮም። ወረ ብዙሕ ዝብሃልን ዘኢይብሃልን ሓዋዊሶም እዮም። ኣብ መጀመርታ መዓልቶም ዘረባ ስለ ዝሓዋወሱ ድማ ንሕና ክንጥንቀቖም ክኢልና እይና።ተጣራጢርናዮም።

መጀመርታ እንታይ በሉ? ዕሱብ ፈራሕን ሓሳውን እዩ!

ዓርክና: ተጋሩ እይኹም ትመስሉ፣ ብምንታይ ምኽንያት ድኣ ሓዙኹም?

ንሳቶም: ዋይ እወ። ንስኻትኩም እውን ተጋሩ እይኹም እምባኣር? ንሕና ናይ ጕልበት ስራሕ ክንእልሽ እይና ናብ እዙይ መጺእና። ንምንታይ ከም ዝዀነ ድማ ካብቲ ዝዓረፍናሉ ገዛ ክነዛርበኩም ኢሎም ናብ እዚ ኣምጺኦምና። ንስኻትኩም ከ ድኣ እንታይ እይኹም ጌርኩም?

ዓርክና: እወ ተጋሩ እይና።ንሕና ድኣ እንታይ ክንገብር ዋላ ሓንቲ።ተጋሩ ስለ ዝዀንና ጥራሕ እይና ተኣሲርና ዘለና። መለለዪ ታሴራኹም ናይ ትግራይ ድዩ ?

ንሳቶም: ግዝያዊ እዩ እምበር ናይ ኣዲስ ኣበባ ታሴራ (መታወቅያ) እዩ ዘለና። ምንም ከኢገበርኩም እይኹም ተታሒዝኩም? ከምኡ እውን ዶ ኣሎ እዩ? ሓቛፊ መንግስቲ ዶ ኣይኰነን? ብፍላይ ህዝቢ ኦሮሞን መንግስቲ ኦሮምያን ሓቘፍቲ እዮም፣ ብኸመይ ንዓኻትኩም ተጋሩ ስለ ዝዀንኩም ጥራሕ ክኣስሩኹም ይኽእሉ? ብስሩ ክሲ የብልኩምን?

ዓርክና: ንሕና ምንም ገበን የብልናን፣ እንተ እቲ ክሲ ናይ ሓሶት ክሲ ክኸሱኻ ይኽእሉ እዮም። “ሓቛፊ መንግስቲ” ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ዝሓቝፈና ዘሎ። ግዜያዊ  መታውቅያ ኣዲስ ኣበባ ዝብሃል ዶ ኣሎ እዩ? ኣብ እዚ ሎሚ ግዜ ትግራዋይ ናይ ጕልበት ስራሕ ክሰርሕ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከመይ ኢሉ ብናጽነት ክንቀሳቐስ ይሓስብ? ኣይደፈርኩምን ድኣ?

ንሳቶም: ናይ ሓሶት ክሲ ከመይ ጌሮም ክኸስኹም? እዚ እማ ዘኢይዀን እዩ። ምንቅስቓስ ድኣ መን ክኸልኦ? ከም ድላዩ። ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ ኣይኰነን ድዩ? ኣብ ዓዱ ምስራሕ መሰሉ እኮ እዩ።

እቲ ዓርክና ኣዘራርበኦም ኣግሪሙሉ፡ ኣቋሪጹ ናባይ መጽአ። እቲ ዝበሉዎን ዝመለሱሉ መልስን ድማ ኣውገዐኒ። ኣነ እውን ንእለት( ሽዑ ንሽዑ) ዘረብኦምን መልስታቶምን ኣግረመለይ። ብስሩ እውን ተጋሩ ድዮም ኢለ ሓተትኩዎ። ማለት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብር ሓደ ትግራዋይ ዋላ ኣይይትኣሰር እምበር እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ይወርድ ዝነበረ ግፍዒ ይፈልጦ እዩ። ስለ እዚ ከመይ ገይሮም እዞም ሰባት ከም እዚ ክብሉ ይኽእሉ ኢለ ምሕሳብ ጀመርኩ። ሰለልቲ ኤርትራውያን ከኢይዀኑ ንጠንቀቕ ድማ በልኩዎ። ፈጺሞም ጥዑያት ተጋሩ እማ ኣይኰኑን ኢለ ድማ ተኻታዕኹዎ። ንሱ እውን እንተዀነ ካብ መጀመርታ ኵነታቶም ደስ ስለ ዘኢበሎ ቀልጢፉ ብ ሓሰበይ ተስማዕመዐ።ንሳቶም ብዙሕ ንኽዛረቡ ንፍቀደሎም እሞ ንትዓዘቦም ድማ ተብሃሃልና። ኣነ ብዓይነይ ገና ኣይርኹዎምን ነይረ፣ ድሓር ግን ቅልቅል ኢለ ርኹዎም። ብናተይ ግምት እቶም ሰባት ፈጺሞም መዓልታዊ ሸቕሊ ዝሰርሑ ኣይኰኑን፣ ነጋዶ ወይ ድማ ናይ ቢሮ ሰራሕተኛታት እዮም ክዀኑ ዝኽእሉ ኢለ ገምገምኩ። ንግዚኡ ድማ ዓርሰይ ከኢኣፋለጥኩ ክጸንሕ እሞ ክዕዘቦም ኢለ ድማ ወሰንኩ። ገና ምሸት እዮም መደቀሲ ቦትኦም ክፈልጡ። ናባይ ወይ ድማ ናብ እቲ ሓደ ዓርከይ ምእታዎም ዘኢይተርፍ እዩ። ምስ እቲ ዓርከይ በቃ ምሸት ዓርስኹም ኣፋልጡ ክብሃሉ እንድዮም ሽዑ ክንዕዘቦም እይና፣ ስቕ ድማ ንበል ተብሃሃልና። ኣጋጣሚ ኰይኑ ናብ ኣነ ዝነበርኩዎ እዮም ዝተመደቡ፣ ንትዕዝብቲ ድማ ዕድል ተማቻቸወለይ።

ምሸት ድሕሪ ድራር ሓዱሽ ዝኣተወ እሱር እንተሃሊዉ ጠጠው ኢሉ እዩ ዓርሱ ዘፋልጥ። ስለ እዚ ሓደ ብ ሓደ ጠጠው ኢሎም ዓርሶም ምፍላጥ ጀሚሮም። ንግዚኡ  ኣስማቶም ግዛቸውን ኣንዳርጌን ኢለዮም ኣለኹ። ካቦ

ካቦ (ዝፀንሐ ተኣሳሪ): እስቲ ምሉእ ስምካ፣ ካበይ ከም ዝመጻእኻን ብምንታይ ምኽንያት ከም ዝተጠርጠርካን ነዚ ገዛ ኣብራህርህ?

ግዛቸው: ስመይ ግዛቸው እየ ዝእብሃል፣ ካብ ትግራይ እየ። ሕጂ ግን ካብ ኣዲስ ኣበባ እየ መጺአ። ዝተጠርጠርኩሉ  ነገር ክሳብ ሕጂ ኣይተነገረንን ኣይፈለጥኩዎን ድማ።

ካቦ: ገዛ እንታይ ይብል?

ገዛ ብሓባር: እግዚአብሄር ይፍታሕኻ!

ካቦ: ካብ ገዛ ሕቶ ዘለዎ ሰብ ዶ ኣሎ? ግልጺ ድዩ፣ ዘኢበረሀሉ?

ኣነ: ኣነ ሕቶ ኣለኒ ካቦ?

ካቦ: ቀጽል።

ኣነ: ሕራይ የቐንየለይ። ካብ ትግራይ መዓዝ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺእኹም? ታሴራኹም ናይ ኣዲስ ኣበባ ድዩስ ወይ ናይ ትግራይ? ናብ ቢሾፍቱ መምጺኢኹም ምኽንያት ክትነግሩና ዶ ትኽእሉ? ኣበይን ብኸመይን ሒዞምኹም? የቐንየለይ።

ካቦ: ጽቡቕ ሕቶ እዩ ሓቲቱኩም፣ ንሕና ኵሉና ከማኻትኩም ተጠርጠርቲ እይና።  ስለ እዚ እመኑና እሞ ከኢሸፋፈንኩም ኵሉ ነገር ንገሩና። ቀጽሉ።

ግዛቸው: ካብ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሰነ 23, 2013 ዓ.ም እይና ኣቲውና። መታወቅያና ድማ ግዝያዊ ኰይኑ ካብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝተዋሃበና እዩ። ናብ ቢሾፍቱ መምጺኢና ምኽንያት ድማ ኣብ እዚ ንምንባር እዩ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ናብራ ስለ ዝኸበረ ኣብ እዚ ዶ ኾን ይሕሽ ኢልና እይና መጺእና።

ኣነ: ሰነ 23? ናይ ትግራይ መንገዲ እኮ ዕጽው እዩ ነይሩ ሽዑ፣ ከመይ ገይርኩም መጻኹም?

ግዛቸው: ሓቂ ንምዝራብ ንሕና ኣባላት ናይቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበርና እይና።ስለ እዚ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓቢርና ካብ መቐለ ናብ ዓፋር መጺእና። ካብኡ ድማ ካብ ሰመራ ንኣዲስ ኣበባ ብኣውሮፕላን ተጓዒዝና መጺእና።

ካቦ: ሕራይ። ካልኣይ ሰብ ቀጽል።

ኣንዳርጌ: ስመይ ኣንዳርጌ ይብሃል፣ ናይ ክሊቴና ጕዳይ ሓደ ዓይነት ስለ ዝዀነ ምድጋም እዩ ክዀን።

ካቦ: ሕራይ። ገዛ እንታይ ይብል?

ገዛ ብሓባር: እግዚአብሄር ይፍታሕኻ!

ደንቢ ናይቲ ገዛ ወዲኦም ተቐሚጦም። ሕቶታት ዝሓቶም ዝነበርኩ ኣነ እየ ግን ኣይለለዩንን። ትግራዋይ ከም ዝዀንኩ እውን ኣይፈለጡን።እቲ ኣብ ቀትሪ ን እቲ ዓርከይ ዝበሉዎን ምሽት ብዕሊ ዝነገሩናን ዓብዩ ፍልልይ እዩ ዘለዎ። ንጽባሒቱ ቀትሪ ድማ ኣነ ቅርብ ኢለ ብዕሊ ዓርሰይ ኣፋሊጠ ምስኣቶም ዕላል ጀሚረ። ኣብ ዕላልና ንስቶም እዮም ብ በዝሒ ዝዛረቡ ዝነበሩ።

ንሳቶም: ከመይ እሞ? ንስኻ እውን ትግራዋይ እይኻ? መዓዝን ብምንታይ ምኽንያትን ድኣ ተታሓዝካ?

ኣነ: እወ ትግራዋይ እየ። ኣብ መወዳእታ ሰነ እየ ተታሒዘ፣ መእሰርየይ እኳ ከም እቲ ኵሉ ትግራዋይ ዝእሰሮን ዝሳቐዮን ዘሎ እዩ። ዋላ ሓንቲ ገበን የብለይን፣ ብስሩ እውን ኣብ እዚ ከተማ ነባራይን በዓል ሞያን እየ።

ንሳቶም: ዋእ እቲ ሓደ ትግራዋይ እውን ከም እዚ እዩ ዝበለና ግን ከመይ ኢሉ ክዀን ይኽእል? ኦሮምያ እኮ ሓቛፊ እዩ። ናይ ህወሓት ኣባል ዲኻ ነይርካ?

ኣነ: ናይ ፖለቲካ ውድብ ኣባል ኰይነ ኣይእፈልጥን፥ ኣይኰንኩን እውን።

ንሳቶም: ናይ ተጋሩ ማሕበር ከ ኣለኩም ዶ ኣብዚ ከተማ?

ኣነ: ዘሎ ኣይይመስለንን ወይ እውን ኣይእፈልጥን። ኣነ ብወገነይ ግን ናይ ዝዀነ ማሕበር ኣባል ኣይኰንኩን።

ንሳቶም: ኣብዚ ዓዲ ትውንኖ ሃፍቲ ኣለካ ዶ? ማለት ከም ገዛውቲ ወይ ድማ ካልእ ሃፍቲ? ኣብ ትግራይ ከ ብህወሓት ዝተዋሃበካ መሬት( 70 ካሬ) ኣለካ ዶ?

ኣነ: ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣብዚ ዓዲ ምንም ዝውንኖ ንብረት የብለይን። ኣብ ትግራይ እውን ህወሓት ይዅን መንግስቲ ትግራይ ዝውሃበኒ መሬት የለን። ብስሩ ኸ ህወሓት ዶ መሬት ትዕድል እያ?

ንሳቶም: ዋእ እሞ እንታይ ገይርካ ድኣ ኣሲሮምኻ ብ ስሩ? ህወሓት ኰነ መንግስቲ ትግራይ ኣፈላላይ ኣይነበሮምን።

ኣነ: እዚ ኵሉ ተኣሲሩን፣ ዝጋፋዕን ዘሎ ትግራዋይ እንታይ ድዩ ገይሩ? ንስኻትኩም ከ እንታይ ዲኹም ገይርኩም ተታሒዝኩም ዘለኹም?

ንሳቶም: ዝእሰር ትግራዋይ እንተሃሊዉ ብገበን ተጠርጢሩ ከዀን ኣለዎ ኢልና እይና ንኣምን። እቲ ምስ ህወሓት ርክብ ዝነበሮ ትግራዋይ ንምንታይ ከም ዝእሰር ፍሉጥ እዩ፤ ካልእ ትግራዋይ ድማ ብ ውልቀ ዝሰርሖ ገበን እዩ እይና ንብል። ንዓና ብ ስሕተት እዮም ኣእቲዎምና ዘለዉ፣ ማለት ከም እቲ ካልእ ትግራዋይ ንተልእኾ ዝመጻእና እዩ መሲልዎም ዝዀን። ኣጻርዮም ድማ ክለቁና እዮም ምንም ጸገም የብሉን። ፖሊስ እኮ ሓደ ሰብ ጠርጢሩ ናይ ምሓዝ መሰል ኣለዎ እዩ፣ ናጻ እንተ ዀይኑ ድማ ተጻርዩ ይልቀቕ፣ በቃ ናይ እዚ መንግስቲ ኣሰራርሓ ከም እዚ እዩ። ንኣኻትኩም እውን ኣጻርዮም ክለቅኹም እዮም ትዕግስቲ ግበሩ።

ኣነ: ከም እቲ ካልእ ትግራዋይ ንተልእኾ ዝመጻእና መሲሉዎም ክትብል ከለኻ እንታይ ማለት እዩ? ካልእን ንሕናን ዝብሃል ትግራዋይ ኣሎ ድዩ? ምስ ህውሓት ርክብ ምህላውን ዘኢምህላውን ንዅሉ ትግራዋይ ኣሲሮም ድዮም ከጻርዩዎ? ምስ ህወሓት ድኣ እቲ ሕጂ ብልጽግና እየ ዝብል ዘሎ መንግስቲ እውን እኮ ርክብ ነይሩዎ እዩ። እንታይ ርክብ ጥራሕ ድኣ ሓቢሮም እምበር ን 27 ዓመታት ሃገር ይመርሑ ነይሮም፣ ኵሉ ምስ ህወሓት ርክብ ዝነበሮ ሰብ ገበነኛ እዩ ማለት ድዩ? ትግራዋይ እኮ ኢትዮጵያዊ እዩ ኣብ ድላዩ ተንቃሳቒሱ ናይ ምስራሕ መሰል ኣለዎ እዩ ዶ ሓቀይ ኢልኩምኒ ነይርኩም ዓንተቦ? ሕጂ ድማ ትግራዋይ ከም ገበነኛ ትሓስቡዎ ኣለኹም እሞ ኣይይዋቓዕን ዶ?

ንሳቶም: ኣይ ከምኡ ማለትና ኣይኰነን። ንሕና ናይቲ ጊዜያዊ ምምሕዳርን ናይ ብልጽግና ኣባላትን ከም ዝዀንና ኣይይፈለጡናን ንማለት እይና። ኵሉ ትግራዋይ ሓደ እንድዩ ግን ድማ ኵሉ ትግራዋይ ካብ ገበን ነጻ እዩ ምባል ኣይይክኣልን። እታ ናይ ቀደም ህወሓት ዘኢኰነትስ እዛ ብ ግብረ ራዕዲ ተሰዪማ ዘላ ህወሓት እይና ንብል ዘለና። ብ መሰረት ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያህወሓት ገበነኛ እያ፣ ኣሸባሪት እውን እያ። ምስ ኣሸባሪ ሓቢሩ ዝሰርሕ ሰብ ድማ ትግራዋይ ይዅን ኣይይዅን ብሕጊ ክሕተት እዩ ዘለዎ። ግን ንስኻ ትግራይ ኣበይ ከባቢ እዩ ዓድኻ?

ኣነ: ትግራዋይ እኮ ብጅምላ እዩ ዝጕሓፍን ግፍዒ ዝወርዶን ዘሎ፣ ንስኻትኩም ናይ እቲ ጊዜያዊ ምምሕዳር ኣባላት እንተዀይንኩም ብዛዕባ ካብ ሕጊ ወጻኢ ግፍዒ ዝወርዶ ዘሎ ትግራዋይ ኣይትሓቱን ዲኹም? ብስሩ ኸ ትግራዋይ ብ ዘኢገበን ትግራዋይ ስለ ዝዀነ ጥራሕ ይእሰርን ይቕተልን ከም ዘሎ  ትፈልጡ ዶ ወይ ድማ ትኣምኑ ዶ? ኣነ ትግራዋይ ኰይነ ወዲ ኣድያቦ ሸራሮ እየ። ብሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝወረደና ግፍዒ እኮ ዓለም ፈሊጡዎ እዩ። ስለ እዚ ንስኻትኩም ከም ተጋሩ እቲ ሓቂ ኣይንፈልጦን ትብሉ እንተ ሃሊውኹም ዘኢይእመን ነገር እዩ ክዀነኒ። ወይ ድማ ደፊርኩም ንምዝራብ ዓቕሚ ትስእኑ ኣለኹም ማለት እዩ።

ንሳቶም: ወዲ ሸራሮ ኣድያቦ ዲኻ? ወደይ ከመይ ኢልካ ደኣ ኣብዚ ነገር እዙይ ኣተውኻ? እወ ዝእሰር ትግራዋይ ከም ዘሎ ንፈልጥ እይና ግን እቶም ዲያስፖራ ተጋሩ ዘኢመልክዑ እናሃቡዎ እዩ ኣብ እዚ በጺሑ ዘሎ። ንሕና እቲ ክንገብሮን ክንብሎን ንኽእል ብጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቢልና ንገብሮ ነይርና እይና።

ኣነ: እንታይ እዩ ወዲ ኣድያቦ ዲኻ፣ ከመይ ጌርካ ኣብዚ ነገር ኣተውኻ ማለት ከ? ኣነ ምኢቲ ምኢታዊት ትግራዋይ ስለ ዝዀንኩ ጥራሕ እየ ኣብ እዚ ተኣሲረ ዘለኹ። ንዓኹም ኢለ ዘኢኰንኩስ ኣብ ቤት ፍርዲ እውን ትግራዋይ ስለ ዝዀንኩ እየ ተኣሲረ ኢለ እየ ተዛሪበ። ክሳብ ዝፍታሕ እውን ከምኣ ኢለ እየ ክእዛረብ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድላየይ ክእዛረብ መሰል ከም ዘለኒ ተረዲኡኒ እዩ።ኣብ ናይ ትግራይን ተጋሩን ጕዳይ ዘለኩም ኣታሓሳስባን መርገጺን ምንም ግልጺ ክዀነለይ ኣይክኣለን። ብ ዝዀነ ጸላእቲ ትግራይ ንደቂ ትግራይ ካብ ገጸ መሬት ንምጥፋእ እዮም ይሰርሑ ዘለዉ። ንስኻትኩም እውን ናይ ብልጽግና ኣባላት ስለ ዝዀንኩም ካብ ምእሳር ኣይድሓንኩምን፤ ስለ እዚ እቲ ኣጀንዳ ተጋሩ ንምጽናት ስለ ዝዀነ ሓቢርና እይና ንሳቐይ ዘለና ብሃላይ እየ። ኵሉ ትግራዋይ እኮ እዩ እናተሃደነ ናብ ቤት ማእሰርቲ ይድርበይ ዘሎ። ናይ ትግራዋይ ትካልን ንብረትን እኮ ብ ኣልማሚት ብ ዘኢምንም ምጽራይ እዩ ይዕሸግን ይውረስን ዘሎ። እዙይ እኮ ዝርአይ ሓቂ እዩ፣ ከመይ ገይርኩም እይኹም ንዙይ ካልእ ምኽንያት ክትህቡዎ ትፍትኑ?

ንሳቶም :ንሕና ከም ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነቲ ምኽንያት ህወሓት ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ውግእን ሳዕቤንናቱን ከስተኻኽል ዝኽእል ነገር እምበር ከጋድድ ዝኽእል ነገር ክንገብር ኣይንደልን። እወ ሓቅኻ እይኻ ሓደ ሓደ ንጹህ ትግራዋይ እውን ተለኪሙ ይጕዳእ ኣሎ እዩ ግን ከጋጥም ዝኽእል ነገር ስለ ዝዀነ ክገርመካ የብሉን። ብ ሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ ከም ዝብሃል እዩ። ክሳብ እቲ ገበነኛ ተፈልዩ ዝወጽእ ሓደ ሓደ ንጹሃት ሰባት እውን ይልከሙ እዮም። ን ኣብነት ንሕና ኣባላት ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ እይና። ናይ ፌደራል መንግስቲ እውን ይፈልጠና እዩ። ባዕሉ ድማ እዩ ካብ ትግራይ ኣውጺኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኰይንና ስራሕና ክንሰርሕ ዝገበረና።ብ ዘኢምፍላጥ ግን እዞም ናይ ቢሾፍቱ ፖላዊስ ሒዞም ኣሲሮምና ኣለዉ። እዙይ ድማ ጊዜያዊ ስሕተት ድኣ እምበር ካሊእ ኣይኰነን። ንሕና ንኽንወጽእ ኣባላት ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከም ዝዀንና ክነራጋግጽ ኣለና፣ ከነራጋግጽ ድማ እይና። ካብ ትግራይ ወጻኢ ዘለኹም ተጋሩ ድማ ንህዝብኹም ጥራሕ እይኹም ክትውግኑ ዘለኩም። ካሊእ ወገን እንተ ሒዝኩም ግን ንባዕልኹም እውን ኣይትዀኑን ንቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝብኹም እውን ኣይትሕግዙን።

ኣነ: ክልተ ግዘ ኣይእሰርን እየ ስለ እዚ ክሳብ መወዳእታ እየ ምኽንያታውን ርትዓውን ብ ዝዀነ መንገዲ ክካተዐኩም እደልይ ዘለኹ። ንስኻትኩም እውን ናይ ፖለቲካ ጸግዒ ገዲፍኩም እታ ኣብ ልብኹም ዘላ ሓሳብን መርገጺኹምን ክትነግሩኒ ድማ ተስፋ እገብር። ንስኻትኩም ነቲ ዝሕብሕብበኩም መንግስትኹም እናፈራሕኹም ኣነ ድማ ነቲ ዝኣሰረኒ መግስትኹም እናፈራሕኹ ሓቂ ዘኢኰነን ካብ ልበይ ዘኢእኣምነሉን ዝእዛረብ እንድሕር ኰይነ ዋጋ የብሉን። ንስኻትኩም እውን ከምኣ። ብሰንኪ ሓደ ክልተ ገበነኛታት ብ ሚልዮናት ዝቝጸር ትግራዋይ ክእሰርን ክጠፍእን ኣለዎ? እዚ ግልጺ ዝዀነ  ምጥፋእ ዘርኢ እምበር ካልእ ክዀን ኣይይኽእልን። ትግራዋይ ንጹህ ክብሃል እንተ ዀይኑ ናይ ግድን ኣባል ናይቲ ጊዜያዊ ምምሕዳር ክዀን ኣለዎ? ንስኻትኩም ሕጂ ቀዲምኩምና ክትወጽኡ እይኹም፣ ስለዚ ንሕና ገበነኛታት ንስኻትኩም ድማ ንጹሃት ማለት ድዩ?

ንሳቶም: ዎው ኣታ ሓወይ በቃ ካልእ ኣጀንዳና ነውግዕ። ኣብ እዚ ዓዲ ንኽንደይ ዓመታት ተቐሚጥካ?

ኣነ: እቲ ክትዕ ደስ እንተ ዘኢሉኩም ሕራይ ኣጀንዳ ንቐይር። ኣነ ኣብ ቢሾፍቱ ዳርጋ 10 ዓመታት ተቐሚጠ ኣለኹ።

ንሳቶም: ካብ ምዓዝ ጀሚርካ ማለት እዩ? ናይ እዚ ዓዲ መንበሪ መታወቂያ ኣለካ?

ኣነ: ካብ 2004 ዓ.ም ጀሚረ እየ ኣብ እዚ ዝነብር። እወ መታወቂያ ኣለኒ እዩ።

ንሳቶም: እሞ ብዛዕባ እዛ ከተማስ ኵሉ ነገር ትፈልጥ እይኻ?

ኣነ: ዋእ ኵሉ ነገር እኳ እንተ ዘኢበልኩ ካባኻትኩም ግን እሕየሽ እዀን እየ።

ንሳቶም: ከም እቲ ትማሊ ዝበልናዮ ኣብ እዚ ተኻርይና ንምንባር እዩ ሓሳብና። ስለ እዚ እንታይ ተማኽረና? ማለት ኣበይ ቀበሌ እዩ እቲ ጽቡቕ መንበሪ?

ኣነ: ደብረዘይት ንምንባር ጽብቕቲ ከተማ እያ። ሕሳር ገዛ እንተ ደልይኹም ኣብ ባቦጋያ እዩ እቲ ዝሕየሸ። ማእኸላይ ዋጋ ዘለዎ ግን ድማ ንዅሉ ማእኸል ሰፈር እዚ ሕጂ ዘለናሉ ቀበሌ 14/09 ዝብሃል እዩ።

ንሳቶም: ባቦጋያ ማለት እቲ ፒልከን ሆቴል ዝርከበሉ እዩ እወ ዶ?

ኣነ: እወ ንሱ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ናብ ቢሾፍቱ መጺእኹም ትፈልጡ ዲኹም? ፒልከን ሆቴል ከመይ ጌርካ ፈልጥካዮ ኢለ እየ።

ንሳቶም: ሓደ ክልተ ግዜ መጺእና ነይርና። ንኣኼባ እይና መጺእና ነይርና። ኣብ እቲ ፒልከን ዝብሃል ሪዞርት ንዓርፍ ነይርና። ጎልድ ማርክ ዝብሃል ሆቴል እውን ዶ ኣሎ ሓቀይ? ኣብኡ እውን ተኣኪብና ነይርና እይና። ንሱ ኸ ኣበይ ድዩ ዘሎ? ጠፊኡኒ።

ኣነ: ጎልድ ማርክ ኣብቲ ማእኸል ከተማ እዩ ዘሎ፣ ንምውጻእ ኣዲስ ኣበባ  እዩ ዘሎ። ኣኼባ ኣብ ቀረባ እዋን ዲኹም ተኣኪብኩም ነይርኩም ወይስ ቅድሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምጽእኹም?

ኣነ: ኣብዚ ወርሒ ሓምለ እባ ማለት ድሕሪ ናብ እዚ ምምጻእና እይና ክልተ ግዜ ተኣኪብና ነይርና።

ኣነ: እሞ ብዛዕባ እዛ ከተማስ ዝተወሰነ ሓበሬታ ኣለኩም እዩ? እቲ ኣኼባ ብዛዕባ ትግራይ ድዩስ ሓፈሻዊ?

ንሳቶም: እቲ ኣኼባ ብዛዕባ ኵነታት ጸጥታ ኢትዮጵያን እቶም ክልተ ግብረ ራዕዲ ጕጅለታት ከብጽሑዎ ዝኽእሉ ሽግራት ከመይ ንምክት ዝብል እዩ። ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ኰይኖም ግብረ ራዕዲ ክፍጽሙ ዝኽእሉ ጕጅለታትን ውልቀ ሰባትን ብ ኸመይ ንምክቶምን ንፈልዮምን ዝብል እዩ ነይሩ።

ኣነ: ናብቲ ናይ ዓንቶቦ ኣርእስቲ ደኣ ከኢመልሰኩም እምበር ብዛዕባ ትግራይ ዘኢይምልከት ጕዳይ ድኣ ንኣኻትኩም ከመይ ይምልከተኩም? ኣሸባሪ ግን ከመይ ኢሉ እዩ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ክህልው ዝኽእል? ማኣዝ እዩ ኣቲዉ? ተጋሩ ንምልቃም ዝተፈጠረ ዒባራ ምኽንያት ኣይይመስልን?

ንሳቶም: ኰሊልካ ኰሊልካ ዶ ናብኣ መሊስካና? እቲ ዕላማ ገበነኛታት ቅድሚ ገበን ምፍጻሞም ዕላመኦም ክፈሽልን ክፍለይን ምግባር እዩ። ኵሉ ማሕበረ ሰብ ከባቢኡ ክሕሉ፣ ዘኢልሙድ ነገር እንትህልው ድማ ናብ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ናይ ጸጥታ ኣካል ቀልጢፉ ከፍልጥ፣ ጸጕረ ለወጥ ሰብ እንተኣጋጢሙ እውን ናብ ዝምልከቶ ኣካል ኣሕሊፉ ክህብ እዩ ዝብል። እቶም ናይ እዚ ፖሊስ ጣብያ ኮማንደራት (2) ምሳና ተኣኪቦም ነይሮም እዮም። ንሳቶም ኣይፈለጡናን እምበር ንሕና ግን ዘኪርናዮም እይና።

ዝገርም እኮ እዩ! ገበነኛ ቅድሚ ገበን ምፍጻሙ ምፍላይ? እንታይ ተባሂሉ እዩ ክኽሰስ ሽዑ? ገበን ንምፍጻም ይሓስብ እዩ ተባሂሉ ድዩ ክኽሰስ? በቃ እዚ ማለት እቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝግበር ዘሎ ጅምላ ማእሰርቲ ማለት እዩ። ተጋሩ ብ ጅምላ ን ምእሳር ስ ሰሙናት ትእከቡ? ስሕተት ከም ዝዀነ ርእይኹምዎ ዶ ሕጂ ኸ? ተጋሩ ገበን ን ምፍጻም ይሓስቡ እዮም እሞ ኣብ ጥቓኹም ዘለዉ ተጋሩ ኣሕሊፍኩም ውሃቡ ኢልኩም ን ህዝቢ ነጊርኩም። ሕጊ እውን ኣጽዲቕኩም። ኢትዮጵያውያን ንዅሉ ትግርኛ ዝዛረብ እዮም ትግራዋይ ዝብሉዎ፣ ንኣኻትኩም እውን ማለተይ እየ። እቲ ትግራዋይ ን ምእሳር ዝወጽአ ሕጊ ሓቢርኩም ኣውጺእኹምዎ ግን ንስኻትኩም እውን ተጋሩ ከም ዝዀንኩም ረሲዒኹም ዲኹም? ኣብ መወዳእታ ኣብ እቲ ን ሰሙናት ተጋሩ ን ምእሳርን ን ምስቓይን ዝተኻየደ ኣኼባ ምሳኻትኩም ተኣኪቡ ዝነበረ ኮማንደር ንኣኻትኩም እውን ማዕረ ምሳይ ኣሲሩኩም። እሞ ኣየዘከርኩምዎን? ንሕና ምሳኻ ተኣኪብና ዝነበርና ናይ ትግራይ ጊዜያዊ ምምሕዳር ኣባላት እይና ኣይበልክምዎን? እንተበልኩምዎ እውን ዘይሩ ዘይሩ ተጋሩ እይኹም ዝብለኩም እዩ ዝመስለኒ። ንስኻትኩም ኣበየናይ እይኹም ተመዲብኩም? ጸጕረ ለወጥ ኣብ ዝብል ይመስለኒ?

ሓደ ካብ ኣቶም: ኣርእስቲ እንዶ ኣይትቐይር? እቲ ኣኼባ ብ ዛዕባ ሓፈሻዊ ጸላእቲ ኢትዮጵያ እምበር ብ ዛዕባ ተጋሩ ኣይነበረን። ፖለቲከኛ ዲኻ ነይርካ? ካበይ ናበይ እይኻ ትኽየድ ዘለኻ? ኣስፍሕ ኣቢልካ ሕሰቦ። ከም እቲ ንስኻ ዝሓሰብካዮን ዝተርጐምካዮን ኣይኰነን።

እዞም ክልተ ኣባላት እቲ ገበነኛ ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ትግራይ ኰይኖም ን ህዝቢ ትግራይ ዘኢጠቐሙ ስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኰይኖም ን ትግራይ ክጠቕሙ? ኵሉ ኩነታቶም ናይ ሓሶት እዩ። ስነ ልቦነኦም ይዅን ሕልኦም ዝሽየጡ ተጋሩ እዮም። በቃ ብ ደዎም ዝሞቱ ሰባት ማለት እዚኦም እዮም። ን እምኒ ስ እምኒ ኣይኰነን እኮ እዮም ይብሉኒ ዝነበሩ። ብ እቲ ባዕልቶም ዘውጽኡዎ ኣዋጅን ሕግን ተጋሩ ስለ ዝዀኑ ጥራሕ ተኣሲሮም ስ ገበን ዘየብሉ ትግራዋይ ኣይይእሰርን ዘሎ ይብሉኒ። ንሕና ኣይተኣሰርናን ምባል እያ ተሪፋቶም ነይራ። ንሕና ብ ስሕተት እይና ተኣሲርና ንስኻ ግን ባዕልኻ ትፈልጥ እዮም እኮ ይብሉ ዘለዉ። ምስ ሓረድቶም ኮፍ ኢሎም መቕተሊቶም ሕጊ የውጽኡ። ኣብ መእተውየይ ከም ዝሓበርኩዎ ኵሉ ማሕበረ ሰብ ናይቲ ከተማ ን ትግራዋይ ብ ፍሉይ ክካታተሎን ኣሕሊፉ ክውህቦን መምርሒ ወሪዱ እዩ።ኵሎም ሆቴላትን ካልኦት ትካላትን እውን ትግራዋይ ወይ ድማ ትግርኛ ዝዛረብ ኵሉ ናብ ፖሊስ ሪፖርት ን ኽገብሩ ተነጊሩዎም እዩ። እዞም ክልተ ገበነኛታት ናይቲ ጊዜያዊ ምምሕዳር ኣባላት እውን ብ መሰረት እቲ ዝወጽአ ሕጊ እዮም ተታሒዞም ተኣሲሮም ። ምጽናትትግራዋይ  ዘርኢ  ጥራሕ እዩ እቲ መዐቀኒ። እዞም  ኣባላት ብልጽግና እውን ተጠቒሞምሎም ምስ ኣብቅዑ ዘይሩ ዘይሩ ተጋሩ እይኹም ኢሎም እዮም ከጥፍኡዎም። ድሕሪትን ቅድሚትን እዩ ዝዀን ዘሎ እምበር ዘይሩ ዘይሩ ካብ እታ ን ትግራዋይ ዝተዳለወት ግፍዒ ኣየምለጡን እዮም።

ኣባላት ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድሕሪ ስነ 2013 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኡን ተበቲኖም ን ትግራዋይ ክስልሉን ከጽንዑን እዮም ተመዲቦም ነይሮም። እዞም ክልተ ሰባት እውን ንዓይን ንቶም መትኣስርተይን ዝሓቱና ዝነበሩ ሕቶታት ብ ምግምጋም ሰለልቲ ከም ዝዀኑ ምፍላጥ ይክኣል ይመስለኒ። መንግስቲ ብልጽግና ኣብ ልዕሊ ትግራዋይ ግፍዒ ን ዘውርድ ሰብ ወይ ጕጅለ ዘኢይኸፍሎ ክፍሊትን መስዋእትን የብሉን። ብ ፍላይ ዕሱብ ትግራዋይ እንተረኺቡ እማ ዝኸፍሎ ክፍሊትን ዝህቦ ክብርን ኣዝዩ ልዑል እዩ። እዞም ናይ ኣብርሃም በላይን ናይ ኣረጋዊ በርሀን ጕጅለታት ድማ እቶም ዋና ዋና ዕሱባት እዮም። ኣብ ትግራይ ንኣስታት 8 ኣዋርሕ ህዝብና ገዚኦምዎ እዮም። ካብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ  ጀሚሮም ድማ ኣብ ህድማ ኰይኖም ኣብ ትግራይ ን ዝነብር ትግራዋይ ዕጽዋ ብ ምግባር፣ ካብ ትግራይ ወጻኢ ኣብ ኢትዮጵያ ን ዝርከብ ትግራዋይ ድማ ጅምላዊ ግፍዒ ንኽወርዶ ቀዳሞት ተሓባበርትን ፈጸምትን ኰይኖም እዮም ቀጺሎም። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይኖም እውን ተልእኾኦም ኣይይርስዑን እዮም። ንኣይ ዝሓተቱኒ ሕትቶታት እኳ እንተወሲድና ትግራዋይ ንምጽማድ ዝጥቀሙሉ ሜላ ከም ዝዀነ ግልጺ እዩ። እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ደጋጊሞም ይሓቱኒ ነይሮም።

  •  ኣብ እዚ ከተማ ናይ ተጋሩ ማሕበር ኣለኩም ዶ?
  •  ኣብ እዚ ከተማ ናይ ህውሓት ቢሮ ነይሩ ዶ?
  •  ኣብ ትግራይ 70 ካሬ መሬት ተዓዲልካ ዶ?
  •  ኣባል ውድብ ዲኻ ነይርካ?
  •  ፖለቲከኛ ዲኻ?
  •  ወዲ ኣድያቦ ሸራሮ ኰይንካስ ኣብዚ ጕዳይ ትኣቱ?
  •  ኣባል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዲኻ ነይርካ? ከምኡ ስለ ዝሰማዕና እይና።
  •  እንታይ ንብረት ወይ ድማ ንግዲ ትውንን?
  •  ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብፍሉይ ትነጥፍ ዲኻ?
  •  ናይ ኦሮምያ መታወቅያ ድዩ ዘለካ? እዞም ምሳኻ ዝተኣሰሩ ሰባት ናይ ወርቂ ነጋዶ እዮም ኢሎሞም ?
  •  እታ ምሳኹም ዝተኣሰረት ጓል ሰብኣያ በዓል ፍሉይ ሞያ ኰይኑ ኣብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ እዩ ዝሰርሕ ነይሩ እወ ዶ? ንኣኻ ድማ ዓርክኻ እዩ?

ከም እዚኦም ዝበሉ ሕትቶታት ፖሊስ እኳ ኣይሓተተንን። ብእርይ ቍጽር እቲ ብልጽግና ትግራዋይ ን ምእሳር ዝጥቀመሉ ዒባራ ምኽንያት እዮም ይእልሹ ዝነበሩ። እተን ይሓትቱኒ ዝነበሩ ሕቶታት ብ ሕጊ ብልጽግናን ኣብይ ኣሕመድን ዓበይቲ ገበናት እየን። እቶም ዕሱባት ተጋሩ ድማ እዚአን ሒዞም እዮም ትግራዋይ ብ ጅምላ የእስሩዎ ዝነበሩ። ተጋሩ ብ ጅምላ ምእሳር ብ ዕሊ ብ ኣዋጅ ከኢተጀመረ እናሃለወ ብ ዕሱባት ተጋሩን ኤርትራውያንን እዩ ይፍጸም ዝነበረ። ብ ፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኤርትራውያን ምስ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኰይኖም ትግራዋይ እናሃደኑ እዮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝዳጕኑዎ ዝነበሩ። ዕሱባት ተጋሩ ድማ ፍሉይ ተልእኾ እዩ ዝውሃቦም ዝነበረ። ን ኣብነት ሃፋትምን  ምሁራትን ተጋሩ ኣሊሽካ ን ምሓዝ መብዛሕትኡ እቶም ዕሱባት ተጋሩ እዮም ዝፍጽሙዎ። ኣብ ሶሻል ሚድያ ዝነጥፉ ተጋሩ እውን ብ ዕሱባት እዮም ይእሰሩ ዝነበሩ። ካብ እዚ ን ላዕሊ ዝዀነ ተልእኾ እንተሃሊዉ እውን ዕሱባት ኣብርሃም በላይን ኣረጋዊት በርሀን እዮም ዝፍጽሙዎ።

ግዛቸውን ኣንዳርጌን ሰሙን ምስ ገበሩ ዓቕሎም እናጸበቦም ክየደ። ናብ ብዓል ኣብርሃም በላይን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ዕሱብ ጊዜያዊ ምምሕዳር ደዊሎም ነጊሮምዎም እዮም፣ ግን ቀልጢፎም መፍትሒ ክውህቡዎም ኣይክኣሉን። እቶም መርመርትን ኮማንደራትን ድማ ክኣምኑዎም ኣይክኣሉን። ካብ ፌደራል ሕጋዊ ደብዳበ ሒዙ ዝመጽእ ኣካል እንተሃሊዉ ይምጻእ እንተዘኢኰይኑ ግን ናብ ቤት ፍርዲ ክነቕርበኩም እይና እዮም ዝበሉዎም። በብ ምዓልቱ ስልኪ ይድዉሉ፣ተጸበዩና ንውድአልኩም ኣለና ይብሉዎም ግን ፍታሕ የለን። ጕዳዮም ከም ናትና ብ ኮማንድ ፖስት እዩ ተታሒዙ ስለ እዚ እቲ ጣብያ ብ ቐሊሉ ክለቆም ኣይይኽእልን። ሓደ ትግራዋይ ብሓበሬታ እንተተሒዙ ሽዑ ንሽዑ እዩ ሙሉእ ስሙን ካልእ ድሕረ ባይትኡን ናብ እቲ ዋና መምርሒ ፖሊስን ኮማንድ ፖስትን ዝምሓላለፍ። ስለ እዚ ናይ ግዛቸውን ኣንዳርጌን ጕዳይ እውን ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስን ኮማንድፖስትን ተመዝጊቡ እዩ። ተጋሩ ን ምግፋዕን ንምጥፋእን ተፋራሪሞም ብ ሓባር ዝሰርሑ ዝነበሩ ዕሱባት፣ ተጋሩ ስለ ዝዀኑ በቲ ባዕልቶም ዘውጽኡዎ ሸይጣናዊ ሕጊ ናብ መዳጐኒ ኣቲዎም ን ልዕሊ 15 ምዓልትታት ተኣሲሮም። ድሕሪ ናይ ክልተ ሰሙናት ውረድ ደይብን ምይይጥን ሰለስተ ዓበይቲ ዕሱባት ማለት ኣባላት ካቢነ እቲ ጊዜያዊ ምምሕዳር እየ ባሃላይ ብ ቪ8 መጺኦምሎም። ሓደ ምዓልቲ ኣብ እቲ ጣብያ  ክመላለሱ ውዓሉ። ከኢሰለጦም ድማ ተመሊሶም ናብ ኣዲስ ኣበባ ክየዱ። ን ጽባሒትኡ ተመሊሶም መጺኦም ናብ እቲ ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ብ ምኽያድ ወዲኦምሎም።

ዕሱባት ን ዕሱባት ጥራሕ እዮም ዋሕሳት ክዀኑ ዝኽእሉ። ብ ትግራዋይነት እማ ኣነ እውን ትግራዋይ እየ ግን ንኣይ ክውሓሱኒ ኣይይኽእሉን፤ ምኽንያቱ ድማ ዕሱብ ን ዕሱብ ጥራሕ እዩ ኣሚኑ ክውሓስ ዝኽእል። ግዛቸውን አንዳርጌን ካብ እቲ መእሰሪ ቦታ ድሕሪ ምውጽኦም፣ ሓደ ዓርክና ን ሓደ ካብ እቶም ዕሱባት ሰባት ብ መስኰት ጸዊዑ ንሕና እውን ኣብ እዚ ኣለና በጃኹም ድምጺ ኵኑና ኢሉዎም ነይሩ እዩ። ነቲ ድምጺ ኵኑና ዝብለ መታኣስርትና ካብ እቶም ሰለስተ ዕሱባት እቲ ሓደ ጽግዕ ኢሉ ኣዛሪቡዎ ተመሊሱ ናብቲ ናይ ኮማንደር ቢሮ ኣትዉ ነይሩ ግን ምንም ከኢበሎ እዩ ወጺኡ ዝኽየደ። ወዲ ደብረዘይት ኰይኑ ብ ድፍረቱን ድላዩ ብ ምዝራብን ዝፍለጥ እሱር ነይሩ፣ በቃ ን ፖሊስ ይዅን ን ዓቃቢ ሕጊ ድላዩ እዩ ዝዛረብ። ን ዓና (ን ተጋሩ) ድማ ፈታዊና እዩ ነይሩ። ብዙሕ ጽቡቕ ነገር እውን ገይሩለይ እዩ። እምብኣር ን እቶም ዕሱባት ጺዊዑ ከም እዚ በሎም፦

ዘሪጋ: ኣረ ንዓይ እውን ለምኑለይ በጃኻትኩም? ካብ ዝእሰር 8 ወርሐይ ጌረ ኣለኹ፣ ጠያቒ ዝብሃል እኳ ከኢይርእየኒ ተኸልኪለ እየ። በጃኻትኩም ንኣኻትኩም ክሰምዕኹም ይኽእሉ እዮም።

ካብ እቶም ዕሱባት ሓደ፦ 8 ወርሒ? እንታይ እይኻ ጌርካ ተኣሲርካ? እንታይ እዮም ይብሉኻ ዘለዉ?

ዘሪጋ: ኣውሮፕላን ትሕት ኣቢልካ ኣብሪርካ ኢሎም እዮም ከሲሶምኒ ዘለዉ ግን ምንም ምስክር ስለ ዘየብሎም ናብ ቤት ፍርዲ እኳ ከቕርቡኒ ኣይክኣሉን። ኣብ እዚኣ እዮም ክቐትሉኒ ደልዮም ዘለዉ። በጃኻትኩም ርድኡኒ።

ዕሱብ: እዋእ እንታይ ጕዱ ወደይ? ከም እዚ ዓይነት ክስሲ እውን ዶ ኣሎ እዩ? በቃ ነቲ ኮማንደር ከዛርቦ እየ ሕራይ።

ዘሪጋ: ሕራይ ማርያም ሕራይ ትበልካ ዝሓወይ።

እቲ ሃላይ ዕሱብ ቀልድን ቍውም ነገርን ስለ ዘኢይፈልይ ናብ እቲ ኮማንደር ከይዱ ነጊሩዎ። እቲ ኮማንደር ድማ ስሒቑ ይቕልደልካ እዩ ዘሎ ኢሉ መሊስሉ። ድሕሪ ክልተ ምዓልቲ እቲ ዋና ኮማንደር ን ዘሪጋ ናብ መስኰት ጸዊዑ ንስኻ ዲኻ ኣውሮፕላን ትሕት ኣቢልካ ኣብሪርካ ተባሂለ እየ ተኣሲረ እናበልካ ትዛረብ ዘለኻ? ኣንታ ዒዋላ ኢሉ ጸሪፉዎ ክየደ። ግዛቸውን አንዳርጌን ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ማይን ምግብን ሒዞም ንዅሉ እሱር ጠይቖም እዮም። ኣብ እዚኣ ድማ ቍውም ነገር ሰሪሖም።

እምባኣር ከም እታ ዝበሉዋ ኰይና። ንሕና ከም እቲ ካልእ ትግራዋይ ተልእኾ ዘለና መሲሉዎም እዩ ብ ስሕተት ኣሲሮምና ዘለዉ፣ ናይ ብልጽግናን ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይን ኣባላት ከም ዝዀንና ምስ ፈለጡ ክለቁና እዮም ኢሎም ነይሮም። ኰይና ድማ። ካብ ቤት ጽሕፈት ብልጽግና ጽሩያት ተጋሩ ከም ዝዀኑ ምስ ተነገረሎም ኣብ 15 መዓልቶም ይቅርታ ተባሂሎም ተለቒቖም። ኣነ ኸ? ኣነ እማ ካልእ ትግራዋይ እንድየ፣ ኣነ እማ ተልእኾ ዘለኒ ትግራዋይ እንድየ፣ ኣነ እማ ኣባል ብልጽግና ኣይኰንኩን፣ ኣነ እማ ጽሩይ ትግራይ ኣይኰንኩን። ኣነ እማ ኣይእግዛእን ዝበልኩ ትግራዋይ ስለ ዝዀንኩ ክጠፍእ እዮም ዝደልዩኒ። ዕሱባትን ን ትግራይ ዝጭፍጭፉን ጽሩያት ዝብሃልሉ ከም እዚ ከማይ ሓደ ውጹዕ ትግራዋይ ድማ ገበነኛ ዝብሃለሉ እዋን እይና ዘለና። ዕሱባት ኣብ 15 መዓልቶም ብ ስሕተት እይኹም ተኣሲርኩም ተባሂሎም እንትፍትሑ ኣነ ግን ን 173 መዓልታት ማእለያ ዘየብሉ ግፍዕታት ወሪዱኒ፣ ኣብ መወዳእታ እውን ዘኢተኣደነ ገንዘብ ከፊለ እየ ሓራ ዝወጻእኹ።

ዜናሁ ለግፉዕ፡ ስም ብርዒ ብ ዓይኑ ብዙሕ ግፍዒ ተጋሩ ዝርአየ ሰብ እዩ። ፈለማ ኣብ ሸራሮ፥ ካብኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፥ ሀዚ ድማ ኣብ ጅቡቲ።

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT