Connect with us

መርገፂ

ሳወት፦ መሰረቱ ዝፈረሰ ሕገ መንግስቲ ዝገበረ ድርድር ሓደጋታት ኣለዉዎ

Published

on

መብርሂ፦ እቱ ዝይስዕብ መግለፅን መርገፅን፡ ሳወት ኣብ ጕዳይ ‘ድርድር’ ትግራይን ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ኣብ ርክባት ውድባት ትግራይን መንግስቲ ትግራይን ኣመልኪቱ ዘውፅኦ እዩ። ከም ዘለዎ ቀሪቡ ኣሎ።


ሰሙናዊ መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ 

1. ዝፈረሰ ሕገ መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ድርድር ብዝምልከት 

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ህልውና ህዝቢ ትግራይ ብዘላቕነት ዘረጋግፅ፣ ብሄራዊ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ብዝተማልኣ መንገዲ ዘውሕስ፣ ናፅነት ትግራይ ዓለምለኻዊ ቅቡልነት ብዘማልአ ከይዲ ረፈረንደም ክውሰን ዘኽእል፣ ህዝባዊ ቃልስና ዝፈጠሮም ዓቕምታት ዘቐፅልን ዘጠናኽርን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈፀመ ገበን ዘርኢ ምፅናት ፍትሕን ግቡእ ካሕሳን ዘረጋግፅ፣ ኩሎም ሰብ ግደ ተጋሩ ዘሳተፈ ከይዲ ድርድርን ዘተን ክህልው ከምዘለዎ ዘየማትእ መርገፂ ኣለዎ። ይኹን እምበር ረብሓ ትግራይ ብዘሀግር ንህዝቢ ትግራይ ዘይውክል ይኹን ብድፍኢት ናይ ደገ ሓይልታት ዝግበር ናይ ሓደ ወገን ዘባል ከይዲ ድርድርን ዘተን ፍፁም ኣይቕበልን። 

ምስዚ ተኣሳሲሩ በቲ ዝፈረሰ ሕገ መንግስቲ ፌዲሪኢ መሰረት ገይርካ ድርድርን ዘተን ንምግባር ድልየታት ከምዘለው ብግልፂ ይርኣይ ኣሎ። እዚ ሕገ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈፀመ ገበን ዘርኢ ምፅናት መድሕንና ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ደገ ናይ ፅንተት መሻርኽታ ብምዃን እቲ ሕገ መንግስቲ ኣፍሪሳቶ እያ። ስለዚ እዚ ሕገ መንግስቲ ህልውንኡ ዘበቀዐ ዋላ’ኳ እንተኾነ፣ ከም መደራደሪ ሰነድ ምጥቃም ብዙሓት ሓደጋታት ዘስዕብ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ብመሰረቱ ኣብ ኢትዮጵያ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ከም ህልው ዝሰርዐ ፖለቲካዊ ሓይሊ፤ ሕገ መንግስቲ ብምፍራስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈፀመ ገበን ዘርኢ ምፅናት ምኽሓድ እዩ ዝኸውን። ብተወሳኺ እውን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጠሮም ወተሃደራውን ዲፕሎማስያውን ዓቕምታት ዘምክን ከይዲ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ሕገ መንግስቲ፡ ትግራይ ናብቲ ቅድሚ ኩናት ዘርኢ ምፅናት ዝነበረቶ ብርኪ ማለት እውን ናብ “ክልል” ክትምለስ ብምግባር ንሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ሓዊሱ ናይ ወፃኢ ዝምድናን ዲፕሎማስን ትካላት ክፈርሱን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንበለል ዘትርፍ ስለዝኾነን እዩ። ብኻልእ መዳይ ድማ ካብ ሕገ መንግስቲ ዝነቅል ከይዲ ድርድር ናይ ትግራይ ፀገም ኣካል ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ፀገም ኢትዮጵያ ኮይኑ ክረአን ብናይ ኢትዮጵያ ድሌት ዝተማእዘነ ከይዲ ድርድር ብምፍጣር፤ ናይ ትግራይ ናይ ምድርዳር ዓቕሚ ይኹን ኣብ ከይዲ ህዝባዊ ቃልሲ ዝጥረየቶም ብልጫታትት እውን ብመሰረታውነቱ ስለዘዳኽም እዩ፡፡  

ብሓፈሻ፡ ከይዲ ድርድር ናይ ትግራይ ዝለዓለ ረብሓ ብዘረጋግፅ ከይድን ስርዓት እምበር፤ ባህግን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ዝጎሰየ፣ ረብሓ ትግራይ ብዘሀግር፣ ናይ ሓደ ወገን ዓርሓነት ዘውሕስን ሕገ መንግስቲ መሰረት ዝገበረ ከይዲ ድርድርን ዘተን ተቐባልነት የብሉን፡፡ ምኸንያቱ ድማ እቲ ዝፈረሰ ሕገ መንግስቲ መሰረት ገይርካ ዝግበር ድርድር ፖለቲካዊ፣ ጂኦግራፊያዊ፣ ጂኦፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ወተሃደራውን መንነታውን ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ኣሐሊፉ ዝህብ እዩ፡፡ 

2. ርክብ ውድባት ትግራይ ብዝምልከት 

ኣብ ቀረባ እዋናት ብሄራውያን ውድባት ብዝምልከት፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ቤት ምኽሪ ውድባትን ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ዝነበረ ርክብን ከይድታቱን ብዝምልከት ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻትን ሚድያታትን ብወገን ህወሓት ዝተዛብዑ ሓበሬታታት ክዝረዉ ቀኒዮም እዮም፡፡ እዚ ብመስረቱ ከም ህዝቢ ምስቲ ዘለናዮ ኣዝዩ ኣፀጋሚ ኩነታት፣ እቲ ኩነታት ብዝርዝር ካብ ምግላፅ ተቖጢብና ዋላ እንተነበርና፣ እቲ ፀገም እናተጋደደ ይኸይድ ስለዘሎን ኣብ

ህዝብና ድማ ጉጉይ ርዲኢት ንኽፍጠር ብዘይምቁራፅ ይስርሐሎ ስለዘሎ፣ ሓቀኛ ምስሊ እቲ ኩነታት ምቕራብ ኣድላዪ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ፡፡ 

ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝተፀሓፈን ኣብ ዝተፈላለዪ ሚድያታት ዝቐረበን ክሲ፣ ፀለመን ጉጉይ ሓበሬታን ኣቕሪቡ እዩ፡፡ ኣብቲ ፅሑፍ ዝተገለፁ “ምስ ኩሉ ድሌቶምን ሕንቃቐኦምን”፣ “ሃጠውቀጠው” ዝብሉን ካልኦትን ተራ ናይ ፅርጊያ ፀርፍታት፣ መልሲ መብርህራህን ዘድልዮም ዋላኳ እንተዘይኾኑ፤ ባህርን ኣተሓሳስባን ብኢደ ወነኑ ስልጣን ናይ ዝገበተ ሓይሊ ቁሉጭ ኣቢሉ ዘርኢ ምዃኑ ኩሉ ከስተብህለሉ ይግባእ፡፡ 

ከምዝፍለጥ ውድባት ትግራይ ‹‹ህልውና ትግራይ ንምርግጋፅ›› ብሓባር ምቅላስ ዝብል ኣውራ ዕላማ ዝተሓንገጠ፤ ኣርባዕተ ውድባት ትግራይ ማለት እውን ሳልሳይ ወያነ ትግራይ (ሳወት)፣ ውድብ ናፅነት ትግራይ (ናፅነት)፣ ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና)፣ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዝሓቐፈ ቤት ምኽሪ ውድባት ትግራይ ተጣይሹ እዩ፡፡ እዚ ቤት ምኽሪ ንውሑዳት ዘይበሃሉ ኣዋርሕ ኣብ ዝተነፀሩ ኣጀንዳታት ምይይጥን ዘተን ንምግባር ዋላኳ እንተተፈተነ ፈፀግ ዝነበሮ ግን ኣይኮነን፡፡ እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ እንተብቕዕ ኣብ በበይኑ መድረኻትን ኣጋጣሚታትን መራሕቲ ህወሓት ምስ ውድባት ጥቑብ ርክብ፣ ኣድማዒ ምይይጥን ዘተን ይግበር ከምዝነበረ ዘስምዑ መደረታትን ዘረባታትን ገይሮም እዮም፡፡ ስለዚ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ይኹን ኣርባዕቲኦም ኣቦ መንበራት ውድባት ትግራይ ኣብ ዝነበሮም መድረኽ ንሓበራዊ ውሳነ ዝበቕዕ ዘተ ተገይሩ ኣይፈልጥን፡፡ 

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘስፈሮ ፅሑፍ ‹‹ፊርማ መራሕቲ ውድባት ሚድያታት ትግራይ ከይቐርፆዎ ሕይል ዝበለ ተቓውሞ ካብ ተቓውሞቲ ቀሪቡ for the record ጥራሕ ስእሊ ናይ ምውሳድ ዕድል ረኺበ›› ፤ ኣቐፅል ኣቢሉ ድማ ‹‹ውድባት ትግራይ ምስ ኣቦ ወንበር ህወሓት ዝተፈራረምዎ ስምምዕ ዝምልከት ስእሊ ኣብቲ እዋን ብናቶም ስምምዕ ወሲደ ነይረ፡፡›› እዚ ፅሑፍ መሰረታዊ ስሕታት ዘለውዎ እዩ፡፡ ብኣውርኡ ውድባት ትግራይ ንህወሓት እውን ሓዊሱ እቲ ናይ ፊርማ ስነ ስርዓት ከይቕረፅ ዝተሰማምዑ ኮይኖም፤ ውድባት ኣብ ከይዲ ምይይጥ ስለዝነበሩ፣ እቶም ዝዛተይሎም ዝነበሩ ኣጀንዳታት ኣብ ብርኪ ሓበራዊ ስምምዕነትን ምርድዳእን ምስበፅሑ ብሓባር ኮይኖም ብሚድያ ንህዝቢ ዕላዊ እንተገበይሩ ይሓይሽ ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ ስለዝተወሰነ እዩ፡፡ ቀፂሉ ድማ ኣብ ወርሒ ለካቲት ቤት ምኽሪ ውድባት ትግራይ ዝገበሮም ምይይጣትን ዝሓዞም ቅዋማትን ብዝምልከት ንሚድያ ዕላዊ ክግበር ተወሲኑ፣ ካብ ነብሰ ወከፍ ኣባል ውድባት እቲ ቤት ምኽሪ ዝተወከሉ ኣርባዕተ ኣባላት ዘለውዎ ኮሚቴ ቆይሙ ነይሩ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ብወገን ህወሓት ብዝተፈጠረ ግሉፅ ዕንቅፋት ተግባራዊ ክኸውን ኣይከኣለን፡፡ ካልእ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ፅሑፍ ዘሎ ሰፋል መደምደምታ፣ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ዝነበረ ፍልልይ ብናይ ሓባር ውሳነ ዕልባት ዝተውሃበሎም ጉዳያት ንፀለመ ዝጥዕም ኣጀንዳ መዚዝካ ‹‹ንሕናን ንሶምን›› ዝብል ዛዕባ ብምፍጣር፤ ዓንቀፅ 17/1 ‹‹ውሳነ ቤት ምኽሪ ውድባት ትግራይ ብሓበራዊ ምርድዳእ ውይ ድማ ብሰለስተ ርብዒ (75) ክሓልፉ ኣለዎም›› ዝብልን ውሳነ ቤት ምኽሪ ኣባላት ናይ ምኽባር ግቡእ ዝፃባእ ተግባር እዩ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ንስነዳ ጥራሕ ክተሓዝ ሰምምዕነት ዝተገበረሉ ሰነድ (ሰእሊ ፊርማ መራሕቲ ውድባት)፣ ብኢደ ወነኑን ካብ ፍቓድን ኣፍልጦን እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ስሩዕ ሚድታትን ዘርጊሕዎ እዩ፡፡ እዚ ኣብ ዓንቀፅ 8.2/ iv ብግልፂ ዝተቐመጠ ‹‹ሓበራዊ ውሳነታት ናይ ምኽባር›› ግቡእ ኣባላት ቤት ምኽሪ ውድባት ትግራይ ብግልፂ ተጣሒሱ እዩ፡፡

ካልእ ክጥቀስ ዘለዎ መሰረታዊ ሓቂ ድማ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ውድባት ትግራይ ንቡዝሓት እዋናት ተቋሪፁ እዩ፡፡ እዚ ዝበዝሕ እዋን ብወገን ህወሓት ብዝፈጠሩ ምኽንያታት ዘጋጥሙ ኮይኖም፣ እተን ዝተረፋ ኣባል ውድባት ካብ ኣዝዮም ውሑዳት ኣጋጣሚታት ወፃኢ ኣካል እዚ ፀገም ኣይኮናን፡፡ ይኹን እምበር “ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ክንራኸብ ‘ውን ቆፀሮ ነይሩና ስራሕ ግዲ በዚሕዎም ተሪፎም” ዝብል ናይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓሳብ ነቲ ሓቂ ዝፃረር እዩ፡፡ ብድምር ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተፀሓፈ ውድባት ትግራይ ‹‹ሓንቂቖም›› ዝብል ዘይእርኑብ ሓሳብ ከምኡ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብመራሕቲ ህወሓት ዝተበሃሉ ህውኻት መደምደምታታት ንፖለቲካ ትግራይ ዘባላሽው እዮም፡፡ እዞም ተግባራት ካብ ገባትን ሓላፍነት ዘይስምዖን ስርዓት ትፅቢት ዝገበሩ እንተኾነኳ፤ ነቲ ሐዚ ዘለናሉ ናይ ህልውና ሓደጋ ይኹን፣ ኣብ መፃኢ ክትገሃድ ንዘለዋ ዴሞክራስያዊት ሃገረ ትግራይ ዕንቐፋታት ስለዝኾኑ ብኣግኡን ዕላዊ መኣረምታ ክግበረሎም ይግባእ፡፡ ምስዚ ተዛሚዱ ሓደ ሓደ ነቲ ገዛኢ ውድብ ዝወገኑ ሚድያታት ኣብዚ ዛዕባ ትግራዋይ ግብኦም ኣብ ክንዲ ምፍፃም፡ ዝተዛብዐ ሓበሬታ ናብ ህዝቢ ብምብፃሕ ኣብ ትግራይ ዴሞክራሲ ከይትከልን ጉዕዞ ናፅነት ትግራይ ክሰናኸል ትግራይ ጉጉይ ልኡኽ ዝወሰዱን ከምኡ ድማ ንተናሓናሕቲ ውድባት ትግራይ ኣብ ምፅላም ንዝተፀመዱ ሚድያታት ካብ ጉጉይ ተግባራቶም ክእረሙ ንፅውዕ፡፡ 

ኣብ መወዳእታ ኣብ ማዕርነትን ምክብባርን ዝተመስረተ፤ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘቐድም መድረኽ ምስ ህወሓት ይኹን ምስ ካልኦት ውድባት ትግራይ ሓቢሩ ንምስራሕ ዘለዎ ድልውነት ደጊሙ ከረጋግፅ ይደሊ፡፡ 

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ 

መቐለ፣ ትግራይ 

ሰነ 24/ 2014 ኣ.ግ.  

ብሄራዊ ቃልሲ ወሎዶታት ትግራይ ብናፅነት ይኽምበት

Continue Reading
1 Comment

1 Comment

  1. Yohannes Girmay

    July 1, 2022 at 5:56 pm

    ..,.”ስለዚ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ይኹን ኣርባዕቲኦም ኣቦ መንበራት ውድባት ትግራይ ኣብ ዝነበሮም መድረኽ ንሓበራዊ ውሳነ ዝበቕዕ ዘተ ተገይሩ ኣይፈልጥን፡፡”
    ናየ ሕቶ?
    ኣብቲ መድርኽ እንድሕር ንሓበራዊ ውሳነ ዝብቅዕ ዘተ ተገይሩ ለይፈልጥ ኾይኑ ብዛዕባ ታይ እዩ ዳኣ ልተፈራረምኹምዎ?(አፍቱ ፎቶ ለሎ)
    ብሱሩባ እቱ ልባሃል’ለሎ ዘተ ሰላም ክምርሐሉ ልግባእ(ካፍቱ ሕገ መንግስቲ ወፃኢ) እልትብልዎ ናትኹም ሕጋዊ መበገሲ መስርሕ(ሕጊ) ታይ እዩ?
    እዚ ሕቶ ለቅረብኽዎ ብትሕትና እዩ!! ስለምንታይ: ኹሉ ትግራዋይ ልአይ ብጣዕሚ ልፎትዎ ኽቡር ሰብ እዩ(ብለይ ዞም እንፈልጦም)
    Thanks!!

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT