መግለፂ

ሳወት፦ ሰሙናዊ መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

Published

on

ሰሙናዊ መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

1. ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት 

ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ውሱን ለውጢ ዋላ’ኳ እንተሃለዎ፤ ሐዚ ‘ውን ኣብ ሰናይ ድልየትን ፍቓድን ስርዓት ኢትዮጵያ ዝተመስረተ እዩ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ናብ ድርድር ክኣቱ ዘይግባእን ብዝኾነ ምኽንያት ክተዓናቀፍ ዘይነበሮን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ትግራይ ግን ብኣንፃሩ ጥቓ ሓደ ዓመት ሰብኣዊ ሓገዝ ከይኣቱ ተኸልኪሉ ፀኒሑ እዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ውሱን ምምሕያሽ ዝተርኣየሉ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ እውን እንተኾነ ምስቲ ጠለብ ፈፂሙ ዝመጣጠን ኣይኮነን። ብዓይነት ክረኣ ከሎ እውን ብተመሳሳሊ ናይ ምግቢ ዓይነታት /food items/ ዝበሃሉ መሰረታዊ ቀረባት ምግቢ ማለት እውን ስርናይ፣ ዓተርን ዘይትን ሕፅረት ኣሎ። ካብዚ ወፃኢ ዘለው ኣድለይቲ ነገራት ማለት እውን መድሓኒት፣ ነዳዲ፣ ሃነፅቲ ምግብታትን ካልኦትን ድማ ኣዝዩ ትሑት መጠን ንምእታው ፈተነታት ይንበር ‘ምበር፤ ተኸታታልነት ዘይብሉ፣ መጠኑ ኣዝዩ ውሑድ፣ ትኹረት ዝሰኣነ ጉዳይ ኮይኑ ይርከብ። ስለዝኾነ ዘድለ በዝሕን ዓይነትን ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይገደብን ብተኸታታልን ናብ ትግራይ ንክኣቱ፤ ፖለቲካውን ወተሃዳራውን ሕድገት /concession/ ዘይግበረሉ ጉዳይ ምዃኑ ብምርዳእ፤ ብወገን ስርዓት ኢትዮጵያ ዘሎ ርኡይ ናይ ምትዕንቃፍ ተግባራት ይኹን ብትካላት ወሃብቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝርአዩ ጉድለታት ንምስትኽኻል ኩሉ ትግራዋይ ዘይተቋረፀ ጎስጓስ ክገብር ኣለዎ፡፡ ኣብዚ መዳይ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣቱ ክውግኖም ዝፀንሐ ሰፋሕቲ ዲፕሎማስያዊ ፃዕርታት ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ከረጋግፅ ይደሊ፡፡ 

ናብ ወረዳታትን ከተማታትን ዝበፅሐ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዝተፈላለዩ ፀገማት ዝተቓልዐ እዩ። እቲ ቀንድን መሰረታውን ፀገም ኣብ ዕደላ ተጠቀምቲ ሰብኣዊ ረድኤት ዘሎ ግልፂ ምጉናይን ሌላን ጉሌላን እዩ። ከምዝፍለጥ እቲ ናይ ፅንተት ኩናት ዘስዐቦ ዕንወትን ድሒሩ ብዝተነበረ ክባን ዳርጋ ሙሉእ ህዝቢ ትግራይ ተፀባዪ ሰብኣዊ ሓገዝ ኮይኑ እዩ። ይኹን ‘ምበር ኣብ ግልፂ መዐቀኒ ዝተመስረተ ናይ ዕደላ ቅደም ሰዓብ /ሪጋ/ ብምውፃእ ረድኤት ክዕደል እናተገብኦ፤ ኣብዚ መዳይ ኣዝዮም መነወርቲ ተግባራት ይፍፀሙ ኣለው፡፡ እዞም ተግባራት ብሰንኪ ጥምየትን ዓፀቦን ኣብ ደንደስ ሞት ንዝርከብ ህዝብና ኣብ ክንዲ ብፍትሓውነት ተባፃሒ ብምግባር ህይወት ብዙሓት ወገናት ምድሓን፤ ኣዝዮም መነወርቲ ተግባራት ብምፍፃም ስቓይ ህዝብና ምግዳድ ፈፂሙ ተቐባልነት የብሉን፡፡

2. ክረምታዊ ዕማማት ብዝምልከት 

ናይ ዓምን ሎሚ ዓመትን ክራማት ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ተመሳሳሊ ወቕቲ ኣዝዩ ዝተፈለየ እዩ። ሓረስታይ ትግራይ ምህረቱ ተመንዚዑ፣ ናይ ሕርሻ መሳርሕታቱ ተቓፂሎም፣ ሃፍቱን ጥሪቱን ተዘሚቱ፤ ዝተለመደ ናይ ሕርሻ ንጥፈታቱ በቲ ዝፀንሐ ኣሰራርሓ ዝዓመሉ ኩነታት የለን። ብፍላይ ድማ ሎሚ ዓመት ሓረስታይ ትግራይ ብዘይ ዘርኢ፣ ዘበናዊ ድኹዒ፣ መድሓኒት ፀረ ባልዕን ፀረ ፃህያይን ሕርሻዊ ስራሕቱ ክሳልጥ ስለዝተገደደ ተወሳኺ ተባላሓታይነትን ፃዕርን ይሓትት፡፡ ስለዝኾነ ናይ ሎሚ ዘበን ክረምቲ ኣብ ምውሓስ ህልውና ህዝብና ዘለዎ ዓብዪ ተራ ኣብ ግምት ብምእታው፤ ኩሉ ትግራዋይ ብፍላይ ዲያስፖራ፡ ምሩፅ ዘርኢ፣ ዘበናዊ ድኹዒ፣ መድሓኒት ፀረ ባልዕን ፀረ ፃህያይን ብቕልጡፍ ክኣቱ ዝተዋደደ ጎስጓስን ወፍርን ክገብርን ንፅውዕ። 

ሓረስታይ ትግራይ ከም ልማዱ ክረምታዊ ስራሕቱ እናተሓጋገዘን እናተደጋገፈን ከወጋግን ይግባእ። ናይ ሕርሻ መሳርሕታት ብምልፋንን ብምድግጋፍን፣ ዘርኢ ብምልቕቓሕን ብምትሕግጋዝን፣ ባህላዊ ምህርቲ መሰሰንቲ እታወታት ብምጥቃም ናይ ሕርሻ ስራሕቱ ብዕቱብ ክዓምም ክነዘኻኽር ንደሊ። ምስ ናይ ክረምቲ ወቕቲ ተታሓሒዙ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ፀገማት ማለት እውን ልዕሊ ዓቐን ዝናብ፣ ውሕጅ፤ ኣብ እዋን ክረምቲ ዝረኣዩ ተላበድቲ ሕማማት ከምኒ ዓሶ፣ ኮሌራ፣ ማይ ወለድ ሕማማትን ካልኦትን ብዝኸኣሎ ኩሉ ክከላኸልን ጥንቃቐ ክገብርን ኣለዎ። ከምዝፍለጥ ኣብ ከተማ ሰለኽለኻ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ልዕሊ 30  ወገናትና ስኢንና ኢና። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ህይወት ወገናትና ብዝመንጠለና ሓደጋ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለፀ ንቤተሰብ ግዳያትን መላእ ህዝብናን ድማ ፅንዓት ይምነ። ኣብዚ ሓደጋ ስድራ ቤት ህይወቶም ዝሰኣኑ ወገናት፣ ኣብ ቤት ንብረቶም ጉድኣት ዝበፅሖምን ንኣካላዊ መጉዳእቲ ዝተቓልዑን ወገናት ኩሎም ዓቕሚ ብዘፍቀዶ ድጋፍን ሓገዝን ክግበረሎም ይግባእ፡፡ 

3. ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝተኣሰሩ ተጋሩ ብዝምልከት 

ክሳብ ሐዚ ብዓሰርተታት ኣሻሓት ዝቑፀሩ ተጋሩ ፎቖዶ መዳጎኒ ማእኸላት እናተሳቐዩ ይርከቡ። “በቢ ሓደ ሰብ ወሓደ” ከምዝበሃል ብዙሓት ወገናትና ብዝወርዶም ዘሎ መሪር ስቓይ፣ ብዘሎ ሕማቕ ኣተሓሕዛ፣ ሕፅረት ምግብን ሕክምናን ተሓዊስዎ በቢ መዓልቱ ወገናትና ግዳይ ሞት ይኾኑ ኣለው። እዞም ብዘይ ፍርዲ፣

ብጅምላ፣ ብመንነቶም ጥራሕ ዝተኣሰሩ ወገናት ግቡእ ኣቓልቦ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ሚድያታትን ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰልን ብዘይምርካቦም ኣብ ልዕሊኦም ዝወርድ ዘሎ ግፍዒ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናተጋደደ ይኸይድ ኣሎ። 

ቅድሚ ኣዋርሕ ካብ ሸኸት ናብ ዓፋር ሰመራ ብሓይሊ ዝተወሰዱ ልዕሊ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ /15000/ ተጋሩ፤ ኣረጋውያን፣ ህፃናት፣ ጥኑሳት፣ ናይ ጥዕና ፀገም ዘለዎም ወገናት ሓዊሱ ኣብ ኣዝዩ ሃሩርን ፀቢብን ቦታ ስለዝተዳጎኑ ብዙሓት ግዳይ ሞት፣ ሕማም፣ ሰነ ልቦናውን ኣካላውን ማህሰይቲ እናኾኑ እዮም። ብሓይልታት ኣምሓራ ዝተጎበጠ ህዝብን መሬትን ምዕራብ ትግራይ፤ ኣብ ከተማ ሑመራን ካልኦት በቢ ቦትኡ ኣብ ዘለው ኣብያተ ማሕዩር ኣሸሓት ይሳቐዩ፣ ኢ ሰብኣዊ ብዝኾነ ኣገባብ ይቕተሉ፣ ግዳይ ዝተፈላለዩ ጥቕዓታት ይኾኑ ኣለው። ኣብ ካልኦት ከባብታት ኢትዮጵያ ምናዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከምኡ እውን ፎቖዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ንተጋሩ ነበር ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓዊሱ ዝተዳጎኑ ኩሎም ተጋሩ ዝወርዶም ዘሎ መከራን ኣደራዕን ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ስለዝኾነ ኣብ ልዕሊ እዞም ኣሕዋትና ዝፍፀም ዘሎ ፍፁም ኢ ሰብኣዊ ተግባር ትኹረት ማሕበረሰብ ዓለምን ዝምልከቶም ዓለም ለኸ ትካላትን ንኽረክብ ኣብዚ ጉዳይ ቀፃሊ ጎስጓስ ምግባር የድሊ። 

ብድምር ትግራይ ኣትያቶ ካብ ዘላ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ናይ ህልውና ሓደጋ ወፂአ፤ ማሳ ማሳ መዘናታታ እትስጉም ዴሞክራሲያዊት ሃገረ ትግራይ ንምግሃድ፤ ነብሰ ወከፍ ትግራይ ኩለ መዳያዊ ቃልሱ ከሐይል፣ ፀረ ህዝባዊ ዕላማታት ዝኾኑ ናይ ውሽጥን ደገን ኣካላት ብዘይ ወለም ዘለም ክቃለስ፣ ኣፈላላይ ሓሳባት ዘኽብር ሓድነት ተጋሩ ክብርኽ ናይ ባዕሉ ተራ ክዋፃእ፣ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝብና ድማ ነኒባዕሉ ክተሓጋገዝን ክተሓላለን ንፅውዕ። 

ሓምለ 1, 2014 ኣ.ግ.  

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ 

መቐለ፣ ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Exit mobile version