Connect with us

መግለፂ

ሳወት ሰሙናዊ መግለፂ ኣብ ጥሜትን ፍልልይ ሓሳብን

Published

on

ሰሙናዊ መግለፂ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

1) ኣብ ህዝብና ዝወረደ ዓፀቦን ዘስዓቦ ጥሜትን 

ህዝብና ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዓፀቦን ከቢድ ጥሜትን ኣትዩ ይሳቐይ ከምዘሎ ንኹሉ ግሉፅ እዩ። ታሪኻዊ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ‘እምቢ ኣይምብርከኽን’ ስለዝበለ ኸቢቦም ብጥሜት ክውድእዎ ናይ መዋእል ህቅኖም እንትኾን፣ ብትግራይ ወገን ከዓ ህዝብና ካብ ጥሜት ክወፅእ ክንዲ ክንደይ ይስራሕ ኣሎ? ኢልና እንትንሓትት፡ ንረኽቦ መልሲ ‘እኹል ኣይኮነን’ ጥራሕ ዝብል ዘይኾነስ ትሑት ኢልካ እውን ንምግላፁ ዝከኣል እዩ። ትግራይ ብትግራያ ኣብ ዓፀቦን ጥሜትን ኣትያ ኣብ ትሳቐየሉ ኣብዚ ግዘ እዚ ኣዝዩ ውሑድ ክበሃል ዝኽእል  ናይ ሓገዝ እኽሊ ክኣትው ዝተገበረ እንትኸውን፤ ናብ ዝያዳ ዝተሃሰዩ ቦታታት ምብፃሕ ግን ኣይከኣለን። ከምቲ ዝበሃል ዘሎ ብናይ ነዳዲ ፀገም እቲ ምብፅፅሑ ቀሊል ከምዘይኮነ ንምግማቱኳ ዝከኣል እንተኾነ፡ ዛጊድ ግን ዘለው ፀገማት ኣብ ግምት ኣእቲው ነዚ ፀገም ክበድህ ዝተበላሓተ ኣካል ኣይተረኸበን፤ ካሊእ ይትረፍ ኣብ ከም መቐለ ዝበሉ እቲ ናይ ሓገዝ እኽሊ ንሕብረተሰብ ንምብፅሑ ቀሊል ኣብ ዝኾነሎም ቦታታት እውን ጥሜት ነፍሲ ይበልዕ ኣሎ።  ኣብ ኩሉ ከባብታት ትግራይ ዝርከብ መላእ ህዝብና ብሓያሎ ጥሜት እናተገረፈ ዝርከብ እንትኸውን ብፍላይ ኣብ ሓደ ሓደ ኸባቢታት ዘሎ ጥሜት መደንገፂ እዩ፡፡ ህፁፅ ደገፍን ኣቓልቦን እንተዘይረኺቡ ወርሒ ነሓሰ ህዝብና ክረግፍ ዝኽእለሉ ዕድል ሰፊሕ እዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ ወረዳ ጣንቋ ኣበርገለ ካብ ዝርከባ ልዕሊ ሚኢትን ትሻዓተን ሽሕ ህዝቢ ዝቕመጠለን ሓሙሽተ ጣብያታት ጥራይ ዘሎ ጥሜት ዝወለዶ ናይ ሞት ቁፅሪ እናወሰኸ ከምዝኾነ ሓበሬታት ይበፅሑና ዘለው እንትኾኑ፤ ልቢ ብዝትንክፍ ኩነታት ድማ  ብሰንኪ ጥምየት ፃህያዮም ክፅህዩ ዘኽእል ዓቕሚ ዝሰኣኑ ገባራት ኣብቲ ከባቢ ምርኣይ ልሙድ ይኸውን ኣሎ። ህዝብና ከምዚ ኣብ ሓያል ሓደጋ ዝርከብ ኾይኑ ክሳብ ኸዚ እኽሊ ክበፃፀሐሉ ዝኽእል ሜላ ዘይተምሃዘ ምዃኑ እንትንርኢ መን እዩ ሓላፍነት ዝወስድ ኢልና ክንሓትት ንግደድ። ካብቶም ኣዝዮም ዝተሃሰዩ ከባቢታት ቁሩብ እቲ እኽሊ ማእኸል ክኾነና ናብ ዝኽእል ቦታ እንተቐሪቡልና ባዕልና ክነመላልሶ ንኽእል ኢና ዝብል ምሕፅንታ ዘልዕሉ እንትኾኑ፡ ብህፁፅ ተግባራዊ ዝኾኑ ሜላታት ቀሪፁ ናብ ተግባር ክኣቲ ድማ ናይ ዝምልከቶ ኣካል ስራሕ ይኸውን። እዚ ኣብ ህዝብና ኣንፀላሊው ዘሎ መዓት ክንብድህ ናይ ኩለና ቃልስን ተወፋይነትን ዝጠልብ እንትኸውን፡ ብፍላይ ድማ ኣብዚ ዝተዋፈርኩም ኣካላት እዚ

ንህዝብና ዘርግፍ ዘሎ ጥሜት ብቅልጡፍ ክዕገት ዕዮ ገዛኹም ክትዋፅኡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ።

2) ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ፀጋ እዩ፡ ሓድነት ኣየላሕልሕን!

ኩሎም ማሕበረሰባዊ ቀፀላታት ተሳጊሩ ብሄር ካብ ዝኾን ንነዘ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንዝገጠምዎ ናይ ደገ ወረርቲ ገጢሙ እንትስዕር፡ ካብቶም ዓብይቲ ምሽጥራቱ ሓዲኡ ሓድነቱ ከምዝነበረን ከምዝኾነን  ንሕድሕድ ትግራዋይ ግልፂ እዩ። ሓደ ምኽንያት እዚ ከም እምኒ ዓረ ዝፀንዐ ሓድነቱ ድማ ካብ ሕሉፍ ናይ ሓባር ታሪኹ፣ ተዘክሩኡ፣ ቅያኡን ሓደራ ተቐባልነቱን ዝፍልፍል እዩ። ኣብቲ ብኢትዮጵያን መላፍንታን ዝተኸፈተልና ኹናት ዘርኢ ምፅናት፡ ዝተገበረን ይግበርን ዘሎን ቃልሲ እኳስ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ክንዲ ክንደይ ገዚፍን ፅኑዕን ከምዝኾነ ከም ህዝቢ ንፈታውን ንፀላኢን ኣርኢናሉ ኢና። ታሪኽ ቃልስና እዚ ኮይኑ እንተሎ፡ ምእንተ ናፅነትን ውሽጣዊ ሓርነትን ንዝቃለሳ ብሄራውያን ፖለቲካዊ ውድባት ይኹን ውሽጣዊ ፀገማት ትግራይ ንዘቃልዑ ግዱሳት ተጋሩ፡ ብስም ‘ሓድነትና ንሓሉ’ ዝብል ቅቡል ሓሳብ ተጎልቢብካ  ‘ሓድነትና ክዘርጉ ዝመፁ ሓይልታት እዮም፣ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ክሽርሽሩ ዝመፁ ልኡኻት እዮም’ ወዘተ ወዘተ እናበልካ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ፍርሒ ንምፍጣር ምፍታን ድሕረት ካብ ምዃኑ ሓሊፉ፤ ፀረ ሓድነት ተጋሩ ዝኾነ ኣተሓሳስባን ግብርን ስለዝኾነ ብኣግኡ ጠጠው ክብል ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ። 

 ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሓድነት እንትብል ኣብ መሰረታዊ ዝበሃሉ ረብሓታትን ዓንድታትን ትግራይ ስምምዕ ሃልዩ፤ ትሕቲኡ ክህልው ኣብ ዝኽእሉ ናይ ሓሳብ ኣፈላላያት ድማ ምክብባር እንትዓስል እዩ ኢሉ ይኣምን። ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሓድነት እንትብል ኣብ ትማሊ፣ ሎሚን ፅባሕን ኣደልዲሉ ረጊፁ ደው ዝብል ከምዝኾነ እዩ ዝኣምን። ኣብ ትማሊ እንትንብል ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሰ ካብ  ሕሉፍ ናይ ሓባር ታሪኽና ዝፍልፍል እንትኸውን፣ ኣብ ሎሚ ኣደልዲሉ ረጊፁ ደው ዝብል እንትንብል ድማ ኣብ ህልው ናይ ሓባር ረብሓ፣ ህልውና፣ ፍትሒ፣ ልምዓት፣ ሰላም፣ ዲሞክራሲ፣ ድልዱል መንግስቲ፣ ቃልሲ ወዘተ ኣደልዲሉ ደው ዝብል እዩ ኢሉ ውድብና ዝኣምን ኮይኑ፣ እቲ ኣብ

ፅባሕ ንብሎ ድማ እቲ ኣብ ናይ ሓባር ሕልምን ባህጊን ጠጠው ዝበለ እዩ ኢሉ ይኣምን። ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ክልሕልሕ ዝኽእል ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ከም ፀጋ ካብ ዘይርኢን ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ንበለፅ ካብ ዝጥቀምን ኣተሓሳስባ ከም ዝኾነ ድማ ኩሉ ክግንዘብ ኣለዎ ንብል። 

ዘበናት ዝተሻገረ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ፡ ከምቲ በቲ ኣብ ስልጣን ብዘሎ ሓይሊ ዝግበር ንሸቐጥን ንበለፅን ምጥቃም ከይዱ ከይዱ ሓድነትና ኣብ ሓደጋን ፈተናን ከም ዘእትዎ ዝኣምን ውድብና፡ ሓድነት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓሸ ፅኑዕ ባይታ ንምቕማጥ ነቲ ከም ህዝቢ ኣቲናዮ ዘለና መድረኽ ዝምጥን ፖለቲካዊ ምትዕርራያት ኣድላይ እዩ ኢሉ ይኣምን። ውድብና ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሐዚ እውን ከም ትማሊ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ክህልው ዝኽእሉ ናይ ሓሳብ ኣፈላላያት ከም ፀጋ ተቐቢሉ ሓድነት ህዝብና ዝያዳ ኣብ ዘደልድሉ ዕዮታት ምስታፉ ኣይከቡክርን። በዚ ኣጋጣሚ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ  ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ይኹን ኣብ ውሽጥን ወፃኢን ዓዲ ብዘለዋ መጋበርያ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ ዝኾና ሚድያታት ኣብ ልዕሊ ብሄራውያን ውድባትን መራሕተንን ከምኡ ድማ ውሽጣዊ ፀገማት ትግራይና ኣብ ምቅላዕ ይነጥፉ ኣብ ዘለው ግዱሳት ተጋሩ ዝግበር ዘሎ ንሓድነትና ዘይጠቅም ፀለመታት ደው ክብል ደጊምና ንሓትት።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ

ሓምለ 29 2014

መቐለ፡ ትግራይ

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT