Connect with us

መግለፂ

መግለፂ እዝዚ ሰራዊት ትግራይ

Published

on

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ትግራይን ብሳልሳይ ወገን ኣቢሉ ብዝተበፅሐ ናይ ተናፀል ሰብኣዊ ተፃብኦ ደው ምባል ምርድዳእ መሰረት ንዝሓለፉ ልዕሊ 6ተ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያን ሰራዊት ትግራይን ወታሃደራዊ ግጭት ደው ኢሉ ከምዝፀንሐ ህዝቢ ትግራይን ህዝብታት ኢትዮጵያን መላእ ዓለምን ዝፈልጥዎ ጉዳይ እዩ።

እቲ ዝተበፅሐ ተፃብኦ ደው ምባል ነቲ ናብ ኲናት ዘብፀሐ ፖለቲካዊ ምኽንያት ናብ ምፍታሕ ዘኽእል ድርድር ንምዕባይ ሕብረት ኣፍሪካን መላእ ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ዓለምን ዘይተሓለለ ፃዕርታቶም ኣጠናኺሮም ናቐፀሉ ከምዝፀንሑን ከምዘለዉን ግሁድ ኾይኑ ንኹሉ ፃዕርታቶም ዘለዎ ናእዳ እውን ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ከይገለፀ ኣይሓልፍን።

መንግስቲ ትግራይ ንሰላም ዘለዎ ፅኑዕ ቅዋም መሰረት ገይሩ ብዝሃቦ ኣንፈት መሰረት ናይ ሰላም መማረፂ ፀንቂቑ ክሳዕ ዝውድእ ሰራዊት ትግራይ ንዝኾነ ዓይነት ወታሃደራዊ ግጭት ምኽንያት ከይኸውን ልዑል ጥንቃቐ እናገበረ ፀኒሑ እዩ።

እዚ ኾይኑ ብዕለት 9 ነሓሰ ምዕራብ ትግራይ ዘይድፈር ናይ ሓፂን ምክልኻል ፈጢረ እየ ዝብል ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ደደቢት ኣንፈት ኣብ ልሙድ ናይ ምክልኻል ተግባሩ ኣብ ልዕሊ ዘሎ ሓይሊ ሰራዊት ትግራይ ካብ ሰዓት 10:00 ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ንሓደ ሰዓት ዝፀንሐ ናይ ከቢድ ብረታትን ታንክታትን ደብዳብ ኣካይዱ ኣሎ።

ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ካብ ወገን ምንም ዓይነት ናይ ተኹሲ ምላሽ ከይህሉ ብምግባር እዚ ዝተፈፀመ ጥሕሰት ናይ ተፃብኦ ደው ምባል ኣብቲ ከባቢ ብዘሎ ኣዛዚ ዝተፈፀመ ጉድለት ወይ ካብ ላዕሊ ኮነ ተባሂሉ ዝተገበረ ምዃኑ ብትዕግስቲ ከፅንዕ ድሕሪ ምፅናሕ እቲ ተግባር ብላዕሊ ተፈሊጡ ኮነ ተባሂሉ ዝተፈፀመ ምዃኑ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ምዕራብ ትግራይ ዘይናይ ትግራይ ንምግባር መራሕቲ ኢትዮጵያ ሒዘምዎ ዘለዉ ዝተዋደደ ወታሃደራውን ፖለቲካውን ሽርሒ በዚ ጥሕሰት ተፃብኦ ደው ምባል ኣጠናኺሮምዎ ኣለዉ።

እዚ ተግባሮም መንግስቲ ትግራይ እውን ምዕራብ ትግራይ ነፃ ምግባርን ዝተፈናቐለ ህዝቢ ናብ ቦትኡ ምምላስን ሓይሊ ብሕታዊ መማረፂ ክኸውን ይገብሩ ከምዘለዉ ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ ተገንዚቡ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ክገብር ዝደፍኦ ዘሎ ዝኾነ ዓይነት ገምጋም ዘይትኽክልን ሕዚ እውን ዘለዎ መማረፂ ሰላምን ንሰላም ቁርፀኛ ምዃንን ጥራሕ ከምዝኾነ እናተሓሳሰብና መላእ ህዝብታትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኢትዮጵያ፣ መላእ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ዲፕሎማስያዊ ማሕበረሰብ ዓለም ሃገር ናብ ጠቕላላ ዕንወት ዘምርሓ ኲናት ዳግም ክውላዕ ኣብ ምግባር ብሕታዊ ተሓታቲ እቲ ቀደሙ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኲናት ዝኣወጀን ጆኖሳይድ ዝፈፀመን ዘፈፀመን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዃኑ ኩሉ ክፈልጦን ክግንዘቦን ከምዝግባእ ወታሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ የፍልጥ።

ትግራይ ትስዕር !

ወታደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ

11 ነሓሰ 2014 ዓ/ም


English Version of the statement

Continue Reading
1 Comment

1 Comment

  1. habte weldeabzg

    August 19, 2022 at 6:01 am

    ንሰላም ቁርብ ዘይኮነ ፋሽስት መንግስቲ፣ብሓይሊ ክተምበርኽኾ ግድን ይኸውን።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT