Connect with us

መግለፂ

ጋዜጣዊ መግለጺ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራውያን

Published

on

ወራሪ ስርዓት ሻዕብያን ስርዓት ኣቢይን ኣብ ልዕሊ ንጹህ ህዝቢ ትግራይ ዝኣወጆ ኲናት ከባቢ ክልተ ዓመት እኳ እንትቑጸረ፡ እንሆ ሕጂ ውን ዳግማይ ጀሚሩ ይርከብ።

ፋሽሽታውያን ስርዓታት ህግደፍን ኣቢይን ንሓው ህዝቢ ትግራይ ካብ ሱር ሰረቱ ከጥፍዎ ኣብ
ዝፍትንሉ ኣብ ዘለዉሉ አዋን፡ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝኾነ ጸቕጢ ብዘይምህላዉ ከየተሓሳሰበና ኣይተረፈን።

ይኹን አምበር ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ ኣብተን ኣብ ውሽጡን ኣብ ከባቢኡን ዘለዋ ሃገራት ደኣምበር ርሑቕ ከይደን ዝጥምታ ኣዕንቲ፡ ሞራላውን ሓላፍነታውን ሓላፍነቱ ክስከም ኣይከኣለን።

ከምዝፍለጥ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ንስርዓት ሻዕብያ ብዉድብ ሕቡራት ሃገራት ንኣልሸባብ ትሕግዝ እያ ተባሂላ እገዳ ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ እዋን፡ ስርዓት ሻዕብያ ከም ሓደ ፍሉይ ቅዲ ጌራ እያ ትሰርሓሉ ኔራ። እነሆ ሕጂ ግና ኣብ ሓው ህዝቢ ትግራይ፣ ኣብ ቤቱን ኣብ ዓዱን እንከሎ ምጽናት ዓሌት እንዳተኻደሉ፣ ካብ ዉድብ ሕራት ሃገራት ይኹን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ስርዓት ሻዕብያን ኣቢይን ዝኾነ ጸቕጢ ክገብሩ ኣይረኣናን። እኳ ደኣ፡ ብኣንጻሩ እዚ ጉዳይ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽበጽሕ ዓቢ ተራ ተጻዊተን እየን።

ስለዚ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራውያን ንጉዕዞ ስርዓት ሻዕብያን ኣቢይን ኣብ ልዕሊ ሓው ህዝቢ ትግራይ ዝፍጽሞ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራት ብትሪ ትኹንኖ።

ኩሉ ከም ዝፈልጦ፡ ስርዓት ኣቢይ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንኔጀው ሓው ህዝቢ ትግራይ ደቂሱ ኣይሓደረን። መኽንያቱ ስርዓት ኣቢይ ካብቶም ዝሓለፉ ስርዓታት ሃይለስላሴን ደርግን ዝፈልዮ ዋላ ሓደ የለን። እኳ ደኣ ብዝገደደ መልክዑ፣ ማለት ምስ ልፍንታዊ ሰራዊት ስርዓት ሻዕብያ ተመሻጢሩ፡ ንኽልተ ሓው ህዝብታት ኣብ ሓውን ኣብ ደም ምፍሳስን ኣእትይዎ። ከምቲ ኣቦታትና ዝብልዎ፡ “እንተዘይ ትነንወንስ መን ኣጽደፈኒ“፡ ስርዓት ሀግደፍ እዚ ጉዳይ ካብ ትሓስቦ ነዊሕ ዓመታት እኳ እንተኣሕለፈ፡ ውላድ ሃይለስላሴን ደርግን ረኺባ ግና ዓይናኳ ኣይሓሰየትን። ንጹሃን ኣዴታትን ህጻውንትን ኣብ ገዛእ ዓዶም ብተመልከተለይ ብዓረር ጥይት ክምንጠሉ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ናይ ፈለማ እዩ።

ስለዚ ጥፍኣት ሓው ህዝቢ ትግራይ ጥፍኣትና አዩ’ሞ ኩሉ ደላዪ ፍትሕን ሰላምን ከምኡ’ውን ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ጸቕጢ ክገብረሎም ንጽውዕ።

05 መስከረም 2022
ጻኢና ብሩህ ኢዩ!
ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራውያን

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT