መርገፂ

መርገፂ ውድብ ናፅነት ትግራይ (ውናት) ኣብ ውዕል ፕሪቶርያ

Published

on

እዋናዊ መርገፂ ውድብ ናጽነት ትግራይ (ውናት)

መሪር መስዋእቲ ዝተኸፈሎ ዕላማ ህዝባዊ ቃልስና ብሻላማላ ኣይኽበስን!

ዝኸበርካ ጅግና ተቓላሳይ ህዝብና፦

ታሪኻውያን ፀላእትና ደይመደይ ኢሎም፤ ቅድመ ምድላው ገይሮም፤ ከም ብሄር ከፅንቱና ዝወልዕዎ ኲናት ዘርኢ ምፅናትን ወራርን ልክዕ መበል ካልኣይ ዓመቱ እንትሕዝ፤ ኣብ ሃገረ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶሪያ ዝተሳለጠ ዘተ ሰላም፤ “ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝበፅሕዎ ስምምዕ ዘላቒ ቶኽሲ ደው ምባልን ማዕቀፍ ነባሪ ሰላምን” ተባሂሉ ተኸቲሙ ኣሎ። ባህጊ ህዝብና ሰላም ምዃኑ ሰለ ንፈልጥ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ህዝብና ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ዝቐፀለ ኲናት ዝኸፈሎ ክባር መስዋእትን መሪር ገድልን ሰለ ዘቐንዝወና፤ ነቲ ዝበሃል ዘሎ ተስፋን ቋንቋ ሰላምን ዝለዓለ ትርጉም እንህቦ እዩ። ይኹን ደኣ እምበር፤ እቲ ተፈሪሙ ዘሎ ሰነድ ስምምዕ ኣብ ጭቡጥ ኩነታት ኮይንካ ከም መማረፂ ዘይብሉ ኣማራፂ ንምስትብሃል ትቕበሎ ካብ ምዃን ሓሊፉ፤ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ከምኡ ውን እቲ ብተስፋ ዝግለፅ ዘሎ ነባሪ ሰለም የረጋግፅ እዩ ዝብል እምነት ኣይብልናን።

እቲ ምንታይሲ፤ ፈለማ እቲ ብኲናት ዘርኢ ምፅናት ዝግለፅ ወራርን ጨፍጫፍን ንህዝቢ ትግራይ ዒላማ ዝገበረን በዓል ዋና እቲ ህዝባዊ ቃልሲ እውን ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ እንከሎን፤ ብቲ ፍልፍል ውድቀትናን ፀገማትናን ዝኾነ ውድብ ህወሓት ጥራሕ ክውከል ተቐባልነት ኣይብሉን። ውድብ ናፅነት ትግራይ ገና ነገራት ናብ ከምዚ ዝበለ መኽሰርን መዕነውን ብርኪ ከይበፅሑ ስግኣቱን መማረፂ መዋፅእ መገድን እናሓበረ ዝፀንሐ ኮይኑ፤ ከምቲ ቀዲምና ዝኣመትናዮ እቲ ኣብ ህዝባዊ ቃልስና ነብሱ ዝሓበአ ከዳዕ ጉጅለ ህወሓት ሕዚ ኣብ ቃልስና ፈጢርዎ ዘሎ ሓደጋ ከም ዝመፅእ ውን ብዘየላጢ ቋንቋ እናጠንቀቕና ፀኒሕና ኢና።

ዝኸበርካ በዓል ዋና እዚ ህዝባዊ ቃልሲ ዝኾንካ ህዝብና፦

ሕዚ ውን እቲ ብሰነድ ተፈሪሙ ዘሎ እማመ ሰላም ብፍፁም ነቲ መሪር ዋጋ ዝኸፈልካሉ ዕላማ ቃልሲ ዝምልስ ኣይኮነን። ብስሩ ውን ብሄራዊ ተጋድሎኻ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ንምድስካልን ምስንካልን ዝዓለመ ሓደገኛ ውዲት ዝሓዘለ እዩ ኢልና ንኣምን። ከምቲ እቲ ሰነድ ዝብሎ ዛጊድ ውን ከም ሓደ ዝሓመቐ ግን ድማ መማረፂ ዘይብሉ ኣጋጣሚ ክትቅበሎ ዝዕድም ኩነታት ኣብ ባይታ የለን። ድሕሪ ምኽታም እቲ ስምምዕነት ሕዚ ውን ታሪኻውን ሕጋውን ግዝኣት ትግራይ በቶም ፅምዶ ወረርቲ ተታሒዙ ይርከብ። ኣብ ትሕቱ ቁፅፅር እዞም ኣረሜነ ወረርቲ ዝነብር ዘሎ ህዝብና ሕዚ ውን ግዳይ ዘርኣዊ ጨፍጫፍን ኢ-ሰብኣዊ ተግባራቶምን ካብ ምዃን ኣይደሓነን። እቲ ብተስፋ ትፅቢት ዝተነበረሉ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ውን ጨና ማይ ኮይኑ እዩ ዘሎ።

ኮታስ ከም ውድብ ናፅነት፤ እቲ ተኸቲሙ ዘሎ እማመ ሰላም፤ ሸክሚ ቃልስና ዝኾነ ጠላም ውድብ ህወሓት ኣብ ቃልስና ብዝፈጠሮ ፓለቲካውን ዲፕሎማሳውን ክሳራ ስዒቡ ዝመፀ ሐደገኛ ዕድል እዩ። ህዝብን ሓይልታት ምክልኻልን ትግራይ መሪር ዋጋ ከፊሎም ዝረኸብዎ ወተሃደራዊ ዓወት፤ ጉጅለ ህወሓት መፈፀሚ ዝኸሰረ ኣተሓሳስብኡን ስሱዕን ፀቢብን ረብሓታቱን ክኸውን ተንኮል ኣሊሙ ቃልስና ሰለ ዝጨወዮ እዩ ናብ ከምዚ ዝበለ ሰንካሊ ስምምዕነት ኣቲና ዘለና። ጉጅለ ህወሓት ስልጡን ዓለም ዝፈንፈኖ ኣተሓሳስብኡ ብዋጋ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ንምቕፃል ነቓፅ መርገፂ ሒዙ ንህዝብናን ንዓለምን ከታልል ዝኣተዎ ቁማር ከዓ፤ እንሆ ቃልስና ብመዳይ ዲፕሎማስን ፓለቲካን ከሲሩ ናብ ግዱድ ስምምዕነት በፂሑ ኣሎ።

ባህጊ ህዝብናን ሰራዊትናን ሰላም ምዃኑ ዝሕባእ ኣይኮነን። መሪር ዋጋ ዝተኸፈለ ውን ብሄራዊ ረብሓናን ክብረትናን ንምዕቃብ እዩ ነይሩ። ኮይኑ ግን ህወሓት ኣብ ህዝባዊ ቃልስና ተሸጒጡ ኣብ ቃልስና ብዝፈፀሞ ክሕደትን ጥልመትን ምኽንያት፤ ናብዚ ፃማ ገድልና ዘራኽስ ስምምዕነት ተበፂሑ ኣሎ። ሕዚ ውን ግና፤ ከምቲ ምስላ ወለድና ዝብሎ “ፍግም በለ እምበር ኣይተኸዓወን” እዩ እሞ፤ እቲ ተበፂሑ ዘሎ ንረብሓናን ሕቶናን ዘየረጋግፅን ዘይምልስን ስምምዕነት ከም ኣማራፂ ዘይብሉ ሕሱም ኣማራፂ ብመትከል እናተቐብልና፤ ረብሓናን ብሄራዊ ዕላማ ቃልስናን ካብ ሓደጋ ዘናግፍ ምምሕያሽ ክግበረሉ፤ ህዝብና ብሄራዊ ዋዕን ሓድነትካን ኣስጢምካ ዝተዋደደ ኩለ መዳያዊ ቃልሲ ክተሳልጥ ነተሓሳስብ።

ዝኸበርኩም ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፦

ኣብ መሪር መኸተ ኲናት ዘርኢ ምጥፋእ ተፈጢርኩም፤ ንክትዕለምን ክትውደብን ግዘን ዕድልን ኣብ ዘይህብ ከቢድ ኩነታት ተሳሒልኩም ወፂኹም፤ ህዝብኹም ፀላእቱ ካብ ዝተመነይዎ ውርደትን ጥፍኣትን ክተድሕኑ ዝበቓዕኹም ሰብ ቅያ እኹም። ብናይ ሸሞንተ ኣዋርሕ ዓለም ዘስደመመ ቅያ ደባይ ውግእ ዝበዝሕ ክፋል ትግራይ ሓራ ኣውፂኹም ንብዓት ትግራዋይቲ ኣዶ ሓቢስኩም ኢኹም። ቀፂሉ ውን ኣብ መሬት ፀላእቲ ኣቲኹም ነቶም ኣረማውያን ወረርቲ ብዝርድኦም ቋንቋ ኣዛሪብክሞም ኢኹም። ኮታስ ሰራዊትና ኣብ ታሪኽ ትግራይ ውን መወዳድርቲ ዘይርከቦ፤ ኣብ ምሉእ ዕፅዋን ክባን ኮይኑ፤ እኹል ዕጥቅን ስንቅን ዘይብሉ እንከሎ፤ ኩሉ ዘድልዮ ፀላእቱ ደምሲሱ ዝዕጠቕ ዓርሞሸሽ ሓይሊ ከምዝኾነ ንፈታውን ፀላእን ኣመስኪርኩም እኹም።

እንተኾነ፤ ብሰኣን ብሱል ዘመናውን ስትራቴጂካውን ፓለቲካዊ መሪሕነት፤ ሰራዊትና ነቲ ኣብ ዓውደ ኲናት ብመሪር ዋጋ ዘመዝገቦ ዓወታት ክዕቅብ ኣይተኽኣሎን። ፈለማ ድሕሪ ሰነ 21 ካብ ትግራይ ወፃእ ዝተሳለጠ ወፍርታት ብፀቢብ ዕላማ ህወሓት ሰለዝተጨወየ፤ ድሕሪ መርር ዋጋ ዝተኸፈሎ ዓወታት ብፓለቲካውን ዲፕሎማሳውን ውድቀታት ናብ ዝተሰነየ ምዝላቕ ኣምሪሑ። ቀፂሉ ውን ንፀላእትና ግዘን ምቹእ ኩነታትን ናብ ዝፈጠረ ደውታ ተኣትዩ። ነዚ ስዒቡ ነሓሰ 18/2014 ዝተጀመረ ሳልሳይ ዙር ወራር ዘርኢ ምፅናት ምስተኣወጀ፤ ሰራዊትና ምስ ልዕሊ 1 ሚልዮን ብዝሒ ሰራዊትን ናይ ሰማይን ምድርን ጋዕገልጠሙን ገጢሙ፤ ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ዝዘለቐ ተኣምር ዘስመየ መኸተ ኣሳሊጡ እዩ። ሰራዊትና ጫፍ ብልሒ ጀግንነት ምዃኑ እንኮላይ ፀላእቱ መስኪሮም እዮም።

ኣብ ሞንጎ እዚ እቲ ሕዚ ፃማ መስዋእቲ ሰራዊትና ዘይዕቅብ ስምምዕ ሰላም እንተተፈረመ ውን፤ ህዝብናን ሰራዊትናን ጅግንነት ንኢስዎ ሰለዝተስዓረ ኣይኮነን። ዝተስዓረ እቲ ምእንተ መሳለጢ ፀቢብ ረብሕኡን ክሱር ኣተሓሳስባን ኣብ ዘይውዓሎ ኲናት ዓወት መንጢሉ፤ ንዓኹምን ንህዝብኹምን ጠሊሙ፤ ብዓለም ተፈንፊኑ ዲፕሎማሳዊ ክሰራ ዝተጎልበበ ጉጅለ ህወሓት እዩ። እንሆ ድማ ብዋጋ መስዋእቲ ሰራዊትን ህዝብን ትግራይ ህልውንኡ ክዕቅብ፤ ብ ህልውና ናትኩም ናይቶም እንኮ መድሕን ህዝብና ዝኾንኩም ደቂ ህዝቢ ተጣሊዑ፤ ሰራዊትና ንምፍራስ ተሰማሚዑ ኣሎ። ኮይኑ ግን እቲ ብሽም ህወሓት ተፈሪሙ ዘሎ ሰነድ ሰላም ብመትከል ደረጃ ተቐቢልካ፤ እዚ ከዳዕ ጉጅለ ህወሓት ጎቲቱ ዘምፀአልና መዘዝ እማመ ሰላም ብጥበብ ናብ ረብሓኻ ካብ ምውዓል ሓሊፉ ካልእ ኣማራፂ ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን። ስለዚ ውድብና ውድብ ናጽነት ትግራይ ብሪፈረንደም ኣቢልካ ናጻን ልእላዊትን ሃገረ ትግራይ ንምግሃድ፤ ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝበጽሐ ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ጀኖሳይድ ተሓታትነት ንክህሉ ዓሊምና ነዚ ገጢሙና ዘሎ ተኣፋፊ ፖለቲካዊ ኩነታት ብዝምጥን ልዑል ጥበብ ዝተመልኦን ኣብ ቅድሜና ብዘሎ መድረኽ ቃልሲ ኣበርቲዕና ከም እንቅፅል ከነረጋግፀልካ ንፎቱ።

ዝኸበርካ ኣብ ወፃኢ ትነብር ህዝብና፦

ካብ መላእ እቲ ክልተ ዓመታት ኣቕፂሩ ዘሎ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ኣትሒዙ፤ ኣብ ደገ ዝነብር ትግራዋይ ዘሳለጦ ህልኽ ዘወድእ ቃልሲ፤ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ዲያስፓራ ዓለም ብተኣምርነቱ ዝርቋሕ እዩ። ዲያስፓራ ትግራዋይ ክብደት ናብራ ወፃእን ፅጉም ኩነታት ኣየርን ተፃዊሩ፤ ናብራ ህይወቱን ስድርኡን ንስለ ትግራይ ኣሀጊሩ፤ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዘሐብን ብሄራዊ ገድሊ ፈፂሙ እዩ። ውልቃዊ ድሌቱ ትሕቲ ብሄራዊ ዕላማ ህዝቢ ትግራይ ሰሪዑ፤ ብገንዘብን ብንዋትን ንህዝባዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ወፍዩ። ሕዚ ከዓ እቲ ቃልሲ ህዝብና ናብ ሓደጋ ዘእተወ ብህወሓት ዝተፈረመ እማመ ሰላም ኣንፃር ረብሓን ዕላማን ትግራይ ምዃኑ ቀዲሙ ነቒሑ፤ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ፈላማይ ተበግሶ ወሲዱ ድምፂ ህዝቡ የጋውሕ ኣሎ። እዚ ብምዃኑ መላእ ኣባላትን ኣመራርሓን ውድብ ናፅነት ትግራይ ኩርዓት ይሰምዐና።

ኮይኑ ግን ናይ ክልተ ዓመታት ተሞክሮ ቃልሲ ዲያስፓራ ትግራይ ከም ውድብ እንትንግምግሞ፤ ግዳይ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ዝለመሰ መሪሕነት ጉጅለ ህወሓት ኮይኑ ኢና ረኺብናዮ። ብዋጋ ትግራይ ጉጅለኣዊ ሃለዋቱን ፀቢብ ረብሕኡን ከረጋግፅ ዝወሰነ ጨካን ጉጅለ ህወሓት፤ ቃልሲ ዲያስፓራ ትግራይ ውን እናታለለን እናሓንሸሸን ኣመራሲሕዎ ፀኒሑ እዩ። እዚ ፍሹል ጉጅለ ንዝኸሰረ ፀረ ትግራዋይ ዕላምኡ ክብል፤ ኣብ ወፃኢ ዝነብር ህዝብና ናብቲ ዝኣመነሉ ፍትሓውን ቅቡልን ሕቶ ከይዓስል መቓቒሉ ካብ ምድኻም ብተወሳኺ፤ ሃፍተ-ገነት ዲያስፓራ ትግራዋይ ብሸፈጥ ክግብት እዩ ተራእዩ። ጉጅለ ህወሓት “ኣነ እየ መራሒ እዚ ቃልሲ” ኢሉ፤ ቃልስና ብሳላ ዲያስፓራ ትግራይ ኣብ ፈለማ ኣብ መድረኽ ዓለም ረኺብዎ ዝነበረ ፍትሓውነትን ቅቡልነትን ሓንሹሹ፤ ነቲ ብእማመ ሰላም ዝግለፅ ውድቀት ዳሪግዎ ኣሎ።

ሰለዝኾነ፤ ኣብ ውድቀት ህወሓት ብሽም ህወሓት ብዋጋ ረብሓን ብሄራዊ ዕላማን ህዝባዊ ቃልሲ ትግራይ ተፈሪሙ ዘሎ እማመ ሰላም ስዒቡ ዲያስፓራ ትግራይ ዘርኣዮ ሕራነ እናነኣድና፤ ናይ ወፃኢ ህዝብና ካብ ስምዒት ሓሊፉ ናብ ስትራቴጂካዊ ቃልሲ ክኣቱ ነተሓሳስብ። ህወሓት ኣብ ቃልስና ዝፈጠሮ ዲፕሎማሳዊ ክሳራ ከይጋደድ፤ ናይ ደገ ቃልስና ብዝለዓለ ጥበብ ክምራሕ፤ ኣብ ወፃእ ዘሎ ምሁርን ፓለቲከኛን ምስ መላእ ህዝብና ኣንፈት ፓለቲካዊ ቃልሱ ኣንፃር እዚ ቃልስና ዝሓንሸሸ ከዳዕ ጉጅለ ህወሓት ክኸውን ይግባእ። ቃልሲ ዲያስፓራ ትግራይ ፈለማ ንባዕሉ ካብ ፈላላይን በለፀኛን ጉጅለ ህወሓት ሓራ ከውፅእ፤ እምቢ ንህወሓት ኢሉ ታሪኻዊ ብሄራዊ ቃልሱ ከሐድስ ፈላማይ ግደ ክወስድ ንምዕድ። ግዚኡ፣ ገንዘቡን ጉልበቱን ካብ ሓንሻሻይ ጉጅለ ህወሓት ኣድሒኑ፤ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሓዱሽ መድረኽ ዝምጥን ብሄራዊ መሪሕነት ናብ ዝወልድ ቃልሲ ክኣቱ ንፅውዕ። ቃልስና ካብቲ ብሰንኪ ክሱር ጉጅለ ህወሓት ፈጢርዎ ዘሎ ሓደጋ ንምቅናዕ ከዓ፤ ልዕሊ ቃልሲ ዲያስፖራ ህዝቢ ትግራይ ብፅሒት ዘለዎ ኣካል ሰለ ዘየለ፤ ዓለም ንፁር ዕላማ ናፅነት ትግራይ ክድግፍ፤ ፈላማይ ሽግ ናፅነት ክውልዕ ዘለዎ ናይ ደገ ህዝብና ምዃኑ እዋናዊን ታሪኻውን ውሳነን ጠለብን ተጋሩ እዩ። ነዚ ከዓ ውድብ ናፅነት ትግራይ ምሉእ ተበገግሶን መሪሕነትን ከመዝወስድ የረጋግፅ።

ኣብ መወዳእታ፤ ብቐንዱ ንህዝብና ኢሉ ውን ንማሕበረ ሰብ ዓለምን ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከም ውድብ እነመሓላልፎ መልእኽቲ እንተሃለወ፤ ህዝባዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ፍትሓውን ሕጋውን እዩ። መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ንምዕላው ኮነ ዝኸሰረ ኣተሓሳስባ ጉጅለ ህወሓት ንምምላስ ህዝቢ ትግራይ ዝወልዖ ቃልሲ የለን። ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ መሪር ዋጋ እናኸፈለ ዝቃለስ ዘሎ ግዝኣተዊ ሓድነቱ ኣረጋጊፁ ሕቶ ሃገርነት ትግራይ ብህዝበ ውሳነ ንምምላስ እዩ። እዚ ዴሞክራስዊ መሰልን ፍትሓዊ ሕቶን ከዓ ብዝኾነ ስምምዕነት ወይ ሓይሊ ፈፂሙ ኣይኽበስን። ነዚ መሰል ረጊፁ ዝሳለጥ መስርሕ ሰላም ከዓ ይትረፍ ነባሪ ክኸውን፤ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ናብ ዝኸፍአ ሕምስምስ ዝወስድ እዩ። ብሓፂሩ ህዝብና መሰሉን ፍትሓዊ ሕቶኡን ብሓይሊን ብሸፋጣይ ስምምዕን ክሳብ ዘይተቖፀየ፤ ናይ ወትሩ ድሌቱ ሰላም እዩ። ነባሪ ሰላምን ህዝቢ ትግራይን ህዝብታት እዚ ዞባን ክረጋገፅ እንተኾይኑ ግና፤ ብኩለመዳይ ምስ ዝተስዓረን ዝኸሰረን ጉጅለ ህወሓት ብዝፍረም እማመ ሰላም ኣይኮነን። ንህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ድማ ንማሕበረሰብ ዓለምን ህዝብታት እዚ ዞባን እናታለለ ፍትሓውን ሕጋውን ሕቶ ህዝባዊ ቃልሲ ትግራይ ዘመራሰሓን ዘጨማለቐን ህወሓት፤ ኣካል መስርሕ ሰላም ዘይኮነ ክኽውን ዘለዎስ፤ ንሓንሳብን ንሓውሩን ካብ ፓለቲካ ትግራይን እዚ ዞባን ክእለ ጥራሕ እዩ ዘለዎ። እዚ ጠለብ ህዝብና ምዃኑ ከዓ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ዝምስክሮ እዩ።

ብምዃኑ ውድብና ውድብ ናፅነት ትግራይ፤ ምእንተ ሰላም ህዝቢ ትግራይን ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪካን ነቲ ብሽም ውድብ ህወሓት ዝተፈረመ እማመ ሰላም ፕሪቶሪያ ምምሕያሽ ክግበረሉ እናፀውዐ፤ ህዝብና መፃኢ ዕድሉ ብሰላማዊ መገዲ ብህዝበ ውሳነ ከረጋግፅን ህወሓት ድማ ካብዚ ንደሓር ካብ ፖለቲካ ትግራይ ፈፂሙ ክእለን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘሳልጦ ሓዱሽ መደረኻዊ ቃልሲ፤ መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጎንና ክስለፍን ንፅውዕ።

ናፅነት ንብሄራዊ ክብረት!
ውድብ ናፅነት ትግራይ (ውናት)
01 ሕዳር 2015
መቐለ፤ ትግራይ

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Exit mobile version