Connect with us

መፅናዕቲ

ዝርዝር ካብ ውድቀት ደርጊ (1984 ዓም)  ክሻብ 2006 ዓም ዝተሓተሙ መፃሕፍቲ ትግርኛ    

Published

on

መብርሂ፦ እዙይ፡ ኣብ 2006 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ዋዕላ ቋንቋታት ትግራይ፡ ብ ዳንኤል ተኽሉ ረዳ (ዶ/ር)  ዝቐረበ መፅናዕታዊ ፅሑፍ እዩ።

፩. መእተዊ  

ኣብዚ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ (ካብ 1984 ዓ.ም – 2006 ዓ.ም) ብቋንቋ ትግርኛ ዝተፀሓፉ ዝተፈላለዩ ፅሑፋት በቢ ወገኖም ተወዲቦም ቀሪቦም ኣለዉ። ብርግፅ 2006 ዓ.ም እንትበሃል ክሳብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ (ዕለት ሓሙሽተ) ዘለዉ ጊዜያት ዝጠምር እዩ። ብሓፈሻ ኣብዚ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ክሳብ እቲ ዝተጠቐሰ ደረት ጊዜ ልዕሊ 248 መፃሕፍቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ኣድሂቦም ንንባብ በቒዖም እዮም። እዚ ቁፅሪ ኣብ ምዕባለ ቋንቋ ትግርኛን ስነ-ፅሑፉን ገዚፍ ዝላ ተገይሩ ክውሰድ ይከኣል። 

ቅድመ ሕዚ ኣብዚ ርእሰ ጉዳይ ኣተኲሩ ዝተሰረሐ ሓደ ስራሕ ኣሎ። እዚ ስራሕ ብኣብርሃም ነጋሽ ዝተዓየየ እንትኾን ካብ 1867 ክሳብ 1981 ዓ.ም.ፈ ብቋንቋ ትግርኛ ንዝተፀሓፉ ዝተፈላለዩ ፅሑፋት ይሓቁፍ። እዚ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ቀዳማይ ኣህጉራዊ ጉባኤ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝተሳለጠ ጉባኤ ቀሪቡ ብ1992 ዓ.ም.ፈ ኣብ ዝተሓተመ መፅሄት ቋንቋ ሕታም ሓደ ቁፅሪ ሓደ ተሓቲሙ ንመንበቢ ተዘርጊሑ እዩ። 

ኣብዚ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዝተማእኸሉ ስራሕቲ ክልተ ዓይነት ኣገባብ ኣተኣኻኽባ ኣብ ተግባር ውዒሎም። መብዛሕተኦም መፃሕፍቲ ትግርኛ መፅንዒ እዚ ፅሑፍ ካብ 1992 ዓ.ም ኣትሒዙ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ቋንቋ ትግርኛ ምስ ምፅንሑ ተኣሳሲሩ በብእዋኑ ንዝሕተሙ መፃሕፍቲ ቋንቋ ትግርኛ ከም እታዎት ንምጥቃም ኣብ ከይዲ ሓደ ብሓደ ብምዕዳግ ዘዋህለሎም እዮም። እዙይ እቲ ፈላሚ መንገዲ እዩ። እቲ ካልኣይ መይላ ናብ ኣብያተ መሸጣ መፃሕፍቲ ብምኻድ ዝተኣከቡ እዮም። 

ኣብዚ መፅናዕቲ ተማእኺሎም ዘለዉ መፃሕፍቲ ኣብቲ ዝተቐመጠ ገደብ ጊዜ ንዝተሓተሙ ኩሎም ጠሚሩ ዝሓዘ እዩ ክብል ኣይደፍርን። ቅድም ቀዳድም ኣብዚ ዘለዉ መፃሕፍቲ ሓደ ኣብ ኤርትራን ካልኦት ሃገራት ወፃእን ንዝተሓተሙ ኣይጠምርን። ብኻልኣይ ገፅ ሓድሓደ ጊዜ ደረስቲ ዋሕዲ መፃሕፍቲ የሕትሙ እሞ ናብ ኩሎ እንተይበፅሑ ዝውድእሉ ኣጋጣሚ ይፍጠር። በዞም ክልተ ምኽንያታት እዚ መፅናዕቲ ናይ ባዕሉ ሕፅረታት ኣለዉዎ። 

ኣብ መወዳእታ ኣብዚ ፅሑፍ ዘለዉ ዓመታት ምሕረት ኩሎም (ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ወይ ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ዝብል እንድሕር ዘይተገይሩሎም) ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ እዮም። 

፪. ዳህሳስ ስነ-ፅሑፍ ትግርኛ ብሓፂሩ  

ቋንቋ ትግርኛ ከም ቋንቋ ዝርርብ ካብ ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ካብ ዘበነ ኣኽሱም ከምዝኾነ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ። ልዕል ክብል ከምዝተሓበረ ጅማሮ ስነ-ፅሑፍ ቋንቋ ትግርኛ ብዙሕ ዘበን ዘቑፀረ ምዃኑ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ዝተረጋገፀ ሓቂ እዩ። ነዚ ሓቂ መረዳእታ ክኾኑ ዝኽእሉ መርተዖታት ኣብ መፃሕፍቲታት ታሪኽን ብራናታትን ንረክብ (ሓው ሰለሞን ፥ 1985) ።ሓደ ጭብጢ ወይ መርተዖ ኣብ መበል 13 ክፍለ ዘበን ኣብ ብራናታት ኵዶ – ኣባ መጣዕ ሽመዛና ኣከለጕዛይ ተፃሒፉ ይርከብ።

ናይዚ መቐፀልታ ካብ 15 – 19 ክፍለ ዘበን ኣብ ብዙሓት ብራናታትን ካልኦት መሰል ፅሑፋትን ስርዓታት (ኣብነት ስርዓት ኣድ ከመ ምልጋዕ … 1467-77 ፥ ስርዓት ሎጎጭዋ … 1484 ፥ ስርዓት ሎጎ ሳርዳ … 19 ክፍለ ዘበን) ኣብ ስነ-ፅሑፍ ቋንቋ ትግርኛ መርተዖታት እዮም። ናይዚ መቐፀልታ ኣብ ቀዳማይ መፋርቕ 19 ክፍለዘበን ክልተ ትርጉም ወንጌላት ደብተራ ማቴዎስ ዘዓድዋ ፤ ኣብ መወዳእታ 19  ክፍለ ዘበን ብደብተራ ፍስሃ ጊዮርጊስ ስንኩሕነታይ ዝተፀሓፉ “ታሪኽ ኢትዮጵያ” ን “ጦብላሕታ” ን ዝብሉ ክልተ መፃሕፍቲ ኣብ ታሪኽ ስነ-ፅሑፍ ትግርኛ ተጠቀስቲ እዮም። 

ስነ-ፅሑፍ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ 20 ክፍለ ዘበን ብ “ብሰንኪ ክልተ ኣርዌ ተባረዐት ምድሪ” ይፍልም። እዚ መፅሓፍ ደራሲኡ ብዕሊ ኣይፍለጥን። ስም ደራሲ ኣብ ዝቕመጠሉ ቦታ “ሓደ ኢትዮጵያዊ” ዝብል መግለፂ ዝሰፈሮ እዩ። ኣብ መፈለምታ 20 ክፍለ ዘበን ስነ ፅሑፍ ትግርኛ ቁሩብ ዝዘሓለ ነይሩ። ካብ 1930 ታት ክሳብ 1960ታት ኣብ ዘለዉ ዓማውቲ ግና ብርክት ዝበሉ ውፅኢታት ስነ-ፅሑፍ ንረክብ። 

ስነ-ፅሑፍ ትግርኛ ኣብ ዘበነ ደርጊ ክልተ መልክዓት ነይሮምዎ። በቲ ሓደ ገፅ ኣብ ሓራ መሬት ዝነበረ ውዕዉዕ ምንቅስቓስ እንትኾን ኣብዚ ዘበን ብዙሓት ከም ዝሰማምዕሉ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ብቕዓት በፂሑ ከም ዝነበረ ይዝከር። በቲ ካሊእ ገፅ ኣብ ጓጓ ደርጊ ኣብ ስነ-ፅሑፍ ትግርኛ ምንም ዓይነት ምንቅስቓስ ኣይነበረን። እዚ ዘበን ንስነ-ፅሑፍ ትግርኛ ዘበን ፀልማት ነይሩ ክበሃል ይከኣል። 

፫. ዕላማ  

ሓፈሻዊ ዕላማ እዚ መፅናዕቲ ካብ 1984 ዓ.ም ክሳብ 2006 ዓ.ም ብቋንቋ ትግርኛ ዝተሓተሙ መፃሕፍቲ መዘርዝሮም ንተጠቃሚ ምብፃሕ እዩ። ካብዚ ሓፈሻዊ ዕላማ ዝቕድሑ እዞም ዝስዕቡ ዝርዝር ዕላማታት ኣለዉዎ። 

  • ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 1984 ዓ.ም ክሳብ 2006 ዓ.ም ብቋንቋ ትግርኛ ዝተሓተሙ መፃሕፍቲ ክህልዉ ምግባር 
  • ኣብቲ ዝተጠቕሰ መዋእል ዝተሓተሙ መፃሕፍቲ ትግርኛ ኣርእስቶም ፥ ዝተፀሓፍሉ ዓውዲ ፥ ደረስቶምን ሕትመት ዘበኖምን ክፍለጡ ምግባር 
  • ብተመራመርቲ ቋንቋ መፅናዕቲ ዝተገበረሎምን ዘይተገበረሎምን ብምንፃር መፅናዕቲ ዝተገበረሎም ስራሕቲ ምዕቡል ምርምር ንኽግበረሎም፤ መፅናዕቲ ዘይተኻየደሎም ከዓ ንኽካየደሎም በሪ ንምኽፋት 
  • እዚ መዘርዝር ብምሓዝ ነዞም መፃሕፍቲ ናብ ሓደ ብዅራ ቤተ-መዘክር ኣኪብካ ብምዕቃብ ናብ ቀፀቀሊ ወለዶ ምትሕልላፍ ንምኽኣል 

፬. መዘርዝር ድሕሪ ደርጊ ዝተሓተሙ መፃሕፍቲ ትግርኛ  

ኣብ ትሕቲ እዚ ርእሲ ብዝርዝር ቀረቦም ዘለዉ መፃሕፍቲ ካብ 1984 ዓ.ም ክሳብ 2006 ዓ.ም ዝተሓተሙ እዮም። ኣብዚ ዝርዝር ዝተጠመሩ ብዓይነቶም፦ 

ሓገዝቲ መፃሕፍቲ  ሓፀርቲ ልቢ ወለዳት ትግርኛ 
መፃሕፍቲ ትግርኛ ንህፃናት  መፃሕፍቲ ግጥሚታት
ነዋሕቲ ልቢ ወለዳት ትግርኛስነ-ቃል ትግርኛ
መዛግብተ ቃላትስራሕቲ ምርምር  • ግለ ታሪኻት
ሙዚቃን ሓቀኛ ታሪኻትን ካልኦትን 

ተባሂሎም ናብ ዓሰርተ ክልተ ምድብ ተመቒሎም ቀሪቦም ኣለዉ። እዚ ዝርዝር ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ንዝተሓተሙ መፃሕፍቲ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን። ምስዚ ብተወሳኺ ኣበየ ኣብያት ፅሕፈቱ ዝተሓተሙ መፃሕፍቲ ፥ ሰነዳትን ዓመታዊ መፃሕፍትን ኣካል እዚ ዝርዝር ኣይኮኑን። ኣብዞም ዝተገለፁ ዓማውቲ ናብ ሕትመት በቒዖም ብምርሳዕ ናብዚ ዝርዝር ዘይኣተዉ መፃሕፍቲ እውን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም ። 

‘’ 

4.1. ሓገዝቲ መፃሕፍቲ  

  1. ኣሰፋ በርሀ (–) ሒሳብ ንህፃውንቲ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 172 ገፅ። 
  2. ትርፉ ብርሃነ ፥ ሰለሞን ሕሉፍን ኣሰፋ በትሀን (2000) ፋና ሒሳብ ፥ መቐለ ፥ ኢንተርፕራይዝ ሕትመት ሜጋ ፥ 232 ገፅ። 
  3. ኣሰፋ በርሀ ፥ (2000) ሒሳብ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 186 ገፅ። 
  4. ደስታ ጨርቆስ (2002) መሰረታዊ ሓሳባት ስነ-ሂወት ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 254 ገፅ። 
  5. ኣሰፋ በርሀን ኣለም በየነን (1995) መሰረታዊ ፍልጠት ሒሳብ ፥፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ፥ 233 ገፅ። 
  6. ሓጎስ ጊጋር (1994) ተግባረዊ ኬሚስትሪ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 271 ገፅ። 
  7. ገ/ገርግስ ኣብርሃን ሙላት ገብሩን (2000) ፥ፊዚክስ፥ ሓጋዚ መፅሓፍ ን7 ይን ን 8ይን ክፍሊ ፥መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥256 ገፅ። 
  8. ሃፍቶም የማነ (2002) ደርሁ ገደና – ሜላ ኣረባብሓ ደርሁ ፥ 76። 
  9. ሰለሞን ገብረኣረጋዊ (2002) በሪ ስኒት ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ፕላኖግራፊ ፥ 104 ገፅ። 
  10. ክንፈ ኣብርሃ (2001) ስንቂ ዕዉት ጉዕዞ ህይወት ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥140 ገፅ። 
  11. ዳንኤል ተኽሉ ረዳ (1996) ዘበናዊ ሰዋስው ቋንቋ ትግርኛ (ቀዳማይ ሕታም) ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ 253 ገፅ።
  12. ዳንኤል ተኽሉ ረዳ (2000) ዘበናዊ ሰዋስው ቋንቋ ትግርኛ (ካልኣይ ሕታም) ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ብራና ማተምያ ድርጅት ፥ 337 ገፅ። 
  13. ዳንኤል ተኽሉ ረዳ (2004) ዘበናዊ ሰዋስው ቋንቋ ትግርኛ (ሳልሳይ ሕታም) ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ግራፊክስ ማተምያ ድርጅት ፥ 431 ገፅ።
  14. ዳንኤል ተኽሉ ረዳ (2006) ዘበናዊ ሰዋስው ቋንቋ ትግርኛ (ራብዓይ ሕታም) ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ኣማኑኤል ማተምያ ድርጅት ፥ 468 ገፅ። 
  15. ዳንኤል ተኽሉ ረዳ (1997) መሰረታዊ ኣፀሓሕፋ ድርሰት ትግርኛ (ቀዳማይ ሕታም) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ ገፅ ፥ 300። 
  16. ዳንኤል ተኽሉ ረዳ (2001) መሰረታዊ ኣፀሓሕፋ ድርሰት ትግርኛ (ካልኣይ ሕታም) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 362 ገፅ። 
  17. ዳንኤል ተኽሉ ረዳ (1998) ቅድን ትንተናን ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 213 ገፅ።
  18. ዳንኤል ተኽሉ ረዳ (2000) መባእታ ስነ-ፅሑፍ ትግርኛ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 214 ገፅ። 
  19. ዳንኤል ተኽሉ ረዳ (1998) ሜላታት ኣመሃህራን ኣፈታትናን ክእለታት ቋንቋ (ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ፍሉይ ትዅረት ዝገበረ) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 208 ገፅ። 
  20. ዳንኤል ተኽሉ ረዳ (1998) መፅናዕቲ ስነ-ቃል ትግርኛ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 233 ገፅ ። 
  21. ካሳ ገ/ህይወትን ኣማንኤል ጋንኪን (1996) ሰዋስው ትግርኛ ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 484 ገፅ። 
  22. ኣታኽልቲ ሓጎስ (1990) ዳግመ ልደት ቋንቋ ትግርኛ ፥ መቐለ ፥ ሸባ ኮምፕዩተር ሲስተምስ ፥ 74 ገፅ። 
  23. መረሳ ገ/ሄር (1991) ስልጠና ኩዕሶ እግሪ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ተ/ሃይማኖት ፥ 132 ገፅ። 
  24. ምሕረት ዕቚባይ (2008 ኣ.ፈ) ሳንባኹም ከመይ ይሰርሕ? ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ዛጎል ማልቲ ሚድያ ፥ 31 ገፅ። 
  25. ምሕረት ዕቚባይ (2008 ኣ.ፈ) ልብኹም ከመይ ይሰርሕ? ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ዛጎል ማልቲ ሚድያ ፥33 ገፅ ። 
  26. ምሕረት ዕቚባይ (2008 ኣ.ፈ) ሓንጎልኩም ከመይ ይሰርሕ? ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ዛጎል ማልቲ ሚድያ ። 
  27. ሰይፉ ገ/ሄር (2003) ዕንበባታት ከባብያዊ ሳይንስ ፥ ሓጋዚ መፅሓፍ ካብ 1ይ – 4ይ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ። 
  28. ገ/ሚካኤል ተስፋህይወት (–) ኣገንዑኒ ታሪኽ ልሳን ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 166 ገፅ። 
  29. መልኣኩ ተፈራ (2003) ኒውቶናዊ ፊዚክስ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 114 ገፅ። 
  30. ገ/ዮውሃን ገ/ኪሮስ (2003) መሰረታዊ ፍልጠት ኬሚስትሪ (ን 7 ን 8 ን) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 200 ገፅ። 
  31. በርሀ ገዛሃኝ (2005) ኣሃዱ ሒሳብ ፤ 1 – 2 ክፍሊታት፤ መቐለ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ፤ 80 ገፅ። 
  32. ደስታ ጨርቆስ (2005) መባእታዊ ሒሳብ ንህፃናት ፤ 1 – 4 ክፍሊ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ፤ 133 ገፅ።
  33. ደስታ ጨርቆስ (2005) መባእታዊ ሓሳባት ኬሚስትሪ ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ፤ 191 ገፅ። 
  34. ደስታ ጨርቆስ ፥ ኣብዪ የማነን ገ/ህይወት ተ/ዲማስን (2004) 9 ኣብ ሓደ ፥ ብሄራዊ ፈተናታት 8 ክፍሊ ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ፤ 191 ገፅ።
  35. ኣሸብር ከበደ (2005) ስነ ዜጋን ስነ-ምግባርን (ካብ 5 – 8 ክፍሊ ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 191 ገፅ። 
  36. ክንፈ ኣብርሃ (2004) ሳይንሳዊ ሜላታት ኣፀናንዓ ትምህርቲ ሒሳብን ኣጠቓιማ ጊዜን ፤ መቐለ ፥ ቤት 
  37. ሕትመት ሜጋ ፥ 59 ገፅ። መሓሪ ገ/ሄር (2003) ሕብረተሰብ ሳይንስ (ካብ 5 – 8 ክፍሊ ፤ መቐለ ፥ ቤት 
  38. ሕትመት ሜጋ ፥ 208 ገፅ። በርሀ ገዛሃኝ (2006) መባእታዊ ሒሳብ ፤ 7ን – 8ን ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ፤ 192 ገፅ። 
  39. በርሀ ገዛሃኝ (2005) ስነ-ህይወት ሓጋዚ መፅሓፍ ፤ 7ን – 8ን ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ፤ 241 ገፅ። 
  40. ሃፍቶም ሃ/ስላሰ (2005) መባእታዊ ፊዚክስ (ሓጋዚ መፅሓፍ) ን7ን – ን8ን ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ፤ 211 ገፅ። 

4.2. መፃሕፍቲ ስነ-ቃል ትግርኛ  

  1. (1995) ስነ-ቃል ትግርኛ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 207 ገፅ። 
  2. (1985) ምስላታት ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ የኢትዮጵያ ቋንቋዎች ኣካዳሚ ፥ 381 ገፅ። 
  3. (1994) ነበረ ያ ነበረ ፥ መቐለ ፥ ቢሮ ሓበሬታ ፥ ገፅ 102። 
  4. ኣእመረ ሓጎስ (1991) መስኮተ ጥበብ ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ንግድ ማተምያ ድርጅት ፥83 ገፅ። 
  5. ፅገ ገ/ኪዳን ጎሹ (1987) ዕዳጋ ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ቦሌ ማተምያ ድርጅት ፥ 88 ገፅ። 
  6. ዮሴፍ ኣለማዮህ (1995) ብሂልን ትርጉሙን መዝገበ ቃላት ምስ ሕቶን መልስን ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 77 ገፅ ። 
  7. (1993) ምስላታት ትግርኛ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 82 ገፅ። 
  8. መረሳ ተኽሉ (1994) ብሂላት ትግርኛ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 128 ገፅ። 
  9.  (1996) ብሂላት ትግርኛ (ካልኣይ ክፋል) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 270 ገፅ። 
  10. ገ/ኪዳን ደስታ (1994)መቐረት ምስላታት ትግርኛ (ቀዳማይ ሕታም) ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ሜጋ ሕትመት ኢንተርፕራይዝ ፥ 190 ገፅ። ይትባረኽ ግደይ (—) ሽምብሮት ፥ ——- ፥ 304 ገፅ። 

4.3. መፃሕፍቲ ትግርኛ ንህፃናት  

  1. ሙሉ ሃ/ስላሰ (1999) ካብቲ ምዑዝ ባሕሪ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 196 ገፅ። 
  2. ገ/ኪዳን ደስታ (1990) ፅውፅዋይ ትግርኛ ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ሜጋ ኣሳታሚ ኢንተርፕራይዝ ፥ 151 ገፅ።
  3. ዳንኤል ተኽሉ ረዳ (2001) ህያብ ፥ መፅሓፍ ትግርኛ ንህፃናት ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ 74 ገፅ።
  4. ዳንኤል ተኽሉ ረዳ (2004) ደሊና ፥ ዛንታ ሰለስተ ሓሰማታት ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 36 ገፅ።
  5. ዳንኤል ተኽሉ ረዳ (2004) ጓል ኣቦይ ፈረደ ፥ መፅሓፍ ንባብ ንህፃናት ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 58 ገፅ። 
  6. ተስፋይ ሓድስ (2001) ፋና ፥ ነበረያ ነበረ ወጀረቶት ብልሳን ወጀራት ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ፕላኖግራፊ ፥ 64 ገፅ። 
  7. ሙሉ ሃ/ስላሰ (2000) ገፀበረከት ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት
  8. ሃይለሚካኤል ኣበራ (1998) እዛ ኣጅቦይ መን ኣልዐለለይ? ኣዲስ ኣበባ ፥ ቻምበር ማተምያ ቤት ፥ 49 ገፅ። 
  9. ሰለሙን ኣባዲ (2000) ፀሊም ቆንጆ (ትርጉም) ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ኣርቲስቲክ ማተምያ ቤት ፥ 57 ገፅ። ካሳ 
  10. ገ/ህይወት (_) ርግብን ጎመድያን – ካልኦት ፅውፅዋያት (ትርጉም) ፥ 151 ገፅ። 
  11. ካሳ ገ/ህይወት (==) ፀሊማይ በዓል መዓል ጴጥሮስ ዓብዪን ጓል ጉብጣንን (ትርጉም) ፥ 186 ገፅ። 
  12. ፍረወይኒ ገ/ህይወት (2002) ሰገን ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 44 ገፅ። 
  13. ብርሃነ ኣቻሜ (2002) ምልእተ (ትርጉም)፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 197 ገፅ ። 
  14. ኣዴራ ተስፋይ (2000) ኮኾብ እንግሊዝና ትግርኛ ስእላዊ መዝገበ-ቃላት ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት። ኣዴራ 
  15. ተስፋይ (2000) ፀሓይ እንግሊዝና ትግርኛ ስእላዊ መዝገበ-ቃላት ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት። 
  16. ተኽለመድህን === (2001) ሰሪሕና ዘይንበልዕ? ኣዲስ ኣበባ ፥ ኣስቴር ነጋ ኣሳታሚ ድርጅት ፥ 42 ገፅ። 
  17. ኣዴራ ተስፋይ (2002) ጫማ ዝገበረት ድሙን ካልኦት ምሩፃት ዛንታታትን ንህፃናት (ትርጉም) ፥ ኣዴራ 
  18. ተስፋይ (2000) ፍልጠት ንህፃናት፥ መቐለ  
  19. ገ/ሚካኤል ተስፋህይወት (–) ዘበናውን ጥንታውን ፊደላት ንባብ ኣመሃህራ። 
  20. ኤልሳቤጥ ይሕደጎ (1997) ኑዛዘ ፥ ለንደን ፥ ማክሚላን ፓብልሺንግ ፥ 39 ገፅ። 
  21. ሰይፈ ገ/ህይወትን ኣዳነ ገብሩን (2004) ዕንበባታት ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 96 ገፅ። 
  22. እያሱ ገ/መድህን (2004) ውርሲ (ላዛ ቋንቋ ትግርኛ) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 79 ገፅ። እያሱ
  23. ገ/መድህን (2005) ውንታ (ያታታት ትግርኛ) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 70 ገፅ። 
  24. ገ/ስላሰ ተጫን (2004) ኣባይ ፥ እንግሊዝኛ – ትግርኛ – ኣማርኛ ስእላዊ መዝገበ-ቃላት ፥ መቐለ ፥ ቤት
  25. ሕትመት ሜጋ ፥ 79 ገፅ። ኣድሓነት ንጉሰ (2004) ተንኮለኛ ኣንጭዋን ካልኦት ዛንታታትን ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 38 ገፅ።
  26. ኣብርሃ ታደሰ (2006) ሜላ ተዋስኦ ንህፃናት ፤መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 38 ገፅ። 
  27. ገ/ጨርቆስ ገ/ፃድቃን (2005) ኣደዋይ መዓረይን ካልኦት ሰሓብቲ ዛንታታትን ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 52 ገፅ። 
  28. ፀጋይ ሓዱሽን ተ/ማርያም ሃይሉን (2005) ኣያንጉሉ ፥ መፅሓፍ ንህፃናት ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 157 ገፅ። 
  29. ሰይፉ ገ/እግዚኣብሄር (2006) ፍርያት ፥ ሓጋዚ መፅሓፍ ህፃውንቲ ፤ መቐለ ፥ መባእታ ቤተ መፃሕፍቲ ፥ 52 ገፅ። 
  30. ገ/ሚካኤል ኪዱ (2005) ኣባ ነገሮ ፥ ወግዒ ብፅሑፍ፤ መቐለ ፥ _ ፥ 73 ገፅ። 

4.4. መዛግብተ ቃላት  

  1. (1987) ትግርኛ – ትግርኛ መዝገበ ቃላት ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ የኢትዮጵያ ቋንቋዎች ኣካዳሚ ፥ 970 ገፅ። 
  2. ዳንኤል ተኽሉ ረዳ (2000) ሚራስ ፥ ትግርኛ – እንግሊዝኛ መዝገበ ቃላት፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ 354 ገፅ። 
  3. ዳንኤል ተኽሉ ረዳ (2001) ልሳን ፥ እንግሊዝኛ – ትግርኛ መዝገበ ቃላት ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ 776 ገፅ። 
  4. ካሳ ገብረህይወትን ኣማኑኤል ጋንኪን (2000) መዝገበ-ቃላት ትግርኛ ፥እማይ ፕሪንተርስ ፒ.ኤል.ሲ ፥ 884 ገፅ። 
  5. ራሄል የሺ ጥላ (1996) ሳባ እንግሊዝኛ ትግርኛ ኣምሓርኛ መዝገበ ቃላት ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ብራና ማተምያ ድርጅት ፥ 481 ገፅ።
  6.  ገ/እግዚኣብሄር ቢሆን (1987) ናፅላ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ብትግርኛ (ቀዳማይ ሕታም) ፥ 261 ገፅ። 
  7. ኪ/ዳነማርያም ገብሩ (-) ምዕራፍ እንግሊዝኛ – ኣማርኛ – ትግርኛ መዝገበ ቃላት ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ኣስቴር ነጋ ኣሳታሚ ድርጅት ።   

4.5. መፃሕፍቲ ግጥሚ  

  1.  (1998) ጠዓሞት ፥ኣዲስ ኣበባ ፥ ማሕበር ባህሊ ትግራይ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ፥ 84 ገፅ። 
  2. ኣለማዮህ ገዛሀይ (2002) ማፍያ ዶ ማለፍያ (መድብል ግጥምታት ትግርኛ) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ 112 ገፅ። 
  3. ኣማኑኤል ሕሳይ (2002) ሰላም (መድብል ግጥሚ) ፥ — 54 ገፅ። 
  4. ልዑል ፍስሃን እያሱ ገ/መድህን (2002) ሞት ውሽማ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 109 ገፅ። 
  5. ኣዲስ ኣለም ሓጎስ (2003) ወይዘሪት ኢትዮጵያ – 2020 ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 104 ገፅ።
  6. እምባየ ደዲማስ (2002) ውርሲ (መድብል ግጥምታት) ፥ 94 ገፅ። 
  7. ተኽሊት ገ/ህይወት (2002) ዘይድገም ወለዶ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 52 ገፅ። 
  8. ጥላሁን ታፈረ (1997) ዓሚ ዶ የሓይሽ ሎሚ ? ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥41 ገፅ። 
  9. ዛይድ ኣሰፋ (2002) መካተሻ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 68 ገፅ። 
  10. ግደይ ብርሃነ (2002) ህርመት ልቢ (መድብል ግጥሚ ትግርኛ) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ፕላኖግራፊ ፥ 81 ገፅ። 
  11. ሃይላይ ገ/ፃዲቕ (2002) በዂሪ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሳንራይዝ ፥ 60 ገፅ። 
  12. እቴነሽ ገ/ማርያም (2002) ክርስትያ ፥ 77 ገፅ።
  13. መብራህተ እያሱ (2000) ኣነ’ውን ብቓዕመይ ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ብርሃንና ሰላም ማተምያ ድርጅት 71 ገፅ። 
  14. ግርማይ ገብሩ (1993) ውሻይ ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ንግድ ማተምያ ድርጅት ፥ 142 ገፅ። 
  15. በርሀ ሃይለ (2000) ተስፋ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 114 ገፅ። 
  16. ይቁም ሃይለ (1997) ብርዐይ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 78 ገፅ። 
  17. ኣብርሃ ታደሰ (2000) ስንቂ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 92 ገፅ። 
  18. ፀሃየ ሀ/ማርያምን ፅገ ገ/ሄርን (1999) ብሽምኪ ክንፅዋዕ ፥ኣዲስ ኣበባ ፥ ማሕበር ባህሊ ትግራይ ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ፥ 52 ገፅ። 
  19. ኣሰፋ በቀለ (2000) ጋላቢት (መድብል ግጥምታት) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ 87 ገፅ። 
  20. ሲሳይ ሕሸ (1992) መሪጌታ ሃይሉ (ግጥምታት ትግርኛ) ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ትማማድ ፥ 56 ገፅ። 
  21. ደስታ ጨርቆስ (2000) ኮባኽብቲ መሬት ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ 102 ገፅ። 
  22. ዳንኤል ተኽሉ ረዳ (1997) ንብዓት እምሆይ ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ብርሃንና ሰላም ማተምያ ቤት ፥ 124 ገፅ።
  23. ፍረወይኒ ገ/ህይወትን ኣዴራ ተስፋይን (2000) ጓል መንገዲ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥84 ገፅ።
  24. ፍረወይኒ ገ/ህይወት (2000) ኣለሻ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ 100 ገፅ። 
  25. ጌታቸው ገ/ህይወት (2002) ብሌን ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት — ፥ 92 ገፅ። 
  26. ሙሉ ሃ/ስላሰ (2000) ኣትራኖስ (መድብል ግጥምታት ትግርኛ) ፥ መቐለ ፥ 90 ገፅ። 
  27. ጥላሁን ታፈረ (1997) ዓምዶ ይሓይሽ ሎሚ? ፥ ቤት ሕትመት 
  28. ገ/ሄር ቢሆን (2000) ስምዕታ እንስሳ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 175 ገፅ።
  29. ሙሉወርቅ ኪ/ማርያም (2002) ምርድዳእ ጥራሕ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 142 ገፅ። 
  30. ግርማይ ኣረጋዊ (1999) ፀሊም ፀባ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 54 ገፅ። 
  31. ኣዴራ ተስፋይ (2002) ኩላ ነንፃሕላ (መድብል ግጥምታት) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 72 ገፅ።
  32. ኣዴራ ተስፋይ (2000) ግርምቢጥ ትውልዲ (መድብል ግጥምታት) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 72 ገፅ ። 
  33. ገ/እግዚኣብሄር ቢሆን ተኽሉ (1993) ቅኔ ትግርኛ ምስ ፍትሑ (ቀዳማይ ክፋል) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 156 ገፅ። 
  34. ፍፁም ወዲ ማሪቆስ (2003) መስዋእቲ ፍቕሪ ንፍቕሪ (መድብል ግጥሚታት) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ 65 ገፅ። 
  35. _ (2002) ገሃንብ ከይፀበና (መድብል ግጥሚታት) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ። 
  36. ኣማኑኤል ካሕሳይ (2004) ዓስረይቲ ኢኺ (መድብል ግጥሚታት) ፥ 50 ገፅ። 
  37. ኤፍሬም በርሀ (2004) ምራን ሕኑቕ (መድብል ግጥሚታት) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 76 ገፅ።
  38. ሙሉጌታ ግሩም (2004) ዓውዲ-ህይወት (መድብል ግጥሚታት) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 69 ገፅ። 
  39. ገ/ሚካኤል ኪዱ (2004) ዝባን ብርዒ (መድብል ግጥሚታት) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 85 ገፅ። 
  40. ኣወጣሀኝ ብርሃነ (2004) ዘመስግኖ ሸይጣን (መድብል ግጥሚታት) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 54 ገፅ።
  41.  እቴነሽ ወ/ገብርኤል (2004) ሮማዲ (መድብል ግጥሚታት) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 27 ገፅ። 
  42. ኣቤል ጉዑሽ (2003) ኣንቲ ውእቱ ፍቕሪ (መድብል ግጥሚታት) ፥ መቐለ ፥ ኤቫና ፕሪንቲንግ ፥ 61 ገፅ።
  43.  ስየ ገብሩ (2003) ወርቃዊት ሕላገት (መድብል ግጥሚታት) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 70 ገፅ። ተስፋይ ግርማይ (2003) ርእሲ ዕሸል (መድብል ግጥሚታት) 
  44. _ (2004) ባሕባሕ ጅባ (መድብል ግጥሚታት) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ። 
  45. ሃፍቶም (2005) ልቢ ፃፀ ሃበኒ ፤ መድብል ግጥሚታት ትግርኛ ፥ መቐለ 
  46. ይብራህ ካሳ ገ/ማርያም (2005) ሰሓι ፥ መድብል ግጥሚታት፤ 70 ገፅ። 
  47. ፀጋ ደስታ በርሀ (2005) ብሉፅ ፥ መድብል ግጥሚታት ፤ መቐለ ፥ 38 ገፅ። 
  48. ሙዑዝ ሃይላይ (2005) ዘይተሓለበ ፀባ ፥ መድብል ግጥሚታት ፤ መቐለ ፥ 52 ገፅ። 
  49. ገ/ጨርቆስ ገ/ፃድቃን (2005) መንገዲ ህይወት ፥ መድብል ሓፀርቲ ግጥሚታት ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 62 ገፅ።
  50. ናምሩድ ይሳቅ (2005) ቅልቅል ፥ ግጥሚታት ፤ መቐለ፥ 50 ገፅ። 
  51. ወላይ ኣሰፋ (2005) ቃልና ፥ መድብል ግጥሚታት ትግርኛ ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 90 ገፅ። 
  52. ዳዊት ተስፋይ (2003) መሳለል ጥበብ (መድብል ግጥሚታት) ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 72 ገፅ። 
  53. ዳንኤል ኣስመላሽ (2004) ሕልና (መድብል ግጥሚታት) ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 87 ገፅ። 
  54. ዮሴፍ ኪዳነ (2005) ለይትና ነዊሑ (መድብል ግጥሚታት) ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ 91 ገፅ። ጎይትኦም ገ/ማርያም (2004) የሻል (መድብል ግጥምታት) ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘመናዊ ፥ 74 ገፅ። 

4.6. መፃሕፍቲ ሓፀርቲ ልቢ ወለዳት  

  1. ሳምሶን ክንፈ (2001) ኣደዳይ -ሓፀርቲ ልቢ ወለዳትን ቀልዲታትን ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሳንራይዝ ፥ 196 ገፅ። 
  2. ፀጋይ ሓጎስ (2002) ቅቡእ ሰማይ (ሓፂር ልቢ ወለድ) ፥ 137 ገፅ። 
  3. ይቁም ሃይለ (2001) ብሉዕ ስንቂ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 159 ገፅ። 
  4. ይቁም ሃይለ (2000) ፌፆ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥166 ገፅ። 
  5. ግርማይ ገብሩ (1998) ማስቃ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት — ፥ 149 ገፅ። 
  6. ግዛቸው ግርማይ (2000) መብፅዓ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ 172 ገፅ። 
  7. ዳርእስከዳር መብራህቱ (2001) ክልተ ዳስ (መድብል ልቢ ወለድ) ፥ — 122 ገፅ። 
  8. ኣብርሃ ታደሰ (2002) ደርሆ ነቆ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 137 ገፅ። 
  9. ደስታ ጨርቆስ (2001) ነገስታት ህዋ ፥፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ 146 ገፅ። 
  10. ብርሃኑ ኣባዲ (1993) ሓዱሽ ፥ ኣዲስ ኣበባ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥237 ገፅ። 
  11. ኣክሊሉ ኣካሉ (2000) ህሉት ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥138 ገፅ። 
  12. ስለሺ ጋረድን ካልኦትን (2002) ዶላር ትርኣሱ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥195 ገፅ። 
  13. ኤልያስ ሚኪኤለ (2000) ቆፀሮ ድኻ ፥ መቐለ ፥100 ገፅ። 
  14. ሃይለሚካኤል ኣበራ (1997) ኣስተሊኒ (ትርጉም ሓፀርቲ ልቢ ወለዳት- ካልኣይ ሕታም) ፥ መቐለ ፥ ማሕበር ባህሊ ትግራይ ፥ 54 ገፅ።
  15. ፍረወይኒ ገ/ህይወት (2004) ሰለስተ ቆናጁ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 96 ገፅ። 
  16. ፀጋይ ሓዱሽ (2004) ዓራርቦ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 167 ገፅ። 
  17. ስለሺ ጋረድ (2005) ዛዕዛዕታ ፍιሪ (ምስ ካልኦት ሓፀርቲ ልቢ ወለዳት) ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 217 ገፅ። 
  18. ኣዲስ ኣለም ሓጎስ (2006) ማሕበር ምዉታት – ሓፀርቲ ልቢ ወለድ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 105 ገፅ። 
  19. ኣዲስ ኣለም ሓጎስ (2006) መወዳእታ መዓልቲ – ብሉፃት ሓፀርቲ ልቢ ወለድ ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 101 ገፅ። 
  20. ኣድሃና ጎዲፋይ (2006) ዘይእበድ ጣዕሳ ምስ ካልኦት ሓፀርቲ ልቢ ወለዳት ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ 107 ገፅ። 

4.7. መፃሕፍቲ ነዋሕቲ ልቢ ወለዳት  

  1. ቸኮል ኪሮስ (1987) ፀሊም ነጥቢ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 55 ገፅ። 
  2. ፅገ ሃ/ማርያም (2000) ማንታኖ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 145 ገፅ። 
  3. ፅገ ሃ/ማርያም (2000) ገነት ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 475 ገፅ። 
  4. ናምሩድ ይሳቅ (2003) ተስፋ (ነዊሕ ልቢወለድ) ፥ 70 ገፅ። 
  5. ሰለሙን ኣባዲ (1998) ግዴና ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ። 
  6. ዳንኤል በላይ (2009 ዓ.ፈ) ክሓልፍዶ ይኸውን? 202 ገፅ። 
  7. ኣርኣያ ወርቅነህ (1992) ሕዚኸ ናበይ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 392 ገፅ። 
  8. መድሂን _ (1988) ደሃይ ኣብነት ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ። 
  9. ኣብርሃም ለኣከማርያም (1998) ጓል ቤዛኖ ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ኣርቲስቲክ ማተምያ ድርጅት ፥ 254 ገፅ።
  10. ህድያት ትግራይ (1993) ዋጋ ሓርነት ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ብርሃንና ሰላም ማተምያ ድርጅት ፥ 182 ገፅ። 
  11. ሃሴት ፍስሃ (2000) ማዕበል ፍርቂ ለይቲ ፥ መቐለ ፥ — 200 ገፅ። 
  12. ብርሃነ ኣቻሜ (1984) ወዲ ዋዕሮ ፥ 332 ገፅ። 
  13. ኣታኽልቲ ሓጎስ (1985) ጥብሲ ክልተ እቶን ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት — ፥ 165 ገፅ። 
  14. ኣታኽልቲ ሓጎስ (1997)ናይ መወዳእታ ኮንፈረንስ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 82 ገፅ። 
  15. ኣታኽልቲ ሓጎስ (1990) ሞት ልዕሊ መቓብር ፥ መቐለ ፥ ሸባ ኮምፑተር ሲስተምስ ፥ 238 ገፅ።
  16. ጉዕሽ ወ/ገብርኤል (2003) ሓድጊ ማዕበል – ዝዋር እንተምና ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ 176 ገፅ።
  17. __ (2001) ዛዕባታት ሰገር ሩባ ፤ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ፕላኖግራፊ ፥ 192 ገፅ። 
  18. __ (2002) እንተምና ፥ ሓቀኛ ልቢ ወለድ ፥ 150 ገፅ። 
  19. ይብራለም ሃይሉ (2002) ግጥምጥም (ነዊሕ ልቢ ወለድ) ፥ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ 133 ገፅ።
  20. __ (2003) ኣጉል ክምስታ(ነዊሕ ልቢ ወለድ)፥መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 251 ገፅ። 
  21. ሰለሞን ኣባዲ (2004) ባህጊ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 205 ገፅ። 
  22. ፅጌ ሃ/ማርያም (2004) ምእዳን ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 175 ገፅ። 
  23. ኣርኣያ ወርቅነህ (2004) ሕዚኸ ናበይ ቁ. 2 ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 378 ገፅ። 
  24. ፍፁም ገ/ተለ (2005) ጓል ማንም ፥ ነዊሕ ልቢ ወለድ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ ገፅ 254። 
  25. ተኣምራት ጥበቡ (2005) ማኪሊያ ፥ ልቢ ወለድ መፅሓፍ ትግርኛ ፤ ____ ፥ ______ ፥ 82 ገፅ። 
  26. ተስፋይ ሓድሽ (2005) ሃልሃልታ ፥ ነዊሕ ልቢ ወለድ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ ገፅ 204። 
  27. ኣበባ ስዩም (2004) ቢሮማ ፥ ልቢ ወለድ መፅሓፍ ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ ገፅ 215። 

4.8. መፃሕፍቲ ሓቀኛ ታሪኽ  

  1. __ (1992) ተጋድሎ ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 312 ገፅ። 
  2. ሰለሞን ኣባዲን ሃይለ ኣያልነህን (1997) ሓራሳት ኣናብር ትግራይ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 271 ገፅ ። 
  3. ኣታኽልቲ እምባየን ግርማይ ወ/ገወርግስን – ተርጎምቲ- (1990) ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ እዋን ምቅርማት ኣፍሪካ – ፖለቲካዊ  ህይወት ታሪኽ ራእሲ ኣሉላ (1875 – 1897) ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ዲማ ስራሕቲ ትርጉምን ኤዲትንግን ፥ 269 ገፅ። 
  4. ብርሃኑ ኣባዲን ሃይለ ኣያልነህን (1998) ኣግኣዚ ኦፐሬሽን ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥404 ገፅ።
  5. ኣታኽልቲ ሓጎስ (1992) ወፍሪ ምድሓን ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 254 ገፅ። 
  6. ኣታኽልቲ ሓጎስ (1998) ኲናት ዓድዋን መዘዛቱን ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት — ፥ 158 ገፅ። 
  7. ኣታኽልቲ ሓጎስ (1998) ኣይንተሓማመ ፥ — 149 ገፅ።
  8. ኣታኽልቲ ሓጎስ (1988) ተራ ኣውዓሎም ኣብ ኲናት ዓድዋ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 67 ገፅ።
  9. ኣታልቲ ሓጎስ (2002) ምትሃታዊ ቀሲስ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት 
  10. በርሀ ዝግታ (2000) መበቆልን ታሪኽን ህዝቢ ኢሮብ ፤ መቐለ፥ ዘመናዊ ቤት ማሕተም፥ 174። 
  11. ደሳለኝ ፍስሃ (1990) ሌላ ምስ ስነ-ስርዓት መውስቦ ብሄረሰባት ሃገርና ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥89 ገፅ። 
  12. ሃይላይ ሓድጉ (2001) ፅንዓት ፥ ዱባይ ፥ ቤት ሶሎልያ ፓብልሺንግ ፥338 ገፅ። 
  13. ፀጋይ ጠማለው (2002) ቃልሲ ህወሓት ኢወዲግ ኣንፃር ደርጊ ፥ ድርቅን ሻዕብያን ፥ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 135 ገፅ። 
  14. ፀጋይ ጠማለው (2000) መን ይንገር ዝነበረ – መን የርድእ ዝቐበረ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 149 ገፅ። 
  15. እያሱ መንገሻ (2000) ካብ ማህደር ፈንቅል ፥ ብራና ማተምያ ቤት ፥ 300 ገፅ። 
  16. ካሳሁን ወ/ጂወርግስ (2001) ምስትያት (ወለዶታት ክፈልጡዎ ዝግባእ ታሪኻዊ ጉድ) ፥ መቐለ 658 ገፅ።
  17. ኣስገደ (2000) ጋህዲ ሓደ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 243 ገፅ። 
  18. ኣስገደ (2001) ጋህዲ ክልተ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ፕላኖግራፊ ፥ 459 ገፅ። 
  19. ኣስገደ (2002) ጋህዲ ሰለስተ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ 396 ገፅ። 
  20. ወ/ገብርኤል ታደሰ (2000) መቐረት ገድሊ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ፥ 352 ገፅ። 
  21. __ (2002) መርትዖ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 529 ገፅ። 
  22. ጉዕሽ ወ/ገብርኤል (2002) ተመላጠጥ (ሓቀኛ ታሪኽ) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ፕላኖግራፊ ፥ 164 ገፅ።
  23. ሰለሞን ዕንቋይ (2000) ጥልመት ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ኣርቲስቲክ ማተምያ ድርጅት ፥ 451 ገፅ። 
  24. ሰለሞን ዕንቋይ (2002) ጓል ፀሃየ ኣብ ኣኽራናት ሳሕል ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ 177 ገፅ። ደጋፊ
  25. ጎዲፈይ (2001) ባህልን ታሪኽን ህዝቢ ወጅራት ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥532 ገፅ።
  26.  ጎዲፋይ ሓዱሽ (2003) ተጋድሎ ደቡባዊ ግንባር ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ቤት ሕትመት ብራና ፥ 256 ገፅ።
  27. ሙሉጌታ ደባልቀው(2003)ሓቦ ሕላገት ተጋሩ ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ኤማይ ፕሮንተርስ ፒ.ኤል.ሲ ፥ 278 ገፅ።
  28. ወርቀ መንግስቱ (2005) መስትያት መቐለ ፤ 
  29. ሃይላይ ሓድጉ (2005) ፅንዓት ክልተ ፤ ኣዲስ ኣበባ ፥ ኣማኑኤል ፕሪንቲንግ ፕረስ ፥ 323 ገፅ።
  30. ገ/ኪዳን ደስታ (2005) እምቢታ ኣንፃር ወረርቲ ፥ ታሪኽ ዘበን መዋእል ዮውሃንስ ራብዓይ ንጉሰ ነገስት ዘኢትዮåያ ፤ ኣዲስ ኣበባ ፥ ሜጋ ማተሚያ ቤት ፥ 537 ገፅ። 
  31. ሃሴት ፍስሃ (2004) ቅያ ተጋድሎ ፥ ታሪኽ ቃልሲ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን 1967 – 1983 ዓ.ም ፤ ኣዲስ ኣበባ ፥ ኤማይ ፕሪንተርስ ሃላፊነቱ የተወሰነ የግል ማህበር፥ 489 ገፅ። 
  32. —- (2005) ተምሳሌት ፤ ኣዲስ ኣበባ ፥ ሜጋ ማተሚያ ቤት ፥ 183 ገፅ። 
  33. ሙሉጌታ ደባልቀው (2003) ሓቦ ፥ ሕላገት ተጋሩ ፤ ኣዲስ ኣበባ ፥ ኤማይ ሕትመት ፥ 278 ገፅ። 
  34. የማነ ገ/መስቀል (2005) ቀዳማይ ወያነ ፤ ኣዲስ ኣበባ ፥ ሮቦት ኣታሚዎች ፥ 286 ገፅ። 
  35. በየነ ገ/መድህን (2004) ስሑል ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ስምኬት ሃላ/የተ/የግ/ማህበር ፥ 410 ገፅ።
  36. ተ/ብርሃን ተለን የማነ ገ/ሚካኤልን (2005) ባሕርና (መስተንክራዊ ስራሕቲ ስርዒት ህወሓት) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 245  ገፅ። 
  37. ሰለሞን ገ/ኣረጋዊ (2006) ዳግመ ኣሉላ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ናቱ ፥ 236 ገፅ። 

4.9. ስራሕቲ ምርምር  

  1. __ (1991) መፅናዕቲታት ቀዳማይ ሲምፖዝየም ቋንቋ ትግርኛ ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ብርሃንና ሰላም ማተምያ ቤት ፥737 ገፅ።
  2. __  (1999) ውፅኢት ከይዲ መበል ካልኣይ ዋዕላን መፅናዕትን ቋንቋታት ትግራይ ፥ መቐለ ፥ ማሕበር ባህሊ ትግራይ ፥ 412 ገፅ። 
  3. __  (1995) ዓውደ መፅናዕቲ ዕቀባን ሕድሳትን ደብረ ገሪዛን ጉንዳጉንዶ ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ቻምበር ፥ 103 ገፅ። 
  4. ኣርኣያ ወርቅነህ ፥ ታደሰ ኣለም ሰገድን ገ/ኣብ ባርናባስን (2004) ኩሉ ቀረብ ካብ ሓንቲ ሞሪንጋ ፤ መቐለ ፥ቤት ሕትመት ሜጋ፥110 ገፅ። 

4.10. መፃሕፍቲ ግለ ታሪኽ  

  1. ዓብደል ውሃብ ቡሽራ (—) ሂቡ ናብ ኢንጅነር ዓብደል ወሃብ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ፕላኖግራፊ ፥ 130 ገፅ። 
  2. ኣርኣያ ገ/እግዚኣብሄር (1998) ብፈጣሪ ዝተዓደልኩዎ ፈተና (ትርጉም) ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ንግድ ማተምያ ድርጅት ፥ 96 ገፅ። 
  3. በርሀ ሃይለ (2003) ኣብነት ፥ (ዶ/ር ሰሎሞን ዕንቋይ) ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ብራና ህትመት ቤት።

4.11. መፃሕፍቲ ሙዚቃ  

  1. ሳሙኤል ረዳኢ (1998) ክልስ ሓሳብ ሙዚቃ ንኹሉ (ካልኣይ ሕታም) ፥ መቐለ ፥ 153 ገፅ። 
  2. __ (1999) ውረባ ሙዚቃ (ቀዳማይ ሕታም) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 62 ገፅ። 
  3. __  (1998) ውደባን ኣገባብ ሕብረዝማረን፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 100 ገፅ። 

4.12. ካልኦት መፃሕፍቲ  

  1. ግርማይ ገብሩ (2002) ክስታይ – ዘረባዊ ፅሑፍ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ 258 ገፅ። 
  2. ጎይትኦም ተኸስተ (2002) ይምሓረና – ዋዛን ብሂላዊ ፈጠራን ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ 53 ገፅ።
  3. ገ/ሚካኤል ተ/ህይወት (–) ድምፂ እንስሳት ቋንቋ ትግርኛ ኣድናቖት ሃዳናይ ፥ መቐለ ። 
  4. ሙሉወርቅ ኪ/ማርያም – ኣርታኢ (2000) ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ ፥ 235 ገፅ። 
  5. ኣብርሃ ኣሰፋ (1988) ተዛነዩለይ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘበናዊ ፥ 68 ገፅ። 
  6. ካሕሳይ ኣብርሃ (2003) ሓድግታትና ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 218 ገፅ ። 
  7. ግደይ ብርሃኑ (2003) ኦኬ (ቀልዲታት ትግርኛ) ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 125 ገፅ ። 
  8. ግደይ ብርሃነ (2003) ኦኬ ፥ ቀልዲታት ትግርኛ ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ሜጋ ፥ 125 ገፅ። 
  9. ኣሰፋ ለኣከን ነጋ ዘርኡን (2005) ማይ ኣባይ ካብ ደም ይሓፍስ ፥ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ 178 ገፅ። 

፭. ፅማቚ ትሕዝቶ  

ክሳብ ሕዚ ዳህሳስ ዝርዝር መፃሕፍቲ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ትሕቲ 12 ምድባት ንምርኣይ ፈተነ ተገይሩ። ኣብ ሕድሕድ ምድብ ንዝቐረቡ መፃሕፍቲ ብቑፅሪ ኣስዒብና ክነቐምጥ። 

መፅሓፍበዝሒ
1ሓገዝቲ መፃሕፍቲ 40
2መፃሕፍቲ ግጥሚታት56
3ሓፀርቲ ልቢ ወለዳት ትግርኛ20
4ስነ-ቃል ትግርኛ13
5ስራሕቲ ምርምር4
6ሙዚቃን3
7መፃሕፍቲ ትግርኛ ንህፃናት28
8መዛግብተ ቃላት   7
9ነዋሕቲ ልቢ ወለዳት ትግርኛ28
10ሓቀኛ ታሪኻት37
11ግለ ታሪኻት3
12ካልኦት 9

እዞም ዝርዝር መፃሕፍቲ ካብ 1984 – 2006 ዓ.ም ብሓፈሻ ዝተሓተሙ በዝሒ መፃሕፍቲ ደሚርካ 248 (ክልተ ምኢትን ኣርብዓን ሸሞንተን) እዮም። እዞም መፃሕፍቲ ካብ 1984 ዓ.ም ኣትሒዙ ክሳብ 2006 ዓ.ም በቢ ሓሙሽተ ዓመት ዘርኣዩዎ ፅማቚ ቁፅራዊ ዕቤት ብምኢታዊት ስዒቡ ኣብ ዝቐርብ ሰደቓ ተጠቓሊሎም ቀሪቦም ኣለዉ። 

በዝሒ መፃሕፍቲ ብምኢታዊ እንትግበጥ

ካብቲ ዝቐረበ ፅማቚ ትሕዝቶ መጠን ስነ-ፅሑፍ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ዝለዓለ ለውጢ እናመዝገበ ከም ዝመፀአ ንዕዘብ። ብፍላይ ካብ 1999 ዓ.ም ክሳብ 2006 ዓ.ም ኣዝዩ ቅልጡፍ ቁፅራዊ ዕቤት ከም ዘመዝገበ ምርዳእ ይከኣል። ኣብቶም ዝተጠቐሱ ሽዱሽተ ዓማውቲ 175 መፃሕፍቲ ብርሃን ሕትመት ክሪኡ ክኢሎም። እዞም መፃሕፍቲ ብሓፈሻ ካብ ዝተሓተሙ ብምኢታዊ እንትግበጡ 79.75 ኮይኖም። ብሓፈሻ ኣብቲ ዝተሓበረ መዋእል 248 መፃሕፍቲ ብቋንቋ ትግርኛ ብርሃን ሕትመት ሪኦም። እዙይ ኣብ ምዕባለ ቋንቋን ስነ-ፅሑፍን ትግርኛ ገዚፍ ዝላ እዩ። 

፮. መጠቓለልን ውልቃዊ ርኢቶን 

ሕዚ ሕዚ ኣብ ምረቓ መፃሕፍቲ ትግርኛን ካልኦት መሰል መድረኻት ኪነ-ጥበብ ጉዳይ ፅፈትን ብቕዓትን ዝፀሓፉ ዘለዉ መፃሕፍቲ ትግርኛ ከም ዛዕባ መመሊሱ ይለዓል እዩ። ኣብዞም መድረኻት ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ይንፀባረቑ እዮም። ዝለዓሉ ኣረኣእያታት ኣልዒልካ ምዝታይ ቦትኡን ጊዝይኡን ስለዘይኮነ ክሓልፎ። ሓደ ነገር ምባል ግና ይከኣል። ምህላው በዝሒ መፃሕፍቲ ንፅፈትን ብቕዓትን ስነ-ፅሑፍ ትግርኛ ንኽመፅእ ባይታ የንፅፍ እዩ። ፅፈትን ብቕዓትን ብሓደ ፀሓይ ዘይመፅእ ምዃኑ እሙን እኳ እንተኾነ ኣብ ከይዲ ፥ ማሕበርና ማሕበር ከየንቲ በቲ ጀሚሩዎ ዘሎ መንገዲ ብዘይምቁራፅ ክጐዓዝ እንድሕር ክኢሉ ሓደ መምፅኢ ኣንፈት ብቕዓትን ፅፈትን ክኸውን ይኽእል እዩ። ምስዚ ብተወሳኺ ካልኦት የእትወና በሃልቲ ተሓለቕቲ ኣካላት እውን ኣብቲ መስርሕ እንድሕር ዓሲሎም ኣብ ክሊ ስነ-ፅሑፍ ትግርኛ ዘይከኣል ነገር ኣይህሉን። እቲ እንሃርፎን ንእምቶን ምዕባለ ስነ-ፅሑፍ ትግርኛ እውን ክንበፅሖ ይከኣለና እዩ ኢለ እኣምን። 

ማራ-መፅናዕቲ (Abstract)  

ኣብዚ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ (ካብ 1984 ዓ.ም – 2006 ዓ.ም) ብቋንቋ ትግርኛ ዝተፀሓፉ ዝተፈላለዩ ፅሑፋት በቢ ወገኖም ተወዲቦም ቀሪቦም ኣለዉ። ብርግፅ 2006 ዓ.ም እንትበሃል ክሳብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ (ዕለት ሓሙሽተ) ዘለዉ ጊዜያት ዝጠምር እዩ። 

ኣብዚ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ዝተማእኸሉ ስራሕቲ ክልተ ዓይነት ኣገባብ ኣተኣኻኽባ ኣብ ተግባር ውዒሎም። መብዛሕተኦም መፃሕፍቲ ትግርኛ መፅንዒ እዚ ፅሑፍ ካብ 1992 ዓ.ም ኣትሒዙ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ቋንቋ ትግርኛ ምስ ምፅንሑ ተኣሳሲሩ በብእዋኑ ንዝሕተሙ መፃሕፍቲ ቋንቋ ትግርኛ ከም እታዎት ንምጥቃም ኣብ ከይዲ ሓደ ብሓደ ብምዕዳግ ዘዋህለሎም እዮም። እዙይ እቲ ፈላሚ መንገዲ እዩ። እቲ ካልኣይ መይላ ናብ ኣብያተ መሸጣ መፃሕፍቲ ብምኻድ ዝተኣከቡ እዮም። ብሓፈሻ ኣብዚ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ክሳብ እቲ ዝተጠቐሰ ደረት ጊዜ ልዕሊ 248 መፃሕፍቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ኣድሂቦም ንንባብ በቒዖም እዮም። እዚ ቁፅሪ ኣብ ምዕባለ ቋንቋ ትግርኛን ስነ-ፅሑፉን ገዚፍ ዝላ ተገይሩ ክውሰድ ይከኣል። 

ኣብዚ መፅናዕቲ ተማእኺሎም ዘለዎ መፃሕፍቲ ኣብቲ ዝተቐመጠ ገደብ ጊዜ ንዝተሓተሙ ኩሎም ጠሚሩ ዝሓዘ እዩ ክብል ኣይደፍርን። ቅድም ቀዳድም ኣብዚ ዘለዉ መፃሕፍቲ ሓደ ኣብ ኤርትራን ካልኦት ሃገራት ወፃእን ንዝተሓተሙ ኣይጠምርን። ብኻልኣይ ገፅ ሓድሓደ ጊዜ ደረስቲ ዋሕዲ መፃሕፍቲ የሕትሙ እሞ ናብ ኩሎ እንተይበፅሑ ዝውድእሉ ኣጋጣሚ ይፍጠር። በዞም ክልተ ምኽንያታት እዚ መፅናዕቲ ናይ ባዕሉ ሕፅረታት ኣለዉዎ። 

Continue Reading
11 Comments

11 Comments

  1. ልኡል ዘርኣይ

    January 19, 2023 at 4:37 pm

    ይበል! ፅቡቕ ስራሕ እዩ። እቶም ዝተዘርዘሩ መፃሕፍቲ ብቐሊሉ (ብሶፍት ኮፒ) እንረኽበሉ መንገዲ ይህሉዶ?

  2. Abrham

    January 10, 2023 at 2:28 am

    Good job, keep it up.

    • ብርሃነ ዘርይሁን

      January 11, 2023 at 12:10 am

      ዝቐደመ ኣይኽፋእ። ትግርኛ ንዝዛረብ ቤተሰብ፣ ዘመድ ኣዝማድን ኣዕሩኽት፣ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲታት ምልውዋጥ በቱ እዋኑ ዝነበረ ቋንቋ ኣመሕርኛ ኔሩ። ከምኡውን ጉዳይ ቤት ፍርድታት። ከባቢ 1965 (ግ/ኣ) ጀሚሩ ግና ኣብ ናይ ቀኃሥ ዪኒቨርሲቲ ናይ ተጋሩ ማሕበር ሓደ ተጎጀለ ክፍሊ ቋንቋ ትግርኛ ምምዕባል ዝምልከት ነበረ። ንሱ ንምፍጻም ድማ ለዕልን ታሕትን ነበረ። ድሩት እኳ እንተነበረ ድልየትን ባህግን ሓያል ነበረ። ጥር ዝብል መጽሓፍ እኳ ኣይነበረን አብ ኣዲስ ኣበባ። ሎሚ ግና ሕሹ።
      ብተኻእለ ናይ ብትግርኛ ተጻሕፈ ክንድዙይ ምህላው ኣይፈልጥን ኔረ። ትግሃት ከምዙይ ዘጊቡ (record) ምቕማጡ ደስ ዘብልዩ። ብያታ ዝነበረ ናብዙይ ምቕያሩን ሓፍ ምባሉን ዝነኣድዩ። ዘተባብዕ’ዩ። ቀጽሉሉ። ትግርኛ ብጣዕሚ ሃፍታም ቋንቋ እንዳሃለወ፣ እንታብ ኣፍ ሞት ተላዒሉ፣ ደሚቑ ክትርኢ ኣዝዩ ደስ ይብል።

  3. Kinfe

    January 9, 2023 at 8:51 pm

    ፅቡቅ ጅማሮ እዩ። መፅሓፍቲ ናብ መምበባይን ተመራመርትን ዝበፅሕሉ መንገዲ ምእላሽ ሓደ ገዛ ዕዮና እዩ።

  4. Kiros teweldemedhin

    January 9, 2023 at 4:08 pm

    እቲ መፅናዕቲ ግርምየ ግና ብዙሓት ዝተረስዑ መፅሓፍቲ ኣለዉ

    ከም ጓል ገድሊ ነዊሕ ልበወለድ

    ከብዲ ይፅሮ ናይ ግጥሚ መድብል

    • Tghat

      January 10, 2023 at 11:55 am

      ብ ዝርዝር ኣዳሊውካ ዶ ክትልእኸልና ትኽእል?

  5. Getacho

    January 9, 2023 at 1:08 pm

    Thank you for this, now the real question is where can I purchase these books I would like to purchase all to be honest – Gech

  6. RS

    January 9, 2023 at 12:45 pm

    ብጣዕሚ ፅቡቕ ስራሕ። ቀፅሉዎ።

    ክልተ ነገራት ክብል።

    1. ድሕሪኡን ቅድሚኡን ዝነበሩ መፃሕፍቲ እውን ከምዚ ብዝርዝር ክቐርቡሉ ዝካል እንተኾይኑ።

    2. ካብ ክንዲ ብ ነጥቢ (.) ምዝርዛር ብቁፅሪ 1፣ 2 ፣ 3v … 248 እናበልኩም ከም ዘርዘርኩሞም ሰባት ታራ ቁፅሪ እናገለፁ ብቐሊሉ ተወሳኺ ሓበሬታ ክህቡ የኽእሎም።

  7. Hagos

    January 9, 2023 at 12:37 pm

    ብጣዕሚ ጠቀምቲ መፃሕፍቲ እዮም ነመስግን

  8. Teklit

    January 9, 2023 at 10:50 am

    Ok

    • RS

      January 9, 2023 at 3:40 pm

      ርኢቶይ ሰሚዕኹም (😎) ብቁፅሪ 1፣ 2 ፣ 3 … ኢልኩም ምዝርዛርኩም ፅቡቕ ጌርኩም።
      ኣነ እኳ ካብ ቁፅርታት ምድግጋም ካብ 1 – 248 ምመረፅኩ …

      ካልእ ሪኢቶ:
      ‘ዘን ቀፂለን ዘለዋ ክልቲአን ኣብ ሓደ እየን ቀሪበን ዘለዋ እሞ ከምዚ ኣነ ገይረየ ዘለኹ ኣብ ክልተ ግበሩወን።

      4.2. መፃሕፍቲ ስነ-ቃል ትግርኛ  

      10. ገ/ኪዳን ደስታ (1994)መቐረት ምስላታት ትግርኛ (ቀዳማይ ሕታም) ፥ ኣዲስ ኣበባ ፥ ሜጋ ሕትመት ኢንተርፕራይዝ ፥ 190 ገፅ።
      11. ይትባረኽ ግደይ (—) ሽምብሮት ፥ ——- ፥ 304 ገፅ።

      4.5. መፃሕፍቲ ግጥሚ

      54. ዮሴፍ ኪዳነ (2005) ለይትና ነዊሑ (መድብል ግጥሚታት) ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ደስታ ፥ 91 ገፅ።
      55. ጎይትኦም ገ/ማርያም (2004) የሻል (መድብል ግጥምታት) ፤ መቐለ ፥ ቤት ሕትመት ዘመናዊ ፥ 74 ገፅ። 

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT