Connect with us

ርእይቶ

ህወሓት ካብ ፖለቲካ ትግራይ ንምንታይ ይተኣለ? ፖለቲካውን ስትራተጃውን ውድቀቱ

Published

on

ብ ገብረሂወት ሃይለማርያም ኣብርሃ 

መእተዊ

ህዝቢ ትግራይ ኣብ እዛ ሎሚ ቀርኒ ኣፍሪካ ተብሂላ ዝትፅዋዕ ዞባ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ዝነበረ ኰይኑ መስተንክራዊ ታሪኽን ስልጣነን ዝወነነ ህዝቢ ካብ ምዃን ሓሊፉ ናይ ባዕሉ ዝዀኑ መንነት፣ ቋንቋ፣ ባህሊ፣ ስርዓተ መንግስትን ምሕደራን፣ ሃይማኖት፣ ስነ ጥበብ፣ ስርዓተ ክብርን ፍልስፍናን ዘለውዎ ህዝቢ እዩ። እዞም መግለፂ ክቡር መንነቱ ዝዀኑ ነገራት ንምዕቃብን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ንምስግጋርን ህልወንኡን ድሕንነቱን ንምቕፃልን ድማ ንዘመናት መሪር መስዋእቲ ብ ምኽፋል ክየጥፍኡዎ ዝመጽኡ  ናይ ደገ ሓይልታት ተቓሊሱ እዩ። ይዅን እምበር ንፁር ዝዀነ ብሄራዊ ዕላማን ሕትቶን ከምኡ እውን ረብሕኡን ብ ዘኢምፍላጥ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተፈላለዩ ኣንፃር ህልውናን ድሕንነትን ትግራይ ዝዀኑ ኣተሓሳስባታትን ተግባራትን ተኻይዶምሉ። ብ እዙይ መሰረት ኣብ 2013 ዓም  ግልጺ ዝዀነ ንምግላጹ ብዝየፀግም ገበን ጽንተት፣ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት፣ ግፍዓዊ ዓመጽ ደቂ ኣነስትዮ፣ ክብባን ዕጽዋን፣ ገበን ኲናትን ካልኦት ከበድቲ ዘርኣውን ብሄራውን ግጽዕታት በጺሑዎን ሐዚ እውን ሰላሕታዊ ጽንተት ይበጽሖን ኣሎ። እዙይ ኰይኑ እናሃለወ ግን ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ኵሉ ዓይነት ቃልሲ እንተ ገበረ፡ ብ ስንኪ ስእነት ስትራተጃውን ህዝባውን መሪሕነት፡ ብሄራዊ  ህልውንኡ ስኢኑ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይᎀት፣ ይስደድ፣ ይጠምይን ይጐሳቘልን ኣሎ። ካብ  እዙይ ብ ምብጋስ እዩ መሪሕነት ህወሓት ብሄራዊ ረብሓ፣ ህልውና፣ ድሌትን መጻኢ ዕድልን ትግራይ ብግብሪ ክየውሕስን ክየረጋግጽን ስለ ዘኢክኣለ ካብ ፖለቲካ ትግራይ ተኣልዩ ሓዱሽ መሪሕነት ንምምጻእ ናይ መሪሕነት ቦታ ምልቃቕ ኣገዳሲ ዝይዀን። ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታትን ሀዚ  ኣብ ወንበር/ስልጣን ኣብ  ዝሃለወሉ ኵነታትን ፖለቲካውን ስትራተጃውን ውድቀታት ኣጋጢሞምዎ እዮም፥ ድሕንነቱን ሃለዋቱን ህዝቢ ትግራይ ክየረጋግጽን ክየድሕንን ዘኢክኣለ እዩ። ስለ ዝዀነ  ህወሓት ካብ ፖለቲካ ትግራይ ክይእለይ  እኹላት ምኽንያታት ቀፂሎም ተዘርዚሮም ኣለዉ። 

1 ዲፕሎማስያዊ ውድቀት

ብ ኣውርኡ ዲፕሎማሲ እንትይብሃል፡ መፈፀሚ ብሄራዊ ረብሓን ህልውናን ሓደ ህዝቢ፥ ብሄር ወይ ሃገር ኰይኑ ከመይ ገይርካ ተኽብሮምን ተረጋግፆምን ዝይብል እውን ይሓውስ። ካብ እዙይ ብ ተወሳኺ፡   ውሽጣውን ግዳማውን ሓይልታት ብ ምትሕብባር፡ ሰላም፣ ፀጥታን ድሕንነትን ዓድዲ ንምስፋንን ንምርግጋፅን ብ ሕቡእን ርኡይን ዝይስርሑ ተግባራት  የጠቓልል። ስለ ዝዀነ እዞም ካብ ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ዝይመፅኡ ሓደጋታት ፀጥታን ድሕንነትን ህዝብኻን ዓድኻን ነፂርካ ፈሊኻ ንምፍሻልን ንምውቓዕን ቀዳምንት ዝይውሃቦ ስራሕ እዩ። ብ ዋናነት መሰረታዊ ባእታታት ብሄራዊ ረብሓ (ህልውና፣ ድሕንነት፣ ናጽነት፣ ግዝኣታዊ ሓድነት፣ ውሽጣዊ ሓርነት፣ ቁጠባዊ ምዕባለን ሰላምን) የጠቓልል። እዚኣቶም ጥራሕ እዮም ማለት ግና ኣይኰነን።  

ኣብ  እቶም ዝሓለፉ ልዕሊ ክልት ዓመታት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀን ዝተተግበረን ኣፅንቶት ህዝቢ ትግራይ፡  ውድቀት ዲፕሎማስያዊ መሪሕነት ህወሓት ዝልዓለ ኣበርክቶ ዘምፅአ ምዃኑ ግልፂ እዩ። ድኻታትን ሃፍታማትን ሃገራት፣ ምዕራብን ምብራቕን፣ ኣመሪካን ቻይናን፣ ቀረባታትን  ርሑቛትን  (ኤርትራን ሩስያን) ዲሞክራስያውያንን ኢዲሞክራስያውያንን (ፈረንሳይንን ሶማልያን)፣ ክርስትያንን ሙስሊምን (እስራኤልን  ስዑዲ ዓረብያን)  ኣፈላላየንን ብሄራዊ ጐንፀንን ንጐኒ ብ ምግዳፍ ኣብ ልዕሊ ብ ህወሃት ዝትምራሕ ትግራይ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ክየካይዳ ዝኽኣላ ብምኽንያት ድርቀት መሪሕነት ህወሓት እዩ። ስኣን ዞባውን ዓለማውን ኣሰላልፋ  ቀዲምካ ብ ምርዳእን ሓደጋታትን ዕድላትን ነፂርካ ምፍላጥን ኵለን ሃገራት ዓለም ኣንፃር ትግራይ ክይረባረባ ክኢለን እየን። እዙይ ድማ መሪሕነት ህወሓት ነታ መንበረ ዙፋኑን ውድባዊ ረብሕኡን ጥራሕ ማእኸል ገይሩ ዝኽየዶ ዲፕሎማስያዊ ረኽቢ  ስለ ዝወደቐ ኵለን ሃገራት ጠሊመነኦ፤  ን ህዝቢ ትግራይ እውን ተመላሊኡዎ።  

2 ፖለቲካዊ ውድቀት  

ዓለምና ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ተፈጥሮኣዊ እዩ ኢላ ኣፍልጦ ኣብ ዝውሃበትሉ ዘመን፡ ህወሓት ግና  እንበለ ስነ ሓሳብ ኣብዮታዊ ዲሞክራሲ ካልኦት ስነ ሓሳባት ናይ ጥፍኣት መንገዲ እዮም ኢላ ትኣምን። ኣብ እዚ  ሎሚ ዘመን ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ፀጋ፣ ዕድል፣ ምህዞ፣ ምዕባለ፣ ፈጠራ፣  ወዘተ የምጽእ  እዩ ተብሂሉ ኣብ ዝይእመነሉ ግዘ ኣለና። መሪሕነት ህወሓት ግን ብ ስም ኣብዮታዊ ዲሞክራሲ ኣኽራሪ፥ ፀረ ተፈጥሮ፣ ፀረ ምርምር፣ ፀረ ሓዱሽ ኣተሓሳስባ፣ ፀረ ሓዱሽ ኣመራርሓ፣ ፀረ ሓዱሽ ወለዶ ዝዀነ፥  ኣብ ድሕረት ዝተሸኸለን ፖለቲካዊ ርእዮተ ዓለም ብ ምትግባርን ብምስጓምን ክሳብ ሀዚ ብ ምኽያዱን ካብ ፖለቲካ ዓለም ተፈንፊኑን ተገሊሉን ሓያል ዝዀነ ፖለቲካዊ ቅቡልነት ዝስኣነን ዝበስበሰን እዩ። 

ብሄርተኝነት ትግራይ እንተ ውሓደ ክልተ ግዘ ዝሓንሸሸ 

መሪሕነት ህወሓት ኣብ 1983 ብ መስዋእቲ ተጋሩ ተሓዚሉ  ኣብ ኣዲስ ኣበባ መንበረ ስልጣን ምስ ሓዘ ምስ ናይ ኣምሓራን ኦሮሞን ሓይልታት ብ ምሕባር ትግራዋይነት ክይፅላእን ክይጓነን  ገይሩ እዩ። ታሪኽ ባዕሉ ይደግም ከም ዝይብሃል ድማ ኣብ እቶም ዝሓለፉ ክልተ መረርቲ ዓመታት ዝተሰረተን ዝማዕበለን ብሄራዊ ሓይልን ስምረትን ትግራዋይነት ንውድባውን ውልቃውን ጥቕሙ ክይብል ኣብ ፕሪቶርያ  ሓንሺሹዎ ተመሊሱ ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን ኣብ ወፃኢ ዝይነብሩ ተጋሩን ብ ሓባር ኰይኖም ብሄራዊ ስምረትን ሓይልን ሒዞም ን ህላወን ድሕንነትን ታሪኻዊ ጅግንነት ሰሪሖም እዮም። ይዅን  ድኣ እምበር  መሪሕነት ህወሓት ናብ መቐለ ምስ ኣተወ እዚ ብሄራዊ ሓይልን ስምረትን ተጋሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ህወሓት ብ ዝተፅሓፈ ፅሑፍ ካብ ብሄራዊ ቃልሲ ናብ መደባዊ፣ ደርባውን ጥቕምን  ክይቕየር ብ ምግባር ሓያል ፍሕፍሕን ምትፍናንን ተፈጢሩ። እዚ ድማ ብሄራዊ ዕላማን ሕቶን ሒዙ ኣብ ትኽክልኛ ሃዲድ ኰይኑ ይቃለስ ዝነበረ ብሄራዊ ሓይሊ ናብ ዕንክሊልን ዕላማ ኣልቦ ቃልስን  ክይኣትው  ተገይሩ።  ካብ ዓወት ናብ ዓወት ይኽየድ ዝነበረ ቃልሲ ብሄራውነት  ትርጕም ዘየብሉ ቃልሲ ክይዀን   ስለ ዝተገበረ ኣብ መወዳእታ ብሄራዊ ስዕረት ኣጋጢሙና።  ህወሓት ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዳግም ክሕደት ሰርሐ። ካብ እዚ ብ ምብጋስ መሪሕነት ህወሓት ብሄራዊ ስምረትን ሓይልን ተጋሩ ኣጥፊኡ ኣደዳ ግዳማዊ ፀላእቲ ገይሩ፤ ህዝብና ኣብ ስቓይን መከራን ኣሎ። 

4 ብሄራዊ ዕላማ፥ ረብሓ፥ ባህግን መፃኢ ዕድልን ህዝቢ ትግራይ ዘበርዕነን ዝጨወየን 

ህዝቢ ትግራይ ብሄሩን መንነቱን ኣኽቢሩ ህልውንኡ፥ ድሕንነቱን መፃኢ ዕድሉን ውሑስ ዝይዀነሉ ዓዲ ወይ ሃገረ ትግራይ ይደልይ። ቃልሲ ብሄራዊ ሓርነቱ ብ ሃገርነት እንተ ኸምቢቱ ካብ ተደጋጋምን ዘኢይዛርን ሓደጋ ፅንተት ወፂኡ ዘላቒ ሰላሙ የውሕስን ንካልኦት እውን ፍልፍል ሰላምን ድሕንነትን ይዀን።  ኣድማሳዊ ድሌታት ማለት ከም ልምዓት፣ ዲሞክራሲ፣ ፍትሒ፣ ሰናይ ምምሕዳር እውን የረጋግጽን የስፍንን። መሪሕነት ህወሓት ግን ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ህልውንኡ፥ ድሕንነቱን መፃኢ ዕድሉን ውሑስ ዝይዀነሉ ሓደ ግዜ ኣብ ማዕርነታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ፣ ካልእ ግዜ ኣብ ሕገ መንግስቲ፣ ሓንሳብ ድማ ኣብ ሕብረ ብሄራዊ ፌደራሊዝም፣ ካልእ ግዜ ድማ ብ ዓንቀፅ 39፣  ካብኡ ሓሊፉ ድማ  ብ ሓድነት ኢትዮጵያ  ወይ ድማ ብ ደባይ ውግእ እዩ ናበለ  ንዝሓለፉ 48 ዓመታት ከም ብሄር ኣብ ናይ ህልውናን ድሕንነትን ሓደጋ ዕንክሊል ኣእቲዉ ይነብር ኣሎ።  ሀዚ ድማ ኣብ ፕሪቶርያ ፈሪሙዎ ዝመፅአ ናይ ስዑር ውዕሊ፡ ረብሓን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ የረጋግፅ እዩ ናበለ ናይ ስልጣን  ፅምኡ ንምርዋይን ንምዕቃብን ይሰርሕ ኣሎ። ህወሓት ካብ ዝይፍጠር ጀሚሩ ክንደይ  ተጋሩ ከም ዝᎀቱ፣ ዝተሰደዱን ኣካላቶም ዝጐደሉን ወዘተ ሕድ ሕድ ገዛ ትግራይ ይቚፀሮ።   ብሰንኪ እቲ ናይ  ዝሓለፉ ክልተ ዓመት ጽንተት ድማ ከባቢ  ሓደ ሚልየን ተጋሩ ስኢንና ኣለና፤ ናይ ሕሉፍ 17 ዓመታት ድማ መፅናዕቲ የድልዮ። እዙይ ዝይኣክል ኣወዲእኻ ዘላቒ ህልውናን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣበይ ኣሎ? ወራር ትግራይ ምስ ተጀመረ ዕንደራን ትምክሕትን ፀላእትና ንምቕባር፣ ገባር ነዊቱን ኣርዑቱን ገዲፉ ደቅቁን ሰበይቱን ራሕሪሑ፣ ምሁር መፅሓፉ ዓፂፉ እንኮ ሂወቱ መስዋእቲ ክይኸፍል፣ ምእንታን ትግራይን ህዝባን ክይብል ተጋዲሉ። እቲ ኵነታት ዝይጠልቦ መስዋእቲ ተኸፊሉ፣ ዝተረፉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣካሎም  ከፊሎም። እዚ ምእንታን ትግራይ ሃገር ክትኰነሉ ዝተኸፈለ ረዚን ዋጋ እዩ። ይዅን ድኣ እምበር መሪሕነት ህወሓት  እዚ ኵሉ ትግራዋይ ዝኸፈሎ ብሄራዊ ቃልስን ዕላማን ንውድባውን ጕጅላኣውን ረብሓኡ ክይብል ብሄራዊ ዕላማን ረብሓን ትግራይ ንጐንኒ ገዲፉዎ ኣሎ።።  

5 መሰረታዊ መትከላት  መንነትን ህዝቢ ትግራይ ዘጥፈአ

 ህውሓት ንህዝብና ንልመና ዘቃለዐ፣ ህዝቢ  ዓርሱ ከኢይኽእልን ተመፅዋቲ ክይዀን ዝገበረን ውድብ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ብ ናይ ርሑቕን ቀረባን ፀላእቱ ክይዋረድ፣ ኣዴታት ትግራይ ብጨካናት ክይድፈራ፣ ህፃውንቲ ትግራይ ኣደዳ ሕማምን ጥምየትን ክይዀኑ፣ ንብረቱን ሃፍቱን ብ ወረርቲ ክይዝረፍ፥ ክይዓንው፣ ክይበርስን ክይቃፀልን ዝገበረ ፀቢብ ጉጅላዊ መሪሕነት እዩ።  ዕጥቅና ክንፈትሕ ዝገበረ፣ ዕጥቂ ስነ ኣእምሮን ስነ ልቦናን፣ ክቡር መስዋእትነት ትግራይ ዘራኸሰ፣ ባዕሉ ብ ዝፈጠሮም ኣህዛብ  ክንድፈርን ክንጥቃዕን ገይሩ እዩ። ብ ኽባር መስዋእቲ ደቂ ትግራይ ዝትረኽበ ግዝኣታዊ ሓድነት መሬት ትግራይ ሸንሺኑ ንዓፋር፣ ንኣገው፣ ንኣምሓራ፣ ንኤርትራ ከም ገፀ በረከት ውሂቡ እዩ።። ሀዚ ድማ መሬት ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ንኣምሓራ ምብራቕ ትግራይ ንኤርትራ ከም ዘኢይውህብ  መረጋገፂ የብልናን።

6 ዝንቡዓትን መዕነውትን ዝዀኑ ፖለቲካዊ ባህሊ ዝሃነፀ ምዃኑ

ኣብ ሓንቲ ዓዲ ወይ ሃገር ምዕቡልን ዘመናውን ፖለቲካ ተሃኒፁ እዩ ዝይብሃል ዳገት ውድብን መንግስትን እንትትፍለጥ፣ ብዙሕነት ኣተሓሳስባን ውድባትን እንትትፍቀድ፣ ተሓታትነትን ልዕልነት ሕጊ እንትይትግበር፣ ስልጣን ናይ ህዝቢ ምዃኑ እንትይእመንን እንትይትግብርን፣ ፍትሒ፣ ናጽነትን ማዕርነትን እንበለ   ኣፈላላይ ተግባራዊ እንትይዀኑ እዩ። ብ ኣንፃሩ መሪሕነት ህውሓት ኣብ ትግራይ ዝሃነፆን ዝትግብሮን ዘሎ ፖለቲካዊ ባህሊ ምስ እዞም ልዕል ኢሎም ዝተጠቐሱ ዝይፃረርን ፈፂሙ ዘኢይስማዕማዕን ብ ምዃኑ ን እዙ ሀዚ ገጢሙና ዘሎ ፖለቲካዊ ድሕረትን ድንቍርናን ተቓሊዕና ኣለና። ብ ኣተሓሳስባ መራሕቲ ህወሓት፡ ውድብ ማለት ህወሓት ጥራሕ እዩ ። ውድብ (ህወሓት) ማለት ክዓ ህዝቢ እዩ።  ውድብ (ህወሓት) ማለት መንግስቲ ማለት እዩ።  ሓድነት ማለት ዝዀነ ይዅን ትግራዋይ ህወሓት ጥራሕ ክይኽተልን ክይድግፍን ኣለዎ እዩ። ህወሓት እንተ ጠፊኡ ትግራዋይን ትግራይን ክትጠፍእ እያ ዝይብል ሓደገኛን  ዘኢርትዓውን  ኣተሓሳስባ እዩ። ድሕረትን ድንቍርናን ናይ ስልጣን መዕቘቢ  ገይሩ ገይሩ ይወስድ። ህዝቢ ትግራይ ካብ ናይ  ውግእ ኣተሓሳስባ ከኢይወፅእ ብ ምግባር ብዛዕባ ልምዓት፥ ፍትሐን መሰል ምሕደራን ከኢይሓትት ዝገበረ፥ ስርቅን ጕሕለትን ዘንገሰ፣ ናይ ህዝቢ ሓደራ ዝበልዐ፣ ሰናይ ምምሕዳር  ዘበላሸወ፣ ፍትሒዝጓዕፀፀ፥ ብ ትካላውነት፣ ሙያውነት፣ ብዓቕት፣ ትምህርቲ ዘኢይኣምን፣ ብ ውድባዊ ገምጋም እምበር ብ ሕግግን ስርዓትን  ዘኢይዕቅን እዩ። 

7 ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ነባራት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዘሐየለን ሓደሽት ድማ ዘፍረየ ምዃኑ

ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ  ፅንተትን ጨፍጫፍን እንትይበፅሖ ዓለም ብ ዓለማ ናርኣየት ከም ዘኢርኣየት ኰይና እያ። ብ ፍላይ ክዓ ህወሓት ብ ዝተኸተሎ ዝንቡዕ ስነ ሓሳባውን ጂኦፖለቲካውን ኣጠማምታ ናይ እዚ ዞባ ሃገራት ኣንፃር ትግራይ ተሰሊፈን እየን። ህግደፍ ዝይበሃል ፀረ ትግራይ ዝዀነ ስርዓት ኣብ ትግራይ ተፀጊዑ ክይነብር ፈቒዱ እዩ። መሬት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ብ ምድኻም  ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ፀረ ትግራይ  ዝዀነት ዓባይ ኢምፓየር ኢትዮጵያ ሃኒፁ እዩ። ነባራት ፀላእቲ ትግራይ  ዝሓደረ ፅልኦም ክይውስኹ ባይታ  ፀሪጉ እዩ። ኣምሓራ ዝይበሃል ገዚፍ ክልል ፈጢሩ። ብ ተመሳሳሊ መልክዑ ፀረ ትግራይ ዝዀና ዓባይ ኦሮሞ፣ ዓባይ ዓፋር፣ ዓባይ ደቡብ፣ ዓባይ ሶማልያ ወዘተ ፈጢሩ።

 8 ኣብ ትግራይ ብሄራዊ መሪሕነትን ፖለቲካዊ መማረፅን ን ከኢይዓብይ ዝገበረ ውድብ ብ ምዃኑ  

ሀዚ ትግራይ ካብ እቲ  ኣቲዋቶ ዘላ ሓሰረ መከራ ክየውፅእ ዝይኽእል ናይ መሪሕነት ስእነት  ኣጋጢምዋ ይርከብ። እዚ ድማ ብ ዋናነት ብ ምኽንያት ውድቀት መሪሕነት ህወሓት ምዃኑ ግሁድ ሓቂ እዩ። እዚ ማለት ግን ውድባት ፖለቲካ ትግራይ፣ ምሁር ትግራዋይ፣ ካልእ ክፋል ማሕበረሰብ ትግራይን ብ ዝየዐግብ መንገዲ ይቃለሰ ነይሩ እዩ ማለት ኣይኰነን። ሀዚ ዓቕሚ፣ ራእይ ዘለዎ መራሒ ክትፈጥር ተፀጊማ ዘላ ግን ፖለቲካ ትግራይ ብ ሰንኪ ህወሓት ብ ምልማሱ  ምዃኑ ፀሓይ ዝወቕዖ ሓቂ እዩ።  ህወሓት ናይ ዝተወደበን ዘኢተወደበን ወለዶ ሓሳብ ዓፊና፣ መፃኢ ተስፋን ዕድልን ወሎዶታት ትግራይ ክተህስስ ዕለታዊ ስርሓ ዝገበረት ብሄራዊት ዘኢኰነት ውድብ እያ። ብ ፍላይ ክዓ እቲ ሀዚ ይግበር ዘሎ ስለ መፃኢ ዕድል ወሎዶታት ብ ሓደ ውድብ ክይውሰን ኣይይግባእን። ኵሉ ዓቕምታት ትግራይ ኣኪብካ እዩ ክይውሰን ዝይግበኦ ንዝይብሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት  ዘኢስሞም ናለጠፈት መፃኢ ትግራይ ኣብ መፃወድያ ፀላእቲ ክይኣትው ገይራን ትገብርን ኣላን። ህወሓት መፍትሒ ሓሳብ ተጋሩ ዓፊና፤ ናይ ኣብይ ኣሕመድ ምርቓት ዝትፅበይ ብ ፖለቲካዊ ስስዐ ዝዓበደት ውድብ እያ። ብ ሓፂሩ መሪሕነት ህወሓት ኣብ ትግራይ ካብ ዘለዋ ብሄራዊ ውድባት ብዛዕባ ትግራይ ሓቢርካን ተረዳዲእኻን ካብ ምስራሕ ምስ ሓይልታት ፅንተት ብ ምሕሽካር ንትግራይ ክእመርሕ እየ ምባላ ናይ ስልጣን ስስዐ ጥራሕ ከም ዘለዋ ዝየርእይ ዓብይ መረዳእታ እዩ።  

9 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ተስዒሩ ከም ዝመፅአ

ህወሓት ከም ውድብ ኣብ ፕሪቶርያ (ደቡብ ኣፍሪካ) ብ ዝገበሮ ውዕል ምርኮ ንትግራይ ከቢድ መዘዝን ውድቀትን ሒዙላ ዝመፅአ ምዃኑ ግልፂ እዩ ። ብ ዋናነት ድማ ናይ ትግራይ መሰረታዊ ረብሓታትን ዘኢይሕለፉ ቀያሕቲ መስመራት ዝይበሃሉ ንወድባውን ጉጅላውን ህልውና ክይበሃል ኣሊፉ ውሂቡ እዩ። እዚኣቶም ድማ፡  ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ  ዕጥቁ ክይፈትሕ ገይሩ፤ መሰል ዓርሰ ውሳነ ህዝቢ ትግራይ ኣሕሊፉ ውሂቡ፥  ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናብ  ዕዳጋ ከም  ዘኢኣእተወ ገና ዘኢተረጋገፀ ንቕድሚት ዝይርአይ ጕዳይ ምዃኑ፣ መንግስትነቱ ኣረኪቡ። እዚኣቶም ቀንዲ መግለፂታቱ ስዕረት መሪሕነቱ  እዮም።  

መፍትሒ፥ መጠቓለሊ  

ፀገም ትግራይ ውሽጣዊ  እዩ። ንሱ ድማ ስእነት ብሄራውን ስትራተጃውን መሪሕነት እዩ። መእተዊ ግዳማዊ ፀላእትና ውሽጣዊ  ድኽመትን ውድቀትን እዩ። ቃልሲ ውሽጣዊ ሓርነት ምክያድ፥ ካብ ኣገዛዝኣ ህወሓት ሓራ ምውፃእ፡  ትግራይ ካብቲ ሐዚ ኣትያቶ ዘላ ብሄራዊ ውርደትን ስቅያትን ክትወጽእ የኽእል።  “ህወሓት ይኣክል” ዝይብል ህዝባዊ ሰልፊን ቃልስን ምክያድ፣ ስትራተጃውያን ሙሁራት መናእሰይ ናብ መሪሕነት ምምፃእ የድልይ። ናይ ትግራይ መሰረታዊ ረብሓ ዘቐድሙ ብሄራውያን መራሕትን  ፖለቲካዊ ውድባትን ንቕድሚት ክይመፅኡ ምቅላሰን ምጥላብን ይግባእ። ብሄራውነት ሒዝካ ጠንካራ ቃልሲ ምክያድ፣ ሐዚ ዝይጣየሽ ግዚያዊ መንግስቲ እዚ ጕጅለ ህወሓት ንበይኑ ክይብሕት ሐዚ እውን ምስ ፌደራል መንግስቲ ተሻሪኹ ስልጣኑ ክየናውሕ ብውሽጢ ይሰርሕ ኣሎ ዝይብል ሓበሬታ ይውዛዕ ኣሎ።  ብኣውርኡ እዙይ ካልእ ተወሳኺ ጥልመት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እንድ እዩ መንእሰይ ትግራይ ግና መዓልታዊ ዋኒንካ ገይርካ ብትሪ ክትቃለሶ ይግበአካ። “ልሂቅ”፥ “ምሁር” ትግራዋይ ድማ ካብ ውግንና ናብዚ ውድቀትን ብርሰትን ዘእተወና ፓርቲ ወጺኡ መሰረታዊ ረብሓ ህዝቡ ሒዙ ክይቃለስ፣ ክይውደብ፣ ክየንቀሳቕስን ክየንቅሕን ታሪኻውን ወለሎኣውን ሓላፍነቱ ክይዋፃእ ይግባእ። ዝዀነ ይዅን ትግራዋይ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ብውዳበ ይዅን እንበለ ውዳበ ክይቃለስ ኣለዎ። ድያስፖራ ትግራዋይ፡ ትግራዋይነትካ ሒዝካ፣ ስቓይ ህዝብኻ ተረዲእኻ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ለውጢ ክይመፅእ ሓያል ቃልሲ ክትገብር ይግባእ።   ከም ተጋሩ ዘላቒ ህላወናን ድሕንነትናን ንሓንሳብን ንሓዋሩን ናብ ኢድና ከመይ ገይርና ነእትው፥ ታሪኽ ኣይሁዳውያን፣ ቱትስን ሁቱን ሩዋንዳ ብ ምግንዛብ መፃኢ ዕድልና ካብ ዝዀነ ግዳማውን ደጋውን ሓይልታት ኣውፂእና ናብ ባዕልና ኣምፂእና ንውስነሉ መድረኽ ምፍጣር፤ ብ ኣውርኡ ድማ  ምምስራት ሃገረ ትግራይ ዘላቒ መፍትሒ ምዃኑ ምቅላስ፣ ብሄራዊ ዕላማን  ስምዒት ሕቶ መንነትን እንታይ እዩ፥ ከመይ ኣቢልና ክነዕውቶ ንኽእል ኣብ ዝይብል ዛዕባ ትዅረት ምግባር  የድልይ። 


ስለ ፅሓፋይ፡

ገብረሂወት ሃይለማርያም ኣብርሃ ኣብ ኣብ ኮለጅ ሕግግን ምሕደራን ዩንቨርስቲ መቐለ፡ ክፍሊ ትህምርቲ ሳይንስ ፖለቲካን ስትራተጅያዊ መፅናዕትታትን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር እዩ። ብ መፅናዕቲ ሰላምን ፀጥታን ካብ ዩንቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ማስተርስ ኣለዎ።

Continue Reading
4 Comments

4 Comments

  1. Melaku Raya Geez

    March 17, 2023 at 8:08 pm

    ጽቡቕ ጽሑፍ ይኡ።
    ንትግሃት ለ ጽቡቕ ስራሕ።
    እቱ ከይዲ ኣጸሓሕፋ ፊደል ግን ሓባራዊ ስምምዕ የድልዮ ኢዩ።
    ሕቶ፦ ካብዘን ፊደላት ኣየንአን ትሙርጹ? ንምንታይ?
    ፩. ሀ ኀ
    ፪. ሠ ሰ
    ፫. ፀ ጸ

  2. Tewelde Gebreyesus

    March 16, 2023 at 11:45 pm

    Good discussion with Weak spelling

  3. Girmay Darcha

    March 14, 2023 at 12:11 pm

    TIGHAT good to share the article but Please edit the Tigrigna writing for readability

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT