ትንተና

ንቕፈ ምሁራን፦  ምሁራን ትግራይ ኣብ ምሕደራን ልምዓትን ትግራይ

Published

on

ብ ገብረስላሴ ኪሮስ ሃይሉ

መእተዊ      

ዋና ዕላማ እዙ ፅሑፍ ምሁራን ተጋሩ ኣብ ኵለ መዳያዊ ምሕደራን ልምዓትን ትግራይ ዝነበሮምን ዘለዎምን ግደ ንምፍታሽ እዩ። ኣብ ትግራይ ምሁር ዝይበሃል ክፋል ሕብረተሰብ ኣሎ ድዩ ዝይብል ስምዒት ዝተሓወሶ ሕትቶ ክይሕተት እሰምዕ እየ። ኰይኑ ግና ብ ርድኢተይን ንባበይን ኣብ ትግራይ ምሁር ኣሎ እዩ ዝይብል ሓሳብ ብ ምድጋፍ ኣብ ዓይነት፣ ዓቕምን ውግንና እቲ ምሁር  ግን ዘለውኒ ሓሳባት ምስ ካልኦት ተዛመድቲ ፅሑፋት ብምርኻብ ከቕርብ ክእሙኵር እየ።    

ካብ ምሁራን  እንታይ ንፅበይ?

ምሕደራ ጥምረት ብዙሓት ሓይልታት ዝይጠልብ ስራሕ እዩ። ኣብ ዝዓበያ ዓድታት፡ ምሁር ሓይሊ ናይ ሕብረተሰብ ጥቕሚ፣ ድሕንነት፣ ፍትሒን ርትዕን ንምኽባር ኣብ ሞንጎ መንግስትን ህዝብን መራኸቢ ድልድል ኰይኑ ዝይሰርሕ እዩ። ምሁር ክፍሊ  ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ካልኦት ንህዝቢ ዝይረብሑ ዛዕባታትን ንምልዋጥን ምዝማንን ግዜኦም፣ ፍልጠቶምን ጕልበቶምን ሰዊኦም ዝይሰርሕ ኣካል  ማሕብረ ሰብ እዩ። ምሁራን መሰረታዊ ዝዀነ ሕብረተሰባዊ ለውጢ ንክመፅእ፣ ልምዓትን ሰላምን ሓደ ሕብረተሰብ ቀፃልነት ንክይህሉዎ  ወሳናይ ግደ ክይፃወቱ ዝይግበኦም  ክፋል ሕብረተሰብ እዮም።    

ምሁር መን እዩ?

ኣንቶኒ ግራምሺ ዝተብሃለ ጣልያናዊ ፅሓፊ፡ ን ምሁራን፡ ምሁራን ዘልማድን ምሁራን ብ ሓቅቅን ኢሉ   ኣብ ክልተ ይኸፍሎም። 

ምሁራን ዘልማድ፦ ማንም ስልጣን ሒዙ ገባርን ሓዳጊን ክይዀንዝይደልይ ኣካልምሁራን ዘልማድ  ኣብ ጐንኑ ክየሰልፍ ኣለዎ ይብል። እዞም ምሁራን  እዚኦም መብዛሕቲኦም መንግስታዊ ቍፃራትን ብ ደመወዝ መንግስቲ  ዝይኽፈሎምን እዮም። ኣሰላልፋ ዓለማዊ ኵነታት ቀልጢፎም ዘኢይርድኡን ተፃረርቲ ለውጥን  እውን እዮም። እቲ ዝለመዱዎ መንግስቲ ኣብ ሓደጋ እንተ ወዲቑ፡ ሓንቲ ለይቲ ዝይሓድሩ ዘኢይመስሎምን ምድረ ሰማይ ዝይፅልምቶምን  እዮም ይብሎም። በዚ መሰረት ድማ ዓንቀፍቲ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊ፥ ባህላውን መሰረታዊን ለውጥታት ኰይኖም ይርከቡ ይብል። 

ምሁራን ብ ሓቂ፦ ኣንቶኒ ግራምሺ ከም እዚኦም ዝበሉ ምሁራን ኣብ ሓደ ሃገር ዝይርአይ ናይ ፖለቲካ ሕመቕ ክይቕየር ዝይፅዕሩ እዮም ኢሉ የቐምጦም። እዚ ንምግባር ድማ ነቲ መንግስቲ ፀቕጢ ብምዕራፍን ኣድላዪ ኰይኑ እንተ ተረኺቡ ድማ ዘለውዎም ውዳባታቶምን ዓቕምታቶምን ተጠቒሞም እቲ ማሕበረ ሰብ እምቢ ክይብል ብ ምግባር ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል ፀቕጢዝይገብሩ እዩም። እዞም ምሁራን እዚኦም ፀገም ህዝቦም ድቃስ ዝይኸልኦምን ን ምእንቲ ለውጢ ሕብረተሰብ መስዋእቲ ክይዀኑ ድሉዋት  እዮም። 

ብሓፈሻ እነትይርአይ ኣንቶኒ ግራምሺ  ኣብ ምሁራን  ዝይምድቦም ኣካላት ኣብ  ውልቃዊ ስርሖም ዝይነጥፉን ውዳበ ዘለዎምን፣ ኣብ ማእኸላይ ደረጃ ናብራ ዝይርከቡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ብ ግሎም ዝይሰርሑ ሰብ ሞያ ሕጊ ፣ ሓካይም፣ ፍሉጣትን  ኣርኣያ ህዝቢ  ዝይበሃሉን፣ ሳይንቲስታት፣ ፀሓፍቲ፣ ጋዜጠኛታትን የካትት። 

ኣብ ትግራይ ዝይርከቡ ምሁራን ከ እንታይ ይመስሉን ከመይ ይግለፁን ንዝብል ሕቶ ድማ ካብዚ ዝተፈለየ ሓሳብ የብለይን። ግራምሺ ከም ዝበሎ ኣብ ትግራይ እውን ክልቲኦም ዓይነት ክፍልታት ምሁራን ኣለውና ዝይብል ሓሳብ ኣለኒ። ኣብ ውግንናን ዓቕምን ግን፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ ዝጠቐስኩዎ፡ ዘልዕሎም ነጥብታት ኣለውኒ።   

ግራምሺ ዝጠቀሶም  ኵሎም   ክፍልታት ምሁራን  ኣብ እዙ ፅሑፍ ብዝርዝር ምፍታሽ ስለ ዘኢይክኣል፡  ኣብ ትግራይ ግደ ሰብ ሃፍቲ ፣ ኣብ “ማእኸላይ ደረጃ  ናብራ” ዝይርከቡ ስራሕተኛታት  መንግስትን ብግሎም ዝይሰርሑ ኣካላትን፣ ኣብ መንግስትን ግልን ዝይሰርሑ  ሰብ ሞያ ሕጊ፣ ሙዚቀኛታትን ጋዜጠኛታትን  ብሓፂሩ ክእግምግም እየ። 

ሰብ ሃፍቲ/ ነጋዶ ትግራይ “ነበር መንግስቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ” ነዚ ክፋል ሕብረተሰብ እዙይ ቀንዲ ናይ መኸተ ሓይልታት ኢሉ እዩ ዝየቐምጦም። ንምንታይ ሲ ህዝቢ ኣብ ምድንቋርን ናብራ ድኻ ሕብረተሰብ ኣብ ምጕስቛልን ዓብዪ ግደ ስለ ዝተፃወቱ ክይዀን ይኽእል እዩ። ብጭቈናን ወፅዓን ህዝቦም ዝይሕጕሱ  ኣወደስቲ  እቱ ገዛኢ መደብ እዮም። ንካድረን ሓው ካድረን እቱ ገዛኢ መደብ ንምሕጓስ  ዘኢይፍንቅሉዎ እምንን  ዘኢይፍሕሩዎ ጕድጓድን የለን ክይበሃል ይክኣል።  ቀንዲ ዕላምኦም ምስ አመራርሓን ሰብ ግዜን እቱ ገዛኢ መደብ ተሻሪኾም  ሃፍትን ንዋትን ህዝቢ ምብዝባዝ እዩ። ብማንካ ውሂቦም ብኸፈር ጥቕሚ ዝይሓትቱ ክፋል ሕብረተሰብ እዮም። ልክዕ ከም እቱ ፀላኢ ድፋዕ ሒዙ ዝይዋግአካ እዚኣቶም እውን ድፋዕ ሰሪሖም ኣንፃር ህዝቦም ዝይዋግኡ ዝነበሩን ዘለውን እዮም ምባል ይክኣል።

ከም ዝይፍለጥ ኣብ ትግራይ ብፈጠራን ምህዞን ዝሃፍተመ በዓል ሃብቲ ኣሎ ምባል ኣፀጋሚ እዩ። መብዛሕቲኦም ሰብ ሃፍቲ እይና ብሃልቲ  ኣብ መሓውር ገዛኢ መደብ ተፀጊዕም ሃፍቲ ህዝብን መንግስቲን ዝይምጥምጡ ቈራዲድ እዮም። ንዚኣቶም ፍቅሪ ሃገርን ህዝብን ላግፂ እዩ። ኵሉ ነገር ብዓይኒ ቅርሺ እዮም ዝይግምግሙዎ። ኣብ እዙ  ፀልማት ግዜ ንህዝቢ ትግራይ የብፅሁሉ ዘለዉ መከራ ግዜ ምስ ወይአ ብሂወት ዝተረፈ ሰብ ክየውግዖ ይዀን። መፅሓፍ ቅዱስ “ሃፍታም መንግስቲ ሰማያት ካብ ክይወርስ፡ ግመል ብ ዓይኒ መርፍእ ክይሸልዅ ይቐልል” ዝበሎ ነገር ትኽክል ግዲ እዩ ኢልካ  ትጠራጠር።  

ትካላት ሃይማኖት ዳርጋ ኵሎም መራሕቲ ሃይማኖታት ትግራይ ንመንግስቲ እንትይሕሽከሩ እምበር ንህዝቦም እንትይጣበቑ ኣይተርኣዩን። በቲ ዘለዎም መጠኑ ዝሓለፎ ኣፍቅሮተ ቅርሺ ድማ ካብቲ ባዕል ሃፍቲ ትግራይ ፈሊኻ ዝይረኣዩ ኣይኰኑን። ሕልፍ ዝበሉ ኣምለኽቲ ቅርሽን ሰበ ስልጣናን እዮም። ሃይማኖት ከም መአከቢ ሃፍትን መደንዘዚ እቲ ድኻ ክፋል ሕበረተሰብን እዮም ዝይጥቀምሉ። ስቃይን መከራን ህዝቢ ተረዲኦም ገዛእቲ መደብን ሰብ ግዜን ትግራይ ናብ ልቦንኦም ተመሊሶም ህዝቢ ንኽየገልግሉ ኣብ ክንዲ ምምዓድን ፅዕንቶ ምሕዳርን እቲ ናይ ጥፍኣት ጕዕዞ ንኽይቕፅልሉ የበራታትዑዎም። ንህዝቢ ትግራይ ድማ እዙ ኵሉ ወሪዱኳ ዘሎ መዓተ እግዚኣብሄር ቃል እግዚኣብሄር ስለ ዘኢኣኽበርካን እዩ ኢሎም የባጭውሉ። ብናይ መራሕትኻ ድንቍርና ኣብ ክንዲ ምባል። ህዝብና ድማ ሓቂ መሲሉዎ  ካብ ዘኢይምልከቶ ሓጥያትን ጕሕለትን ክይነፅህ ክይብል ጕልበቱን ግዜኡን ኣብ ምህልላን ፀሎትን የሕልፎ። 

 መምህራን ዩኒቨርሲቲ “ሞት ንሞቱ ስ ምሁር  ይቕተለኒ” ዝይብል ኣብሃህላ ኣሎ። እቲ ሕብረተሰብ ነቲ ምሁር  ብ ፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝይሰርሕ  ክፍሊ ምሁር ዝውሃቦ ሓላፍነት ከቢድ ከም ዝዀነ እዩ ዝይሕብረልካ። ከም ኣተሓሳስባ ሕብረተሰብና እዙ ምሁር እዙይ ኣብ ዝልዓለ ፀፍሒ ኣተሓሳስባ ዝይርከብ ክፋል ሕብረተሰብና እዩ። ባእልቶም እውን ከምኡ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ይመስለኒ። እቲ ሓቂ ግን ምንም እንተ ኢሰርሑ ክብርን ዝናን ዝይምነዩ ነዳያን እዮም። ቀደም መማህራንና ተምሂርኩም እንታይ  ክትኰኑ ትደልዩ ኢሎም እንትይሓቱና ሓኪም፣ መምህር፣ ፓይለት፣ ኢንጂነርን ካልኦትን ንብል ነይርና። ሐዚ ግን እንድዒ። ፒኤችድን ብናይ ሓሶት ሕትመታት ዝተረኸበ ፕሮቬሰርነት መደየቢ ናብ ፖለቲካዊ ስልጣንን መሐሽከሪ ሰብ ስልጣንን ኰይኑ። ምምርማርን ፀገም ሕብረተሰብ ኣፅኒዕኻ መፍትሒ ምንዳይ ዝይብሃል ነገር የለን። ካብ ሕብረተሰብ ተነፂሎም ኣብ ናይ ባዕሎም ዓለም ዝይነብሩ ኰይኖም። 

ብዛዕባ ተግባርን ባህሪን ምሁር  ትግራይ ኣብ ዪኒቨርሲታት እንትትዕዘብ፡ ተሓላቒን ተጣባቕን ድኽነት፣ ድንቍርናን ፀረ ዲሞክራስያዊነትን ንምዃን ምምሃር ንምንታይ ኣድለየ ዝይብል ሕትቶ ናብ ኣእምሮኻ ይመላለስ።  ፖሊሲታትን ስትራተጅታትን መንግስቲ ምግምጋምን ምንቃፍን ሓጥያትን ዘኢግቡእን ገይሮም ይወስዱዎ። ኣብ ናይ ገዛኢ መደብ ሚድያታት ከይዶም ንናይ ገዛኢ መደብ ናይ ዓፈና ትልምታትን ኣንፈታትን ባርኾት ይውህቡ። ካብዚ ብ ተወሳኺ እዙ ክፍሊ ምሁር ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ኵሉ ነገር ነቲ ገዛኢ መደብ ጥራሕ ይምልከቶ፤ እዙ ገዛኢ መደብ ዝይደለዮ ነገር ንምስራሕ ማንም ምድራዊ ሓይሊ ጠጠው ዘብሎ የለን እናበሉ ፖለቲካ ትግራይ ባይታ ክይዘብጥ ዝገበሩ እዮም።  ናይ ገዛኢ መደብ ስልጣን ዘለኣለማዊ ንምግባር ብናይ መዓልታዊ ኣበል ተገዚኦም ፍቖዶ ኰሚቴታት ገዛኢ መደብ ቀንፈዘው እናበሉ ዝይውዕሉ ውሑዳት ኣይኰኑን። ኣብተን ኰሚቴታት ኣቲውካ ምስራሕ እምበር እቲ ዝሰራሕኹዎ ስራሕ ኣብ ሂወትን ድሕነትን ህዝቢ ትግራይ እንታይ ፅልዋ ኣለዎ ኢሉ ክይሓትት ዘኢይኽእል እዩ። ዝተወሰነ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ኣርእዮም እንተ ተብሂሎም እውን ፖሊሲ ስ ፖሊሲ ነይሩ ግን  ኣብ ኣፈፃፅማ ፀገም ኣሎ እምበር ዝይብል ቀይናን ትንተና ሒዞም  ይምድሩ። ምስ ሳይነስ ከኢይዕረቑ ቃለ ምሓላ ዝፈፀሙ እዮም ዝይመስሉ። ፅሬት ትምህርቲ ባይታ ክይዘብጥን ትምህርቲ ምምሃር ዋጋ ከኢይህሉዎን ዕዙዝ ግደ ዝተፃወቱን ይፃወቱ ዘለውን እዮም። 

ካብዚ መሓውር  ዓፈና ምሊጦም ኣብ ዝዓበያ ሃገራት ዓለም ዝይርከቡ ምሁራን  ተጋሩ እውን ምህላዎም ካብ ዘኢምህላዎም ይሐይሽ ክንብል እንተ ዘኢኰይንና ንህዝቢ ትግራይ ዝይረብሑዎ ነገር ኣሎ ኢልካ ንምንጋር ዝይኸብድ ይመስለኒ። ናይ ግሎም ጥቕሚ ኣሸኒፉዎም መንነቶምን ህዝቦምን ረሲዖም ዝነብሩ እዮም።  

ኣብ ካልኣይ ደረጃን ትሕቲኡን ዝይርከቡ መምህራን እቲ ዝነበረ ስርዓት ገዛኢ መደብ ኣብ ትምህርቲ ቅትለት ዝኣወጀ እዩ ነይሩ ዝይብል እምነት ኣለኒ። እዞም ኣብ እዙ  ቦታ እዙይ ዝይርከቡ መምህራን ድማ ተሓባበርቲ እቲ ጥፍኣት ነይሮም እዮም ዝይብል ግምት ኣለኒ። እንታይ እዮም እሞ ዘኢገብሩ? ዝይብል ሰብ ኣይይስኣንን። ኣብ ወለዶ ይበፅሕ ዝነበረ ብርሰት ኣብ ምክልኻል ዝገበሩዎ ፃዕሪ ፈፂሙ ሰለ ዘኢነበረ ክይውቀሱን ክይሕተቱን ናይ ግድን እዩ። 

ዝተወሰኑ ድማ ሕሽክርነኦምን ሓሶት ሪፖርትን ተጠቒሞም ካብ ዓውደ ትምህርቲ ሸሊኾም ብምምላጥ፤ ኣብ መንግስታውን ውድባውን መሓውራት ወረዳ ዞባን ሓለፍቲ ኣብያተ ፅሕፈት ትምህርቲን ኣመራርሓን ሓለፍቲ ፕሮፖጋንዳ ውደባን እቱ ገዛኢ መደብ ኰይኖም ብምስራሕ፤ ኣብ ሕብረተሰብ ትግራይ ሰፍ ዘኢይብል በደል ኣብፂሖምን የብፅሑ ዘለውን እዮም። 

ኣብ መበል 18 ክፍለዘምን ኣብ ኣሜሪካ አብ ጕዳይ ምህዞን ፈጠራን ዳርጋ 40% ዝዀኑ ፈጠርትን መሃዝትን ቀደማይ ደረጃ ትምህርቲ ዝይወድኡን ትሕቲኡን ዝነበሩ እዮም። ከም ኣብነት እንተ ወሲድና ኣምፑል መብራህቲ ዝምሃዘን መስራቲ ጀነራል ኤለትሪክን ዝነብረ ኢዲሰን እውን ሓደ ካብ እቶም ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝነበሩ ፈጠርቲ እዩ። ኣብ ትግራይ ግን እዙ ክፋል ሕብረተሰብ  ምህዞን ፈጠራን ንኣይ ኣይይምልከትንን ኢሉ ዝምሓለ ኣካል እውን እዩ ዝይብል እምነት ኣለኒ። ብ እዙይን ካልኦት ምክንያታትን ድማ ኣብ ከቢድ ናይ ኢኮኖሚ ፀገም ዝይርከብን መሳርሒ እቲ ገዛኢ መደብ ንክይዀን ዝተፈረደሉ እዩ። ብ ኣሰራርሓ ገዛኢ መደብ እናገምገመን እናተገምገምን ኣብ ድሕረትን ድንቍርናን ዝይነብር ወገን እዩ። ምእንቲ ዝሐሸ ውፅኢት ተኰርን ስልጣንን ተብሂሉ ንተምሃርኡ ዝድለይ ፍልጥትን ክእለትን እንተ ኢኣጨበጠ ካብ ሓደ ክፍሊ ናብ ካልእ ክፍሊ ዝየሳግር እዩ። ልክዕ ከም መምህራን ዩኒቨርስቲ ፅሬት ትምህርቲ ባይታ ክይዘብጥ ዝተሓባበረን ዝገበረን እዩ። 

ዲያስፖራ ተጋሩ፦ ዲያስፖረታት እስራኤልን ደቡብ ኮርያን ኣብ ህንፀት ዓዶም ዝሰርሑዎ ስራሕ ክትርእይ ከለኻ ናይ ትግራይ ዲያስፖራታት ገና ብዙሕ ከም ዝተርፎም ይርኣየካ። ኣብዚ ግዜ መከራ ትግራይ ቀንዲ ኣምባሳደራት ኰይኖም ምስርሖም ዝይረሳዕ ኣይኰነን። ይዅን ድኣ እምበር ኣብ ዝሐሸ ዲሞክራስን ፍትሕን ዘለዎም ዓድድታ እናነበሩ ነቲ ገዛኢ መደብ ትግራይ ዘለኣለማዊ ንምግባር ዝይገብሩዎ ፃዕርታት ክትርእይ ከለኻ ግን ኣብ ክንድኦም ትሓፍር። ገዛኢ መደብ ትግራይ እንተ ኽኢልኩም ኣብ ኢኮኖሚ ሓግዙና እምብር ኣብ ፖለቲካ ስ ባዕልና ኣለናሉ ኢሉ ዘውረደሎም  መምርሒ ከም ወድዓዊ ሓቂ ተቐቢሎም ይነብሩ። መራሕቲ ገዛኢ መደብ ምንቃፍ ኵነኔ ገይሮም ይወስዱዎ። 

ሰብ ሞያ ሕግጊዓቀብቲ ሕጊ፣ ዳያኑን ጠበቓታትን ተጋሩ፡ ስርዓት ፍትሒ  ኣብ ትግራይ ንክስፍን ዝይስርሑ ተብሂሎም ዝይወሰዱ ኣዮም። ይዅን ድኣ ምበር   ውግንና መብዛሕትኦም ኣብያተ ዕይዮ ሕግግን ፍትሕን ንፍትሒን ልዕልና ሕግጊን ዘኢኰነ ስ ንገዛኢ መደብ እዩ። እሰሩ እንተ ተብሂሎም ዝይኣስሩ ፍትሑ እንተ ተብሂሎም ዝይፈትሑ እዮም። 

 ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ፍትሒን ዳይነትን ምውጋዕ ዳርጋ ገይፂ እዩ። ኣብ ትግራይ ስልጣንን ገንዘብን እንተ ሃሊዉካ ኵሉ ነገር ኣብ ኢድካ ዝይብሃለሉ ደረጃ እዩ ዘሎ። ሃፍታምን ባዕል ስልጣንን ልዕሊ ሕግጊ እዮም። ሓቂ ሒዝካ ፍትሒ ክእረክብ እየ ኢልካ ኣብ ዝትገብሮ ጕዕዞ ውፅኢቱ ከንቱ ድኻም እዩ። “ብ ኢድካ ዶ ከይድካ ብ እግርኻ”  ዝይብሃል ኣብሃህላ ከም ቅቡል ተገይሩ ብዘይ ምንም ሰኸፈት ኣብ ሰራሕ ዝውዓለ  ይመስለኒ። 

ጋዜጠኛታት  ተጋሩ ጋዜጠኛታት  ፕሮፖጋንዳ ማሽን መንግስቲ ንምዃን ምሒሎም ዝሓደሩ እዮም ዝይመስሉ። ቀንዲ መለኪዒኦም ክንደይ ዝይኣክል ትግራዋይ ኣፍዚዝናን ኣደንቊርናን ዝይብል ይመስለኒ። ብ ልሳናቶም ኣቢሎም ህዝቢ ትግራይ ዘኢበልዐ በሊዑ፣ ዘኢሰተየ ሰትዩ፣ ዘኢተምሃረ ተምሂሩ፣ ዘኢሃፍተመ ሃፍቲሙ እዩ። ንሓለፍቶም ንምሕጓስን ደረጃ  ልምዓታዊ ጋዜጠኝነት ስንጠረዥ ል ምድያብን ድቃስ ዘየብሎም ይሓድሩ። ህዝቦም ፀላኢኦም እዩ። ከኢየንብቡን ከኢይምሃሩን ዝመሓሉን ምንባር ዝይክኣል ንሓላፊኻን ገዛኢ መደብን ብምጕብዳድ እዩ ብዝብል ኣተሓሳስባ ዝተሸነፉ፥ ፍልጠትን ሓልዮትን ዝይበሃል ዘኢተዓደሎም እዮም። ብ ቴለቪዝናት ሬድዮታትን ትግራይን ድምጺ ወያነን ዝተጀመረ ናይ ምድንቋር ስራሕቲ ብ ደደቢት ሜድያ፣ ቲኤምኤች ሚድያ፣ ኣሰና ሜድያ፣ ዛራ ሜድያ  እናቐፀለ ይርከብ። ካብ እዙይ ብ ተወሳኺ እውን ቻልነላት ዩቱብን  ገፃት ፈይስቡክን  ከፊቶም ንቕሓተ ሕሊና ህዝቢ  ትግራይ ከኢይዓብይ ዝይገብሩ ብዙሓት እዮም። 

ሙዚቀኛታት መብዛሕቲኦም ሙዚቀኛታትና ልክዕ ከምቲ ካልኦት ሰብ ሞያ፡ ናፅነት ሞያ  ዝሓረሞምን መሳርሒ ናይ እቲ ገዛኢ መደብ ዝዀኑን እዮም። ተኣመንቲ ናይ እቲ ገዛኢ መደብ ንምዃንን ሓለፍቶም ንምሕጓስን ድቃስ ዘየብሎም ዝይሓድሩ ክፋል ሕብረተሰብ እዮም። ን መራሕቲ ገዛኢ መደብ ብልሳኖም ኣቢሎም ናብ ደረጃ መላእኽቲ  ይሰቕሉዎም። ካብኡ ንምውራዶምን ንምንቃፎሞን ይኸብደካ። ናያቶም ስም ብሕማቕ ብ ዘልዓልካ ቍፅሪ ካብ ሰማይ መቕዘፍቲ ዝይወርደካ መሲሉ ይስምዐካ። መብዛሕቲኡ ሃይማኖተኛ ዝዀነ ህዝበና ድማ ስምዒት ኣሸኒፋካ መራሕቲ ኣብ ዝትነቕፈሉ ግዜ ኣብ ቅድሜኻ ፈልይኻ ውቓዕ ዝይብል ምህልላ ይገብር። 

ህወሓት ኣብ ምሁር ዘለዎ ኣረኣእያ  

ኣብ ሰነዳት መሰልጠንቲ ካድረታትን  ካልኦት ፅሑፋትን ከም ዝተጠቐሰ ምሁር ኣብ ክልተ ይኸፍሉዎ። ንሳቶም እውን ምሁራን ላዕለዋይ ፀፍሕን ምሁራን ታሕተዋይ ፀፍሕን  ይብሉዋቶም።  ምሁር ላዕለዋይ ፀፍሒ  “ተዋላዋላይ” ተብሂሉ በቲ ገዛኢ መደብ ዝተፈረጀን ብ ኣግባቡ እንተ ዘኢተትሒዙ ኣንፃር ስልጣንን ህልውናን እቱ ገዛኢ መደብ ናይ ምዃን ዕድል ዘሎዎን እዩ። ካሊእ ፍረጃ ነዚ ክፋል ሕብረተሰብ ድማ መሳርሒ ፅንፈኛታትን ፀበብትን ክይዀን ይኽእል እዩ ዝይብል ኣረዳድኣ ኣለዎም። ነዚ ክፋል ሕብረተሰብ ቀዪድና እንተ ዘኢሒዝናዮ ስልጣንናን ተቐባልነትናን ኣብ ሓደጋ ክይወድቕ እዩ ዝይብል ፍርሒ ኣለዎም። ስለዚ በትሪ ስልጣን፥  መሓውራት  መንግስቲ፥ መንግስታዊ ዘኢኰኑ ትካላትን ካልኦት መሳርሕታት ኣብዮታዊ ዲሞክራሲ ተጠቒምና ብ ቀጥታ ይዅን ብ ተዘዋዋሪ ኣብ ጐንና ክነሰልፎምን ክነምበርክኾምን ኣለና ይብሉ። ምሁራን  ዝሐሸ ናይ ምድርጃው ዓቕምን ብቕዓትን ዘለዎም እዮም ኢሎም የቐምጡዎም። እዙይ ብ ተግባር ክይርአይ ከሎ ሓቂ እዩ። ማሕበር ዩንቨርስቲ ምሁራን  ትግራይ (ማሙዩት) ወ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ (ዓማምሰሞት) ኣብ ሓፂር ግዜ ተጣዪሸን ንገዛኢ መደብ ብዙሕ አገልግሎት ይውህባ ዘለዋ ማሕበራት እየን። ከም ኣተሓሳስባ እቲ ገዛኢ መደብ ምስረታ ማሕበራት ክይበረታታዕ  ከም ዘለዎ ይሕብሩ እሞ እተን ማሕበራት ብቐጥታ ይዅን ብ ተዘዋዋሪ ንኽቛፃፀሩወን፥  ደለልቶምን ኣባላቶምን ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ መሪሕነት እተን ማሕበራት ንክኣትዉ ይገብሩ። ኣብ መጨረሻ ክፋል ቤት ፅሕፈት ፖለቲካዊ ውድቦም ኰይኖም የገልግሉዎም። ማሙዩት፣ ዓማምሰሞት፣ ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)፣ ማሕበር ሓረስቶት ትግራይ (ማሓት)፣ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ (ማመት)፣ ማሕበር ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ (ማደኣት)፣ ማሕበር ጕደኣት ኵናት ትግራይ (ማጕኲት)፣ ማሕበር ደቂ ስዉኣት (ማደስ)ን ካልኦትን መሓውራትን ሓረጋትን  ፕሮፖጋንዳ  ህወሓት ኰይኖም ይስርሑ ዝነበሩን ዘለውን እዮም።  

ካሊእ  መንገዲ ምስላፍ ምሁራን  ኣብ ጐንኒ ኣብዮታዊ ዲሞክራሲ  ኢሎም ዘቐመጡዎ ድማ ከብድን ጅባን እቶም ምሁራት ምምላእ እዩ ይብሉ። ምሁራን ከብዶምን ጅባኦምን ክይመልኡሉ ዝይኽእሉ ሰንሰልት ጥቕምታት (መዓልታዊ ኣበል ምዃኑ እዩ) ምዝርጋሕ  እዚ እንተ ዘኢተኽኢሉ ድማ ንፖለቲካና ሓደጋ ኣብ ዘኢይዀኑሉ ደረጃ ንቕሓት ክነብፀሖም አለና ኢሎም ይምጕቱ። 

ልዕል ኢለ ከም ዝገለፅኩዎ ምሁራን ላዕለዋይ ታሕተዋይን ፀፍሕታት  ኢሎም ከም ዝኸፍሉዎም ሓቢረ ኔረ። ከም ኣመለኻኽታ እቲ ገዛኢ መደብ ድማ ንኵሎም ምሁራን  ሓደ ዓይነት ኣተሓሕዛ ክይህልው የብሉን ይብሉ። ነቲ ምሁር ታሕተዋይ ፀፍሒ  ኣብ መስመርና ክነሰልፎ ኣለና ይብሉ። ምክናያቱ ድማ ብቝፅሪ ብዙሕ፣ ኣብ ገጠርን ኣናእሽተይ ከተማታት ዝይነብርን ብዙሕ ዘኢነቐሐን ስለ ዝዀነ ፤ ብዘይ ምንም ምንግርጋር ፕሮግራምናን ፖሊሲናን ክይቕበለና ይኽእል እዩ ኢሎም ይኣምኑ። ን ምሁራን ላአለዋይ ፀፍሒ ግን ኵሉ ግዜ ብጥንቃቐ ክተሓዙ ዘለዎምን ዘሎ ናይ ስለላ መሓውርና ተጠቒምና ኣደብ ክነትሕዞምን ክንጥቀምሎምን ዝይግበአና እዮም ይብሉ።

  ምፍታሽ ግደ ምሁራን  ንቀፃሊ ኣብ ዝንገብሮ ጕዕዞ ወሳኒ ምዃኑ ይስመዐኒ። ኣብ ጕስቍልናን ድሕረትን ህዝቢ ትግራይ ኵሉ በብፂሒቱ ንምውሳድ እውን ይጠቅም እዩ። ይዕበይ ይንኣስ ኵሉ ንኣካለ መጠን ዝበፅሐ ትግራዋይ ኣካል እቲ ውድቀት ከም ዝዀነ ይርዳእ እዩ  ዝይብል ግምት ኣለኒ። ይዅን ድኣ እምብር ስትራተጅያዊ ሃንደስቲ እቱ ውድቀት ብ ደንቢ ተፈልዮም ክይሕተቱን ክይንቀፉን ኣለዎም ዝይብል ፅኑዕ እምነተይ እዩ። 

ተሓታትነትን ግልፅነትን ኣብ ዘኢዓሰሎ ከም ትግራይ ኣብ ዝመሰለ ዓድዲ፡ መራሕቲ ንህዝቦም ከም ኣቐሓን ትሕቲ እንስሳን እዮም ዝይቘፅሩዎ። ህዝቢ ናይ ግሊ፥ ሃፍቲ ናይ መራሕቲ እዩ። ኰፍ በል እንተ በሉዎ ኰፍ ይብል፣ ጕርዲ ኢልካ ተፃረፍ እንተ በሉዎ ንመን ንምንታይ እንተ ኢበለ ይፃረፍ፣ ሓፋሽ ይንቃሕ ፣ ይወደብ ፣ ይተዓጠቕ ኢሎም ዕላምኡ ንዘኢነፀረ ቃልሲ ናብ ኲናት ይጥቕጥቑዎ፤ ተዓዊትና መሰስ ኢልና ሕገ መንግስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክይኽበር ገይርና እንትይብሉዎ ህዘቢ ድማ እወ ሓቅኹም ሽሕ ዓመት ንገሱልና ይብሎም። ድሓር “ሓፋሽ ፎሽፋሽ” ን ” ሹሽ በል ህዝበይ” እናበሉ የበጭውሉ። ናታቶም ቃል ዳርጋ ናይ እግዚኣብሄር ቃል ተገይሩ ኣብ ዝይውሰደሉ ዓድዲ ኢና ንነብር ዘለና። 

እዚ ክትርእይ ከለኻ፡  ኣብሃህላን ኣተሓሳስባን ኣብ መፋርቕ 17 ክዘ ዝነበረ ሉዊስ መበል ዓሰረተ ኣርባዕተዝተብሃለ  ንጉስ  ፈረንሳይ ይመፅአልካ። እቱ ንጉስ ንተወከልቲ ህዝብታት ፈረንሳይ ኣኪቡ፡ “ኣነ ሃገር እየ” ዝይብል መደረ ገበረሎም ። ኣብ ፈረንሳይ ዝይርከብ ኵሉ (ሰማዩ፣መሬቱ፣ ህዝቡ ወዘተረፈ) ናዩ ከም ዝዀነ እዩ ነጊሩዎም ። ኣብ ትግራይ እውን ከም እቱ ፈረንሳውያን ኣብ መፋርቕ 17 ክዘ ዘጋጠሞም ዓይነት ፀገም እዩ ኣጋጢሙና ዘሎ። እቲ ቀንዲ ኣፈላላይ ፈረንሳይ ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ንክትኰን ዝተሰርሐ እንትይዀን ትግራይ ግን ናይ ሓደ ጕጅለ  ንምግባር ዝተገበረን ይግበሩ ዘለዉ ስራሕትን እዩ። ፈረንሳይ ካብ እዙ ኵሉ መከራ ወፂኣ ኣብ እዙ ሐዚ ግዜ ብ ልምዓትን ዲሞክራሲን ኣብ ዓለም ካብ ዝይጥቀሳ ሃገራት ኰይና ኣላ። ኣብ እዙ ደርጃ ንክትበፅሕ ዝሓለፈቶም ዓፀቦታት ግን ብዙሓት ነይሮም። ተጋሩ፡ ብፍላይ ምሁራን፡  ከም እቱ ፈረንሳውያን ተቓሊሶም ፈረንሳይ ናይ ፈረንሳውያን ዝገበሩዋ ትግራይ ናይ ተጋሩ ዝንገብረሉ ውዕዉዕ ቃልሲ  ክንቃለስ ይግበአና። 

 ኣብ ካልኣይ ወያነ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 60000 ስዉእ 100000 ጕድኣት ኣካል፥ ቍፅሩ  ብዝሕ ዝበለ ብሰንኪ ጥሜትን ቀዪሕ ራዕድን ሞይቱን ኣካሉ እውን ጐዲሉን እዩ። ክንደይ ኰን ይዀን ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝᎀተን ዝተጐድአን ሰለማዊ ሰብ ዝይብል መልሲ ዘየብሉ ሕትቶ እዩ። ብ ግምታዊ ኣገላልፃ ብ ንእሱ ልዕሊ 10% ዝይዀን ህዝብና ስኢና ኣለና ክይብሃል ይክኣል እዩ። ንምንታይ እዙይ ኰይኑ ኢሉ ዝመጐተ ምሁር ትግራዋይ ክሳብ ሐዚ የለን።

ቃልሲ ካልኣይ ወያነ እንትይልዓል ደርጊ ዝይበሃል ጨፍጫፊ ስርዓት ምውጋድን ህርፋን ስልጣን ዘዕበዶም ተጋሩ ናብ ቤተ መንግስቲ ምንሊክ ኣቲዎም ሓረድትን ጐመድትን ምዃንን እዩ። ክንድ እዙይ ዝይኣክል ሰራዊትን ህዝብን ዝሰኣንና ክንደይ ዝይኣክል ወታደራዊን ፖለቲካውን መሪሕነት እንትንእሰና እዩ ኢልካ ቅድሚ ክንደይ ዓመት ክይሕተት ዝይግበኦ ሕትቶ ነይሩ። ግን ስኣን ውፉይን በሳልን ምሁር  እቲ ሕትቶ ኣይተሓተተን፥ እቱ መልሲ እውን ኣይተረኸበን። እቱ ፀገም እውን ጠጠው ኣይበለን። ብሰንኪ እቱ ኲናት ዘጋጠመና ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ቀውስታት ብዝይግባእ እንተ ኢገምገምና እይና ተጕዒዝና። ብዝረኸብናዮ ግዝያዊ ዓወት ሰኺርና መን ከማና ክንብል ፀኒሕና። ምድምሳስ ደርግን ምቝንጣጥ ናብ ቤተ መንግስቲ ምንሊክን ዳርጋ ናይ መጨረሻ ሽቶ ተገይሮም ተወሲዶም። ጀነራላትን ሰበ ስልጣን ተጋሩን ጐንኒ ጐንኒ መላእኽቲ ኣቐሚጥና ክነምልኾም ፀኒሕና ንሶም እውን ክነምልኾም ኣዚዞምና። መሰዋእቲን መጕዳእቲን ብዓሰርተ ኣሸሓትዝይቝፀሩ ተጋሩ ብካርታ እታ ዝነኣሰትን ዝተሸምረረትን ትግራይ ኣብ ውሽጢ ካርታ ኢትዮጵያ ተፈጢራ። እዙይ ጥራሕ እንተ ኢኰነ ስ ብኢኮኖሚ እታ ዝደኸመት ትግራይ እውን ተፈጢራ። እዞም ስዉኣት እዝይ እንተ ኢርኣዩ ምስውኦም ብ ሓደ ገፅ ዕድልኛታት እዮም ምባል ይክኣል። 

ገዛእቲ መደባት ትግራይ ህዝብና ቤተ ፈተነ  ኲናት፣ ድኽነትን ሰደትን  ንኽገብሩዎ ሰፊሕ ዕድል ረኺቦም። ኲናት ከም ፅወታ  ወሲዶም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ሰፍ ዘኢይብል ማህሰይቲ እናፈፀሙሉ ፀኒሖምን ይርከቡን። ኲናት እማ መክሊትና እዩ ይብሉኻ። እቲ ምሁር ድማ ሓቅኹም ናይ ኲናት ሳይንቲስትን መሃዲሳትን እይኹም ኢሉ የፅድቐሎም። 

ፅቡቕ ወለዶን መሪሕነትን ንቀፃሊ ትውልዲ ሰላምን ልምዓትን ፍቕርን ኣውሪሱ ይሓልፍ። ትግራዋይ ወለዶ ግን ኣይተዓደለን፥ ካብ ወለዱን መራሕቱን ዝወረሶ ነገር እንተ ሃሊዉ፡ ሕሽክረና፣ ዓርሰ ብዓርሰኻ ምትህልላኽን፣ ኲናት  ዕላማ ዘየብሉ ᎀትን ኰይኑ ተሪፋ።  

መጠቓለሊ

ብሓፈሻ እንይትርአይ ኣብ ትግራይ መብዛሕቲኦም ምሁራን ዝይበሃሉ ምስ እቱ ዘሎ ገዛኢ መደብ ናይ ትግራይ ትኽ እስትንፋስ ዝዀኑን ብዘይካ እቲ ገዛኢ ንሱ ኣብ ትግራይ ካልእ ስርዓት ክይመፅእ ዘኢይፈቕዱን ዓንቀፍቲ ለውጢን እዮም። እዞም ክፍሊ ሕብረተሰብ እዚኦም  ፖሊሲታት ጥፍኣት ዝይባርኹንዝይድግፉን ምሁራን ዘልማድ እዮም። ዕድል ረኺብካ መንግስቲ ኣብ ዝትወቕሰሉ ግዜ ኵሎም መንገድታት ዓፈናን ጥቕዓትን ተጠቒሞም ካብ ህዝብኻ፣ ናብራኻን ባዕልኻን ይፈላለዩኻ። ብናያቶምን ብናይ ኣዘዝቶምን ቋንቋ ድማ የደስኩልኻ።


ገብረስላሴ ኪሮስ ሃይሉ ኣብ ኮለጅ ሕግግን ምሕደራን ዩንቨርስቲ መቐለ፡ ክፍሊ ትህምርቲ  መፅናዕስነ ዜጋ ወ ስነ ምግባር  መምህር እዩ። ብ መፅናዕቲ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ዩንቨርስቲ ኢራስመስ ዲግሪ ማስተርስ ኣለዎ።

7 Comments

  1. Hadush Yalem

    March 21, 2023 at 5:15 pm

    It is impressive; I appreciate the writer’s observation! As we all contribute to the fall of Tigray and the sufferings of its people, we must contribue to the rise of Tigray and the well-being of its people.

  2. HK Gebreselassie

    March 19, 2023 at 12:31 am

    Indepth Analysis on the role of Tigrean scholars in politics and Tigray’s demand!

  3. Atakhlti

    March 18, 2023 at 7:50 pm

    ምስልና ፅቡቕ ጌሩ ዘርኢ ፅሑፍ እዩ።

  4. Fisseha Gidey

    March 18, 2023 at 7:04 pm

    Enjoyed reading it. Found it to be well articulated and insightful.

  5. Aklilu

    March 18, 2023 at 4:09 pm

    Good read article. His application of Grampian motion of intellectuals is one of the strong points of this article. His critique of Tigrayan intellectuals is also epic.

  6. Teame

    March 18, 2023 at 2:30 pm

    niece point of view

  7. Melaku Raya Geez

    March 18, 2023 at 1:02 pm

    ብጣዕሚ ደስ በሃሊ ጽሑፍ።
    መንእሰይ ትግራይ ኣብ ሳይኒሳዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ቅዉም ነገር ክነጥፍ ፈልሙ እንሆ🙏❤🙏

    ንገሬ ንትግሃት ፍሉይ ምስጋና ክህብ እደሊ።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Exit mobile version