ርእይቶ

ህንፀት ትግራይ ካብ ጥንሲ ይጅምር

Published

on

ብ ጓንሸ ሓድጉ

‘ቈልዓ ብ ንእሱ ቈርበት ብ ርሕሱ’ ይብሉ ወለዲ እንትይምስሉ። ቈርበት ናብ ዝደለኻዮ ዓይነት ቅርፅን መልክዕን ን ምትሓዝ ርሑስ ናሃለወ እንተ ዘኢኰይኑ ምስ ደረቐ ናብ  ዝደለኻዮ ክትስሕቦ ኣይትኽእልን። ቈልዓ እውን ብ ንእሱ ናሃለወ እንተ ዘኢተገሪሑ ምስ ዓበየ ስርዓት ምምሃርን ምግራሕን ኣይይክኣልን። ብዙሓት ዓይነታት  ኣግባባት ኣተዓባብያን ኣገራርሓን ቈልዑት ስለ  ዘለዉ  ብዙሓት ዓይነታት ባህርያት ዝወነነ ስድራ ይዅን ቈልዓ ክይልህው ግድን ይዀን። ን ምዝርዛር ዝይኣክል ተወሊዱ መዕበዪ ወለዲ ዘየብሉ ጐደና ሓደር ዝዀነ፣ ኣድኡ ጥራሕ ዝተዕብዮ ኣቡኡ ዘኢይፈልጥ፣ ኣቡኡ ዝይፈልጥ ግን ወለዱ ብ ቀለብ ቈልዓ ናተኻሰሱ ዝይነብሩ፣ ወለዱ ስለ ዝተፋትሑ ምስ ሓዲኦም ዝይነብር፣ ዘኽታም ኰይኑ ኣብ መሐብሐቢ ህፃናት ዝዓበየ፣ እቲ ዕድለኛ ድማ ብ ወለዱ ግቡእ ክንክንን ትምህርትን ቀሲሙ ዝዓበየ ፅቡቕ ዜጋ ይርከቡ። 

ከም እዙ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ ብ ፅቡቕ ኣገባብ ዘኢተሃነፁ ዜጋታት ድማ ድኽመት ፖለቲካዊ መሪሕነትን ስእነት ዲሞክራስን ተወሲኽዎ ስርዓት ን ምትሓዝ ኣዝዩ ዝኸበደ እዩ። መብዛሕትኡ ዜጋ ዝይመሃሮ ስርዓት ድማ ካብ ቤቱ ይጅምር። ብ መሰረት ወለዱ  ዝመሃሩዎ፡  መኽበሪ ሕግን ስነ-ስርዓትን፣ ግቡእን መሰሉን ዝይፈልጥ፣ ሓላፍነቱን ግዴትኡን ዝይዋፃእ ኰይኑ፤ ን ባዕሉ፣ ን ስድርኡን ን ሃገርን ዝይጠቅም ዜጋ ኰይኑ ይዓብይ። ምዕባለ ኣእምሮ ሓደ ህፃን ዝይጅመር ካብ ጥንሲ ጀሚሩ እዩ። ሕጂ ብዝሑ ተባዝሑ ምልእዋ ን ትግራይ ይብሃል ኣሎ። ከም እዙይ ስለ ዝተብሃለ ዘርእኻ ኣብ ግራት ድርብይ ኣቢልካ ኣይይኽየድን። ሓረሰታይ እኳ ቅድሚ ምዝርኡ መሬቱ  ደጋጊሙ ኣለሳሊሱ ይሓርስን ይምሕስን፤ ቀፂሉ ድማ ይዘርእ፤ ምስ ᎄቘለ ይዅስኵስ፣ ይፅህይ፣ ግራቱ ይሓፅር፣ ይንከባኸብ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ይዓፅድ እሞ ከም ፃዕሩ ድማ ምህርቱ ይረክብ። ሰብ ዝይዘርኦ እዩ ዝይዓፅድ ዝይበሃል ኣብ መንጐ ዘርእን ዓፂድን ዘሎ ንጥፈታት ኵሉ ዘጠቓለለ እዩ። እንተ ዘኢኰይኑ ሰብ ዘሪኡ ጥራሕ ክይዓፅድ ኣይይኽእልን። ብ ተመሳሳሊ መናእሰይ ንውለድ ንብዛሕ ክንብል እንተ ኣለና ውልድ ኣቢልካ፡ ክንክን ቈልዓን ኣዶን ን በይና ንወላዲት ገዲፍናላ ዲና ሱቕ ክንብል?  ዘርእና ደርብይና ህድማ? ጥራሕ እመነለይ ውላድካ እዩ መዕበዪ ፀገም የብሉን እንተ ኢላ ብ ስምካ ስለ ዝተፀውዐ ኣነ ኣቦ እየ ዲኻ ክትብል? ዝንወልዶም ዜጋታት ከመይ ክዀኑ እይና ዝንደልይ?

  ን ወዲ ተባዕታይ: ምውላድ ቀሊል እዩ። ትኽክለኛ ዜጋ ምውላድ ግን ድኻም፣ ፍልጠት፣ ክንክንን ኣመጋግባ ነብሰ ፁር፣ ክትትል ሕክምና፣ ኣብ ጥንሲ ዝይውሰዱን ዘኢይውሰዱን ዓይነታት ምግብታት ምፍላጥ፣ ቫይታሚን፣ ካርቦሃይድሬት፣ ፕሮቲን፣ ማእድናት፣ ኣሕምልቲ፣ ጥረምረ እዚኦም ኵሎም ክንደይ ዝይኣክል መጠን ክይውሰዱ ኣለዎም፣ ህፃን ትሕቲ ክብደት ወይ ልዕሊ ክብደት ኰይኑ ከኢይውለድ እውን ክትትል ሕክምና ምግባር፣ እዙይ ኵሉ ገቢርካ ምስ ተወለደ እውን ኣግባብ ኣተዓባብያን ህንፀት ኣእምሮን ተመሳሳሊ ፃዕርን ፍልጠትን ዝየድልዮ ዋኒን ስለ ዝዀነ ህንፀት ሃገር ካብ ጥንሲ ጀሚሩ ዘሎ ኣገባብ ኣተሃናንፃ ዜጋ እዩ እንተ ተብሃለ ልክዕ እዩ።  ስለ ዝዀነ ልክዕ ከም እቱ ሓረስታይ ን መሬቱ ዝይገብሮ ክንክን ነታ ኣዶ ክንገብረላ ይግባእ። ውሉድ  ምስ ተወለደ እውን ተመሳሳሊ ኰስኳስን  ክንክንን ይጠልብ። ተጋሩ ኣብ እዙ ፀገም እዙይ ወዲቕና ከመይ ኢልና ምዕሩይ ኣመጋግባ ንምገብ ዝይብል ሕትቶ ክይለዓል ይኽእል እዩ። ይዅን እምበር ውፉይነትን ድሌትን እንድሕር ሃሊውካ ዘኢይኣል ነገር የለን። ስጋ ብዘኢምምጋብ ዝትስእኖ ትሕዝቶ ካብ ጥረምረ፣ ኣሕምልቲን ፍርምረን፣ ፀባን ውፅኢት ፀባን ምርካብ ይክኣል። ብ ሓፈሻ ዘኢተደለየ ወፃእታት መስተን ካልኦትን  ብ ምቕናስ ትዅረት ኣብ ምግቢ ብ ምግባር ክይትግበር ይክኣል እዩ።

ኣብ እዙ ዓለም ዝይግበር ኵሉ ንጥፈታት ውግእ ይዅን ካልእ ዘርኢ ን ምዕቃብ እዩ ይብሉ ሓድሓደ ፅሓፍቲ። ን ከኢትምወት ትሰርሕ፥ ክየጥፍአካ ን ዝይመፅእ ሓይሊ ድማ ትምክት። እዙይ ኵሉ፡ ን ዘኢምሟት ዝይግበር ቃልሲ እዩ። ብ ተፈጥሮ ግን ሞት ዘኢይተርፍ ስለ ዝዀነ ዘርእኻ ን ምዕቃብ ምውላድ ኣገዳሲ እዩ። ይዅን እምበር ገለ ሰባት ብዙሓት ቈልዑ ካብ ዝተፈላለያ ኣንስቲ ምውላድ ከም ኵርዓት ይቘፅሩዎ። ምውላድ ፅቡቕ እኳ እንተ ዀነ ከም እቱ ዝተገለፀ፡ ግዘ፣ ጕልበት፣ ፍልጠት ኰታስ ብዙሕ ነገር ዝየድልዮ ዋኒን እዩ።  ን ዝወለዱዎም ባሊህ ኢሎምዎም ዘኢይፈልጡ ሰባት ዘርኦም ፎቘድኡ ብ ምንጥብጣቦም ከም ጃህራን መግለፂ ጅግንነትን ዝይወስዱ ውሑዳት ኣይኰኑን። ን ኣብነት ኣብ ቀልድታትን ኣሽሙራትን ምህረይ ወሊሃንስ ዝተፅሓፈ ምሃሪ ቀልዲ እንትንርእይ “ሓደ ነዳቒ ን ምህረይ ወሊሃንስ ኣብ መንገዲ ይረኽቦም እሞ ‘ንዑናይ ስዋ ከስትየኩም ኢሉ ናብ እንዳ ስዋ ሒዙዎም ይኽየድ። እዙ ነዳቒ ኣብ ዝሓለፎ ናወለደ ደቁ ዳርጋ ኵሎም ብ ፀገም ዝተጠቕዑ እዮም። ኰይኑ ግን ብዙሓት ቈልዑ ብ ምውላዱ ኵርዓት ዝይስመዖ ሰብ እዩ። ኣብ እቱ  እንዳ ስዋ እቱ ነዳቒ ምስ እቶም ኣብኡ ዘለዉ ሰተይቲ ናተፃወተ ድሕሪ ምፅናሕ ናብ ምህረይ ዘወር ኢሉ ከም እዙይ ይብሎም። ነዳቒ: “ምህረይ ስተዩ እንዶ ተፃወቱ። እንታይ ድኣ ትሓስቡ? ንሕና እኳ ክንደይ ቈልዑት ወሊድና ዘኢሓሰብናስ” ይብሎምምህረይ ወሊሃንስ: “ሓቅኻ እንተ ትሓስብ ዶ እዞም ኵሎም ወሊድካ?” በሉዎ ይብሃል።  ስለ እዙይ መግለፂ ድሕረትን ድንቍርናን እምበር መጃሃሪ ስለ ዘኢኰነ ኣብ ቅድመ ወሊድን ድሕሪ ወሊድን ክንክን ዘኢንገብረሎም ህፃውንቲ ክንወልድ የብልናን። 

ነብሰ ፁር ኰይንካ ምፅዋም ብ ሳይንስ ዝይድገፍ ነገር ስለ ዘኢኰነ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ተዛትይኻ ክይሕደግ ዘለዎ ነገር እዩ። እንተ ዝይፅናዕ፡ ምንጪ ልዕሊ 40% ድኽዳኸ ህዝቢ ትግራይ ምፅዋም ኣብ እዋን ጥንሲ ክይዀን ከም ዝይኽእል ኣይእጠራጠርን። ስለዚ እቲ ዝዓበየ ሓላፍነት ናይ መንእሰይ ይዀን ኣሎ ማለት እዩ። ካብ ትልሚ ወፃኢ ህፃን ምውላድ  ኣይይግባእን። ምኽንያቱ እንበለ መደብ ዝተጠንሰ ህፃን ኣብ መንጐ ወለዲ ጭቕጭቕ ስለ ዝይፈጥር ሕጕስቲ ዘኢይኰነት ኣዶ ድማ ሕጕስ ዕሸል ክትፈጥር ኣይትኽእልን። ኣብ ግዜ ጥንሲ ግቡእ ዝዀነ ክንክንን ናይ ስነልቦና ደገፍን ስለ ዝየድልያ ኣብ ወላዲት ዘሎ ጭንቂ፣ ፍርሒ፣ ምግላል፣ ዝተረበሸ ኣእምሮ ብኡ ልክዕ ኣብ ዝይውለድ ህፃን ተመሳሳሊ ፅዕንቶን ፅልዋን ይፈጥር ስለ ዝዀነ ርክብ ኣብ ንፍፅመሉ እዋን ጥንቃቐ ዝተመልኦ ክዀን ይግባእ እብል። ብ መሰረቱ ባህልና ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ስለ ዘለዎ መፃምዲ ወይ ፍቑራት ቅድሚ ወድዓዊ ፅምዶ ምክያዶም ርክብ ኣብ ዝይፍፅምሉ እዋን ግልፂ ዝዀነ ወግዒን ምኽክርን ኣይይገብሩን። ን ኣብነት ብዛዕባ ምክልኻል ሃንደበታዊ ጥንሲ ገሊኡ ካብ ኣፍልጦ ዘኢምህላው ገሊኡ ድማ ካብ ሕፍረት ዝተበገሰ    እንበለ ዋላ ሓንቲ ምይይጥ ናብ ስምዒት ምርዋይ ይኽየድ እሞ ጥንሲ የጋጥም። ድሕሪ ብዙሕ ኣዋርሕ ይፍለጥ እሞ ነብሰ ፁር ን መፃምዳ ዕላዊ ን ምግባር  ብ ዝተፈላለዩ ምኽንያት ትፅገም። እንተስ  እንበለ ትልሚ ዝተፈጠረ ህፃን ኣይናተይን ኢሉ ከኢይኽሕዳ ወይ እውን ከኢይርሕቓ ፈሪሓ ሓቂ ን ምዝራብ ድፍረት ትስእን።  ብ እዙይን ወዲ እዙይን ምኽንያታት ምፍልላይ ስለ ዝየጋጥም ዕጫ እቲ ህፃን ከም እቲ ኣብ  ላዕሊ ዝተገለፀ ኣተዓባብያ ይዀን ማለት እዩ። 

 ስለ ዝዀነ ኣንቱም ንብዛሕ ንባዛሕ ንምልኣያ ን መሬትና ትብሉ ወገናትን ቈልዓ ን ምውላድ መደብ ዝሓዝኩምን ቅድሚ ምውላድኩም ወይ ጐኒ ጐኒ ጥንሲ ሓገዝቲ ዝዀና መተግበርን (Application) መፅሓፍን ክእሕብረልኩም። ኣንቢብኩም ተግባራዊ ብ ምግባር ን ዝይፍጠሩ ደቅኹምን ዜጋታት ትግራይን ትገብርዎ  ኣበርክቶ ቀሊል ከም ዘኢኰነ ብ ምግንዛብ ን ህንፀት ትግራይ ካብ ህንፀት ህፃን ይጅምር ብ ዝይብል ኣተሓሳስባ፡ ምዕሩያት ዜጋታት ን ባዕልኹምን ነዛ መሬትን ክተውፍዩ እላበወኩም። እታ መተግበሪት “pregnancy app”   ዝትብሃል ኰይና ካብ “play store” ክተውርድዋ ትኽእሉ እይዅም። እታ መፅሓፍ ድማ ‘America’s pregnancy bible “what you expect when you’re expecting’ ብ ሀይዲ መርኮፍ ዝተፅሓፈት መፅሓፍ ኰይና ናይ ቅድሚትን ድሕሪትን ሽፋን እታ መፅሓፍ ምስሊ ኣብ ታሕቲ ኣለኩም። ኣብ እዛ መፅሓፍ ሕድሕድ ወርሒ በብ ምዕራፉ፣ ኣብ ሕድሕድ ወርሒ ድማ ሕድሕድ ሰሙን በብ ርእሱ ተኸፋፊሉ ብጣዕሚ ገላፅን ብ ቀሊል ቋንቋ ዝተፅሓፈን ሙሉእ ሓበሬታ፣ ነብሰፁራት ዝየጋጥመን ሕድሕድ ምልክት ብመልክዕ ሕትቶን መልስን ዝሓዘ ኣዝዩ ሓጋዚ መፅሓፍ እዩ። 

ክልቲአን ብጣዕሚ ሓገዝቲ እየን፤ እታ መተግበሪት ድማ ኣብ ሞባይልኩም ፅዒንኩም መዓልቲ መዓልቲ  ናንበብኩም ኣብ ግብሪ ዝተውዕሉዎ ካብ መጀመርታ ጥንሲ ክሳብ ወሊድን ድሕሪ ወሊድን ብሓፈሻ ናይ ካብ 0-296 መዓልታት ዘሎ ዕለታዊ ሓበሬታ ናይ ጥንሲ ባህርያት፣ ዝይውሰዱን ዘኢይውሰዱን ምግብታት፣ ዝየጋጥሙ ምልክታትን መንቀሊኦምን መፍትሕታቶምን ከምኡ እውን ሰሙናዊ ሓበሬታ ዝይምዕብሉ ክፍለ-ኣካላት ዕሸል በብ ሰሙን ካብ 0- 41 ሰሙን ሓበሬታ ዝሓዘት እያ። ገለ ሽትሻታት ካብ እታ መተግበሪት ዝተወሰዱ ከም ዝይስዕብ ዝቐረቡ እንትይዀኑ ኣብ ሕድሕድ ሽትሻት ዘሎ ርእሲ ብ ምጥዋቕ ዕምቈት ዘለዎ ሓበሬታ ምርካብ ይክኣል። 

  

ብሓፈሻ እዛ መፅሓፍን መተግበሪን ብ ቋንቋ እንግሊዘኛ ስለ ዝዀና ኣብ ትግራይ ዝትርከቡ ኣማዕበልቲ መተግበሪ (app developers) ተርጒምኩም እንተ ተማዕብሉዎ ንህዝብኹም ዓብዪ ኣበርክቶ እዩ። ኣብ ትግራይ ዝትርከቡ ናይ ማህፀን ሓኻይም ድማ ናይ ባዕልኹም መፅሓፍ ብ ቋንቋ ትግርኛ ክተሕትሙ እምዕደኩም። እዙ ሓሳብ ንምፅሓፍ ዝኣበገሰኒ ምኽንያት ቀንዲ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝገልፅክዎም ካብ ኣፍልጦ፣ ሕፍረትን ባህሊን ዝብገሱ  ነገራት ኰይኖም እቲ ኣነ ዝእፈልጦን ዝእምነዮን ንሰባት ምክፋል ይጠቅም እዩ ካብ ዝይብል ኣምር ተበጊሰ እምበር ናይ ሕክምና ባዕል ሞያ ወይ ፍሉይ ክኢላ ሕክምና  ማህፀን ስለ ዝዀንኩ ኣይኰነን ።

ፅሓፊ

ጓንሸ ሓድጉ፡ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ባዮሎጂካዊን ኬሚካዊን ምህንድስና ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ መቐለ መምህር እዩ። ብ መፅናዕቲ ኬሚካዊን ፕሮሰስን ምህንድስና ካብ ዩንቨርስቲ ቦሎኛ ማስተርስ ዲግሪ ኣለዎ።

3 Comments

  1. Teklay Alem

    April 17, 2023 at 11:16 am

    ፅቡቕ ትሕዝቶ ዘለዎ ፅሑፍ ፅሒፍካ ክቡር ሓው። ህንፀት ዓዲ ኣብ ማህፀን ኣዶ እዩ ሰረቱ። ዕሸል ኣብተን ናይ መጀመርያ 1000 መዓልትታት/ካብ ድቂ ጀሚሩ ክሳብ 2 ዓመቱ ዝመልኦ/ዝተመጣጠነ መግቢ እንተዘይረኺቡ ዝተማልአ ዕብየት ኣእሙሮን ኣካልን ክህልዎ ኣይኽእልን። እንድሕር ዝተማልአ ዕብየት ኣእምሮ ዘይብሉ ድማ ክመሃር፣ክሓስብ፣ክመራመር፣ክምህዝ ኣይኽእልን።ሽኽሚ ዝኾነ ወለዶ ንፈጥር ኣለና ማለት እዩ። ዝበዝሕ ሕ/ሰብና ዋላ እውን እቲ ዝተምሃረ ኣካል ሕ/ሰብና ብዛዕባ መግብን ኣመጋግባን ዘለዎ ፍልጠት እምብዛ ኣይኮነን። በዘልማድ እዩ ደቁ ዝምግብ።

    ስለዚ ኣዴታት መሰረት ስድራ ስለዝኾና ክመሃርኡን ክርድእኡን ይግባእ ይብል። ፃዕርታትና ኣብ ህንፀት ኣዴታት ይኹን!!

  2. ወዲ ዘሙይ

    March 29, 2023 at 1:28 am

    ጓንሸ ተወሳኺ ሓበሬታ ምሃብኩዃ። ህንፀት ትግራይ ካብ ጥንሲ ይጅምር እንዲኻ ኢልካ፤ ምስቱ ትብሎ ዘለኻ ብኣርእስቲ ዝተቐራረበ ሓቃዊ ናይ ዓለምና ዝዓበየ ህንፀተ ሃገር ኣሎ። ኮንፊሸስ ክበሃል ሰሚዕኻ ትኾን። ስነሓሳብ ኮንፊሸስ ብመሰረቱ ሕጊ ስድራ እዩ። ንሕና ሕጊ እንዳባ ነይሩና። እቲ ሕጊ ብቐሊሉ ህፃውንቲ ብህፃውንቶም ኣብ ስድራ ይህነፁዎ። እዚ እዩ ንቻይና ቻይና ገይሩዋ ። ሃገርነት፤ ስርዓት፣ ኮታስ ኩሉ ነገር ካብ ገዛ (ስድራ) (family ) ብህፃውንቶም ይህነፁዎ። ብሓፂሩ ንቻይና ኣብዚ ዘብፀሓ ስርዓት ገዛ እዩ። ንዕኡ ፈቲሽካ እዚ ጥንሲ ዝበልካዮ ገዛ ወይ ስድራ ብዝብል ወሲኽካ ካልኣይ ክፋል ክትመፅእ ተስፋ ይገብር።

  3. ጌታቸው

    March 27, 2023 at 1:54 am

    ብ እቲ ትሕዝቶ ናይ እቲ ፅሕፈትካ ብጣዕሚ እሰማማዕ

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Exit mobile version