Connect with us

መርገፂ

ብ ጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ንዝቐረቡ ሓሳባት ዝተውሃበ መልሲ

Published

on

መብርሂ፦ ብ ምኽንያት ግደን ተሳትፎን ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ብዙሓት ሕትቶታት እናተልዓሉ ይርከቡ። መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ ድማ፡ ናይ ባዕልቶም ቤተ ክህነት ከም ዘቘሙ ገሊፆም እዮም። ብዙሓት ሰባት፡ እዙ ቤተ ክህነት እንታይ ዝይልውጦ ነገር ይህልው ይዀን እናበሉ ይሓትቱ፥ ይፅበዩ።

እዙ ፅሑፍ፡ መልሲ ጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶድክስ ተዋህዶ ትግራይ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ቐሪቡ እዩ ል ዝበሉዎም ነቐፌታት እዩ። መርገፂ፥ ኣተሓሳስባን ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ትግራይ፥ ከምኡ እውን ዝይህልዉን ዘኢይህልውን ለውጥታት የርእይ።

እቱ ፅሑፍ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ግድፈታት ፊደላት፥ ተፈድሎት፥ ስዋስውን ስርዓተ ቋንቋን ዘለዉዎ ስለ ዝዀነ፡ ል ደረጃ ሕትመት ትግሃት ዝይበቅዕ ኣይነበረን። ይዅን እምበር፡ እቶም ዝየልዕሎም ዛዕባታት፡ እዋናውያንን ህዝባዊ ጠቐሜታን ጕድኣትን ዘለዎምን ስለ ዝዀኑ፡ እቱ ፅሑፍ ከም ዘለዎ፡ እንበለ እርማት፡ ነቕርቦ ኣለና።

እቶም መለስቲ፡ ል ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያን ዝይልዓሉ ኵሎም ሕቶታት እኳ ዋላ ይመልሱ፡ መልዓሊ ኰይኖምና እዮም ዝበሉዎም ግን ኣብ ሜድያ ደደቢት ዝቐረቡ ክልተ መደባት እዮም። ንሳቶም ክዓ
1) ኣብ ትግራይ ፖለቲካን ሃይማኖትን መዓዝ ክተሓዋወስ ጀሚሩ? ህዝቢ ትግራይ ዘይተረድኦ ምኽንያት ጽንተቱ እንታይ እዩ?
2) ክፋል 1:- ካብቲ ዘበናት ዘቑጸረ ጽውጽዋይ ሽዋ ከመይ ንውጻእ? – ቃለ መሕተት ምስ መጋቢ ሚስጥር ኤልያስ በሪሁ
3) ክፋል 2:-ካብቲ ዘበናት ዘቑጸረ ጽውጽዋይ ሽዋ ከመይ ንውጻእ? – ቃለ መሕተት ምስ መጋቢ ሚስጥር ኤልያስ በሪሁ

ትሕዝቶ

ካብ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ ኣብ ልዕሊ /ተ/ቤተ ክርስቲያን ንዝቐረበ ኢሃይማኖታዊ ሓሳብ ዝተውሃበ ወቅታዊ መልሲ፡፡ 

ኣብ መንበረ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ፡፡ 

ብምኽንያት አብዚ ቀረባ እዋን አብ ደደቢት ሚድያ ቀሪቦም አመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን መሲሎም አብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝተናገርዎ ንኦርቶዶክስ ዘይውክል ምንፍቅና አመልኪቱ ሊቃውንትን ዝተዳለወ ወቅታዊ መልሲ፡፡ 

መጋቢት፡-፲፫/፳፻፲ወ፭/2015/ዓ/ም 

መቐለ- ትግራይ፡፡ 

ዕለት13/07/2015 

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!! 

  • ብፁዓን አበው ሊቃነ ጳጳሳት! 
  • ዝኸበርኩም ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን! 
  • ዝኸበርኩም ናይ ትግራይ አህጉረ ሰብከት ሓለፍትን መገልገልገልትን 
  • ዝኸበርኩም አብ ዝተፈላለያ ክፍላተ ዓለም እትርከቡ ሊቃውንት 
  • ዝኸበርኩም አብ ወሽጢ ዓድን ደገን ዘለኹም ተጋሩን አብ መላእ ዓለም እትርከቡ አመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ምእመናንን ምእመናትን!! 

ብምኽንያት፡ ደስታ ገ/ሚካኤል ኃ/ኪሮስን ኤልያስ በሪሁ አፅበሃን አብዚ ቀረባ እዋን አብ ደደቢት ሚድያ ቀሪቦም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ አመንቲ መሲሎም አብ ልዕሊ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝተናገርዎ ንኦርቶዶክስ ዘይውክል ምንፍቅና አመልኪቱ ካብ መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ ብሊቃውንት ጉባኤ ተዳልዩ ዝተውሃበ ወቕታዊ መልሲ ! 

አብ ወቕታዊ ኩነታት ኮይንና ብዝተፈላለዩ አካላት ብዝተፈላለዩ መራኸብቲ ህዝቢ ዓለም እናተርኣዩ ከምኡ ድማ ብዝተፈላለዩ መመሓላለፍቲ መልእኽቲ አብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እምነት ዝዝርግሕዎ ዘለዉ ፀለመ ናይቲ ካብ ዘመነ ሐዋርያት ጀሚሩ ዝነበረ ቢፅሓሳውያን ዝነዝሕዎ ዝነበሩ ናይ ሓሶት ክሲ መቀፀልታ ኮይኑ ነዚ ኢሃይማኖታዊ አስተምህሮኦም ካብ መሰረቱ መልሲ ተዋሂብዎም ክርስቲያን ኢና እናበሉ ብክርስቶስ ዘይኣምኑ ሓሰውቲ መሲሕ/ ከምዝኾኑ ዝተግሃደ ኢዩ፡፡ ኮይኑ ግን ንቶም በብግዚኡ ዝትሥኡ ከሰስቲ እቲ ዝብልዎን መልሱን ንቲ ናይሎሚ ወለዶውን ንክርድኦ ወቕታዊ መልሲ ስለ ዘድልዮም ዝተዳለወ ሓፂር ግብረ መልሲ ንተሃድሶአውያንኢና በሃልትን መሰላቶምን፡፡ 

ንሕና አብ መላእ ዓለም እንርከብ አመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኩልና ናይ ሃይማኖትና መሠረትን መሥራትን ጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝኾነ አሚና አብታ ቅንዕቲ መንገዲ እምነት ንርከብ፡፡ “አብ ጎደና ደው ኢልኩም ተመልከቱ እቲ ጥንታዊ ፅቡቅ ጎደና አየናይ ምዃኑ ጠይቑ እሞ ብእኡ ተመላለሱ ሽዑ ነንፍስኹም ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም ኤር.6፣16፡፡  አነ መንገዲ ሓቅን ህይወትን ኢየ ዮሐ.14፡6፡፡ መንገዲ እግዚአብሔር ቅኑዕ ኢዩ ጻድቃን ብእኡ ይመላለሱ፤ኀጥኣን ግን ይስእንዎ ሆሴ 14፣9፡” ብዝበሎ መሰረት ጎይታና መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብቅዱስ መንፈሱ ንነቢያትን ሐዋርያትን ብዝሀቦ ሕግን ሥርዓትን በታ ቅንዕትን ርትዕትን ሃይማኖት ክርስትና አሚና አብ ምድሪ ኮይና ሰማያዊ  አገልግሎት እናፈጸምና ንርከብ ፡፡ 

ሐዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብመንፈስ ቅዱስ ገላፅነት አብ ጉባኤ ቂሳርያ ብልሳን ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተመስከረት፣ ክርስቶስ ብክቡር ደሙ ዝዓደጋ ናይ ሲኦል በርታት/መናፍቃን/ዘየናውዕዋ ኮይና ዝተመሥረተት ሓደ እግዚአብሔር፣ሓንቲ ሃይማኖት፣ ሓንቲ ጥምቀት ዝብል ሐዋርያዊ አስተምህሮ ዝተረጋገፀላ ብሓደ ክርስቶስ ዝተመሥረተት ሓንቲ እምነት ክርስትና ቅንዕትን ርትዕትን ኢያ፡፡ ማቴ.16፣13-20፡፡ ኤፌ. 4፣5፡ 

እታ ንዘመናት ተሓፊራን ተኸቢራን ዝፀነሐት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን አብቶም ዝሓለፉ ክልተ አሽሓት ዘመናት ብመንፈስ ቅዱስ እናተመርሐት አብዚ ሐዚ በፂሕናዮ ዘለና ዘመን ንክትበፅሕ ካብ ምሥረታኣ ጀሚሩ መእለያ ብዘይብሎም ፈተናታት እናሰገርት እንሆ አብዚ በፂሓ ኢያ። ንቕድሚት እውን ዓለም እስካብ ዝሓልፍ ንዝኾነ ይኹን ተቃራኒኣ ዘይትንቕነቕ ኮይና ብፅኑዕ መሰረታ ክትነብር ኢያ፡፡ 

ኮይኑ ግን ከምዚ ሐዚ ሓደ ሓደ ሰባት ብስም ኦርቶዶክስ ንምትላል ኦርቶዶክሳዊ ስምን ኣከዳድናን ተጠቒሞም መሰረት አስምህሮ እምነት ኦ/ተ/ ቤተ ክ/ያን ዘፍርስ ተልእኾ ሒዞም ዝንቀሳቐሱ አካላት በቲ ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝረኸብዎ ኣምሲሎም ዝትርክዎ ልቢወለድ ዘረበኦም፡ ከምቲ ብርሃነ ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ አብ መልእኽቱ ከምቲ ተመን ብጉርሑ ንሔዋን ዘስሓታ ከምኡ ንስኻትኩምውን ብሓሳብኩም ተታሊልኩም ካብቲ ንክርስቶስ ዘለኩም ቅኑዕን ንጹህን ፍቕሪ ከይትርሕቑ እፈርሕ አሎኹ፡ ስለ ምንታይ ሓደኳ ንሕና ዘይሰበኸናዮ ካሊእ ኢየሱስ እንተሰበኸልኩም ወይ ካባና ዘይተቀበልኩምዎ መንፈስ ካሊእ መንፈስ እንተተቐበልኩም ወይ ቅድሚ ሐዚ ዘይተቀበልኩምዎ ካልእ ወንጌል ካሊእ እንተሰበኸልኩም ስቅ ኢልኩም ክትፅበዩና ይግባእ፡፡ 2ይቆሮ.11፡3-4፡፡ ዝበሎ ናይ ኦ/ተ/ቤተ ክርስቲያን ተቃራኒ አስተምህሮ ዘለዎም ቢጽ ሐሳውያን ናይታ ሃገር ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ዘይተረጋገዐ ፖለቲካዊ ምሕደራ እንትህሉ እቲ ናይ ማሕበረሰብ ናብራ ከምፅቡቕ አጋጣሚ እናተጠቐሙ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ናይ ጥንቲ ምንፍቅንኦም ምቅዋሱ ስለዘይተርፍ ነዚ ንምስኻዕ ላዕልን ታሕትን እናበሉ ፀኒሖም ኢዮም፡፡ሐዚ ውን ኣብ ከባቢና ካብ ቀረባ ግዜ ብፍላይ ካብ 2013 ዓ/ም ናብዚ ጀሚሮም አብ ተመሳሳሊ ምዕራፍ ይርከቡ ። 

እዞም ኣብ መበል 16 /ዘመን አብ ምዕራባውያን ዝተልዓሉ ካብ ሐዋርያዊ አስተምህሮ ዝወፀ ተቓራኒ ፅንሰ ሓሳብ ከም እምነት ሒዞም ዝጉዓዙ ዘለዉ ጉጅለታት እዋን እንትረኸቡ ናይ ክርስቶስ አባጊዕ /ምእመናን/ ብምዝማት እንትንቅሓሎም ድማ ርእሶም ሓቢኦም አመንቲ መሲሎም ኣብ ሃገርና ብተደጋጋሚ ፀረ ሓድነትን ሰላምን ኮይኖም ተራእዮም ኢዮም፡፡ ብፍላይ አብ ልዕሊ ኦ/ተ/ቤተ ክርስቲያን ማእለያ ዘይብሉ በደል ክፍፀማ ዝገበሩ መናፍቃን ብዝተፈላለዩ ሽርሒታት ንታ ቤተ ክርስቲያን ንምድኻምን አብ ምእመናንና ሰፊሕ አፈላላይ ንክፍጠርን ፃዕሪ እናገበሩ ይርከቡ፡፡ 

[2] 

ብሓደ ሓደ መንፈሳዊነት ዝጎደሎም ውልቀ ሰባት ብሄራውን ፖለቲካውን ዕብለላ ወሪስዎም ክርስቲያን ምሉእ ውክልና ከምዝወሰዱ ጌርካ መራሕቲ ሃይማኖት ኦ/ተ/ ቤተ ክርስቲያን አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝገበርዎን ዝተናገርዎን ኢመንፈሳዊ ተግባር ንኦ/ተ/ ቤተ ክርስትያን ደገፍቲ ጥፍኣት ህዝቢ ትግራይ ኮይኖም ኢዮም! ኦ/ተ/ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ኣብ ገበን ወራር ትግራይ ተሓታቲት ኢያ! እናበሉ ንህዝቢ ትግራይ ሓላያት መሲሎም ዘቕርብዎ ፀለመ ብ ውሽጡ ንኦ/ተ/ ቤተ ክርስቲያን ምፍራስ ዝዓለመ ኢዩ። ብመሠረቱ እቲ አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኻየደ ኩለንተና ወራርን ዕንወትን ልዕሊ 96% አብ ልዕሊ ኦ/ተ/ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ዝተፈፀመ ኢዩ። እዚ ድማ አብ ናይ ኢትዮጵያ ኦ/ተ/ ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ዝርከቡ ውልቀ ሊቃነጳጳሳትን ተሓባበርቶምን ከምኡ ድማ ብሃይማኖት ጉልባብ መሳርሒ ፖለቲካ ዝኾነ ማሕበር ማሕበረ ቅዱሳንን አብ ዘይምልከቶም ኣትዮም ናይ ፖለቲካ መሳርሒ ኮይኖም ካብ ክርስቶስ ዝተውሃቦም ሐዋርያዊ ሓላፍነት ወይ ንኹሉ ኣቦ ካብ ምኳን ወፂኦም አብ ክንዲ ንሰላምን ዕርቅን ምውጋን ከምታራ ፖለቲከኛ ብብሔርን ብቋንቋን አድልዎ ገይሮም ንቲ መስራቲ ሀገረ አትዮጵያን እምነት ኦ/ተ/ቤተ ክርስቲያንን ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ጠሊሞም አብ ልዕሊኡ ንዝተፈፀመ ከቢድ ወራርን ዕንወትን ከምውልቀ ሰውነቶም እምበር ንኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን አይውክሉን፡፡ 

ነዚ መሰረት ገይርና እውን ምስከምዚኦም ዝበሉ ሐዋርያዊ ስርሖም ዝረስዑ ሓቢርና ምንባር ስለዘይንኽእል ናይ ባዕልና ጥንታዊ መንበረ ጵጵስናና መንረ ሰላማ ጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ መስሪትና ኢና፡፡ 

ድሕሪ ባይታ እምነት ኦ/ተ/ ቤተ ክርስቲያን አብ ዓለም 

ከምዝፍለጥ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብሀልዎተ እግዚአብሔር፣ ብእግዚአብሔር ነሰባት ብዝተገልፀ ምሥጢር ሓድነትን ሠለስትነትን እትኣምን፤ካብሠለስተ አካለት ሓደ አካል ወልድ ዋሕድ ኢየሱስ ክርስቶስ ፍጹም አምላክ ፣ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ሓደ ባህርይ ሓደ አካል ከምዝኾነ አሚና በክቡር ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተመስረተት ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓለዋን ረድኤትን ዘለዋ ኣብ ምድሪ ዝተመስረተት፣ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሥልጣነ ክህነት ብዘለዎም ጳጳሳት፣ካህናት፣ዲያቆናት እናተመርሐት ሰማያዊ አገልግሎት ዝፍፀመላ ኢያ፡፡ ዮሐ.1፣1፡፡1፡14፡፡ 

ብከምዚ ሥርዓት ምስተመሥረተት ድሕሪ ቅሩብ ዘመን አርዮስ ዝተብሃለ ተወላዲ ሊብያ ዝኾነ ከሓዲ ተላዒሉ አብ መሠረታዊ ትምህርተ ሃይማኖት ትምህርተ ምሥጢረ ሥላሴ ” አብ ምሳሌ8፡22 ዘሎ ቃል ዓውደ ንባቡ ብዕምቆት ከይተመልከተ ብዝመስሎ ተርጒሙ ንምሥጢር ሥላሴ ዘይገልፅ ክሕደት ከስተምህር ጀሚሩ ኢዩ፡፡ ይኹን እምበር እቲ መናፍቅነቱ ክእርም ተሓቲቱን ምኽሪ ተውሂብዎን ካብ ዝሓዞ መንገዲ ብዘይ ምምላሱ ብ325 ዓ/ም ኣብ ኒቅያ ብዝተገበረ ናይ 318 ሊቃውንት ብቅዱስ እለእስክንድሮስ ናይ መንበረ ማርቆስ ሊቀ ጳጳስ ዝምራሕ ዓለም ለኸ ጉባኤ ተኻይዱ እቲ ዘስተምህሮ ዝነበረ ክሕደት ከምዝኾነ ብጉባኤ 

ተረቲዑ ካብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ተወጊዙ ባዕሉን ትኸተልቱን ክፍለዩ ተገይሩ ኢዩ፡፡ ድሕርዚ ድማ ኦርቶዶደክስ ዝብል መግለፂ ተዋሂቡዋ ኢዩ፡፡(ቅንዕቲ እምነት ማለት ኢዩ፡፡)  ከምዚ እናበለ እንትቕፅል ውሽጣዊ ተግባሮም ስለዘይተዓበሰ ግዜ ክረኽቡ እንተለዉ መርዞም እናነዝሑ ዘየጥዕሞም ክኸውን እንተሎ ድማ አመንቲ መሲሎም ውሽጦም ሐቢኦም እናተተኻኽኡ ንዘመናት ፀኒሖም ኢዮም፡፡ 

በዚ ምኽንያትውን ሠለስቲኦም ዓበይቲ ጉባኤታት ማለት እውን አብ 325 ዓ/ም ጉባኤ ኒቅያ፣ ብ381 ዓ/ም ጉባኤ ቊጥንጥንያ፣ ብ431 ዓ/ም ጉባኤ ኤፌሶን ምክያዶም ይፍለጥ፡፡ ድርሕሪዚ እቲ ብውልቀ ሰባት ዝካየድ ዝነበረ ምንፍቅና ናብ ውሽጢ ሰብ ስልጣን ኣትዩ መለካውያን /ንጉሣት/ አብ ውሽጢ ሃይማኖት ኢዶም ከእትውሉ ምስጀመሩ አብ ናይ ቤተ 

ክርስቲያን ዓለም ለኸ ሓድነት ከቢድ  እትምራሕ ዝነበረት ቤተ ክርስቲያን ተኸፋፊላ ኢያ፡፡ እዚ እውን አብ 5ይ ክፍለ ዘመን ምፍልላይ አጋጢሙ ብሓደ እምነት ክርስትና ዝተፈፀመ ፀሊም ታሪክ ቤተ ክርቲያን ተባሂሉ ተመዝጊቡ ኢዩ፡፡ 

እታ ካብ መበል 4ይ ክ/ዘመን ብአባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ዝተመሥረተት መንበረ ሰላማ ኦ/ተ/ቤተ ክርስቲያንውን ብተመሳሳሊ አህጉራዊ ፈተና እናተቐበለት መናፍቃን ምስ መናፍቃን ገዛእቲ እናተሻረኹ አብ ልዕሊ አመንቲ ክርስትና ብዙሕ በደላትን ዕንወትን እናስዐቡ ደም ክርስቲያን በብግዚኡ ከም ውሒዝ እናፈሰሰ መጺኡ ኢዩ። ይኹን እምበር ናይ ክርስቶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ በዚ ነዊሕ ዘመን ዝበፅሓ በደል ከይተሰኮነት ብመንፈስ ቅዱስ እናተመርሐት ንሃይማኖት ናፅነት፣ንሃገር ልኡላዊነት፣ ንሕብረተ ሰብ ሓድነት ዘይትካእ መሥዋእቲ ከፊላ አብዚ ሐዚ በፂሕናዮ ዘለና ዘመን ንክንበፅሕ ዘኽኣለት እንኮ በዓልቲ መጠነ ሰፊሕ ታሪክ ኢያ፡፡ 

እዚ ከምዚ እናበለ ስለዝመፀ ኩሉ ግዜ ካብ ደገን ውሽጥን ዝልዓለ ፀረ ሃይማኖትን ወረርቲ ሉኣላዊ ሃገርን ኩሎም ቀዲሞም ዒላማ ዝገብሩዋ ንኦ/ተ/ ቤተ ክርስቲያን ኢዩ፡፡ 

ከምዚ ዝዓይነቱ ታሪኽ እናሃለዋ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኦ/ተ/ቤተ ክርስቲያን ንምፍራስ ወይ ንምውራስ ዒላማ ገይሮም ዝወፈሩ መናፍቃን ናይ ህዝቢ ሓላያት ብምምሳል ናይ ሓሶት መልእኽቲ ብምንዛሕ ንኦ/ተ/ቤተ ክርስቲያን ዝተፈላለዩ ፀለመታት እናቕረቡ ብግሊ ሰባት ዝተፈፀሙ ንቤተ ክርስቲያን ከምዝውክሉ ብምውሳድ ጠቕላላ ክብሪ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብምቅላል ሥርሐይ ኢሎም ሒዞሞ ይርከቡ፡፡ 

ካብቶም አብ ልዕሊ ኦ/ተ/ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ወፍርና  ኢሎም ዝሓዝዎም ነጥቢታት ወቕቲ ተጠቒምካ አብ ዓለም ዘዝጎደለ ዘበለኩሉ ቤተ ክርስቲያን ተሓታቲት ብምግባር ምእመናን ንክፍለይዋ ዓሊሞም ሓሲቦም ክሲታት ዘስምዑ እንትኾኑ ፡፡ 

እዞም ቐፂሎም ዘለዉ ነጥቢታት ይርከብዎም፡፡ 

  1.  ኦ/ተ/ ቤተ ክርስቲያን አብ ልዕሊ ህዘቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ተሓባባሪት ኮይና ኢያ፡፡
  2. ካብ ደገ ብፅዕንቶ ዝኣተወ ጊጉይ አስተምህሮ ሒዛ ኢያ እትነብር ዘላ ምህዳስ የድልያ ኢዩ። 
  3. ስእልን ምስልን ተምልኽ ኢያ፡፡ 
  4.  ወርሒ የካቲትን ካልኦት በዓላትን ብምእዋጅ ሰብ ሓሪሱን ሰሪሑን ማእቶቱ ከየድንፍዕ ምስ ንጉሳት “ 
  5. አጽዋማትን በዓላትን ብምብዛሕ ጠንቂ ጥዕናን ርብሓ ሕብረተ ሰብናን ኮይና ኢያ፡፡ ተመሳጢራ ትግራዋይ ናብ ድኽነት ክኣቱ ገይራ ኢያ፡፡ 
  6. ደቂቀ እስጢፋኖስ ንመስቀልን ንስእሊ ድንግል ማርያምን አይንሰግድን ስለዝበሉ ሰማዕትነት ፈፂሞም ኢዮም፡፡ስለዚ ፅሩያት ክርስቲያን ስለ ዝነበሩ ከምኦም ንመስቀልን ንስእሊ ማርያም  አይንሰግድን ክንብል አለና ምባል፡፡ 
  7. ድንግል ማርያም አይተማልድን ፣ቃል ኪዳን እውን አይተውሃባን፡፡ 
  8. ኢየሱስ ክርስቶስ ዝማልድ ኢዩ ፡፡ 
  9. ኦ/ተ/ ቤተ ክርስቲያን ሰብ ብቋንቁኡ ከይመሃር ገይራ ኢያ፡፡ 
  10. ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እምበር ቅድስት ሃገር እትብሃል የላን ምኽንያቱ ቅድስት ሃገር እትብሃል ኩሉ ነባራይ ከምቶም ህዝበ እሥራኤል አብ ዘመነ ኦሪት እግዚኣብሔር ዘምልኽ እንተኾይኑ ኢዩ፡፡  
  11. ካህናተ ደብተራ ዝብሃሉ ምስ ንጉሳት እናተመሳጠሩ ዝፈጠርዎ ዘይክርስቲያናዊ ሥርዓታትን ድርሰታትን አታአታቲዋ ከምመስርሕ ትጥቀም ስለዘላ ናብቲ ጥንታዊ ሥርዓት ሃይማኖት  ክምትምለስ አለዋ፡፡ 
  12. ናይ ቤተ ክህነት ሰባት ምሁራን አይኮኑን። 
  13. አሥራው ወይ ጉንዲታት መጻሕፍቲ 66 ኢየን ቑዕረን ካብዚ ወፃኢ ዘለዉ ገድላትን ድረሳናትን ኣየድልዩን ዝብሉን ካልኦት ጠቐነታትን ይርከብዎም፡፡ 

ብድምሩ እንትረአ እዞም አብላዕሊ ዝተዘርዘሩ መናፍቃን ዘልዕልዎም ሐሳባት እቲ ሓቂ ንዘይተረደኦ ምናልባት ከጋግዩ ይኽእሉ ኢዮም ብምባል አልዒልናዮም እምበር መሰረት 

· ዘይብሎምን አብ ተግባር ዘይርከቡ ንኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዘይገልፁ ኢዮም፡፡ ኮይኑ ግን ኦርቶዶክሳዊት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እቶም ዝተጋገየ አረኣእያ ዘለዎም ንክእረሙ፣ እቲ ሰማዒ እውን ከይደናገር መልሲ ምሃብ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ከከም ኣቀራርብኦም መጽሐፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር ብከምዚ ዝስዕብ መልሲ ተዋሂብዎም አሎ፡፡ 

1.”ኦ/ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን አብ ልዕሊ ህዘቢ ትግራይ ንዝተኣወጀ ኲናት ተሓባበሪት ኮይና ኢያ።” ንዝብል 

ብመሰረቱ አብ ሥርዓት ሃይማኖት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን አማኒ እግዚአብሔር ንሃይማኖቱ ሰማዕትነት ከምዝኸፍል እምበር ቀስቃሲ ኲናት ክኸውን ዝእዝዘሉ መስርሕ ይኹን ታሪክ የለን፡፡ እዚ ከምዚ እናሃለወ ኮነ አልካ ንቲ ብኲናት ሃስያ ዝበፀሖ ማ/ሰብ ኣደናጊርካ ካብታ መንፈሰ ልደት/ጥምቀተ ክርስትና/ ዝተወለደላ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ክርሕቕ እሞ ንሕና እኒሄናልካ ኢሎም ናብቲ ናይ ጥፍኣት መንገዶም ንምውሳድ ዘኽእሎም ሓደ ወቕታዊ ኩነታት ብምጥቃም ዝገበርዎ መንገዲ ምዕልእላእ እምበር ኦርዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብመሥራቲኣ ብክርስቶስን አሰር ክርስቶስ ተኸቲሎም ብዝርከቡ አበውን እምበር ብዝተጋገዩ ውልቀ ሰባት አይትልካዕን፡፡ ዮሐ 10፣14፡፡ግብ 20፣28፡፡ 

2. ካብ ደገ ብፅዕንቶ ዝኣተወ ጊጉይ አስተምህሮ ሒዛ ኢያ እትነብር፡፡ ንዝብል

መጽሐፍ ቅዱስ መሰረት ዘይብሉ ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እምነት ካብዘይመስላ ክፋል ዓለም ካሊእ አስተምህሮ ኣእትያ እትጥቀሞ ባህል ይኹን ሥርዓት የብላን፡፡ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያንና ብዝነበራ ዘይተደፈረ ልኡላዊ ክብሪ ዘይተበረዘ ባህልን ሥርዓት እምነትን ሒዛ እትርከብ ኢያ። ብዚ ምኸንያት ብሊቃውንታ ዝተፃሕፉ ጥንታውያን መፃሕፍቲ እሙናት ኢዮም ተብሂሎም ስለዝተኣመነሎ ብዙሓት ተመራመርቲ ዝረኸብዎም ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎም መጻሕፍቲ ካብ ዝተፈላለዩ ገዳማትና ተወሲዶም አብ ዝተፈላለያ አህጉራት ዓለም ከም ምስክር ኮይኖም ይርከቡ እምበር ካብ ደገ ዝኣተወ ብኦ/ተ/ቤተ ክርስቲያን ዘይኣምን ተኸታሊ ክርስቶስ ዘይመሃሮ፣ነቢይ ወይሐዋርያ ዘይፀሓፎ ኣየእተወትን፡፡ 

ኩሉ ክፈልጦ ዝግባእ ታሪክ ግን ኦ/ተ/ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ካብ 34 ዓ/ም ጀሚሩ ክርስትና ዝተሰበከላ፣ካብ 335 ዓ/ም ጀሚሩ ድማ ምሥጢረ ጥምቀትን ቊርባንን ምስ ክህነት ተታሓሒዙ ብክርስቶሳዊ አስተምህሮ እትፍፅም እምበር ብምትላል ወይ ብፅዕንቶ ዝተፅዓነቶ ኢክርስቲያናዊ ባህልን ሥርዓትን የብላን፡፡ 

እኳዳኣስ አብ ባህልናን ሥርዓት እምነትናን ዘይነበረ ንቅድሚትውን ክኣቱ ዘይግብኦ ብምድራዊ ገንዘብ ተለኣኣኸቲ ኮይኖም ብጥቕማ ጥቕሚ እናታለሉ ምእመናን እናደናገሩ ዝርከቡ ወገናትና ተታሊሎም ካብ ደገ ዘምፅእዎ አብ ሃገርና ዘይበቖለ ናይ ምዕራባውያን ካብቲ ዝኸድዎ ዘለዉ ናይ ሃይማኖትን ባህልን ምጥፋእ ጎደና ተመሊሶም ንታ ዘዕበየቶም ቤተ ክርስቲያን ክሓስቡ ይግባእ ንብል። 

  • ወርእሰክሙ አመክሩ _ ለእመ ሀሎክሙ በሃይማኖት ወርእሰክሙ ሕቱ _ ለእመቦ ዘኢተአምሩ ለሊክሙ 2ቆሮ.13፣5። 
  • ወባሕቱ አንትሙ አሰረ ዚአነ ትልዉ አንትሙሰ መልአክ እምሰማይ ለእመ መሀረክሙ ካልአ እምዘመሀርናክሙ ውጉዘ ለይኩን ገላ 1፣9፡፡ብትግርኛ 

3.ስዕልን ምስልን ተምልኽ ኢያ፡፡ 

ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቅድስት ቤተ ክርስተያን ካብ ጥንቲ ዘመን ምሥረታ ክረስትና ጀሚራ እቲ ንሙሴ ዝተውሃበ ሕጊ ስእሊ ከምዘሎ ብምዕቃብ ንቶም ቅዱሳት መጻሕፍቲ አንቢቦም ክርድኡ ዘይኸእሉ ምእመናን ነቲ ናይ መፅሓፍ ቅዱስ ታሪክ ወይ አስተምህሮ ብዝገልፅ መልክዑ መጽሓፋዊ ገለፃ ዘለዎ ስእሊ እምበር ምስሊ አይትጥቀምን፡ምስልን ሥዕልን ፈሊኻ ምፍላጥ የድሊ። አብ ብሉይ ኪዳን ሕጊ እግዚአብሔር ንሙሴ ስእሊ ኪሩብ ንክስዕል ከምዝአዘዞ አብ ዘፀ 25፡19፡37፡7 ይርከብ፡፡ 

ስዕሊ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክልተ መልእኽቲ ኣለዎ፡፡ እቲ ሓደ ስእሊ ከምመፅሓፍ ኮይኑ ትምህርቲ ንምትሕልላፍ እንትኾን እቲ ካልኣይ ምእንታን እምነት ኦ/ተዋሕዶ ቅድስት ቤተ ስዕሊ ክርስቲያን ኢሎም መከራ ስጋ ከይተሰቀቑ አብ ቅድሚ አላውያን ነገሥታት ቀሪቦም ብድፍረት ስለኢየሱስ ክርስቶስ እናመስከሩ ብሰማዕትነት ዝሓለፉ ሰማዕታት ከመይ ዓይነት 

ገድሊ ከምዝፈፀሙ ንምዝካር ኢዩ፡፡ 

አብ ቅድሚ ስእሊ ቆይምካ ምዕላይ ምስቲ በዓል ስእሊ ዘለካ መንፈሳዊ ፍቅሪ ንምግላፅ እምበር 

ንስእሊ ምምላኸ አይኮነን፡፡ 

  • አ አብዳን ሰብአ ገላትያ መኑ አሕመመክሙ ከመ ኢትእመኑ በጽድቅ ዘያስተርኢ ለዐይን 

ኢየሱስ ክርስቶስ ገላ.3፣1፡፡ 

4. አጽዋማትን በዓላትን ብምብዛሕ ጠንቂ ጥዕናን ርብሓ ሕብረተ ሰብናን ኮይና ኢያ፡፡ንዝብል መልሲ 

አብ መእተዊና ከምዝረኤናዮ እዞም አፅራረ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ካብ ማርቲን ሉተር ዝተቐበልዎ ምግባረ ሃይማኖት ዘይብሉ ሃይማኖት ዝመስል ተዋሥኦ ናብ ዓለም ንምስራዕ “ኩሉ ነገር አየድልን ” ዝብል ተቓውሞ ዝተመልኦ ኢሐዋርያዊ አስተምህሮ ኢዩ፡፡ 

ኮይኑ ግን ጾም መሰረት መንፈሳዊ ተግባር ኢዩ፡፡ ብዘይ ፆም ዝተመስረተ ክርስትና የለን ጾም ናይ መንፈሳዊ ተግባር መሰረት ከምዝኾነ ኩለን ዓበይቲ በዓላትና ንምኽባር ዖም ብምጽዋም ነብዕለን፡፡ 

ረብሓ ጾም፡- 

  • ጾም ናይ  ዘልማድ ዘይኮነስ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝመስረተ ሕጋዊ ኢዩ ማቴ.4፣2፡፡ሉቃ.4፣2፡፡
  • ጾም ርኩሳን መናፍስቲ ንምርሓቅ መንፈሳዊ ሓይሊ ኢዩ ማቴ.17፣21፡ 
  • ናይ ጾም ሃይማኖታዊ ትርጉሙ ንፈጣሪ መለመኒ ፣ናይ ኀጢኣት ሥርየት/ሕድገት/ መጠየቒ ስለዝኾነ ብጾም ወቕቲ ንፍቐድ ሥጋ ዘበረታትዑ ፣ንመንፈሳዊ ሓይሊ ካብ ዝቃረኑ ነገራት ኩሎም ምዕቃብ ኢዩ ዳን. 10፣2-3፡፡ 
  • ምእመናን አብ እዋን ጾም ካብ ምግቦም ብምቕናስ ንነዳያንን ዕጉማትን እንትረድኡ ዝበለጸ ክብሪ ይህቦም ኢሳ 58፣6-11፡፡ 
  • ጾም ብሓዋርያትን ሊቃውንትን ዝተሰበከን ብቀኖና ዝተአወጀን ኢዩ ዲድ.አን 29፡፡ፍትሕ መንፈሳዊ አን15፡፡ 

ዓይነትሥርዓት ጾም 

አብ ውሽጢ ኦ/ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ሥርዓተ ጾም አብ ሠለስተ ይኽፈል።ንሳቶም ድማ 

  • መደበኛ መጽሐፋዊ ጾም 
  • ናይ ኣዋጅ ጾም 
  • ናይ ግሊ ጾም ይብሃሉ፡፡ 
መደበኛ መጽሐፋዊ ጾም 

ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብቅዱስ መጽሓፍ መሰረት ቀድሱ ጸመ ወስብኩ ምህላ/ ጾም አውጁ ጉባኤ ፀውዑ ኢዩ.1፡14፡፡ ወኵሎ ሥሩዐ ወዕቁመ ወውሱነ ግበሩ /ኩሉ ብስርዓትን ብአገባብን ግበሩ/1ይ ቆሮ 14፡40፡፡ተባሂሉ ከምዝተነገረ ብዝተወሰነ ግዜን ወቕትን አብ ዓመት ሸውዓተ አጽዋማት ማለት እውን ጸመነነዌ፣ዐቢይ ጾም፣/ጾመ ኢየሱስ/ ጾመ ሐዋርያት፣ጸመ ፍልሰታ፣ጸመልደት፣ጸመ ገሃድ፣ ጾመ ረቡዕን ዓርብን ብፍሉጥ ግዜ ክዕወማ ዝገበረትሉ ምኽንያት ጥንቲ ሥርዓተ ጾም ካብ መሰረታዊ ታሪኩ ከይተፋለሰ መጽሐፋዊ ወይ ሕጋዊ ቀወምቲ አጽዋም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ እምነት ኢዮም፡፡ 

ናይ አዋጅ ጾም 

ናይ አዋጅ ጾም ከምቲ አብ ትንቢተ ዮናስ ዝርከብ ኣብ ዝኾነ ሃገር ሐደጋ ፣ድርቂ፣ተላባዲ ሕማም ፣ኲናት ወዘተ ንሕብረተ-ሰብ አብሓደጋ ዘውድቕ እንተጋጥም ብአበው ሊቃነ ጳጳሳት ወይ ብሊቃውንት ዝተወሰነ ግዜ ብፆምን ጸሎትን ምህላን ዝፍፀሙ ግዜታት ብውሱን ግዝያዊ 

ምእዋጅ ኢዩ፡፡ 

ናይ ግሊ ጾም 

ናይ ግሊ ጾም ብፍቓድ ርእሱ ወይ በትእዛዝ ንስሐ ዝጾሞ ናይ ግሊ ጾም እንትኸውን ነናይ ባዕሉ ሥርዓት ዘለዎ ኢዩ። እዚ ከምዚ እናሃለወ ፆም ኣብ ዝደለኻዮ ትፀውም ፣ኣብዘ ይደለኻዮ ግዜ እትሓድገሉ ሥርዓት ኦ/ተዋሐዶ ክርስትና የለን። 

5.ወርሒ የካቲትን ካልኦት በዓላትን ብምእዋጅ ሰብ ሓሪሱን ሰሪሑን ማእቶቱ ከየድንፍዕ ምስ ንጉሳት ተመሳጢራ ትግራዋይ ናብ ድኽነት ክኣቱ ገይራ ኢያ፡፡ 

እቶም አጽራር ኦ/ተ/ቤተ ክርስቲያን አብዚ ርእሲ ሓሳብ ተመሥሪቶም ዘልዕልዎ መሰረት ሓሳብ ብሓዲስ ኪዳን ሥርዓት ዝተአዘዘ በዓል የለን። ብስሩውን ብሓዲስ ኪዳን በዓል ብምብዓል ከየታልልኹም ኢሉ ኢዩ እናበሉ አብዘይ ቦትኡ ዝጠቐስዎ ጥቕሲ አሎ፡፡ቆላ 2፡16- 17፡፡ 

ብመሰረቱ አብዘይ ጥቅሱ ምጥቃስ ዘበለና አብዚ ክፍሊ ዝርከብ ሐዋርያዊ አስተምህሮ እቶም አምሳል፣ጽላሎት ኮይኖም ዝሓለፉ ናይ ኦሪት በዓላት አብዘመነ ሐዲስ አምፂኦም ንክተኽብርዎም ከየግድድኹም ዝብል እምበር ስለ ናይ ሓዲስ ኪዳን በዓል ከምዘየለ ፈጺሙ ዝምልከት ኣይኮነን፡፡ 

ብዛዕባ ወርሒ ለካቲት ምሉእ በዓል ኮይኑ ክኸበር ተኣዚዙ ስለዝነበረ እስካብ ሐዚ እዚ እወጃ አይተቐየረን ዝብል” ብቅድስት ኦ/ተ/ ቤተ ክርስቲያን ወርሒ የካቲት ካብ ወርሒ ጥሪ ወይ ካብ መጋቢት ዝተፈለየ ነገር የብላን ፡፡እዚ ከምዚ እናሃለወ ፈጠራ ብዝኾነ ልቢ ወለድ ንመደናገሪ ዝተጠቐምዎ ዘረባ እንትኸውን ሐዚ ውን ከምቲ አብኩሎም ጸለታቶም እምነት ኦ/ተ/ቤተ ክርስቲያን አፍሪስካ ንምቕያር ተደራራቢ ፀለመ ንምቕራብ እምበር ዝተፈለየ  ታሪክ ዘለዎ ሓሳብ አይኮነን፡፡ 

በዓላት ብሐዲስ ኪዳን 

ኦ/ተ/ቤተ ክርስቲያን ክርስቲያናዊ ዝኾነ አበዓዕላ አለዋ፡፡ብመሠረት መዝመረ ዳዊት 117፣/118/26 “ግበሩ በዐለ ብትፍሥሕት” ብዝበሎ ብሰሙን፣ብወርሒ፣ ብዓመት ዝኸበሩ በዓላት ወሲና እተኽብር ኢያ፡ኮይኑ ግን ቅዱሳት በዓላት እግርኻን ኢድካን አጣሚርካ ወይ ደቂስካ ብምብላዕን ምስታይን ዝግለፁ ዘይኮነስ አብ ሕገ ወንጌል ዝተአዘዙ ምግባራት ወንጌል እንፍፅመሎም ኢዮም፡፡ ሉ.14፣12።ራእ.1፣10፡1ይ ቆሮ.16፣1-2፡፡ፍት.መን ኣን 19/20፡፡ 

6.ደቂቀ እስጢፋኖስ ንመስቀልን ንድንግል ማርያምን አይንሰግድን ስለዝበሉ ሰማዕትነት ፈፂሞም ኢዮም ፡፡ ስለዚ ፅሩያት ክርስቲያን ነይሮም ምባል፡፡ 

አባ እስጢፋኖስን ደቀመዛሙርቶምን ቅዱሳት ገዳማት ትግራይ ካብ ዘፍረየኦም መነንቲ ዓለም ተጠቐስቲ እንትኾኑ ቅዱስ መጽሓፍ “ወኵሉ ዘኀደገ አብያተ ወአኀወ ወአኀተ ወአበ ወእመ ወብእሲተ ወውሉደ ወገራውሀ በእንተ ስምየ ምእተ ምክዕቢተ ይነሥእ ወሕይወተ ዘለዓለም ይወርስ ማቴ ፲፱፡፳፱፡፡” 

“አንሰ እፈቅድ ለክሙ ዘእንበለ ኀዘን ተሀልዉ እስመ ዘኢያውሰበ ይሔልዮ ለእግዚአብሔር በዘያሠምሮ ለእግዚአብሔር ፩ይ ቆሮ ፯፡፴፪፡፡” 

ብዝበሎ መሠረት ገዳማዊ ሕይወት መሪፆም ንሥጋና ይትረፈና ነፍስና ምሕላው ይበልፀና ኢሎም ንሳቶም ንዓለም ምዉታት ኮይኖም ፣ዓለም እውን ንዓዓቶም ምውቶም ኮይኑ ንዓለማዊ ግብርን አተሓሳስባን ምውታት ኮይኖም ብሥርዓተ ምንኩስና ዝሓለፉ አበው ኢዮም፡፡ 

ደቂቀ እስጢፋኖስ ብጾም ፣ብጸሎት፣ብብሕትውና ፣ብምንኩስና ሕይወት ሐዋርያዊ ገድሎም ዝፈጸሙ እንትኾኑ ብኣንጻሩ ጾም፣ጸሎት፣ምንኩስና፣ገዳም አየድልን፣ብሓፈሻ ዕላማ ቅዱሳን መነኮሳት ዝቃወሙ ቢጽ ሐሳውያን ስለ አባ እስጢፋኖስ አመልኪቶም ክዛረቡ ወይ ክትርኩ ሞራል የብሎምን። ምስቲ ዝይፅየፍዎን ዝነቅፍዎን ሥርዓተ ምኩስና ሕይወቶም ዝተፀመዱ አብ ታሪክ ዓለም ተነጊሩ ዘይፈልጥ ፈጠራ ብዝኾነ አነጋግራ ንመስቀል፣ንስእሊ ማርያም ክሰግዱ ብንጉሥ ዘርዐያዕቆብ ተኣዚዞም አይንሰግድን ኢሎም ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ስለ ዝተናገሩ ብግፍዒ ተቐቲሎም ሰማዕትነት ፈፂሞም ዝብል ወረ ዝነዝሑ አካላት ነቶም ሃይማኖት ጉልባብ ገይሮም ብዘይወዓልዎ ዝኸሰስዎም አካላት ድጋፍ/መረጋገፂ/ ምሃብ ስለ ዝኾነ ኩሉ ትግራዋይ ናይቲ ታሪኽ ሓቂ ንጉሥ ዘርዐያዕቆብ ንባዕሉ ክስገደሉ ስለዝኣዘዞም እምበር ስለ መስቀልን ስእሊ ድንግል ማርያም ምኽንያት ከምዘይኮነ ታሪክ ገድለ አቡነ እስጢፋኖስ ይገልጽ፡፡ 

ምኽንያት ክሲ አቡነ እስጢፋኖስ 
  1. ናይ ንጉሥ ዘርዐያዕቆብ ስርወ መንግሥት ሰሎሞናዊ አይኮነን ኢልካ፡፡ ገጽ 15/16 
  2. ብዕለተ ሰንበት መንገዲ ተጉዒዝካ፡ገጽ15 
  3. ብዘይ ታቦት ተቅድስ ኢኻ፡፡ ገጽ 16 
  4. ንንጉሥ ዘርዐያዕቆብ አይሰግድን ኢልካ ዝብሉ ክሲታት ብቶም ናይ ቤተ መንግስቲ ቅልብተኛታት ዝቐረበሉ ዘይውዓለሉ ክሲታት እምበር ከምቲ መናፍቃን ዝምነይዎ እምነት አይነበሮምን። 
እቲ መግለጺኦም ዝኾነ ሓቂ ግን፡- 
  1. መነኮሳት አብ ዓለማዊ ስልጣን ክሳተፉ የብሎምን ይብሉ ነይሮም፡፡ ገጽ 15 
  2. ንመስቀልን ስእሊ ማርያምን ይሰግዱ ምንባሮም፡፡ 
  3. አብታቦት ሥርዓተ አምልኮ ዝፍፅሙ ምንባሮም፡፡
  4.  መስቀል ብክቡር ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተቐደሰ ከምዝኾነ ዝኣምኑ ምንባሮም፡፡ 

አብ ትግራይ ልዕሊ 15 ክ/ዘመን ዘቑፀራ ብርክት ዝበላ ጥንታውያን ገዳማት ዝነበራ እንትኾና እዚአን ካብ ዘፍርየኦም አበው መነኮሳት ንመስቀል፣ንስእሊ ማርያም፣ብሓፈሻ ንኹሎም ቅዱሳን ናይ ፀጋ ስግደት አይሰግድን፣ማርያም አይተማልድን ዝበለ መነኮስ ነይሩ ዝብል ታሪክ ተሰሚዑ አይፈልጥን። 

ምኽንያቱ ኣቦታትና ተጋሩ ሊቃውንት ብሠለስቲኦም ሕግጋት እምነት ዝተጉዓዙ ቅኑዕ እምነት ዝሓዙ እንትኾኑ ኣብ ታሪኽ ዓለም ዝሓለፉ ዘመናት ናይ ሃይማኖት ተፋልሶ ዘይገጠሞም ካብ ሕገ ልቡና ናብ ሕገ ኦሪት፣ካብ ሕገ ኦሪት ናብ ሕገ ወንጌል ዝተሰጋገሩ ስለ ዝኾኑ ሊቃውንቲ ትግራይ መነኮሳት ይኹኑ ዘይመንኮሱ ኩሎም ናይ አምልኮ ስግደት ንመን ከምዝግባእ፣ናይ ጸጋ ስግደት ንመን ከምዝግባእ ጠንቂቖም ዝተምሃሩን ልዕሊ 30/40 ዘመኖም አብ ትምህርቲ ዘሕለፉ ናይ ሥነ መለኮት ሊቃውንት ኢዮም፡፡ 

እዙይ ከምዚ እናሃለወ ንመስቀልን ስእሊ ማርያምን ናይ ፀጋ ስግደት ምስጋድ ደሓር ከምዝኣተወ ብምምሳል ደቂቀ እስጢፋኖስ ንመስቀልን ስእሊማርያምን ስገዱ ተብሂሎም አይንሰግድን ስለ ዝበሉ ብግፍዒ ተቐቲሎም እናበልካ እቶም አብዘመን ደቂቀ እስጢፋኖስ ዝነበሩ ገዛእቲ ሸዋ ብፖለቲካዊ ምሕደረኦም ፍትሓዊ ስለዘይኮኑ ሓደ መራሒ ንህዝቡ ክገብሮ ዝግባእ ንጎድኒ ገዲፎም አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ሊቃውንታን ርእስኻ ዘየቕንዕ ግፍዒ ፈጺሞም ኢዮም፡፡ደቂቀ እስጢፋኖስ አብ ልዕሊ ንጉሥ ዘርዐ ያዕቆብ ሓዋርያዊ ተግሳጽ እንተስምዑ እቶም ተቀለብቲ ማእዲ ንጉሥ ዝገበርዎን ዘይገበርዎን እናመሃዙ ክሲ አብልዕሊ ከሲ እናደራረቡ የሳቕይዎም ምንባሮም ዝተግሃደ ሓቀዊ ታሪኽ ኢዩ፡ዘርዐያዕቆብን መሻርኽቱን ንቶም ዘይምዕሩይ ሥርዓተ ምሕደርኡ ተቃውኦም ዘስምዑ ዝነበሩ ሊቃውንት ስለዘይተቐበልዎም ብሃይማኖት ተንከፍ እንተኸሲስናዮም ኢና አብ ህዝቢ 

ትግራይ ተቐባልነት እንረከብ ኢሎም ዝፈጠርዎ ሽርሒ ከምዝኾነ እናተፈለጠ ነዚ ከም ሓቂ አምሲሎም ብዘይውዓልዎ ታሪኸ ነዚ ወለዶ ብድንጋር ናብቲ ኦርቶዶክሳዊ ዘይኮነ አስተምህሮ ንምእታው ኮነ፡ ተባሃለ ዝተኣነመ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። 

ስለአባ እስጢፋኖስ ሃይማኖታዊ ታሪኮም ግን ፅሩይ አማኒ ኦ/ተ/ ቤተ ክርስቲያን ኮይኖም ከም ኣቦታቶም እንጦንስን ጳኩሚስን ብገዳማዊ ሕይወት ከምዝነበሩ ዝተረጋገፀ ኢዩ። 

ምስዚ ተተሓሒዙ ዝቐርብ ክፉእ ታሪክ ዝነበሮም ሰባት ስሞም ስለ ዝተጠቐሰ ብኣኣቶም ከምዝተፅሓፈ ጌሮም ንቲ ገድላትን ድርሳናትን ንምቅዋም ክጥዕሞም  ንዚ እገሌ ፀሓፎ፥ ነዚ እውን እገሌ አምፅኦ ብ ምባል እታ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝሓዘቶም ምቅዱሳት  መጻሕፍቲ ምድንጋር  ንምፍጣር ዝገብርዎ ውስጠ ኑፋቄ ኢዩ። 

ንኣብነት ተአምረ ማርያም ብዘመነ ሐዋርያት እናተነገረ ዝተፅሓፈ እናሃለወ ኣብ ዳሕራይ ዘመን ብዘርዐያዕቆብ ከምዝተፅሓፈ ገይሮም ዝነዝሕዎ ዘለዉ ፈጠራዊ ሐሶት ታሪክ ቤተ ክርስቲያን ዘይተመልከቱ ሕንከት ዘይብሎም ኢዮም።

ኦ/ተ/ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብክርስቶስ ደም ተመሥሪታ ብሐዋርያት ስብከት ናብ ዓለም ዝተባፀሐት በቶም ዐቃብያነ እምነት አበው ሊቃውንት ብመንፈስ ቅዱስ እናተመርሐ ዶግማውን ቀኖናውን ትሕዝቶኣ ነጊሮም ብምስትምሃር ናብ ወለዶ ክትሰጋር ዝገበርዋ ቅንዕቲ ሃይማኖት እምበር ብመለካውያን ንጉሣውያን ዝተዓብለለት ሥጋውያን ነገሥታት ዘቕረብዎ አስተምሮ ተቐቢላ ኣይትፈልጥን፤ክትኸውን እውን  አይትኽእል።

በዚ አጋጣሚ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር እንተሃለወ ሓደሓደ ገድላትን ድርሳናትን ብገለ ሰባት እናተሓተሙ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ናብ ሊቃውንት ጉባኤ አቅሪባ ዘየመርመረቶም ዝተሓተሙ ላዕላዮም ዝኾነ ይኹን ስእሊ ይሃልዎም ኦ// ቤተ ክርስቲያን ሓላፍነት ክትወስደሎም አይትኽእልን። 

ስለዚ መንፈሳውያን መጻሕፍቲ ንምዕጻግ አብ እንሓስበሉ ብሊቃውንት ጉባኤ ተራእዮም ዝተመርመሩ፣ናይቶም ሊቃውንቲ ቃለ ጉባኤን ፊርማ ዝዓረፈሉ መሰነይታ ዘለዎም፣ ቅዱስ መጽሓፍ መሰረት ዝገበሩ ምዃኖም ምሉእ ፍቃድ ከምዘለዎም ብምርግጋፅ ክንጥቀም ከምዘለና ክነተሓሳስብ ንፈቱ፡፡፡ 

እዚ ኣብላዕሊ ዝረአናዮ ከምዘለዎ ኮይኑ ኣብ ሓደ ሓደ ገድላትን ድርሳናትን ወይ ካብ ናይ ደገ ቋንቋ ዝተተርጎሙ መፃሕፍቲ ከምዝገልፅዎ ንሓደ ፍፃመ በየናይ ዘመን ከምዝኾነ ብቑፅሪ ወይ ብእዋኑ ብዝነበረ ንጉሥ ምቑጻር ዝተለመደ ከምዝኾነ እናተተረከ ከምዝንገር ናይ ሥነ ፅሑፍ ጠባይ ኢዩ፡፡እዚ እንትኸውን ከሎ እቲ መፅሓፍ ካሊእ እቶም ሰባት ካልኦት ዘይጋነዩ ምዃኖም ምረዳእ የድሊ፡፡ 

ንኣብነት ክኾነና ይትረፍ አብ ቅዱስ መፅሓፍ ስሙ ክጥቀስ ብወግዒ እኳ ስሙ ክልዓል ዘይግብኦ ክፉእ ታሪክ ዘለዎ ልዕሊ 144000/ሓደ ምኢትን ኣርብዓን አርባዕተን ሽሕ ህፃናት ንህላወ ንግሥንኡ ክብል ዘጨፍጨፈ ሄሮድስ ብዘመኑ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዝተወለደ ንምዝንታው ቅዱስ ማቴዎስ አብ ወንጌሉ “ወተወሊዶ እግዚእ ኢየሱስ በቤተ ልሔም ዘይሁዳ በመዋዕለ ሄሮድስ ንጉሥ” ትግርኛ ኢሉ ጠቒስዎ ንረኽቦ፡፡ማቴ 2፡1፡፡ 

እዚ ምባል ዘድለየና ምኽንያት ማርያም ዘይትፈልጦ ተኣምረ ማርያም አብ መበል 14ክ/ዘመን ብዘርዐ ያዕቆብ ዝተፃሕፈ ዳሕረዋይ ድርሰት ኢዩ እናበሉ አብ መበል 6ይ ክ/ዘመን ብዝነበሩ ለቃውንት ብመንፈስ ቅዱስ እናተመርሑ ዝተደረሱ ተኣምራት፣ ወዳሴታት፣ ቅዳሴያት ከምዘይነበሩ ብምምሳል ብኩሉ መንገዶም ናብታ ናይ ባዕሎም ፀረ ቅድስና ንምእታው 

ዝነዝሕዎ ምድንጋር ከምዝኾነ ንምርዳእ ያድሊ፡፡ 

7.ናይ ድንግል ማርያም ክብርን ልመናን ቃል ኪዳንን 

  • ኦ/ተ/ቅደስት ቤተ ክርስቲያን ንቅድስት ድንግል ማርያም ካብ እግዚአብሔር ዝተውሃባ ክብሪ ትሕቲ ፈጣሪ ልዕሊ ፍጡራን ከምዝኾነ ትኣምን።ሉቃ.1፣28-35/48፡፡ 
  • ብሕይወተ ሥጋ እናሃለወት ቀዋሚ ናይ ምሕረት ኪዳን /ኪዳነ ምሕረት/ከምዝተውሃባ ትኣምን ብጸሎታውን ከምእተምሕር ትኣመን ዮሐ.2፣1-5፡፡ዮሐ.19፣26፡፡ማቴ.10፣41- 42፡፡መዝ.88፣3፡፡ 
ክብሪ ቅዱስ መስቀል 

ቅዱስ መስቀል ብጎይታና መድሓኒና ክቡር ደም ዝተቀደሰ፣ናይ ደቂ ሰባት ሰላም ዝተአወጀሉ ቅዱስ ምስዋዕ ስለ ዝኾነ ብዘለዎ ሓይሊ ረድኤት ኦ/ተ/ ቤተ ክርስቲያን ንቅዱስ መስቀል መመክሒኣ፣ምልክታ፣ምስክር ክርስትናኣ ገይራ ትጥቀሞ ኢያ፡፡ አፌ 2፣15-17/26፡፡ገላ.6፣14፡፡1ይ ቆሮ.1፣18፡፡መዝ.131.7፡፡ኤፌ.2፣26፡ 

ናይ ቅዱሳን ቃል ኪዳንን ጸሎትን 

ቅዱሳን ብመሠረት ሕጊ እግዚአብሔር ፀኒዖም አብዚ ዓለም ብዝገበርዎ ገድልን ሰማዕትነትን ካብ እግዚአብሔር ሞገስ /ቅቡልነት/ ስለዝረኸቡ ብልመነኦም ዝተማሕፀነ ዋግኡ ከምዘይስእን ቃል ኪዳን ካብ እግዚአብሔር ተዋሂብዎም ኢዩ፡፡ማቴ.10፣41-42፡፡ቅዱሳን አብዚ ዓለም ጥራሕ ከይኮነስ አብ አፀደ ነፍስ እንተለዉውን እቲ ዝተውሃቦም ቃል ኪዳን ፅኑዕ ኢዩ። መዝ.88.3፡፡ማቴ.19፣28፡፡ማቴ.11፣11።ሉቃ.20፣37-40፡፡መዝ 111፣ 3። 

8. ኦ// ቤተ ክርስቲያን ሰብ ብቋንቁኡ ከይመሃር ገይራ ኢያ፡፡ 

አብዚ ነጥቢ ዝልዓለ ሓሳባት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን አብ ምድኻም ቋንቋ ትግርኛ ተሳቲፋ ኢያ፤ ሰብ ብቋንቁኡ ከይመሃር ትገብር ኢያ ዝብሉ ኮይኖም እዞም ካብ ቤት ክርስቲያን ምንቃፍ ዘይዓርፉ መንገዲ ሓቂ ዝተሰወሮም ሕሊና ይወቕሰና ኢዩ ኢሎም ዘይሓስቡ ኢዮም፡፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ቋንቋ ትዕቅብ እምበር ቋንቋ አይተጥፍእን፡፡ብዙሓት ሰልጠና በሃልቲ ንቲ መሰረት ቋንቋ ኢትዮጵያ ዝኾነ ልሳነ ግእዝ ናብ ደባትር ቋንቋ እናበሉ እንተቃልልዎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንት ግን ቋንቋ ግእዝ ይጥፋ ወይ አየድልን ማለት ጥንታዊ ተሪክናን ሥልጣነን ቋንቋ ትግርኛን ይጥፋእ ማለት ከምዝኾነ ብዕምቆት ተረዲኦም ቋንቋ ግእዝ ምስ ዜማ ቅዱስ ያሬድ ዓቂቦም ዘመናት ብምስጋር ነዚ ትውልዲ ኣብፂሖምሉ ኢዮም፡፡ነዚ ከምዚ ዝኣምሰለ ታሪክ ምዕቃብ ሃገር ቦቆል ሃፍቲ ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን ቤተ መዘክር ቋንቋ ከምዝኾነት ተፈሊጣ ክትምስገን እምበር ክትንቀፍ አይግባእን፡፡ ቅዱሳት መጻሕፍቲውን ሰብ ብቋንቋኡ ክመሃር ኢየን ዝእዝዛ፡፡1ይ ቆሮ 14፣5- 11፡፡/ወተናገራ በነገረ ብሔራ ቅ.የሬድ መዋሥ ዘትስብእት/  እዙይ ከምዚ እናሃለወ  ብገዛእቲ ሸዋ አብልዕሊ ህዝብን ቤተ ክርስቲያንን ትግራይ ናይ ቋንቋኡ ጭቆና ከምዝነበረ ዘይርሳዕ ታሪክ ኢዩ፡፡ 

9.ቅድስት ቤተ ክርስቲያን እምበር ቅድስት ሃገር እትብሃል የላን ምኽንያቱ ቅድስት ሃገር እትብሃል ኩሉ ነባራይ ከምቶም ህዝበ እሥራኤል አብ ዘመነ ኦሪት እግዚአብሔር ዘምልኽ እንተኾይኑ ኢዩ፡፡ንዝብል መልሲ 

ብመሰረቱ እግዚአብሔር ዝፈጠራ ምድሪ ቅድስቲ ኢያ፡፡ ምድሪ ንቶም ካብ ሕግን ትእዛዝን እግዚአብሔር ወፂኦም ኣብልዕሊኣ ርኩሰት ዝፍፅሙ ትከሶም ኢያ፡፡ ስለዚ ቅድስት ሃገረ ትግራይ ዝብሉ ንሰምዕለና ትግራይ ቅድስት ክትብሃል የብላን ወዘተ…እናበሉ ኩለንተና ዘረበኦም ተቓውሞ ስለዝኾነ እምበር ልዕሊ ሰለስተ ሺሕ ዓመት አምልኮተ እግዚአብሔር ዘይተፈለያ ሀገርና ብአፃብዕቲ እግዚአብሔር ዝተፃሕፈ ናይ ቃል ኪዳን ፅላት ዘለዋ ቅድስት ታቦተ ፅዮን ዘለዋ ዓድና ቅድስት ኢያ፡፡ ብተወሳኺውን ስመ አግዚአብሔር ዝጽውዐሉ አምልኮተ እግዚአብሔር ዝፍጸመሉ ዓዲ ቅዱስ ኢዩ፡፡መዝ.23፣1፡፡ኢሳ48፣2፡፡ 

10.ካህናተ ደብተራ ዝብሃሉ ምስ ንጉሳት እናተመሳጠሩ ዝፈጠርዎ ዘይክርስቲያናዊ ሥርዓታትን ድርሰታትን አታአታቲዋ ከምመስርሕ ትጥቀም ስለዘላ ናብቲ ጥንታዊ ሥርዓት ሃይማኖት ክምትምለስ ኣለዋ፡፡ 

እዞም ንባዕሎም ሕጊ ዘይብሎም ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ዝነቕፉ ወገናት አብገድላትን ድርሳናትን ናይ ንጉሣት ቅልብተኛታት ካህናተ ደብተራ ዝፀሓፍዎም ኢዮም እምበር ቅቡላት አይኮኑን ዝብል መዛብዒ ሓሳብ ብምስራዕ ንቲ ማሕበረ-ሰብ ንምድንጋር ዝጥቀሙሉ መሰረተ ሓሳብ ብመሰረቱ አብ ፅልኣት ክብሪ ቅዱሳን ዝተመርኮሰ ኢዩ፡፡ ኮይኑ ግን አዋልድ መጻሕፍቲ ማለት ትርጉሙ ብኣንስታይ ጾታ ዝጽውዑ ካብ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ዝተወሰዱ፣ተውጻእጺኦም ዝተጸሓፉ ናይ ሊቃውንቲ መጻሕፍቲ እዮም::እዚ ማለት አዋልድ መጻሕፍቲ ብቕርጾም ኮነ ብትሕዝቶኦም ዐሥራው ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝመስለን ካብ ፍልፍል ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝተቐድሑን እዮም:: 

ብአገላልፃ ሊቃውንቲ ቤተክርስቲያንና መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ንባብ፣መጻሕፍቲ ሓዲስ ኪዳን ትርጉም እንትኾኑ አዋልድ መጻሕፍቲ (መጻሕፍቲ ሊቃውንቲ) ድማ መብራህርሂ ብሉይን ሓዲስን ኪዳን እዮም:: 

አዋልድ መጻሕፍቲ ተልእኾ፣ውዕለታ፣ክብሪን ቅድስናን ቅዱሳን መላእኽቲ፤በረከት ገድሎም፡ ቅድስነኦም፣ጸጋኦምን ካብ ፈጣሪኦም ዝተቐበልዎ ቃል ኪዳን ናይ ጻድቃንን ሰማእታትን ብሰፊሑ ዘመላኽትን፤ንኻልእ ድማ ጽቡቕ ምሳሌነት ብቐሊሉ ዘረድኡ መጻሕፍቲ እዮም፡፡ ተስፋ ምእንቲ ክንረክብ፣ እቲ ዝተጸሐፈ ዘበለ ኹሉ ንትምህርትና እዩ ዝተጻሕፈ” ዝበሎ ነዚ እዩ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “በቲ ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝርከብ ትዕግስትን ምጽንዕናን ::” /ሮሜ 15:4/ 

አዋልድ መጻሕፍቲ ስለሃይማኖትን ስለመንፈሣዊ ምግባርን ዘለዎም ርእይቶ ዝገልጹ መጽሐፍ ቅዱስ መሰረት ዝገበሩ ፣ገሊኦም ድማ አብ መጽሐፍ ቅዱስ ውሽጢ ዝሓጸረ ንባብ ብምንዋሕ፣ዝረቐቐ ምስጢሩ ብምብርህራህን ብግልጺ ብምርዳእን ዝተጸሓፉ፣አብ መጽሐፍ ቅዱስ ዘሎ ጥረ ንባብን ዝተመሰለ ምሳሌን ተርጒሞም ዝተጠቐሰ አብራህሪሆም ዝሓዙ ብብዙሕ ዝቑጸሩ መጻሕፍቲ እዮም:: ስለዚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ 81 ቅዱሳት መጻሕፍቲ መሰረተ ሓሳብ ዝወጹ “አዋልድ”መጻሕፍቲ “አዋልድ መጻሕፍቲ የብላን ንቕድሚት እውን አይህልዋን::1ይ ቆሮ 16፣26 

እዚ ከምዚ እናሃለወ እቶም ተቃራኒ አስተምህሮ ኦ/ተ/ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም መናፍቃን መጻሕፍቲ አብ ሠለስተ ይኸፈላ ኢሎም ፡-ቅዱሳት መፃሕፍቲ፣አዋልድ መጻሕፍቲ ፣አንደባራ/ዲቓላ/ መጻሕፍቲ ይብሃላ ዝበልዎ ምናልባት እቲ ኣብ መበል ሳልሳይ ዘልዓልዎ ንሶም ዝክተልዎን ዝአምንዎን ናይ ምዕራባውያን አተሓሳስባ ዝሃቦም ክኸውን ይኽእል እምበር ቅድስት ቤተ ክርስቲያንስ ካብ አሥራውን አዋልድን ዝተፈለየ ካሊእ ዝተዳቐለ እትጥቀሞ ነገር የለን፡፡ 

11.ናይ ቤተ ክህነት ሰባት ምሁራን አይኮኑን ኢዮም ፡፡ንዝብል ክሲ 

ብርክት ዝበለ ናይ መድረኽን ሚድያን ዕድል ዝገጠሞም ሰባት ጭብጢ ዘለዎን ዘይብሉን ስለዝተዛረቡ ብዘይ ንሶም ሰብ ዘሎ ኮይኑ አይስምዖምን ።እዚ እቲ ሓደገኛ ኣታሓሳስባ ኢዩ፡፡ካብዚ ዝብገሱ ፍልጦ ዘይብሎም ካብዝሓዝዎም ተግባራት ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾኑ ምቅላል ኢዩ፡፡ እዚ ንምንታይ መናፍቃን እቲ ትልምና ኢሎም ክጥቀምሉ ይኽእሉ ኢልና እንትንሓስቦ በቲ ከዱ በቲ እታ ዋና ሓሳቦም እምነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ምፍራስን ምፍራስን ጥራሕ ኢያ፡፡ 

ካብ ኣዲኣያ ተወሊዳስ ነዲኣ ሕርሲ ተምህራ” ከምዝብሃል ካብሊቃውንትና አፎም ዝኸፈቱ አካላት ካብወሰን ፍልጠት ዝተመለሱ ምሉእ ዓቅሚ ዘይብሎም ደፋራት ንቶም ሊቃውንት ቤተ ክርስቲያን ንምግምጋም ዓቕሚ የብሎምን፡፡ኮይኑ ግን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ዘለውዋ ሊቃውንቲ ብሞዮኦም ዘይሕመዩ እኳዳኣስ ንቲ ሞይኦም ብትሕትና መንፈስ ዘይተምሃሩ መሲሎም ትሕት ኢሎም ስለዝነብሩ እንተዘይኮይኑ ብዘይ ምንም መሳርሒ ብሉያትን ሓዲሳትን፣መጻሕፍቲ ለቃውንትን ኣብ ሓንጎሎም ተሸኪሞም ንባብ ምስ ምሥጢሩ፣ ሓሳበ አዝማናት ምስ ሥነ ቀመሩ፣ዜማ ምስ ምልክቱ ዝተሸከሙ ዘይተነበበ ማኅደር መዛግብቲ ኢዮም እምበር በሪ ሊቃውን-ቤተ ክርስቲያን ብዘይረኣዩ ኣካላት ዝግምገሙ አይኮኑን፡፡ 

ብተወሳኺውን ወለዶ ክፈልጦ ዝግባእ ናይ ትማሊ ሓቃዊ ታሪክ ኣብ ምቅራፅ ሕገ መንግሥትን ሥርዓተ ትምህርትን እቲ ዝዓበየ ግደ ወሲዶም ንማሕበረ-ሰብ ዓለም ዘበርከቱ ናይ ቤተ ክህነት ምሁራን ኢዮም፡፡ምክንያቱ ጉዕዞ ሥልጣነ ሃገርና ዓቅሚ ምሁራን ቤተ ክህነት  ዝገበረ እምበር አብዚ ዓዲ ዝማዕበለ ዘመናዊ ትምህርቲ ዝአተየ አይነበረን፡፡ 

12.አሥራው ወይ ጉንዲታት መጻሕፍቲ 66 ኢየን ቑፅረን ፡፡ንዝብል መልሲ 

ቅዱስ መጽሓፍ ናይ እግዚአብሔር መንፈስ ብዝመርሖም ብዙሓት ነቢያትን ሓዋርያትን ዝተፃሕፈ ካብ መጻሕፍቲ ሙሴ እስካብ መጻሕፍቲ ሐዋርያት ዝተጠቓለልሉ ዝመን እንትንርኢ ልዕሊ 1500 ዓመታት አለውዎ፡፡እዚኦም ከምዚ ሐዚ እንሪኦ ዘለና አብ ሓደ ከይኮነስ በብጥራዞም ነንበይቶም ተሰኒዶም ከከም አርእሰቶም ተትሒዞም እስካብ 4ይ /ዘመን ፀኒሖም ኢዮም፡፡ 

አብቲ 4ይ ክ/ዘመን ንቅዱሳት መጻሕፍቲ ተመሳሲሎም ብግኖስቲካውያን እናተፃሕፉ ናብ ህዝቢ ይብተኑ ስለ ዝነበሩ እቶም አምላካውያን መጻሕፍቲ በመንፈስ ቅዱስ መሪሕነት ዝተፃሕፉ ንከይብረዙ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንት ብ325 ዓ/ም ካብ ሚያዝያ 21- እስካብ ሕዳር 9 አብ ዝነበሮም ነዊሕ ጉባኤ ንቅዱሳት መጻሕፍቲ አርእስቲ፣ ከምኡ ውን ብንአሞንዮስ ምዕራፍ፣ ቑፅሪ አንቢሮም ናይ ቅዱስ ወንጌል ዘርኢ ከይተረፈ ቆፂሮም መጻሕፍቲ ነቢያትን ሐዋርያትን ዝኾኑ 81 ከምዝኾነ እዚ አብ ሓደ ጥራዝ ኮይኖም ብመሰረት አስተምህሮ ቅዱስ ጳውሎስ 2ይ ጢሞ 3፣15-16፡፡ ቅዱስ መጽሓፍ ከምዝብሃል በቲ ጉባኤ ውሳነ አብ ፍትሕ መንፈሳዊ ዓንቀጽ 2 ተደንጊጎም ይርከቡ፡፡ በዚ መሰረት ናይ ኢትዮጵያ ጥንታዊ መንበር መንበረ ሰላማ ቅድስት አክሱም ሊቃውንት ነቶም መጻሕፍቲ ብሉያት ካብ ቋንቋ እብራይስጥ፣ሓዲሳት ድማ ካብ ቋንቋ ግሪክ ናብ ልሳነ ግእዝ ተርጒሞም ዘፅንሕዎም እምበር ካብ ካሊእ ዝተአታተዉ አይኮኑን፡፡ 

እዚ ከምዚ ኮይኑ እቶም አብ7ይን 8ይን ክ/ዘመን ወራር አረማውያን ዘጋጠሞም ምዕራባውያን መጻሕፍቶም ብዝግባእ አይጠርነፉን፡፡ ኣብ ዳሕራይ እዋን ከካብ ዓዱ መጻሕፍቲ እንተተኣኻኸቡ ንተን 66 ጥራሕ ረኺቦሞን በዚድማ አብ ናይ ቑፅሪ ጥራዝ ቅዱስ መጽሓፍ አፈላላይ ከጋጥም ክኢሉ ኢዩ፡፡ንአብነት ናይዘን አኀት አብያተ ክርስቲያናት ዝበሀላ እንትንርኢ ኩለን ልዕሊ 70 ፣80 ዝርዝር ቑፅሪ ዘለዎን ኢየን፡፡ስለዚ ኣብምጥራዝ ዘጋጠመ አፈላላይ እምበር ዳሕረዋይ ድርሰት አብ ቅዱስ መጽሓፍ ከምዘየለ ምርዳእ ያድሊ።ነዚ ዘይተቐበለ ድማ ጀርመናዊ ፀረ ተዋሕዶ ክርስትና ማርቲን ሉተር ኢዩ፡፡እቶም ሐዚ ብ66 ቁፅሪ ዝጫወቱ ዘለዉ ንሌትር ናይ ግብሪ ደቁ ኢዮም፡፡ብተወሳኺውን ንቲ መጽሓፍ ዝብሎ ዘይተቀበሉ ሐዋርያዊ እምነት ዘይብሎም ምዃኖም ኢዩ እምበር ካብቶም ዘይቅበልዎም መጻሕፍቲ “መጽሐፈ ሄኖክ”ጥንታዊ ከምዝኾነ ኣብ መልእኸቲ ይሁዳ ሓው ያዕቆብ ቑፅሪ 14፡- “በከመ ተነበየ ሄኖክ” ኢሉ ስለ ነገረ ምጽአቱ ሄኖክ ከምዝተነበየ ብምግላጽ ዝተናገሮ እቲ መጽሐፈ ሄኖክ ካብ ዘመነ ብሉይ ናብዘመነ ሓዲስ ተሰጋጊሩ አብ ኢድ ሐዋርያት ከምዝአተወ የረድእ፡፡ ማቴ.27፣9።1ይ ቆሮ.2፣9።(1ይ መቃ.14፣20) 

እዚ ከምዚ እናሃለወ ነገራት ብምትሕሓዝ ተአምረ ማርያም ምስ ዘርዐያዕቆብ ፣81 ዝርርዝር ዘለዎ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ማሕበረ ቅዱሳን ምትሕሓዝ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ እዚ ንምግባር ዓቅሚ ዘይብሎም ሰባት እናጠቐስካ መዓር ብመርዚ ምቕባእ ኮይኑ ኢዩ ዝርአ።አብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ዝረዝራት ናይ ኦ/ተ/ ቤተ ክርስቲያን ለቃውንት ወንበር ዘርጊሖም እናስተምሃርዎም ዝመጹ እምበር ብሓደ ሓደ ማሕበር ዝስነዱ አይኮኑን፡፡ 

ብመሰረቱ እውን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብመንፈስ ቅዱስ እትምራሕ ሓንቲ ጉባኤ ሐዋርያት ኢያ እምበር ብማሕበር ብጉጅለ እትመሓደር አይኮነትን፡፡ እቲ እስካብ ሐዚ እናተገበረ ዝመፀ ናይ መንፈሳውያን ማሕበራት ምብዛሕ ውስጠ ፖለቲካ እምበር ንቤተ ክርስቲያን ዝጠቅም አይኮነን፡፡ 

እቲ ሓቂ ክግሃድ ምእንታን ግን ኦ/ተ/ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምስ ምዕራባውያን ዝሓዝዎ መጽሓፍ ቅዱስ ብቑፅሪ ጥራሕ ዘይኮነስ እንኮላይ ብአገላልፃ ምሥጢር አይትስማዕማዕን፡፡ እዚ ስለዝኾነ ንቅድሚትውን ናይ ትግራይ ኦ/ተ/ ቤተ ክርስቲያን እቶም ብልሳነ ግእዝ ዝተፃሕፉ ናይ ጥንቲ መጻሕፍቲ ተወኪሳ /መሰረት ገይራ/ ከከም ማሕበረ-ሰቡ ቋንቋ ብጥንቃቀ እናተርጎመት ኦርቶዶክሳዊ ተዋሕዶ ትሐዝቶ ዘለዎም መፃሕፍቲ ክተዳሉ ከምትኽእል ክንሕብር ንፎቱ፡፡ ድሕሪ ሐዚ አብመሰልጠኒ ካህናትን አብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ዝወሃቡ ናይ መንፈሳዊ ትምህርቲ መጻሕፍቲ ካብብመንበረ ሰላማ ጀሚሩ አእስካብ ኩለን አህጉረ ስብከት ትግራይ ብዝርከብ ጉባኤ ሊቃውንት ትሕዝትኦም ብቅዱስ መጽሓፍ መሰረት እናተመርመሩ ብትግርኛን ግእዝን ክዳለዉ ይግባእ፡፡ እዚ ድማ ግደ አብውሽጥን ደገን ዘለኹም ሊቃውንት ትግራይ ይኸውን፡፡ንዚ ዘድሊ ንምሕጋዝውን ኩሉ ኦርቶዶክሳዊ ትግራይን ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ እምነት እትኸተላ አሕዋት አብያተ ክርስቲያናትን ዘድሊ ሓገዝ ክትገብሩ መልእኽትና ነመሓላልፍ፡፡ 

መጠቓለሊ፡፡ 

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኦርቶዶክሳውያን እዚ ወቕታዊ ግብረ መልሲ ክንህብ ዝተልዓልናሉ 

ምኽንያት፡- 

  1. ናይ ሚድያ ነፃነት ተጠቒሞም ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተደንገገ ናይ ሃይማኖት ክብሪ እንተየኸበሩ ንታ ቅድስትኦ/ተ/ ቤተ ክርስቲያን ስማ እናፀርሑ አብ መድረኽ ዓለም ክነቅፉዋን ብዘይስማ ክፅውዕዋን ብተደጋጋሚ ስለዝተኸታተልናዮም ግዜ ተጠቒሞም ውሽጣዊ መናፍቅነቶም ንምዝራእ ብዝተፈላለዩ ሚድያታትን ዕሑፋትን ከምዘለዉ ምሉእ መረዳእታ ሒዝና ስለ ዘረጋገፅና ነቲ መሰረት ዘይብሉ ሓሳቦም ውድቂ ንምግባርን እቲ ውሽጦም ግልፂ ንምግባርን ኢዩ፡፡ 
  2. እቲ ዘይተአረመ ንቤተ ክርስቲያን ዘይገልፃ ፀለመ ካብ ዝተዘረበሉ ግዜ ጀሚርኩም መንፈሳዊ ቅንዓት ሓዲርኩም ብዝተፈላለዩ ሓሳብን አስተምህሮን እናተሳተፍኩም _ ዝፀናሕኹም ምእመናን ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነመስግን ! ንቐፃሊውን ብዝበለፀ አብ እምነትና ንዝልዓል ዝኾነ ተቓራኒ ነገር ወቕታዊ ክትትል ክትገብሩ እንክርዳድ ካብስርናይ ፈሊኹም ክትሪኡ ንፅውዕ፡፡ 
  3. ናይ መራኸብቲ ሓፋሽ ሰብ ሞያ እቲ ናይ ሚድያ ነፃነት ሕልው ኮይኑ ነገር ግን ዓርሞ /ወሰን/ ጥሒሶም ናይ ሃይማኖት ክብሪ ክነቕፉ ሓሳብ ንዝህቡ ሰባት እቲ ሓሳብ ኣብ አየር ድሕሪ ምውዓሉ አብቲ ንዘመናት ተኸባቢሩ ዝፀነሐ ሕብረተ-ሰበና ዝፍጠር ምንጋዕ ሰላምን ሓድነትን አብ ግምት ኣእቲኹም ኣቀዲምኩም ሞያኹም ብኣግባቡ ክትዋፅኡ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነተሓሳስብ፡፡ 

ተፈጸመ፡፡ 

ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ እምነትና ንዘለኣልም ትንበር 

ስብሐት ለእግዚአብሔር 

ክብርን ምስጋናን ንወላዲተ አምላክ ድንግልማርያምን ኩሎም ቅዱሳንን። 

መጋቢት 13/2015 ዓ/ም፡፡ መቐለ፡፡

Continue Reading
4 Comments

4 Comments

  1. Awot H

    April 22, 2023 at 4:46 am

    ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ አንቢበዮ ግና ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ዛዕባን ንህዝብና ዝበፅሖ ማህሰይትን ዘነኣእስ እምበር ዝድግፍ ወይ ድማ ናይታ ቤተክርስትያን ቅዋም ዝመስል ነገር ይብሉን፤ ኣይረአኸሉን።
    ብስሩ ናይቲ ፅሑፍ ዋና ጭብጢ ‘ውንስ ነቲ አብ ልዕሊ ቤተክርስትያናት ንዝበፅሑ ናይ ናውትን ህዝብን ማህለቕቲ ምድፋን ድዩስ ነቲ ናይ ኢትዮጵያ ደፋትርን ኣቅሽቲ ኢና በሃልቲ መላኸዖ ሽፋን ምሃብ እዩ?
    ብስሩ ዋና ዕላማ ናይ’ዚ ፅሑፍ ብኤዲቶርያል ፖሊሲ ትግሓት’ከ ከመይ ይርአ??

  2. ሃይለሚካኤል

    April 21, 2023 at 4:42 pm

    ምስቲ ናይ ትግራይ ኦርቶዶክሳዊት እዋናዊ ኣይካይዳ ዝቃዶ ሓሳብ የብሉን እቲ ጽሑፍ። እሰቲ መርምሩ!

  3. ኪዳነ

    April 20, 2023 at 6:56 pm

    ብኦርቶዶክስ ትግራይ ስም ዝቕልዱ ትግርኛ ዝዛረቡ ሞትን ህልቂትን ትግራዋይ ዝድግፉ ጸሓፍቲ ዝጸሓፉዎ ናይ ባንዳታት ጽሑፍ ኽኾን ተስፋ ይገብር::

    • Awot H

      April 22, 2023 at 4:47 am

      ተዝኾንስ እነ ‘ውን ተመንየ።

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT