Connect with us

ርእይቶ

ፅልዋ ቃላሚኖ ኣብ ሂወተይ

Published

on

መብርሂ ኣርታዒ፦ “ቀላሚኖ ልኣኻ/ኺ እንታይ ነይራ?” ዝይብል መሕትት ኣውፂእና ነይርና። ሓደ መልሲ ዙ ዝይስዕብ እዩ።


ሓጐስ ሙላው ገብረ 

ተምሃራይ ሓምሻይ ክፍሊ ኰይነ፡ ኣብ እግሪ ፅላል ዓባይ ዓውሒ ኰፍ ኢለ ሬድዮ እናዳመፅኩ እየ። ሃንደበት ሓደ ግሩም ዜና ኣብ ኣእዛነይ ኣቃጨለ። ዜና  ቃላሚኖ። ድሕሪ ብሄራዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ነንፉዓት ተምሃሮ ትግራይ ተቐቢላ ብ ብቕዓት ዝትምህርን ን ውድድር ዓለም ዝተብቅዕን ቃላሚኖ ዝትብሃል ቤት ትምህርቲ   ምህላዋ ብ ዜና ሰማዕኹ። ᎄኽሪ እዝነይ ብ ምንባሩ ታሕጓሰይ ደረት ኣይነበሮን። ዙይ ታሕጓስ ናብ ዘካፍሎም ስድራይ ከይደ ን ወለደይ ኵሉ ዝሰማዕኹዎ ነገርኩዎም። ንሶም እውን ነገሩ ኣግሪሙሎም ወዶም ተቛዳሲ ቱ ተኣምር ክእዀን ኣፀቢቖም ተመነዩለይ። ሽዑ ኣብ መንጎና ሓደ ኪዳን ተኣስረ። ኣነ ግቡአይ ኵሉ ክእገብር፥ ወለደይ ውን ንኣይ ዝየድልዩኒ ናውቲ ክየቕርቡ ተስማዕማዕና። 

ካብ ዙ ዕለት ጀሚሩ ስም ቃላሚኖ ኣብ ገዛናን ዓድናን ረዚን ፅላሎቱ ኣንበረ። ብ ዝዀነ ይዅን ተኣምር ካብ ዙይ ጕዳይ ክእተርፍ ከም ዘየብለይ ን ውሽጠይ ኣእመንኩዎ። ኵሉ ዕለታዊ ፃዕረይ ብ ዙ ቓነይኩዎ። ን መምህራነይ ብ ዛዕባ ዙ እንተውግዖም ን ፃዕረይ ኣድኒቖም ኣብ ዝኣተዉዎ ክፍሊ ከም መልዓዓሊ እናተጠቐሙሉ ኣብ ብዙሕ ተምሃራይ ባህጊ ፈጠሩ። ዋላ ኳ ካብ ፈለምኡ ኣብ ታ እምሃረላ ዝነበርኩ ቤት ትምህርቲ ካብ ቶም ዝነፍዑ እምደብ እንተ ነበርኩ፡  ድሕሪ ዜና ቃላሚኖ ምስምዐይ ግና ፀብለልታይ ክይዛይድ ጀመረ። ርኡይ ፍረታት እውን ኣብ ባይታ ከምፅእ ጀሚረ። ድሕሪ ሰለስተ ብ ሽልማትን ኣድናቖትን ዝተዓጀቡ ዓማውቲ ብሄራዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ወሰድኩ። ብ ልዑል ነጥቢ ን ፈተና መእተዊ ቃላሚኖ በቓዕኹ። ኣብ መባእታ መስከረም ሓዱሽ ብ ስራት መፅአ፦ ስመይ ኣብ ዝርዝር ቶም ውሑዳት ዝሓለፉ ተፀርሐ። ሽዑ ን ዝነበረ ታሕጓስ ን ምግላፅ፡  ዝተፈጥሩ ቃላት ዝይህልዉ ኣይይመስለንን። ልዕሊ ታሕጓስ ሰንበድኩ። 

ናብ ቃላሚኖ ምሕላፈይ እንትእሰምዕ ኣብ ሂወተይ ሓደ ዓብዪ ናይ ለውጢ ምዕራፍ ከም ዝሰገርኩ ኰይኑ ተሰምዐኒ። ብ ርግፅ እውን ከምኡ እዩ። ናብ ቃላሚኖ ምሕላፍ ንኣይ ካብ ሓንቲ ብ ሕፅረት ሓበሬታ ዝተቘለፈት መንደር ወፂእኻ ኣስሊዅካ ናብ መላእ ዓለም ዝተመዓድወላ መስኰት ከም ምቕልቃል እዩ። 

ኣብ ቃላሚኖ ኣትየ ግን ክልተ ነገር ተዓዚበ። ፈለማ ክእኣትው እንተ ኣለኹ ብ ለምለም ዝተዓጀቡ በርታት ቃላሚኖ እንትይቕበሉኒ ናብ ካልእ ዓለም እኣትው ከም ዘለኹ እዩ ዝተሰምዐኒ።  ቶም ኣብ እዋን ትምርህቲ ምስ መፃሕፍትን ኣብያተ ፈተነን ዝተዋሰቡ፥ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ድማ ብ ፍቕሪ ከም ኣብታይ ዝቝንድዩ ሰገናታ ምስቶም ፍሉይ ባህታ ዝይፈጥሩ ዕምበባታታ መልኪዖም እንትእርእዮም ብሓቂ ናብ ካልእ ዓለም ዝተሓወስኩ ኰይኑ ተሰምዐኒ። ኵሉ ተምሃራይ ኣብ ልቡ ኣነ ዘኢእፈልጣ ካልእ ትግራይ ኣንቢሩ ተርኣየኒ። ኵሉ ፅባሕ ንሱ ምስ ተምሃረ ን ዝየዕብያ ትግራይ እናሓሰበ ኣብ በቢ ኣብያተ ፈተነ ላሕ እናበለ እርእይ። ኣባል ዙ ማሕበረ ሰብ ምዃን ድማ ልዕሊ ዕድሎት እዩ። 

ኣብ ውሽጢ ምስ ኣተውኩ ግና ቱ ቅድመይ ዝነበረ ግኑን ናይ ቴክኖሎጂ ቀረባትን ንጥፈታትን እናቐነሰ ዝኸደሉ ምንቁልቋል ርእየ። ዋላ እኳ ኣብቲ ኣነ ዝነበርኩሉ እዋን ዝሕየሸ እንተ ነበረ ድሕሪኡ ግና እናቐነሰ ከይዱ። ዝነበራ ኮምፒተራት እናተበላሸዋ፥ እናወሓዳ፤ በቢ እዋኑ ካብ ፈተውትን ነባር ኣባላትን ይመፅኡ ዝነበሩ ደገፋት እናቐነሱ መፂኦም።

ኣብ ቃላሚኖ ኣብ ዝነበረኒ ፃንሒት ውሽጠይ ገለ ነገር እናነኽአኒ መፂኡ፦ ካብዚ ተማሂረ ምስ ወፃእኹ እቶም ብትሕተይ ዘለዉ ሰገናት ተምሃሮ ቃላሚኖ ዝይሕገዙሉ ባይታ ከጣጥሕ፥  ምስ ነባር ኣባላት ድማ ክእመክ ን ነፍሰይ ኪዳን ኣእሰርኩዋ።  “እዛ ቀፅሪ ናብ ሕልሚ ኣርኣያ ተመሊሳ ክትብርኽ ማ ኣለዋ!” እብል ደጋጊመ። ኣርኣያ ዘሪሁን ብ ኣካል እኳ እንተ ዘኢኣርከብኩሉ ን ቃላሚኖ ኣብ ጠርዚ ምዘና ትምህርቲ ዓለም በሪኻ፡  ምስ ብሉፃት ኣብያተ ትምህርቲ ዓለም ዝትወዳደር ቀፅሪ ኰይና ን ምርኣይ ይብህግ ከም ዝነበረ እዩ ዝፅንሐኒ። 


ሓጐስ ሙላው ገብረ ነበር ተምሃራይ ቃላሚኖን ተምሃራይ ኢቴመን እዩ። 

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT