Connect with us

ትዕዝብቲ

መመሊሳ ዝትጐድል ስድራ ቤት ኣድደይ ስላስ ዘኣድያቦ

Published

on

ስድራ ቤት ኣድደይ ስላስ ሰለስተ ግዜ እያ ጐዲላ። ብ ርግፅ ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብ ዘውረዶ ፅንተት ካብ ስድራ ቤት ኣድደይ ስላስ ን ላዕሊ ዝጐደለ ኢሉ እውን ምሉእ ን ምሉእ ዝፀነተ  ክይህልው ከም ዝይኽእል እሙን እዩ። እንተ ዀነ ግን ብ ዛዕባ ስድራ ቤት ኣድደይ ስላስ ክእፅሕፍ ዝመረፅኩሉ ምኽንያት ኵነታት ታ ስድራ  ብ ቐረባ ስለ ዝእፈልጦን ቶም ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣፅናቲኲናት ዝኣወጁ ሓይልታት ፅንተት ብ ብዙሕ መልክዕ ናይ ዓሌት ምፅናት መደብ ከም ዝነበሮም ዝየመልክት ክይዀን ስለ ዝይኽእል እዩ።

ብ ዕለት 21 ሚያዝያ 2013፡ ብ ዛዕባ ስድራ ቤት ኣድደይ ስላስ ቀዳማይ ክፋል  ፅሒፈ እየ። ኲናት ኣብ ልዕሌና ክይእወጅ ከሎ  ኣብ ሸራሮ እየ ነይረ። ብ ዕለት 02 ሕዳር 2013 ሓይልታት ፅንተት ን ከተማ ሸራሮ ተቘፃፂሮምዋ። ሓይልታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝሓንፀፁዎ ናይ  ምፅናት መደብ ኣብ ምትግባር ግዜ ኣየጥፍኡን። ልክዕ ሰዓት 8፡00 ድሕሪ ቀትሪ ከተማ ሸራሮ ምስ በፅሑ፡ ነቲ ብዙሕ ሸነኻት ዝነበሮ ናይ ምፅናት መደባቶም ኣብ ምጅማር ግዜ ኣየጥፍኡን።

እቲ ቀዳማይ ስጕምቲ ኰነ ኢልካ ናብ ሲቪላት ጥይት ብ ምትኳስ ከም ቈፅሊ ምርጋፍ እዩ ነይሩ። ስናይፐር፣ ከላሽንን ድሽቃን ብ ወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኰነ ኢልካ ናብ ንፁሃት ሰባት ተተኲሶም ኣብ ጐደናታት ሸራሮ ህይወት ብዙሓት ሰባት ከም ቈፅሊ ረገፈ። ኣነን ካልኦት ሸውዓተ ሰባትን ነቲ ከም በረድ ይዘንብ ዝነበረ ተዅሲ ከም ፊልሚ ብ ቐረባ ንዕዘቦ ነይርና። ምሳና ዝነበረ ባህበሎም ዝተብለ ናይ ኣእምሮ ሕሙም መንእሰይ ብ ወታደር ኢትዮጵያ ብ ጥይት ተወቒዑ ኣብ ጥቓና እንትይወድቕ ርእይና። 

ኣብ ታ ህሞት እቲኣ ቶም ወተሃደራት ብ ጌጋ ንፁሃት ሰባት ይቐትሉ ዝነበሩ መሲሉና ነይሩ፤ ኰይኑ ግን ከም ቱ ዝሓሰብናዮ ኣይኰነን። ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ን ህዝቢ ትግራይ ን ምፅናት መደብ ከም ዘለዎም ድሕሪ ሓደ ሰሙን  እየ ምሉእ ብ ምሉእ ክይርድአኒ ዝጀመረ። 

ቀንዲ ትልምታት ሓይልታት ምፅናት ዓሌት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ: ብ ዝተኽኣለ መጠን ህዝቢ ብ ጅምላ ብ ጥይት ምጭፍጫፍ፣ ምዕናውን ምዝማትን ኵሉ ምግብን ሕክምናዊ ፀጋታትን ከም ሳዕቤኑ ድማ ህዝቢ ብ ጥሜትን ሕማምን ክᎀት ምግባር፣ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝይመርፁ መንእሰያት ድማ ብ ድሮንን ካልእ ዘመናዊ ኣፅዋርን ምውዳእ።

ስለዚ ስድራ ኣድደይ ስላስ እውን ብ ዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቐሱ መደባት ሓይልታት ፅንተት እያ ንፅንተት ዝተቓለዐትን ዝተባታትነትን። 

  ኣድደይ ስላስ ገብረመስቀል 

ብዓል ቤተን ን ኣድደይ ስላስ፡ ኣቦይ ተኽለ፡ ካብ ዝይሓልፉ ነዊሕ እዋን ኰይኑዎም እዩ። ኣድደይ ስላስ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዝጀመረተን ናይ ሳንባ ስዓል ተሳቕየን እያ ነይራ። ግን ድማ፡ ሳልላ ደቅቀን መድሓኒት ብ ኣግባቡ ክይጥቀማ እናገበሩ ይሕብሕብወን ብምንባሮም ድሓን እየን ነይረን።

ካብ ሕዳር 2013 ጀሚሩ ግን ሰራዊት ኤርትራ ክፍለ ሰራዊት ብ ምውዳብ ኣብ ትግራይ ዝይርከባ ሕክምናዊ ትካላት ክይዘምትን ክየዕኑን ጀመረ። ኣብ ቱ ዝነበርኩሉ ከባቢ ኣድያቦ ብ ዓበይቲ መኻይን ማለት እውን መርሰድስን ኢነትረን ብ ምጥቃም ናይ ሕክምናን ካልእ ህዝባዊ ንብረታትን ናይ ምዝማትን ምዕናውን ተልእኾ ዝተዋህቦም ሓይልታት ከም ዝነበሩ እዝክር። ብ ዙይ ምኽንያት ድማ ወይዘሮ ስላስ ገብረመስቀል ብ ሰንኪ ሕፅረት መድሓኒት ስዓል ሳንባ ኣብ ከቢድ ኵነታት ጥዕና ወደቓ። ኣድደይ ስላስ ን ኣስታት ክልተ ኣዋርሕ ብዘይ መድሓኒት ይሳቐያ ድሕሪ ምፅናሕ ብ 23 ታሕሳስ 2013 ዓም ዓረፋ። ሓደ ካብ ዕላማታት ሓይልታት ፅንተት ዝዀነ ብ ጥምየትን ሕፅረት መድሓኒትን ብ ኣድማዒ መንገዲ ክይፍፀም ጀመረ። ኣብ ጣብያ ዝባን ገደና ኣብ ዝትርከብ ቍሸት ከላውሎ፡ ሕዱርን ቀለልትን ሕማማት ዝነበሮም ሰባት ብ ሰንኪ ሕፅረት መድሓኒት ከም ቈፅሊ ክይረግፉ ልሙድ ኰነ። ዙይ ዕላማ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ስለ ዝነበረ ብ ኣድማዒ መንገዲ ኣደልዲሎም ቀፀሉሉ።

ህዝቢ ብ ጥምየትን ሕፅረት መድሓኒትን ጥራሕ ቀልጢፉ ክይፀንት ከም ዘኢይኽእል ብ ምርዳእ ብ ዝተኽኣለ መጠን ብ ጅምላ ክይጭፍጨፍ ከም ዘለዎን እውን እኩይ ውጥን ነይሩዎም። ብ መሰረት ዙይ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ህዝቢ ኣብ ሩባታትን ዓድድታትን ብ ምእካብ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ምክያዱ ቀፀለ። ስድራቤት ኣድደይ ስላስ ዳግማይ ብ ጃምላዊ ቅትለት ምንካይ ቀፀለት። 

ሓንቲ እግሩ ብ ተፈጥሮኡ ዝይሕንክስ ገብረሃወርያ ተኽለ (ወዲ ኣድደይ ስላስ) ሓደ ካብ ቶም ብ ኮሎኔል ዮናስ ብ ዝትምራሕ ኣሃዱ ሰራዊት ኤርትራ ብ 1 ጥሪ 2013 ዓም ኣብ ሩባ ማይ ምራኹት ብ ጅምላ ዝተቐትሉ 12 ሓረስቶትን ጓሶትን ኰነ። ቱ ካልኣይ ዕላማ ሓይልታት ጥፍኣት ብ ኣድማዒ መንገዲ ክይፍፀም ጀመረ። ብ 1 ጥሪ 2013 ዓም ጥራሕ ኣብ ቍሸት ከላውሎ ብ ትእዛዝ ኮሎኔል ዮናስ 22 ሓረስቶትን ጓሶትን ተቐቲሎም። ኣነን ካልኦት ክልተ ኣዕሩኽተይን ሬሳ ናይ ቶም 12 ሰባት ብ 3 ጥሪ 2013 ኣሊሽና ረኺብናዮ። ገብረዋህድ ተኸለ (ሕሳስ ውልዶ ሓው ገብረሃወርያ ተኸለ) ምሳይ ኰይኑ ሬሳ ሓዉ ረኺቡዎ እዩ። ብ ድምር ኣስታት 75 ሓረስቶትን ንፁሃት ነበርትን ካብ ታሕሳስ ክሳብ ጥሪ 2013 ዓም ኣብ ታ ዓድዲ (ጣብያ) ከለኹ ብ ሰራዊት ኤርትራ ብ ጭካነ ተቐቲሎም።

ወይዘሮ ፃድቃን ተኽለ (ሓፍቱ ን ገብረሃውርያ ተኽለ) ነፍሰ ፁር ነይራ፡ ለይቲ 27 ታሕሳስ ናብ 28 ታሕሳስ ዘውግሕ ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኵጀት ወለደት። 28 ታሕሳስ ንግሆ ናብቲ ዝወለደትሉ ኵጀት ከይደ ብ ዓይነይ ርእየያ። ገብረሃወርያ ዓርከይ እውን ኣብኡ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ምስ ነፍሰ ፁር ሓፍቱ፡ ባዓልቲ ቤቱን ደቅቁን ረኸብኩዎ። ካብ 27-28 ታሕሳስ 2013 ኣብ መንጎ ምልሻታት ታሕታይ ኣድያቦን ሰራዊት ኤርትራን ኣብ ሩባ ማይ ፃዕዳ ውግእ ይካየድ ብ ምንባሩ እይና ገዛና ገዲፍና ኣብ ሩባ ማይ ምራዅትን ጐልጐል ኣስመራን ክንሕባእ ዝተገደድና።

ገዛ ኣድደይ ስላስ ብ ሰራዊት ኤርትራ ተዘሚቱ

ምልሻታት ታሕታይ ኣድያቦ ካብ ቱ ናይ ክልተ መዓልታት ውግእ ብ 29 ታሕሳስ እኳ እንተ ኣንስሓቡ፡ ሰራዊት ኤርትራ ግን ን ክልተ መዓልታት ን ታ ዓድዲ ብ ኸበድቲ መዳፍዕ ምድብዳብ ቀፂሉ። ብ ምኽንያት ዙይ ድማ መብዛሕትኦም ነበርቲ ታ ዓድዲ ክሳብ 1 ጥሪ 2013 ኣብ ባዕትታት፣ ሩባታትን ጎቦታትን ክይሕብኡ ተገዲዶም ነይሮም። ስድራ ኣድደይ ስላስ ኣብ ዱር ተሓቢኦም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ብ ዕለት 30 ታሕሳስ 2013 ሰራዊት ኤርትራ ናብ ቱ ገዛ እንዳ ኣድደይ ስላስ ብ ምእታው ኵሉ ንብረትን ኣእኻልን ዘሚቱ እዩ። ቱ ክይወስዶ ዘኢክኣለ ንብረት ድማ ንገሊኡ ሰባቢሩዎ፣ ንገሊኡ ድማ ምስ ሓመድን ድዅዒን ሓዋዊሱ ኣባላሺዉዎ እዩ።

 ገብረዋህድ ተኽለን ወላይ ገብረመስቀልን ድሕሪ ሳልሳይ መዓልቲ ናይ ዓበይቲ ኣሕዋቶም ሬሳታት ኣብ ጕሁም ረኸቡዎ። ኣነን ክልተ መንእሰያትን ናብ ቱ 12 ንፁሃት ሰባት ተጨፍጪፎምሉ ዝተብሃለሉ ቦታ ክየድና። ቶም ምሳይ ዝነበሩ ክልተ ሰባት ወላይ ገብረመስቀልን ገብረዋህድ ተኽለን እዮም። ዓበይቲ ኣሕዋት ናይ ዞም ክልተ መኻይደይ ኣብቲ እዋን ድሃዮም ጠፊኡ ነይሩ። ዳርጋ ናይ ፍርቆም ግዳያት ምልክታት ስለ ዝተሓበረኒ ድማ ኣሕዋት ናይ ቶም መኻይደይ እውን ካብ ቶም ዝተረሸኑ ከም ዝነበሩ ዳርጋ ኣጣሊለ እየ ነይረ። ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ቱ ከባቢ ስለ ዝነበረ ብ ቐትሪ ሬሳ ምድላይ ኣይክኣልን ነይሩ። ስለዚ ኣምሲና ክንክየድ ናይ ግድን ኰነ። ናብ ቱ ቦታ ከኢኣተውና ድማ ጨና ሬሳ ናይ ቶም ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ብ ጭካነ ዝተቐትሉ ሰባት ተቐቢሉና። 

ን ወላይን ን ገብረዋህድን ከምዚ ዝስዕብ ኣማኸርኩዎም፦

ኣነ፡  ሕጂ ናብቲ ቦታ ንቐርብ ኣለና። ፀልማት እዩ ኣብኡ ምስ በፃሕና ድማ ላምባዲና ክእውልዕ እየ። ቶም ግዳያት ዝይሃሉ ናትና ክይዀኑ ይኽእሉ እዮም ስለዚ ክንፀንዕ ኣለና። ምርጫና ነቲ ዘሕዝን ፍፃመ ምፅዋር ጥራሕ እዩ። ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ቀረባና ስለ ዘለዉ ፈፂምና ክንበኪ ወይ ዝዀነ ጫውጫው ክንብል ኣይንኽእልን እይና። ቶም ግዳያት ዘኢንፈልጦም ዋላ ይዀኑ። ዘይሩ ዘይሩ ተጋሩ ስለ ዝዀኑ ኣብ ዝክኣለና ምዓልቲ ክንቀብሮም ክንግደድ እይና። ብ ዙይ ቅድመ ኵነት ንሰማዕማዕ ዲና? እንተ ዘኢኰይኑ ን ድሕሪት ክንምለስ ኣለና ምኽንያቱ ን ህይወትናን ን ኸበቢናን ካልእ ሓደጋ ስለ ዝዀነ። 

ወላይ ገብረመስቀል፡ ክንፀንዕ ድሉዋት እይና ምኽንያቱ ምርጫ ዘየብሉ ኣማራፂ ስለ ዝዀነ።

ገብረዋህድ ተኽለ፡ ኣነ ኣይበክይን እየ፡ ግን ክእኣምኖን ክእቕበሎን ኣይክልን።ኣድደይ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ካብ ዛ ዓለም ብ ሞት ተፈልያ፡ ሕጂ ድማ ብዘይ ዓንዲ ገዛና ዝዀነ ገብረሃወርያ ሓወይ ክእነብር ኣይእኽእልን እየ። ናይ ምብካይ ዓቕሚ እውን ኣይክእህልወንን እዩ። ሓቅቂ እንተ ዀይኑ ኵሉ ነገር ክይጋላባበጠኒ ይኽእል እዩ። ብ ዝዀነ ንዓኻትኩምን ንኸባቢናን ኣብ ሓደጋ ን ዘኢምእታው ኣይእበክይን እየ።

ናብቲ ሩባ ኣተና። ብ ሰራዊት ኤርትራ ብ ጭካነ ዝተቐትሉ ንፁሃት ሓረስቶት ምቕባር ልሙድ ኰይኑ ስለ ዝነበረ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ሽትቶን ምሓዝ ግድዴታ ነይሩ። ስለዚ ኣብ ጁባይ ማስክን ሽትቶን ነይሩኒ።

ኣብ መጀመርታ ዘኢፈለጥናዮም ኣርባዕተ ሬሳታት ረኺብና። ቀፅልና ክልተ ናይ ቀረባ ኣዝማድና ነንሕድሕዶም ተኣሲሮም ኣብ ሓንቲ ጕድጓድ ተደፊኦም ረኸብናዮም። ቀፂልና ገብረሃወርያ ተኽለ ዝይርከቦም ሰለስተ ናይ ገዛእ ርእስና ሰባት ኣብ ሓደ ቦታ ተደፊኦም ረኸብና። ብ ዝየሕዝን መልክዑ ገብረዋህድ ርእሱ ሒዙ ኰፍ በለ። ኣነ ድማ ኣጆኻ ኣጆኻ ኢለ ማእገሩ ሕዝ ኣበልኩዎ። ብ ምቕፃል ናይ ቀደም መማህርተይን ናይ ቀረባ ዓርከይን ጐይቶኦም ገብረመስቀል (ዓብዪ ሓዉ ን ወላይ ገብረመስቀል) ወዲቑ ረኺብናዮ። ወላይ: ተንበርኪኹ ‘ን ኣድደናን ን ሰበይቱን እንታይ እየ ክእነግረን?’ በለ። 

ብ ድምር 12 ንፁሃት ሰባት ኣብ ሓደ ቦታ ብ ሽጕጥን ብ ኸላሽንን ብ ጭካነ ተቐቲሎም ረኺብናዮም። ልብኻ ይሰብር። ካብ 2 ሕዳር 2013 ጀሚረ መዓልታዊ ሬሳ ንፁሃት ተጋሩ ምርኣይ ልሙድ ስለ ዝዀነኒ ፈዚዘ ምድንጋፅ ገዲፈዮ እየ። መዓልታዊ ሬሳታት ምርኣይን ምቕባርን ዳርጋ ኣብ ዓውደ ውግእ ኰይነ ዝእዋጋእ ዘለኹ ኰይኑ ክይስመዐኒ ገይሩኒ ነይሩ። 

ርግፅ እዩ ብዝሒ ናይ ቶም ይጭፍጨፉ ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ዓውደ ውግእ ክይቕተሉ ፈፂሞም ኣይምኽኣሉን። ምኽንያቱ ኣብ ኲናት ዘሎ ተጋዳላይ ነብሱ ይከላኸልን ፀላኢ ይቐትልን እዩ፥ ዘኢተዓጥቀ ሓረስታይ ግን ‘ግደፉኒ፣ ኣነ ሲቪል እየ’ ካብ ምባል ሓሊፉ ዝይከላኸለሉ መንገዲ ኣይክይህልዎን እዩ።

ብ ድምር 12 ሬሳታት ቈፂርና፡ ካብ ዚኦም ቶም ሸውዓተ ናይ ቀረባ ኣሕዋትናን መሓዙትናን እዮም። ቶም ዝተረፉ ሓሙሽተ ድማ ብ ውልቂ ዘኢንፈልጦም ተጋሩ ጓሶትን ሓረስቶትን እዮም። ገሊኦም ወርቂ ን ምድላይ ካብ ማእኸላይ ትግራይ ዝመፅኡ እንትይዀኑ ገሊኦም ድማ ካብ ከባቢ ባድመ ምስ ጥሪቶም ዝተማዛበሉ ጓሶት እዮም ነይሮም። ኣሕዋትና ክንደልይ ከይድና ግን ክንቀብሮም ኣይክኣልናን። ክልተ ምኽንያት ነይሩ። ቱ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ቱ ኣረሜናዊ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጥቓና ስለ ዝነበረ ሬሳታት ንቐብር ከም ዘለና እንተ ፈሊጦም ንዓና እውን ክቐትሉና እዮም። ቱ ካልኣይ ምኽንያት ድማ ዝየድሊ ናይ መቓብር መዅዓቲ ናውቲ ስለ ዘኢነበረና እዩ። ሽዑ ምሸየት ብ ኣጋጣሚ ቱ ኣረሜናዊ ሰራዊት ካብ ከላውሎ ናብ ዝባን ገደና ቍሩብ ፈንተት ኢሉ ሓደረ። ብ 4 ጥሪ 2013 ድማ ሬሳታት ንፁሃት ኣሕዋትና ክንቀብር ክኢልና። ዋላ እኳ እንተ ቐበርናዮም፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ቀረባ ስለ ዝነበረ ከም ዝተረሸኑ ን ወለዶምን ስድርኦምን ኣይነገርናዮምን።

ገብረዋህድ ተኽለ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ኣድደይን ሓወይን ካብ ሰኣንኩ ድሕሪ ሕጂ የለኹን። ናበይ ክእኸይድ ኣለኒ? ነዞም ፀላእቲ ብ ኸመይ ክንቃለሶም ንኽእል? ኣብ ገዛ ኰፍ ክእብል ኣይእኽእልን እየ። ድሕሪ ሕጂ ህይወት ስለ ዘየለ ድሌተይ ናብ ምልሻታት ትግራይ ክእፅንበር እዩ። ናብ ሰራዊት ትግራይ እንተ ተፀንቢረ ሕነ ኣሕዋተይ ክፈዲን ትግራይ ኣብ ምድሓን እጃመይ ከበርክት እኽእል ይዀን። ግን ሰራዊት ትግራይ ኣበይ እዩ ዘሎ? ኣሎ ዶ? 

ናይቶም ኣብኡ ዝነበሩ ምኽሪ ንገብረዋህድ: 

ኵሉ ሰብ ሕጥጥ ኢሉ ክይጋደል ኣይይኽእልን ስለዚ ንስኻ ዓብዪ ሓውካን ወላዲትካን ገዲፎምዎም ዝኸዱ ቈልዑትን ገዛን ክተቃንዕ እዩ ዘለካ። ቶም ተሪፎም ዘለዉ ስድራ ከኢይብተኑ ንስኻ እይኻ ዘለኻዮም ስለዚ ናብ ምግዳል ምኽያድ ከኢተሓስቦ። ልቢ ግበር፣ፅናዕ!

ብ 9 ጥሪ 2013 ዓም መዓልታዊ ሬሳ ኣሕዋተይ ክእርእይን ክእቐብርን ዓቕሚ ስለ ዘኢነበረኒ ካብ ቱ ዓድዲ ለቒቐ ወፃእኹ። ይዅን እምበር ድሕሪ ምውፀአይ እውን እንተ ዀነ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብ ሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ቍሸት ከላውሎ ድማ ብ ፍላይ ጃምላዊ ቅትለትን ካልእ ግፍዕታትን ኣጣናኺሩ ምፍፃሙ ቀፂሉ እዩ።

  ገብረዋህድ ተኽለ ተጋዲሉ

ገብረዋህድ ከምቲ ዝበለና ብዓሰርተታት ዝይቝፀሩ ስድራን ናባዪ ዘየብሎም ገዛውትን ገዲፉ ክይቃለስ መሪፁ። ገብረዋህድ ናይ ገዛእ ርእሱ ቤተሰብ፡ ገዛ እንዳ ኣድድኡ ፡ ስድራን ገዛን ዓብዪ ሓዉ ብዘይ መራሒ ገዲፉ ናብ ቃልሲ ወሪዱ። ነቶም ጨፍጨፍቲ ህዝቡን ኣሕዋቱን ዝዀኑ ፀላእቲ መኪቱ ዓድዱ ትግራይ ሓራ ክየውፅእ መረፀ። 

ምቅላስ ጥራሕ መፍትሒ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝተቓለሱ ተጋሩ ይቐንአሎም እየ። ሰነፍ ውሳነ ወሲነ ካብ ትግራይ ሃዲመ። ካባይ ብ ዓሰርተታት ዓመታት ዝይንእሱ ኣሕዋተይ ግን ክይቃለሱ መሪፆም ን ትግራይ ክቡር ህይወቶም ውሂቦም። ኵሎም ተጋደልቲ ትግራይ ሓደ ሕልምን ዕላማን ዘለዎም ይመስለኒ፣ ንሱ ድማ ን ትግራይ ካብ ጥፍኣት ምድሓንን ንሓዋሩ ሓራ ምውፃኣን እዩ። ቶም ዝወደቑ ተጋደልቲ ን ህላወ ትግራይ ብ ዝኸፈሉዎ ክቡር መስዋእቲ ክብሪ ይግበኦም።

ገብረዋህድ ተኽለ እውን ብዘይ ዓድድን ዓውድን ምንባር ኣይክኣልን እዩ ብ ምባል ናብ ቱ ቃልሲ ተፀንቢሩ። ገብረዋህድ ናብ ቃልሲ ከም ዝተፀንበረ ኣይፈለጥኩን ነይረ፣ ምስውኡ ግን ትግራይ መስዋእቲ ደቅቃ ክትርዳእ እንተ ኣላ መስዋእቲ ክቡር ሓወይ ገብረዋህድ እውን ተረዲአ። ገብረዋህድ ተኽለ ውዕል ፕሪቶርያ ቅድሚ ምፍራሙ ኣብ ዝነበሩ ሒደት መዓልታት ኣብ ማርያም ሸዊቶ ከም ዝተሰውአ ካብ ናይ ቀረባ መሓዙቱ ሰሚዐ ኣለኹ።

ስድራቤት ኣድደይ ስላስ መመሊሳ ጐዲላ ገብረዋህድ ተሰዊኡ! 

ስፊሕ ገዛ፣ መሬትን ስድራቤታትን ዝነበራ ስድራ ኣድደይ ስላስ ባዶ ተሪፋ። ወላዲት፣ ዓብዪ ውላድን ሕሳስ ውልዶን ብ ሰንኪ ሓይልታት ፅንተት ዝኣወጁዎ ኲናት ፀኒቶም። ስድራ ኣድደይ ስላስ መመሊሳ ጐዲላን ተበታቲናን። 

እንዳ ኣቦይ ተኽለ መለሳ ጐረቤትና እዮም። ገብረሃወርያ ተኽለ ብ ፍላይ ዝፈትዎ ዓብዪ ሓወይን መኻርየይን እዩ ነይሩ። ወይዘሮ ስላስ ከይደን፡ ገብረሃወርያ ከይዱ፡ ቱ ሕድሪ ታ ስድራ ክይዕቅብ እዩ ኢለ ዝኣመንኩዎ ገብረዋህድ እውን ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ። ስድራ ገብረሃወርያ፣ ስድራ ገብረዋህድ፡ ታ ኣብ በረኻ ክትወልድ ዝተገደደት ፃድቃንን ኰን ከመይ ይህልዉ?

ኣብ መላእ ትግራይ ክንደይ ሰብ ብዘይ ኣቦ፣ ኣድደ፣ ሰብኣይን ሰበይትን ኰን ተሪፉ ይዀን?! ትግራይ ብ ሰንኪ ኲናት ምፅናት ዓሌት ብዙሓት ዘኽታማት ቈልዑ ሒዛ እያ ተሪፋ።

ትግራይ ብ ፍላይ ኣድያቦ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ኲናት ፅንተት ከመይ ኣላ?

ትግራይ ብ ምሉእ ዓለም ተጠሊማ ኣብ ምንባዕ ዝትርከብ ሃገር ኰይና ንዓይ ድማ ዓለመይ እያ። ተጠሊማ ጥራሕ ዘኢኰነት ስ ቶም ብ ትግራይ ኣቢሎም ፖለቲካዊ ሽርሒ ዝሸጡ ሓይልታት ዓለም ን ጂኦፖለቲካዊ ኣጀንዳታቶም መፈተኒ ገይሮምዋ እዮም። 

ኣድያቦ ፈለማ መእተዊ ሰራዊት ኤርትራ እያ ነይራ፣ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እውን ክሳብ ሕጂ መዐንደሪት ሰራዊት ኤርትራ ኰይና ኣላ። 

  ስምምዕ ፕሪቶርያ ን ህዝቢ ትግራይ( ኣድያቦ ከም ኣብነት)

እቲ ፍሹል ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝይፍረም ድሕሪ ሓደ ዓመት እውን ህዝቢ ኣድያቦ ሓራ ኣይወፅአን። መሬት ትግራይ ካብ ሰራዊት ኤርትራ ሓራ ዘኢኣውፅእን ን መንእሰይ፣ ጥሪትን ንብረትን ኣድያቦ ካብ ምጭዋይን ምዝማትን ዘኢይከላኸል ስምምዕ ፕሪቶርያ ካልእ ብ ሕግጊ ዝተፈረመ መሳርሒ ምፅናት ዓሌት እዩ። ንፍትሕን ተሓታትነትን ቀዳምነት ዘኢይውህብ ስምምዕ ነባሪ ሰላም ክየምፅእ ኣይይኽእልን እዩ።

ካብ መጋቢት 2015 ክሳብ ጥቅምቲ 2016 ድሕሪ ፍሹል ስምምዕ ፕሪቶርያ 15 መንእሰያትን 1,180 ከብቲ ኣድያቦን ብ ሰራዊት ኤርትራ ተጨውዮምን ተዘሚቶምን። ን ዙ ኣሃዝ ከም ኣብነት እየ እገልፅ ዘለኹ እምበር ን ቱ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓፈሻዊ ክውንነት ዝየንፀባርቕ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ቱ ሓቀኛ ኣሃዛት መዓልታዊን ብ ኣሽሓትን እዩ።

መብዛሕትኦም ብኽብሪ ዝተሰውኡን ብጭካነ ዝተቐትሉን ኣዕሩኽተይ ኣጆኻ ዙ መዓት ክይሓልፍ እዩ ዳግም ድማ ክንስሕቕ ኢና ይብሉኒ ነይሮም። እንተ ዀነ ግና ገሊኦም ሲቪል ክንሶም ብ ጭካነ ተቐቲሎም፣ ገሊኦም ድማ ን ዓድዶም ብ ኽብሪ ተሰዊኦም ኣነ ድማ ተስፋ ዝሰኣንኩ ስደተኛ ኰይነ ተሪፈ።

ትግራይ እያ ዓለመይ!

ዜናሁ ለግፉዕ፡ ስም ብርዒ ብ ዓይኑ ብዙሕ ግፍዒ ተጋሩ ዝርአየ ሰብ እዩ። ፈለማ ኣብ ሸራሮ፥ ካብኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፥ ሀዚ ድማ ኣብ ጅቡቲ።

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT