Connect with us

ትንተና

ምጥያሽ ኣማኻሪ ካውንስል፦ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብ ገርሁ ዶ ብ ጕርሑ? 

Published

on

ደስታ ገብረሚካኤል ግደይ (ዶክተር ዘፍልስፍና1ዶክተር ዘፍልስፍና ካብ ዶክተር ዘሕክምና ዝተፈለየ ኰይኑ ብ ዝዀነ ዓውደ ትምህርቲ ምውናን ሳልሳይ ዲግሪ የርእይ።)

መእተዊ

ን ፅሑፈይ መበገሲ ዝዀነኒ ዛዕባ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ (ግምት) 23 ጥቅምቲ 2016 ዓም ኣማኻሪ ካዉንስል ን ምጥያሽ ዝፀውዖ መድረኽ መተኣኻኸቢ ሓሳብ እዩ፡፡ ዕላማ ቱ መድረኽ፡ ምጥያሽ ኣማኻሪ ካዉንስል ኣድላዪ ኰይኑ ስለ ዝተረኸበ ብ ግምት ተዳልዩ ኣብ ዝቐረበ መበገሲ ሰነድ ሓሳብ ን ምትእኽኻብን ካልኦት ብ ተሳተፍቲ ዝይቐርቡ ኣማራፅቲ ሓሳባት ን ምዝታይን ከም ዝዀነ ፕረዚደንት ግምት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ መኽፈቲ ቱ ዋዕላ ኣብ ዝገበሩዎ ሓፂር ዘረባ ገሊፆም፡፡ ቱ ረቒቕ ሰነድ መጣየሺ ኣማኻሪ ካውንስል፡ ብ ኣሳሳይነት ግምት ዘዳለዉ ሓላፊ ቢሮ ፍትሒ ኣቶ ሓዱሽ ተስፋ፥ ሓላፊ ካቢኔ ሴክረታሪ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ፣ ኣባል ማእኸላይ ኰሚቴ ህወሓትን ነበር ኣፈ ጕባኤ ቱ ዝፈረሰ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ሰብሳቢ ኮሚሽን ተርጓሚ ሕግገ መንግስቲ ትግራይን ኣቶ ሩፋኤል ሽፋረ ከም ዝዀኑ ኣብ ቱ መድረኽ ተሓቢሩ፡፡  

ተዓደምቲ ቱ ዋዕላ፡ ወከልቲ ውድባት ፖለቲካ፤ ሲቪል ማሕበራት፣ ማሕበራት ሞያ፣ ውዳበታት ሓፋሽ፣ ማሕበራት ንግዲ፣ ሰብ መዝዚ ግምትን ሰራዊትን እዮም፡፡ ዓለም ለኸ ሙሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ ወኪሎም ኣብ ቱ መድረኽ ካብ ዝተሳተፉ ሰለስተ ሰባት ኣነ ሓደ እየ። 

ድሕሪ ሓፂር መኽፈቲ መደረ ፕረዚደንት ግምት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ቱ ዝተዳለወ ሰነድ መጣየሺ ኣማኻሪ ካውንስል ብ ኣቶ ሩፋኤል ሽፋረ ክይቐርብ ተገይሩ፡፡ ቀፂሎም እውን ኣቶ ሩፋኤል ሽፋረ ናይ ቱ መድረኽ መራሒ ብ ምዃን ዕድል ውሃቢን ከላኢን ኰይኖም ውዒሎም እዮም፡፡ ብ ወገነይ መመያየጢ ፅሑፍ ዘቕረበ ሰብ፡ መራሒ መድረኽ ኰይኑ ምቕፃሉ ዘለዎ ኣሉታዊ ጐንኒ ስለ ዝይርደኣኒ ሕጉስ ኣይነበርኩን፡፡ እንተ ዀነ ግን ቶም መቕረቢ ፅሑፍ ን ቱ መድረኽ ክይመርሑዎ የብሎምን ዝይብል ሓሳብ ካብ ዕዱማት መድረኽ ኣይቀረበን፡፡ ኣነ እውን በይነይ ድየ ኵሉ ሻዕ ዝእቃወም (ከም ዙ ሓደ ተፃዋቲ ኩዕሶ እግሪ “ል ምንታይ ኣነ ጥራሕ?” ዝበሎ) ዝይብል ግጉይ ስክፍታ ኣሕዲረ ኣይተቓወምኩን፡፡ ኣብ ዘኢይሰልጠኒ ኣብ መጣየሺ ኰንፈረንስ ግምት፡ ኣቦ ወንበር ህወሓትን ኣብ ቱ እዋን ፕረዚደንት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ዝነበሩ ደ/ር ደብረፅዮን ናይ ቱ ኰንፈረንስ ፕረዚድየም ክይዀኑ ምስ ተመረፁ፡ ንስኹም ብ ሰንኪ ዘለኩም ተደራራቢ ስልጣን ቱ ኰንፈረንስ ክትመርሑዎ ኣይትኽእሉን ኢለ ተቓውሞ ብ ምቕራበይ ኣብ ቱ ኰንፈረንስ ብ ወዝቢ ዕድል ን ከኢእረክብ ዕንቅፋት ኰይኑኒ እዩ፡፡ ዋላ ኣይእቃወም ሀዚ እውን ግን ታ ዝፈራሕኹዋ ኣይተረፈትን፤ ናይ ምዝራብ ዕድል ኣይረኸብኩን፡፡

ከም መእተዊ፡ ብ ዛዕባ ቱ ዋዕላ ዙይ ምስ በልኩ ቀፂለ ድማ ኣብ ቱ ዋዕላ ብ ተሳተፍቲ ዝተልዓሉ መሰረታዊ እዮም ኢለ ዝኣመንኩሎም ሓሳባት/ርእይቶታት፣ ነቐፌታን ተቓውሞን ከምኡ እውን ብ መዳለውቲ ቱ መድረኽ ዝተውሃቡ ግብረ መልሲታትን ኣሕፅር ኣብቢለ በቢ መደቦም ድሕሪ ምቕራብ ሞያዊ ትዕዝብተይ ከስዕብ እየ፡፡ ኣብ ዙይ ዝእውህቦ ሓሳብ ናይ ውልቀይ እዩ። ኣብ ቱ ዋዕላ ክእሳተፍ ን ዝወከለልኩዎ ዓለም ለኸ ሙሁራንን ሰብ-ሞያን ትግራይ ከም ዘኢይውክል ኣቐዲመ ከፍልጥ እደልይ። 

ዝተውሃቡ ሓሳባትን ግብረ መልሲታትን 

ቱ ብ ግምት ዝተዳለወ ሰነድ፡ ዛዕባታት ስያመ፣ ኣድላይነት፣ ዕላማ፣ ተዋፅኦ፣ ኣወዳድባን ተግባራትን ቱ ዝይጣየሽ ኣማኻሪ ካውንስል ዝይምልከቱ ዝሸፈነ እዩ፡፡ ምሒር ካብ ምዝንግዑ ሓሊፉ (ሓደ ተሳታፊ ከም ዝበሎ ኣብ መበል 11፡00 ስዓት ዘንጊዑ ዝመፅአ ፅቡቕ ሓሳብ እኳ እንተ ዀነ) ኣድላይነት ምጥያሽ ቱ ካውንስል ዝይቃወም ሓሳብ ኣብ ቱ ዋዕላ ኣይቀረበን፡፡ ኰይኑ ግን ኣብ ከይዲ ምድላው ቱ መጣየሺ ሰነድ፣ ኣብ ዕላማ፣ ተዋፅኦ (ውክልና)፣ ኣወዳድባን ዝርዝር ተግባራትን ከምኡ እውን ፃንሒትን (ዘመን ስራሕ) ቱ ዝይጣየሽ ካውንስል ኣመልኪቶም ኣብ ቱ ሰነድ ውሳነ ሓሳብ ዝቐረቡ ኣማራፂታት ብ ዝይምልከት ብዙሓት ተሳተፍቲ ዝተፈላለየ ርእይቶን ነቐፌታን፥ ክይዀኑ ኣለዎም ዝይብልዎም ኣማረፅቲ ሓሳብን ኣቕሪቦም እዮም፡፡ ቀንዲ ቀንዲ እቶም ዝተልዓሉ ሓሳባት ብ ውሱን መልክዑ ን ምግላፅ፦ 

  • ቱ ካውንስል ን ምጥያሽ ኣብ ዝይግበር ከይዲ፡ ካብ መፈለምትኡ ክንሳተፍ ነይሩና፤ ኣብ ከይዲ ውልደት ቱ ካውንስል ዘሎ ናይ ግልፅነትን ኣሳታፊነትን ጕድለት ን ቱ ዝይጣየሽ ካውንስል ናይ ሞራል ዓቕሚ/ቅቡልነት ክየስእኖ ዝይኽእል መፈጠራዊ ጕድለት (birth defect) እዩ፡፡ ተነሓናሕቲ ውድባት ናይ ባዕልና ኣማራፂ ሓሳብ ሒዝና ክንቀርብ ነይሩና ወይ እቶም ኣሰናዳእቲ ኣብ ምስያም ክንሳተፍ ነይሩና፡፡ ዋላ ቱ ብ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ግምት ዝተዳለወ መበገሲ ሓሳብ እውን ግዜ ወሲድና ክንርእዮ ኣቐዲሙ ክይበፅሐና ነይሩዎ፡፡ ሀዚ እዩ ኣብ መድረኽ ይንገረና ዘሎ፤ ከምኡ ምግባር ትኽክል ኣይኰነን፡፡ ኵላትና ዝንሳተፈሉ ኣሳናዳኢ ኰሚቴ ከም ብ ሓዱሽ ክይጣየሽ ይግባእ፥ ወዘተ ዝይብሉ እዩም፡፡    
  • ኣብ ስያመ ቱ ካውንስል፦ “ኣማኻሪ ካውንስል” ዝይብል ስያመ ቱ ዝይጣየሽ ካውንስል ናይ ምምኻር እምበር ናይ ምውሳን ስልጣን ዘየብሉ ምዃኑ ዝየርኢ እዩ፡፡ ቱ ዝይጣየሽ ካውንስል ስማዊ ዘኢኰነስ ን ቱ ዝፈረሰ ቤት ምኽሪ ተኪኡ ንምውሳን ዝየኽእሎ ስልጣን ክይህልዎ ይግባእ፡፡ ስማዊ ካውንስል ኣብ ምጥያሽ ምስታፍና ትርጕም የብሉን፥ ወዘተ ዝይብሉ እዮም፡፡  
  • ዕላማ፦ ቱ ዝጣየሽ ካውንስል ዕላምኡ ምምኻር ዘኢኰነ ስ ን ቱ ዝፈረሰ ቤት ምኽሪ ተኪኡ ክይሰርሕን ክፍተት ክይመልእን ዝየኽእሎ ናይ ምውሳን ስልጣን ዘለዎ ክይዀን ኣለዎ፡፡
  •  ተዋፅኦ፦ ኣብ ተዋፅኦ ናይ ቱ ዝይጣየሽ ካውንስል ዝቐረቡ ክልተ ኣማራፅታት ናይ ህወሓት ዓብላልነት ዝየረጋግፁ እዮም፡፡ ቱ ካውንስል ን ቱ ነባር ቤት ምኽሪ ይዅን ካቢኔ ግምት ብ ኣባልነት ክይሓቍፍ የብሉን፡፡ ናይ ሓደ ወገን ዓብላልነት ዘየበሉ ተመጣጣኒ ውክልና ኵሎም ሰብ ብፅሒት ብ ዝየረጋግፅ መልክዑ መሊሱ ክይርኣይ ኣለዎ፡፡ ገዛኢ ውድብ ዝይበሃል ስለ ዘየለ ኵሎም ውድባት ፖለቲካ ኣብ ቱ ካውንስል ማዕረ ውክልና ክይህልዎም ይግባእ፡፡ 
  • ኣወዳድባ፦ ተፀዋዕነት ቱ ዝይጣየሽ ካውንስል ን ፕረዚደንት ግምት እንተ ዀይኑ ትካላዊ ይዅን ናይ ስራሕ (ተግባር) ናፅነት ክይህልዎ ኣይኽእልን፤ ብ ግልባጡ ቱ ካቢኔ ፈፃሚ ስራሕ እዩ ናብ ቱ ካውንስል ተፀዋዒ ክይዀን ዘለዎ፡፡
  • ስልጣን፦ ኣብ ተግባርን ሓላፍነትን ናይ ቱ ዝይጣየሽ ካውንስል ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ ግልፅነት ዝጐደሎን ባዕሉ ን ባዕሉ ዝይጋጮን እዩ፡፡ ብ ቱ ሓደ ገፅ፡ ስራሕ ቱ ካውንስል ምምኻር ወይ ን ዝይምልከቶ ኣካል ሓሳብ ምቕራብ እምበር ናይ ምውሳን ስልጣን ከም ዘየብሉ ብ ቱ ካልእ ወገን ድማ አብያተ ፍርዲን ኦዲትን ዝሓወሱ ትካላት ተፀዋዕነቶም ን ቱ ካውንስል ከም ዝዀነ ቱ ሰነድ ይገልፅ፡፡ ናይ ቱ ካውንስል ስልጣን መሊሱ ክይርኣይ ኣለዎ፤ ከም ቤት ምኽሪ ናይ ምውሳን ስልጣን ክይህልዎ ይግባእ ወዘተ፡፡   
  • ዘመን ስራሕ ፦ ቱ ዝይጣየሽ ካውንስል ኣብ ስራሕ ዝይፀንሐሉ ግዜ ብ ዘመን ስራሕ ግምት ይውሰን ዝይብል ኣገላልፃ ግልፅነት የብሉን፡፡ ግምት ን ባዕሉ ኣብ ስራሕ ዝይፀንሐሉ ግዜ ብ ዝይምልከት ዝተፈላለየ ሓበሬታ ይናፈስ ስለ ዘሎ ግልፂ ክይግበር ኣለዎ፡፡ 

ብ ኻልእ ሸነኽ ውሱናት ተሳተፍቲ ቱ ዋዕላን ሰብ መዝዚ ግምትን ዞም ዝይስዕቡ ሓሳባትን ግብረ መልሲታትን ውሂቦም እዮም፡፡ 

  • ቱ ካውንስል ን ምጥያሽ ኣብ ዝነበረ ከይዲ፡ ግምት ባዕሉ ተበግሶ ወሲዱ መበገሲ ሓሳብ ዝሓዘ ሰነድ ኣዳልዩ ን ምይይጥ ምቕራቡ ከም ኣካይዳ ፀገም የብሉን ጥራሕ ዘኢኰነ ስ ግቡእ እዩ፡፡ ሀዚ እውን ኣብ ቱ ዝተዳለወ ሰነድ ዘለዉ መበገሲ ሓሳባት ምንቃፍ፣ ኣማራፂ ሓሳባት ምቕራብን ቱ ሰነድ ምምዕባልን ይክኣል እዩ (ሓዱሽ ተስፋ)፡፡ 
  • ስምምዕ ምቍራፅ ተፃብኦ ፕሪቶርያ ካብ ምምኻር ወይ ሓሳብ ምውሃብ ዝዘለለ ን ቱ ዝፈረሰ/ነባር ቤት ምኽሪ ተኪኡ ዝይሰርሕ ሕግጊ ናይ ምውፃእን ምውሳንን ስልጣን ዘለዎ ካውንስል ክነጣይሽ ይፈቕደልና ዶ? ዝይፈቕደልና ኣይይመስለንን ዝይብል ሕትቶ ዘቕረቡ ወይ ብ ይመስለኒ ሓሳቦምን ስግኣቶምን ዝገለፁ ውሑዳት ተሳተፍቲ ምንባሮም፤ ቱ ካውንስል ሕግጊ ናይ ምውፃእ ስልጣን እንተ ዝይህልዎ ፅቡቕ ነይሩ እንተ ዀነ ግን ከምኡ ናይ ምግባር ተኽእሎ ኣለና ዶ ዝይብል ክይርኣይ ኣለዎ፥ ስምምዕ ፕሪቶርያ ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ጥራሕ እዩ ዝይፈቅድ፣ ሕግጊ ናይ ምውፃእ ይዅን ምውሳን ስልጣን ዘለዎ ካውንስል ክነቝም ተኽእሎ የብልናይ፣ ቱ ውዕሊ ዙይ ምግባር ዝይፈቅድ እንተ ዀይኑ ድኣ ቱ ዝነበረ ነባር ቤት ምኽሪ ምፍራስ ን ምንታይ ኣድልዩ (ኣድላይ ኣይነበረን)፣ ካብ ውዕሊ ፕሪቶርያ ወፃኢ ንኽየድ እንተ ዀይንና ድማ ን ቱ ሰላም ከም ምዕንቃፍ እዩ ክይቝፀር (ኣማኒኤል ኣሰፋ)፤ ምሉእ ስልጣን ዘለዎ ቤት ምኽሪ ምጥያሽ ይክኣል እዩ ዝይብል ሓሳብ ዝይቐርብ እንተ ኰይኑ ንዘትየሉ/ሓሳብ ዕፁው ኣይንግበር (ሓዱሽ ተስፋ)፤ ሕግጊ ናይ ምውፃእ ስልጣን ዘለዎ ቤት ምኽሪ ዝይጣየሽ ብ መረፃ ጥራሕ ስለ ዝዀነ ብ ግዝያዊነት ካብ መረፃ ወፃኢ ይጣየሽ ዘሎ ካውንስል ሕግጊ ናይ ምውፃእ ስልጣን ይሃሉዎ ማለት ን ህዝቢ ትግራይ ፀርፊ እዩ፣ ምናልባት ከምኡ እንተ ገይርና እውን ካብ ዓለም ቀዳሞት ክንከውን ንኽእል ኢና፣ ቅደም ስዓቡ እውን ትኽክል ኣይኰነን ካብ ዝይጣየሽ ሓደ ዓመት ን ዝገበረ ፈፃሚ ሀዚ ፀኒሕኻ ተቘፃፃሪ ቤት ምኽሪ ኣጣይሽናልካ ምባል ትኽክል ኣይይኸውንን (ኣማባሳደር ፍሰሃ) ወዘተ ዝይብሉ ሓሳባትን ግብረ መልሲን ተውሂቦም እዮም፡፡  

ዞም ልዕል ኢለ ዝገለፅኩዎምን ካልኦት ብዙሓት ተዛመድቲ ሓሳባትን ኣብ ቱ ዋዕላ ተንፀባሪቖም እዮም፡፡ ኣብ ቱ ዋዕላ ዝነበረ ተሳትፎ ብ ፍላይ ናይ ምስታፍ ድሌት ኣዝዩ ልዑል እዩ፡፡ መራሒ መድረኽ ካብ ኵሉ ማእዝን ዕድል ልምውሃብ እንትይፍትኑ ክይሳተፍ ኢዱ ዝየውፅእ ብዙሕ ሰብ ስለ ዝነበረ ድሓን ቱ ዋዕላ ድሕሪ ሰዓት እውን ስለ ዝይቕፅል ክይሳተፍ ዝይደልይ ኵሉ ሓሳቡ ክይገልፅ ዕድል ክእውህብ እየ ዓቕሊ ግበሩ ይብሉ ነይሮም፡፡ ቱ ተሳትፎ ዚያዳ እናዓመረን ኣብ ከይዲ ምድላው ይዅን ትሕዝቶ ቱ ሰነድ ዝይቐርብ ነቐፌታ እናሓየለን ምስ ቀፀለ ግን ኣብ ከባቢ 6፡30 ቀትሪ ሓሳባት ይደጋገሙ ስለ ዘለው ዕድል ምውሃብ ኣቛሪፅና ቱ ኣኸባ ክነጠቓልል እይና ዝይብል ሓሳብ ብ መራሒ መደረኽ ቀሪቡ፡፡ ብርክት ዝበለ ሰብ ዘኢተገለፀ (ፍሉይ ሓሳብ) ስለ ዘለና ቱ ኣኸባ ክይጠቓለል የብሉን፥ ምይይጥ ድሕሪ ሰዓት እውን ይቐፅል ዝይብል ሓሳብ ኣቕሪቡ እኳ እንተ ነበረ ቱ ኣብዝሓ ተኣካቢ ክይጠቓለል ኣለዎ ኢሉ ብ ድምፂ ስለ ዝወሰነ ከባቢ 7፡30 ቀትሪ መዳለውቲ ቱ ሰነድ ብ ዝውሃቡዎ ልዕል ኢለ ዝገለፅኩዎ ግብረ መልሲ ቱ ዋዕላ ተዛዚሙ፡፡ ጀነራል ፃድቃን ኣብ መወዳእታ ዝገበሩዎ መዛዘሚ መደረ ግን ኣብ ትዕዝብተይ ኣየካተትኩዎን፤ ግልላዊ ብ ዝዀነ ምኽንያት ካብ ቱ ዋዕላ ስለ ዝወፃእኹ፡፡ 

ልዕል ኢለ ከም ዝገለፅኩዎ ቱ ዋዕላ ምሉእ ምዓልቲ ክይካየድ ብ ኣዳለውቲ ትልሚ ተትሒዙ ንተሳተፍቲ እውን ምሳሕ ተዳልዩ እንትየብቅዕ ኣብ ፍርቂ ምዓልቲ ይቐፅል ዶ ይጠቓለል ዝይብል ከም ኣጀንዳ ቀሪቡ ብ ኣብዝሓ ድምፂ ክይዛዘም ል ምንታይ ከም ዝተገበረ ብ ወገነይ ኣይተረደአንን፡፡ ቀዳማይ ነገር ቱ ዋዕላ ምሉእ ምዓልቲ ክይካየድ እዩ ትልሚ ተትሒዙ ነይሩ፡፡ ካልኣይ ብርክት ዝበለ ሰብ (ምናልባት እውን ካብ ቱ ሓሳቡ ዝገለፀ ዝበዝሐ) ዘኢተገለፀ (ፍሉይ ሓሳብ) ስለ ዘለና ቱ ዋዕላ ድሕሪ ሰዓት ይቐፅል ዝይብል ሓሳብ ኣቕሪቡ እዩ፡፡ ሳልሳይ ቱ ዋዕላ ምልኣተ ጕባኤ ዝይሓትት ውሳነ ዝይማሓላለፈሉ ዘኢኰነ ስ ከም ቱ መዳለውቲ መድረኽ ባዕሎም ዝሓበሩዎ መድረኽ ምትእኽኻብ ሓሳብ/ርእይቶ እዩ ነይሩ፡፡ ከምኡ እንተ ድኣ ኰይኑ፡ ድሕሪ ስዓት ተሰላችዩ ዝይተርፍ ወይ ክይተርፍ ዝይኽእል ሰብ ኣይይህልውን እኳ እንተ ዘኢተብሃለ ቱ ዘኢተገለፀ ሓሳብ ኣለኒ (ጠቓሚ ሓበሬታ ኣለኒ) እሞ ሓሳበይ ክእገልፅ ዕድል ይወሃበኒ ዝይብል ዝነበረ ቍፅሩ ዘኢይነዓቕ ሰብ ል ምንታይ ዕድል ተኸሊኡ ዝይብል ሕትቶ መልሲ ዝየድልዮ እዩ፡፡ ኣነ ከም ዝይርደአኒ ከም ዚኦም ዝኣመሰሉ መድረኻት ምትእኽኻብ ሓበሬታን ሓሳብን ውሳነ ዘኢየድልዮም ኣካዳሚያዊ ምይይጣትን ኣቐዲሙ ካብ ዝተገለፀ ናይ ቱ መድረኽ/ዋዕላ ፕሮቶኮል/ስነ ስርዓት ወፃኢ ወይ ሓዱሽ መገደዲ ኵነታት እንተ ዘኢኣጋጢሙ ስቕ ኢልካ ብ ይመስለኒ ኣይይቛረፅን፡፡      

ኣብ ከይዲ ቱ ዋዕላን ኣብ ቱ ዋዕላ ዝተልዓሉ ሓሳባትን ዘለኒ ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ ብ ሓፂሩን ዙይ ይመስል፡፡ ቀፂለ ድማ ኣብ ቱ ዋዕላ መካትዒ ኰይኖም ዝረኸብኩዎም፤ ቀፃሊ ክይግበር ዘለዎ ነገር እውን ኣብ ምእንፋት ይሕግዙ እዮም ኢለ ኣብ ዝሓረኹዎም ክልተ ዛዕባታት ሓሳበይ ንምንፅብራቕ ክእፍትን እየ፡፡ 

1ይ. ተሳትፎ ብ ዝይምልከት ዘለኒ ትዕዝበቲ፦ 

 ገለ ተሳተፍቲ ቱ ዋዕላ ቱ ኣማኻሪ ካውንስል ን ምጥያሽ ኣብ ዝይግበር ከይዲ ካብ መፈልምትኡ ጀሚርና ክንሳተፍ ነይሩና እንትይብሉ፥ መዳለውቲ ቱ ሰነድ ብ ኣንፃሩ ግምት ተበግሶ ወሲዱ ቱ ረቂቕ ሰነድ መጣየሺ ምድላው ፀገም የብሉን ጥራሕ ዘኢኰነ ስ ግቡእ እዩ፤ ኣብ ቱ ዝተዳለወ ሰነድ ዘለው መበገሲ ሓሳባት ምንቃፍን ኣማራፂ ሓሳባት ምቕራብን ትኽእሉ እይኹም ኢሎም ተኸራኺሮም እዮም፡፡ ብ ዛዕባ ዙ ክርክር ብይን ንምውሃብ ተሳትፎ ን ምንታይ የድልይ? ንንመን፣ ምኣዝን ከመይን ከ ይሳተፉ? ተሳተፍቲ ኣብ ቱ ከይዲ ይዅን ኣብ ውፅኢት ቱ ውሳነ ክይህልዎም ዝይግባእ ፅልዋ/ፅዕንቶ ወዘተ… ዝይብሉ ሕትቶታት ኣልዒልካ ምብርህራህ ክየድልይ እዩ፡፡

ተሳትፎ፡ ውፅኢቱ ብ ዘኢየገድስ፡ ብገዛእ ርእሱ ዴሞክራሲያዊ መሰል እዩ፡፡ ተሳትፎ ብ ዓይኒ ውፅኢት እንትይርኣይ እውን ኣብ ሓበሬታ/መረዳእታ ዝተደረኸ ፅፉፍ/ቅኑዕ፣ ውፅኢታዊ፤ ቅቡልነት ዘለዎን ን ምትግባሩ ዘኢየፀግምን ውሳነ ን ምውሳን ዝይሕግዝ ፍቱን መሳርሒ እዩ፡፡ ሰብ ይተኣከብ ምኽሪ ክይርከብ ዝይብል ነባር ኣብሃህላ ተጋሩ እውን ን ዙይ ዝየራጕድ እዩ፡፡ ሓቀኛ ተሳትፎ ን ይምሰል ዝይግበር ተሳተፎ ዘኢኰነ ስ ኵሎም ሰብ ብፅሒት ብ ቐጥታ ወይ ብ ውክልና ካብ መፈለምታ ክሳብ መወዳእታ ማለት ካብ ቀረፃ ኣጀንዳ፣ ምትንታንን ምንፃርን ፀገም ፣ ምንፃርን ብ ቕቐደም ስዓብ ምቕማጥን (ኣማራፂ) መፍትሒ ሓሳባት፣ ካብ ትግበራ ክሳብ ክትትልን ቍፅፅርን ኣብ ዘለው ኵሎም ብርክታት እኹል ግዜ መዲቦም ኣብ ብቑዕ መረዳእታ ዝተደረኸ ዕምቈት ዘለዎ ልዝብ/ምይይጥ ዝይገብሩሉ፤ ኣብ ከይዲ ኣውሃህባ ውሳነ ይዅን ውፅኢት ቱ ውሳነ ትርጕም ዘለዎ ፅልዋ/ፅዕንቶ ዝየሕድሩሉ መስርሕ እዩ፡፡ 

ብ መንፅር ዞም ልዕል ኢለ ዝገለፅኩዎም ረቛሒታት ሓቀኛ ተሳትፎ እንትይርኣይ፡  ተሳተፍቲ ቱ ኣማኻሪ ካውንስል ንምጥያሽ ዝተፀውዐ ዋዕላ ብ ዛዕባ ተሳተፎ ዘቕረቡዎ ነቐፌታ ግቡእ ኰይኑ ንረኽቦ፡፡ ምኽንያቱ ኵሎም ሰብ ብፅሒት ካብ መፈለምትኡ ጀሚሮም ኣብ ኣድላይነት ይዅን ዕላማን ስልጣንን ቱ ዝይጣየሽ ካውንስል ክይላዘቡን ብ ደረጃ መሰረተ ሓሳብ ኣቐዲሞም ክይረዳድኡን ነይሩዎም፡፡ ብ ሓደ ወገን ተዳልዩ ናብ ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ ምይይጥ ቅድሚ ምእታዎም ሰብ ብፅሒት ቅድም ቀዳድም ብፅንሰ ሓሳብ ይዅን ንድፈ ሓሳብ (design) ደረጃ ኣብ ኣድላነትን ዕላማን ቱ ክይጣየሽ ዝይድለይ ካውንስል ዕምቈት ዘለዎ ልዝብ ብ ምግባር ኣብ ሰፊሕ ምርድዳእ ክይበፅሑ ምግባር የድልይ፡፡ እዋናዊ ኣድላይነት ምጥያሽ ባዕል ምሉእ ስልጣን ቤት ምኽሪ ግዝያዊ ምምሕዳር ብ/ክ/መ/ትግራይ ብ ቱ ዝተረፈ ዕደመ (ግዜ ፃንሒት) ስልጣን ግምት ስለ ዝይውሰን ግምት ተሪፉዎ ዘሎ ናይ ስልጣን ፃንሒት (ጊዜ) ክንደይ ከም ዝዀነ እውን ክይዝተየሉን ክይፍለጥን ነይሩዎ፡፡ 

ኵሎም ሰብ ብፅሒት ብ መሰረተ ሓሳብ ይዅን ንድፈ-ሓሳብ (design) ደረጃ ኣብ ምርድዳድ ምስ በፅሑ ድማ ከተያ ሓላፍነት (Terms of Reference/ToR) ኣዳልዮም ናይ ቱ ዝይጣየሽ ካውንስል ረቂቕ ሰነድ (ውሳነ-ሓሳብ) ኣዳልዩ ዝየቕርበሎም ጕጅለ ሰብ ሞያ (team of experts) ወይ ናይ ሓባር ኰሚቴ ተረዳዲኦም ክይስይሙ ነይሩዎም፡፡ ቱ ብ ጕጅለ ሰብ ሞያ ወይ ናይ ሓባር ኰሚቴ ዝተዳለወ ሰነድ ውሳነ ሓሳብ ግዜ ውሂቦም ምስ ኣንበቡዎን ከም ኣድላይነቱ ብ ኻልኦት ሰብ ሞያ ምስ ኣገምገምዎን ድማ ኵሎም ሰብ ብፅሒት ናይ ሓባር መድረኽ ኣዳልዮም ኣብ ቱ ዝተዳለወ ሰነድ ውሳነ ሓሳብ ዕምቆት ዘለዎ ምይይጥ ብ ምግባር ቱ ሰነድ ክየማዕብልዎን ብ መሰረት ኣቐዲሞም ዝተሰማምዕሉ ስርዓት ኣወሳስና ክየፅድቑዎን ይግባእ፡፡ 

ስለ ዙይ ግምት በይኑ ተበግሶ ወሲዱ ረቂቕ ሰነድ ኣዳልዩ ን ምይይጥ ምቕራቡ ፀገም የብሉን/ግቡእ እዩ ዝይብል ክርክር፡ መሰል ሓቀኛ ተሳትፎ ዝይጥሕስ ጥራሕ ዘኢኰነ ስ ን ቱ ዝይጣየሽ ካውንስል ካብ ብ ጒሓቱ ቅቡልነት ዝየስእኖን ውፅኢታዊ ከኢይዀን ዝገበሮን ክይእረም ዘለዎ ኣካይዳ እዩ፡፡ ቅድሚ ሀዚ ግምት ን ምጥያሽ ዝተገበረ ቅንዕና ዘየብሉ መግለሊ ኣካይዳ ሽዑ ተጣዪሹ ዛጊድ ትርጕም ዘለዎ ንጥፈት ክይገብር ዝነበሮ ካውንስል ከኢነጣይሽ ገይሩና እዩ፡፡ ሀዚ እውን ቱ ዘውደቐና ግጉይን መግለሊን ናይ ተብ ተብ ኣካይዳ ተጠቒምካ ድሕሪ ሸሞንተ ወርሒ ኣማኻሪ ካውንስል ን ምጥያሽ ምፍታን ፈፂሙ ተቐባልነት ክይህልዎ ኣይይግባእን፡፡     

2ይ. (ኣማኻሪ) ካውንስል ምጥያሽ የድልይ ዶ? ሕግጊ ኸ ይፈቅድ ዶ? 

ከም ዝይፍለጥ ብ ሰንኪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብ መረፃ ዝቘመ ሕግጋዊ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ፈሪሱ ክልተ ወሰንቲ ምሓውሩ ስኢኑ እዩ፦ ቤት ምኽሪን ፈፃሚ ስራሕን፡፡ ብ ሰንኪ ዙይ ቱ ሳልሳይ መሓውር መንግስቲ ዝዀነ ቤት ፍርዲ እውን ምስ ዞም ክልተ ዝፈረሱ መሓውራት ዝነበሮ ትካላዊ ርክብ/ዝምድና ተቛሪፁ ወይ ተዛቢዑ ፀኒሑ እዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ብ መሪሕነት ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ መረፃ ተወከልቲ ቤት ምኽሪ ክልልን ፌደራልን ክሳብ ዝይሳለጥ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ኣካላት ቱ ስምምዕ (መንግስቲ ፌዲሪኢን ህወሓትን) ብ ዝይግበር ፖለቲካዊ ልዝብ ሓቛፊ ዝዀነ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ክይጣየሽ ስምምዕ ፕሪቶርያ ይጠልብ፡፡ 

ብ መሰረት ዙ ስምምዕ ኣብ ትግራይ ዝይጣየሽ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ብ ሰንኪ ቱ ስምምዕ ዝፈረሱ ክልተ መሓውራት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ (ቤት ምኽሪን ካቢኔ ፈፃሚ ስራሕን) ዝይትክእን ምስ ቱ ሳልሳይ መሓውር መንግስቲ ዝዀነ ቤት ፍርዲ ዘለዎም ትካላዊ ርክብ ናብ ንቡር ዝይምልስ/ ክፍተት ዝይመልእን ክይዀን ይግባእ፡፡ እንተ ዀነ ግን ኣብ ቱ ቅድሚ ሸሞንተ ወርሒ ካብ 22-23 ለካቲት 2015 ዓም ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ን ምጥያሽ ዝተኻየደ ኰንፈረንስ ቱ ዝይጣየሽ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ቤት ምኽሪን ካቢኔ ስራሕ ፈፃሚን ዘካተተ ክይዀን ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ሓሳብ ቀሪቡ እኳ እንተ ነበረ ሓዱሽ ቤት ምኽሪ ብ ዙይ መልክዕ ተቐዳዲምና ቅድሚ ምጥያሽና ፈለማ መንግስቲ ፌደራል ቱ ነባር (ብ መረፃ ዝቘመ) ቤት ምኽሪ ክይቕፅል ክይፈቕደልና ንሕተቶ ብ ዝይብል ሸፈጥ እዩ ቱ ቤት ምኽሪ እንተ ኢተጣየሸ ተሪፉ፡፡ ዙይ ኣብ ቱ ኰንፈረንስ ቀሪቡ ብ ኣብዘሓ ድምፂ ተቐባልነት ዝረኸበ ሓሳብ እዩ፡፡  

ስለ ዝዀነ እውን ቱ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር መውፅኢ ሕግጊ ቤት ምኽሪ ዘየብሉ ካቢኔ ፈፃሚ ስራሕ ጥራሕ ሒዙ ክይጣየሽ ተገይሩ፡፡ ኣብ ቱ ሽዑ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ን ምጥያሽ ዝተገበረ ኰንፈረንስ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ካብ ነጣይሽ ሲ ቱ ነባር ቤት ምኽሪ ኣብ ስራሕ ን ክይቕፅል ምስ መንግስቲ ፌደራል ንደራደር ዝይብል ሓሳብ እዩ ዝቐረበ እምበር ከም ቱ ሎሚ ቕነ ብ ገለ ሓለፍቲ ግምት ዝተነገረና ሕግጊ ናይ ምውፃእ ይዅን ናይ ምውሳን ስልጣን ዘለዎ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ኣካል ቱ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ገይርና ክነጣይሽ ናይ ሕግጊ ተኽእሎ የብልናን፤ ስምምዕ ፕሪቶርያ ከምኡ ክንገብር ኣይይፈቕደልናን፤ ካብ ውዕሊ ፕሪቶርያ ወፃእ ቤት ምኽሪ ነጣይሽ እንተይልና ድማ ን ቱ ስምምዕ ሰላም ከም ምዕንቃፍ እዩ ክይቝፀር ዝይብል ሓሳብ ኣይቀረበን፡፡ ኣብ ድሕሪ ምዝዛም ቱ መጣየሺ ኰንፈረንስ ኣብ ዝፅሓፍኩዎ ውልቀዊ ትዕዝብተይ ከም ዝገለፅኩዎ ቱ ቤት ምኽሪ ሽዑ ክይጣየሽ ዘኢተደለየሉ ዋንና ምኽንያት መንግስቲ ፌደራል ብ ጥሕሰት ሕግገ መንግስታዊ ስርዓት እዩ ተጣይሹ ኢሉ ብ ውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ኣቢሉ ክይፈርስ ዝበየነሉ ቤት ምኽሪ ኣብ ስራሕ ክይቕፅል ክይፈቕደልና ይኽእል እዩ ካብ ዝይብል ቅኑዕ እምነት/ተስፋ ብ ምብጋስ ኣይነበረን፡፡ እኳ ድኣ ስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝይውከልሉ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ እንተ ኣጣይሽና ቱ ዝይጣየሽ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ብ ምስሕሓብ፤ ጭቕጭቅን ዘኢምርድዳእን ክይህወኽ ይኽእል እዩ ካብ ዝይብል ተራ ስግኣትን መሪሕነት ህወሓት ብዘይ ልጓም ስልጣን በይኖም ን ምብሓት ካብ ዝነበሮም ስሱዕ ድሌትን ዝይብገስ እዩ፡፡ ብ ፍላይ ኣካቢ ናይ ቱ ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ዝነበረ ጀነራል ኣሰፋ ወረደ (ወዲ ወረደ) ምጥያሽ ቱ ካውንስል ምስ ቱ ካቢኔ ፈፃሚ ስራሕ ዘለዎ ርክብ ከተሓለልኾ ይኽእል እዩ ኢሉ ኣብቲ ኮንፈረንስ ሓሳቡ ውሂቡ እዩ። ኣሽምባይ ዶ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝይውከልሉ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ክይጣይሽ ክይፈቕዱ ስ ናብ ካቢኔ ፈፃሚ ስራሕ ዝይምደቡ ሰባት እውን ባዕሎም ን ባዕሎም ተስማዕሚዖም/ተረዳዲኦም ክይሰርሑ ዝይኽእሉ ክይዀኑ ከም ዘለዎም ኣብ ቱ ብ ኣሰናዳኢት ኰሚቴ ተዳልዩ ብ ኰንፈረንስ ዝፀደቐ መጣየሺ ሰነድ ከም ረቛሒ ተቐሚጡ እዩ፡፡ 

ስለ ዙይ ግዝያዊ ቤት ምኽሪ ኣካል ቱ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ተገይሩ ቅድሚ ሸሞንተ ወርሒ ዘኢተጣየሸሉ ቀንዲ ምኽንያት ስለ ዘኢየድለይ ወይ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክይጣየሽ ስለ ዘኢይፈቅድ ዘኢኰነ ስ ብ መሪሕነት ህወሓት ስለ ዘኢተደለየ ከም ዝዀነ ክይስመረሉ ዝይግባእ ፅሓይ ዝወቕዖ ሓቅቂ እዩ፡፡

ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ምጥያሽ ግዝያዊ ካውንስል (ግዝያዊ ቤት ምኽሪ) ይኽልክል ዶ? ስምምዕ ፕሪቶርያ ሓቛፊ ዝዀነ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ክይጣየሽ እዩ ዝይጠልብ እምበር ብ ዛዕባ ቅርፂ ወይ ኣወዳድባ ቱ ዝይጣየሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ብይን ኣይውሃበን፡፡ ብ ዘበናዊ ነፃ (liberal) ኣተረጓጕማ ሕግጊ፡ ብ ሕግጊ ብ ግልፂ ዘኢተኸልከል ነገር ከም ዝተፈቐደ እዩ ዝይሕሰብ፡፡ ቅርፂ ወይ ኣወዳድባ ቱ ዝይጣየሽ ምምሕዳር ዝይውሰን ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዲሪኢን ህወሓትን ብ ዝይግበር ፖለቲካዊ ልዝብን ዝይብፃሕ ስምምዕን እዩ፡፡ 

ቤት ምኽሪ ኣካል ናይ ቱ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ኰይኑ ዘኢተጣየሸሉ ምኽንያት ቱ ሓሳብ መንግስቲ ፌደራል ስለ ዝነፀጎ ዶ ይዀን ዝይብል ሕትቶ ምልዓል ይክኣል ይዀን፡፡ ኰይኑ ግን ውድብ ህወሓት ብ ኰንፈረንስ ኣፅዲቓ ን መንግስቲ ፌደራል (ከም ሓደ ተደራዳሪ ኣካል ሓሳቡ ክይገልፅ ወይ ቅዋሙ ክየፍልጥ ዘኢኰነ ስ) ከም ሓለቓኣ ከፅድቐላ ዝሓተተቶ ኣወዳድባ ካቢኔ ፈፃሚ ስራሕን ሹመት ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳርን ዝይምልከት ጥራሕ እዩ፡፡ ልዕል ኢለ ከም ዝገለፅኩዎ ቤት ምኽሪ ኣካል ግምት ገይርካ ናይ ምጥያሽ ሓሳብ ናብ መንግስቲ ፌደራል እንተ ኢቀረበ ኣብ ቱ ኰንፈረንስ እዩ ውዱቕ ተገይሩ፡፡ ቅንዕና ዘለዎ መሪሕነት እንተ ዝይነብር ቱ ቤት ምኽሪ ኣካል ቱ ዝተጣየሸ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ኰይኑ ቅድሚ ሸሞንተ ወርሒ ብ ድርድር ክይቘመሉ ዝይኽእል ሰፊሕ ዕድል ነይሩ እዩ፡፡ 

ስነ ልቦና መራሕቲ ህወሓት ብ ግቡእ ዝተረደኦ መንግስቲ ፌደራል ስልጣን ኣይእደልየልኩምን/ኣይእካፈለኩምን ጥራሕ ኣወዳድባ ቱ ዝይጣየሽ ግምት ባዕልኹም ሰሪሕኹም ኣምፅኡለይ ምስ በሎም መራሕቲ ህወሓት ብ ሰንኪ ቱ ኣብ ስልጣን ዘለዎም ኣዝዩ ስሱዕ ድሌት ምራቖም ፈሲሱ ቱ ንሶም ዝይደልዩዎ ቤት ምኽሪ ዘየብሉ ኣወዳድባ ሰሪሖም እዮም ናብ መንግስቲ ፌደራል ስልጣን ከፅንዐሎም ነኒባዕሎም ተቐዳዲሞም፡፡ ቱ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝይምረሐሉ ኣሳሪ ዝዀነ ናይ ሓባር ሰነድ ስምምዕ ወይ ቻርተር ን ምርቃቕ ይዅን ንፈራረም ዝይብል ሕትቶ ን መንግስቲ ፌደራል ን ምሕታት እውን ግዜ ኣይረኸቡን፡፡ መንግስቲ ፌደራል ድማ ዙ ክፍተት ዙይ ብ ግቡእ መዝሚዙ ዶ/ር ሙሉ ነጋ ዝሸመሉ ናይ ሕግጊ ኣግባብ ጠቒሱ ን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረዚደንት ግምት ገይሩ ሸይሙዎም፤ ዙይ ካልእ ብዙሕ ዘኢተዘረበሉ ታሪኽ ይቕረ ዘኢይብሎ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝሓንሸሸን ዘዋረደን ዓብዪ ገበን መራሕቲ ህወሓት እዩ፡፡  

ሕግጊ ናይ ምውፃእ ስልጣን ዘለዎ ቤት ምኽሪ ዝይጣየሽ ብ መረፃ ጥራሕ ስለ ዝዀነ ካብ መረፃ ወፃኢ ሕግጊ ናይ ምውፃእ ስልጣን ዘለዎ ካውንስል ይጣየሽ ማለት ን ህዝቢ ትግራይ ፀርፊ እዩ፤ ምናልባት ከምኡ እንተ ገይርና እውን ካብ ዓለም ቀዳሞት ክንኰን ንኽእል እይና፤ ቅደም ስዓቡ እውን ትኽክል ኣይኰነን። ካብ ዝይጣየሽ ሓደ ዓመት ንዝገበረ ፈፃሚ ሀዚ ፀኒሕና ተቘፃፃሪ ቤት ምኽሪ ኣጣይሽናልካ ምባል ትኽክል ኣይይዀንን ዝይብሉ ናይ ኣማባሳደር ፍሰሃ ኣስገዶም ርኢቶታት እውን ከከም ኣቀራርብኦም ምንቃፍ ይክኣል እዩ፡፡ ቤት ምኽሪ ዝይጣየሽ ብ መረፃ ጥራሕ እዩ ዝይብል መጐት ኣማባሳደር ፍሰሃ ብ ደረጃ መትከል ፀገም የብሉን፡፡ እንተ ዀነ ግን ቤት ምኽሪ ጥራሕ ዘኢኰነ ስ ኰላይ ቱ ሰራሕ ፈፃሚ ዝይሓውስ መንግስታዊ ስልጣን ብ ዓብዩኡ ክይጣየሽ ዝይኽእል ብ ዲሞክራሲያዊ መረፃ ጥራሕ ከም ዝዀነ ኣብ ሕግገ መንግስቲ ፌደራልን ክልልናን ብ ግልፂ ተደንጊጉ ይርከብ፡፡ ስለ ዙይ ኣብ ንቡር (normal) ኵነታት ኰይንኻ እንትይርኣይ ኣማባሳደር ፍሰሃ ዝበሉዎ ትኽክል ኰይኑ ነገር ግን ን ቱ ቤት ምኽሪ ጥራሕ ዘኢኰነ ስ ን ቱ ፈፃሚ ሰራሕ እውን እዩ ዝይሰርሕ፤ ኣብ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ባይቶኣዊ (parliamentary) ሃገራት ካቢኔ ፈፃሚ ስራሕ ዝይቘም ብ ቱ ዝተመረፀ ባይቶ (ቤት ምኽሪ) ምዃኑ ከኢዘንጋዕኹ፡፡ 

ኣምባሳደር ፍሰሃ ን መሰል ዓርሰ ውሳንኡ ክባር መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ትግራይ ብ ሰንኪ ልምሰት መራሕቱ ብ መረፃ ዘቘሞ መንግስቱ ክይፈርስ ተገይሩ ብ ዘኢመረፆ ግዝያዊ ምምሕዳር ክይምራሕ ምግባር ካብ ፀርፊ ሓሊፉ መርገም/ሕሰም (curse) እዩ እንተ ዝይብሉ መምሓረሎም፡፡ ብ ካቢኔ ፈፃሚ ስራሕ ጥራሕ ዝይምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ተቐቢሎም እንትየብቅዑ ቱ ግዝያዊ ምምሕዳር ተቘፃፃሪ ቤት ምኽሪ ይሃሉዎ እንትይብሃል ግን ን ህዝቢ ትግራይ ፀርፊ እዩ ምባሎም ኣብ ትዕዝብቲ ክየውድቖም እንተ ዘኢኰይኑ ሓሳቦም ማይ ዝይቛፅር ኣይኰነን፡፡     

ዙ ካብ ዕረ ዝመረረ ሓቅቂ ክንቅበል ግድድን ካብ ኰነ፤ ሀዚ ይበሃል ዘሎ ብ መረፃ ዝተጣየሸ መንግስቲ ብሄራዊ ክልል ትግረይ ብ ሰንኪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ፈሪሱ ዘኢንቡር ኵነታት ተፈጢሩ ስለ ዘሎ ብ መሰረት ቱ ስምምዕ ብ መረፃ ስሩዕ ክልላዊ መንግስቲ ክሳብ ዝይጣየሽ ን ቱ ዝፈረሰ መንግስቲ ተኪኡ ዝየመሓድር ዘኢተመረፀ ግዝያዊ ምምሕዳር ከመይ ይጣየሽን እንታይ ዓይነት ኣወዳድባ/ቅርፂ ይሃልዎን እዩ፡፡ ኣወዳድባ ቱ ብ ዙይ መልክዑ ዝይጣየሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ቱ ዝይትክኦ ዝፈረሰ መንግስቲ ክይመስል ግድድን እዩ፡፡ ከምኡ እንተ ዀይኑ ጥራሕ እዩ ኣብ መንጎ ሰለስቲኦም ሕግገ መንግስታዊ መሓውራት መንግስቲ ክይህልው ዝይግባእ ትካላዊ ናፅነት ይዅን ቍፅፅር ናብ ንቡር ክይምለስ ዝይኽእል፡፡ ዘኢተመረፀ ቤት ምኽሪ ዘለዎ ግዝያዊ ምምሕዳር ምጥያሽ ብ ኣና ክይጅመር እንተ ዀይኑ እምበይ ኣብ ዓለም ዛጊድ ኣይተርኣየን ዝይብል ካልእ ምጕት ኣምባሳደር ፍሰሃ ኣዝዩ ካብ ሓቅቂ ዝርሓቐ እዩ፡፡ ል ግዚኡ ተመኵሮ ዓለም ምርኣይ ይትረፈና እሞ እስቲ ሓደ ናይ ባዕልና ተመኩሮ ን ኣምባሳደር ፍሰሃ ከዘኻኽሮም፡፡ ብ1983 ዓም ዝተኣወጀ ቻርተር እዋን ስግግር ኢትዮጵያ ቤት ምኽሪ ተወከልትን ካቢኔ ሚንስትራትን ዝይበሃሉ ነናይ ባዕሎም ስልጣንን ተግባርን ዘለዎም ክልተ ዓርሶም ዝኽኣሉ ምሓውራት ከም ዝነበሩዎ ይዝከሮም ዶ? ምሓውራት ቱ መንግስቲ ስግግር ዝተጣየሽሉ ኣግባብ ብ ፍሉይ ፖለቲካዊ ስምምዕ እምበር ብ ህዝባዊ መረፃ ከም ዘኢኰነ ኸ ይዝከሮም ዶ? ቱ ቻርተር ሀዚ እውን ኣብ መንግስታዊ ፋይል ይዅን ኣብ ኢንተርኔት ክይርከብ ዝይኽእል ህያው ሰነድ ስለ ዝዀነ ኣምባሳደር ፍሰሃ ክይርዩዎ እላበው፡፡

ካብ ዝይጣየሽ ኣስታት ሓደ ዓመት ን ዝገበረ ካቢኔ ፈፃሚ ስራሕ ግምት፡ ሀዚ ተቖፃፃሪ ቤት ምኽሪ ኣጣይሽናልካ ክንብሎ ግቡእ ኣይኰነን፤ ቀደም ስዓቡ እውን ዝሓለወ ኣይኰነን ን ዝይብል ክርክሮም ን ኣምባሳደር ፍሰሃ ሀዚ እውን ብ ኣኽብሮት ሓደ ነገር ከዘኻኽሮም እደልይ፡፡ ቤት ምኽሪ ኣካል ግምት ኰይኑ ክይጣየሽ ኣለዎ ዝይብል ሓሳብ ሀዚ ድሕሪ ሸሞንተ ወርሒ ተበሪሁልና ብ ቕፅበት ነልዕሎ ዘለና ሓሳብ ዘኢምዃኑ፤ ቱ ዝይጣየሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ካቢኔ ፈፃሚ ስራሕ ጥራሕ ዘኢኰነ ስ ምሉእ ስልጣን ዘለዎ ቤት ምኽሪ ዘካተተ ዝተማልአ ምምሕዳር ክይዀን ከም ዘለዎ ቅድሚ ቱ ግምት ን ምጥያሽ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2015 ዓም ዝተገበረ ኰንፈረንስ ይዅን ኣብ ቱ ኰንፈረንስ ሓሳብ ከም ዝቐረበ፤ ኣብ ቱ መጣየሺ ኰንፈረንስ እውን ቱ ሓሳብ ክርክር ከም ዝተገበረሉን ቤት ምኽሪ ሀዚ ምጥያሽ ኣይየድልን ተብሂሉ ብ ኣብዝሓ ድምፂ ከም ዝተወሰነን ከዘኻኽሮም እደልይ፡፡ ቱ ቤት ምኽሪ ሽዑ ሓደ ዓርሱ ዝኽኣለ ምሓውር ግምት ኰይኑ እዩ ክይጣየሽ ነይሩዎ፡፡ ግምት ካብ መሰረቱ መፈጠራዊ ጕድለት (birth defect) ዘለዎ እዩ ንብል ዘለና ድማ ከይዲ ኣፈጣጥራኡ ወሰንቲ ዝይብሃሉ ሰብ ብፅሒት ዘኢኣሳተፈ መግለሊ ብ ምንባሩ ጥራሕ ዘኢኰነ ስ ከም ውፅኢቱ እውን ቱ ብ ሰንኪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፈረሰ መንግስታዊ መሓውር ብክ/መ/ት ብ ግዝያዊነት ተኪኡ ን ምስራሕ ዝየኽእሎ ዝተማልአ ምምሕዳራዊ ቍመና/ቅርፂ (ቤት ምኽሪ) ይዅን ዝይመሓደረሉ መሰጋገሪ ቅዋም ዘየብሉ ብ ምዃኑ እውን እዩ፡፡ 

ልዕል ኢለ ከም ዝገለፅኩዎ ቱ ቤት ምኽሪ ኣካል ግምት ኰይኑ ዛጊድ ዘኢተጣየሸሉ ምኽንያት እውን ቱ ቍፅፅር ዘኢይፈትው ቀይዲ በተኽ መሪሕነት ህወሓት ሰፊሕ ማሕበራዊ ውክልና ዘለዎ ተቖፃፃሪ ቤት ምኽሪ ክይህሊ ስለ ዘኢደለየ እዩ፤ ስምምዕ ፕሪቶርያ ስለ ዝይኽልክል ወይ መንግስቲ ፌደራል ስለ ዝኣበየ ኣይኰነን፡፡ ብ ህወሓት ኣብ ዝይዕብለል መጣየሺ ኰንፈረንስ ካቢኔ ስራሕ ፈፃሚ ጥራሕ እምበር ቱ ቤት ምኽሪ ኣካል ቱ ዝይጣየሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ክይኸውን የብሉን ተባሂሉ ስለ ዝተወሰነ እዩ፡፡ ከምኡ ስለ ዝዀነ እዩ ሀዚ እውን ቱ ዘንጊዑ ክይጣየሽ ዝይሕሰብ ዘሎ ‘ኣማኻሪ ካውንስል’ ናይ ምውሳን ስልጣን ይዅን ትካላዊ ናፅነት ዘየብሉ ተፀዋዕነቱ ናብ ፕረዚደንት (ሓላፊ ካቢኔ ስራሕ ፈፃሚ ግምት) ክይኸውን ዝይድለ ዘሎ፡፡ሕግጊ ዝየውፅእ፣ ዝይውስንን ዝይቆፃፀርን ናፃ ኣካል ናይ ቱ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘኢኰነስ ከም መራኸቢ ድልድል ኰይኒ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን (መንግስቲ ዝይበሃል ዘሎ ቱ ቤት ምኽሪ ዘየብሉ ካቢኔ ስራሕ ፈፃሚ ሙዃኑ ልቢ ንበል) ዘሎ ርክብ ን ምጥንኻር ብ ኻልእ ኣገላልፃ ስራሕቲ ርክብ ህዝብን “መንግስትን” ክይዓምም ዝይጣየሽ ዘሎ፡ ልጋብ ቱ ፈፃሚ ዝዀነ ካውንስል ምዃኑ ኣድላይነትን ዕላማን ናይ ቱ ‘ኣማኻሪ ካውንስል’ ብ ዝይምልከት ብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝተዳለወ ረቂቕ ሰነድ ካብ ዝተውሃበ ገለፃ ምርዳእ ይከኣል፡፡ 

ኣብ ዙይ ግልፂ ክይዀን ዘለዎ ነገር ኣሎ፦ ካቢኔ ስራሕ ፈፃሚ ግምት፡ ስራሕቲ ርክብ ህዝብን “መንግስትን”ዝየሳልጠሉ ይዅን ከማኽሮ ዝይኽእል (ኣማኻሪ) ካውንስል ከጣይሽ ኣይይኽእልን ኣይኰነን ዝይበሃል ዘሎ፤ ን ስራሕቱ ዝይሕግዙ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ሰብ ሞያ (panels of experts) ይዅን ኣማኸርቲ ካውንስላት ሰብ ብፅሒት ብ ቐሊሉ ሰዓቦ ጕተቶ ዘየብሉ ክየጣይሽ ይኽእል እዩ፡፡ እንተዀነ ግን፡ እቶም ን ዙ ዕላማ ዝይጣየሹ ኣማኸርቲ ካውንስላት፡ ከም ዙ ሀዚ ይፍተን ዘሎ ተምሳል ቤት መኽሪ መውፅኢ ሕግጊ ኣትሒዙ ቤት ምኽሪ ከም ዝየጣየሸ ኣምሲሉ ን ምድንጋር ይዅን ን ፖለቲካዊ ሃልኪ ክይጥቀመሎም የብሉን እዩ ይበሃል ዘሎ፡፡ 

መጠቓለሊ

ኣብ ተሳትፎ ይዅን ኣብ ኣድላይነትን ሕግጋዊ ተኽእሎን ምጥያሽ ባዕል ምሉእ ስልጣን ቤት ምኽሪ ግዝያዊ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ (ብክመት) ዘለኒ ሞያዊ ትዕዝብቲ ብ ሓፂሩ ቱ ልዕል ኢለ ብ ዝርዝር ዝገለፅኩዎ ይመስል፡፡ ካብኡ ንላዕሊ መንበብቲ ዚያዳ ዝየሰልኪ ሰፊሕ ፅሑፍ ከዳልው ኣይተርኣየንን፡፡ ትዕዝብተይ መሰረት ገይረ ሓደ ክልተ ዝዀኑ ኣንፈት ሓበርቲ ክይዀኑ ይኽእሉ እዮም ኢለ ዝኣመንኩሎም ሓሳባት ጠቊመ ፅሑፈይ ክእኽንብት፡፡ 

  • ህዝቢ ትግራይ ገጢሙዎ ዘሎ ኣብ ታሪኹ ተርእዩ ዘኢይፈልጥ ሓደጋ ህልውና በዲሁ ህልውንኡ ይዅን ግዝኣታዊ ሓድነቱ ክየውሕስ ዝይኽእል ን ቱ ገጢሙዎ ዘሎ ሓደጋ ብ ግቡእ ተንቲኑ ዝይርዳእን ዘላቒ መፍትሒ ዝየናዲን ብቑዕ ኣተሓሳስባ፣ ኣወዳድባን ስትራተጂካዊ መሪሕነትን እንተ ወኒኑ ጥራሕ እዩ፡፡ ኣብ ዙይ ብ ደረጃ መሰረተ ሓሳብ ሰፊሕ ምይይጥ ምግባርን ኣብ ምርድዳእ ምብፃሕን የድልይ፡፡ 
  • ብ ቱ ዝተለመደ መግለልን ንሕና ንፈልጠልካ ዝይብል እንቱር ኣካያይዳን ህዝቢ ትግራይ ህልውንኡ ይዅን ግዝኣታዊ ሓድነቱ ክየውሕስ ስለ ዘኢይኽእል ኵሎም ዝየገድሶም ወገናት/ኣካላት ብ ብቕዓት ዝይሳተፉሉ ሓበራዊ መድረኽ ስግግር ምጥያሽ የድልይ፡፡ 
  • ሓፈሻዊ ኣወዳድባ ይዅን ተዋፅኦ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብ ቱ ልዕል ኢለ ዝገለፅኩዎ ሓቛፋይ መንፈስ ክይቃነይን መሊሱ ክይተዓራረይን ይግባእ፡፡ ብ ኻልእ ኣገላልፃ ኣወዳድባ ግምት ክልቲኦም ዝተጓደሉ ወሰንቲ መሓውራት መንግስቲ (ቤት ምኽሪን ካቢኔ ፈፃሚ ስራሕን) ክይህልውዎ፤ ኣብ ከይዲ ዳግመ ምጥያሹ ይዅን ተዋፅኦኡ/ትሕዝቶኡ ድማ ትርጕም ዘለዎ/ሓቀኛ ተሳትፎ ወሰንቲ ሰብ ብፅሒት ክይህሉዎ ምግባር የድልይ፡፡ 
  • ልዕል ኢለ ዝገለፅኩዎም፡ ኣንፈትቲ ሓሳባት ን ምትግባር ቅድም ቀዳድም ካብ መፈጠሩ መሰረታዊ ፀገም ዘለዎ ግምት ብ ተብ ተብ ለቓቒብካ ይዅን ለካጋጊብካ ኣድማዒ ውፅኢት ምርካብ ከም ዘኢይክኣል ኣብ ምርድዳእ ምብፃሕ የድልይ፡፡ 

ደስታ ገብረሚካኤል ግደይ (ዶክተር ዘፍልስፍና) ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕግጊ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ሕግጊ እዩ።

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT