ብ ጠቕላላ  ልዕሊ 300000  ዝ ዋግኦም ናውቲ ል ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ ወረዳ ሓውዜን ዝ ዀና ቤት ትምህርቲ 1ይ ብርኪ ደብረ ሂወት፥ ቤት ትምህርቲ 1ይ ብርኪ መጋብ፥  ቤት ትምህርቲ 2ይ ብርኪ መጋብ ተበርኪቱ።   ዙ ሓገዝ፡  ኣብ  ስፕለንዶር  ኣምስተርዳም  ኣብ  ዝ ተዳለወ   መደብ  “ል ትግራይ” ካብ ዝ ተረኸበ ርብዒ ሚልዮን ገንዘብን እነይ ማራይከ ኮፐርድራት ዝ ተብሃላ ኔዘርላንዳዊት  ዝ ኣበርከታኦ ፍሉይ ሓገዝን እይዩ። 
ተወካሊ ቤት ፅሕፈት ትምህርትን መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ስርዓተ ትምህርትን ወረዳ ሓውዜን መምህር ገብረማርያም ሓድጉ ል ቱ ሓገዝ ተረኪቦም፣  “ተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝ ነበረን ሃፍተ ገነት ብሰንኪ ወራር ተዘሚቱ ብሕፅረት ናውቲ ኤሌክትሮኒክስ ተፀጊመን ምንባረን ድሕሪ ምግላፅ፣ ዙ ሓገዝ መሰርረታዊ ፀገም ተን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ምፍታሕን ፅሬት ትምህርቲ ኣብ ምርግጋፅን ናይ ባዕሉ ግደ ከም ዘለዎን” ገሊፆም ከም ፀብብፃ ቢሮ ርክብ ጕድዳያት መንግስቲ ትግራይ፡፡ ኣመራርሓ ሓገዝ ዝ ተገበረልለን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ቱ  ሓገዝ ን ዝ ነበሮም ፀገም ብ ውስሱን ከም ዝ ይቐርፍ፣ ል ኣሳልጦት ስራሕቲ ትምህርቲን ኣልላልዮት   ምስ ቴክኖሎጂን ልዑል ግደ ከም ዝ ይህልሉዎ ገሊፆም፥ ከም ፀብፃብ ቱ ቢሮ።
ቅድሚ ኣዋርሕ፡ ኣብ ስፕለንዶር ኣምስተርዳም ክልተ ኣብ ትግራይ ዝ ኣድሃቡ  መደባት ተዳሊዎም ነይሮም።  ቶም ክልተ መደባት  ብ ሰንናይ ፍቓድን ሓልዮትን  ኔዘርላንዳዊ ሙዚቅቀኝኛ ጃን ዊለም ባልየት፡ ብ ኣድዳላዊነት ባዕሉን ሰለስተ ካልኦትን (ገብረክርስቶስ ገብረስላሴ፥ ኣናን ማርዮሴን) እይዮም ተሳሊጦም።      
ስፕለንዶር  ኣምስተርዳም፡ ሓደ  ቦታ ምርኢት ሙዚቅቃ ኣብ ኣምስተርዳም (ኔዜርላንድ) ኰይኑ፡  ፍሉጣት ሙዚቀኝኛታት ኔዘርላንድ ዝ ተኣኻከቡልሉ እይዩ።  ኣብ  ዙ ቦታ “ል ትግራይ” ዝ ተሰመዩ ክልተ ዓብበይቲ መደባት ሙዚቅቃን ዘተን ተሳሊጦም ነይሮም። ቱ ፈልላማይ መደብ  (ኣብ ትሕቲ መራኽቦታት ቀድዳመዋይ መደብ ፡ ሕድዳጋት 1፥ 2፥ 3፥ 4፥ 5 ተመልከቱ)፡ ብ ዕለት 3 ለክካቲት 2015  ዝ ተኻየደ ኰይኑ፡ ብ ዛዕባ ኵነታት ትግራይን ኲናት ትግራይን ኣመልኪቱ ኣብ  ኔዘርንላድ ግንዛበ ል ምፍጣር ዝ ዓልለመ  ነይሩ።   
ብ ዕለት  27 መስከረም 2016 ዝ ተኻየደ  ካልአዋይ መደብ ክዓ ፡   መቐፅፀልታ  ቱ ቀድዳመዋይ መደብ ኰይኑ፡ ብ ፍሉይ ኽዓ “ብ ትምህርቲ ኣብቢልካ ተስፋ ትግራይ መሊስካ ምልምላም” ብ ዝ ይብል ርእሲ ኣብ ምድጋፍን ምብርባርን ትምህርቲ ዝ ዓልለመ ነይሩ።  (ኣብ ትሕቲ መራኽቦታት ካልአዋይ መደብ፡ ሕድዳጋት፥ 1፥ 2፥ 3 ተመልከቱ)።   ኣብ   ዙ ዋንና መልእኽቱ  ብ ምትንስስሳእ ትምህርቲ ኣብቢልካ ተስፋ  ተጋሩ ምልምላም  ዝ ነበረ ካልአዋይ መደብ፡ ገሊኦም ተሳተፍቲ ገንዘባዊ ድጋፍ ገይሮም ነይሮም።   ዙ ካብ ዙ  ድጋፍ ዝ ተረኸበ ገንዘብ እይዩ ል ዙ ዕላማ ውዒሉ ዘልሎ።  ል ሰለስተ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ናይ መፃሕፍቲ፥ ማሽናት ፎቶኮፒ፥ ፕሮጀክተርን ኮምፒተራትን ዓድዲግናሉ ነበርክት ኣልለና።  
ብ ተወስሳኺ፡ እነይ ማራይከ ዝ ተብሃላ  ኔዘርላንዳዊት እንነ፡ ብ ምኽንያት ምኽባር ዓመተ ውልደተን፡  ብ ፍሉይ ዝ ኣበርከታኦ 40000 ቅርሺ  ል ሓገዝ   ቤት ትምህርቲ 1ይ ብርኪ ደብረ ሂወት ብ ምውዓል፡ ተወስሰኽቲ  ኮምፒተራት ዓድዲግናልሉ ኣልለና። 
 ዝርዝር ሓገዝ ዝ ተውሃባ ኣብያተ ትምህርትን ዓይነት ሓገዝን   
| ቍፅሪ | ቤት ትምህርቲ | ዝ ተገብረ ሓገዝ  | 
| 1 | ቤት ትምህርቲ 1ይ ብርኪ ደብረ ሂወት | መፃሕፍቲ፥ ኣባዕተ ኮምፒተራት፥ ማሽን ፎቶኮፒ፥ ደፋትር  | 
| 2 | ቤት ትምህርቲ 1ይ ብርኪ መጋብ | መፃሕፍቲ፥ ፕሮጀክተር፥ ኮምፒተር  | 
| 3 | ቤት ትምህርቲ 2ይ ብርኪ መጋብ | መፃሕፍቲ፥ ሓንቲ ዓብባይ ማስን ፎቶቾፒ | 
 
ቶም ል ሰለስቲአን ኣብያተ ትምህርቲ ዝ ተበርከቱ  መፃሕፍቲ፡ ብ ኣክካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዝ ተሓትተሙ ዓዓሰርተ ክልተ መፃሕፍቲ የካትቱ።  
ቪድዮታት 
ሀ) መራኽቦታት ቀድዳመዋይ መደብ 
- https://tghat.com/2023/02/18/the-alarm-bell-for-tigray-event-in-amsterdam/
 
- https://www.youtube.com/watch?v=7_Qypngemrs
 - https://tghat.com/2023/09/27/for-tigray-an-awareness-and-fundraising-event-to-help-schools-and-students-in-tigray/
 
- https://tghat.com/2023/02/02/a-music-and-discussion-event-for-tigray-at-splendor-amsterdam-also-to-be-livestreamed/
 - https://www.splendoramsterdam.com/agenda/712438/noodklok-voor-tigray
 
ለ) መራኽቦታት ካልአዋይ መደብ 
-  https://www.youtube.com/watch?v=xyO4mF0ZwkI
 -  https://www.youtube.com/watch?v=If5ZN93YfMc
 - https://www.splendoramsterdam.com/agenda/111344703/tigray-benefiet-live-stream
 
ዚኣቶም እውን ተመልከቱ