Connect with us

Uncategorized

መልእኽቲ ሓዘንን ኒሕን ካብ ኣብ ጸለምቲ (ትግራይ) ዝነብር ጐይተኦም ናብ ኣብ ወፃኢ ዝትርከብ ሓፍቱ ራሄል ነጋሲ

Published

on

ብዓይነይ እናርአኹ ገዛይ ተቓጺሉ፤ ቤተሰበይ ተበቲኑ፤ ከም ሰብ ገኒዝና ክንቀብሮም ኣይክኣልናን ንቤተሰብና። ራሄል ሓፍተይ እከለ ኣሎ እከለ የለን ክብለኪ ኣይትጸበዪኒ። እቶም ብዓይነይ ዝርአኹዎም ዝሞቱ እውን ኣይነግረክን።

ኣነ ጽባሕ የለኹን። ገድሊ እኣትው ስለ ዘለኹ። ንክስዋእ እምበር ንክምለስ ኣይኰንኩን። ቤተሰብኪ ዓሌትኪ ክንዲ ዝጠፍኡ ይጥፍኡ ደኒንኪ ክትነብዒ እቶም ዘለዉ ከይትስእንዮም። እዚ ደም ተጋሩ ናይ መወዳእታ ክዀን እቶም ዘለውን ዝመጽኡን ዝቐስኑላ ዓዲ ህነጹ

ሓደራ ደምና ንገሊኦም መሻፈዲ ከይኾን። ራሄል ሓፍተይ ኣደይ ንጥሪ ክተምርዕወኒ እያ ትሸባሸብ ከሪማ ኣይተዓደለትን ብርሃን ወዳ ክትርኢ። ርግጸኛ ዝዀን ግና ብደመይ ንሓዋሩ ብርሃን ትዀን ዓዲ ክትህልው ምዃና እየ። ሓደራ ራሄል ሓፍተይ ከምቲ ትማሊ ኣዶ ስውእ እናርአኹ ሓሊፈየን ዝኸድ ዝነበርኹ ነደይ እውን ኣናሓለፍክያ ከይትከዲ።

ዝናፍቐኪ ሓውኪ ጐይተኦም
ካብ ጸለምቲ ትግራይ

መብራህርሂ

ጐይተኦም ወዲ ኣኮኣ ል ራሄል ነጋሲ እዩ። ኣብ ፀለምቲ ኔትወርክ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ራሄል ስለ ቤተሰብ ምስ ሓተተቶ እዩ እዛ መልእኽቲ ፅሒፉላ። ካብ እዛ መልእኽቲ ል ድሓር፡ ምስ ራሄል ርክቡ ተቛሪፁ ይርከብ። ራሄል፡ ከም እቱ ኣብ እቱ መልእኽቱ ዝበሎ፡ ተጋዲሉ እዩ ኢላ ትኣምን።

Continue Reading
1 Comment

1 Comment

  1. Dejen

    December 8, 2020 at 3:44 pm

    ኣጆኺ ራሔላ! ኩሉ ክርህው እዩ! ኣምላኽ ምስ ጎይትኦምን እቶም ካልኦት ጀጋኑን ይኹን!

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT