Connect with us

Uncategorized

ሸራሮ ካብ ጥቅምቲ 25 ክሻብ ሕዳር 3፡ 2013 ዓ.ም

ብዕለት 3 ሕዳር ድማ ብዙሓት ሬሳታት ኣብ መንገዲታት እታ ኸተማ ምርኣይ ጀመርና። ኣነ ብዓይነይ ዝርኣይኹዎም 13 ይበጽሑ። ብድምር ልዕሊ 20 ዝዀኑ ሰባት ብዕለት 2 ሕዳር ተቐቲሎም እዮም። ክንቀብሮም ሓቲትና እውን ሰራዊት ኢትዮጵያ ከልኪሉና እዩ። ድሕሪ 1 ሰሙን እዮም ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።

Published

on


መብርሂ ኣርታዒ፡ እዚ ስሙ ክይፅራሕ ብ ዘኢይደልይ፡ ግን እቱ ኵነታት ብ ዓይኑ ብ ዝርአየ ሰብ ዝተፅሓፈ እዩ።


ካብ ዕለት 25 ጥቅምቲ ጀሚሩ፡ ኣብ ከባቢ ከተማ ሸራሮ: ማለት እውን ኣብ ጓል ባድማ፣ ዓዲ ቡዅራይን ኣደመይትን ሓያል ኲናት ክካየድ ቀንዩ እዩ። ብ እዚ ምኽንያት ድማ  ህዝቢ  እታ ከተማ ናብ ገጠራት ታሕታይ ኣድያቦን ( ንምብራቕ ገጽ) ናብ ሽረን ክፈናቐል ጀሚሩ።

ክሳብ ጥቅምቲ 27 እቲ ውግእ ኣብ መንጎ እዚ ሰሜንን ሓይሊ ምክልኻል ትግራይን እዩ ነይሩ።

ኣብ ኣድያቦ ብዙሓት መዋፈርታት እዚ ሰሜን ( ካምፕታት) እየን ነይረን።

ኣብ ጥቅምቲ 26ን 27ን ምሽየት ግን፡ ካብ 3 ክፍለጦራት፡  ማለት እውን ካብ 8ይ, 7ይን መበል 31ን  ክፍለጦራት: ኣምሊጦም ናብ ኤሪትራ ምስ ታንክታቶም ሰጊሮም እዮም።

ካብ ጥቅምቲ 28 ጀሚሩ ብኣንፈት ኤሪትራ ተመሊሱ  ንኸይመጽእ ሓለዋ ተጀሚሩ ነይሩ፤ ነገር ግን ምልሻታት ጥራሕ ድኣ እምበር እዅላት ሓይልታት ትግራይ ኣይነበራን። 

ዕለት 30 ጥቅምቲ ምሽየት ሻዕብያ ንሑመራ ብመድፍዕ ክድብድባ ጀሚሩ።  ህዝቢ ሑመራን ከባቢኡን ድማ  ብለይቲ ናብ ከተማ ሸራሮ ክጕዓዝ ጀሚሩ። ብባጃጅ፣ ብሞተር ሳይክላትን ብናይ ደረቕ ጽዕነት መካይንን እናተጓዕዘ ብሸራሮ ገይሩ ንሽረ ገጹ ምህዳም ጀሚሩ።

ኣብ ሒለገን እንታይ ተፈጠረ? 

ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣፍ ሑመራ ናብ ተከዘ ገጽ ትርከብ ሒለገን ትብሃል ቦታ  መዋፈሪ ነይሩዎ። ብዳንሻ ዝነበረ መጥቃዕቲ ሓይልታት ትግራይ ምስ ሓየሎም ናብ ኦሞሓጀር ትብሃል ናይ ኤሪትራ ከተማ 4 ዝኸውን መዳፍዕ ተኲሶም። እዚ ድራማ እዚ ሰራዊት ኤሪትራ ካብ ኢትዮጵያ ተተኲሱኒ ብዝብል ሽፋን ንሑመራ ክድብድባ እሞ ሰራዊት ትግራይ ብኽልቲኡ ኣንፈት መጥቃዕቲ ምስ በጽሖ ክፈርስ ምእታን እዩ ነይሩ። 

ህዝቢ ከተማ ሸራሮን ከባቢኡን እውን ብዝገደደ መልክዑ መረበቱ ገዲፉ ወጺኡ።

ካብ ባሕቲ ሕዳር ንጕሆ ስዓት 12:00 ጀሚሩ መዳፍዕ ካብ ኣንፈት ኤርትራ እናተተኰሰ ኣብ ኣፍ ከተማ ሸራሮ ክዓልብ ጀመረ፤ ክሳብ ምሽየት እውን ቀጸለ። ምምሕዳር ከተማ ሸራሮን ኣብኡ ዝነበሩ መራሕቲ ሓይልታት ትግራይን እውን ነታ ከተማ ገዲፎማ ወጽኡ።

ዕለት 2 ሕዳር እውን እቲ ናይ መዳፍዕ ደብዳብ ብጽዑቕ ኵነታት ቀጸለ። ዝቐረየ ኣዝዩ ውሑድ ህዝቢ፡ ክሳብ ከባቢ ፋዱስ ኣቢሉ ግሕጥ ኢሉ ወጺኡ።

እቲ ተዅሲ መድፍዕ እንዳወሰኸ ምስኡ እውን ናይ ብሬንን ድሽቃን  ተዅስታት እንዳተሓወሶ መጽአ።

ኣነን 3 ሰባትን ኣብ ሓደ ኵጀት ኰይንና ነማዓዱ ነይርና። ከባቢ ሰዓት 7:00 ኣቢሉ ግን ኣዝዩ ስለ ዝቐረበና፡ እቶም 3 “ንኽይድ፣ ንርሓቕ” ክብሉ እንከለዉ፡ ኣነ ግን “ናብ ከተማ እየ ዝኸይድ” ኢለ ናብ ከተማ ኣምራሕኹ።

ከተማ ሸራሮ ጭርውሩው እያ ኢላ ዝነበረት። ኣነ ግን ጠምዩኒ ስለ ዝነበረ ናብ እቲ ዓሪፈሉ ዝነበርኩ ገዛ ክየኩ፤ ነገር ግን ሰብ ኣይረኸብኩን።

ቀጺለ ናብ ኣስፋልቲ ከባቢ ወጺአ፡  ምናልባሽ ምግቢ ዘለዎ ቦታ ክእልሽ ጀመርኩ። ሓንቲ ክፍትቲ ቤት ብልዒ እውን ረኸብኩ። 

እታ በዓል ዋና በይና ረኺበያ። “መግቢ ኣለኪ ዶ?” ኢለ ጠየቕኩዋ። ብጣዕሚ ፈሪሓ፡ “እንታይ ምግባር ይሓይሽ?”  ክትብል ድማ ሓተተትኒ።  “ንስኻ ምግቢ ተራእዩኳ ሕጂ” በለትኒ። ኣነ ድማ፡ “እንታይ ደኣ ክገብር?፣ ካብ ገዛይ ኣይወጽእን” ድማ በልኩዋ። 

“ሓንቲ እንጀራ ኣላትኒ ንጓለይ ኢለ ዘቐመጥኩዋ” ድማ በለትኒ። “ኣበይ ኣላ ጓልኪ ?” ሓተትክዋ፡ “ምስ ኣደይ ኣብ’ቲ መኽየዲ ዉሑጅ ኣእትየየን ኣለኹ” በለትኒ። “ንምንታይ ? ኣብ’ዚ ምሳኺ እንተዝዀና እኮ ምሓሸን ነይሩ”  ድማ በልኩዋ።  ንሳ ግን ብጣዕሚ ፈሪሓን ተረቢሻን ሰለ ዝነበረት  ትብሎን ትገብሮን ኣይትፈልጥን ነይራ። ሽዑ ካብ ንምሕባእ ምፍታን ግልጺ ኣብ ዝዀነ ቦታ ምጽናሕ እዩ እቲ ዝሓሸ መማረጺ ነይሩ።

ምስኣ  ነዕለሉ ኣብ ዝነበርና ግዘ ካልኦት 3 ኣወዳት ተሓዊሶምና። “እንታይ ንግበር ይቐርቡና እዮም ዘለዉ” ድማ በሉና።

“ኣነ ብወገነይ ኣብ’ዚ ንጽናሕ ብሃላይ እየ” በልኩዎም። “ኣብ’ዚኣ ኮፍ ኢልና እንተ ጸኒሕናዮም እንታይ ከይገብሩና እዮም፤ ስለ’ዚ ሕራይ እንተ ኢልኩም ኵላትና ኣብ’ዚ ንጽናሕ” ክብል ሓሳበይ ኣቕረብኩ። ጽንሕ ኢላ ድማ ሓንቲ ሰበይቲ ምስ 2 ደቃ ተጸምበረትና።  

ብ እቲ ዘቕረብኩዎ ሓሳብ ተስማዕሚዕና እውን ኣብኡ ክንጸንሕ ወሰንና። 8 ሰባት እይና ነይርና፤ ኣብ መንጎ ግን ሓደ ሬንጀር ዝሕብሩ ቁምጣ ስረ ዝገበረ መንእሰይ መጺኡ ተሓወሰና። ነገር ግን ተራጋጊኡ ኮፍ ክብል ኣይክኣለን። እታ ብዓል ገዛ ድማ፡ “ኣታ ወይ ኮፍ በል፣ ወይ ድማ ኽይድ” በለቶ። ናይ ኵላትና ስግኣትን ሓሳብን ድማ እያ ተዛሪባ። እቲ ወዲ ድማ ወጺኡ ገዲፉና ክየደ። መጨረሽታ ግን ጽቡቕ ኣይገጠሞን።

ልክዕ ሰዓት 8:26 ታንክታት ኣብ ማእኸል እታ ከተማ በጺሐን ክሓልፋና ጀመራ። 17 ታንክታት ምስ ሓለፋ ድማ እግረኛ ሰራዊት ኢትዮጵያ  ኣባና በጽሑ። ከላሽንን ብሬንን እናተኰሱ እዮም ዝመጽኡ ነይሮም፤ ጨነቐና ድማ። እቶም ሰራዊት፡ መጺኦም  ከበቡና። “ኢድኩም ንላዕሊ ገይርኩም ተምበርከኹ” ተባሂልና፤ ተንበርከኽና።  እታ ናይ ሞትን ሕየትን ሰዓት ነይራ።

ዝበሉና ኵሉ ፈጸምና። ቅድሚ ሓደ ሻምበል ምምጽኡ እቶም ወታደራት ኵሎም፡ “ንረፍርፎም” ኢሎም ተዛራረቡ። ‘ሁላችሁም ነው እምናስወግዳችሁ‘ ድማ በሉና። ኣነ ድማ ‘ምን ኣደረግን እኛ እናንተን ኣምነን ነው እዚሁ ቁጭ ብለን የጠበቅናችሁ‘ ኢለዮም። ንሳቶም ድማ ‘እናንተ እኮ ናችሁ እዚህ ዓዲ ቡኽራይ እና ጓልባድማ ላይ የጨፈጨፋችሁን ስለዚህ እንገድላችኋለን‘ ኢሎምና። 

ግን ዕድልና ግዲ ጽቡቕ ኰይኑስ እቲ መራሒኦም ዝነበረ ሻምበል ከተፍ በለ። ከምኡ ኢሎም እንትዛረቡ ድማ ሰመዖም። ‘ኣቍሙ እነዚህ ሰዎች ምን ኣደረጉን ሰላማዊ ናቸው እኮ‘ ኢሉ ተቘጠዖም። “ሂወትና ግዲ ክትድሕን እያ” ምባል ጀመርና።

እቲ ሻምበል፡  ፈትሽዎም ምስ በሎም፡ ፈቲሾምና፤ ምስ ወድኡ ድማ፡ ናብ ገዛ ኣእትዮም፡ “ከይትወጽኡ ካልኦት ሓይልታት ከይጐድእኹም” ኢሎም ብደገ ዓጽዮምና ከዱ።

ኣብኡ ተዓጺና እናሃለና ግን፡ ሓደ ዝግዕር ሰብ ሰማዕና።: ምሳና ዝነበረ፡ ግን ድማ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዝነበሮ ሰብ እዩ ነይሩ። “ኮፍ ኣይብልን” ምስ በለ፡ “እሞ ኽይድ” ኢልናዮ።  ኣነ ድሓር እየ ናይ ኣእምሮ ሽግር ከም ዘለዎ ዝፈለጥኩ። ንሱ ድማ እዩ ኣብ ጥቓና ኰይኑ ዝጋዓር ዝነበረ። መሕዘኒ! ንደገ ምስ ወጽአ ረሺነሞ ከይዶም። 

ቀጺልና ድማ ናይ ካልኦት ሰባት ድምጺ ሰማዕና። ከባቢ ሰዓት 9:30 ኣቢሉ ይዀን። ናብ በሪ ገጽ ጽግዕ ኢለ ከዳምጽ ምስ ጀመርኩ ግን ዝገርም ነገር ሰማዕኹ። እቶም ሰባት ትግርኛ እዮም ዝዛረቡ። መን ምዃኖም ምርኣይ ድማ ጀመርኩ። ሰራዊት ኤርትራ እዮም ነይሮም። ሰራዊት ኤሪትራ መሬት ትግራይ ዝረገጸላ እታ ናይ መጀመርታ  መዓልቲ ድማ ትመስለኒ። ንምታይ ሲ ገና እቲ ኲናት ኣብ ምጅማሩ እዩ ነይሩ። ከምኡ እውን ብ ካልእ ከባቢ ትግራይ ምእታዎም ኣይሰማዕኹን ነይረ።ተገረምኩ ድማ።

እቶም ሰራዊት ኢትዮጵያ እናተኰሱ እዮም ኣትዮም። “ኲናት ኣብ ዘይብሉ ንምንታይ ይትኵሱ ኣለዉ  ግን? እንዲዒ!” እናበልና ንዛራረብ ነይርና። ድሓር ግን ለካ ኣብ ቅድሚኦም ዘዝረኸብዎም  ሰባት እንዳቐተሉ እዮም መጺኦም። 

ኣወዳት ዝዀንና ብናይ ድሕሪት በሪ ገይርና ወጺእና፡  ነናብ ገዛና ክንከየድ ከም ዘለና ተዛራሪብና ተልዓልና። ንተን ደቂ ኣነስትዮ ግን ኣብኡ ክጸንሓ ነጊርናየን። 

ምስ ወጻእና ድማ ንምእማኑ ዘጸግም ነገር ብኣዕይንትና ርአይና።  ናይ ሓሙሽተ ሰባት ሬሳ ኣብ መንገዲ ተሰጢሑ፡ እቶም 4 ድማ ንፈልጦም ሰባት እዮም ነይሮም። ኣዚና ሰንበድናን ደንገጽናን። 

ቀጺልና ድማ ዝረአይናዮ ግፍዒ ሰራዊት ኤሪትራ፡ ኵሉ ገዛውትን ትካላት ንግድን እንዳኸፈቱ ኣቝሑ ናብ ኢነትረ መኻይኖም  ምጽዓን  ምጅማሮም እግረመልና።  እቲ ሕጂ ኵሉ ሰብ ዝዛረበሉ ዘሎ ዘረፋ ንብረት  ንሕና ብዕለት 2 ሕዳር እይና ብኣካል ርእይናዮ። ምንም ነገር ኣይገደፉን፤ ዝገደፍዎ ድማ ናብ ጽርግያ ኣውጺኦም እዮም ይድርብይዎ ወይ ድማ የቃጽልዎ ነይሮም።  

ሸራሮ  ዓዲ ገድሊ፣ ምጅማር ባይቶ ትግራይ እዚ ኰይኑ ዕጫኣ!?  

ካብ እቶም ሰራዊት ኤርትራ 5 ዝዀኑ ጸዊዖም ንዓይ ኣዛሪቦምኒ ነይሮም። “እንታይ ትገብሩ ኣብ’ዚ?” ኢሎምኒ። “ገዛና ኣብ’ዚ ሰለ ዝዀነ” ኢለዮም። ንሳቶም ድማ፡ “ነብስኹም እንተተድሕኑ ኣይሕሸኩምን?” ድማ በሉኒ።

ቀጺሎም ድማ፡ “እቶም ፌደራል ( ሰራዊት ኢትዮጵያ ማለቶም እዮም) ከይቀተልኹም ካብ’ዚ እንተትኽየዱ ይሕሸኩም፤ ኣብ እቲ መንገዲ እኮ ምዓት ሰብ እዮም ቐቲሎም” ድማ በሉና። ለካ ካብ ምእታው  ክሳብ ምውጻእ ከተማ ሑመራ ብዙሓት ሰባት እዮም ቐቲሎም፤ ንሕና ገና ዘይርአይናዮ ጕድ ነይሩ እዩ። 

ብዕለት 2 ሕዳር ዝተቐተሉ ኵሎም ሰባት ሰራዊት ኢትዮጵያ እዩ ረሺንዎም።

ሰራዊት ኤርትራ ምሉእ ለይቲ ኣብ ምዝራፍ እዩ ሓዲሩ። ከምኡ እውን ተዋጋኣይ ሰራዊት ምስ መካናይዝዱ  ናብ ሸራሮ ኣትዩ ሓደረ።

ዕለት 3 ሕዳር ድማ ክልቲኦም ወረርቲ ሰራዊት ካብ ዓዲ ሃገራይ ጀሚሮም እቲ ናይ ሕብረት ኲናት ጀሚሮሞ።

ዝተወሰኑ ዓበይቲ ዓዲ ከተማ ሸራሮን ንሕናን እይና ኣብ እቲ ከተማ ጸኒሕና ነይርና። ብዕለት 3 ሕዳር ድማ ብዙሓት ሬሳታት  ኣብ መንገዲታት እታ ኸተማ  ምርኣይ ጀመርና። ኣነ ብዓይነይ ዝርኣይኹዎም 13 ይበጽሑ። ብድምር ልዕሊ 20 ዝዀኑ ሰባት ብዕለት 2 ሕዳር ተቐቲሎም እዮም። ክንቀብሮም ሓቲትና እውን ሰራዊት ኢትዮጵያ ከልኪሉና እዩ። ድሕሪ 1 ሰሙን እዮም ሓመድ ኣዳም ለቢሶም።

ዜናሁ ለግፉዕ፡ ስም ብርዒ ብ ዓይኑ ብዙሕ ግፍዒ ተጋሩ ዝርአየ ሰብ እዩ። ፈለማ ኣብ ሸራሮ፥ ካብኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፥ ሀዚ ድማ ኣብ ጅቡቲ።

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT