Connect with us

Uncategorized

ሳወት፦ሓይልታት ናፅነት ዘይውከልሉ ዘተ ተቐባልነት የብሉን!

Published

on

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ገና ካብ ብጉሓቱ ነይሩ፡ ኣብ መንጎ ስርዓት ኢትዮጵያን ህወሓትን  ክካየድ ዝተብሃለ ድርድር፡ ብውፅኢቱ ‘ኣብ ጥፍኣት ትግራይ ኢትዮጵያ ናይ ምድሓን ዘተ ክኸውን እዩ’ ብምባል ተቓውምኡ  ዝገለፀ።  እዚ ኣብ ክልቲኦም ኢትዮጵያ ናይ ምድሓንን ምቕፃልን ባህጊ ዘለዎም ሓይልታት ክሳለጥ ዝተብሃለ ዘተ ከምቲ ልሙድ ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ዘሀግር ካብ ምዃን ዝሓልፍ ኣይኾነን ዝብል ቅዋም ከምዝወሰደ ድማ ዝፍለጥ እዩ። ውድብና ‘ንትግራይ ዝውክል ኣነ ጥራይ እየ’ ዝብል ዕቡይን ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ዝሃስይን ኣከያይዳ ህወሓት፡ ትኽክል ከምዘይኾነ ብምኽንያት ኣደጊፉ ከምዝሞገተን መፍትሕታት ከምዝሓበረን ድማ ናይ ቀረባ ግዘ ተዘክሮና እዩ። ትግራይ ኣብዚ ድርድር ብህወሓት ጥራይ ምውካላ ዝህቦም ብልጫ ዝፈልጡ ታሪኻዊ ፀላእትና ድማ ምስ ህወሓት ጥራይ ብምዝታይ፡ ብጥይት ዘይረኸብዎ ዓወት ዘተ ብዝብል ምስምስ ተጠቒሞም ረብሓታቶም ከረጋግፁ ምድላዋቶም ምውግጋን ካብ ዝፍልሙ ቀንዮምሉ ኣለው። ይመላእ-ይፈፀም ሕብረት ኣፍሪካ ሻራዊነቱ ንኢትዮጵያ ምግባሩ ከይኣክል፡ ንስርዓት ሻዕቢያ እውን ኣካል እቲ ድርድር ክኸውን ዕድመ ኣቕሪብሉ ኣሎ። እዚ ኩነት ዓቕሚ ምድርዳር ትግራይ ክንደየናይ ከምዝወረደ ዘርኢ ኾይኑ ዕፃ ትግራይ ካብ ኢድና ይወፅእ ከምዘሎ እውን ዘመላኽት እዩ። እቲ ንዘተ ክቕመጥ እዩ ዝተብሃለ ሓይሊ ትግራይ፡ ኣብታ ረብሓ ትግራይ ጎዝዩ እውን ከድሕና ዝሸባሸበላ ዘሎ ኢትዮጵያ ትበሃል ዓዲ ክህልዎ ኣብ ዝኽእል ናይ ስልጣን ትሕዝቶን ድልድልን እንተይኾነስ ረብሓ ትግራይ ማእኸል ዝገብር ዘተ ከካይድ እዩ ዝብል ትስፍው እንተልዩ፡ እቲ ‘በይነይ እየ ዝደራደር’ ኢሉ ዝሓንገደ ህወሓት ዘለዎ ፖለቲካዊ እምነት ዘየስተብሀለ እዩ ዝኸውን።ሳልሳይ ወያነ ትግራይ እቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ፅንተት ምስ ዝፈፀመ ሓይሊ ኢትዮጵያ ክግበር ዝኽእል ዘተ፡ ገና ካብ ብኣግኡ ነይሩ ባህግን ብሄራዊ ረብሓን ትግራይ እምበር ሕገመንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረት ዝገበረ ዘተ ክኸውን የብሉን ኢሉ ዝሞገተ። እንተኾነ ግን ብወገን ህወሓት

ይኹን ስርዓት ኢትዮጵያ እቲ ንትግራይ ብኹለመዳይ ዘድቅቕን ዝፈረሰን ሕገመንግስቲ ማእኸል ዝገብር ዘተ ከካይዱ ቅዋም ከምዝወሰዱ በብገፆም ይዛረቡ ኣለው። ሕገመንግስቲ መሰረት ዝገበረ ዘተ ይካየድ ምባል ማለት፡ ብሓፂሩ  እቶም ህዝቢ ትግራይ ደም ደቁ ከፊሉን ተፈጥሯዊ መሰሉ ተጠቒሙን ምእንተ ህላውኡ ዘቖሞም ትካላት ክፈርሱ ፍቓድ ምሃብ ማለት ኮይኑ፤ ብተወሳኺ ህወሓት፡ ባህጊ ህዝብናን ሰራዊትናን ዝኾነ ናፅነት ትግራይ ብምህጋር፤ ኩሉ ዓይነት ግፍዒ መመሊሳ ንዝፈፀመትልና ኢትዮጵያ ከድሕን ይሸባሸብ ከምዘሎ ብቕሉዕ ዘርኢ እዩ። ካብ ብሄራዊ ረብሓ ትግራይ ንምቕፃል ስልጣኑ ቀዳምነት ሂቡ ዝለዓል ኣተሓሳስባ ህወሓት ብውፅኢቱን ሳዕቤኑን እንትዕቀን ኣብ ድርድር ፅቡቕ ታሪኽ(record) የብሉን።  ነዚ እዩ ድማ  ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ባህጊን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ኣረኪዝካ ንዝግበር ድርድር ወጊድ! ዝብል ዘሎ። ሕገመንግስቲ መሰረት ገይሩን ህወሓት ብሕታዊ ወኪል ህዝቢ ትግራይ ብምግባር ክካየድ እዩ ዝበሃል ዘሎ ድርድር እዋናውን ዘላቕን ፀገማት ትግራይና ከምዘይፈትሕ ብምርዳእ፡ ምልኣተ ህዝብና ድርድራት ኹሎም ረብሓን ባህጊን ህዝብና መሰረት ዝገበሩ ክኾኑ፣ ከምኡ ድማ እቲ ድርድር ብተሳትፎ ኩሎም ዓቕምታት ትግራይ እምበር ብድልየት እቲ ጥርኑፍ ዓቕሚ ህዝብናን ሓይልታት ምክልኻል  ትግራይን ብተደጋጋሚ ዘባኽን ዘሎ ሓደ ውድብ ጥራይ ዝግናሕ ከይኾን ቃልስን ድፍኢትን ክገብር ንፅውዕ።

መደራደሪ ዓቕምታትና ሓደብሓደ እናደርበየ፣ ብቐሊሉ ናብ መፃወቲ ሜዳ ፀላኢ ዝኣቱን ሸብረኽ እናበለ ንኺሳራ ካብ ዝዳረገናን ሓይሊን ኣተሓሳስባን ህወሓት፡ ኩሉ ዓቕሚ ትግራይ ዝእክብ፣ ክሳራታትና ዝምልስን መፃኢና ኣብ ንፁር ዕላማ ዝስርትን ፖለቲካዊ ምትዕርራያት ብዝፈጠሮ ብሄራዊ ሓይሊ መፍትሒ ክርከብ ከምዝከኣል ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ደጋጊሙ ገሊፁ እዩ። ሐዚ እውን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኲናት ዘርኢ ምፅናት ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ህዝብና ከም  ወትሩ ብሄራዊ ስምረቱን ሓድነቱን ኣስጢሙ ናፅነት ንዝጥምት ኹለመዳያዊ ቃልሲ ዓርሱ ድልዊ ክገብር ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ይፅውዕ።

ነሓሰ 5/ 2014 ኣ/ግ

መቐለ፣ ትግራይ

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT