Connect with us

ትንተና

ምግምማዕ ሲኖዶስ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ   ኢትዮጵያ ካበይ ናበይ?

Published

on

ብ ፀጋይ ክንፈ

ነዊሕ ድሕረ ባይታ ዘለዎ ኣብ ውሽጢ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዝፀንሐ ምግምማዕ ኣብ እዙ እዋን እውን ብ ውሑዱ ካብ ሰለስተ መኣዝናት (ካብ  ትግራይ፣ ኦሮምያን ጐጃምን) ብዝይብገሱ ሕቶታት ናተሓቘነ ይርከብ። 

1)ካብ ኦሮምያ ይብገሱ ዘለዉ ሕቶታት

ኣብ መንጎ ጳጳሳት  ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ምምቕቓል ናብ ጐነፅን ናዕብን ከኢይዓርግ ኣስጊኡ  ፀኒሑ እዩ። እቲ ዝተኸስተ ምግምማዕ፡ ድሕሪ  ክልል ኦሮምያ ናይ ባዕላ  ጳጳሳትን ሲኖዶስን ክይህልዉዋን፤ ስብከታትን ቃለ ቡራኼን ድማ ብ ቋንቋ ኦሮምኛ ጥራሕ ክይካየድ ናይ ኦሮምያ ሲኖዶስ ብዝመስረቱ መራሕቲ ሃይማኖት ምስተገለፀ እዩ፡፡

ምግምማዕ ናይቲ ሲኖዶስ ንፖለቲካዊ ? ንሃይማኖታዊ ዕላማ

ውሳነታትመራሕቲ ሃይማኖት ክልል ኦሮምያ ጒልባብ ኰይኑ ድኣ ብቕድሚት ይምፃእ እምበር፡  ቊጠባዊ፣ ፖለቲካውን ልዕልና ንምውናን ዝይግበር ንሕንሕ ምዃኑ እውን ይንገር እዩ። እዙ ንሕንሕ እዙይ ብ ቐንዱ  ኣብቶም ዝሓለፉ 60 ዓመታት  ብጒልባብ ሃይማኖት ዝተኻየደ ፖለቲካውን ቍጠባውን ዕብለላ ዝወለዶ ምዃኑ እውን እቶም ናይ ኦሮምያ መራሕቲ ሃይማኖት ይገልፁ፡፡

ምውግጋዝ

ሲኖዶስ ኦሮምያ ዝብሃል ሓዱሽ ሲኖዶስ ዘጣየሹ ጳጳሳት ፤ ብ ዕለተ ሰንበት 14 ጥሪ 2015 ዓም፣ ኣብ ከባቢ ወሊሶ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን፡ ን 26 ጳጳሳት ዝውሃቡዎ ስይመት ኣብ ውሽጢ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ሓያል ክትዕን ቍጥዐን ክይብገስ ምግባሩ ይፍለጥ።  ንኡ ስዒቡ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ኣኸባ፡ “እቲ ዝተፈፀመ ኢ-ሕጋዊ ተግባር ብመንፅር ሕጊ ሰብእን ብሚዛን ሕገ እግዝኣብሄርን ዝተወገዘ፣ ካብ መሰረት እምነት ዝተፈለየ፣ ብቀኖና ኣቦታት፣ ብሕግን ሓፈሻዊ ምምሕዳርን ቤተ ክርስትያንን ቕቡልነት ዘየብሉ እዩ” ብምባል ውሳነ ምሕላፉ ይዝከር። ነቲ ስይመት ዝውሃቡ ኣባ ሳዊሮስ፣ ኣቡነ ኤዮስጣቴዎስን ኣባ ዜና ማርቆስን “ንቀኖና ቤተ ክርስቲያን ብምጥሓስ ብዘኢተወሃቦም ስልጣን 26 ኤጲስ ቆጶሳት ብምይስያምን ሲኖዶስ ኣጣዪሽና እይና ብምባሎምን” ምሉእ ናይ ክህነት ስልጣኖም ተሰሪዙ፣ ተወጊዞም ምስ ብፆቶም ካብ እታ  ቤተክርስትያን ከም ዝተኣለዩ ኣፍሊጡ ነይሩ እዩ።

ግብረመልሲ ናይ እቶም ዝተወገዙ ጳጳሳትን ኤጲስቆጶሳትን ኦሮምያ፡ ብ 19 ጥሪ 2015 ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ ዝተገለፀ ኰይኑ፤ ኣስታት 12 ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ነቲ ኣኸባ ብምስሕሓት ኣብ ኣመንቲ “ምድንጋር ፈጢሮም” ብምባል፤ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ውግዘት ብምቅዋም፤ ንሳቶም ብግደኦም ኣብ ልዕሊ እቶም ዘወገዙዎም ጳጳሳት ውግዘት ኣዊጆም እዮም።  

ካብ ምፍሳስ ደም ናብ ዕርቀሰላም

ነቱ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ዘጋጠመ ፀገም ኣመልኪቱ ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ካብ 29 ጥሪ 2015 ጀሚሩ ኣብ ዝተገበረ ናይ ሰለስተ መዓልታት ፀሎት ነነዌ፡  ምእመናን ፀሊም ናይ ሓዘን ክዳን ተኸዲኖም ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያ ተክርስትያን ኣብ ዝካየድ ስነ ስርዓት ፆምን ፀሎትን ክይሳተፉ ኣዚዙ። እዙ ናይ ሓዘን ትእዛዝ ዝተኣወጀ፡  ኣብ መንጐ እቶም  መራሕቲ ሃይማኖት ብዝተፈጥረ ቅርሕንቲ፡ ቍፅሪ ዝተቐትሉ ኣመንቲ ሰለስተ ከም ዝበፅሐ ድምፂ ኣሜሪካ (ቪኦኤ) ድሕሪ ምፅብፃቡ እዩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣብ እታ ቤተ ክርስትያን ዝተፈጥረ ፀገም ንምፍታሕ እቶም ኣቦታት ብዕለት 8 ለካቲት 2015 ብዝገበሩዎ ልዝብ ናብ ዕርቀ ሰላም ከም ዘምርሑ ተሰማሚዖም። ብመሰረት እቲ ስምምዕ እታ ቤተ ክርስትያን ዝዀነነቶምን ዘወገዘቶምን ሰለስተ ሊቃነ ጳጳሳት (ኣቡነ ሳዊሮስ፣ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን ኣቡነ ዜናማርቆስን) ምስ ብፆቶም ናብ እቲ  ዝነበሩሉ ሃገረ ስብከትን ምዓርግን ክምለሱ፥

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ብቋንቋ ኦሮምኛ ትምህርቲ ቅዳሴን ካልኦት ኣገልግሎትን ንክይወሃብ  ዝተጀመረ ስራሕ፡ ጠለባት ህዝቢ ብዝየዕግብ መንገዲ ክይጠናኸሩ፤ ኣብ ሃገረ ስብከታት ኦሮምያ፡ ነቲ ቋንቋ ዝፈልጡን በቲ ቋንቋ ዝየገልግሉን ጳጳሳት ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝካየድ ቀጻሊ ርክበ ካህናት ክይስየሙ፤ ኣብ ምምሕዳራዊ ጒዳያት፥ ፋይናንስ፥ ምምዳብን ምቍፅፃርን ዝይረኣዩ ክፍተታት ብመጽናዕቲ ክይማሓየሹን ክይጠናኸሩን ምግባር ዝብሉ ዝይርከቡዎም ዓሰርተ ነጥብታት ዘጠቓልል ሰነድ ተፈራሪሞም ተዓሪቖም ኣለዉ።

ውሕስነት ዘየብሉ ስምምዕ

ከም እዙይ ዓይነት ስምምዕ  ኣብ መንጐ ተወለድቲ ኦሮምያ ዝዀኑ መራሕቲ ሃይማኖትን ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያን ሓዱሽ ኣይኰነን። ኣብ መወዳእታ ዓመት 2011 ዓም ተወለድቲ ኦሮምያ ዝዀኑ መራሕቲ ሃይማኖት  እታ ቤተ ክርስትያን፡ ቤተ ክህነት  ኦሮምያ ከም ዘጣየሱ ገሊፆም ነይሮም እዮም። ብ ዕለት 2 ጳጒሜን 2011 ዓም  ኣካቢ 

ቤተ ክህነት ኦሮምያ ከቕውም ዝተንቀሳቐሰ ኮሚቴ ዝዀኑ ሊቀ ኣእላፍ ቀሺ በላይ መኰነን ምስቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ክራኸቡ ቈፀሮ ሒዞም ከኢተረኽቡ ብምትራፎም ቅዱስ ሲኖዶስ ንሕትቶ ኮሚቴ ምጥያስ ቤተ ክህነት ኦሮሚያ ኣወጊዙ ነይሩ እዩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ጒዳይ ብስምምዕ ከም ዝተፈትሐ ተገሊፁ እኳ እንተ ነበረ፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ግን እቱ ጒዳይ ካብ ሕትቶ ምጥያስ ቤተ ክህነት ናብ ሕትቶ ምጥያስ ሲኖዶስ ገዲዱ ክይመፅእ ክኢሉ እዩ። ኣብ እዙ እዋን እዙይ ተፈፂሙ ይበሃል ዘሎ ስምምዕ ውን ተፈፃምነቱ ኣጠራጣሪ ዝይዀን ካብዚ ብምብጋስ እዩ።

2. ካብ ትግራይ ይብገሱ ዘለዉ ሕቶታት

ምጥዕጣዕ ቤተ ክህነት  መንበረ ሰላማ ኣብ ትግራይ

 ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2014 ዓም ንህሉው ኵነታት ትግራይን ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያንን ኣመልኪቶም ዝተመያየጡ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ፡ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ከም ዘጣየሹ ኣፍሊጦም እዮም።። እቶም መራሕቲ ሃይማኖት “ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ንዝተኻየደ ኲናት ደጊፉን፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት እምነትን ኣመንትን መጥቃዕቲ እንትትበጽሕ  ስቕ ኢሉን እዩ” ብዝብል ናይ ባዕሎም ቤተ ክህነት ክየጣይሹ ከም ዝተገደዱ ተዛሪቦም።

 መንበረ ሰላማ ንመንበረ ተክለሃይማኖት ክይትክእ ዝተደልየሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ካብ ዘመነ ኣክሱም ክሳብ እዙ እዋን እዙይ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዘለዋ ቀጥታውን ኢቀጥታውን ኢድ ኣእታውነት፡ በረከትን መርገምን እናወለደላ ፀኒሑ እዩ። ሃይማኖት ክርስትና ንፈለማ እዋን፡ ብ356 ዓም ብዘመነ ንግስነት ኣብርሃ ወኣጽብሃ ብስብከተ ወንጌል ኣቡነ ፍሬምናጦስ (ኣቡነ ሰላማ)፡ ሃገራዊ እምነት ክይዀን ምስ ተኣወጀ፤ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ኣክሱም ዝነበሩ መራሕቲ ሃይማኖት  ቀለስቲ ሃይማኖትን ፖለቲካን ክይዀኑ በቒዖም እዮም። ኣብ እቱ ዘመን እቱይ ዝተሰርሑ በረከታት ናይ እታ ቤተ ክርስቲያን ዝዀኑ ዝይድህሰሱን ዘኢይድህሰሱን ሓድግታት ክሳብ እዙ ዘመን እዙይ ዘሊቖም ኣለዉ። ኣብ እዙ ዘመን ኣብ ትግራይ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝይርከቡ ከም ስነ-ስእሊ፣ ስነ-ህንፃ፣ ሰነ-ፅሑፍ፣ ዜማን ካልኦትን ሓድግታት ናይ እቱ ዘመን እቱ ምዃኖም ዝይስሓት ኣይኰነን። 

ምድኻም ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኣክሱም ኣብ ትሕቲ መንበረ ተኽለሃይማኖት ሸዋ

  ኣብ ከባቢ 1260ታት ዓም ንግስነት ዛጒዌ ብንግስነት ሸዋ ምስ ተተክአ ኣብ ኣክሱም ዝነበረ መንበረ ሰላማ፡ ኣብ ሸዋ፡ ብመንበረ ተክለሃይማኖት ምትክኡ ስዒቡ ኣብ  መንጐ  መራሕቲ ሃይማኖት ኣክሱምን ሸዋን ዝተበገሰ ጐነፅ ብዙሓት ታሪኻዊ ምዕራፋት ተሳጊሩ ክሳብ እዙ እዋን ክይቕፅል ይርኣይ ኣሎ ። 

ብመዳይ ሃይማኖት ዝነበረ ፍፃመታት ብሓፂሩ እንትይድህሰስ 

ብቱ ዘመን ሓረግ ሰሎሞናዊ ስርወንግስነት ኣለኒ ኢሉ ዝተበገሰ ይኩኖኣምላክ (1262- 1277) ኣብ ኣብ ገዳማት ትግራይ( ደብረ ቢዘን፣ ቈየፃ፣ ደብረ-ኣባይ፣ ካብ እንደርታ ክሳብ ዓጋመን እንባስነይቲን) ኣብ ዝነበሩ ኣመንቲን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝተጨፍጨፉሉ ምዃኑ ዝይንገረሉ ታሪኽን ኣክሱማውያን ንልዕሊ 900 ዓመታት ሃኒፆምዎ ዝፀንሑ ስነ መለኮታዊ ኣስተምህሮን እምነትን ብምድኻም ብናይ ሸዋ ንምትካእ ዝተኸየደ ጉዕዞ፡ ቀፂሉ ኣብ ዘመነ ንጉስ ዘርኣያዕቆብ፡ እቶም ኣክሱም ዝመሰረቱ ሃይማኖታዊ ቅዋም ሒዞም ክይካትዑ ዝፀንሑ ልዕሊ 500 ምሁራት ሃይማኖት ትግራይ ዝዀኑ ደቂቀ እስጢፋኖስ ፀረ-ማርያም ዝይብል መፀለምታ ተለጢፉሎም ክይኽሰሱን ሰዓብቶም ዝዀኑ ደቂ ትግራይን ደቂ ምድሪ ባሕሪ (ናይ ሎሚ ኤርትራን)ን ደቂቀ “እስጢፋ” ወይ ድማ ተኸተልቲ ሰይጣን ናተብሃሉ ክይሳቐዩ ዝተገበሩሉ ቍስሊ፣ ምስቶም ቀዳሞት ተቐበልቲ ናይ እቱ ሃይማኖት ዝዀኑ ኣቦታት ሃይማኖት ትግራይ (ናይ ሎሚ ኤርትራ ሓዊሱ) ኣፈላላያት ንክይፍጠር ጠንቂ ኰይኑ እዩ ብዝይብል ኣብ ትግራይ ብዘለዉ መራሕቲ ሃይማኖት ይውቀስ። 

እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ድሕሪ ውድቀት ሰለሞናዊ ስርወንግስነት ኣብ ሰለስተ ምግምማዑ

 ኣብ 1262 ዝተጀመረ ሰለሞናዊ ስርወ ንግስነት 1966 ዓም ምስ ምብቃዕ ስርዓት ሃይለስላሰ ዘብቅዐ ኰይኑ: ንስርዓት ሃይለስላሰ ዘውደቐ ስርዓት ደርግ ይኽተሎ ዝነበረ ርእዮተ ዓለም ኣንፃር እታ ቤተ ክርስቲያን ዘቕንዐ ብምንባሩ ኲሎም መራሕቲ ሃይማኖት እታ ቤተክርስትያን ንመሰል ሃይማኖትን ደቅቂ ሰባትን ክይቃለሱ እዩ ይግባእ ዝነበረ። ይዅን እምበር ስርዓት ደርግ ነቶም ናይ መወዳእታ ንጉስ ሰለሞናዊ ስርወንግስነት ዝነበሩ ሃፀይ ሃይለስላሴ ብ1966 ዓም ክዓልዎም ከሎ፤ እንኮላይ ነቶም ብ1963 ዝተሸየሙ ፓትርያርክ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ቴዎፍሎስ ውን ብ1969 እንትይትሎም ዝተረፉ መራሕቲ ናይ እታ ቤተክርስትያን ግን ኣብ ጐድኒ እቱ ስርዓት ቀፂሎም ብዝብል እዩ ኣብ ትግራይን ኤርትራ ብዝነበሩ ኣቦታትን ምእመናንን  ዝይኽሰሱ። እዙይ ድማ ሲኖዶስ እታ ቤተክርስቲያን ድሕሪ ውድቀት ደርግ ንኽይገማማዕ ምኽንያት ኰይኑ እዩ።   ርእሱ ክኢሉ ክቐውም፣  ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ናይ ውሽጢ ዓድን ስደተኛን ተባሂሉ  ኣብ ክልተ ክይግማዕ ክኢሉ እዩ።

ስርዓት ደርግ ብ1983 ዓም ምስ ተዓልወ እቶም ነቲ ስርዓት ይድግፉ ዝነበሩ ዝተብሃሉ ፓትርያርክ ብፁእ ኣቡነ መርቆሪዮስ  ብፁእ ወቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ ጳውሎስ ዝተተክእሉ ኵነታት እዩ ተኸሲቱ። ብጹእ ኣቡነ መርቆሪዮስ ብወገኖም ናብ ኣሜሪካ ተሰዲዶም ስደተኛ ሲኖዶስ ክይምስርቱ ውን ምኽንያት ኰይኑ። ከም ውፅኢቱ ድማ ቅድም ኢሉ ኣብ መሪሕነት ፓትሪያርክ ብጹእ ኣቡነ ጳዉሎስ፣ ድሕሪ ሕልፈቶም ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ዝይምራሕ ሲኖዶስን፡ ንብጹእ ኣቡነ መርቆሪዮስ ፓትሪያርኩ ገይሩ ዝወስድ “ስደተኛ” እናተብሃለ ዝፅዋዕ ሲኖዶስን ተፈጢሮም እታ ቤተክርስቲያን ንኣስታት 30 ዓመታት ተገማሚዓ ክትፀንሕ ተገዲዳ።

ድጉል ቅርሕንቲ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስትያን

 ኣብ 1983 ዓም ኢህወደግ ናብ መሪሕነት እንትይመጽእ፡ ብራብዓይ ፓትሪያርክ ኣቡነ መርቆሪዮስ ሕጉስ ከም ዘኢነበረ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ኣባል ፈጻሚት ስራሕ ማሕበረ ካህናት ኦሮቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ዝነበሩ ቀሺ ኤፍሬም እሸቴ ኣብ 2010 ዓም ንቢቢሲ ኣብ ዝውሃቡዎ ቃለመሕትት ይዛረቡ። ኣብቲ ቃለ መሕትት ተወሳኺ ሓበሬታ ዝውሃበ ኣብ እዙ እዋን  ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዝዀነ ዲያቆን ዳንኤል ክብረት   ብወገኑ ነቲ ኣብ እቱ እዋን ኣብ ስደት ዝነበረ ሲኖዶስ “ብቝጽሪ ኣመንቲ እንተድኣ ተመዚኑ ብጣዕሚ ንኡሽተይ ዩ፡ ብዘንቀሳቕሶ ገንዘብን ዘሕድሮ ጽዕንቶን ግና ድልዱል እዩ።” ዝይብል ምስክርነት ውሂቡ ነይሩ። ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ሓደ ካብ እቶም መስረትቲ ናይቲ ነቲ ኣብ ደገ ዝፀንሐ ቅዱስ ሲይኖዶስ ዝየዳልውን ዕብለላ ሸዋ ክየቐፅል ዝይፅዕርን ምዃኑ ዝይንገረሉ ማሕበረ ቅዱሳን እዩ።

ክልተ ፓትርያርክ ንሓንቲ ቤተክርስቲያን

ኢህወዴግ ብ24 መጋቢት 2010 ዓም  ናይ መራሕቲ ለውጢ ኣካይዱ። ብ20 ሓምለ 2010 ዓም ድማ  እቶም ንኣስታት 30 ዓመታት ተፈላልዮም ዝፀንሑ ናይ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን፡ ሲኖዶሳት ውሽጢ ዓድን ወፃእን፡ ተዋሂዶም ብሓባር ንክይሰርሑ ተሰማሚዖም። ክልተ ፓትርያርክ ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያ ተሸይሞም። 

ብቅዱስ ሲኖዶስ ዝተባረኸ ኲናት

ካብ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓም ዝጀመረ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ትግራይ ዘካየዱዎ ደማዊ ኲናት መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጵያ ባረኹዎ። መራሕቲ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘመነ ደርግ ኣብ ጐድኒ እቲ ስርዓት ደው ኢሎም ብዝይብል ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ናብ ናይ ኣሜሪካ፣ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ክመቓቐሉ ዝገበረ ፍፃመ ዝተደገመሉ ታሪኽ ኰነ።

ድምፂ ፓትርያርክ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ተዓፊኑ

እቶም ፓትርያርክ ብሚያዝያ 2013 ዓም ብቋንቋ ኣምሓርኛ ብ ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣብ ዘሕለፉዎ መልእኽቲ፡ “ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኣረመናዊ ተግባር ንኽቃወም ፈቲነ፤ ግን ዘዳለውኩዎ መልእኽቲ ኣብ ኣየር ከኢይውዕል ናተዓፈነ እየ ክሳብ ሕዚ ጸኒሐ። ኣብ ትግራይ ጭካነ ዝተመልኦ፡ ኣረሜናዊ ስራሕ ይስራሕ ምህላው ዓለም ፈሊጡዎ ኣሎ” ኢሎም ነይሮም።

ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኣቡነ ዮሴፍ ብወገኖም “ቅዱስ ሲኖደስ ውሳነ ከኢውሃበ፡ ቅዱስ ፓትርያርክ ብውልቆም፡ ንቤተ ክርስትያንን ሲኖዶስን ወኪሎም መግለጺ ክይውህቡ ኣይይኽእሉን እዮም” ብምባል እቲ ኲናት ዘኢምውጋዝ ድልየት ናይቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ምዃኑ ኣረጋጊፆም። እቶም ፓትርያርክ ብድሕሪኡ ውን ንትግራይ ሚድያ ሃውስ ኣብ ዝውሃቡዎ መግለፂ፡ ተመሳሳሊ ዓፈናታት ከም ዝበፅሖም ገሊፆም። 

ደገፍ ጳጳሳት ትግራይ ንብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ

ብ19 መጋቢት 2014 ዓም ሊቀ ጳጳስ ሀገረ ስብከት ዞባ መቐለ ብፁዕ ኣቡነ ኢሳያስ ምስ ላዕለዎት ሓለፍትን ሰራሕተኛታትን ሃገረ ስብከት መቐለ፣ ወረዳ ቤተ ክህነት ኣመሓደርቲ 44 ገዳማትን ኣድባራትን፣ ካለኦትን ተኣኪቦም ንመልእኽቲ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘአክሱም ወዕጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ደጊፎም መግለፂ ቅዋም ኣውፂኦም፡፡

ኲናት ምስ ተወደአ ዝተልኣኸ መልእኽቲ ቅዱስ ሲኖዶስኢትዮጵያ ናብ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ

ኣስታት ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ከም ዝሃለቐሉ ዝንገረሉ ኲናት ትግራይ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ደማዊ ውግእ ብዝርርብ ክይፍታሕ ብ 24 ጥቅምቲ 2015 ዓም ኣብ ፕሪቶርያ ስምምዕ ተፈሪሙ። ኣብቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝቐፀለ ኲናት፡ ጳጳሳቱ ናብ ግንባራት ውግእ ብምኽያድ ንወተሃደራት ኢትዮጵያ ክየተባብዑ ይምልከት ዝነበረ ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ብወገኑ፤ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ 2015 ዓም ብ ምምስራት ሲኖዶስ ኦሮምያ  ናይ ምግምማዕ ሓደጋ ምስ ገጠሞ፡  ብ 1 ለካቲት 2015 ዓም እቲ ኣብ እዋን ኲናት ተቛሪፁ ዝጸንሐ ርክብ ምስ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ዳግማይ ንኽጅመር ሓተተ።

 “ቤተ ክህነት መንበረ ሰላማ  ንቕድሚትመልሲ ጳጳሳት ትግራይ፣

ቤተክህነት መንበረ ሰላማ  ትግራይ  ብ11 ለካቲት 2015 ነቲ ካብ ቅዱስ ሲኖዶስ ዝተፅሓፈሉ መልእኽቲ መልሲ ውሂቡ። ቅዱስ ሲኖዶስ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ብባሕቲ ለካቲት 2015 ዓም ናብ ሕድሕድ ሊቃነ ጳጳሳትትግራይ ዝፅሓፎ ደብዳበ  እቲ ህዝቢ ትግራይ ዋጋ ከፊሉ ዝመስረቶ መንበረ ሰላማ ካሳቴ ብርሃን ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ትግራይ ንምብትታትን ዝዓለመ ከም ዝዀነ ሊቃነ ጳጳሳት ትግራይ ምግላፆም ቴለቪዥን ትግራይ ዝዘርግሖ ሓበሬታ የመልክት፡፡

ሓበሬታ ቴለቪዥን ትግራይ ብምቕፃል ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ኣብ ኣብያተ እምነትን ኣመንቲን ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ግፍዒ እንትይፍፀም ክተውግዝ ከም ዘኢክኣለት ምዝራቦም ይገልፅ። እቶም ልቃነ ጳጳሳት መንበረ ሰላማ ቤተ ክህነት ትግራይ ንቕድሚት ከም ዝትስጒምን ኣብ ኲሉ ኲርናዕ ዓለም ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ዝይገብሮ ኵለመዳይ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክይቕፅልን ምፅውዖም ይሕብር፡፡ 

ከበድቲ ሳዕቤናት ናይዞም ፍፃመታት

ምንቍልቋል ቍፅሪ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ

ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ሕዚዉን ዓባይ ትካል እምነት እታ ሃገር እኳ እንተዀነት ቍጽሪ ኣመንታ ግን እናነከየ እዩ ይመጽእ ዘሎ። ንመወዳእታ ግዘ ኣብ 1999 ዓም ዝተኻየደ ቈፀራ ህዝብን ኣባይትን ከም ዝየርእዮ፡ ካብ ሓፈሻዊ ህዝቢ እታ ሃገር 43 ሚኢታዊት ተኸታሊ እቲ እምነት እንትይዀን፡ እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ 1977 ዓም ዝነበራ ሃገራዊ ብጽሒት ምእመን ግና 50 ሚኢታዊት ከም ዝነበረ ይግለጽ። ድሕሪ 1983 ዓም ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ስዓባይ ምሉእ ንምሉእ ስኢናቶ እያ፡፡ ኣብ እዙ እዋን ድማ ኣብ ትግራይ፣ ኦሮምያን ደቡብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ኣመንታ ብ ዝተፈላለየ ምኽንያት ብትካላት ሃይማኖት ደረጃ ዝፍለዩሉ ዘለዉ መንገዲ ኣዝዩ ብዙሕ ቍጽሪ ከጒድለላ ይኽእል እዩ።

ምሽርሻር እምነት ምእመናን ኣብ መራሕቲ እታ ቤተ ክርስቲያን

ብመሰረት ሕግታት ናይ እታ ቤተክርስትያን ጳጳሳት ካብ ኩሉ ኣማኒ እቲ ዝልዓለ ሃይማኖታዊ ስልጣን ዝተውሃቦም እዮም፡፡ ኣመንቲ ድማ እቶም ጳጳሳት ብዝየውርዱዎ ሃይማኖታዊ መምርሒ እዮም ዝይግዝኡ፡፡  ኣብ ልዕሊ እቶም ጳጳሳት ዝይፍፀሙ ኢግቡኣት ጥሕሰታት እታ ቤተ ክርስትያን ክትሕለቐሎም ግቡእ እዩ፡፡  

ኣብዚ እዋን ግን ካብ ኢግቡኣት ጥሕሰታት ሓሊፉፎም፤ ን ዶግማን ቀኖናን ናይታ ቤተ ክርስትያን ዝይጥሕሱ፤ ኣብ እታ ቤተ ክርስቲያን ዝተፈጥሩ ዘኢምቅድዳዋት ስዒቡ ይረአዩ ዘለዉ ፀለመ ኣስማት ብፁኣን ኣቦታት ነቲ ፅኑዕ ዝነበረ እምነት ምእመናን ክይሰብሮን እምነቶም ክይሽርሸርን የገድድ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስን ቅድሚኦም ዝነበሩ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ጳውሎስን ዝርከቡዎም ኣቦታት ዝተኸፍቱ ምጥፋእ ስም መሪሕነት (Character Assassination) ኣብ ኣመንቲ እታ ቤተ ክርስትያን ኣሉታዊ ሳዕቤን ምውራዶም ዝይሕባእ ኣይኰነን።

እታ ቤተ ክርስቲያን ግቡእ ተግሳጽ ክተስምዕ ብዘኢምኽኣላ እቲ ፀለመ ቀፂሉ ይርከብ። ኣብ እቶም ንዘመናት ኣካላ ኰይኖም ዝፀንሑ ጳጳሳት ኦሮምያ ይግበር ዘሎ ወፍሪ ፀለመ ስም ዓገብ ዘኢምባላ፡ ንምሽርሻር እምነት ምእመናን ኣብ መራሕቲ እታ ቤተ ክርስቲያን ናብ ዝኸፍአ ክይወስዶ ይኽእል። ፀለመ ናብ ዝብል መደምደምታ ዝተወስደሉ ምኽንያት እቶም ጳጳሳት ሓዱሽ ሲኖዶስ ብምምስራቶም እንተ ዘኢኰኑ ንጳጳስነትን ነቲ እምነትን ዝይፃባእ ገበን ፈፂሞም ዝይብል ካልእ ቀነኖዊ ኰነ ዶግማዊ ውግዘት ካብታ ቤተ ክርስትያን ስለ ዘኢቀረበሎም እዩ፡፡

ዋጋ ዘኽፈለ መርኣያ

ኣብታ ቤተ ክርስትያን ዝፀንሐ ምክእኣል ክይዕቀብ ብዘኢምኽኣሉ ብ1983 ዓም ዝተነፀለ ሲኖዶስ፤ ኣብ 2015 ንዝተኸስተ ተመሳሳሊ ተነፅሎ ሲኖዶስ ኦሮምያ መርኣያ ኰይኑ እዩ። ዋላ እኳ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦሮምያ ንፓትርያርክ ብፁእ ኣቡነ ማትያስ ከም ዝእዘዝ እንተገለፀ፤ ከም ካልኣይ ኣማራጺ ግን ነቲ ኣብ 2010 ዓም ብቅዱስ ሲኖድስ ኢትዮጵያ ዝጀመረ ክልተ ፓትርያርክ ንሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ክይጥቀመሉ ከም ዝይኽእል ሓቢሩ እዩ። እዚኣቶምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ዋጋ ዝየኽፍሉ መርኣያታት ዘውርዱዎ ሳዕቤን ቀሊል ኣይኰነን።

3. ካብ ጐጃም ይብገሱ ዘለዉ ሕቶታት

ኣብ ጐጃም ዘሎ ሕቶ ካብ እ ኣብ ትግራይን ኦሮምያን ዘሎ ሕቶ ብዓይነቱ ዝተፈለየ እዩ። ካብ እታ ኦርቶዶክሳዊ ተዋህዶ ዝይፍለይ ዶግማ ዝሓዘ እምነት ቅብኣት ከም ዝይኽተል ዝይንገረሉ ኰይኑ ኣብ 2012 ዓም ናይ ባዕሉ ሊቀ ጳጳስ ክሳብ ምስያም ምብፅሑ ይንገር። ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ብወገኑ ብ 3 ሰነ 2012 ዓም  ኣብ ዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ኣብ ሃገረ ስብከት ምብራቕ ጐጃም ንበይኖም ተፈልዮም ሊቀ ጳጳስ ናይ ዝሰየሙ መራሕቲ ሃይማኖት ስይመተ ክህነት ከም ዝኣገደ ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ቅዱስ ሲኖዶስ  እቶም ኣብዚ ድፍረት ዝተሳተፉ ን“ቅብኣት” ይድግፉ እዮም ዝይብሃሉ፡ ካብ ሊቀ ሃገረ ስብከት ክሳብ ሃገረ ስብከት ኣብ ዘሎ መሓውር ክይምርመሩን ክይቕጽዑን ኣዚዙ ነይሩ እዩ።

እምነት ቅብኣት እንታይ እዩ?

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ሓደ እዋን  ፀጋ፥ ካራ እና ቅብኣትን ኣብ ዝይብሉ ሰለስተ እምነታት ተመቓቒላ ካብ ዝነበረትሉ ዝቐፀለ ሓደ ኣካል እምነት እዩ። ሃፀይ ዮሐንስ ፬ይ ኣብ ቦሩ ሜዳ ክትዕ ኣካይዶም ዘውፅኡዎ ሓንቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ክትህልው ዝይእዝዝ ኣዋጅ ሲቡ ሕቡእ ኰይኑ ፀኒሑ ሕዚ ይብገስ ዘሎ ሕቶ እዩ። እዙ ሕትቶ እዙይ ምስ እቶም ኣቐዲሞም ዝተዘርዘሩን ካልኦት ሕትቶታትን ተደማሚሩ፤ ምግምማዕ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ኣበይ ደው ከብል ከም ዝይኽእል ንምግማቱ ኣፀጋሚ ይገብሮ።

ፀጋይ ክንፈ ፍሪላንስ ጋዜጠኛን ክኢላ ክትትል ሓበሬታ ሚድያን እዩ።

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT