Connect with us

Uncategorized

ፃውዒት ዓስራይ መድረኽ መፅናዕቲ ቋንቋታት ትግራይ

Published

on

ኣካዳሚ መፅናዕቲ ቋንቋታት ትግራይ፥ ካብ ጕንበት 10-11/2016 ዓ.ም ዓስራይ መድረኽ መፅናዕቲ ቋንቋታት ትግራይ ከሳልጥ እዩ። ተመራመርቲ፥ ኣብዚ ዓውደ መፅናዕቲ ስዒቦም ካብ ዝቐረቡ ዛዕባታት መፅናዕት ኣብ ዝመረፁዎ ፅሑፍ ከቕርቡ ይዕድም።

ዛዕባታት

፩.፩. ልሳ

  • ኣብ ኣጠቓቕማ ሰዋሰው ቋንቋታት ትግራይ ዘጋጥሙ ፀገማት
  • ትንታነን ተፍትሽን መዛግብተ ቃላት ቋንቋታት ትግራይ
  • ኣጠቓቕማ ቋንቋ ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ (መራኸብቲ ሓፋሽ ኤሌክትሮኒክስን ውፅኢት ሕትመትን)
  • ኣፍ እንዳታት (ላዛታት) ትግርኛ ምእዅል ቋንቋ ኣብ ምፍጣር ዘለዎም እጃምን ዝህልዉ ማሕለኻታትን
  • ዝምድናታት ቋንቋን ማሕበረሰብን
  • ቋንቋታት ትግራይን ስነ-ልቦና ተጋሩን
  • ቋንቋታት ትግራይን ሳይንስን ቴክኖሎጅን
  • ሓፈሻዊ ጠባያት ስነልሳን ትግራይ ብመንፅር፦ ስርዓት ድምፂ፣ ስርዓት መዋቕር፣ ስርዓት ፍትሒት፣ ስርዓት ስያመ ቃላትን ስርዓት መበቈል ቃላትን
  • ዳህሳስ ኣብ ፅሑፋት ስነልሳን
  • ኣብ እዋን ፅንተት ትግራይ (ወራር ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮዽያን ኤርትራን) ዝተፈጠሩ ሓደስቲ ቃላት ቋንቋታት ትግራይ
  • ረቂቕ ምርመራ ስነልሳን (forensic linguistics)
  • መዓላዊ ስነ ልሳን፣ ታሪኻዊ ስነልሳን፣ ማሕበራዊ ስነልሳን፣ ቋንቋን ስነፆታን፣ ልቦናዊ ስነልሳን፣ ኣእምሮኣዊ ስነልሳን (neurolinguistics)
  • ምልክት ቋንቋን መስተጋብር ፍሉይ ድልየትን
  • ቋንቋን ካልኦት ዓውድታትን፦ ቋንቋን ሕርሻን፣ ቋንቋን ጥዕናን፣ ቋንቋን ፍትሕን፣ ቋንቋን ምሕደራን፣ ቋንቋን ፍልስፍናን ወዘተ.

.. ምሃስትምሃልከት

  • ገምጋም መምሀርን ሓገዝትን መፃሕፍቲ ቋንቋታት ትግራይ
  • ብቕዓት መፃሕፍቲ ትግርኛ፣ ሳሆ፣ ኩናማ፣ ግእዝ ንሕፃናት ኣብ ምምዕባል ባህሊ ንባብን ፅሕፈትን
  • ቋንቋ ኣደ፥ ፀጋታቱን ፀገማት ትግበራን ኣብ ምምሃር ምስትምሃር ከይዲ ካብ መውዓሊ ሕፃናት ክሳብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ (ኣብ ኣርባዕቲኦም ቋንቋታት ትግራይ)
  • ኣጠቓቕማ ቋንቋን ፊደላትን ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር

.. ፅሑ

  • ታሪኻዊ ምዕባለ ስነፅሑፍ ቋንቋታት ትግራይ
  • ኣበርክቶ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ምዕባለ ስነፅሑፍ ቋንቋታት ትግራይ
  • ሂሳዊ ገምጋም ስነፅሑፍ ቋንቋታት ትግራይ (ትሕዝቶ፣ ኣጠቓቕማ ቋንቋ፣ ቅዲ፣ ጭብጢ ወዘተ. ዝምድና ስነ-ፅሑፍ ትግርኛ፣ ኩናማን ሳሆን ምስ ስነ-ፅሑፍ ግእዝ
  • ቋንቋ ግእዝ ብመንፅር፦ ሳይንሳዊ ትሕዝቶ፣ ፍልስፍናዊ ትሕዝቶ፣ ስነ-ፅሑፋዊ ጥበብ (ብሉይ ስነ-ሓቲት)ን ሂሳዊ ገምጋም መፃሕፍቲ ግእዝን
  • ሂሳዊ ገምጋም ውፅኢት ስነ-ጥበብ ትግራይ፣
  • ደርፍታት፣ ሙዚቃዊ ድራማን ስነፅሑፋዊ ጥበብን ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፣ ድሕሪ 1983 ዓ.ም. ብራኸ ስራሕቲ ስነፅሑፍ ትግራይን ሂስን ገምጋምን፣
  • ሂሳዊ ገምጋም ውፅኢት ምርምራት ኣመቋት

፩.፬.ትውፊት

ትውፊታት ትግራይ፦ ቍጠባዊ ትሕዝቶ፣ ብመንፅር ማሕበራዊ ርክባት ተጋሩ፣ ሰናድነት ታሪኽ፣ ፍልስፍና ተጋሩን ዝሓዙዎም

ኣንድምታትን ኣምራትን፣ ገላፅነት ባህልን ቋንቋታትን ትግራይ

..ሲምፖካየደሉ ጊዜ:- ካብ ጕንበት 10-11/2016 ዓ.ም

..ረከቢ

  • ሀ. ተመራመርቲ ካብ 200 ቃላት ዘይበዝሕ ማራ መፅናዕቶም ክሳብ ሚያዝያ 25/2016 ዓ.ም.ብ danieldelina@gmail.com ዝብል ኢ-መይል ወይ ብ 0914717599 whatsApp ኣድራሻ ይልእኹ።
  • ለ. ተመራመርቲ፥ ተቐባልነት ዝረኸቡ መፅናዕትታት ወይ ምርምራት ብረቂቕ ፅሑፍ (softcopy) ክሳብ ጕንበት 01/2016 ዓ.ም. ብዝተጠቐሱ ኣማራፂ ኣድራሻታት ናብ መፅናዕቲ ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ኣታዊ ይገብሩ።

መዘኻኸሪ፥ ዝለኣኹ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቅድም ክብል ኣብ ዝዀነ ይኹን መድረኽ ዘይቀረቡን ኣብ መፅሔታት ምርምር ዘይተሓተሙን ክዀኑ ይግባእ።

*ንተወሳኺ ሓበሬታ፥ ቊፅርታት ስልኪ +2519717599 // +251947405255 // +251914731575

Continue Reading
Click to comment

Leave a Reply

Your email address will not be published.

Copyright © TGHAT