ርፍረፋ ማሕበረ ዴጎ፦ ኰዅሒ ዘጠልቀየ ደም ወገን
ገለ ግዳያት ርፍረፋ ማሕበረ ዴጎ

ርፍረፋ ማሕበረ ዴጎ፦ ኰዅሒ ዘጠልቀየ ደም ወገን

ቍጽሪ እቶም ከካብ ከባቢኦም ዝተወሰዱ ሰባት፡ ልዕሊ 76 ይግመት። እዞም ወገናት ድሕሪ ከካብ ከባቢኦም ምልቃሞም፡ ንመወዳእታ ጊዜ ብሂወት ዝተርአዩሉ ንጕሆ ጥሪ 16፡ 2021 ዓ/ም እዩ። ድሕሪኡ: ምሟቶም እኳ ንዳርጋ ክልተ ወርሒ ኣይተፈለጠን ነይሩ። ድምጾም ይዅን ሃለዋቶም ዝሰምዐ ወይ ዝርአየ ስድራ ግዳያት ኰነ ዘመድ የለን። ንመወዳእታ ጊዜ ብሂወት ዝተርአዩሉ ቦታ ክዓ መልዓጣ ከም ዝዀነ መሰኻኽር ዓይኒ ይዛረቡ።

Continue Reading ርፍረፋ ማሕበረ ዴጎ፦ ኰዅሒ ዘጠልቀየ ደም ወገን

ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ደብረ ኣባይ

ብዕለት 28/04/2013 ዓም ንጕሆ ኣስታት ስዓት 12:30 እቲ ውግእ ገና እንተ ኢተዛዘመ ሓዱሽ ተወሳኺ ወታደር ናብ'ቲ ጣብያ ይኣትዉ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ድማ ናብ በረኻታት የንሳሕቡ። ብዝበፅሖም መጥቃዕቲ ዝተቘጥዑ ወታደራት ድማ ኣብ ገገዝኡ ዝረኸብዎ ወዲ ተባዕታይ እናዉፅኡ ምርሻን ጀሚሮም። ደድሕሪ እቶም ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንገጠር ዘምርሑ ወታደራት እዉን ብተመሳሳሊ ዘዝረኸብዎ ሰብ ምርሻን ስራሕና ኢሎም ሒዞሙዎ ውዒሎም።

Continue Reading ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ደብረ ኣባይ

ርፍረፋ ኣብ ደንገላት ጥቓ ዕዳጋ ሓሙስ

ብ ዕለት 21 ሕዳር 2013 ዓ.ም ኣብ ጥቓ ዕዳጋ ሓሙስ ደንገላት ኣብ ዝተብሃለ ቦታ ዓመታዊ ክብረ በዓል ል ምኽባር ኣብ ጥንታዊ ገዳም ማርያም ደንገላት ተኣኪቡ ካብ ዝነበረ ህዝቢ፡ ልዕሊ 82…

Continue Reading ርፍረፋ ኣብ ደንገላት ጥቓ ዕዳጋ ሓሙስ