ኣብ ኢድ ፀላኢ ሰራዊት ኤርትራ ወዲቕና ዝተብሃልናዮ፥  ዝርአናዮን ዝሰማዕናዮን
Image from BBC

ኣብ ኢድ ፀላኢ ሰራዊት ኤርትራ ወዲቕና ዝተብሃልናዮ፥ ዝርአናዮን ዝሰማዕናዮን

ምስ ካልኣዩ ኣብ ኢድ ፀላኢ ሰራዊት ኤርትራ ዝወደቐ ትግራዋይ፡ ስለ ዝገበሩዎ፥ ዝበሉዎ፥ ዝስምዖ፥ ዝርአዮን ዝተዓዘቦን የዘንትው።

Continue Reading ኣብ ኢድ ፀላኢ ሰራዊት ኤርትራ ወዲቕና ዝተብሃልናዮ፥ ዝርአናዮን ዝሰማዕናዮን
ዜና ዕረፍቲ እነይ ኣብርሀት ግደይ
አብርሀት ግደይ (ኣብ 2003 ዓ/ም ዘልዓልኩዋ ፎቶአን)

ዜና ዕረፍቲ እነይ ኣብርሀት ግደይ

ል ሕድሕድ ዝርአየን ሰብ “ቀበርትና ይግበርኩም” ዝትብል ነገር መውፅኢት ኣፈን ነበረት። ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ስቓይ፣ ብ ዕለት 29 ሚያዝያ 2013 ካብ እዛ ዓለም ብ ሞት ተፈልየን። ግን ቀባሪ ሲ ኣይነበረን። ውሑዳት ሰባት ብ ተብትተብ ቀቢሮሙወን። ደቀን፥ ደቂ ደቀን፥ ኣዝማደን፥ ፈተውተን መፂኦም ክቐብሩወን ኣይክኣሉን። ሓደ ስልኪ ስለ ዘየለ ኣብ እዋኑ ብ ምንታይ ይስምዑ? ካልኣይ ክዓ መንገድታት ስለ ዝተዓፀወ፡ ምጕዓዝ ኣይይኽእሉን። ሳልሳይ እቶም ወረርቲ ቀብሪ ኣይይፈቕዱን።

Continue Reading ዜና ዕረፍቲ እነይ ኣብርሀት ግደይ
ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ስድራ ቤት ኣደይ ስላስን
ተጋሩ ኣንሽቲ ኣብ ሓዘን

ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ስድራ ቤት ኣደይ ስላስን

ስድራ ኣደይ ሰላስ መሊሳ ጐዲላ! ኣደይ ስላስ ብሰንኪ ስእነት መድሓኒት ብዕለት 23 ታሕሳስ ዓሪፈን፤ ጓለን ወ/ሮ ጻድቃን ድማ ብዕለት 27 ታሕሳስ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ደብዳብ መዳፍዕ ብምጅማሩ ኣብ በረኻ ክትወልድ ተገዲዳ፣ ብ ዕለት 1 ጥሪ ድማ እቲ ኣዚዩ ጠንካራ መራሒ ስድራ ዝነበረ ገብረሃወርያ ብ እቶም ግፍዐኛታት ወረርቲ ተረሺኑ።

Continue Reading ኲናት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ስድራ ቤት ኣደይ ስላስን
ኣብ ወረዳ ጕሎመኸዳ ከተማ ፋጺ፡ ብ ሰራዊት ኤርትራ ዝዓነወ መባእታዊ ሆስፒታል ዶ/ር ጸጋይ
መባእታዊ ሆስፒታል ዶ/ር ፍጹም፡ ጕሎመኸዳ፡ ፋጺ።

ኣብ ወረዳ ጕሎመኸዳ ከተማ ፋጺ፡ ብ ሰራዊት ኤርትራ ዝዓነወ መባእታዊ ሆስፒታል ዶ/ር ጸጋይ

ሕዚ ግና ሙሉእ ብሙሉእ ብሰራዊት ሻዕብያ ዓንኒዉን መዓስከር ሰራዊት ኰይኑን ይርከብ። ካብ ማዕጾ ጀሚሩ ኣብ እቲ ሆስፒታል ዝነበሩ ንብረታትን ናውቲ ሕክምናን ሙሉእ ብሙሉእ ተዘሪፎም እዮም። ምሳሌታት ንምጽራሕ፡ ዲጂታል ኤክስረይ (ዋጋ ልዕሊ 10.5 ሚልዮን)፥ መሳሪሒታት ላቦራቶሪ ( ዋጋ ልዕሊ 8.8 ሚልዮን)፥ ኣፋውስን ናውት ሕክምናን ( ዋጋ 14 ሚልዮን)፥ ኣልትራሳዉንድ (0.6 ሚልዮን)፥ ልዕሊ 85 ዘመነዎት ዓራታት ተወሲዶም እዮም።

Continue Reading ኣብ ወረዳ ጕሎመኸዳ ከተማ ፋጺ፡ ብ ሰራዊት ኤርትራ ዝዓነወ መባእታዊ ሆስፒታል ዶ/ር ጸጋይ

ዛንታ ኣቦይ ብርሃነ ቀንጠብ፦ መስነቒ ሓቦን ሕራነን

ኣቦና እዘን ይሕተትወን ዝነበሩ ሕቶታት እንተ ዘኢመሊሶም ከም ዝቐትልዎም ይፈልጡ እዮም፡ ግን ድማ ናይ መትከልን ቃልስን ጕዳይ ስለ ዝዀነ ንዘኢምብርካኽን፣ ቃልሲ ህዝቦም ንዘኢምጥላምን ኣብ መትከሎም ምጽናዕ መሪጾም። ን ሰሙናት ከሳቕይዎም ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ኣብ ዘኢተፈለጠ መዓልቲ ረሺኖም ኣብ ጥቓ እታ ከተማ ዝርከብ መንገዲ ሬሰኦም ተደርብዩ ተርየ።

Continue Reading ዛንታ ኣቦይ ብርሃነ ቀንጠብ፦ መስነቒ ሓቦን ሕራነን

ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ደብረ ኣባይ

ብዕለት 28/04/2013 ዓም ንጕሆ ኣስታት ስዓት 12:30 እቲ ውግእ ገና እንተ ኢተዛዘመ ሓዱሽ ተወሳኺ ወታደር ናብ'ቲ ጣብያ ይኣትዉ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ድማ ናብ በረኻታት የንሳሕቡ። ብዝበፅሖም መጥቃዕቲ ዝተቘጥዑ ወታደራት ድማ ኣብ ገገዝኡ ዝረኸብዎ ወዲ ተባዕታይ እናዉፅኡ ምርሻን ጀሚሮም። ደድሕሪ እቶም ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንገጠር ዘምርሑ ወታደራት እዉን ብተመሳሳሊ ዘዝረኸብዎ ሰብ ምርሻን ስራሕና ኢሎም ሒዞሙዎ ውዒሎም።

Continue Reading ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ደብረ ኣባይ